ሃገረይ፣ ኣብቲ ንኡስ ዕድመይ ‘ክጋደል’ ኢለ በረኻ ክወጽእ ከለኹ፣ ሕማቕ ተማሃራይ ኣይነበርኩን። መምሃሪ’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ልዕሊ መሓዙተይ ንፉዕ፣ ፈታው ትምህርትን ፈታው መጻሕፍትን ኢየ ነይረ። 1ይ 2ይ 3ይ ዲግሪ ሰቒለ፣ ዶክተር ፕሮፈሰር ምኾንኩ። ምስ ብርቱዕ ድርኺትን በሊሕ ኣእምሮን ኢየ ኣቋሪጸ። ሃገረይ - ምእንታኺ ኢየ ከርቲተ።

 

ሕማቕ ሓረስታይ’ውን ኣይነበርኩን፣ ዝሕረስ መሬት’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ዕርፈይ ዓቲረ፣ ነዊተይ ወልዊለ፣ ጽምዲ ብዕራይ ወኒነ፣ ዱዃን ዋላኻን ኢየ ዝሓርስ ዝነበርኩ። ሓጋይ ዛልየ፣ ጽድያ ዘሪአ፣ ክረምቲ ጻህየ፣ ቀውዒ ምህርተይ ዝሓፍስ፣ ህርኩት ሓረስታይ ኢየ ነይረ። ስድራይን ወለደይን ክናቢ፣ ደቀይን ኣሕዋተይን ከዕቢ፣ ዓቕሚ ነይሩኒ። ሃገረይ ምእንታኺ‘ዩ መስዋእተይ።

 

ሕማቕ ጓሳ’ውን ኣይነበርኩን። ጥሪተይ ዘብልዓሉ ልሙዕ መሬት ኣይሰኣንኩን። ጠለ-በጊዐይ ብዙሓት፣ ከብተይ ዓራዶን ብጋይትን ኢየን ነይረን። ብጸበአን ተዓንጊለ ብጠስመን ዓጊበ፣ ንፉዕ ጓሳ ከኣ ኢየ ነይረ። ማይ ዝነጥቦ፣ ለምዒ ዝቦቕሎ ቦታ ኣለልየ ኢየ ዝፈልጥ። ዘረናጡን መኻኽትን ሸይጠ፣ ዝራብዓትን ተስቶትን ለዊጠ፣ ስድራይን ወለደይን ክናቢ ኣይጸገመንን። ሃገረይ - ምእንታኺ‘ዩ ስንክልናይ።

 

ስራሕ ኣይሰኣንኩን፣ ክራይ ገዛ ኣይከበረንን። ኣዕሩኽተይን መተዓብይተይን ኣማኺረ ስራሕ ክረክብ፣ ብዓቕመይ ሰሪሐ ደቀይን ወለደይ ክናቢ ኣይተሸገርኩን። ባራቶሎ ሰሪሐ፣ ዓሊ-ግድር ጡጥ ኣርየ፣ ኣብ ወደብ ረፊዐ ምንባር ኣይሸገረንን። ክዳነይ ጽፉፍ፣ ደሞዘይ ጽቡቕ፣ ብስርሐይ ዕጉብ ኢየ ነይረ። ሃገረይ - ከይጠልመኪ‘ለ እንዳኣለይ።

ነጊደ ክነብር ኣይጸገመንን፣ ዝሽቀጥ ኣይሰኣንኩን። ክጥዕመኒ ብመኪና፣ ከምኡ እንተኾነ ብገመል፣ እንተጸገመኒ ብኣድጊ ካብን ናብን ንብረት ከመላልስ ኣይምተሸገርኩን። ሕሳብ ዘወራርድ፣ ዕዳጋ ዝፈልጥ - ኪኢላ ነጋዳይ ኢየ ነይረ። ሃገረይ - ንዓኺ ኢየ ወፊየዮ እቲ ኩሉ ዓቕመይ።

 

ትምርዓወኒ ኣይሰኣንኩን፣ ንመርዓ’ውን ዓቕሚ ኣይሓጸረንን። ቆንጆ ጓል ሃገረይ፣ እዝውቲ ጓል ዓደይ - ሃረር እናበልኩወን ኢየ ገዲፈየን ወጺአ። ዕሰል’የ ክብሉለይ፣ መርዓ ክወርዱለይ፣ ወለድይ መሪቖም ክቡኒ ዘይበሃግኩ መኣስ ኮይነ። ክወልድ ክዝምድ ኣይጸላእኩን፣ ዝወለድኩዎም ከዕቢ ኣይምተሸገርኩን። ሃገረይ - ናባኺ ኢዩ ነይሩ እቲ ኩሉ ቀልበይ።

