3፡ ብዛዕባ ንምምሕዳር ዓሰብ ወርሒ 6-7/91፡ ዘሕትትን መልሲን።

 

ክሲ ናብ ልዕሊ ምም/ዓሰብ ዝቐረበ፡

 

ነዚ ክሲ ቅድሚ ዝርዝር እቲ ግዜ፡-

 

“ካብ ዝሰርሐ፡ ዝተዛረበ።

“ካብ በዓል ጣፍ፡ በዓል ኣፍ። ኮይኑ“ ብምባል ኣብ መልሰይ ይኣቱ።

 

3.1፡ ብዛዕባ መሸጣ ዊስኪ ስለምንታይ ከምዝተፈጸመ።

 

ካብ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ፋይናንስ ካብ ወርሒ 6/91 – 9/91፡ ዝኾነ ባጀት /ሳንቲም ቀያሕ/ ስለዘይመጸና። ፖ. ቤ. ጽ ሸሪፎ ዕለት 19/6/91 ናብ ኣስመራ ክብገስ እንከሎ፡ ክሳብ ባጀት ዝመጸና ዊስኪ ክንሸጦ ሓቲትናዮ “ ጽቡቕ ከምኡ ግ በሩ፡ ኣነ ከኣ ፋይናንስ ክሕብረልኩም ኢየ፡ ብሁጹጽ ካአ 1,000,000. ብር ክሰደል ኩም ኢየ“ ኢልና ተበጊሱ።

 

ክሳብ ኣነ ዕለት 19/8/91፡ ካብ ዓሰብ ዝብገስ፡ ዝኾነ ገንዘብ ይኹን መልሲ ካብ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ፋይና ንስ ከምዘይመጸና፡ ሕሉፍ ሓሊፍና ምስ ጸገመና ሓደ ካብ ሓለፍቲ ፋይናንስ ብርሃነ ቀብርዎአት፡ “ብርኖ ኣ.ኣበባ ኣሎ“ ምስ ሰማዕና ናብ ኣ.ኣበባ ከምዘበገስና።

-      ብዛዕባ ባጀት፡ ኣበል፡ ጡሮታ፡ ቀረጽ፡ ሸርፊ፡ ደሞዝ፡ ሜላና ወዘተረፈ ሓቲቱ መልሲ ከምጽእ።

-      ኣነ ክሳብ ዝብገስ መልሲ ከምዘይመጸ። ዕለት 18/8/91፡ ብርሃነ ካብ ኣ.ኣበባ ዓሰብ ኣትዩ። ኣነ ከይረኸብኩዎ ከምዝተበገስኩ።

-      ክሳብ 9/91 ናይ 4 ወርሒ ደሞዝ/ገንዘብ/ ንወርሒ ብሕሳብ 2.5 ሚሊዮን ብር ኢዩ። (2.5x4) 10,000,000. ደሞዝ ሂበ።

-      4 ወርሒ ኣበይ ነበረ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ፋይናንስ?

-      18 ኮንተይነር ሽያጥ 12,000,000. ብር (ብገምጋም ኢየ መዝገብ ፋይናንስ ርአ) ኣታዊ ብምግባር፡ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ደሞዝን ካልእ ወጻኢታትን ክሽፍን ከምዝኻአልና።

-      ነዚ ምጽራይ ዝድለ ምስዝኸውን፡-

 

o   ወደብ ክንደይ ተረኺቡ?

o   ወደብ ክንደይ ንፋይናንስ ኣረኪቡ?

o   ፋይናንስ ክንደይ ከምዝሸጠ? ኦዲት ጌርካ ክጻረ ይካአል።

 

-      እቲ ሕቶ ግን ሕጂ ክሲ ኮይኑ ዝመጽእ፡ እቲ ተሓታቲ ክፍሊን፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ኣርባዕተ ወርሒ ባ ጀት ዓሰብ ከይሰለዩ ወይ ከይፈለጡ ብከመይ ይሰርሑ ነበሩ?

