መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ባይቶ ዘለዎ ትዕዝብቲን መርገጺኡን ንመሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ባይቶ ብወግዒ ዘቕረቦ መዘክር በዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ንህዝቢ ይገልጽ።

ሀ. ቀንዲ ትሕዝቶ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፤ብመሰረት ኣብ መሰርሕ ኣቃውምኡን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼቡኡ ዝተራእየ ኣገባብ ኣሰራርሓ፣ ክቕይሮምን ከመሓይሾምን ዘለዎ ነጥብታት ንምጥቃስ መርበብና ከም ተሳታፊ መጠን ዝተገንዘቦም መሰረታውያን ትዕዝብትታት ፣እንሆ ካብዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኵነታት ንምድሓን ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ነቕርብ።

 

1.መሪሕነት ባይቶ ብህጹጽ ናይ ዘተ መኣዲ ፤ምስ ኵሎም ኣብ ባይቶ ዘለዉን ዘየለዉን ሓይልታት ክጅምር። በዚ መሰረት ከኣ ንዅሉ ጽፍሕታት ናይ ሕብረተሰብና ዘንባርቕን፤ንዅሎም ኤርትራውያን ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝሓቘፈን ባይቶ ምምስራት የድሊ። መርበብና ኣቐዲሙ እውን እንተዀነ ኣብ ዋዕላን ኣብ ምምስራት ባይቶን ምስታፉ ናይ ሓባር ንኹሉ ተቓዋማይ ተሳትፎ ከምዘድሊ ለዝኣመነን ድልየቱ ንምንጽብራቅን ክሰርሕ ጸኒሑ ኢዩ፤ ሕጂ እውን ብዘይካ ናይ ሙሉእ ሕብረተሰብን፣ ኩሉም ተቓወምቲን ዝሓዘ ባይቶ፤ብመኣዲ ዘተ እንተ ዘይተሰኑዩን ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ንምእላይን ንህዝብና ምድሓን እውን ኣጸጋሚ ክኸውን ኢዩ።

 

2.ብመሰረት ጸብጻብ ወከልትናን ተረድኦ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ኣብ እዋን ዋዕላ ይኹን ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ  ኣብ ዝተኣከቡሉ ግዜ፣ ቅጥዒ ኣቀዋውማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ይኹን ምርጫ ኣቐዲሙ ኣይተኻየደን። ስለዝዀነ ኸኣ እታ ትቐውም ወይ ከኣ ህልውቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፤ ቅጥዒ ናይ ስራሓ ተሓንጺጹ ዳግመ ውደባ ገይራ ክትቀውምን፤ ንመዝነታን ሓላፍነታን ዝዕቅብ መምርሒን፤ ናይ ህዝቢ ተቐባልነትን ደገፍን ሃልይዋ፤ውሕስነት ብዝህብ ሕጋዊ ቅርጺ ክትሕዝ ምሕጽንታና ነቕርብ። እዚ ክንብል እንከለና ኸኣ ዝርዝር ስራሓን መምርሕን ብመደብ ተሓንጺጹላ ብተሳተፍቲ ጸዲቑ ገደብ ናይ ግዜ ተገይሩላ ስራሓ ትጅምር።ነጻነታ ተሓልዩ ኸኣ ተሓታትነታ ንጓባኤ ይኸውን።

 

3.ናይ ውክልና ጕዳይ፤ብሓፈሻኡ ውክልና ርትዓዊ ክኸውን ከምዘለዎ ከነስምረሉ ንደሊ። ንዝመጽእ ጕባኤ ዝሰፍሐ ክፋል ሕብረተሰብና ምእንቲ ክሳተፎን፤ንኣቃዋውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምእንቲ ክኸውንን፤ ዝተመጣጠነን ዝተማልአን ውክልና ሃልዩ፡ ብመሰረት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተወሰነ፣ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጕባኤ 60% ካብ ኣባልነት ናይ ፖለቲካውያን ውድባት ዘይብሎም ዜጋታት ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክውዕል። ርትዓዊ ውክልና ምእንቲ ክህሉ ሓደ ሰብ ኣብኩሎም ናይ ምርጫ ጉጅለታት ክመርጽ ይኹን ክምረጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ዝተዋህበ ፍኑው ዕድላት ክድገም ከምዘይብሉ። ብፍላይ ከኣ፡ መስርሕ ምምራጽ ኣባላት ባይቶ እትቆጻጸር ሽማግለ ምርጫ ምቛም ከድሊ እዮ።

