ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ፤ ታሪኽ ክስነድ ወይ ክጸሓፍ ከሎ ንጸሓፊኡ እመስል እብሉዎ፤ እቲ ምንታይ’ሲ ተረኽቲ ንፍጻሜታት ብኣካል ተኻፈልቲ ኮይኖም ነቲ ዝተዓዘብዎ ብድሩት ተረድኦታቶም እገልጽዎ፤ ገሊኡ ድማ ንነገራት ናይ ምዝማድ ዓቕሚ ስለ ዘሎዎም ባዕላውን ውድዓውን ኩነታት ኣዛሚዶም እስንድዎ. ፤ ወይ ድማ ኮነ ኢልካ ታሪኽ  ንረብሓኻ ከም ዝውዕል እግበረ እዩ; ንምሳሌ እንተራአና ይትረፍዶ ብዓቢኡ መሰረታዊ ሕቶ መግዛእቲ ኤርትራስ; ኣብ ግዜ ገድሊ ንሓንቲ ናይ ሰላም ዘተ ከም ፍጻሜ መጠን ብወገን ኤሪትራን ኢትዮጵያን ሓንቲ ዝዓይነታ ታሪኽ ተጻሒፉ ኣይትፈልጥን፤ ምኽንያቱ ንሕና ንረብሓና ንሶም ንረብሖኦም ከምዘገልግሉ ንጥቀመሉም ኔርና፤ ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ካልኣይ ኹናት ዓለም ብጀርመናውያን ዝተጻሕፈን ብናይ  ሓይልታት ኪዳን ዝተጻሕፈን እንተረኣና ፤ብተወሳኺ ክሳብ ሕጂ ብኣየርላንዳውያንን ብእንግሊዛውያንን ናይ 800 ዓመታት መግዛእቲ ታሪኸ ብዙሓት መጻሕፍቲ ተጻሒፎም  ሓደ መሲሉ ግን ኣይፈልጥን፤

ኣብ ቀንዲ ሓሳበይ ቅድሚ ምእታወይ ከስምረሎም ዝደሊዮም ቀንዲ ነጥብታት ከም  ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ  መንእሰያትና ብጎዲም ካራ ኮላሊቶም ተጠቢሑ ከም መቐያየሪ ኣቐሑ ተፈታቲጎም ናይ ደቒኣንስተዮዶስ ደቒተባዕትዮ  እናተባሕሉ፤ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኽንሽየጡ ሓሲረምሉ ዘሎዉ ሰዓታት፤

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብዘይ ኣፋላላይ ዓበይቲ ንኣሽቱ፤ ተባዕታይ ኣንስታይ ከይፈላለየ ሃገር ንኸጽንት፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ብርሃን ዘምጽኡ ጀጋኑ ከም ወኻሩ ኣብ ጎዳጉዲ ብርሃን ዓለም ሓሪሙ፤ ቂም ዝበለት ድመጺ ናይ ሓርነት ብስራት ደኾን ትኾውን ክብሉ ቂምታ ደቓይቕ ክቖጽሩ ዝነብሩ; እሞ ድማ  ከም ተላጋቢ ሕማም ደውየ ዝሓዞም  ካብ ሕብረተሰቦም  በዚ ኣራዊት ዝኾነ ስርዓት ተሰዊሮምሉ ኣብ ዘሎውሉ ግዜ፤

ብዓባያ ሃገር ድማ ምሉእ ሕብረተሰብ ሒዛ ፤ በዚ ገስረጥ ዝኾነ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ቐረባን ርሑቕን ቑጠባዊ ትልሚ ዘይብላን፤ቑጠባዊ ምሕደራ ድኻን ዓሊ ቦርኮ ተቐይራ፤ ብድኽነት ቑጠባን፤ ብድኽነት ፍትሒ፤ ብድኽነት ፍልጠት፤ ድኽነት ጥዕና፤ ወዘተ ድኽነታት ተሸሚማ ጭራ ዓለም ኣብ ተሰሪዓትሉ ዘላ ግዜ፤

ኣብዚ ዝሓለፈ መንፈቕ ብተሰፋይ ተምንዎ ዝተገብረ ሓተታ ታሪኽ ሕይወቱ ኣብ  ህዝባዊ ግንባርን ብዛዕባ ውድብ ህዝባዊ ግንብርን ብዙሓት ዝተኸታተልዮ እመስለኒ; ግን ስዒቡ ንሰምዖ ዘሎና፤ ንዓባ ግጠምኒ ዶስ ፤ ኣንታ ሓሳዊ ዶሰ እንታይ ዶሰ፤ ኣብ ታባ እከለ ፤ ስንጭሮ ጛል እከለ ፤ ከምዚ ተባህለዶስ ከምዚ ተገብረ ዝብሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኽደጋገም ንሰምዖ ኣሎና፤

ኣንቱም ገዳይም ተጋደልቲ  እንታይ ኢኹም  ነዚ መንእሰይ ወለዶ ከተስምዕዎን ከተመሓላላፈሉን ትደልይዎ ዘሎኹም መልእኽቲ ፤ ወይስ ዓቕምኹም ንሱ ኮይኑ ሽውሃት ንምዝራብ ዝፈጥር ባይታ ተረኺቡ ከም ብተይ ኸረምቲ ኽትነጥሩ ፤ ነዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ሀገርና ምግጣሙን ማዓረ ማዕሪኡ ምስጛም ስለ ዝተሳእነ ድዩ፤ ወይስ ንሸመዋ ህቡብነት ዝካድ ዘሎ ውድድር እዩ፤  ? ? ? ? ? ?

