1ይ ክፋል፡

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ እንሆ እምባአር መበቆል ደብተር ናይቲ ቢተው ብገዛእ ጽሕፈቱ ን ብርዑን ብፍላይ ንወደብ ዓሰብ ኣተኲሩ ካብ ዝጸሓፎ በቢክፋል ከነቕርብ ተዋዲድና እነና። ስለምንታይ ኣብሎሚ ተበጺሑ ብፍሉይነት ንወደብ ዓሰብ ዝምልከት ዘቕረቦ ሰነ ድ ክቐርብ ተመሪጹ? ንሱ‘ሞ በቲ ሓደ ግዚኡ ኮይኑ፡ ብኣውራኡ ድማ ንሱ ከምቶም ካ ልኦት ግዳይ ርኢቶኡን ቅንዕናኡን ኮይኑ ስለዝተሓየረ ጥራይ ኢዩ። ብዝኾነ ብውሑዱ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዝነበረ ጠመተ ቢተው እንታይ ይመስል ድሕሪ ምርኣይና፡ ከም ቲ ዝበሎ ተገይሩ እንተኾይኑ ከነመስግን፡ ካብዘይተገበረ ድማ እንተዝግበር እንታይ ም ኸሰብና፡ ከምኡ ብዘይምግባርናኸ እንታይ ከሲርና፡ ምዝታይ ከድልየና ክኸውን ይኽእ እል። ኩሉ ነገር ከኣ ድሕሪ ምዝዛም ጽሑፍ መልእኽቱ ክኸውን እናተላቦና፡ሰነዱ በቢክ ፋል ከነቕርቦ ኢና‘ሞ፡ ብልዑል ትኩርነት ምክትታልኩም ኣይፈለየና። ሃየ በሉ ብቐጥታ ናብቲ፡ሰነድ፡ንእቶ።
-------------------------------------------------------------------------------------------------------------------------------

ዝለዓለ ምስጢር።

ናብ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኤርትራ

ብጾት፡ ጠዓመ በየነ፡

ሃይለ ናይዝጊ፡

ኣስመራ።

 

 

ናብ ዋና ኣኽባር ሕጊን ላዕለዋይ ቤት-ፍርድን፡

ኣብ ልዕሊ ውሳኔ ኣ-ኣበባ ኣብ ዓሰብ ዝተወስደ ዘለኒ ርእይቶን ተቓውሞን የቕርብ።

 

እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ርእይቶ ወይ ተቓውሞ ኣብ ወርሒ 10/91 ናብ ዋና ጸሓፊን፡ ጠ/ስታፍን ዝቐረበን ኣብ ወርሒ 12/91 ና ብ መጻረይ ኮሚተ ብዕለት 21/12/91 ዘቕረብኩዎ፡ ሕጂ ንሳልሳይ ግዜ 20-1-92 ብጥሙር ምስ ተወሳኺ ርእይቶታት ብዛ ዕባ ትካላት ዓሰብን ዝተጀመረ ፕሮጀክትታትን ኣተኩሮ ክግበረሉ ዝድለን። ( ንዋና ጸሓፊ ብዕለት 20-1-92 ተዋሂቡ‘ዩ።

 

1ይ ክፋል፡

 

1፡ ካብ ውሳኔ ኣ.ኣበባ

 

ወደብ ዓሰብ ንቁጠባ ኢቲዮጲያ ክፉት ምግባር ብዝተወስደ ውሳኔ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ መሰረት ኣብ ሞንጎ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያን ዝተገብረ ኣፈናዊ ምርድዳእ።

 

1.      መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ንኢቲዮጲያ ዝኣቱን ካብ ኢቲዮጲያ ዝወጽእን ሸቐጣት ዝምልከት ልሙድ ናይ  ወደብ ኣገልግሎት (ምጽዓን፡ ምርጋፍ፡ ምኽዛን፡ ዶኪንግ ወዘተረፈ) ዝሕተት ተኸፋሊ ንበዓል ስልጣን ወደባት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ይኸፍል።

