ብዛዕባ፡ ዝመጽእ ባይቶ፤ ባይቶ ኩላትና ምእንቲ ክኸውን

 

ብመጀመርያ ንኩሉኹም ኣባላት ባይቶን መራሕትን ናይ ኣኽብሮትን ሕውነታውን ሰላምታይ አቕርብ ። ደጊመ ከኣ በቲ በብዓቕምኹም ንህዝብኹም ክትብሉ እትገብርዎ ዘሎኹም ስራሕን ተወፋይነትን ናይ ልቢ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

 

ነዛ ሓጻር መልእኽቲ ከስፍር ዝደረኸኒ እቲ ብብጾትና መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ዝተጻሕፈ ትዕዝብትታን ቁም ነገር ሓዘል ማዕዳታትን ምስኣንበብኩ እዩ። ለባምን መስተውዓልን ወገንካ ክነቕፈካን ክምዕደካን ከሎ ዝበዝሕ ግዜ ካብ ሓልዮት ዝተላዕለ ስለ ዝኸውን ከም ዓቢ ጸጋ እዩ ዝቑጸር።

 

ኣነ ሓደ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ናይ ሃዋሳ ዓቢ ትጽቢት ዝነበሮም ካብቲ ኣብኡ ዝተመስረተ ባይቶ'ውን  ብመጠኑ ተስፋ ዝነበረኒ እየ። ባይቶ ክብል ከሎኹ ክልቲኡ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ማለተይ እዩ። ሕጂ እንተኾነ'ውን ምስቲ ኩሉ ርኡይ ሕጽረታት ናይቲ ባይቶ፡ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞን ክግምግሞ ከሎኹ በዚ ሰዓት'ዚ ብዘይክኡ ካልእ ኣማራጺ ወይ ዝሓሸ መቃለሲ ባይታ ከምዘየሎ እዩ ዝረኣየኒ።  ግን ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ካብ ኩሉ ወገናት ካብ ኣባላትን ተተስፈውትን ናይ ባይቶ ብዛዕባ ናብቶም መራሕቲ ዝውርወር ዘሎ ትዕዝብትታትን ጠለባትን ግዜ ከይወሰዱ (እቲ ነገር ኣዝዩ ከይሳዕረረ) ብቕልጡፍ  እንተመኸሩሉን እንተተኣረሙሉን ጥራይ እዩ እቲ ናይ ህዝቢን ሰዓብቶምን ተስፋን ሕልሚን ክማላእ ዝኽእል።

 

ሓቂ እዩ ገለ ሰባት እዚ ባይቶ'ዚ ካብ መሰረቱ ድልዱል ስለዘይነበረ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ትጽቢት ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ ዝብሉ ኣሎዉ። ኣነ ግን ኣብቲ መሰረቱ ዘይኮነስ ኣብቲ ልዕሊ መሰረት ዝተሰርሐ ህንጻ እዩ እቲ ሽግር ዘሎ ኢለ ስለ ዝኣምን ሕጂውን ክመሓየሽን ነቲ እንዳተሃንደደ ዝመጸና ዘሎ ፈታኒ ግዜ ከገልግለና ከም ዝበቅዕ ጌርካ ክተዓራረ ይኽእል እዩ በሃላይ እየ። ኸምዚ ክብል ከሎኹ ምናልባት ኣባይ ዘሎ ናይ ባይቶ ኣራኣእያን ትጽቢትን ሕጅውን ከም ትማሊ ኣብ ዘይሕለል ተስፋ ስለ ዘዘንብል ይኸውን ካብቶም ካልኦት ብጾት ፍልይ ዝበለ እምነት ዘሎኒ።

 