ምትእርራምና ከም መስሓሊና ክንወስዶ ባህሪያት ሽግርና ዝቐስበና እዃ እንተኾነ እቲ ናህርን ንዳረን ዘለፋን ዝተሓወሶ ናይ ኣታኣራርማና ሜላ ግን ኣይግድን፤  ኣንጻር ኢሳያስ ብኸምዚ ዓይነት ናህርን ንዳረን ዘለፋን ካብዞም ነቐፍቲ ክሳብ ሎሚ ኣይሰማዕኩን፤  ሓደሓደ ከም ንምእራም ኢሎም ዝጥቀሱ ዘሎዉ ሓረጋት ብጌጋ ምርዳእ ሓሳባት ዘይትርጉሞም ክልብሱ ንዕዘብ እውን ኣሎና፤ካብ ታህዋኽ ምንቃፍ ንስለምንቃፍ ዝነቐለ እመስል ፤ንምኻኑ’ኸ እቲ ብወገንኩም ከም ከኒና ብደገፍ ማይ ከተውሕጡኑና ትደልይዎ ዘሎኹም ታሪኽ ከኒ ሐቕነቱ ብምንታይ ኢና ከነረጋግጾ፤ እዚ ዘዘንተወኩሙለና ታሪኽ ሓሶት ዝበሉ ተመጹ’ኸ ኣይፋልኩም ክትብሉ ናብ ሓደ  ዒንኪላከሎን ሓሸወየን ኣቲኹም ኣገባብ ቓልስኹም ምእራም ንስለ ምእራም ታሪኽ ከይቅየር እሞ ፡ ንመኸተን ቓልስን ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ናይምድኻም ተራ ኣብዚ መንእሰይ ወለዶ ከይጻወት በሊሕ ጥነቃቐ ዝሐትት እዩ ፤፤ ታሪኽ ንክኢላታቱ ሰነድቲ ታሪኸ ንሕደጎ ንግዚኡ፤

ኣንቱም ኣብ ሰላማዊትን ሓራን ኤርትራ ተረበሕቲ ዝኾንኩም ኣብ ቃልሲ ተዋፊረኩም ዘሎኹም ደቒ ሃገረ ኤሪትራ፤ ቃናኹም ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ከም ዝሳነ ጌርኩም ቓንይዎ፤ ኣብኡ ኢኹም ድማ ፍረ ቓልስኹም ትረኽብዎን ፤ከም ተቓለስቲ ድማ ብሚዛን ተቓለሰቲ  ትምዘኑን፤

ኣነ ካብ ታሪኽ ኣይንመሃርን ኢና ዝብል ሰረተ መጎት የብለይን፤ሓልዮትኩም እውን ሓልዮት ሃገር ዘበገሶ ምኻኑ ኣይዘንጋዕኩዎን፤  ግን መንገዲ ጫሌዳ ትሕዙ ኣሎኩም፤ ከይተረደኣኩም ንኢሳያስን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሳልሳይ እግሪ ትኾኑዎ ኣሎኹም፤

 

መንእሰይ ወለዶ ኤሪትራ ምእንቲ ስብኣዊ መሰሉን ክብሩን  ኣንጻር እዚ ገባቲ ስርዓት ኣትሪሩ ንክምክት ዘኽእል መሪር ተሞክሮ እኹልን ትሩፍን ኣሎዎ፤ ኣንቱም ሕደጉ በዳዊን ስብ እሓረዱ እዮም፤ ብሓይሊ ጾታ ከይፈለዩ እጋሰሱ እዮም፤ ተባሂሎም፤  ተመኺሮም ኣይፋልናን ካብዚ ሕሰም እዚ ኣጻምእ ሰሃራ እቕተለኒ፤ ሻርክታት ባሕሪ እውሓጡኒ፤ ዝወረደ እውረደኒ ካብዚ ሕሰም እዚ ዝኸፍእ የሎን፤ንዝበሉ ምንእሰያት ሕሰምካ ጌና እኹል ኣይኮነን፤ ኢልኩም ዲኹም ኣንጻር ኢሳያስ ንኸተዕጥቕዎ ታሪኽ ልዕሊ 35 ዓመታት ዘሕለፈ  ምትህልላቕ ውደባትን ተንኮላት ኢሳያስን ልዕሊ መሪር እዋናዊ ተሞክርኡ መዚንኩም ናይ ቓላሲ ሸውሃቱ ሰማይ ከተዕርግዎ ዲኹም ቱታ ትብሉ ዘሎኹም፤ ዓ ገ ብ፤

