ደራሲ መጽሓፍ ድርሳነ ደም ብሓቂ ዝንኣድን ዝምስገንን ስራሕ ሰሪሑ፡፡ መንእሰይ ሚካኤል እምባየ/ኣራንቺ/ ብግብሪ ዝፈልጦን ዝሰነዶን ብውሕሉል ኣገባብ ከም ትበልዖ እንጀራ ኣብ ቅድሜኻ ዝቕረበልካ ንሱ ድማ  ንህዝቢ ኤርትራእዚ መጽሓፍ እዚ ቀሪቡልና ኣሎ፡፡

 

 

መጽሓፍ ድርሳነ ደም ነቲ ካብ ኩቱር ግርህነትን እምነትን ኣብ ልዕሊ መራሕትና ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ዕሉል ዲክታቶር ኢሳያስ ድማ ብፍላይ መኣዝና ስሒትናዓይንና ዓዊርና እዝንናጸሚምናግዳይ(victim)ቶንኮላቱ ኮና ጸኒሕና ኢና፡፡ ነዛ መጽሓፍ ምስ ነበብካ ናጽነትን ፍስሃን ይወረካሞ ነቲ ቶንኮላት ብሓሳባት ትሕምብስ፡ ተግባራዊ ንምግባሩ ድማ ውጥናት ተናዲ ፍረ መታን ክህልዎ እውን ናብ ምትግባሩ ገጽካ ትጓዓዝ፡፡ ብኡኡ መጠን ድማ ንሚካኤል ኣራንቺ ትፈትዎ ተኽብሮ፡፡ነታ መጽሓፉ ብንእሽቶ ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ መታን ከንብባ ወሲኑ ናብ ህዝቢ ምቕራቡ እዚ መንእሰይ እዚ ብልጫ ዘለዎ ዜጋ ሙዃኑ ትርዳእ፡፡እዚ ኣብ ራድዮ ኤረና ግልጺ ገይርዎሎ፡፡

 

ኣነ ነዛ መጽሓፍ ካብ ሓደ ክቡርን ግዱስን ሓወይ ብናቱ ጻዕሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ገዚኡ ኢዩ ህያብ ሂቡኒ ኣመስጊነ ከንብባ ምስ ጀመርኩ ከይትውድኣኒ እንዳበቐቕኩ ኢየ ኣንቢበ ወዲኤያ፡፡ ኣብቲ ሓቀይና መጽሓፍ ንመብዛሕትኦም ተጠቒሶም ዘለው ዝፈልጦም እኳ እንተኾንኩ እቲ ተግባራቶም ግን ተሓዲሱኒኢዩ፡፡

 

ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ብዙሕ ትምህርቲ ብዙሕ ፍልጠት ኢኻ ትቐስመላ፡፡ በደላትና በደልትና ንኽብድሉና ዘቐመጥዎ ምኽንያት ብግልጺ ተረድኣካ፡፡በደልትና ንርእሶም ተበዲሎምን ተታሊሎምን ከመይ ጌሮም ከምዝብድሉና ግልጽ ኣቢላ ትነግረና፡፡

ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ፈጺምካ ዘይትጽበዮ ኩናት ባድመ ከምዝጀመረን ኣብ ስልጣን ንኽህሉ በቲ ባዕሉ ዝነገረና 19,000 ዜጋታት ኤርትራ ከምዝኸፈልናን ብግልጺ ተቐምጠልና እዛ መጽሓፍ፡፡

 

ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ብወገን ትግራይ ከሰሓሕብ ዝኽእል ቦታታት ባድመ ጥራይ ኣይነበረን ብዕቱብ ብምሓዝ ግን ክዝከረሉ ብዘይክእል ኣገባብ ዝተፈትሔ ኣሎ፡፡ከም ኣብነት ዝጥቀስ ልክዕ ኣብ እዋን ፍሽለት ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ /ሻዱሻይ ወራር/ ብዛዕባ ነበርቲ ሰለስተ ዓድታት/ ሰብዖ  ዑና ይሽሓቕ  ቆሎ ብርዶ ናይ ክልቲኡ ውድባት ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤን ህ.ው.ሓ.ትን ሚልሻታቶም ሒዞም ድፋዕ ተታሓሒዞምስ ካብቲ ቦታ ናይ ኣስታት 5-6 ሰዓታት ርሕቀት ዝነበሮ ቦታ ንዝነበርና ናብቲ ቦታ ጸገም ብህጹጽ ክንበጽሕ ተሓቢርና ብጉያ ድማ በጺሕና፡፡በቲ ኩነታት ተገሪምና ድማ ነቶም ድፋዕ ሒዞም ዝነበሩ ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣተሲእና ክልቲኦን ናብ ድሕሪኦም ከምዝምለሱ ብምግባር እቲ ናብዚ ዘብጽሐ ኩነታት ሓቲትና፡፡

 

