ዮሃና ፡ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ

ዮሃና ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር

ዮሃና ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሃገርና

ዮሃና ፡ ኣብ ግዳም ትርከብ ጅግና ህዝብና

ዮሃና ፡ ጅግና ምልኣተ ደንበ ተቓውሞ ሃገርና

ዮሃና ፡ ሰለማውን ርጉእን ጉርብትና ትብህጉ ኣሕዋት ጎረባብትና

ዮሃና ፡ ደላይ ጽቡቕና ማሕበረሰብ ዓለም

ዮሃና  ንብለኩም ዘለና ሎሚ መሬታዊ ናጽነትና ዝረኸብናሉ መዓልቲ 24 ግንቦት  ስለዝኾነ ጥራይ ኣይኮነን ታይድኣ፡ ናጽነትና ጨውዩ ሃገርና ካብ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ክትዋሰን ዝገበረን፡ ህዝቢ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ክበታተንን ዝጠፈሸት ሃገር ክንወንን ዝገበረና ምሕደራ ውልቀ ምልኪ ኣብ ናይ መወዳእታ ጻዕረ-ሞት ስለዝርከብ’ውን’ዩ።

ናይሎሚ በዓል ናጽነትና ካብ ኩሉ ዓመታት ዝተፈለየ ጦብላሕታ ኣለዋ።

ብ21 ጥሪ ብስርሒት ፎርቶ ዝተጀመረ ግብራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶር ሕጂ ናብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ምልኣተ ህዝቢ ዝተሓወሶ ሰፊሕ ተቓውሞታት ኣስዒቡ ኣሎ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ህዝቢ  ዞባ ደቡብ ምስ ውልቀ ምልኪ ይተሓናነቕ’ዩ ዘሎ።

ኣብ መንደፈራ ዝጀመረ ብሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሰነየ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ኩለን ንኡሳት ዞባታትን ምምሕዳራትን ‘ታ ዞባ ልሒሙ ምስቲ ጠላም ውልቀሰብ ይተሓናነቕ ኣሎ።ጅግና ህዝቢ ኣስመራ’ውን ይኣክል ምልኪ ፡ይኣክል ስቓይ፡ ይኣክል ግዑዙይ ምሕደራ፡ ይኣክል ሞትን ከልበትበትን ኢሳይያስ ውረድ ከይትዋረድ፡ እምቢ ንምልኪ ሕራይ ንዲሞክራሲ፡ ብዝብሉ ተባራዕቲ ጭርሖታት ተሰንዩ ተቓውሞታቱ ኣጎሃሂሩ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ ኮታስ ምልኣተ ምድረ ኤርትራ ዘይትርገጽ ሓዊ ኮይናቶ’ላ ንውልቀ መላኪ ኢሳይያስ ። ህዝቢ ጨፍጭፉ ዝተብሃለ ሓዱሽ ዕጡቕ ሓይሊ’ውን እምቢ ንደቅናን ስድራናን ኣይንጭፍጭፍን ኢሉ ኣብ ጎድኒ ‘ቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ተሰሊፉ ይርከብ።

ምስቲ ኣብ ኩሉ ጦብሎቕሎቕ ኣብ ምባል ዝርከብ ብ/ጀ ተኽለ ማንጁስ ኣብ ከቢድ ቅርሕንቲ ዝርከብ ትካል ጸጥታ ሃገርና ናብ ህዝቢ ኣይንትኩስን ህዝቢ ዝሓቶ ዘሎ ሕቶ መንግስቲ ግቡእ መልሲ ይሃበሉ። ኣብ ከቢድ ብልሽውና ተቆማጢዖም ዘለዉ በዓል ተኽለማንጁስ ይተሓተቱ፡ ሓይልታት ምክልኻል ዝጠለቦም ጠለባት ሕቶና እዮም ዝብል ቅኑዕ መርገጺ ሒዙ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ድጋፍ የርኢ ኣሎ። ኣብ መንደፈራ ኣብ ጀዲድ ዝተጸሓፉ ዓበይቲ ጭርሖታት ክዳለውን ስርሒት ፎርቶ ንነዊሕ ግዜ ክሰላሰል ከሎን ከፍሽሎ ዘይከኣለ ነቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብዘለዎ ድጋፍ እምበር ፈጺሙ ክጥርጥርን ክፈልጥን ስለዘይከኣለ ኣይኮነን።