2.   ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንኢቲዮጲያ ንዝኣቱን ካብ ኢቲዮጲያ ንዝወጽእን ሸቐጣት ቀረጽ ኣይከፍልን።

3.   ንኢቲዮጲያ ናይ ዝኣቱን ካብ ኢቲዮጲያ ናይ ዝወጽእን ሸቐጣት ቀረጽ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ኣብ ዶብ

ኤርትራን ኢቲዮጲያን ናይ ዝህሉ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ናይ ጉምሩክ ብዓል ስልጣን ይኸፍል።

4.   ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ናይ ዶብ በዓል ስልጣን ጉምሩክ ትካላት ክሳብ ዝምስረት ኣብ ቁጽሪ 3 ተጠ       ቒሱ ዘሎ ቀረጽ ብወከልቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ኣብ ዓሰብ ከምዝኽፈል ክግበር ይጸንሕ።

 

*. እዚ ቁጽሪ 1. ካብ 1-4 ዝተበጽሐ ስምምዕ ረብሓ ህዝቢ ኢቲዮጲያ ብ ናጻ ካብ ቀረጽ ምግባሩ፡ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ፖለቲካዊ መኽሰብ ናይ ህዝቢ ኢቲዮጲያን ዓለምን ስለዘለዎ፡ ነቲ ምርግጋእ ናይ ህዝቢ ኢቲዮጲያን፡ “ጐረሮ ክትዕጾ ኢኻ“ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ገዛእትን ስለዝሕምሽሽ፡ ከምቅቡል ክግበር ዝነበሮ ውሳኔ ወይ ስምምዕ ይውሰድ።

 

ረብሓ ህዝቢ ኢቲዮጲያ ወይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ናጻ ካብ ቀረጽ ዓመታዊ 400 ሚሊዮን ብር ናጻ ወይ ሕድገ ት ይግበር ኣሎ ማለት ኢዩ። እዚ ከኣ ካብ ቀረጽ ኣታዊ ክኸውን ዝነበሮ ንመንግስቲ ኤርትራ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ኢዩ። እዚ ብንጹር ህዝቢ ኢቲዮጲያን ህዝቢ ኤርትራን ክፈልጦ ይግባእ።

 

2፡ ኣብ ዓሰብ ዝጸንሐ ንብረት ብዝምልከት

 

ኣብሞንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ዝተበጽሐ ምርድዳእ።ንኢቲዮጲያ ክኣቱ ዝግብኦ፡-

- ናይ ረዲኤት ናይ መግቢ ንዋት

- 80 ካብ ምኢቲ ዝተፈላለዩ ናይ ነዳዲ ዓይነታት

- ድኹዒ

- ጥረ-ነገራት ኢንዱስትሪያዊ ትካላት

- መቀያየሪ ኢንዱስትሪያዊ ትካላት

- ሸቀጣ-ሸቐጥ

- ካብ ኢቲዮጲያ ንመሸጣ ወጻኢ ዝተቐመጠ ንዋት ወይ ንብረት

 

*. ንብረት መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ኮይኑ ንኢቲዮጲያ ይኣቱ ወይ ንወጻኢ ይላኣኽ።

*. ናይዚ ዝተጠቕሰ ንዋትን ኣቑሑትን ዝርዝር ምጽራይን ዝግባእ ሰነድ ምጽፋፍን ምቕራብን ሓላፍነት በዓል ስልጣን ወደ ባት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ይኸውን።

*. ነዚ ዝተጠቕሰ ንብረት ኣከራኸርቲ ጉዳያት ምስ ዝህልዉ ብምርድዳእን ወከልቲ ክልቲኡ ወገናት ተጻርዩ ንውሳኔ ይቐር ብ።

 

·       ኣብዚ ተቓውሞይ የስምዕ።

 

-እቲ ናይ ረዲአት ናይ መግቢ ንዋት፡ ደዩኽዒ፡ ጽቡቕ ምሉእ ብምሉእ ንብረ ት መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ክኸውን።