 

4.ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ፤ ቀዳምነት ክወሃቦም ዘድልዮም ናይ ህዝብን ሃገርን ጕዳይ ብምስራዕ ዝረብሕ ስትራተጂ ኣውጺካ ምቅላስ። ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባት ንዘሎ ዘይመሰረታዊ ሓድሕድ ምትህልላኽ ብምዉጋድ፤ ንህጹጽ ጒዳይ ናይ ህዝብና ቀዳምነት ሂብካ ምሉእ ቈላሕታን መንፈስን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ቃልሲ ዘምጽእ ጕባኤ ክኸውን ኣትሪርና ንምሕጸን።

 

ለ. ዝርዝር ትሕዝቶ

1.    መእተዊ

ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ንናጽነት ልዑል ዋጋ ከፊሉ ድሕሪ ዝወነኖ ነጻነት ሃገሩ፡ ዓንዲ ነጻነት ሃገር ዝኾነ ንቡር ፍትሓዊ ምሕደራ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበ፡ ኣብ ጽባሕ ነጻነት፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ መዋእሉ ርኢዎ ዘይፈልጥ ናይ ግፍዒ ምሕደራ ተጻዒንዎ ይርከብ። እዚ ብደም ህልዋትን ስዋኣትን ኤርትራዉያን ሰማዕታት እንዳማሓለ እንዳጣሓለ ብግብሪ ከኣ ሲኦላዊ ምሕደራ ዘቖመ ናይ ዉሑዳት ስርዓት እንሆ ንሃገርና ናብ ገፋሕ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝቕይራ 22 ዓመታት ኣቑጺሩ።

እዚ ብዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ገባቲ ስርዓት፡ ንሰልጣኑ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ሰላምን ምዕባለን ንምምጻእ ድሌት ይኹን ድልዉነት ከምዘይብሉን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞም ገበናት ካብ ነዊሕ ግዜ እንዳተዋህለሉ ክመጹ ብዝጸንሑ ተግባራት ከምዝተለለየ ዘይከሓድ እዮ።

2.   ምቛም መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኣውሮጳ

ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ብስርዓት ህግደፍ ንዝወርድ ዘሎ መዳርግቲ ዘይብሉ ሰብኣዉን ደሞክራሲያዉን በደላት ንምምካቱን ምልዋጡን፡ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ዉደባታት ኣገዳሲ እዩ። ስለዝኾነ ምዕንባብ በርገሳዊ ማሕበራት ኣገዳሲ ተርእዮ ነበረ። ብፍላይ ከኣ እቲ ስርዓት ቅድሚ ሕጂ ነቲ ብስቱር ክገብሮ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ተግባራት፡ ዝባኑ ቀሊዑ ኣብ ቅድሚ መላእ ዓለም ብጸሓይ ቀትሪ ዝጀመረሉ እዋን ግን፡ ኣብ 18 መሰከረም 2001 እዮ። ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ድማ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ነቲ ነባር ሓይልታት ተቓውሞ ተወሲኽዎ እዮ። ኣብቲ ግዜቲ እዩ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ሓደስቲ ሲቪላዊ ምንቅስቃሳት ብውዱብ ደረጃ ክረኤ ዝጀመረ። እዚ ተርእዮ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ታሪኽ ገድሊን ናጽነትን ሓዲስ ኣምር ሒዙ ዝተበገሰ ነበረ። ንሱ ኸኣ ሰብኣዊን ፓለቲካዊን ሕቶታት ሃገር ኣልዒሉ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዘይወዳደር እንታይ ደኣ፡ ንሕቶ ህዝቢ ዝጣበቕ ሲቪላዊ ምንቅስቓስ እዮ።

ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ኸኣ በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ መሰረተ-ሓሳብ ብመርበብ ደረጃ ኣብ ሓምለ 2002 ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝተገብረ ናይ 3 መዓልታት ዋዕላ ካብ ሃገራት ሆላንድ፡ በልጂም፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዊድን፡ ጀርመን፡ ስዊስ፡ ኖርወይ፡ ጣልያን ዝተወከላ ማሕበራት ቆይሙ። በዚ ኸኣ ሓዲሽ ኣምር ናይ ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ኣብቲ ኣኼባ ብወግዒ ተወልደ።

ኣብቲ መስራቲ ኣኼባ ኸኣ፡-

ü  ብዕምቀት ትርጉም ሲቪላዊ ምንቅስቓስ እንታይ እዮ?

