ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡ ንዜና መስዋእቲ ተቓላሳይ ኣማረ ገብረማርያም ብመሪር ሓዘን ኢዩ ሰሚዕዎ። ብዕለት 12 ጉንቦት 2013 ብሞት ዝተፈልየና ተቓላሳይ ኣማረ ገብረማርያም ሓደ ካብቶም መስረትቲ ኣባላት ሃገራዊ ዲሞከራስያዊ ሓይሊታት (ENDF) ኢዩ ነይሩ። ከም ምክትል አቦ መንበር ኣውሃሃዲ ሽማግለ ኮይኑ ድማ ንሓደ ዓመት ብንጥፈት መሪሑን ርኡይ አስተዋጽኦ ኣበርኪቱን ኢዩ።

ነፍሲሄር ኣማረ ገብረማርያም ንሙሉእ ዕድሚኡ ምእንቲ ዝፈትዎ ሃገሩን ህዝቡን ተቓሊሱ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራስን ፍትሕን ክሰፍን ከይተሓለለ ብትብዓት ተጋዲሉ ኢዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝወረዶ ሕማም ከይተሰነፈ፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ እትሓልፍ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ሓርበኛ ኢዩ ነይሩ።

ተጋዳላይ ይሓልፍ ስራሓቱ ግን ነባሪ ስለዝኾነ፡ ሓውና ኣማረ ውን ከምቶም ብስራሖምን ታሪኾምን ነበርቲ ዝኾኑ ደቂ ሃገር ሂያው ክኸውን ኢዩ።

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ (CC-ENDF)፡ ንመላእ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን መቃልስቱን ኣምላኽ ጽንዓት ክሀቦም፡ ንመዋቲ ድማ መንግስተ-ሰማያት ከዋርሶ እናተመነየ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ

15/05/2013

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...