ናይ ሃገር ግርማ ዝውቅብ ብቐንዱ ብኣበርክቶ ናይ ሶሽዮሎጂ ሊቃውንቲ ኮይኑ መመላእትኡ ካብ ኩሎም ዜጋታት ኢደ-ኢድካ ዝብርከት እጃም’ዩ፡ ካብ’ዞም መመላእታ ዘበርክቱ ዜጋታት ብቐዳምነት ዝስርዑ ድማ ናይ ታሪኽን ሃይማኖትን ሊቃውንቲ ክሳብ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ከም ኣብነት ምቑራሕ ንግደ ናይ’ቶም ዝተረፉ ዕሽሽ ምባል ኣይመስለንን።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ህልቂት ኣብ ውክድባ (Massacre At Wekidiba: The Tragic Story Of A Village In Eritrea)  ትብል ሓዳስ መጽሓፍ ብናይ ታሪኽ ፕሮፈሰር ሃብቱ ገብረኣብ ወይ ድማ ከምስርዓት ኣምልኾ  ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣባ/ቀሺ ኣትናስዮስ ዝተጻሕፈት፡ ረኺበ ስለዝቐኑኸ’የ እዚ ዝስዕብ ርኢቶይ ከንጸባርቕ ዝደፍር ዘለኹ።

እወ ህልቂት ኣብ ወክድባ ምስ ዝብል ዛዕባ’ሲ፡  ኣባ ዝብል ናይ መምህር ሃይማኖት መዓርግ ምስ ረአኹ፡ እሞ ኣባ ኣትናስዮስ ገብረኣብ’ሲ፡  ኣብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ፡  ማለት ናይ 30 ዓመታት ምግዳል ተወዲኡ። ብድሕሪኡ’ውን ርብዒ ዘመን ናይ ነጻነት ሓሊፉስ “20 ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ሓዘን” ክሳብ ምባል’ውን ተበጺሑ። ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን እንታይ ዓይነት፡ ታሪኽ/ኣስተምህሮ ጽሒፎም ይህልዉ’ኾኑ ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን፡ ንባበይ ጀሚረ ክሳብ ዝውድእ ኣይዓገብኩን።

ብዘይ ቃልዓለም፡-

1.     ሃይማኖት ንምዕባለ ሕብረተሰብ የርብሕዶ ኣየርብሕን?

2.    ወይ ድማ ጽልዋ ናይ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ እንታይ ይመስል?

ንዝዓይነቶም መሰረታውያን ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ዘይኮነ’ሲ፡ ከም’ቲ  “ኣባ ኣጎጢኖስ ተድላ፡ ብ1975 ጥርን-የካቲትን፡ ኣ’በስመራ ክፍጸም ዝረኣይዎ ናይ ሰላማውያን ሰባት ማሕነቕትን ምርሻንን ብትብዓት፡ ነውር’ዩ ክብሉ ብምድፋሮም፡ ተወፋይነቶም ከም ኣብነት ዝተጠቕሰ (1, 9)” ናይ መራሕቲ ሃይማኖት ግደ ኣብ ፖለቲካውን ባህላውን ጉዕዞ ሕብረተሰብ፡ ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን፡ ንሰላም፡ ንምዕባለ፡ ምእንቲ መሰል ደቂ ሰባት ምጥባቕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣድላይነቱን ሰዓቱን ገምጊሞም፡ መሲሉ ዝተራእዮም ሓዲሽ ሓሳብ/ኣንፈት ንምሕባር ብድፍረት ኣብ ቅድሚት ደሚቖም ዝረኣዩ ዜጋታት’ዮም ዝብል ሰብኣዊ-ሚዛን’ዩ መበገሲ ናይ ተስፋ ኣብ ንባበይ።

ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ ክጠቕሰን ዝደፍር ክልተ ፍጻሜታት’ውን ኣለዋ። ሓቂ’ግበረን ጥራይ።

ሀ) ኣብ እዋን ምብራዕ ኲናት ባድመ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ንምስጓግ ሓዞ’ርክቦ ምስተጀመረ’ሲ፡ ናይ ካቶሊክ ቤተክርስታይን ናይ ፈለማ ካርዲናል ኮይኖም ዝተሾሙ፡ ክቡር ነፍስሄር ካርዲናል ጳውሎስ ጻድዋ፡ ኣብ’ቲ ሰዓት’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ንዝነበሩ ኣቶ ስዩም መስፈን፡ ከዛርበካ ናብ ቤትጽሕፈትካ ክመጽእ ስለዝደለኹ ቆጸራዶ ምሓዝካለይ ክብሉ ተወከስዎም ይበሃል።

ሻቡ ሚኒስተር ስዩም መስፍን ኣነ ናብ ቤት ጽሕፈትኩም ክመጽእ’የ፡ ብምባል ምስ ካርዲናል ንሓጺር እዋን ተራኸቡ ይበሃል። ኣብ ርክቦም ከኣ፡ ክቡር ካርዲናል ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ኣሻቒሉዎም ከምዘሎ ምስ ገለጹ፡ ሚኒስተር ስዩም መስፍን ሓቅኹም ኢኹም። ሻቕሎትኩም ሻቕሎትና’ዩ። እንተኾነ ግን ብዙሕ ነገር ካብ ቁጽጽር ይርሕቀና’ሎ። ካብ’ዚ ዝርአ ዘሎ ከይገድድ ድማ የፍርሓና’ዩ …. ከምዝበሉ ሰሚዐ። ጌጋ’ኸለኣለይ።

