ኣታ ሓወይ! ቅንጥው እስከ’ብላ ስጋኻ

ክተረጋግጽ ብሓቂ እንተሊኻ

‘ኣለኹ፡! እንተልካኸ ምሰየንኖት ኢኻ

ምስ ዕሱባት!

ምስ ዝኑባት!

 

ምስቶም ፈሊጥና ብሃልቲ ሃላያት?

ምስቶም ሽሙ ዘዓሽዎም ግጉያት?

ፈውሲ ሕንከት ዝተለኽዩ ዕንዝርያታት?

‘ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና!

ኢሎም ኣብ ዓለም ኣደባባይ፡ ዝጭድሩ ዕሹራት?

ምስትም ‘ጽቡቕ ኣሎ ህዝቢ!’ እናበሉ ዘደናግሩ ንግሩሃት?

ንህዝቦም ከድሕኑ ዝቃለሱ ዝዕንቅፉ ነውራማት!

ንህዝቦም ከጥፍኡ እምኒ ዘቐብሉ ግርጉራት?

ንህግደፍ ዝሕግዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍጽም ገበናት?

 

ወይ ምስ’ዞም ገንዘብ ምምንጣል ዝለመዱ ብዕሊ

‘መሕወዪ ግብሪ!’ እናበሉ ገንዘብ ዝእክቡ ንህዝቢ መቑሰሊ!

ነዚ ብዘይ ኣፈርክቡ፡ ብዘይ ኣውያት፡ ንወዲ ሃገር ዝኸድን ጸብሪ

ኣታ! ነዚ ‘መሕወዪግብሪ!’ ዝተባህለ መጨደሪ

ህግደፍ ህዝቢ ንምጽናት ዝጥቀመሉ ምዃኑ ዘረድእ ዶ ተሳኢኑ መርማሪ

ካብ ውንጅር ዓለቕቲ ዘድሕን ሓባሪ

ክሳብ መኣስ’ዩ ነዚ ሓላል ህዝቢ!

ተኸዊሉዎ ዝነብር’ቲ ጽሩይ ማይ ዝዛሪ

 

ከይትህሉ ድኣ ምስቶም ፍርሂ ዝገዝኦም ዕኑዳት!

መዓልቲ ፍርዲ ትቀላቐል ከም ዘላ ዘይተረድኦም ብሃማት

ስ-ለ-ዚ! ተመራመር፡ ልብኻ ብዓለባ ሳሬት ዝሸፈንካ ሕውየት!

ፈንጢስካ ውጻእ ካብዚ ዓንኬል ህግደፍ መቕዘፍት

ግዜ ከለካ ጽሩይ ማይ ስተ፡ ነው በሎ ሓሬት

ሎሚ’ያ ምስ ህዝብኻ ምስላፍ ምርካብ ስርየት

ሓቦ በል! ተለዓል! ግ-ል-ህ ኣብሎ’ቲ ዓለባ ሳሬት!

ብዕውርካ ከይወግሕካ መሬት!

ብዕውርካ ከይወግሕካ መሬት!

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...