ü  ተሞክሮ ካልኦት ሃገራትን ታሪኽ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳትን ከ ከመይ ይመስል?

ü  ሲቪላዊ ማሕበራት ምስ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ብኸመይ ይረአ?

ኣብ ዝብሉ ኣርእስቲታት ተዛትዩን ጠዓጋጊቡን፡ ናይ ሪኢቶ ሓድነት ብምጥራይ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ኮነ።

2.1      ገለ ካብ ቀንዲ ንጥፈታት መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ቃልሲ ንለዉጢ፥

መርበብና ምስቲ ፍትሕን ሰላምን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት፥ ብመገዲ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ዕርቂን ስኒትን ምርግጋጽ ዝብሉ ዕላማታት ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ተንቀሳቒስሉ። በዚ ኸኣ ምስ ኩሎም ነባራትን ሓደስትን ተቓወምቲ ናይ ፓለቲካ ውድባት ኤርትራ ብዘይሻርነት ናይ ሓባር ቃልሲ ከሳላስል ወሲኑ። ብሃገራዊ ዋዕላ ኣቢልካ ጥርኑፍ፡ ህዝቢ ዝተሓወሶ፡ ሰፊሕን ብቑዕ ናይ ለውጢ መንኮርኮር ብምፍጣር፡ ንህዝብኻ ወዲብካ ለውጢ ምምጻእ ዝብል ራኢይ ኸኣ ከም ቀንዲ ንጥፈታቱ ብምግባር ብቃልን ግብርን ተታሓሓዞ። ብጭቡጥ ኸኣ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ዘይሻራዊ መርገጺ ተኸቲሉ፡ ብትዕግስትን፡ ተጻዋርነትን ኣኽብሮትን ሃገራዊ ናይ ቃልሲ ሓላፍነቱ ተሰኪሙ ሰሪሑ። ዘጋጥምዎ ዝነበሩ ኢድ ናይ ምትእትታው፡ ንጥፈታቱ ናይ ምግባት፡ ኣብክንዲ ከምመሻርኽቲ፡ ከምመወዳድርቲ፡ ንስልጣን ዝጎይ ጌርካ ምጥማት ወዘተ… ብምስጋር፡ ዋላ እዉን ወግሐ ጸብሐ ነቲ ዝዓሞ ዝነበረ ዘሕብን ንጥፈታት እዚ ጌረ እቲ ደጊመ ከይበለ፡ ንዝተበገሰሉ ህዝባዊ ዕላማ ተገዚኡ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ንምፍጣርን ዓይነታዊ ናይ ቃልሲ ለውጢ ንምምጻእ ከይሰልከየን ኣብ ዜናዊ ዋዕዋዕን ሃልኪን ከየድሃበ ዝተጓዕዘን ዝጓዓዝ ዘሎን መርበብ እዩ።

ንገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ዓለም ምሉእ ናይ ሰይጣን ባህርያቱን ፓሊሲታቱን ንኤርትራን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓደገኛ ምኻኑ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ብደረጃ ሃገራት፡ ኣህጉራዉን ዓለም ለኻዉን ኤጀንሲታቱን፡ ማሕበራትን ወዘተ… ኣቢሉ ገጢሙ።

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምግጣምን ለዉጢ ንምርግጋጽን ከይተጠርነፍካን ህዝቢ ከይሓወስካን ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን እዮ ኢሉ ሰለዝኣምነ፡ ኣብ ኣሰላለፋ ሓይልታት ንለዉጢ ዓይነታዊ ምቅይያራት ንምትእትታዉ፡ ኣብ መላእ መስርሕ ዋዕላን ጉባኤን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ቀላሲ ተራ ኣበርኪቱን።