ሃገረይ፣ መወዳእታ ኣይነበሮን ዕድለይ። ተስፋይ ብዙሕ፣ መጻኢየይ ብሩህ ኢዩ እኳ ነይሩ። ነዚ ኩሉ ክገብር ግን ሽግር ነይሩኒ። ተጸጊመ። ምስ ተጸገምኩ‘የ ድማ ናባኺ ጠሚተ፣ ንዓኺ ክረክብ ሽግረይ ክፍታሕ። በቃ ለምለም ክትኮንለይ። ሃገረይ - ‘ኩለንተናይ ንዓኺ’ ኢለ እየ ናባኺ ኣቋሚተ።

 

እወ፣ ጦር-ሰራዊት ዝበሃሉ፣ ቀጠልያ ክዳን ዝተኸድኑ፣ ብሳንጃ ዝዝልዝሉ፣ ብኤርትራውነትካ ዝጥርጥሩ፣ ጠርጢሮም ዝኣስሩ - ዝቐትሉ፣  ጠለ-በጊዕ ዝዘርፉ፣ ከብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ሓሪዶም ዝበልዑ፣ ንሓፍተይ ኣብ ቃልዕ ዝዕምጹ፣ ድሕሪኣ ናብ ኣደይ ዝሰግሩ ወሪሶሙኒ። ሃገረይ - ንሶም ኢዮም ነይሮም ሽግረይ፣ ዝቐየሩ ቀልበይ። ከይሓርስ ግራውተይ ብፈንጂ ተዘሪኡ፣ ከይነግድ ብሎኮታት ተዓጽዩ፣ ሸቂለ ከይበልዕ ጎደናታትኪ ዘየቕስን ኮይኑ። ሃገረይ - ናተይ ኩኒ፣ ከምቲ ዝደለኹኺ ድለይኒ።

 

ንዓኺ ምስ ወረሩ ናቶም ክገብሩኺ፣ ዜጋታተይ ብስልኪ ምስ ተሓንቁ፣ ሓንሳብ ምስ ተወስዱ ደሃይ ምስ ኣጥፍኡ፣ ኣብ በረኻ ተቐቲሎም ንኣዛብእ ምስ ተዋሃህቡ፣ ጨኪነ ሃገረይ ከርተት መሪጸ ንዓኺ ክደሊ።

 

ንስለኺ ክጋደል ክኽርትት፣ መርዓ ገዲፈዮ መሪጸ ክጸንት። ወለድይ ገዲፈ ነቶም ዘዕበዩኒ፣ ንበረኻ ከይደ- ስለኺ ተሰዲደ። ኣብቲ ዝኸድኩዎ ገድሊ፣ ነብሰይ ከይሓባእኩ ተጋዲለ፣ ፈንጅታት ሰጊረ፣ ንዓታቶም ዓጺደ መዓስከሮም ደምሲሰ፣ ዕጥቆም ሰሊበ፣ ናጽነትኪ ኣዕቲረ። ሃገረይ- ኣነ’እኳ ኢየ ሃገር ገይረኪ። ሎሚ ኣይትጥለምኒ፣ ሕቖኺ ኣይትሃብኒ። ነዚ ኩሉ ክገብር ግን ብዘይ ዋጋ ኣይነበረን። ሰንኪለ ሓንቲ እግረይ ከይዳ፣ ዓዊረ ዓይነይ ተወሲዳ፣ ኣእዛነይ ጸሚሙ ምንጋጋይ ተሰይሩ፣ መዓንጣይ ሓመድ ልሒሱ፣ ሓንጎለይ ብስኩጆ ፈሲሱ። ስጋይ ብሓዊ ተቓጺሉ-ተጠቢሱ፣ ሬሳይ ንቡር ስኢኑ ንኣሞራ ኮይኑ። ሃገረይ- ዋጋ እዚ ኩሉ መስዋእተይ ስደት ኮይኑ ዕድለይ።

 