ብወገን ህ.ግ.ሓ.ኤ ሰለስተ ብወገን ህ.ወ.ሓ.ት ድማ ኣርባዕተ ብሓባር ኮፍ ኢልና፡፡ እቲ ምኽንያት ህ.ው.ሓ.ት ንህዝቦምሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ካብ ጾሮና ርሑቕ ዘይኮነ መባርዲ ዝብሃል ሰሪሖም ኔሮም፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ ንህዝቦም ናብ ደርጊ ዘለዎ ቦታ ናብ ሰንዓፈን ዛላንበዛን ዓዲግራትን ከይከዱ ኣዚዞሞም ኔሮም፡። ምስ እዚ ዝተእሳሰር ንህዝቢ ናይተን ሰለስተ ዓድታት እውን ንጾሮና ከይከዱ ይእዝዝዎም፡፡እቶም ህዝቢ ነዙይ ብምቅዋም ንጾሮና ሰብ ይሰዱ እሞ እቲ ኣብ ጸሮና ዝነበረ ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር መንዩ ዝኽልክለኩም ብምባል ኢዩ እቲ ኩነታት ዝጅምር፡፡

 

ብሓባር ኮፍ ምስ በልና ብዙሕ ኣይተዋጠጥናን፡፡ ዝምእክለና መሪጽና ንዓይ መሪጾም ናይ ክልቲኡ ውድባት፡፡ ኣብ ሓደ ጉድጋድ ንድሕነት ክልቲኡ ህዝብታት ንቕበር ከምዘሎና ድሕሪ ምግላጽ ናብ ሕቶ ኢዩ ተኣትዩ፡፡ መጀመርያ ናብ ጸሮና ዝሰርሕ ብጻይና ኢና ሕቶ ኣቅሪብናሉ፡፡ እቲ ሕቶ ዑና ይሽሓቅዶ ትዓቢ ዓዲቀይሕ ዝብል ኮይኑ ንሕምቶዶ ሕቶ ዓዲቐይሕ እባ ኢዩ መልሲ፡። እሞ ዓዲቐይሕ ደርጊ ስለዘሎ ሓይሊ እንተሎ ኣብኡ ከድና ክንዋጋእ ይምረጽ ይድምደም፡። ሕቶ ናብ ህ.ወ.ሓ.ት መቐለዶ ትዓቢ ሰብዖ ዝብል ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ኣቕረብና ብቐዳምነት ንሳቶም ኢዮም ንጸሮና ኣይትኺዱ ምባል ጌጋ ኢዩ ተኣሪምና ብወገንኩም እውን ኣብ ክንዲ ሓይሊ ምትእኽኻብ ብኸምዚ ምርድዳእ  ጌርና ክንፈትሖ ኔሩና ብምባል ብምስዕዓም ተፋላሊና፡፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይዚ ክልዓል ሰሚዐ ኣይፈልጥን፡፡

 

ኩነታት ባድመ እውን ፍልይ ዝበለኳ እንተኾነ ብልዝብን ምርድዳእን ሓደ ሰብ ከተሰውኤ ክፍታሕ ዝኽእል ነገር ኢዩ ኔሩ፡፡ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ምልኩ ንምርግጋጽ ዝኣለሞ ስለ ዝኾነ ግን ከምዚ ዝርኣናዮን ንርእዮ ዘሎናን ኮይኑ መጽሓፍ ድርሳነ ደም እምብኣር ነዚ ኢያ ብግልጺ ትሕብረና፡፡

 

ኣብ መጽሓፍ ድርሳነ ደም ንብሄረ ራሻይዳ ሱዳንን ራሻይዳ ኤርትራን ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ ብዙሕ መጽናዕትን ምርምርን ዝሓትት ሕቶ ኢዩ ገለ ገለ ዜጋታት ንብሄር ራሻይዳ ኣብ ሙኹናን ገጽና ዘምራሕና ኣሎና፡። እዛ መጽሓፍ ካብዚ ሃውሪ እዚ ተድሕነካ ኢያ፡፡ ንሚካኤል ድማ የመስግኖ፡፡

 

መጽሓድ ድርሳነ ደም ኩሉ ዜጋ ከም ወከሲ ክጥቀመላን ክገዛኣን ይግባእ፡፡ሚካኤል ብዝያዳ ናብቲ መንእሰይ ዝርእዮን ዝሙኮሮን ዘሎ ኣተኹሩ ኩነታት ናይ 22 ዓመታት የተኩር እምበር ምልክነት ኢሳያስ ምስ ምፍላይ ህ.ሓሓ ኤ ምትእስሳር ኣለዎ( forward & backward linkaghe)ኢዩ እቲ ጉዳይ ።ኣብ ቃልሲ ተመን ኔሩ ድሓር ገቢሉ ገበል ብገበሉ መርዛም ገበል ኮይኑ፡፡

 

 

ከም ርእይቶ ሓቐይና ፍጻሜታት ዝሓዘለ መጽሓፍ ነቶም ጀነራላት ካብቲ ገጸ ተግባራት መን መን ሙኻኑ ዝፍለጥን ዝግመትን እኳ እንተኾነ በስማቶም እንተዝኸውንሲዝያዳ ምተነጸረ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ፡፡

 

ክብረት ይሃብካ ሚካኤል የቐንየልና፡፡መጽሕስፍካ በደላት ጥራይ ኣይኮነትን ትሕብር መፍትሒ እውን ብግልጺ ኢያ ተቐምጥ ክንጥቀመሉ ይግባኣና።።

 

ሚልኪ ክፈርስ ንቃለስ

ዓ.ብርሃነ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...