ብዝኾነ ምስቲ ኩሉ እቶም ናይ መርበብ ኤውሮጳውያን ብጾት ዝብልዎ ትዕዝብታትን ማዕዳታትን ኣነውን ብምሉኡ እሰማማዓሉ እየ። ኣብ ርእስቲ ንሳቶም ብውሕሉል ኣቃራርባ ዝለገስዎ ብሱል ነጥብታት'ውን  ቁሩብ ዝውስኸሉ ኣሎኒ። ኽውስኸሉ ከሎኹ ግን ኣነ ኣራኣእያይ ኣብቲ ባይቶ ከም ናይ ብዙሓት ዝርእይዎ ዘይኮነስ ከም መሰጋገሪ ወይ ከም ናይ ሓጋዚ ተራ ከም ዝጻወት ኣካል ጌረ ከም ዝቖጽሮ ከስምረሉ እደሊ።  እዚ ማለት ከኣ ኣብ ዝተፋላለዩ ጽሑፋተይ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚረ ከም ዝገለጽኩዎ፡

 

ሀ) ለውጢ ካብ ውሽጢ ከም ዝመጽእን

ለ) ብዘይ ሓገዝ ናይ ኣብ ወጻኢ ዘሎና እቲ ዝድለ ለውጢ ከምዘይዕወት

ሐ) ግንከ ኩሉ ዓቕምና እንተዘይ ኣታሓባቢርናዮ (ከም ብባይቶ መሳሊ)፡ ፋሕ ኢልና እንገብሮ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሓገዝ፡ ብጣዕሚ ውሱን ከም ዝኾነን እዩ።

 

ሕጂውን ምናዳኳ ናይዚ "ብስርሒት ፎርቶ" ዝፍለጥ ፈተነ ምስ ረኣኩ ነቲ እምነተይ ኣጠንኪርዎ እዩ።  እቲ ናይ ውሽጢ ለውጢ ብዘይ ሓገዝ ናይ ኣብ ደገ ዘሎና ኤርትራውያን ፍጹም ዕዉት ክኸውን ኣሸጋሪ እዩ።  ኣድማዒ ሓገዝ ካብ ኣብ ደገ ዘሎና (ሓቢርና) እንተዘይረኺቡ ወይ እንተዘይሃልይዎ ንምድኻሙ ይኹን ንምፍሻሉ ቀሊል እዩ ዝኸውን። እዚ ከኣ በቲ ሓደ ወገን በቲ ዘሎ ናይ ውሽጢ ናይ ህግደፍ ናይ ሰኩሪቲ ጽዕቀት እቲ ነዚ ዘተግብር ጋንታ (ናይ ወተሃደራት ይኹን ሲቪል) ብዙሕን ውሕሉልን ምቅርራብ ንኽገብር ከሸግሮ እዩ፡፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቲ ህዝቢ ከምቲ ንፈልጦ ብሓሳርን ፍርህን ተዋሒጡ ስለ ዘሎ ዋላ ብዓይኑ እንዳረኣየ ነቲ ዝትግበር ዘሎ ለውጢ ኣንኳይዶ (ከምዚ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ እንርእዮ ዘሎናስ ይትረፍ) ከም ናቱ ኣሚኑ ብዉዑዩ ክካፈሎን ክደፋፍኦንሲ፡ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ መዓልቲ'ውን ምእማኑን ምጽንባሩን ዘጣራጥር እዩ።  ከምዝመስለኒ እቲ "ስርሒት ፎርቶ'ውን" ናይቲ ህዝቢ ምጥርጣር ከየጠንከሮ ኣይክተርፍን እዩ። እምበኣር ኣብዚ እዩ እቲ ናይ ደገ ባይቶን ህዝብናን ዓቢ ተራ ክጻወት ዝኽእል።

 

እምበኣር ናተይ ተወሳኺ ትዕዝብቲ ኣብ ርእሲቲ ኣብ መርበብ ኤውሮጳውያን ዝተዘርዘረ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

 

