ኣንታ ሓወይ ተኸስተ ተጋዳላይ
ተባዕ ጂግና ኔርካ ተወርዋራይ
ከም ኢራብዶ! ክብለካ ዘላላይ
ነብሪዶ! ክብለካ ካብ ገደል ነጣራይ
ወይስ ነስሪ ነፋሪ ኣብ ሰማይ
ገበልዶ! ይሒሸካ ታሕቲ ታሕታይ
ቀታል ኣንበሳ ፋረ ኣሳሪይ
ጎበዝ ኣብ ዓዲ! ጎበዝ በረኻ እንኮላይ።
ከሲት ሓወይ ጎበዝ ተጋዳልይ
ካብ ባርካ ንሳሕል ጎያያይ
ቖላ ወዲኡ ንኸበሳ ላዕላይ
ሃዘሞ ጸኒሑስ የርክብ ጻዕዳ ቓላይ
ደኸመኒ ከይበለ ንሃገር ብሃላይ።
ከሲት ሓወይ ፍሽኽታ ኣመሉ
ናብራ ኣይጠዓመን ንስኻ ዘይብሉ
ስደት በዚሑና ዓቕምና ጎዲሉ
ሃገርና ተወሪሩ ብእልፊ ተኻሉ
መዓልቲ ክመጽእዩ ዓዲ ንኣትወሉ
ክሓጽር ስደትና ኣኸለ ንብለሉ
እንታይ ክኸውንዩሞ ናትካዶ ጎዲሉ።
ከሲት ሓወይ ዑና ጋዕቤን ዝዓድኻ
እንዳ ዑቅቢት እወ ገፊሕ’ዩ በርኻ
ወዲ ማይ ጻዕዳ ሰፊሕ ትውልድኻ
ኣብ ዝኸድካዮ ቤተስብ ይጸንሑኻ
ኣብ ዝዕረፍካሉ ዓዲ ሽሻይ ይቐርበልካ
ኣዴታትካ ማዕረ ሰብኣይ ዝዘምታ በርኻ
ጻዕዳ ጣፍ ነበረ ዝሕረስ ጉልትኻ
ከምሓኸለ ኣብ ማእከል ወሎደኻ
ሰብ ሰፊሕ መርዬት እዮም እንዳቦኻ
ኣብ ኩሉ ትዋሰብ ዘይብልካ ማሕለኻ።
ተኸስተ ወዲ ተወልደ ዘወልዲ
ዘይግዛእ ንህግደፍ ዕጭ ዝወዲ
ስደት ዝመረጸ እንዳጓና ዓዲ
ናብራ እንተመረ! ወይከ ክጭጭ ግዲ
ካብ ብሳንዱቕ ባዕሉ ኸደ ንዓዲ
ሳላ ዝኸደስ ኣዕለለ ምስ ወለዲ።
ከሲት ሓወይ ቁሩብ ከይዓረፈ
ክዝክሮሉ ኣብ ሳንጆርጆ ዝሓለፈ
ተማሃሮ ኮና ኣስናና ከይተጎርፈ
ክንጭድር ንእስነት ከይተኾልፈ
ኣይንግዛእን ኢሉ ውሳኔ ዘሕለፈ
ስዒቡ በብሓደ ንባርካ ጎረፈ
ምእንቲ ሃገር መንእስይ ተቐዝፈ
ጻማ ዘይርከቦ ሂወታት ሓለፈ
ሃገሩ ንሸፋቱን ንተዃሉን ገደፈ።
ከሲት ሓወይ ኣንታ ውጻእ መዓት
ዘሕለፍካይ ከይገለጽካይ ኣብ ቅርዓት
ዝገጠመካ ኩሉ ኣብ ህግደፍ ጽዓት
ኣብ ጎዳጉዲ ሳሕል ዝነበረ ቅጽዓት
ኢድኻ ዘይምሃብካ እዚ ኩሉ ኩርንዓት
ዘርዚርካ ዘይውዳእ ዘይርከቦ ስርዓት
ተመሊስካ ትእሰር ብዓብዳላ ስርዓት
ኩሉ ኤርትራዊ ይቅጻዕ በብ ሳዓት
ተጀሚሩ ዘውዳእ ናይ ሸፋቱ ስርዓት።
በል ኪድ ኣርክብ ናብቶም ዝሓለፉ
ገዲፋካዮ ምኻድዩ ኩሉ ብሓርፋፉ
ብዓል ደብሽ የዕሩካ ቀደም ዝተኾልፉ
ጅግንነት ኣርእዮም ንቕድሚት ዝሃተፉ
ኩሎም ኣሕዋትካ ብህጻንነቶ ዝተሰልፉ
ዝተሰዉኡ ኣይዋሓዱን ዉላድ ከይገደፉ
ንገረልና ሓርነት ኣብ በርኻ ተሪፉ
ንስደት ብዙሕ ህዝቢ እዩ ጎሪፉ
እቶም ዝቐዱሙ ኣብ ዘዘልዎ ተርፉ።
ከሲት ሓወይ ኣርሒቕካ ካብ ከድካ
ክንመጸካ ኢና በብታራ ክንስዕበካ
ናይ ዓለም ናብራኻ ሰዓት ኣኸለካ
ዝግበር ጌርካ ንዓኻ ድኣ ዘይዓረፍካ
ይቕረታ ግበረና ኣርሒቕና ገዲፍናካ
ኣብ ጎንኻ ጠጠው ዘይምባልና በዲልናካ
ዝግበር የለን ብኽያት እንታይ ክኾነካ
በል ኪድ ኣቦይ እዝጊ ባዕሉ ይቀበልካ።
ስድራቤት ከሲት ኣብ ዓለም ዘለኹም
ከሲት ጂግና ኣንበሳ ዝሓውኩም
ኣብ ሃገሩ ጽቡቕ ስም ገዲፉልኩም
እንዃዕ ብሰላም ኣብ ዓዱ ዓረፈልኩም
ኣኻእሎን ጽንዓትን ንኹሉኹም
ብኽያት ኣየድልን ነዚ ጅግና ሓውኩም።
ሓውካ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
21 ሰነ 2013
ክትዝርግሑለ ብትሕትና ይሓትት።
ሓውኩም
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...