ኣብዚ መስርሕ እዚ እዉን እንተኾነ፡ ካብ እዋን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀዳማይ ዋዕላ ኣትሒዙ ዝዕዘቦም ዝነበረ ጌጋታት ሒቕታን ምንባሮም ክዝከር ይግባእ። ሻቡ እዉን መርበብ ነብስኻን መኻይድትኻ ብጽሞና እንዳኣረምካ ምኻድ ዝብል መንገዲ እዩ ዝመረጸ።እዚ ኸኣ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ተፈጢሩ ንዝነበረ ተስፋታት ምእንቲ ከይቁጸ ንድኽመታት ኣጉሊሕካ ብእዉጅ ኣብ ክንዲ ምግላጽ፡ ኣብ ዉሽጢ እቲ መስርሕ ኮንካ ናይ ምእራም ኣገባብ ተመራጺ ስለዝነበረ ፡ መርበብና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እማመታትን ሓሳባትን የቕርብ ከምዝነበረ ዝምስክሩ ሰነዳት ኣለው።

ካብ ዉሽጢን ግዳምን መርበብና፡ መርበብ ኣብቲ ግዜ እቲ ብወግዕን ብዓውታን ነቶም ዝራኣዩ ዝነበሩ ድኽመታትን ጉድለትን ብእዉጅ ክእረሙ ሓቲቱ እንተዝነብር ዝሓሸ ኔሩ ዝብሉ ወገናት እኳ እንተሃለዉ። መርበብና ሕጂ እዉን እንተኾነ እቲ ሽዕኡ ዝተወስደ ኣካይዳ ምኽኑይ እዩ ኔሩ ዝብል እምንቶ ኣሎዎ። ኣብ መደምደምታ እዉን ተመክሮኻ መዚንካ፡ ሓቀኛን ሃናጽን ነቐፌታ ብጭብጢ ንምስናድ፡ መርበብ ክሳብ ምምስራት ባይቶን ድሕሪኡን ዝነበረ መስርሕ ኣብ ዉሽጢ ክቕጽል መሪጹ።

ሕጂ እዉን እንተኾነ መርበብና ጉዳይ ሃገር፡ ንወለዶታት ዝሓልፍ ዉርሻ ሰለዝኾነ፡ ንሕና ከም ተዋሳእቲ እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ለዉጢ ጉዕዞ ኮይንና ዝኣከብናዮን ዝደለብናዮን ተመክሮን ምስክርነትናን ብምምርኳስ፡ ንህልው ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ) ኣቃውምኡን ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣታሃላልዋ እንተቐጺሉ ለውጢ ከምጽእ ይኹን ከረጋግጽ ኣይክእልን እዮ ዝብል ዕግበት ስለዝበጻሕና፡ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ብሓፈሻ፡ እቲ ለውጢን ድሕነትን ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝብና ምእንቲ ክፈልጦ፡ ወሰንቲ ረቓሒታትን መአረምታትን እንብሎም ዝሓዘለ ሰነድ ብእዉጅ ከነቕርብ ወሲንና።

2.2       ድሌትን ዕላማን መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ልዕሊ ባይቶን፥

ድሌትን ዕላማን መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ፡ ባይቶ ንምዕዋትን ፡ዓይነታዊ ናይ ቃልሲ መሳርሒ ምፍጣርን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ህዝባዊ ተሓታትነት ዘረጋገጸ ለውጢ ክዉን ክኸዉን እዮ። እቲ ጉድለታት በብደረጅኡ ንመርበብና ሓዊስካ ንኹሉ ኣካላት ተቓዉሞ ዝምልከት ትሕዝቶ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። መልእኽቱ ኸኣ ኣብቲ ክእረም ንዘለዎ ኣገባብን ኣቃውማን መስርሕን ወዘተ ዘተኮረ እዮ።

ልዕሊ ኹሉ ኸኣ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተበገሰሉን ዝተቓለሰሉን ህዝቢ ዝማእከሎን ዝሳተፈሉን ሓያል ናይ ለዉጢ ሓይሊ ንኽህሉ ብሙሉእነት ንምዕዋቱን ተባሂሉ ብመርበብና ዝተኣመነሉ መስርሕ ምድላዉን ምክያድን ሃገራዊ ዋዕላን ጉባኤን ብዝምልከት ምስኩሎም ሃገራዉያን ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ዉድባት ፖለቲካ ኤርትራ ካብ መፈለምታ ንዘጋጠምዎ ዕንቅፋታትን ተመክሮን፡ ኣብዚ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

2.3      ተመክሮ መርበብና ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቃቂን ጉባኤ ሃዋሳን ዝተፈጸሙ ጌጋታት፥