- ዝተረፈ ግን ካብ 1988 – 1991 ዝታአከበ ንብረት፡ ዝበዝሐ ንመጋበርያ ውግእ ዝነበረ ወይ ዝመጸ፡ ብፍላይ ካአ ከም ማሽነሪ-ህንጻ ትራክተር ወዘተ ነቲ ዝበረሰ ሃገርና ኤርትራ ክኸውን ይግባእ።

-  ነዳዲ 80% ንምንታይ ይወሃብ? ናይ ነዳዲ ጸገምና ዘይፈታሕና ናይ ኢቲዮጲያ ንፈትሕ፡ ኢቲዮጲያ ናይ ነዳዲ ጸገም የብሎምን። ንሕና ግን ጸገም ኣለና። እዚ ኣብ ዓሰብ ዝነበረ ነዳዲ ንኤርትራ ምስዝኣቱ ን6ተ ወርሒ ካብ 6/91- 12/91፡ መላእ ኤርትራ ብዘይጸገም ነዳዲ ክኸይድ ይኽእል።

-  ናይ ኢነዱስትሪ፡ ኤለክትሪክ፡ ማይ፡ መጐዓዝያ ኣባይቲ ኮንስትራክሽን ፡ ወዘተ ስለምንታይ ይወሃብ?

-  ቡን 40.000 ኩንታል፡ እዚ ብዶላር 10, 000, 000. ኣመሪካ የውጽእ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝሓሰረ ምስዝሽየጥ ካኣ ካብ 60-70 ሚሊዮን ብር የውጽእ። ነዚ ናብ ረብሓና ዘይነውዕሎ?

-  በዚ ካብ 15 መዓልቲ 10/07/91 --- 27/07/91 ብመልእኽቲ ተኸራኺረ ሰማዒ ኣይረኸብኩን።

እናተኸራኸርኩ ከኣ ናብ ባጽዕ ኣግዒዝና። ካብዚ ብሚዛን ዝርአ፡-

-  60 ማሽነሪ፡ (ዶዞር፡ ግሬደር፡ ሎደር፡ ትራስካባተር)

-  60 ትራክተር፡ (ዝተፈላለየ ዓይነትን ስራሕ ዝሰርሓ ሓደስትን)

-  60 – 65 ኮንተይነር ዝተፈላለየ ዓይነት መድሃኒት /ኢንፍጅን/። ንመላእ ኤርትራ ንክልተ ዓመት ዘካይድ።

-  2 ጽዕነት መርከብ ሰላም (ናይ 30 ሽሕ ኩንታል ኣብ ሓደ ጉዕዞ ናይ ኢንዱስትሪ፡ ከሚካል ጥረ-ነገር ጽዕነታ።

-  2 ጽዕነት መርከብ ኣንጅለስ (ናይ 5000 ኩንታል ሓደ ጉዕዞ ናይ ኤሌክትሪክ፡ ማይ፡ ባተሪ፡ ንኣሽቱ ፋብሪካ።

-  መቀያየሪ መካይን፡ ቬትሮ፡ ዶላር፡ ሞቶ፡ ብሽክለታ፡ ጐማ ማኪና......

-  5000 ኩንታል ቡን .....

 

*  ኮታ 600 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ካብ ዝነበረ 2.5 ቢሊዮን ዶላር ክግዕዝ ክኢሉ።

 

-  ንሰራዊት ብሕሳብ ኮር ምስ ተደረብቱ (15.000 ሰራዊት) ናይ ሓደ ዓመት መሳርፍ ካብ ወደብ ክርከብ ዝተኻእለ ዓይነ ት መግቢ።ካብዚ ብሚዛን ዝርአ ፊኖ 50,000 ኩንታል እዚ ብሕሳብ 300 ብር ንኩንታል ናይ 15,000,000. ብር ማለት ኢዩ። እቲ ካልእ ሽኮር፡ ቀጠፍ፡ ለቢቶ፡ ጸባ፡ ዘይቲ፡ ዓደስ፡ ወዘተረፈ ካብ መኽዘን ስንቂ መዝገብ ይርአ።

