እወ፡ ብርግጽ ንዘይመውት መድሃኒት ኣለዎ! እምበር ኣስከሬን ናይዚንርእዮ ዘለና ህጻን መንእሰይ መሪሕ ፍትዊስ ብርግጽ ኣብ ድም ጹ ይራአየና ነይሩ። መዓስ ኣስከሬኑ ጥራይ፡ ብቐንዱ‘ምበር ብሰሪ ደላሎ ፖለቲከኛታት ሃገርና ዉልዶ ኣካላቱ ተተመዝሒቑ ክሽየጥ፡ ብሰንኪ‘ቶም ኣዒንቶም ብዶላር ዝዓወረ ኣብሶርያን ሊብናንን እናተዛወሩ ኣቐዲሞም ብመሸጣ ኩሊት ናይተን ብሂወት ተሪፈን ጸገማ ተን ክፍለጥ ዝተኻእላ ግዳያት ደቂ-ኣንስትዮና ዝጀመረ ስዒቡ ነዚ ናይሎሚ ተረኽቦ ዝሃንደሱን ከምጥዑያት ድማ ፍቐዶ ኤውሮጳ  ተዘርጊሖም ከምሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝመስል ብርዒ ክሓናጥጡ ዝውዕሉ ዘለዉ ሃዋርያ ሲኦል ደላሎ ብርሰት ዝኾኑ ገበነኛታት ዝትግበርን ዝእለን መሸጣ ኣካላት ኤርትራዊ ዜጋ ርኢናዮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ክሕደት ሓሓቝፎም ኢዮም ህግደፋውያን ጻድቃናት ክ መስሉ ዝመጻደቑልና ዘለዉ።

 

ብዛዕባ መሪሕ ፍትዊ እንታይ ከምዝተሰማዓናን ከምዝመሰለናን ክትፈልጡ ንእትደልዩ ግዱሳት፡ እዛ ናይሎሚ ቅነ “ወይዘሮ ወርቅሃን ዕስራ ሰነን“ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐት ፈነወ ከተረጋግጸልኩም ትኽእል።ኣብኡ ብዘይካ‘ቲ ናይታ መሰታ መሪሕ እትከውን ተዋ ሳኢት ንኡድ ድራማ፡ ብዛዕባ ዛንታ ናይታ “ሳራ“ ዝተባህለት ሳናቡኣ ካብጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነት ጓል ኣሰርተ ዓመት ኣመሪካዊት ዝገ ልጽ ጥዕናዊ ትረኻ ኣሎ። ኣብኡ ወለዲ ሳራ ንጓሎም ዝኸውን ናይ ክንዲ ዕድማአ ሳንቡእ ክርከበላ ከምዝተማሕጸኑ ዝገልጽ ትረኻ ኣ ሎ። ክንዲ ዕድመኣ ዝኸውን ሳንቡእ ንምርካብ ከኣ ቀሊል ኢዩ። መወዓውዒ ምፍናው ጥራይ ባቃ።

 

ሽዑ ደላሎ ስራሕ ብምርካቦም ባዕላቶም ክጓየዩ ኢዮም። መቀያየሪ ኣካላት ሰብ መቸም ካብ ሲና ተበጊሱ ኣብ ዕዳጋታት ኒውጀርሲን መሰልታን ከምዝተዘርግሐ ኣመሪካዊ መጋቢ ዜና /ሲኤንኤን/ከይተረፈ ባዕሉ ተብቲብዎ ኢዩ። እሞ መን ኢዮም‘ቶም ተጠቀምትን ግ ዳያት ግዲ? ምስሊ ሳራን መሪሕን‘ሞ ኣብቅድሜኹም ኮፍ ኣብልዎ። ሳራ ክትድሕን ዘይንጸልኦ‘ዃ እንተኾንና ብዋጋ መሪሕ ክኸውን ግን ብዘይካ‘ቲ ንጽንተትና ዝዓለመ እኪት ህግደፍ መን ይቕበሎ?

 

ሽዑ ኢዩ እታ ዉልዶ ሰዊት ኣካል መሪሕን ካልኦት ግዳያትን ከምዝቕንጠባ ተራእይዎ እቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ዜጋና ዝተጓየየ። ሽዑ ኢ ዩ‘ውን ኩሉ ዜጋና ነዚ ታሪኽ ስለ-ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ከምኣውራ ታሪኽና ክኾነልና በቢክገብሮ ዝኽእል ዝተቓለሰ። ንኣብነት ገለ ካ ብቲ ንፍትሓውነት፡ ሕጋውነትን ግዝኣተ-ሕግን መንግስትና ካብዘለና ባህጊ ቅዱምን ድሓርን ካብ ዝተጻሕፈ ንምዝካር ዝኣክል፡ሎሚ ቅነ ሓደ “ዘይቀሰነ“ ብዝብል መጸውዒ ዝጽሕፍ ደራሲ በቲ ሙኡዝ ኣገላልጻኡ ከምዚ ኢሉ፡-

 