 

3,2  ብዛዕባ ንብረት ካብ ወደብ ዝወጸ ናይ ሰራዊት ህዝብን ባጽዕ ዝገዓዘን።

 

-      ናይ ሰራዊት እወ፡ ናይ ሓደ ኮር (15,000 ሰራዊት) ናይ ሓደ ዓመት መሳርፍ ኣብ ወደብ ዝተረኽበ ዓይነት ንመ ኽዘን፡ ስንቅን መሳርፍ ከውጽኡ ተሓቢሮም። ኣውጺኦም ካአ።

-      ንሕና 3ተ ወርሒ ተመጊብና፡ነ (6,7,8.)

-      ኮር 381 ካአ ካብ 8/91 ናይ 9 ወርሒ ከመግብ ዝኽእል ኣብ መኽዘን ስንቅን ሓዲግናሎም።

-      ካብቲ ብሚዛን ዝርአ መሰረታዊ ኣድላይ ፊኖ ናይ ባኒ፡ 50,000 ኩንታል ኣውጺእና። እዚ ብሕሳብ 300.00 ብ ር ንኩንታል 15,000,000 ብር የውጽእ። 200 ኩንታል ለቢቶ ምስኡ።

-      ብዛዕባ መስተ፡ እቱው ምስበልና ዕለት 28/5/91፡ ባዓል ናጽነት ናይ ሰራዊት ሓደ ኮንተይነር ቢራ ሽዑ ዝኣተና 6 ብርጌድን ክፍልታትን ሰተና

-      ኣብ መወዳእታ ካአ “ንብረት ንመሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ይረከብ“ ምስተወሰነ፡ ምስቲ ዝነበረ ጠለብ ሰራዊ ት ናይ መስተ ኣብ ዓሰብ ተቐማጦ 90% ኢቲዮጲያውያን ምዃኖም መራኽብ ዓለም ዝኣትውኦ ካብ 500 መካ ይን ካብ ውሽጢ ኢቲዮጲያ መዓልታዊ ዝመላለሳ።

-      ሰራዊትና ናብ ባራት ወይ ርኹባት ጭንን ከይብሉ ሓደ ኮንቴነር ዊስኪ ን14,000 ሽሕ ሰራዊት ከምዝዕደል ገበ ርና። (ክፍለ-ሰራዊት ኮማንዶ፡ 9 ቦጦልዮንን ክፍልታቱን)። ኮር 381፡ ከ/ብረት፡ ክፍልታት ዓሰብ።

-      ንኩሉ ብምቅሊት ናይ ፋይናንስ፡ ስንቂ፡ ተመቕለ።

-      እዚ ካኣ ሰራዊትና ናብ ባራት ወይ ሃብታማት ቁሊሕ ከይብል ዓቢ ሓገዝ ሃበና። ከይተጸገምና ካኣ ናብ ኣስመራ ተበገስና።

-      ቡን 200 ኩንታል ካብቲ ናይ ኢቲዮጲያ ንስንቂ ከውጽኡ ተሓቢሩ። ንናትና ኮማንዶ፡ ከቢድ ብረትን፡ ንቦጦል ዮኒ ሸሸውዓተ ኩንታል ነፍሲ ወከፍ ቦጦልዮኒ ከምዝበጽሓ ተገብረ።

-      ሰራዊትና ናብ ዓዱ ስድራቤቱ ክኸይድ እንከሎ ካአ 2.3 ኪሎ ቡን ከምዝዕደል ተገብረ። መእተዊ ገዛ ሒዙ ከአ ከደ።

-      ዝተረፈ ካኣ ንኮር 381 ኣብ ዓሰብ ተረፈ።

-      ህዝቢ ዳነካሊያ ን200,000 ህዝቢ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ብመቑነን ማ.ረ.ኤ. ስርናይ፡ ዘይቲ፡ ከምዝወጽእ ንመኽ ዘን ማ.ረ.ኤ. ተሓበሮም።

