ሱቕ ጥዑም ዝበሃለሉ ግዜ ኣሎ፡፡

ሱቕ ምባል ምልክት ትሕትናን ውርዝውናን፡ ክበሃል ውን ይከኣል እዩ።

ሎሚ ግን ሱቕታ  ገ በ ን  ዝበሃለሉ ግዜ እዩ።

 

ሱቕታ መዓስ እዩ ገበን ዝኸውን ኢልና ነብስና ክንሓትት እንተዄና፡

ኣሓትካን ኣሕዋትካን ክግፍዑ፡

ኣሓትካን ኣሕዋትካን ክብደሉ፡ ክእሰሩ፡ ክቕተሉ፡

እናፈለጥካ፡ እናረኣኻ፡ እናሰማዕካ ኣስቂጥካ ምኻድ፡

ብታሪኽ ትሕተተሉ ገበን እዩ!

 

ኮፊ ኣናን (Kofi Anan – former General Secretary of the UN) ኣብ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ገበን ጀርመናውያን ናሽናል ሶሻሊስትስ (National Socialists) ኣብ ልዕሊ ይሁዳውያን፡ ኮሙኒስት፡ ሶሻሊስት፡ ሃይማኖታውያን፡ ጸለምትን፡ ገለ ብሄራትን (ከም ጂፕሲ ዝፍለጡ)፡ ኮምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ናይ ኣእሙሮ ስንክልና ዝነበሮም፡ ናይ ምጽናት ገበን ዝፈጸምዎ፡ ዝኽሪ ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡

„ውልቀ መላኺ ነዚ ኩሉ ገበናት ክፍጽም ዘኽኣሎ፡ ካብቲ ግደ ተሳተፍቲን ደገፍትን፡

ብዝያዳ ግደ እቶም ብዙሓን ብሱቕታ ነዚ ገበናት እዚ ጸማም እዝኒ ዝሃቡዎ እዩ በለ።“

 

ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ እዚ ዝኣክል ገበናት ንኽፍጸም፡ ንነዊሕ ግዜ ዝተኣልመን ዝተመደበን ከምዝኾነ፡ እቶም ጽኑዓትን፡ ተብዓትን ተቓወምቲ ካብ ነዊሕ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ሕጂ ውን እንተኾነ ብዙሓት ተብዓት ተላዒሎም የቃልዕዎን፡ ይምክትዎን ኣለዉ።

 

እዚ ግዕዙይ ስርዓት እዚ፡ ገና ገበናቱ ዝፍጽመሉን፡ ህዝብና ክጨዊ ዘኽአሎን፡ ምኽንያት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ከምዘይምልከቶም፡ ከምዘይጉዳዮም፡ ከምዘይሕተቱሉ፡

ዓይኖም ዓሚቶም፡ ኣፎምን እዛኖምን ዓቢሶም፡ ስለ ብሱቕታ ነዚ ስርዓት እዚ ዘተባብዕዎ ዘለው እዩ።

 

ክቡራት ኣሕዋት!

እንታይ እዩ ዓዚሙኩም ዘሎ? እንታይ እዩ ዓቢሱኩም? ስለምንታይ ንድሕነት ህዝብኹም ኣይትብገሱን? ኣይትለዓሉን? ይአክል! ንሕልናኹም ሃሰስ በሉ! ንድሕነት ህዝብኹምን፡ ሃገርኩምን፡ ደቅኹምን፡ ተንስኡ! ንሰላምን ፍትሕን ሓርነትን ተልዓሉ!

 

 

ሰብኡት! ስራሕ ሰብኡት ስርሑ!

ኣሓት!  ስራሕ ዋዕሮታት ስርሓ!

መንእሰያት ስራሕ ጀጋኑ ስርሑ!

ህዝብኹም ኣድሕኑ!

 

ተጋጊኹም? ኣስሒቶምኹም ክኾኑ ይኽእሉ!

ዘይጋገ የለን፡ ዘይስሕት የለን፡ ዘሕንኽ ውን የብሉን!

ጌጋ ብጌጋ ክትሽፍን ምፍታን ግን፡  ገ በ ን  እዩ።

ዘይሓላፍነታዊ ሱቕታ! ንሱ እዩ እቲ ዝዓበየ ዘሕንኽ  ገ በ ን !

 

ተቐበልቲ ትእዛዝ ውልቀ መላኺ ሙኻን፡ ምእዙዝነት ኣየስምዕን!

እምቢ! ዕጭ! ኣይፋልን! ይኣክል ኢሎም ንዝቃወሙ ዘለዉ

ተብዓት ኣሓትን ኣሕዋትን ሰዓብዎም!

ሰዓብዎም ነቶም ብጋህዲ፡ ጉልባቦም ቀሊዖም ርእሶም ኣቕኒዖም ዝምክቱ ዘለዉ!

