ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!
ወዲ ኣይተ ገረማርያም ኣንታ ኣምረ
ክብለካዶ ብህጻኑ በትሪ ዝዓተረ
ካብ ዓዲ መንጎቲ ቲቦ ዝተማህረ
ቀጺሉዉን ሳንጆርጆ ዝደመረ
ንፉዕ ተማሃራይ ብኑእሱ ዝተረ
ከይተመልሰዶ ዓዱ! ደገዶ! ሓደረ።
ወዲ ኣይተ ገረማርይም ብንእሱ
ንትምህርቲ ኣንጊሁ ገስጊሱ
ማህደሩ ተኾልኹሉ ድንቑርና ጥሒሱ
ንኽምህር ሳንጆርጆ ተመሊሱ።
ኣንታ ክንደይ ካብኻ ተማህሩ
ክንደይከ እዮም ብኣኻ ዝተመኽሩ
ሃገርዊ ቓልሲ ብኣኻ ዝተነግሩ
ተኣኪብኩም ብሓደ ትዝምሩ
ክንደይ እኮ ኣሎ ታሪኽ ብዑቑሩ
ገና ዘይተነግረ ብዙሕ ተሰቲሩ
ዝወጹ ኩሎም ብዙሕ ነይሰረሩ
ኣሎ ገና ዝወጽእ ዛንታ ብዝርዝሩ
ኣለዉ ብዙሓት ግዳም ዝሓደሩ
ካብ ሳንጀርጆ ምሳኻ በርኻ ዝወፈሩ
ንነጻነት ሃገር ኣብ ባርዕ ዝሓረሩ።
መምህር ኣማረ ወዲ ዓዲሞንጎቲ
ዓዲ ጀነራላት ዓዲ ትልንቲ
ዓዲ ሰብ ስረ ዘይብልካ መዳርግቲ
ወዲ ኣድከመ ምልጋእ ወዲ ሓገግቲ
ዓንዲ ማእከል ንሕጊ ተርጎምቲ
ጻዕዳ ጣፍ ትዘርእ ብዕል ርስቲ
በዓል ዑና ኢኻ ብዓል ጉልቲ
ካብ ቀደም ዝጸንሔ ካብ ጥንቲ
ማስ እንዳ ሃጸይ ፋሲል መዋስብቲ
ወዲ ማይተኸላ ኣርሒቑ ጠማቲ።
ኣምረ ሓወይ ሳንጀርጆ ዝተማህረ
ብብዙሓት ተናኢዱ ዝትኸብረ
ፍትሒ ንኽደሊ ግዳም ዝሰፈረ
ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ዘይቀየረ
ተስፋ ዘይቖርጽ ኣንጊሁ ዝመኸረ።
ሳንጆርጆ ንድሕሪት ገዲፍካያ
ክንደይ ጀጋኑ እኮ እያፍርያ
ሲኢና ተመላሊሱ ዝርእያ
ሓደ ጅግናዶ ምተሳእነ ብዓልቅያ
ደቃ ኣጥፊኣቶም በይና የዕነንያ
በብሓደ እናፈረሰት ኩላ ዓንያ።
መምህር ሓወይ ኣንታ ተጋዳልይ
ብማዕረ ትርኢ ንኹሉ ሓላያይ
ብቖላ ጀሚርካ ንኸበሳ ላዕላይ
ነብሪዶ ክብለካ ንጸላኢ ሃዳናይ
ሓኔታዶ ክብለካ ፋረ ኣሳራይ
ብዓል ዘንጊ ኣብ ባይቶ መጓታይ።
ኣንታ እንታይ ዘበን ገጠመና
ፍትሒ ንኽንደሊ ሓለፈ ዕድሜና
መርገም ስንቁ ነጊሱ ኣብ ሃገርና
ድንጋጼ ዘይብሉ ኣረመኔ ንጉስ ዓድና
ዝተሰደ ዓዱ ንኸይንቕበር ከልኪሉና
ኤርትራዊ ተመልከት ክንደይ ተገፊዕና።
ተጋዳላይ ኣማረ ብዓል ድርብ ስረ
ነጻነት ከም እትመጽእ ቀደም ዘበሰረ
መዛዘሚ ንኽገብር በረኻ ሓደረ
ኣብዝኸዶ ከይዱ ህዝቡ እናማሃረ
ድንቁርና ንኸጥፍእ መጽሓፍ ዝዓተረ
ናይ ዓለም ግዜ ሰዓት ካብ ተኸብረ
ኪድ እምበር መን ኣሎሞ! ዝነበረ
ሰሪሓካ ደኺምካ ኣይጥዓምካ ዕረ
ክቕበሉኻእዮም እቶም ዝሓለፉ ሰብ ስረ
ወልደዳዊት!! ስዩም!!ገብረኣምላኽ ክንዝክረ
ንገሮም ሓርነት ገና ኣይተኸብረ
ቃልሲ ቀጺሉዩ ዉሒዶም ሰብ ስረ
ብሸፋቱ ህግደፍ ሃገርና ገረረ
ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ኣሎ ዘይተነግረ።
ድሓንኩን ክሳብ ንስዕበካ
በል ዕረፍ ሕጂስ ይኣኽለካ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ቃልሲ በዚሑካ
በልኪድ ካብ ኣኸለ ሰዓትካ
ክርስቶስ ኣብ መንበሩ ይቀበልካ
ስድራ ቤት ኣማረ ጽንዓት ይሃብኩም
ጽቡቕ ስም ገዲፉ እዚ ጅግና ኣቦኹም
ዝዓበኹም ኮነ ዝነኣስኩም
ደምበተ ተቛውሞ ኣጽንዑ ብረትኩም
ቀጽልዎ ቃልሲ ብዙሕ ሕድሪ ኣለኩም
ሓራ ክትከውን ኤርትራ ሃገርኩም
ከይጸነተ ብሸፋቱ ህግደፍ ህዝብኹም።
ተኻፈሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ(ተማሃራይ ሳንጆርጆ)
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
17 ግንቦት 2013

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...