ቀዳም ምሸት 22 ሰነ 2013 ነቶም ሂወቶም ከፊሎም ናጻ ሃገር ዘርከቡና ጀጋኑ ስዉኣትና ንምዝካር፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ኣብ ለይክ መሪት ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ሽምዓ ብምብራህ ዝኽሪ ሰማእታት ኣኽቢሮም። እቲ ብዓል ብሓልዮትን ሓባራዊ ስራሓን ናይ ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበር፣ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ፡  ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡  ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንንተዳለወ እዩ ነይሩ።  ብርክት ዝበሉ መንእሰያትን ገዳይም ተጋደልቲን ድቂ-ኣንስትዮን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ስዉኣትና መዳርግቲ ዘይብሉ ዋጋ ኡንኮ ሂወቶም ክኸፍሉ ከለዉ ህዝብና ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ኣብ ሃገሩ ተኸቢሩ ምእንቲ ክነብር እምበር ኣብ ዝገደደ ሕስረትን ውርደትን ክኣቱን መንእሰያትና ኣደዳ ስደትን ስቅያትን ክኾኑን ሕሉፍ ሓሊፉ ከም ጤለ በጊዕ ተሓሪዶም ኩላሊቶም ክሽየጥን ከምዘይነበረ ብምረት ገሊጾም።

 

ሕልሚ ስዉኣትና ምእንቲ ሓራ መሬት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ሰብኣዊ መሰላቱ ዝተሓለወ ሓራ ህዝቢ ኤርትራ ክርእዩ ምንባሩን ሕልሞም ክሳብ ዝገሃድ ድማ ብሓባር ቃልስና ቀጻሊ ምዃኑ ዘረጋግጽ ናይ ሓባር ቃል ብመንእሰይ መድሃኔ ኣድማሱ ቀሪቡ። ቀጺላ ሓፍትና ሰሚራ ሳልሕ ናይ ሓባር ቃል ብዓረብኛ ኣቕሪባ። ብዘይካዚ ንጀግንነትን ተወፋይነትን ሰማእታትና ዝገልጽን ኣብ ሃገርና ዘሎ መላኺ ስርዓት ሕድሮም ከምዝጠለመን ሕልሚ ህዝብና ክሳብ ዝገሃድ ክንቃልስ ኢና ዝብል መልእኽቲ ዘለዎም ዝተፋላለዩ ግጥሚታት ብዝተፋላለዩ ተሳተፍቲ ቀሪቦም።

 


 

ቀጺሉ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና እጃሞም ዘበርከቱ ገዳይም ተጋደልቲ ዝኽርታት ናይ ኣብ ዕሸል ዕድሜኦም ዝተሰውኡ መቃልስቶም ብምክፋል ነቲ መዓልቲ ፍሉይ ድምቀት ሂቡሞ። ኣብ መደምደምታ ምእንቲ ፍትሒን ሰላምን እንካይዶ ዘሎና ቓልሲ ዝያዳ ጥርናፈን ስኒትን ክህልዎ ንዓወትና ወሳኒ ስለዝኾነ ሓቢርና ዕቱብ ቃልሲ ክነካይድ ቃል ንኣቱ ብምባል ኣኼባ ተደምዲሙ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...