-      ንሕና ኣብኡ እንከለና ናይ ወርሒ 6,7,8.ረዲኤት ተዓደሉ።

-      ብፍላይ ብቀይ ሽብር ዝተቀትሉ ስድራ-ቤታት ከኣ ፈሊና ብላዕሊ ዓደልና።

 

·       ሰራዊትና ምስቲ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ዳንካሊያ ዘካየዶ ውግእ፡ ጸሓይ፡ ደብዳብ፡ ውግእ ዝነበረ ጥሜት፡ ድኻ ም፡ መውጋእቲ፡ ወዘተረፈ ዓሰብ ጥዑይ መግቢ መስተ ምርካብ ክጽገን ከምዝኸኣለ።

·       ኩሉ‘ዚ ዘዛርብ ዘሎ ንብረት ካኣ ብውሳኔ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ክወሃብ ዝተወሰነ ኢዩ። ሰራዊትና ምብልዑ ምስታዩ ዘሐጉስ እምበር ዘጉሂ ኣይኮነን።

 

ናብ ባጽዕ ዝገዓዘ።

 

-      ከምቲ ናይ ንብረት ውሳኔ ዝተሓበረ፡ ኣገዳስን ኣድላይን ዝበሃል ናብ ባጽዕ ከምዝጋዓዘ።

-      ብዝተገበረ ገምጋም “600 ሚሊዮን ዶላር የውጽእ“ ዝብል ሓርፋፍ ገምጋም ይውሰድ።

-      እዚ ካአ መበገሲ ንዳግመ-ህንጻ ሃገር ክኸውን ተስፋ ይገብር።

-      ካብ ቡን 5000 ኩንታል ናብ ባጽዕ ከምዝዳዓዘ:፡ ዝርዝር ካብ ወደብ ባጽዕ ተወከስ፡ ባጽዕ ዝበጽሐ።

-      ኣብ ዓሰብ ዝተረፈ ኣብ ትካላትን ምምሕዳርን ተወከስ።

·       ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንብረት ንኢቲዮጲያ ከረክብ ከምዝወሰነ ደጊሙ ውሳኔኡ ክዝክር ይግባእ።

 

3.3. ብዛዕባ ሰራዊት ኮማንዶ ካብ ዓሰብ ክብገስ እንከሎ “ትእዛዝ ጥሒሱ ዘይተኣደነን ዘየድሊዮ ንብረት ተማሊኡ“. . ዝበሃል፡ ከምኡ ከምዘይነበረ።

 

-      ትእዛዝ ከምዘይተጣሕሰ፡ ማ/በጦልዮኒ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ወይ መምርሒ ኣብ ኣኼባን ኣብ መወዳእታ ባዕሎም ተኣኪቦም ምስ መጸን ዝተዋህበ ዝተረጋገጸ ኢዩ። ቅድሚ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ዝኾነ ኣካል ከይመጸ ንጹር መም ርሒ ተዋሂብዎም ሓበሬታ ምስ መጸ ካአ ዝመጸ ተሓቢርዎም። ዝተቐበሎ ኣይነበረን።(እዚ ካኣ መጻረይ ኮሚተ ኣኼባ ገይራ ኣረጋጊጻቶ ኣላ)።

-      መሰረት ዘይብሉ ሓበሬታ ስለዝኾነ እቲ ዝተዋህበ‘ውን ብወገነይ ኩሉነገር ገዲፎም ክብገሱ ተሓቢሮም ኢዮም። ኣድማ ምስኮነ ሙስጠፋን ምም/ከተማ፡ ሃጸይነት ስለያ ኮር 381 ንመስፍን ሓጎስ ረኺቦም ዘመሓየሽዎ መምር ሒ ንሳቶም ዝፈቕድዎ ከምዝተጻዕነ፡ ይትረፍ ዝበልዎ ካአ 15 ቴሌቪዥን ከምዝተረፈ ይፍለጥ።

