መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ብትዕዝብቱ ኣብ መስርሕ ምስረታ ኤባሃደለ ድሕሪኡን፡ ንዝተራእዩ ኩነታት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ዝገምገመ ኣራሚ ሰነድ ብምድላዉ ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ክዝርግሕ እዩ።

እቲ ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ኤዉሮጳ ብዝመደበረን ሲቪላዊ ማሕበራት ዝቖመ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራ ኣብ ኤዉሮጳ (NECS) ንዉጽኢት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ብወኪሉ ንዝቐረበሉ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር፡ ዕላማታት መርበብን ምስቲ ባይቶን ኣካይድኡን ስለዘይተሳነየ ኣብ ባይቶ ብኸመይ ንቐጽል? ዝብል ሕቶ ንምምላሽ ኣካያዲ ቦርድ መርበብ ከካይዶ ዝጸንሐ ገምጋምን ዘተን ብምዝዛም፡ ዉሳነታት ኣማሓላሊፉ።

በዚ መሰረት ንኣወንታዉን ኣሉታዉን ጎድንታት ኣካይዳ ባይቶ ብምግምጋም መርበብ ብኸመይ? ኣብ ምንታይን? ተመርኩሱ ዝቕጽለሉ መንገዲ ዝሕብር፡ ንህዝብን ባይቶን ዝዝርጋሕ ሰነድ ብምድላዉ፡ ኣብ ኤሃባደለ ዘሎዎ ኣባልነት ሒዙ ክቕጽል ከምዝተሰማመዐ፡ ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣፍሊጡ።

ዕላማ ናይቲ ኣብዚ ሒደት ማዓልታት ንማዕከናት ዜና ክዝርጋሕ ተመዲቡ ዘሎ ሰነድ ከምዘመልክቶ፡ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤዉሮጳ ተመኩሩኡ ኣብ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ብፍላይ ከኣ ዝምድናታቱ ምስ ሓይልታት ፖለቲካ ኤርትራ፡ ብነቐፌታዊን ኣራምን ሓሳብ ብምምርኳስ፡ ነቲ ህዝቢ ዘማእክሎን ህዝባዊ ታሓታትነት ዘሎዎ ቃልሲ ኣብ ምፍጣር ዝበቅዕ ስትራተጂ ቃልሲ ክህሉ ንዝብል፡ ቀንዲ ዕላማ መርበብ ዘነጽር ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብዘይካ እዚ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ (NECS) ነቲ ንሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ክንዲ መሻርኽቲ መዋዳድርቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ጌሩ ዝርእይ፡ ነጻጊ ፖለቲካዊ ባህሊ ዉድባት ኤርትራ ብምንቃፍ፡ ሃገራዊ ባይቶ ናይ ከምዚ ዝበለ ሃሳይ ፖለቲካዊ ባህሊ ግዳይ ከይከዉንን፡ ንኹሎም ሃገራዊ ሓይልታት ብዘሳትፍ መንገዲ መጽለሊ ኩላህና ኮይኑ፡ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ብምትኳር፡ ንሕቶ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብህጹጽ ዝምልሽ ኩነት ክፍጠር፡ ባይቶ ቀላሲ ተራ ክጻወት፡ መርበብ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ከምዝፍለጥ ኣቐድም ኣቢሉ ወኪል መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤዉሮጳ ኣብ ኤሃባደለ፡ ዝነበረ ኣቶ መስፍን ፍትዊ፡ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ናይዚ ዓመት ንኣካይዳ ባይቶ ምስ ዕላማታት መርበብ ኣይተሳነየን ብምባል ድሕሪ ዝሃቦ ጸብጻብ ተኸቲሉ፡ ወኪል ኮይኑ ከገልግል ከምዘይደልይ  ብምዉሳኑ፡ ኣካያዲ ቦርድ ቀጻሊ ኣታሃላልዋ መርበብ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብዝምልከት፡ ኣብ ዘተን ምኽርን ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ሰነድ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንህዝብን ባይቶን ክዝርጋሕ ምዃኑ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 

 

ክፍሊ ዜና

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራ ኣብ ኤዉሮጳ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...