1-    ኣትሪረ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ ኣዝዩ ክውሕድ ኣሎዎ በሃላይ እየ። 129 ኣባላት ባይቶ ኣሽንኻይዶ ኣብ ከም ናትና ኩነታት ንዘሎ ባይቶ፡ ኣብ ብዙሓት ዲቕ ዝበሉ መንግስታት እኳ ኣዝዩ ካብዚ ዝውሕድ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ እዩ ዘለወን፤ ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ እንተረኣና፡  ቶጎ 81፤ ቦትስዋና 63፤ በኒን 83 ኣይቮሪ-ኮስት 70፤ ጋምቢያ 53 ኣባላት ባይቶ ኣሎዉወን። ካልኦት ብዙሓት መንግስታት'ውን ኣሎዋ ኣብ ዓለም ካብ 129 ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ኣባላት ዘሎዉወን። ብሓጺሩ ክንድዚ(129) ዘይመጣጠንን ዘየድልን ቁጽሪ ዝተወሰነ ብስርዓት ስለ ዘይተጸንዔን ኣጉል ህርፋንን እዩ፡ እምበር እቲ ባይቶ ብሓቂ ክሰርሕ እንተድኣ ተደልዩ፡ ኣባላት ባይቶን ፈጻሚት ኣካልን ተደሚሩ ካብ 30 ክበዝሕ ኣይነበሮን። ኣነ ብዛዕባ'ዚ ባይቶ ኣስፊሔ  ቅድሚ ጉባኤ ምጅማሩ ጽሒፈ ንዝግድሶም ኣካላት ኣቕሪበ ኔረ እየ። ንርእይቶይ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን።  በቲ ግዜ ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ኣብ ጉጅለታት ምስ ተኸፋፊልና ኣብቲ ዝተመደብኩሉ (workshop) ክልዕሎ ኢለ ምስሓተትኩ'ውን ብዘገርም ኩነታት በቶም ሓለፍቲ ናይቲ (workshop) ሓሳባተይ ንኸስምዕ ፍቓድ ተኸልኪለ እየ። ብዝኾነ ብሓቅን ብቕንዕናን ክስራሕ እንተተደልዩ ኣብ ቁጽሪ ምብዛሕ ዘሎ ጉድኣታት ኣዝዩ ብዙሕ ክኸውን ከሎ፤ ብኣንጻሩ ኣብ ቁጽሪ ምውሓድ ዘሎ ጥቕምታት ኣዝዩ ብሩህን ብዙሕን እዩ። ሓኻይም ምስ ዝበዝሑ ሕሙም ይመውት ይበሃል!

 

2-    ቀጺለ እቲ ባይቶ ብብዝሒ ኣባላት ወይ ብኮታ መሰረት ዘይኮነስ ብብቕዓት ኣባላት ክምስረት እዩ ዘሎዎ (qualty not quantity) በሃላይ እየ። ንኹሉ ወገን ነናቱ ዝውክል (ናይ ፖለቲካ ውድብ፣ናይ ክፍለ ሃገር፤ ናይ ሃይማኖት፤ ናይ መንእሰይ ናይ ወዘተ እንዳበልካ) ነቲ ቁጽሪ ምርባሑ ነቲ ባይቶ ከም ዘይሰርሕ ኢኻ እትገብሮ።  ከም ግቡእ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብቲ ባይቶ ዝምረጽ ንሓደ ጉጅለ ወይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዘይኮነስ ንኹሉ ኤርትራዊ እዩ ክውክል ዘሎዎ። ስለዚ ኮታ ዝበሃል ኣብ ሞንጎ ሲቢክን ፖለቲካልን ማለት እቲ 60/40 ክፍፍል ምእንቲ ንኽሕሎ ምግባር ንግዜኡ ኣድላዪ እኳ ኢንተኾነ፤ ብዝተረፈ ግን ኩሉ ኣባል ጉባኤ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተኣኪቡ፤ ካብቶም ዝቐርቡ ሕጹያት ተወዳዲሮም፤ እቶም ይበቕዑ እዮም (ንሃገርካ ኢልካ ኣብ ክንዲ ጉጅለኻ) ዝበሃሉ ብድምጺ ብልጫ ከም ዝምረጹ ይግበር። በዚ መገዲ'ዚ ኣብ ጉባኤ ዝምረጹ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ብሓቂ ወከልቲ ህዝቢ ንኽብሃሉ የብቅዖም እዩ።