-      ናይቲ መጺኡ ዝበሃል ዝርዝር ካአ ካብ ቁጠባ ክ/ሰራዊት ወይ ማ/በጦልዮኒ ክርከብ ይካአል።ከምኩሉ ሰራዊት ዝገብሮ ሰሪቖም ወይ ወሲኾም ክኾኑ ይኽእሉ።

-      ነቲ መምርሒ‘ውን ዝተቐበሎ ሰብ ስለዘይነበረ ክሳብ ኣድማ ከምዝበጽሐ። ምኽንያቱ ኮር 381 ሙሉእ ንብረቱ ሒዙ ስለዝመጸ ብኸመይ እዚ ክፍለሰራዊት‘ዚ ንብረቱ ይሕደግ? ተዋጊእና ዝኣከብናዮ፡ ዝተዓደልናዮ፡ ብኣገ ባብ“ ዝብል ርኢቶ ስለዝነበረ።

 

·       ኣብ ንብረት ናይ ኣሃዱ ምእካብ ወይ ምምላእ ከምዘይነበርና ዘመስከሮ፡ ንባጽዕ ዘግዓዝናዮ ጠቃምነት ንዳግመ-ህንጻ ይምስክሮ።

·       ምሳና ምብጋስና ከይተረፈ 50 ኮንቴነር ከሚካል ጥረ-ነገር ናይ ኢንዱስትሪ ምምላእና፡ ንኢንዱስትሪ ኣስመራ ድኣ ሓሰብና ካብ ንኣሃዱና ካብ ንኣሃዱና ንብረት ምምላእ።

·       እዚ ህያው ሓቂ‘ዚ ብኸመይ ይሽፈን?

-      ቅድሚ ኮር 381 ምምጽኡ፡ ኩሉ ነገር ኣብ ኢድና ከሎ ባሕሪ-ምድሪ ስለምንታይ ዝጓአዝና?

-      ንሕና ኣብኡ ኣይነበርናን። ዳግመ-ህንጻ ሃገር ዘርብሕ ካባይ ጀሚርካ ክሳብ ተራ ተጋደልቲ ይሓስቡ ነበሩ። ሓበሩን ኣገዓዓዝኡን ካአ ፡-

-      ሓጽቢ ክስራሕ፡ ሕርሻ ክሕረስ ክለምዕ። ኤለክትሪክ ማይ ከተማታት ክረኽባ፡ መካይን ጐማ፡ ባተሪ፡ መቀያየሪ ክረኽባ፡ መሳለጥያ ሞቶ ቢስክለታ መኪና ክርከብ፡ ኢንዱስትሪ ክትስእ፡ ከሚካል ጥረ-ነገር መቀያየሪ ክርከብ፡ ቡን ዓዲ ክመልእ ክሓስር፡

-      ሰራዊትን ህዝብን ዳንካሊያ ብመግቢ ክጸግብ ወዘተረፈ ድኣ ሓሰብና‘ምበር ንሰራዊትና ዘርብሕ ጥራይ ኣይሓሰ ብናን።

( ንመጻረይት ኮሚተ ማ/ቦጦሊዮኒ፡ ስታፍ ቁጠባ ክ/ሰራዊት እቲ ዝነበረ ብንጹር ገሊጾሙላ ስለዘለዉ ካብኡ ክርከብ ይካአል)።

 

3.4፡  ብዛዕባ ኣብ ምምሕዳር ዓሰብ።

 

ናይ ሰራሕተኛታት ኣተኣታትዋ፡ ንግዲ ፍቓድ፡ ካሕሳ ገንዘብ ዝተዋህቡ ዕድመ ኣጋይሽ ኣብ ሆቴል ዘርኣይ ደረስ፡ ክራይ ኣባይቲ፡ ዝሸጠቶ ወዘተረፈ ዝምልከት፡ ሰነድ መዝገብን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ አሃዱ ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበቶ ኣሃዱ ኦዲት ጌርካ ክምለሽ ይሓይሽ። እዚ ምኽንያቱ ንኣመሓዳሪ ከተማ ዝምልከት ሕቶ ኣይኮነን። ተግበርትን ፈጸምትን ኣሃዱታት ስርዓተ-ኣሰራርሓን ንዐአን ስለዝምልከት ።