 

ናብ ጥርናፈ ብዙሓን ንዑ!  ሰዓርዎ ንራዕዲ! ንፍርሒ!

ሰብ ሓላፍነት ኩኑ! ነብስኹም ወንኑ!

ኣብ ሂወትኩም ወስኑ!

 

ጀጋኑን ደቂ ጀጋኑን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ተሰጢሖም ኣለዉ!

ናብታ ክብርቲ ሃገሮም፡ ክምለሱ ንግበር!

ወራዙትን ደቂ ወራዙትን ናብ ክብርቲ ቤተን ተመሊሰን ደቀን ክሓቕፋ፡

ንጠራነፍ!

 

ጥፍኣት፡ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ግፍዒ፡ መቕተልቲ፡ ሕስረት፡ ውርደት

ሓቢርና የብቅዕ ንበል!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡

ጽላል ኩላትና እዩ!

ኣይኮነን ንትብሉ፡ ንኽኸውን ግዴኹም ኣበርክቱ!

 

ምስ ኣደይ ንስደት ናብ ሱዳን ኣብ ዝተጉዓዝናሉ፡ ብህልውንኣ ተኣማሚነ፡

መንገድን ጸሓይን ንፋስን ኣድኪሙኒ፡  ቀ ሲ ነ ኣብ ጎና ዓᎁቕ ድቃስ ኣብ ዝደቀስኩሉ፡

 

„ ኣቲ ቖልዓ! ጓል ኣንስተይቲ‘ዶ ልባ ኣጥፊኣ ትድቅስ እያ!“ ኢላ ገንሓትኒን ገስጸትኒን።

 

ሎሚ አነ ዝሓቶ፡

„ህዝቢ‘ዶ ልቡ ኣጥፊኡ ንመሪሕነቱ ስልጣን ይህብ እዩ?

ህዝቢ‘ዶ ደቁ ንሳዋን፡ ንስደትን አወፍዩ ደቂሱ ይሓድር እዩ?

ወለዲ‘ዶ ንደቆም ውልቀ-መላኺ ከምድላዩ ክምልምለሎም ይገድፉሉ እዮም?

ህዝብ‘ዶ ንመንግስቶም ብዘይ ሕግን ቀይዲን ክመርሖም ይገድፎዎ እዩ?

ኣዴታት‘ዶ ስጋብ ክንድኡ ብውልቀ-መላኺ ይማረኻ እየን?“

 

በጃኽን!? በጃኹም!? ካብቲ መዓሙቕ ሱቕታ ተበራበሩ!!

ተንስኡ!! ተልዓሉ!!

ይኣክል በላ!! ይኣክል በሉ!!

 

ተሓተቲ ብታሪኽ፡ ተኸሰስቲ ብደቅኹምን ደቂ-ደቅኹምን ከይትኾኑ! ከይትኾና!

ንደለይቲ ፍትሒ፡ ሰዓብዎም!

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ!

ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና!

 

የቐንየለይ ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ!

 

ፍረወይኒ ሃብተማርያም

በርሊን/ጀርመን

 

ዕለት 20.05.2013 (ንመበል 22 ዓመት፡ ፍትሒ- ሓርነት- ሕጊ-ኣልቦ መዓልቲ ነጻነት „ይኣክል“ ንምባል ዓጢቑ ንዘሎ መንእሰይና/ህዝብና ንምትብባዕ፡ ነቲ ደቂሱ ዘሎ ንምብርባር ኣብ ስመር-ሩም ዝተነበ ጽሑፍ።

 

„Als die Nazis die Kommunisten holten,
habe ich geschwiegen,
ich war ja kein Kommunist.

Als sie die Sozialdemokraten einsperrten,
habe ich geschwiegen,
ich war ja kein Sozialdemokrat.

Als sie die Gewerkschafter holten,
habe ich geschwiegen,
ich war ja kein Gewerkschafter.

Als sie mich holten,
gab es keinen mehr,
der protestieren konnte.“

Martin Niemöller

(Deutscher Evangelischer Theologe

1892-1984)

ናዚ ንኮመኒስት ክወስድዎም እንከለዉ፡

ኣጽቂጠ፡

ኮመኒስት ስለ ዘይነበርኩ፡፡

 

ንሶሻል-ደሞክራትስ ክኣስርዎም እንከለዉ፡

ኣጽቂጠ፡

ሶሻል-ደሞክራት ስለ ዘይነበርኩ፡፡

 

ንወከልቲ ሰራሕተኛታት ክወስድዎም እንከለዉ፡

ኣጽቂጠ፡

ወኪል ሰራሕተኛታት ስለ ዘይነበርኩ።

 

ንዓይ ክወስዱኒ ምስ መጹ፡

ወላ ሓደ  እኳ፡

ክቃወመለይ  ዝኽእል አይነበረንን።

 

ማርቲን ኒሞለር

(ጀርመናዊ ቀሺ ከኒሻ

1892-1984)

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...