እቲ ብ 2010 ብሙሉእ ምትሕብባርን ተሳትፍነትን መርበብና ምስ ሓይልታት ፖለቲካን ተዳልዩ ካብ 31 ሓምለ ስጋብ 9 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ቀዳማይ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንኽግበር ብዝወሰኖ መሰረት፡ መርበብና ኣብ ምክያድ ዋዕላን፡ ኮምሽን ምስተመስረተን ቀላሲ ተራ ከምዝነበሮ ዝፍለጥ እዩ።

በዚ መሰረት ከኣ እቲ ዝቖመ 53 ዝኣባላቱ ሃገራዊ ኮምሽን፡ መርበብና ንዝተበገሰሉ ራእይን ዕላማን ማለት፡ ህዝቢ ዝማእከሉ ሰፊሕ ናይ ቃልሲ ጽላል ዝምስርት ጉባኤ ዘካይድ መሰረታዊ ሰነዳትን ቅድመ ምድላዋትን ኣካየደ። ይኹን እምበር እቲ ቅድሚ ምድሓን ሃገር ንስልጣን ዘቋመተ ፖለቲካዊ ባህሊ ዉድባት ኤርትራ፡ ነዚ ተበግሶን ራእይን፡ ብጎቦ ዓይኑ ክርእዮ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ድሮ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዓንቃፊ ቅድመ-ኩነት ብምቕራብ መስርሕ ጉባኤን መደባት ኮምሽንን ክዕንቅጽ ጀመረ። ከም ቀዳማይ ምልክት ከኣ ኣይተዳለናን ብዝብል ህኩይ ምስምስ፡ ተወሲኑ ንዝነበረ መዓልቲ ጉባኤ ኮነ ኢልካ ኣብ መወዳእታ እዋን ክቕየር ብምሕታት፡ ንምድላዋት ጉባኤ ንምትእጉጓል ተፈተነ። በዚ ከይተወሰነ እዉን፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ 2010 ስምምዕ ዝተገብረሉ 40 ፖለቲካዉያን ሓይልታት 60 ሲቪላዉያንን ህዝብን ኣብ ጉባኤ ብምስታፍ ባይቶ ክቐዉም ዝብል መሪሕ ሓሳብን ዉሳነን፡ ብዉዲት ጭዉያ ተገብረሉ።

ኣብዚ መስርሕ እዚ መርበብና ወሲኽካ ኣብ ዲያስፖራ ዝመደበረን ብዙሓት ካልኦት በርጌሳዉያንን ኣካላት ህዝብን፡ ነቲ ናይ ምጭዋይ ተግባር ብተሪር ምቅዋም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እዋናዊ ስጉምቲ ብዘይምዉሳደን፡ ጉባኤ ሃዋሳ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ካብ ዝተገብረሉ ምድላዋትን ዝተጋባአሉ ዓቢ ዕላማን ተባኹሩ ክወጽእ ተራ ኣበርኪቱ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ዝተጋበአ ጉባኤ ሃዋሳ 2011 ኣብ ዉሽጢ እቲ ጉባኤ ዝተራእየ ህዝብን በርጌሳዉያንን ዝተገለሉሉ መስርሕ ብርኡይ ተፈጸመ። ከም ዉጽኢት ከኣ፡ ብኹሉ መዳዩ ዘይምዕሩይ፡ ዝተበገሰሉ ዕላማታት ዝጓሰየ፡ በርጌሳዉያንን ህዝብን ግቡእ ቦቶኦም ዘይሃበ ባይቶ ንኽቐዉም በቒዑ።

ብሰሪ እዚ ኸኣ እቲ ባይቶ ካብ ዝቖመሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ኣዋርሕ ኣብ ምፍሕፋሓትን ኣብ ዘይመሰረታዊ ሕቶታትን ግዚኡ ዘባኽን፡ ንዝጸንሐ ናይ ምንጽጻግ ባህሊ ኣንፈትካ ምስሓትን ፖለቲካዉያን ዉድባት ዝደገመ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ። ነዚ ዘረጋግጽ ከኣ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ባይቶ ነጻጊ ባህርያትን ማእዝንካ ምስሓትን ብጭብጢ ተንጸባሪቑ ወሲኑን እዩ።፡

