ኽቡራት ደለይቲ ለውጢ ስውሲ
ኣብ ወርሒ ሰነ መጀመርታ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት፣ ኣብ ጀኔቫ ዓቢይ ጉባኤ ክጅምር'ዩ።
ዓሚ ኣብ እዚ ጉባኤ ኾምሽን ሓንቲ ፍልይቲ ሽማግሌ ንሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ተጻሪ ኣቑማ'ያ። እዛ ሽማግሌ ኣብ ኣብ እዚ ናይ ሰኔ ዝግበር ጉባኤ፣  ጸብጻባ ናይ እዚኣ ሽማግሌ ክተስሚዕ ማዃና'ውን ብገለ መንገዲ ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ጉባኤ ኮሚሽን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ንሰብኣዊ መሰል ዘርኢ ብወግዒ ናይ ምኹናን መርገጽ ክወስድ'ውን ትጽቢት ኣሎ። እዚ ውሳኔ እዚ ብጉባኤ ኮሚሽን ሕ. መንግስታት ክውሰድ ካብ 14 ዓመት ጀሚርና ብዓብየቲ ሰላማዊ ሰልፍታትን ብደብዳቤታትን ብደሊገሽንን ብውልቒ ኤራውያን ሰብኣዊ መሰል ዝጣበቑን ዝተደኸሙሉ'ዩ። ሎሚ ዕለቱ መጺኡ።

ብሕጽር ዝበለ፣ እዚ ውሳኔ እዚ እንተተወሲዱ፣ መንግስቲ ህግደፍ ካብ ዓለም ፍጹም ክንጸል'ዩ፣ ዝኾነ ደገፍ ናይ ደገ ከኣ ክዕጸዎ'ዩ። በንጻሩ ምስ ደንበ ተቓውሞ ምድናጋጽን ንሕቶ ስደተኛታት ኤርትራውያን ከኣ ወግዓዊ ተቐባልነት ክህብ'ዩ። ደለይቲ ለውጢ ካብ ነዊሕ ኣትሕዙ ዝነበረ ባግናን ቃልስና'ዚ ኢዩ። እንተኾነ ነዚ መደብ ካብ ኣጃንዳ ክስርዙ ወይ ከኣ ክጉዕጽጹ ወይ ግዜ ክገዝኡ ድሮ ደሊጌት ሊኢኾም ብፍላይ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ሕ.መንግታት ኣብ ጀኔቫን ኣሜሪካን ኣውስትራያን ንቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ይኾሉ ኣለዉ። ካብ ዝሕስዉዉዎ ወይ ግዜ ክገዝኡ ዝገብርዎ ፕሮፕጋንዳ፣  "ክሳብ ሕቶ ሰላም ተቀብልና ኣሎና እናበሉ ምስ ኢጋድ ኢድ ክነስኡ ዓረቕቲ ኣዋፊርና ኣሎና፣ ጋዜጠኛታት ክንፈትሖም ገበናቶም ፕረስደንታዊ ቤት ጽሕፈት ሓሊፉ ኣሎ፣ ምርጫ ክንገብር'ውን መደብ ሒዝና ኣሎና ይብሉ ኣለዉ።

እንበኣር ብዓወት ክዛዘም ካብና ዘድሊ ስራሓት ከም ዘሎ ወስ ከብለልኩም።
1. ዘሎና ናይ መሰል ሰብ ምግሃስ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ መንገዲ ስደት ፊደዮታትን ስእልን ካልእ ኣገዳስን ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ንዘሎ ኢሜል ክንሰድድ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ዲያስፖራ ይኹን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ንዘሎ ምሕባርን ምትብባዕ።
ብስም ማሕበራትን ውልቕን ክስደድ ማለተይ'ዩ።
2. ኩል ኤርትራዊ ኣብ ዲያስፖራን ኣብ ዉሽጥን ዘሎ ነታ ዲርክተር ናይ ፍልይቲ ሽማግለ ስርዓት ፋሺስቲ ኢሳያስ ዝውርዶ ዘሎ ሕሱም ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሓጺር ደብዳቤ ብኢሜል ክልእኽ ክነተባብዕ፣ ብደባቤታት ምድብዳባ ውጺኢት ኣለዎ።
3. ካብ መጀምርታ ወርሒ ስኔ ጀሚርና ቋንቋታት እንግሊዝ ወይ ዓረብ ከምኡ'ውን ፈረንሳን ጀርመንን እስፓኛን ተኽእሎ ዘለዎም ኣሓት ወይ ኣሕዋት በብግዜኡ ደሊገሽን ኣብ ዉሽጢ እናሰደድና ሎቢ ክገበር ሰል ዘለዎ ካብ ሕጂ ሰባት ምውካል፣ እዚ ከኣ ካብ ስውሲን ካብ ኤውሮጳ ካልእ ክፍለ ዓለም ወይ ክኸውን ምጽዓር፣
4. ዓቕምና ኣብ ባዓላት ነጻነት ጸንቂቅናዮ ከይንህሉ እንበር ሓደ ኣገዳሲ ሰላማዊ ሰልፊ ክነዳሉ ግቡእና'ዩ። ነምያየጠሉ እሞ ኣብ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ሶሙን ናይ ሰኔ ክነድሉ ሃየ ቅርብ ቅርብ ኢልና ኢህን ምህን ንበባሃሃል፣ ግዜ ሓጺር'ዩ ዘሎ፣ ኣብ ዝቀደመ ሰላማዊ ሰልፊ ነዚ መዓልቲ ኣመልኪትና ኣብ ቅድሚ ኩሉ ተገሊጹ ኔይሩ፣ ኣብ ኣኼባ ደንበ ለውጢ'ውን ኣብ ፓልቶክ በተደጋጋሚ ተሓቢሩ'ዩ። እንተኾነ ንቀዳምነታትና ክንስርዕ ኣብ ስዊስ ውህደት ጎዲልና ከም ዘሎ ብሩህ'ዩ።
ብዝተረፈ እንቋዕ ን24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኣብጻሕና!!
ሱዉኣትና ንዘለኣለም ይዘከሩ ሕድሮም ክዉን ይኹን!!
ሓዉኹም ጎይትኦም ኩፍሎም
ተለፎነይ ቅይረ ኣሎኹ፣ 076 615 42 03
ርክብና ብኢሜል ክኽወን ሓደራ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...