መሪሕ ፍትዊ ምስሊ ኤርትራ።

መሪሕ ህጻን ረኺቡ ጸበባ
ደገ ወጺኡ ተዲፊኡዎ ኣልባ
ሃንደበት ሸፈንዎ ብጀለብያ ዓለባ
ድምጺ ዘይብሉ ተኸዲኑ ግርባ
ተሰቅለ መኪና ማንም ዘየርክባ
ተወሰደ ንሲና ኣውያት ዝዓንበባ
ተሓወሰ ድኣ ናብ ሲኦል ዝኸበባ
ምድረበዳ ሲናይ ብንብዓት ዘቕቢባ
መህለቒት ጽጉማት ዓባይ እምባ
መንእሰይ ኤርትራ ዓቕሉ ዘጽበባ
ኣእዊኻ ዘየሳምዕ ኹርባ ምርባ
መቀጸሊ ሂወት ንብዓል ኤባ
ተጠብሔ ዓይኒ ኩላሊት ኮነ ልባ
ይሽየጥ ብነፋሪት ወይ ብጃልባ
ኣደ ኤርትራዊት ረኻቢት ጸበባ።
ወዲ ኣይተ ፍትዊ ስሙ መሪሕ
ተጸሚሙ ኣሕሊፍዎ ዘይፈርሕ
ዉጻእ መዓት ኢኻ ህላወናኻ ዝመርሕ
ንሕጂ ትመስል ትርኢትካ ዘፍርሕ
ብተስፋ ንጽበ ኣካላትካ ክሰብሕ።
እንታዩ ሓጥያቶም ብዓል መሪሕ
ወዲ ሰብ ክጭክን ስራሑ ዘሰኽሕ
ኣእምሮ ህግደፍ ንኽፋእ ዝበልሕ
ስራሓቶም ኩሉ ንዓለም ዘፍርሕ
ኣስመራ ኮይኑ ንኹሉ ዘሰክሕ
የጽንት ንህዝቡ ብዘይ ገለ ክምሕ።
ግዱስ ኤርትራዊ ንመሪሕ ርኣዮ
ኣየድልን ጃህራ ሽግሩ ስምዓዮ
ክደጋገም ሓሶት ኣይኮነን ሓቂ እቲ ዕዮ።
ወገንካ ክሳቐ ጸገም ኣለልዮ
ሸፋቱ ክሰርዑ ሕጊ ኣናድዮ
ንየማን ንጸጋም ዘሎ ፈላልዮ
ጸበባ ዓድኻ ደኒንካ ስምዓዮ።
መሪሕ ፍትዊ ረኻብ መከራ
ህጻን ክዓቢ ነበረ ዓላማ ኤርትራ
ዝኹሉ መስዋእቲ ዘየርኢ ጩራ
ፈቐድኡ ይስጣሕ ኣብ ስሃራ
ገለን ይብላዕ ብሑጻ ወይ ብኣሞራ
እዚ ኩሉ ይፍልፍል ብደቂ ኣስመራ
ኮይናዶ! ጸነተት ሃገራና ኤርትራ።
ምስክር እኒሄልና ንርኤ ብዓይንና
መሪሕ እንታይ ጸገሙ ኣብዚ ቕድሜና
ሓላዊን ኣላይን ጠፊእዎ ዓድና
ብዓል መሪሕ ተበጅዮም ንሃገርና
እዚ’ዩ መንነት ዘስካሕክሕ ኩልና
“ንሕና ንሱ- ንሱ ንሕና” ደርፊ ዓድና
እዚ እናራ ኣያ ማእምናት ሃገርና
ህዝበን እናበረሰ ብመርፍእ ዝቑነና
ኣየ ግዜ እንታይ ከርእየና።
መሪሕ ወደይ መምህር ናይ ኩልና
ብጸገምካ ምስ ዓለም ኣፍለጥካና
ተጻሒፉ ኣይውዳእን ጸገማትና
ዝመረረ ኣሕሊፍካዮ መሪሕ ወድና
ሓወልቲ ይኹን ኣካላትካ ናይ ግዜና
ደቁ ዝሸይጥ ስርዓት ንጉስ ሃገርና
ኣሕሊፉ ዝህብ ዝመክር ምስ ጓና
እንክጸልእ ጎዳጉዲ ይሰርሕ መንበሪና።
መሪሕ ይግለጾ መንነትና
እዚ እዩ ሓቂ እዋናዊ ታሪኽና
ኣብ ኽሕደት ንዝነብሩ ዜጋታትና
ስእሊ መሪሕ ይኹን ምስክርና።
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
13 ሓምለ 2013

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...