መርበብና ነዚ ቀዲሙን ድሒሩን ዝተኸስተ ተርእዮታት ብኣግኡ ኣስተብህሎ ሰለዝነበሮ፡ ንምእራሙ ብቓልን ሰነድን ዝተደገፈ ስምዕታ ኣቕሪቡ እዩ። ንኩሉ ዕድላት ናይ ምእራም ንምጥቃም ዝኣክልን እዉን ክሳብ መወዳእታ መስርሕ ምድላዉ ጉባኤ ድሕሪ ምክትታል፡ ምስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመደበሩ በርጌሳዊ ማሕበር ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝ ብዛዕባ እቲ ኣሉታዊ ተርእዮታት ኣብ ዉጽኢት እቲ ጉባኤ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን ድሕሪ ምግምጋም ብሓባር ርእይቶ ናብ ጉባኤ ልኡኻቱ ሰደደ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓባራዊ ገምጋም ከኣ እቲ ጉባኤ ኣካይድኡን ሒዝዎ ንዝነበረ ሕማቕ ኣንፈትን ብኣግኡ ንምእራም፡ ኣብ ምጅማር እቲ ጉባኤ ስክፍታናን መጠንቀቕታን ዝሓዘ ብኽልቴና ወገን ዝተኸተመ ሰነድ ንሰክረታሪያ ጉባኤ ብወግዒ ኣቕረብና ። ኮይኑ ግን እታ ሰክረታርያ ንዝሃብናዮ መጠንቀቕታን መኣረምታን ኣቓልቦ ከይገበረትሉ ተረፈት።

ኣብ መወዳእታ ፖለቲካዉያን ዉድባት ኤርትራ ንዝጨወይዎ መናብር እቲ ባይቶ፡ ኣብ ኪዳን ዘሎዉን ዘየሎዉን ብዝብል ጭድሕዳዊ ምስሕሓብ ምንጽጻግን ዝፈጠሮ፡ ንዝጨወይዎ ብጽሒት እዉን ምምቕቓል ሓርቢትዎም፡ ንጉባኤን መንፈሱን ዝጎትትን፡ ከምኡ እዉን ንእምነትን ተበግሶን ሓባራዊ ቃልሲ በርጌስን ህዝብን ምስ ፖለቲካዉያን ዉድባት ዝነጽግ ኩነት ከምዝኽሰት ገበሩ።

በዚ መንፈስን ኩነታትን ተጀሚሩ ዝተዛዘመ ጉባኤ ሃዋሳ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢን፡ ኣብኡ ዝተወልደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢን፡ ብኣንጻር ዝተገብረሉን ዝተሓንጸጸሉ መደባትን ክጓዓዝ ተራእየ። ባይቶ ወጻኢ ካብኡ ንዘሎዉ ህዝብን ሲቪላዉያንን ፖለቲካዉያን ሓይልታት ብምጥራናፍ፡ ድሕነት ሃገር ከረጋግጽን፡ ጽላል ኩላህና ንኽኸዉን ዝነበረ ባህጊ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣተወ።

ብድሕሪ እዚ ተርእዮ ንመርበብና ወኪሉ ኣብ ባይቶ ክዋሳእ ዝጸንሐ ኣባልና፡ እቲ ባይቶ ካብ ኣቃዉምኡ ኣትሒዙ ክሳብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝጸንሐ ጉዕዞን፡ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ኣካይዳን ዉሳነታትን ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ፡ ንዝተራእዩ ዘሰክፉ ተርእዮታት ብዝምልከት፡ ንኣካያዲ ቦርድ መርበብና ጸብጻብ ኣቕረበ። ስዒቡ እዉን ንሱ በቲ ኩነታት ተገዲዱ ወኪል ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይደሊ ሕቶ ኣቕረበ። ብድሕሪ እዚ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ተሞክርኡ ብምምዛን ከመይ ንቐጽል? ዝብል ዛዕባ ከልዕል ግድነት ኮነ።

ካብዚ ብምንቃል ኣካያዲ ቦርድ መርበብ ከመይ ንቐጽል? ኣብ ዝብል ዛዕባ ተኸታታሊ ዘተን ክትዕን ድሕሪ ምክያድ። ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተሰማምዐ።

Ø  መርበብ ኣብ ጠቕላላ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤን ኣካይዳ ባይቶ ንዘሎዎ ነቐፌታን መኣረምታን፡ ከምኡ እዉን መርበብ ንቐጻሊ ዝምራሓሎም መትከላት ዝገልጽ ወግዓዊ ሰነድ ብእዉጅ መንገዲ ንህዝብን ባይቶን ክዝርግሕ።