ከም ናተይ ትዕዝብትን ኣገማግማን ኣባላት ባይቶ 30 እንተኮይኖም፡ 18 (60%) ካብ ሲቪክ 12 (40%) ከኣ ካብ ፖሊቲካል ፓርቲታት ይኾኑ። ካብዚኦም እታ ፈጻሚት ኣካል 7 (5 ቀወምቲ 2 ተለወጥቲ) እንተ ኮይና፤ እቶም 4 (3+1) ካብ ሲቪክ ይኾኑ፡ እቶም 3 (2+1) ከኣ ካብ ፖሊቲካል ፓርቲታት ይኾኑ ማለት እዩ። እቲ ስራሕ ምእንቲ ክስራሕ ሓለቓታት ዘይኮኑስ ሓገዝቲ እዮም ክበዝሑ ዘሎዎም።

 

3-    እቲ ባይቶ ናይ ገዛእ ርእሱ ባጀት ሃልይዎ ብዝከኣል ካብ ህዝቡ ብዝተዋጽኤ ገንዘብ ክመሓደር ኣሎዎ። ንኣብነት ኣብቲ ፈጻሚ ዘገልግሉ (5) ምሉእ ግዜኦም ዝወፈዩ ኮይኖም፡ ምሉእ ኣበሎም ከኣ ካብቲ ባጀት ክኽፈለሎም ኣሎዎ፡፡ ወጻኢ ንናይ ኣባላት ባይቶ ኣኼባውን (4 ግዜ ኣብ ዓመት) ኣብቲ ባጀት ክኣቱ ኣሎዎ፡፡  እንተወሓደ እዘን ዝተጠቕሳ ወጻኢታት ካብ ጁባ ኤርትራውያን ክወጻ ክከኣል ኣሎዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ መንግስቲ እቲ ካልእ ወጻኢታት ዝሽፍኖ ውሑድኳ እንተዘይኮነ ይኣኽሎ እዩ።  ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ ከም ዝበሃል፤ እቲ ባይቶ ቅርጡው ኮይኑ ናብ ናይ ይምሰል ወይ ናይ ሽመት ዘይኮነስ ናብ ስራሕ ዘምርሔ ምዃኑ ምስ ተዓዘበ ህዝብና በዚ ሰዓትዚ ነቲ ዘድሊ ወጻኢ ኢደይ ኢድካ ኢሉ፡ ከም ዝሽፍኖ ብወገንይ ኣይጠራጠርን እየ። ካብ ንትርጉም ዘይብሉ 129 ትርጉም ንዘሎዎን ኣፍራዪን 30 ኣባላት ንዘሎዎ ባይቶ ክትሕግዝ/ከተዋጽእ ይቐልል።

 

