መበል 22 ዓመት ሃገርና ኤርትራ ናጽነታ ዝተጓናጸፈትሉ ዕለት ንምዝካር፣ ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ኵለን ከተማታት  ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ በዓል ብ26 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ተኻይዱ። ናይዚ ዓመት’ዚ በዓል ፍሉይን ድሙቕን ዝገብሮ ድማ ብሓልዮትን ሓባራዊ ስራሕን ናይ ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበር፣ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ፡  ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡  ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንንተዳለወ ብምዃኑ እዩ። እቲ ሰፊሕ ኣዳራሽ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብተሳተፍቲ፣ መብዝሕትኦም መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መሊኡ ኣምስዩ።

 

ንተሳተፍቲ እንቋዕ ንመበል 22 ዓመት በዓል ሃገራዊ ናጽነትና ብሓባር ከነብዕል ኣብቅዓና ብምባል ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ መድረኽ ድሕሪ ምኽፋታ፡ ቀደም ተኸተል ናይቲ መደብ ድማ ብዝርዝር ሓቢራ። ወይዘሮ ኣስገደት ንናይቲ በዓል ዕዱም ግብጻዊ መንእሰይ ኣሕመድ ሰላሕ ምስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብቐዳምነት ድሕሪ ምልላይ፣ ኣብቲ ንመላኺ ስርዓት ሙባረክ ንምስዓር ዝተኻየደ ምልዕዓል ሓደ ካብቶም መራሕቲ ምንባሩን ተሞክሮኡ ንኸካፍለና ድማ ኣብዚ ምርካቡን ብምምስጋን መድረኽ ኣረኪባቶ።

 

 

መንእሰይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ካይሮ ኰይኑ ምስ ኣብ ምሉእ  ዓለም ተዘርጊሖም ስርዓት ሙባረክ ንምልጋስ ዝካየድ ዝነበረ ምልዕዓል ካብ ዘወሃሃዱን ዝመርሑን ኰይኑ ዝተዋስአን ንግፍዕታት ስርዓት ሙባረክ እናመከተ ክሳብ ካብ ስልጣን ዘልገሰላ ዕለት ተቓሊሱ ዝተዓወተን ምዃኑ ሓቢሩ። ኣሕመድ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምልዕዓል ካብ ዘጓነፎም ቀዳማይ ጸገም “ፍርሒ” ነይሩ፡ ህዝብና ካብ ናይ መላኺ ጭካኔ ኣዝዩ ይፈርሕ። እቲ ካልኣይ ጸገም፡ እቲ በቲ ስርዓት ዝፍኖ ዝነበረ ንዓመታት ዝኸደ ናይ ሓሶት መናፍሕ “ሙባረክ ጥራይ እዩ ንሃገርና ክመርሕ ዝኽእል” ካብኡ ተረፈ “ግብጺ ብናይ ደገ ተጻባእትና ከም በዓል ሲ.ኣይ.ኤን መሰልቶምን ፋሕፋሕ ክትብልያ። ብኻልእ መራሒ እንተ ተኪእናዮ ድማ ናብ ከርፋሕ ናብራ ክንኣቱ ኢና ” ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም። መብዝሕትኡ ህዝቢ ግብጺ ንስርዓት ሙባረክ ኣይፈትዎን’ዩ ነይሩ፡ ስቕታ መሪጹ ምኽንያቱ ነቲ ዝወርድ ሳዕቤን ጨካን መግረፍቲ ክቕበል ቅሩብ ስለዘይነበረ። ወዲቕና ተሲእና ከይተሓለልና ቃልሲ ስለዝቐጸልና ግን ህዝቢ ስዒቡና ኣብ ዓወት ድማ በጺሕና። መንእሰይ ኣሕመድ ሰላሕ መደርኡ ብምቕጻል “ውጽኢት ሰውራና ከምቲ ዝተጸበናዮ ኣይኰነን፡ እቲ ገበነኛ ወተሃደራዊ ካውንስል ብገበኑ ንኸይሕተት ምስ ኣሕዋት ሙስልሙን ውዲት ብምግባር ስልጣን ከምዝጭብጡ ጌሩ። ሕጂ’ውን ክሳብ ሰብኣዊ ክብርና ዝዕቆብ፣ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ኣብ ሃገርና ዝረጋገጽ ቃልስና ቀጻሊ እዩ በለ።

 