-   ሓይልታት ምክልኻል ሃገርና ነቲ ግብራዊ ስጉምቲ ኣንጻር ውልቀምልኪ ብስርሒት ፎርቶ ኣብ ርእሲ ምጅማሩ ሕጂ’ውን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ስጉምቲ ዝወስድን ጭፍጨፋ ዘስዕብን ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኮነ ውልቀሰብ ተልዩ ብረትና ኣብ ርእሲኡ ክነቕነዓ ኢና ብምባል ነቲ ውልቀመላኺ ኣፍጢጦም ሒዞምዎ ኣለዉ። ‘ቲ ብልሹው ተኽለማንጁስ’ውን ኩሉ ክገብር እኳ በቲ ገበነኛ ውልቀሰብ ሓላፍነት ተተወሃቦ በትሪ ኣብ ቅድምኡ ስለዘላ ተዓገሱና በዓል ናጽነት ምስሓለፈ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ንምግባር ተረዳዲእና ኣለና ኢሉ ካብ ምቅብጣር ወጻኢ ካሊእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ትምህርቲ ኮይኑ ኣሎ።

-   ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝብና’ውን ንውልቀምልኪ ስልጣን መናውሒ ክልተ ሚኢታዊት ኣይነዋጽእን ኢሉ ጠጠው ኣብ ርእሲ ምባሉ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ስዑር ጉጅለ ክኸውን ጌሮዎ እዩ። ኩሉን ምድንጋራቱ እግሪ እግሪ ናሰዓቡ ማይ ከምዘይቋጽራ ጌሮምወን እዮም፡ ኤምባሲታት ኢሳይያስ ካብ ገበን ተዘይተኣርኒበን ካብ ምህዳም ዘድሕነን ከምዘየለ ኣብ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጣልያንን ብግብሪ ኣርኢዮም’ዮም። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኳስ የማነ ማንክን ሳሊሕ ዑስማንን ንኣለሻ ሸርፊ ወጻኢ ዘጓሕ ኢሎም ንምድንጋር ደገፍቶም ዝገብርዎ ዘለዉ ሃጠውቀጠው ሃደሽደሽ ክብል ናገበሩ ይርከቡ ኣለዉ።

ማዕረ ማዕረ ምስዓር ኩለንተናዊ ውጡን ውልቀምልኪ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ብምዃን ሓንሳብ ደገፍቲ ደንበ ተቓውሞ ናመሰሉ ንዲክታቶር ብምጽራፍ ካሊእ ግዜ ድማ ‘ቲ ውልቀምልክ ዝሰዓር ክመስሎም ከሎ ጠፋእና ብምባል ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ታሪክ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናምሰሉ ንምቅናይ ከሽለኹለኹ ዝጸንሑ ተወላወልቲ ጥራይ ዝባኖም ወጺኦም ዝተቓልዕሉ ኣገዳሲ መድረኽ በጺሕና ኣለና። ሕጂ ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ታሪክ ጀጋኑ ደቁን ባዕሉን እምበር ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝርከስሉ ኣጋጣሚ መሊኡ ጠፍሹ’ዩ። ኢሳይያስ ማለት ብጥልመትን ብምጭዋይ ሃገራዊ ናጽነትን ዝሕተት እምበር ቆጽሊ ኣውሊዕ ኣብ ርእሱ ዝንስነሰሉ ሰብ ዘይምዃኑ ኩሉ እኹል ግንዛበ ወሲዱ’ዩ። ድሕሪ ኢሳይያስ ታይ ኢና ንኾውን ዝብል ጽውጽዋይ ጠረንጦስ ወሪዱ’ዩ ትማሊ ‘ቲ ሰራሒ ታሪክ ‘ቲ ጀግና ህዝብን ጀጋኑ ደቁን ድሕሪ ሕጂ ኣብ ትህነጽ ዲሞክራሲያዊትን  ብልጽግትን ሃገር ወሳኒ ግደ ዘለዎ’ውን ህዝብን ህዝብን ጥራሕ እምበር ኣብ ውልቀሰባት ዝተንጠልጠለ ከምዘይኾነ ኩሉ ዓትዒቱ ዝሓዘ ሓቂ’ዩ።

ሕጂ ክልተ እግሪ ኣለኒ ኢልካ ኣብ ክልተ ኣግራብ ምሕኳር ከምዘይከኣል ኣብ ዝተረጋገጸሉ ምቹኡ መድረኽ በጺሕና ኢና።

ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኢሳይያስ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን’ውን ሰብ ኣዳዕዲዑ ፈልዩ ስለዝፈልጦም ተጃሚልካ ምኻድ ኣብ ዘይከኣለሉ መድረኽ በጺሕና ንርከብ።