ኣመሓዳሪ መምርሒ መደብ ስራሕ ይህብ፡ የወሃህድ ዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን ይግምግም። “ናይ መዝገብ ሰነድን ቅብሊ ትን ክፍሊትን ኦዲት ምግባርና ወይ ምቁጽጻርና ግን ስራሕ ኣመሓዳሪ ኣይኮነን። “ስራሕ ኦዲት ኢዩ“ ብምባል ይምልሶ። መመላእታን ግዜ መናውሕን ዝቐረበ ክሲ ስለዝኾነ ትርጉም የብሉን ይብል።

 

ብዛዕባ ኣብ ምምሕዳር ዓሰብ ገምጋም ናተይ ንምቕራብ

 

ባዕልኻ ገምጋም ምቕራብ‘ዃ ዘይጽቡቕ እንተኾነ፡ ሓቂ ክጠፍእ እንከሎ ግን ምኹልዑ ጽቡቕ ስለዝኾነ፡ እንተኾነ ዝምልከቶ ክ/ህዝባዊ ምምሕዳር ምገምገሞ፡ ካብተደለየ ግን በዚ ዝስዕብ የብርሆ።

 

90 – 95% ዕዉት ከምዝነበረ።

 

-      ወደብ፡ ማሪታይም ብግቡእ ኣገልግሎት ሂቡ። 21 መራኽብ ምዕንጋሉ።

-      ማይ - ኤሌክትሪክ - ን24 ሰዓት ምስርሑ።

-      ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ መጐዓዝያ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ተሌፎን ወዘተረፈ ምስርሑ።

-      ማዘጋጃ ቤት ብግቡእ ስርሑ ምክያዱ።

-      ናብ ኢቲዮጲያ ዝኣቱ ደረቕ ጽዕነት 1,200,000. ኩንታል፡ ፈሳሲ /ነዳዲ/ ዝተኸዘነ 61,000 ሜትሪክ ቶን ውሽጢ ኢቲዮጲያ ዝኣተወ 50,000 ሜትሪክ ቶን።

-      ናይ ጎስጓስ መደባት ተኻይዱ።ንህዝቢ ኢቲዮጲያ ኣረጋጊእና፡ ኣብ ህዝቢ ዓፋር ዝነበረ ጎስጓስ ጸላኢ ሓምሽሽና፡ ኤርትራዊ ርእሱ ከምዘልዕል፡ ስራሕ ከምዝረክብ ተገይሩ።

-      እዚ ኩሉ ካአ፡-

ፖሊስ ገና ናይ መንግስትን ክፍልታትን ኣብዘይመጽሉ፡ ዝኾነ ክፍሊ ሓቲትካ መልሲ ዘይነበሮ ወርሒ 6,7,/91 ምንባሩ።

-      ባጀት ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብመንግስትን ፋይናንስን ኣብዘይሰላዓሉ ግዜ፡ ፈጺሞም ግምት ኣብዘይሃቡዎ ወር ሒ 2.5 ሚሊዮን ብር ዘድሊ።

-      ኪኢላታትን ሓለፍትን ክፍሊ ኣብ ዓሰብ ብግቡእ ኣብዘይተመደቡሉ ግዜ ሕጽረት ክኢላታት ኤርትራውያን ኣብ ዘለዎ ግዜ፡

-      ኢ.ሂ.ወ.ደ.ግ. ፖሊሲኦምን ሜላኦምን ሓንጺጾም ካብ ዕለት 4/6/91፡ ምስሙሉእ ፍልጠት ክኢላታትን ወከልትን ናብ ዓሰብ ኣብ ዝሰደድሉ ግዜ