መንእሰይ ኣሕመድ ሰላሕ ኣብ መደምደምታ መደርኡ፡ ጸገም ኤርትራውያን ምስ ናትና ኵነታት ዝመሳሰል ስለዝዀነ እናወደቕኩምን እናተሳእኩምን ክሳብ መወዳእታ ዓወት ክትቃለሱ እየ ክላበወኩም ዝደሊ። ንዘልኣለም ዝነብር መላኺ የለን፡ ንምሸቱ ዓወት ናይ ህዝቢ እዩ። ተሞክሮና ንኸካፍለኩም ስለ ዝዓደምኩምንን ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩምንን አመስግነኩም፡ ኣብ ኤርትራ  ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምልጋስ ኣብ እተካይድዎ ቃልሲ ድማ ዓወት እምነየልኩም፡ የቐንየለይ ብምባል ደምዲሙ።

 

 

ንበዓል ናጽነት ዝተዳለወ ቃል ከስምዕ ዝቐረበ ኣቶ ሰለሙን ገብረየሱስ ካብ መሪሕነት ሲቪካዊ ማሕበር “ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ” ኣብቲ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፊሉ ስለዝነበረ፣ መግለጺኡ ብሓበሬታ ናይቲ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ እዩ ጀሚሩ። ብምቕጻል ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ውግእ፣ ሂወት ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝተኸፍሎ ሓራ መሬት ኣጐናጺፉና፡ እንተዀነ ግን ከም ህዝቢ ገና ኣብ ትሕቲ ናይ ምልኪ ጭቆና ኢና ንርከብ ዘሎና። ጀጋኑ ስዉኣትና ሂወቶም ዝኸፈሉሉ ዕላማ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ህዝባ እተኽብር ፣ ናጻ ፕረስ እተፍቅድ፣ ናይ እምነት ናጽነት እተኽብር፣ ምስ ጎረባብታን ዓለምን ብስኒትን ምትሕግጋዝን እትነብር ኤርትራ ክትግሃድ እዩ ነይሩ። መንእሰያታ ጭቆና መሪርዎም ፋሕ ኢሎም ክስደዱን ኣብ ሲናይ ኣካላቶም ተጠቢሑ ንዕዳጋ ወሪዱ ክሽየጥ፣ እታ ዝወረስናያ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዝዕጸዋ ኤርትራ ኣይነበረን ትጽቢትና። ኣቶ ሰለሙን መግለጺኡ ብምቕጻል፣ ንብሓይልታት ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ተባዕ ቃልሲ ብምምጓስ፣ ሕልሚ ጀጋኑ ስዉኣትናን ትጽቢት ህዝብናን ክሳብ ዝረጋገጽ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ጸዊዑ።

 

 

ቀጺላ ኣለዓዓሊ ዝዀነ መግለጺ ዘቕረበት መንእሰይ ሳብሪን ሓሰን እያ፡ ሳብሪን “ትርጉም ናይ ናጽነት እንታይ እዩ” ብዝብል ሕቶ ጀሚራ ንሕና ኤርትራውያን እነሕልፎ ዘለና ናብራ፣ ናጽነት ዘይኰነ ጭቆና እዩ ዝጽዋዕ ኢላ። ሃገራዊ ናጽነትና ካብ ዝረጋገጽ 22 ዓመት ኰይኑ ኣሎ፡ ስለምንታይ ገና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ጭቆና ንነብር ኣሎና፤ ስለምንታይ መንእሰያት ደቀንስትዮና ንገንዘብ ብጅሆ ይትሓዛን ይሳቐያን ኢልና ንነብስና ሓቲትና’ዶ ንፈልጥ፡ ነብስና’ዶ ንሓትት ኢና ንህዝብና ካብ ዝነብሮ ዘሎ ስቓይ ከመይ ጌርና ሓራ ንኸነውጽኦ ክንቃለስ ሃገራዊ ግዴታ ከምዘሎና፡ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ብምቕራብ ስምዒት ናይ ኣኼበኛ ዝተንከፈ መደረ ኣስሚዓ።

 

 

ድሕሪ ምድምዳም መግለጺታት ባህላዊ ጸወታ ብወናማት ድምጻውያን ደረፍቲ ዶክቶር ኣማንኤል ካሕሳይን መንእሰይ ዮናታን ሃብተን ፣ሙዚቃ ተጻወትቲ ዳዊት ኪዳነን ከበደ ደሞዝን ተሰንዩ ክሳብ ወጋሕታ ቀጺሉ። እቲ በዓል ብጠቕላላ ትሕዝትኡ ናይ ምቅርራብ፣ ሓድነትን ንያት ናይ ምቅላስ መንፈስ ዘደልድልን ዘንጸባረቐን ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...