Ø  ብወኪል መርበብና ኣብ ባይቶ ንዝተዋህበ ጸብጻብ ብምጽዳቕ፡ ንምስሓብ ዉክልንኡ ድሕሪ ምቕባል፡ መተካእታ ወኪል መዚዙ ኣብ ባይቶ ዘሎዎ ቦታ ሒዙ ክቕጽልን ተሰማሚዑ።

3.   ሃገራዊ ባይቶን ኣቃውምኡን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ (ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ) ንኣከዋዉና ሕብረተሰብን እምነትን ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታት ተቓውሞን ብግቡእ ዘየንጸባርቐን ዘየማቓረሐን ኮይኑ ከምዝቖመ።

3.1      ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ቀዳምነታት ንሃገራዊ ህዝባዊ ሕቶታትን፡

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ነቲ ቀንዲ ዕላማ ድሌትን ኤርትራዉያን ዝኾነ ለዉጥን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ህግደፍ ንምንጋፍ ዘኽእል፡ ዝላዓለ ህጹጽነት ዝጠልብ ናይ ለውጢ ስትራተጂን ንጹር መደብ ስለዘይወነነ። ኣብ ዘይእዋናዉን ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ከምዘድሃበን፡ ነዚ ዘረጋግጹ ብዙሓት ዝርዝራት ዘየድልይዎ ንናይ ለዉጢ ቃልሲ መንፈስን ሃሳይ ዝኾነ ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድ፡ ከምዝተሸመመ ካብቲ ብዙሕ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከም ጭብጢ ምርኣይ ብቑዕ ምስክርነት እዩ።

ሀ. ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ናይ ሕዳር 2012  ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ቀንዲ ዕላምኡ ብምልጋስ ዘይእዋናዊ ሕቶ ብምልዓል ንገለ ኣባላት ተቓወምቲ ሓይልታት ዘደስክልን ዘግልልን ስጉምቲ ብምዉሳድ ሃገራዊ ባይቶ መባእታዊ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ከምዝገሃሰ።

 

ለ. እቲ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ሃገርን ህዝብን ጉዳይ ናይ ለውጢ ሰትርተጂን ምምራሕ ተቓውሞን ብፍጹም ዘይምልዓሉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ዝሓለፈ ይኹን መጻኢ ነዚ ብዘፍርሕ መንገዲ ኣብ ጥፍኣትን ምብትታንን ዝኸይድ ዘሎ ህዝብን ሃገርናን ብዓቢ ይኹን ንኡስ ኣጀንድኡ ዘይምግባሩ።

 

ሐ. ናይ ዝመጽእ ጉባኤ ባይቶ እተካይድ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከመይነት ኣቃዉማኣን፡ ከምኡ እዉን ናይቶም ቦኺሮም ኣሎዉ ዝባሃሉ ጉዳያት ኣብ መጻኢ ንምእራሞምን ደጊሞም ከይክሰቱ ዝሕግዝን ስጋብ ሕጂ ዝተሓንጸጸ ዝተኣወጀን ንጹር መምርሒ ዘይምህላዉ።

4.  ካብዚ ኵነታት ንምድሓን ንመጻኢ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፤ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ኣኼቡኡ ዝተራእየ ኣገባብ ኣሰራርሓ፣ ክቕይሮምን ከመሓይሾምን ዘለዎ ነጥብታት ንምጥቃስ መርበብና ከም ተሳታፊ መጠን ዝተገንዘቦም መሰረታውያን ትዕዝብትታት ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ከምዘሎ፣እንሆ ካብዚ ኵነታት ንምድሓን ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዝርዝር ነቕርቦ።

 

1. መሪሕነት ባይቶ ብህጹጽ ናይ ዘተ መኣዲ ፤ምስ ኵሎም ኣብ ባይቶ ዘለዉን ዘየለዉን ሓይልታት ክጅምር።በዚ መሰረት ከኣ ንዅሉ ጽፍሕታት ናይ ሕብረተሰብና ዘንጸባርቕን፤ንዅሎም ኤርትራውያን ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝሓቘፈን ባይቶ ምምስራት የድሊ። መርበብና ኣቐዲሙ እውን እንተዀነ ኣብ ዋዕላን ኣብ ምምስራት ባይቶን ምስታፉ ናይ ሓባር ንኹሉ ተቓዋማይ ተሳትፎ ከምዘድሊ ለዝኣመነን ድልየቱ ንምንጽብራቅን ክሰርሕ ጸኒሑ ኢዩ፤ ሕጂ እውን ብዘይካ ናይ ሙሉእ ሕብረተሰብን፣ ኩሉም ተቓወምቲን ዝሓዘ ባይቶ፤ብመኣዲ ዘተ እንተ ዘይተሰኑዩን ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ንምእላይን ንህዝብና ምድሓን እውን ኣጸጋሚ ክኸውን ኢዩ።