ህዝቢ መንደፈራ

-   መሰል መንእሰያት ይተሓሎ

-   ዲሞክራሲ ይረጋገጽ

-   ምርጫ ፕረዚደንት ይተግበር ምስ ዝብል ጭርሖታቱ ማዕረ ሰሪዑ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ስልጣን ይውረድ ኢሉ ዝሓተተ ካብ ዓሚቕ ኣፍልጦ እምበር ንእግረመንገዱ ኣይኮነን ‘ቲ ተዋለዋልን ሚስኪንከን ዝብል ዝመስል ምጽጹላይ ወዲ ኤፍሬም ጠለባት ሰራዊት ዓፊኑ ዝሓዘ ካብ ግዜ ጉጅለ 15 ጀሚሩ ምስቶም ዲሞክራሲያዊ ጠለብ ዘቕረቡ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ መሲሉ ሓበሬታ ብምእራይ ንኢሳይያስ ናሓለወ ቃልሲ ህዝቢ ከዘሓሕል ዝነብር፡ ሙሉእ ሓሽከር ኢሳይያስ ምዃኑ ብምግንዛብ’ዩ።

-   በዓል ተኽለማንጁስ ካብ ሕሽክርና ኢሳይያስ ፈጺሞም ክወጹ ዘይክእልሉ ምኽንያት ኣብ ንግዲ ደቂሰባትን ናይ ጎረባብቲ ጥሪት ሰሪቑ ክሳብ ምሻጥን ዝበጽሕ ብልሽውና ተቆማጢዑ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣለዉ ዝበሃሉ ዓበይቲ ሆቴላት ዝወነነ ስለዝኾነ ካብ ምሕሽካር ዘይሓለፈ ዕድል ከምዘይብሉ ፈሊጡ’ዩ ምስ ኢሳይያስ ደሪቡ ከጓይዮ ዝውዕል ዘሎ ብስም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዘሎ በዓል ስልጣን ግን ለባም ህዝብናን ሓይልታት ምክልኻልን ኣጃሚሉ ክጻረፍን ኣብ ዓላማ ከእቱን ኣይተርኣየን።

ነዚ’ውን ኢና ዕርበት ስልጣን ውልቀምልኪ ስለዝበጽሐ ዮሃና ንኹለኹም ደለይቲ ለውጢ ክንብል ዝደረኸና። ድሕሪ ሕጂ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ብዝኾነይኹን መገዲ ደጊፉ ደጋጊፉ ከድሕን ዝኽእል ሓይሊ የለን። ውልቀምልኪ ተሳዒሩ’ዩ ከምስርዓት ቅርጹ ሒዙ የለን በብዘለዎ ብተለምዶ ይኸዶ ብዝነበሮ ደኣ ሰለይ ይብል ኣሎ እምበር እኹል ዝኾነ መንግስቲ መሪሕነት ካብ ዘቋርጽ ጸንሑ’ዩ።

ሕጂ ህዝብን ሰራዊትን ምልኣተ ደንበ ተቃውሞን ክንሓምቀሉ ዘይብልና ነጥቢ ተልዩ ብሃይማኖትን ከባብን ፈላልዩ ሒዙና ክጠፍእ ዝገብሮ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ተግባር ብውሕሉል መገዲ ምስዓር’ዩ። ‘ቲ ስዕረት ከኣ ዕምሪ ስልጣኑ ኣናዊሑ ነቲ እኩይ ውጡኑ ተግባራዊ ብምግባር ሃገር ከይበታተነ ከሎ ኣብ ጎድኒ ‘ቲ ሆ ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ህዝብና ኮይና ውልቀምልኪ ንምእላይ  ምቅላስ’ዩ። ሕጂ ውልቀምልኪ ከመይ ንስዕር ዘይኮነ ነቲ ስዑር ምዃኑ ባዕሉን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣረጋጊጺዎ ዘሎ ጉጅለ ሃገር ከይበታተነ ከሎ ከመይ ብህጹጽ ይተኣለ’ዩ ። እዚ ንምግባር ከኣ ከይተፈላለና በብዘለናዮ ተወዳዲብና ብሕብረት ቅድሚ ኩለን ልዕሊ ኩሉን ንምድሓን ሃገር ውራይና ጌርና ምስንቃለስ’ዩ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ዘሎ ኣሰካፊ ደበና ንምቅንጣጥ ኣብ መዓልቲ ናጽነትና ቃል ንኣቱ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ባንዩ ኣሎ ክወግሕ’ዩ!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

24 ግንቦት 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...