4-    ኣብ መኽፈቲ ከም ዝበልክዎ ለባምን መስተውዓልን ወገንካ ክነቕፈካን ክምዕደካን ከሎ ዝበዝሕ ግዜ ካብ ሓልዮት ዝተላዕለ ስለ ዝኸውን ከም ዓቢ ጸጋ እዩ ዝቑጸር። ኹሉ ከም ዝርድኦ ዝሰርሕን ዝውፈን ጥራይ እዩ ዝጋገን ዝእረምን። ግንከ ንዕኡ ዝበቅዕ ልቦናን ተጻዋርነትን ክህልወካ ከሎ ከኣ ነቲ ነቕፈታኡን ማዕዳኡን ኣብ ክንዲ ብምጥርጣርን ብምትህልላኽን ብምውድዳርንሲ ከምቲ ኣማጻጽኡኡ ብቅኑዕ ሕልና ተቐቢልካ ርኢኻ መርሚርካ ከምቲ ዝድለ ተግባራዊ እርማት ከተርኢን ክትገብርን ከሎኻ ነቲ ማዕዳ ናብ ዝለዓለ ጸጋ ትሰቕሎ ኣሎኻ ማለት እዩ።  እዚ ቅዱስ ባህርያት እዚ ምስዚ ኣቲናዮ ዘሎና ተኣፋፊ ኩነታት ኣዛሚድና ክንሰርሓሉ ይግባእ። ምኽንያቱ እንተድኣ ነዚ እነካይዶ ዘሎና ባይቶኣዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኽዓስሎ ኾይኑ፡ መሪሕነት ባይቶ ንዝተገብረ ጌጋታት ብወግዒ ምቕባልን ንኽዐርዮ ድማ ብምሉእ ሕልናን ዓቕምን ምብጋስን፡ ንምዕባለ ቃልስና ኣገዳስን ወሳንን ስጉምቲ ከም ምዃኑ ምስ ዝኣምን እዩ። ክምዚ ብምግባር እቲ ባይቶ ገዚፍ ግደ ክህልዎን ክጻወትን ይኽእል እዩ። ስለዚ መሪሕነት ባይቶ ናይ ባዕሉ ናይ ውሽጢን ናይ ግዳምን ጸገማቱ ኣሪሙ፡ ንሕዝቡ ዘሎዎ ሓላፍነቱ (ካብዚ ሕጂ ዘሎዎ ብዝለዓለ ደረጃ) ብግቡእ ክስከም ከም ዝኽእል ከእምን ኣሎዎ።  እዚ ምስ ዝገብር ጥራይ ከኣ እዩ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ድጉል ተቓዉሞ በዚ ናይ ደገ ጥሙርን እሙንን ሓይሊ ተኣማሚኑ ንለውጢ ክሓስብን ክፍትንን ዝጅምር ምስኡ'ውን ብምስጢር ክሰርሕ ዝደልን።

 

ኣብ መወዳእታ ከኣ በዛ ቅድሚ ሕጂውን ዝተጠቕሰት ምሕጽንታ እዚኣ ክፋነወኩም ፍቐዱለይ፡፡

ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍጠር ናይ ባይቶ መሪሕነት፡ መሪሕነት ቃልሲ ደኣንበር ፖሎቲካዊ ስልጣን ከም ዘይኮነ ኹላትና ኣብ ኩሉ ዓይነት ተቓውሞ ዘሎና ክንርድኦ ኣሎና። ስዒቡ ፖለቲካዊ ስልጣን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ኣብ ዓድና ካብ ህዝብና ዝምንጩ ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባኣናን። ስለዚ እቶም ኣብ ኣቃዋውማን መጻኢ ዕድልን ናይ ባይቶ ወሳኒ ሓላፍነት ዘሎኩም ሓደራ እቲ ባይቶን ኣባላቱን ናይ ቦታ ምሓዝ ምቅድዳም ዘይኮነስ ከቢድ ተወፋይነትን፤ ሓላፍነትን፤ ናይ ስራሕ ብቕዓትን ዝሓትት ቃልሲ ከም ዝኾነ ኣሚንኩም እቶም ንዕኡ ክበቅዑ ዝኽእሉ ጥራይ ጉጅለይ ጉጅለኻ ወገነይ ወገንካ ከይበልኩም፡ ኣብ ባይቶ ንኽገልግሉ ዓድምዎምን ኣሳትፍዎምን ሕጸይዎምን ምረጽዎምን። እዚ እንተዘይተጌሩ ሳዕቤኑ ህግደፍ ክልወጥ እንዳተጸቤኻ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ህዝብኻን ሃገርካን ክበርስ እንዳረኤኻ፡ እንዳተሳቐኻ፡ ዕድሜኻ ክሳብ ዝጽንቀቕ ምጽባይ ማለት እዩ ዝኸውን። ኣይገብሮን ግዲ !

 

ምስ ጽቡቕ ምንዮትን ዓወትን ንዝመጽእ ‘ጉባኤ ንሓድሽ ባይቶ’

 

ብርሃነ ገ/ንጉስ

7/9/2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...