“ቅዋማዊ መንግስቲ እንተተኽለስ፡ ኮን ዶኾን፡ ነዚ፡ ዓለምና ዳር-ምስ-ትርኢት ርኢና ኢላ ዝመስከረትሉ፡ ምሻጥ ናውቲ-ከብዲ ኣሓትና ን ኣሕዋትናን ኣስዒቡ ዘሎ፡ ጻኦተ-ስደት ህዝብና፡ ተገዲሱ ደው የብሎ ብዝብል ተስፋ’ዩ። ኮን ኾን፡ እቲ ሽዑ ዝትከል መንግስቲ፡ ‘ንፒክኒክ እዮም ከይዶም’ ብዝብል ዘረባ-ንዕልቲን ኣቃጫጭን ዘይኮነስ፡ ስደት፡ናይ ብሓቂ ጽንታ ህዝብን፡ ብርሰት ሕብረተስባት ኤርትራን ሙዃኑ ገሊጹ፡ ደው ንምባሉ ድማ፡ ለይትን መዓልትን ዝጽዕት፡ መንግስቲ ብዙሓት እንተኾነልና ኢሉ’ዩ“።

 

ኣንታ ነዛ ዝጸምለወት ውጻእ መዓት ነብሲ ሕዝካ ናብዛ ዓለም ዳግማይ ሳልሳይ ዝተፈጠርካ ክቡር መሪሕ ፍትዊ፡ ንስኻ‘ውን ከምቲ ቃል ኣቦሓጎኻ ብርግጽ ንዘይመውት ፈውሲ ከምዘለዎ ከምዝኣመንካ ርጉጽ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ዘይመውት ብጥበቡ ኢዩ ፈው ሲ ዝሰደሉ። ወነንቲ ሰብ ንጹሕ ሕልና ገሊኦም /ገሊአን/ ብዲቕ ዝበለ ሃገራዊ ፖለቲካ ተጣባቕነት ሰብኣዊ መሰላት ተሟጒቶም። ገ ሊኦም /ገሊአን/ ነቲ ኣውያትናን መኸተናን ዓፊኑ ብዘይመላስ ኣውያት ከብርሰና ዝዓለመ ከይሲ ፖሊሲ ኤሌክትሮኒካዊ ዓፈና ፈንጢ ሶም ከም ንደማመጽ ዝመከቱ ተቓለስቲ፡ ገለ ድማ ብማሎም/ማለን/ ዝተጓየዩ ሃገራውያን  ኮታ ኣብ ባህልና ዝገበረ ዘበለ ‘ገይረ‘ ‘ዃ ዘይበሃል እንተኾነ ብጩቡጥ ግን ኩሉ ገግባሩ ገይሩ።

 

ንከንቱ ኣይነበረን እቲ ናይ ሂወት ኣድሕን ናይ ‘ዎ....የ‘ ኣውያት። ንከንቱ ኣይነበረን‘ቲ ፍቐዶ ዓለማዊ ቤት-ጽሕፈታት ብድፍረትን ጋ ህድን ምጭባጥ። ንከንቱን ንዙረትን  ኣይኮነን እቲ ገንዘብካ፡ ግዜኻን ጉልበትካን ዝበልዕ ኩሉ ምእንቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝግበር ዘ ሎ ዓለም- ሰንጠቕ ሰላማዊ ሰልፍታት። ንሱ ዓይነት ምሕቡር ተግባራት ድማ ጽባሕ ብጊሓቱ ንህግደፍ ካብታ ተሸጒጥላ ዘሎ በዓቲ መዝሒቓ ከምትንሕንሖ እናተኣማመንኩ፡ ንግዚኡ ብስምካ ንኩሎም ድቃስ ዝሳአኑ ዝግባእ ምስጋናይ ክበጽሓለይ እምነ።

 

ንስኻ መሪሕ ፍትዊ እምበኣር ተኣምር ፈጣሪ ኮይኑስ፡ ልክዕ ከምቶም ብወዝቢ ካብ ‘እንዳተዓገስ‘ ዝወጹ ንጣርያ፡ ከምቶም ብትንግ ርቲ ካብ ነበልባል ኲናት ዝመሎቑ ትራፍያ ኮንካስ ስምካ ድማ መሪሑ ኣሎ። ስዒቡ ስራሓትካ ክመርሕ ኢዩ። ምትራፍካ መቸም ን ተወሳኺ ከቢድ ሓላፍነት እምበር ዘደቅስ ኣይኮነን። ከመይኣቢሉ? ብዋጋኻ ጁባታት ደላሎ ብዶላራት ክሓብጥ፡ መንግስቲ ህግደፍ ገይሩ ከምዘይገበረ እቲ ዕምርን ዕድልን መሪሓት ብኡ ኣቢሉ ክጸንት፡ ምስጢራት ራሻይዳን ካድረታቱን ክስተር ማለት ዘበት!!

 

ጽባሕ ዕስራ ሰነ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ስዉኣት ኢዩ። ንስኻ ድማ ምስቶም ኣፍ ዘለዎም ስዉኣት ተሰሊፍካ ካብቲኩሉ መዓት ንዘትረፈካ ፈጣርን ኩሉ ገባር ጽቡቕን ምስጋና ብምቕራብ ኣሃዱ ዳግመ-ፍጥረትካ ብሰላም ጀምሮ‘ዚ ወደይ። ዕድመን ጥዕና ፈጢርልካ ከምተ- ረካቢ መጠን ንረኸብቲ ዝብድህ ዓቕሚ ረኺብካ ንረኽብታት ትብድህ ይግበርካ።

 

ኣሜን!!

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

 

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...