ሃገረይ - ድሕሪ ኩሉ ድኻም፣ እዚ ኩሉ መስዋእቲ/ ስንክልና፣ ረኺበኪ ኢለ ተሓጒሰ፣ ነጢረ ዘሊለ። በቃ ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ሓሊፉሎም፣ ሽግሮም ኣነ ወዲአሎም - ኢለ ተተስፍየ። መሬትና ክለምዕ ጥሪትና ክበዝሓ፣ ህዝበይ ክቐስን፣ ዓመጽ ግፍዒ ተወዲኡ ኢለ ኣሚነ። ሃገረይ ሃየ’ባ ዘክርኒ- ኣለኹ በልኒ።

 

እቶም ትማሊ እምነት ዝሃብኩዎም፣ ኣነ ክሓልፍ ንስኻትኩም ጽናሑ ዝበልኩዎም፣ ዕላማና ከይጠልሙ ዝተላበኹዎም፣ ኣሳዲዶሙኒ ቁማር ኢሎሙኒ። ሃገረይ - ኣምጺአኪ ኢለ እናተነየትኩ፣ ብዝኣመንኩዎም ተጠሊመ፣ ካልእ ሃገር ክደሊ ተሰዲደ። መቃልስተይ ብቓጻ ተቐቲሎም፣ ገሊኦም ኣብ ጎዳጉዲ ሰፊሮም። ዝወለድኩዎም ቆልዑ እሶኽ ኮንኪዮም - ገንዘብ ከፊለ ካባኺ ኣህዲመዮም፣ ኩሉ ዝተወልደ- ዕድሚኡ ዘእከለ፣ ሕቖኡ ሂቡኲ- ኩቦ ደርብዩልኪ፣ ካልእ ሃገር ክደሊ ወጺኡ ገዲፉኲ። ሃገረይ - እንታይ ድዩ ወሪዱኲ፣ ብሰብ ዲኺ ብኣምላኽ ተጠሊምኪ።

 

ጳጳስ ተኣሲሩ- ጀነራል ለሚሱ፣ ሚኒስተር ደኒኑ- ሽማግለ ረጊሙ፣ ወላዲት ‘ኤህ’ ኢላ - ንሰማይ ጠሚታ ንኣምላኽ ነጊራ። መንእሰያት ‘ኡይ’ ኢሎም - ምእመናን ጸሊዮም፣ ሃገረይ - ንዓኺ ኢዮም ደልዮም ኣለኹ በሊዮም።

 

ትማሊ ኩልንተናይ ንዓኺ ዝሃብኩ፣ ሎሚ ‘ክልተ ካብ ሚእቲ መልእ’ ተባሂለ። ደመይ ናብ ሰሜንቶ ቀይረ፣ ኣዕጽምተይ ናብ ተንዲኖ ለዊጠ - ኣደልዲለ ሃኒጸኪ እናበልኩ፣ ‘ኩረት መልእ’ ኢሎሙኒ። ምልእቲ ሃገር ገይረኪ- ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጸንቢረኪ እናበልኩ፣ ‘ከዳዕ - ወያነ’ ኮይኑ ስመይ። እቶም ትማሊ ኣብ ጎድነይ ንስለኺ ዝተጋደሉ - ሎሚ ‘ንሕና ኢና ንሳ’ ክብሉኒ ሰሚዐዮም። ሃገረይ ምእንታኺ ተጋዲለ - ሰንኪለ፣ ሎሚ ብሰንክኺ ተሰዲደ፣ ባሕሪ ተሳጊረ - ኣማዕድየ ክጥምት ናባኺ፣ ከምዛ ጓና - ከምዛ ዘይፈልጠኪ፣ ፍጹም ፈሪሐኪ - ከመይ ኢለ ክቐርብ ናባእኺ።

 

ኤረይ - ከምቲ ምእንታኺ ዝኸርተትኩ - ንእስነተይ ዝሃብኩዂ፣ ከምቲ ካብ ከርስኺ ተወሊደ - ሓመድኪ ቁሒመ ዝዓበኹ፣ ቀይሕ ደመይ ኣባኽን ምእንታኽን’ዩ ውሒዙ፣ ገለ ክፋል ኣካላተይ’ውን ኣባኺ - ኣብ ከርስኺ ተቐቢሩ ኢየ ገዲፈዮ። ሕጂ ድማ ኣማዕድየ እጥምተኪ ኣለኹ - ናተይ ክትኮንኒ - ናትካ ኢየ ክትብልኒ። ክቐርበኪ ቅረብኒ - ናትኪ ኢየ’ሞ ናተይ ኩኒ… ናትኪ ኢየ’ሞ ናተይ ኩኒ።

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...