-  ናይ ህዝቢ ኣውራጃ ደንከል ናይ 200.000 ህዝቢ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ረዲአት መቑነን ስርናይን ዘይትን ኣውጺእና።

-  ካብ ወደብ ዝነበረ 19በ ኮንተይነር ዊስኪ፡ ንኣባላት ኢ. ሰ. ሕ. ደህንነት ዝመጸ፡ 18 ኮንተይነር ከምዝሽየጥ ብምግባር ና ይ ወርሒ 6, 7, 8, 9, /91 ናይ  (4 ወርሒ) ደሞዝ ሸቃሎ፡ 10,000,000. ብር ከፊልና።

-  ንሰራዊት ሓደ ኮንተይነር ቦራ ከኣ ኣብ መጀመርታ በዓል ናጽነት፡ ሓደ ኮንተይነር ዊስኪ ከኣ (ን 14.000 ሰራዊት) ን ብረት ንመሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ምስተወሰነ ከምዝስተ ተገብረ። (ኮማንዶ ምስ ክፍልታት ከ/ብረት ኮር 381፡ ክፍ ልታት ዓሰብ)።

-  ከምኡ‘ውን 200 ኩንታል ቡን፡ ንስንቂ ወጻኢ ብምግባር፡ ካብዚ ነፍሲ-ወከፍ ቦጦልዮኒ ሸሸውዓተ ኩንታል ብምዕዳል ሰራዊት ናብ ስድራ-ቤት ክከይድ እንከሎ 2-3 ኪሎ ቡን ከምዝበጽሖ ተገብረ።

-  5000 ኩንታል ቡን ከኣ ናብ ወደብ ባጽዕ ገዓዘ። ዝተረፈ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ተረከበ።

 

*  ሰራዊትና ካብ ወርሒ 6-8/91፡ ሰለስተ ወርሒ ተመገበ። ዝተረፈ ትሸዓተ ወርሒ ዝምግብ ከኣ ሰራዊት ኮር 381 ዘመ

ግቦ ተገድፈ።

-እዚ ኩሉ ክግበር መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ዝምልከቶ ክፍልታት፡ ናይ መሳርፍ ይኹን ደሞዝ ከተማ ዓሰብ ወርሓዊ 2.5 ሚሊዮን ብር ፖሊሲ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣብ ዘይተላእኩን፡ ዘይተሓበረን ግዜ ነበረ።

-  ኣይፈለጥናን ከይብሉ፡ ፖ.ቤ.ጽ- ሸሪፎ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ክፍሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣሃዱ ንኣደ ኣሃዱ ብምሕታት ተሓበሩ። ሰባት ናብ ኣስመራን ኣ.ኣበባን ከይተረፈ መልሲ ዘምጽኡ ተላእኩ። ክሳብ ኣነ ዝብገስ ዝኾነ መልሲ ኣይመጸን።

 

3ይ፡ መጻረይ ነዳዲ ዓሰብ ብዝምልከት ኣብሞንጎ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያን ዝተበጽሐ    ምርድዳእ

 

-      ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ መጻረይ ነዳዲ ዓሰብ ንግዚኡ ብኣድማዒ ክጥቀመሉ ከምዘይክእል ብምግምጋም ናይ ቲ ትካል ተጠቃምነት ንቁጠባ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ብናጻ ክጥቀሙሉ የፍቅድ።

-      መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ንምምሕዳርን ምክያድን‘ቲ መጻረይ ዝግበር ወጻኢታት ኩሉ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ይከፍል።

-      ዝተጻረየ ውጽኢት ዓይነት ነዳዲን ታሪፍን ዝምልከት ዋንነት ከኣ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ይኸውን።

 

·       ኣብዚ ተቓውሞይ የቕርብ።

 