 

2. ብመሰረት ጸብጻብ ወከልትናን ተረድኦ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ኣብ እዋን ዋዕላ ይኹን ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ  ኣብ ዝተኣከቡሉ ግዜ፣ ቅጥዒ ኣቀዋውማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ይኹን ምርጫ ኣቐዲሙ ኣይተኻየደን። ስለዝዀነ ኸኣ እታ ትቐውም ወይ ከኣ ህልውቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፤ ቅጥዒ ናይ ስራሓ ተሓንጺጹ ዳግመ ውደባ ገይራ ክትቀውምን፤ ንመዝነታን ሓላፍነታን ዝዕቅብ መምርሒን፤ ናይ ህዝቢ ተቐባልነትን ደገፍን ሃልይዋ፤ውሕስነት ብዝህብ ሕጋዊ ቅርጺ ክትሕዝ ምሕጽንታና ነቕርብ። እዚ ክንብል እንከለና ኸኣ ዝርዝር ስራሓን መምርሕን ብመደብ ተሓንጺጹላ ብተሳተፍቲ ጸዲቑ ገደብ ናይ ግዜ ተገይሩላ ስራሓ ትጅምር።ነጻነታ ተሓልዩ ኸኣ ተሓታትነታ ንጓባኤ ይኸውን።

 

3. ናይ ውክልና ጕዳይ፤ብሓፈሻኡ ውክልና ርትዓዊ ክኸውን ከምዘለዎ ከነስምረሉ ንደሊ፤ንዝመጽእ ጕባኤ ዝሰፍሐ ክፋል ሕብረተሰብና ምእንቲ ክሳተፎን፤ንኣቓዋውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምእንቲ ክኸውንን፤ ዝተመጣጠነን ዝተማልአን ውክልና ሃልዩ ብመሰረት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተወሰነ፣ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጕባኤ 60% ካብ ኣባልነት ናይ ፖለቲካውያን ውድባት ዘይብሎም ዜጋታት ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክውዕል። ርትዓዊ ውክልና ምእንቲ ክህሉ ሓደ ሰብ ኣብኩሎም ናይ ምርጫ ጉጀለታት ክመርጽ ይኹን ክምረጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ዝተዋህበ ፍኑው ዕድላት ክድገም ከምዘይብሉ። ብፍላይ ከኣ፡ መስርሕ ምምራጽ ኣባላት ባይቶ እትቆጻጸር ሽማግለ ምርጫ ምቛም ከድሊ እዮ።

 

4. ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ፤ ቀዳምነት ክወሃቦም ዘድልዮም ናይ ህዝብን ሃገርን ጕዳይ ብምስራዕ ዝረብሕ ስትራተጂ ኣውጺካ ምቅላስ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባት ንዘሎ ዘይመሰረታዊ ሓድሕድ ምትህልላኽ ብምዉጋድ፤ ንህጹጽ ጒዳይ ናይ ህዝብና ቀዳምነት ሂብካ ምሉእ ቈላሕታን መንፈስን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ቃልሲ ዘምጽእ ጕባኤ ክኸውን ኣትሪርና ንምሕጸን።

 

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

ማሕበር ስኒት ሰላም - ጀርመን

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላም - ጀርመን

ኤርትራዊ ማሕበር ተጣበቕቲ ንሰብኣዊ መሰላት - ጀርመን

መቓልሕ ኤርትራ - ጀርመን

ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሕን ንደሞክራስን - በነሉክስ

ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን - ኖርወይ

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ - ሽወደን

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራሲን - ስዊስ

 

ኣባል መርበብ ዝኾነ ማሕበር መቓልሕ ኤርትራ ዝ.ማ. (Mekaleh Eritra Organization e.v.) ኣብ መብዛሕትኡ ሸነኽ እዚ መሞራንደም ተዓቅቦ ኣለዎ።

 

ሰነ 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...