ጌና ተቓለሰቲ ኢና ዘሎና ዓቕሚ ኣሎና ክንመርሕ ንኽእል ኢና ካብ በልኩም፤ ሃምኹምን ቀልብኹምን ናብዚ ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ኣቶኹሩ ገጹ ናብ ሃገር ከምዘማዕዱ ድኣ ግበረዎ እንበር፤ በዚ ከም ተዋሰኦ በዓል ጀንደ ግደፍዮ ኣብዚ ረኺበ ኣሎኹ ዝበለታ ንጛላ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ናይ ቓልሲ ስትራቲጂ  ሓንቲ ስጉምቲ ንቕድሚት ክልተ ስጉምቲ ንድሕሪት  ዝማርሽኣ መኪና ሒዝካ መንእሰያት ደቒ ሃገር ገጾም ዘይኮነስ ዝባኖም ኢዮም ንሃገር ኽህብዋ ፤

ሰዓቱ ሰዓት ጉድለታትካ ኣሪምካ ምስ ኩነታት 21 ክፍለ ዘመን ዝኸይድ ናይ ቓልሲ ስትራተጂ ሓነጺጽካ ዝምረሸሉ እንበር ኣብ ግዜ ውቤ ዝተደርፈት ደርፊ ክትደርፉ ምንባር ኣብ ለውጢ ዘይምእማንን ምስ ግዜ ናይ ምጉዓዝ ዘይብቕዓትካ ዘብርህ ስለዝኾነ  ደኺም ቓለሲ ተረከብዎ ምባል፤ዓቢ ልቦና  እዩ ፤ ማንዴላ ምሕረት ስለዝገበረ ጥራሕ ኣይኮነን ክብረቱ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ፤ ደኺመ ካብዚ ንንየው ጎበዝ እቀበለኒ ስልጣን ዝበለ ኣፍሪቓዊ መራሒ ስለዝኾነ እዩ; ፍቕሪ ህዝቡን ሃገሩን ስለዘሎዎ ምዕቡል ህዝብን ምዕብለቲ ሃገርን ክርኢ ተመንዩ፤ ኣነ ኣብዚ ዕድመይ ኣብ ጎደና ምዕባለ  ማዕረ ግዜ ክውንጨፍ ክጎይይ ስለዘይክእል ኣብ ዝመጽእ ንካልኣይ ግዜ ምርጫ ኣይሳተፍን ስለዝበለ እውን እዩ፤

ስለዚ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ገዳይም ተጋደልቲን ሃገርና ድማ ሰዓትኩም ርኣይዋ ካብ ለባማት ኣፍቀርቲ ሃገሮም፤ ፍቕሪ ሃገረካ መገዲ ሐንቲ ቀጣን ፈትሊ ኬድካ ዘይኮነስ ብብዙሕ መገዲ ከም ዝግለጽ ተማሃሩ፤ ስለጣንን ሓላፍነትን ንብረት ህዝቢ ስለዝኾነ ብድልየተን ውሳነን ህዝቢ ድማ ኣብ ህዝቢ እዘውር፤ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ድማ መምስግዚኡ ዝዋናጨፉ በለሕቲ ክመርሑ ዝኽእሉ እርከቡ፤

ኣብቲ ልቦናኹም ልቦና ተተወሰኾ ስለ ዘይጛዳእ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ታሪኽ ኩለን ስድራቤታት ኤረትራ ደኣ እንበር ብተጋደልቲ ነበር ጥራሕ ዝውነን ንብረት ውሱናት ሰባት ኮይኑ ንሶም ጥራሕ ዝፈልጥዎ ዝውንንዎን ኣይኮነን፤ ሓንቲ ፍልይቲ ፈጻመ ኩሉ እኻ ተዘይፈለጣ እቲ ድምር እኩብ ፍጻመታት ግን ካብቲ ታሪኽ ዝሰረሐ ህዝቢ እዩ ዝርከብ፤ ስለዚ ንኩላትና ታሪኽ ገድልና ጽቡቑን ሕማቑን ንኹልና ብማዕረ እብጻሃና ተተጠምዘዘ ድማ ንኹላትና ብማዕረ የሕማና ፤ ዋላ ኣብ ገለ ፍጻመታት ብኣካል ተነበርኩሞ ኣካል ናይ ታሪኽ ገድሊ ኤሪትራ ድኣ እንበር ውልቃዊ ታሪኽ ወይ ዝና ክትገብሩ ኢልኩም ካብ ገዛ ስለ ዘይ’ተጸንበርኩሞ ታሪኽኩም ንብረት ህዝቢ እዩ፤

ከም ጉድጛዱ ዝተቶኽቶኸ ዕኮት ነዲርካ ምጥቕቃዕ ኣይሰዓቱን፤  ልቢ ምዕባይን፡ ቐዳማይናን ኻልኣይን ሽግርና ፈላሊና ምርኣይ ፤ምልክት ብስለትና እዩ፤

ተስፋዓለም ተኪአ

08/07/13


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...