ብናጻ ፋብሪካ ክጥቀሙሉ ኣብ ዓለም ኣይተራእየን። ኣመሪካ፡ ጀርመን፡ ጃፓን፡ ወዘተረፈ ሃብታማት ናይ ዓለም‘ውን ናጻ ተጠቀሙሉ ብምባል ኣይህባን ኢየን። አቲ ክኸውን ዝነበሮ፡ ብክራይ ወይ ምኢታዊት ካብ ታሪፍ ወይ ባዕልና ክንሰርሖ

ታሪፍና ከነእቱ ወይ መሸጣ፡ ካብዚ ሓሊፉ ግን ብናጻ ፋብሪካ ንጎረቤት ሃገር ምሃብ ቅዋም ፕሮግራም ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣይፈቅ ድን ኢዩ።ሕውስዋስ ቁጠባ ኢዩ ፖሊሲና።

 

እቲ ዓመታዊ ታሪፍ ወይ መኽሰብ 150 ሚሊዮን ብር ሕድገት ንመሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ስለምንታይ? ረብሓና ናይ ፋብሪካና ድኣ ካበይ ክመጽእ? ብፍላይ ምስ‘ዚ ዘለና ድኽነት 150 ሚሊዮን ብር ዓመታዊ ኣታዊ ቀሊል ኣይኮነን። ደሞዝ ሰራዊትና ዝሽፍን ኢዩ።

 

እቲ ምምሕዳርን ምክያድን ስራሕ ዝበሃል ነዚ ታሪፍ ወይ መኽሰብ ኣይጸልዎን ኢዩ። ነዚ ከፊልካ ኢዩ 150 ሚሊዮን ብር መኽሰብ መካየዲ ስራሕን ምምሕዳርን ኣብ ዓመት 15 ሚሊዮን ብር ኢዩ። እዚ ብጉቡእ ኣይተጸንዐን። ብታህዋኽ ዝተገ ብረ ውሳነ ወይ ስምምዕ ይቀየር ብምባል ጽሑፈይ ኣቕረብኩ።

 

ረብሓ ሃገርና ኤርትራ ካብዚ ፋብሪካ‘ዚ ክሕሎ ከምዘለዎ፡ብዝወሓደ ሓሙሽተ ዓመት ብሕሳብ 100 ሚሊዮን ብርዓመታ ዊ ናይ 500 ሚሊዮን ብር ኣታዊ ብዝወሓደ ንጽበ። በዚ ከኣ ሓድሽ ዘመናዊ ፋብሪካ ኣብ ዝደለናዮ ቦታን ግዜን ክንሃንጽ ንኽእል።ክኢላታት ናይ ቁጠባ፡ ሕጊን መጽናዕትን ጌሮም፡ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ እማመ ከቕርቡልና ካአ የገንዝብ።

 

4ይ፡ ናይ መራኽብ ኢቲዮጲያ ብብር ኢቲዮጲያ ምኽፋልን ናይ መኽዘን /ማሪታይም/ ክራይ .              ዘይምኽፋል (እዚ ኣብ ውሳነ ወይ ስምምዕ ዘይተመዝገበ ብመልእኽቲ ሓበሬታ ዝተረጋገጸ ኢዩ)።

 

መራኽብ ከምቲ ሕጊ ወደብ ዝፈቕዶ፡ ብዶላር ክኸፍላ ኣለወን። ብፍላይ ኤርትራ ምስ ዘለና ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ሓጺር ጋዜ‘ውን ካብ ሕርሻ ወይ ኢንዱስትሪ ወይ ሃብቲ ባሕሪ፡ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ካብ ኣገልግሎት ወደብ ጥራይ ስለዝኾ ነ፡ ትጽቢትና ነቲ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ግምት ዘይሃበ ኢዩ።

 