-      ክፉት በሪ ምዃኑ ንህዝቢ ኢቲዮጲያ ከረጋግጸሎም ኣብ ዝህወኸሉ ግዜ፡

-      ጠለባቶም ናይ ስርናይ፡ ድኽዒ፡ ነዳዲ ወዘተረፈ ብህጹጽ ኣብ ዝድለየሉ ግዜ፡

-      ገና ምንግስቲ ኤርትራ ዕለት 10/7/91፡ ኣብ ምንታይ ባይታ ርክባት- ውሳኔ ከምንገብር ኣብ ዘይሓበረና ግዜ።

 

·       ስለዚ ተመሊስካ፡ ወርሒ 6,7,/91 ኩነታት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ክፍልታትን ዝምልከተን ኣበይ ከምዝነበ ራን፡ ዝነበረ ድኹም ጐኒ ብዓብዩ ክጥመት ዝግብኦ ክንሱ፡

-      ነቲ ብተበግሶና ብይመስለና፡ ዝተኻየደ ስራሓት ተሓተትቲ ክንከውን ጉቡእ‘ዃ እንተኾነ።

-      መዓስ፡ ኣብከመይ ኩነታትን ግምት ዘይህብ ክኸውን ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ጉጉይ መደምደምታ ወይ ውሳነ ካአ የብጽሕ።

-      ልዕሊ ኩሉ ጸብጻብና ኣቕሪብና። ገምጋም ክግበር ርክብ ካብ ዕለት 23/8/91፡ ክሳብ ሕጂ ተሓቲቱ፡ ገና ገምጋም በቲ ዝምልከቶ ነቲ ስራሕ ዝመርሕ ውሳኔ ወይ መምርሒ ዝህብ ዝነበረ ከይተገብረ።

·       ብይበሃል.......... ወይ ብተባራሪ ወረ፡ ዝስማዕ ሓበሬታ ወይ ብሓደ ክልተ ፍጻመ ጥራይ ክግምገም።

·       ሕጋውነት፡ ትካላውን፡ ኣሰራርሓ ገምጋም ስለዘይኮነ፡ በቲ ሕጋውን ትካላውን ምምሕዳርን ክግምገም ይግባእ ይብል።

 

በል ሕቶ ንምሕታት።

 

ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ወይ ኣውራጃ ኢዩ ብዛዕባ ስራሕ ናይ ወርሒ 6,7, ኣብ ወርሒ 8/91፡ ጸብጻብ ዘቕረበ ገምጋም ምስ ሓለፍቲ ክፍሊ ከተማን ክኢላታትን ስቪልን፡ ዓበይቲ ዓድን ከተማ ጌሩ ገምጋም ክግበር ዝሓተተ? እቲ ሓቂ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን፡ ክፍሊ ህ/ምም/ ስለዝፈልጥዎ፡ ንታሪኽ ይገድፎ። (ልዕሊ ኩሉ ከኣ መጻረይት ኮሚተ ዝነበረ ኣዎን ታን ኣሉታን ስራሕ ምም/ር ከተማ ዓሰብ ተኾሊዑ ተነጺርላ ስለዘሎ ካብኣ ተበገስ)።

·       ኣነ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዓሰብ ደንከል ምኻደይ፡ ውሳኔ ኣ.ኣበባ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይሓለወ ምቅዋመይ፡ ርኢቶ ምሃበይ፡አለፍቲ ሓለፍ ስጉምቲ ምውሳደይ፡ ይኾርዓሉ እምበር፡ ኣይጭነቐሉን ኢየ ንታሪኽ ይኸውን።

 

ቅዳሕ፡

-      ንዋና ጸሓፊን ጠቕላሊ ስታፍን።

-      ንመጻረይት ኮሚተ ( 19-23/ 12/ 91 ተዋሂቡ።

 

 

ይቕጽል፡..............

 

ጎደፋ፡

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it..

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...