ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱን ንኽብሩን መሪር ዋጋ ከፊሉ ጥራይ ዘይኮነ ዝሓለፎ  ቃልሲ ብምሬቱ መዳርግቲ የብሉን እንተተባህለ ምግናን ኣኮነን፡፡ በዚ ሕሰም ‘ዚ ዝሓለፈ፡ መሪር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ዋና ሃገሩ ኮይኑ ከም ካለኦት ተቃሊሶም ዝተዓወቱ ህዝብታት ሰላምን ዲሞክራስን ከስተማቅር ትጽበዬ እንበር እዚ ወሪድዎ ዘሎ አደራዕ ክወድቆ ዩ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ክውንነት ወጻኢ ዩ፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝኾነ ንሱ ዩ፡ እዚ ዘይበሃል ግፍዕን በደልን ትማሊ ምእንታኻ ክንቃለስ ኢና ኢሎም ናብ ሜዳ ካብዝወረዱ ገለ ጉጅለ ተጋደልቲ ይወርዶ ኣሎ፡፡  ኣብ ሃገሩ ሰላምን መስተርሆት ስኢኑ ክነብረሉ ኣብዘይክእል ደረጃ ምስ በጽሐ ከኣ እግሩ ናብ ዘመረሖ ክስደድ  ካብዝጅምር እንሆ ዓመታት ተቆጺሩ፡፡ ነዚ መዓስከራት ስደታኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ምስክራት የን፡፡ ኣብ ዋና ዝሰኣነ፡ኣመቱ ዘጥፈአ ህዝቢ ኣለናልካ ዝብልዎ እቶም ውሑዳት ናይ ሽግር ግዜ ሰባት ምኻኖም ታሪኽ እንዳመሃረና ዝመጸ ሓቂ ዩ፡፡ ኣብ ክውንነት ኤርትራ ናይዚ ኣብነት ካብዝኾኑና ውልቀሰባት ሓንቲ ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ (ጓል ጋንዲ) ያ፡፡ ብሰንኪ ዝወረዶ ኣደራዕ ህዝቢ ናብ መዓሰከራት ኢትዮጵያ ክውሕዝ ምስ ጀመረ ዘለዋ ሒዛ ናብቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝባ ክትጎይ ግዜ ኣይወሰደትን፡፡ ምትካል ጡሕና፡ ኣልባሳት፡ መድሃኒት፡ መግባዊ ሓገዝ ንብኤድስ ዝሓመሙ ዜጋታት ገለ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ እግራ ኣብ ሽምልባ መዓስከር ስደተኛናታት ዝገበረቶም ዮም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ግብጺ ተካይዶ ምስ ሲናይ ግዳያት ዝተተሓዘ ቀንዲ ካበ’ቲ ትነጥፈሉ ስራሓት ዩ፡፡ እዞም አብ ኢድ ጨካናት በደውን ክሳቅዩ ጸኒሖም ኣሻሃት ዶላራት ከፊሎም ዝወጹ ግዳያት ውጽእ ምስበሉ ህጹጽ ረዲኤትን ሓገዝን ይገበረሎም ዩ ገለ ካብኡ፡-

·       ንኣዋርሕ ወይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብሓንቲ ኽዳን አብ ሲናይ ኣብ ኢድ ጨካናት በደዊን ስለዝጸንሑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መንግስቲ ግብጺ ምስ ኣተው ናይ ኣልባሳት ሓገዝ ምግባር

·       ብማህረምትን ስቃይን በደዊን ንዝተጎድኡ ናይ ሕክምና ደገፍ ክረኽቡ ምግባር

·       ብዛዕባ እቶም አብ ሲናይ ዝሞቱ ሓበሬታ ምእካብ

·       ዝጓዓዝሉ ዶኩመንት ምስ ኣብ ግብጺ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ኤምባሲ  ብምርድዳእ ምድላው

·       ንዘይብሎም ናይ ምጓዓዓዚ ገንዘብ ምሕጋዝ

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ገለ ካብቶም ዶክተር ኣልጋነሽ ኣብ ግብጺ ተሳልጦም ሰብኣዊ ሓገዛት ‘ዮም፡፡ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ክሳብ ሕጂ ካባቢ 1000 ዝኾኑ ግዳያት ካብ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዓዒዞም ኣለው፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ስርሓ ናብ ዝዓበየ ደረጃ ንምስግጋር ጋንዲ ዝብል ግብረሰናይ ትካል ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽፋት ን400 ዝኾኑ ኣብ ማይ ዓይኒ ዝርከቡ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ዘልዎም ህጻናት ደገፍ ኣብ ምግባር ትርከብ፡፡ እዚ ፕሮጀክት’ዚ ምስ ትምህርቲ ዝተተሓሓዘ ምስ ምኻኑ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ምኻድ ይረአ ንዝነበረ ድኻማት ብምእላይ ተምሃሮ ትምህርቶም ከምዝከታተሉን ናይ ጽባሕ ዜጋታት ንኽኾኑ ናቱ ኣበርክቶን ምትብባዕን ይገብር ኣሎ፡፡