* እዚ ስምምዕ‘ዚ ካአ ይመሓየሽ፡ ከምኩለን መራኽብ ብዶላር ይኸፍላ።

ውሑዳት ከይኮና ከአ 15 መራኽብ ካብዚአን 4 ዓበይቲ ናይ 150,000 ኩንታል ነፍሲ-ወከፈን ዝጽዕና፡ ነቲ ካብ ኢቲዮጲ ያ ንወጻ ከምኡ‘ውን ንኢቲዮጲያ ዝኣቱ ክሽፍና ዝኽእላ ዓቕሚ ዘለወን አየን። እዚ ናይ ረዲኤት ጽዕነት ምስ ዘቋርጽ ናይ ወጻ ኢ መርከብ ዝበሃል ኣድላይነት የብሉን። ብናቶም መራኽብ ክሽፍንዎ ይኽእሉ ኢዮም።

በዚ ስምምዕ መሰረት እውን ብመንገዲ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ይኽፈል ስለዝብል፡ ሺፒንግ ላይን ናይ ኢቲዮጲያ ባዕሉ ክኸፍ ል ናይ ወጻኢ ኣገልግሎት ኣብቲ ውዕል ምክራይ መራኽብ ከእትዎ ስለዝኽእል፡ ዋላ ነተን ረዲአት‘ውን ዶላር ናብ ባንኪ ኢ ቲዮጲያ ኣብ ወጻኢ ኣታዊ ብምግባር፡ ንዓና ናይ ወደብ ኣገልግሎት ብብር ክኸፍሉና ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ (ዶላር) ዝበሃል ኣታዊ የብልናን።

ነዚ እዋን ብር ይድለ ስለዘሎ እንተኾይኑ ግርም፡ ንቀጻሊ‘ዚ ስምምዕ‘ዚ ግን ክመሓየሽ ኣለዎ።

ካብ ወደብ 360 ሚሊዮን ብር ዓመታዊ ኣታዊ ኣሎ። እዚ ብገምጋም 354 መራኽብ ኣገልግሎት ብምሃብ ካብዚ 150-200 መራኽብ ናይ ኢቲዮጲያ ማለት ኢዩ። (እተን 15 መራኽብ ዝገብርኦ ጉዕዞ ኣብ ዓመት)

ካብ ማሪታይም ኣገልግሎት 150 ሚሊዮን ብር ኢዩ። ብጠቕላላ 510 ሚሊዮን ብር ኣታዊ ንጽበ።

እዚ ትጽቢት‘ዚ ግን ብዶላር ምስዝኽፈል፡ ናይ ማሪታይም ኣገልግሎት ብፍላይ ናይ መኽዘን ምጽዓን ምርጋፍ ምሰ ዝኽፈል       ኢዩ። እዚ ምስ ዘይክፈል 25% ንታሕቲ ከውርድ ትጽቢት ምግባር።

* ብጠቕላላ ካብ ኣገልግሎት ወደብ ማሪታይም ረፋይነሪ ቀረጽ ዓመታዊ ካብ 700-800 ሚሊዮን ብር ሕድገት ተገይሩ‘ሎ          * እዚ እቲ ዘይተርፍ 400 ሚሊዮን ብር ናይ ቀረጽ ፡ ካብ ረፋይነሪ 150 ሚሊዮን ብር፡ ካብ ወደብ ማሪታይም ካብ 150 -250 ሚሊዮን ብር።