ምስ ቀዳማይ ሚኒሰትር ሃይለማርያም ደሳለኝ

ጓል ጋንዲ ህዝቢ ኤርትራ ይጠፍእ ኣሎ ዘይትብለሉ መድረኽ  የለን፡፡ ኣብዝተፈላለዩ መድረኻት ነዚ ድምጺ ዚ ያ ተቃልሕ፡፡ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ንጸጥታን ዘይሕጋዊ ናይ ደቂ ሰባት ዝውውርን ዝምልከት ገለ መራሕቲ ምብራቅ ኣፍሪካን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ዝተኻፈልዎ ኣኼባ ብምስታፍ እቲ ልሙድ መልእኽታ ኣመሓላሊፋ  ያ፡፡

 

ምስ ፕረዝደንት ኣልበሽርን ሰበስልጣን ግብጽን

እዚ ኩሉ ስርሓት ክትግበር ግን ኩሉ ጥጡሕ አይጸንሓን ዩ፡፡ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ኣጋጣሚታት ውን ኔሩ ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሓምለ 2012 ኤርትራውያን ዝተኣስርሉ ቤት ማሕቡሳት ሊብያ ክትፍትሽ ክትብል ማንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ከቢድ ሓደጋ ወሪድዋ ጥራይ ዘይኮነ ንስክላ ያ ድሒና ፡፡ በዝወረዳ ማህሰይቲ ንኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል ከምትድቅስ ያ ኮይና ፡፡ እቲ ዘገርም በዚ ከይተሰናበደት ሕጅውን ፈቀዶ ሲናይ፡ ፈቀዶ ተኣፋፊ ቦታታት ሊብያ ንወገናታ ክትጣበቅ ኣብ ምጉያይ ምህላዋ ዩ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፋ ካብ ሲናይ ኣሻሓት ዶላራት ክኸፍሉ ዝግብኦም ወገናት ምስ ሸኽ ኣህመድ ዝተባህለ ሰብኣውነት ዝመትከሉ ምስራዊ ብምትሕብባር ካብ ኢድ ጨካናት በደዊን ኣብ ምውጻእ ትርከብ፡፡ ኣማን ብማን ሓበን ሕዝባ!

ሕመረት ናይ’ዚ ጹሑፍ ‘ዚ እቲ ዶ/ር ኣልጋነሽ ዘይትፈትዎን ዘይትድግፎን ናእዳን ውደሳን ንምፍሳስ ዘይኮነ ንካልኦት ግቡኦም ክፍጽሙ እንዳተገበኦም ደቂሶም ንዘለው ንምብርባር ዩ፡፡ ነዚ መንቀሊ ዝኾነኒ ከኣ ሓንቲ ብብደውን ግፍዕታት ወሪድዋ  ቆልዓ ናቶም ሓቁፋ  ምስዘላ ጓል መታሕት ሓፍቲ ከዕልል ድህሪ ምጽንሐይ ዩ፡፡ እዛ ሓፍቲ ወሪድዋ ዘሎ ኣካላውን ስነ ኣእሙራውን ማህሰይቲ እዚ ኢለካ ዝግለጽ ኣይኮንን፡፡ ምስኣ ምስ ተዕልል ሽግርና ዕምቆቱ ኣጸቢቁ ይረኣየካ ጥራይ ዘይኮነ  ኢሳያስ ጌርዎ ዘሎ ገበን  ይቅር ዝበሃሎ ከምዘይኮነ ኣጸቢቁ ይበርሃለካ፡፡ እዚ ዕላል እዚ ዩ ከኣ ናይ ዶ/ር ኣልጋነሽ ተበግሶን ኣበርክቶን ከልዕል ዘገደደኒ፡፡ ሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምውጻእ  ኣሸሓት ዶ/ር ኣልጋነሻት የድልይዎ ኣለው፡፡  እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕፉዳኻ ገንዘብ ምህላውን ዘይህላውን ጉዳይ ዘይኮነ፡ ዘልካ ሒዝካ ናይ ምብጋስ ጉዳይ ዩ፡፡ እረ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾናውን  ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቁጽርኹም ውሑድ ዘይኮነ ሰብ ጸጋ ከምዘለው ናይ ጎደና ሓቂ ዩ፡፡ ሎሚ ሽግር ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትፈትሕ ህንዳዊት እናቴ ተሬዛ ካብ ምቃብር ክትስእ ኣኮነትን፡፡ ስለዚ ናይ ሓዋር ፍታሕ ኣብ ምምጻእ እንዳተቃለስና  ይባድም ንዘሎ ወገና ሰብኣውንት ከነርእዮ መድረኻዊ ሓላፍነትና ዩ፡፡

ወደሓንኩም!

 

ሓውኩም ግርማይ ኣብርሃ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...