* እዚ ኩሉ ሕድገት ብዋጋ ምርግጋእ ኢቲዮጲያ እንተኾይኑ ረብሓ ኤርትራ ምስ ድኽነትና ስለምታይ ዘይሕሎን? * ኢቲዮጲያ ከኣ በዚ ኣይረጋግእን ኢዮም። ድሮ እወን ካብዚ ሓሊፎም ነጻ - ወደብ ዘይኮነስ “ዋንነት ወዳበ ኢዩ ዘድሊ“ ክ ብሉ ይስምዑ ኣለዉ።ነዚ ውሳኔ‘ዚ ኣብ ወርሒ 6- 7/91፡ ምስ ዝነበረ ኩነታት ዓለም፡ ኢቲዮጲያ ግምት ዝሃበ፡ ገና መጽናዕ ቲ ናይ ኪኢላታት ቁጠባ ሕጊ ተሳትፎ ኣብዘይነበሮ ግዜ ዝተገብረ ስለዝኾነ ፡ ዳግማይ ምምሕያሽ ተሳትፎ ኪኢላታት ቁጠባ ሕጊ ከምዝህልዎ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ግምት ዘእተወ ነቲ ናይ ህዝብን መንግስትን ኢቲዮጲያ ናጻ - ወደብ ሕሉ ው ብምግባር ዳግማይ ውሳኔ ወይ ስምምዕ ርኢቶይ ብዝተመሓሸ ይገበር ይብል።

* እዚ ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ዝወዓለ ናብ ባጽዕ ዝግዓዘ፡ ኣብ ህዝቢ ደንከልያ ረዲአት ዝተዋህበ፡ ንሰራዊት ናይ ኮር ንዓመት ዝ ወጸ፡ ዝተበልዐ፡ ዝተሰትየ፡ ብሰራዊት ተሸይጡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ልዕሊ 10,000,000 ብር ዝወዓለ ዘጉህይ ወይ ጉድ ለት ኢዩዝብል ውልቀ-ሰብ ይኹን ኣካል ብመንጽር ሕጊ ኣብ ሕጊ ይቐርብ። ኣነ ብረብሓ ሃገር፡ ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ሰራሕተኛ ከተማ፡ ኢየ ዝሰራሕኩ።

 

5 ናይ ጨው ንግዲ /ትካል/

 

ዓመታዊ ጠለብ ኢቲዮጲያ፡ 1,400,000 ኩንታል ጨው ኢዩ። ካብዚ 1,200,000 ኩንታል ንህዝቢ ንመግቢ፡ ዝተረፈ 200,000 ኩንታል ንፋብሪካታት፡ ትካላት  ቆርበት ወዘተረፈ የድሊ። ካብ ነብሲ ወከፍ መኪና 220 ኩንታል ጨው፡ ሓደ ነጋዳይ ኣብ ውሽጢ ኢቲዮጲያ ምስ ኣተወ ብዝወሓደ 15,000 ብር ብዝበዝሐ ካአ 30,000 ብር ይኸስብ። እዚ ከኣ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ኢቲዮጲያዊ ናይ ንግዲ ፍቓድ ጨው ዘለዎ ይኸስቦ ኣሎ። በዚ ኣገባብ ናይ ስዉኣትና ወይ ስንኩላትና ክሽፍን ስ ለዝኽእል፡ ኣብ ሓደ ዓመት ካብ 6,000 – 7,000 ስዉኣት ወይ ስንኩላትና ብሕሳብ 10,000 ብር ካሕሳ ክህብ ይኽእል። እዚ ነቲ ኣታዊ ናይ መንግስቲ ከየጉደለ እናተኸፈለ ካብቲ ማንም ዝኸስቦ ዘሎ ብስም ስዉኣት ወይ ስንኩላን ተወዲቡ ኣብ ካሕሳ ከምዝውዕል ምውዳብ የድሊ።

 

6 ካትራመ (10,000 ፍስቶ)

 

ካብ ብጽሒት ነዳዲ 80% ዝተፈላለየ ዓይነት ነዳዲ ሓቢእና ኣብ ምቅሊት ዘየእተናዮ 10,000 ፍስቶ ክትራመ ስለዘሎ፡ ተ ቓላጢፉ ከምዝግዕዝ ምግባሩ። ኣብ ዳግመ-ህንጻ ጽርግያ ዓቢ ግደ ክጻወት ዝኽእል ንምግዕዓዙ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝ ተገብረ ስለዘየሎ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ሓቲቶም‘ውን ካትራመ ከምዘየሎ ኢና መልሲ ሂብናዮም ዘለና።

 

ይቕጽል፡-

 

ጎደፋ፡

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...