ለ) ኣብ እዋን ምውዳእ ኲናት ባድመ ድማ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዳክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሓላፊ ዝነበሩ፡ ክቡር ነፍስሄር ኣቡነ ጳውሎስ፡ መራሕቲ ሃይማኖታት ናይ ኢትዮጵያ ኣኸቲሎም፡ ሓንቲ እግሮም ናበ’ስመራ መጺኦም ኔሮም። ሽዑ ኣብ ቤተ ክርስትያን (ቅድስቲ ስላሰ ዕዳጋ ሓሙስ??) ናይ ሓባር ቅዳሴ ክዓርግ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ምዱብ ስብከቶም ከምዝበኸዩ ይንገር።  እወ እዚ’ውን ሓቂ እንተኾይኑ፡ ክቡር ኣቡነ ጳውሎስ ንታሪኽ ብቓላት ጥራይ ዘይኮነ ብንብዓቶም ክገልጽዎ ፈቲኖም ማለት’ዩ።

ስለ’ዚ ድማ’የ ኣብ ናይ ሃይማኖት መምህራን ፍሉይ ትጽቢት ዘሕደርኩ። እወ “እንበለ ዝናም ደመና፡ ወእንበለ ምግባር ምንኩስና፡ እግዜኣብሄር የኣምር ሕሊና” ዝብል ናይ ማርያም-ግንቦት ምህልላ ዝደጋግሙ ምሁራት ንሳቶም ስለዝኾኑ’ሲ፡ ታሪኽ ብቓላትን ብንብዓትን ከምዝምስከር ብትብዓት ዝምህሩ መራሕቲ’ዮም ማለተ’የ። እወ ታሪኽ ምስ’ቲ  እንታይ ተጌሩ ዝብል ጸብጻቡ እንታይ ምሂሩ እንታይከ ቀይሩ እንተ ጸንቢሩ’ዩ ዝፍለጥ ቁምነገሩ።

ኣብ’ዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ድማ፡ ካብ’ቲ ዓድን ዓውድን ዝህውጽ ዘሎ ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ገዛኢ ኣተሓሳስባ ፍልይ ዝበለ ምስ እዋን ዝቃዶ ትምህርቲ ከበርክቱ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ምሁራት፡ ልዕሊ ኹሉ ናይ ሃይማኖት ሊቃውንቲ’ዮም ዝብል ልባዊ ትጽቢተይ ስለዘቐደምኩ’ምበኣርከስ፡ ናይ ንባብ ህርፋነይ ካብ መጽሓፍ ፕሮፈሰር ታሪኽ ንላዕሊ ናብ መጽሓፍ ኣባቴ ዘዝዩ’ዩ ተጀሚሩ።

ዓለም ዕዳጋ።

ዝኾነ ኾይኑ ዘመን እኒ-እኒ ሕምባሻ’ኸሎ እምኒ (ምስላ) ዝነቐለ ትምህርቲ ኣበው ከምዝብሎ፡ ሓደ ንግሆ፡ ኣቦና ኣዳም ካብ’ታ ንኸይትንክፋ ዝተኣገደ፡ ኣብ ማእከል ጀራዲን ኤደን ዝተፈጥረት ናይ ፍልጠት ኦም፡ ከም ዝበሃል ድያብሎስ ኣእሚኑዋ፡ ሄዋን ቀንጢባ ሃበቶ።

ንሱ ድማ ኣይፋልክን ሄዋነ! ከምኣ’ይኮነትን ምስ ፈጣሪ ውዕልና ከይበለ፡ ለውጢ ሃሰስ ክብል፡ ካብ’ታ ዝተቐንጠበት ፍረ ተቐቢሉ ኮለሰ። ሽዑ ኩላሶኡ ሓይኹ ከይወሓጠ፡ ምድረ-ሰማይ ኣንቀጥቀጡ፡ ጀራዲን ኤደን ብንፋስን ዘራጊቶን ተሃወጹ።

ኣባ ዥጎ ድማ ቅድሚ ሽዑ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ካብ ብርሃን-ጸሓይ ዝብርትዕ፡ ብርሃን ወሊዖም፡ ብግመን ብደመናን ተሸፊኖም፡ ካብ ዙፋኖም ተላዒሎም ናብ ገነት ቅልቅል በሉ። ሕጂ’ውን ቅልቅል እንተዝብሉና ካብ’ዚ ዘለናዮ ኣበይ ከይከፍኣና!

ዝኾነ ኾይኑ ብህርፋን ናይ ኣዳም ተቖጢዖም፡ ብውድቀቱ ቦቕቢቖም፡ ኣ’ታ ሰብኣይ ክሳብ ክንድ’ዚ’ምበኣር ፖለቲካ ክትኣልም ኣንቃዕሪርካ፡ ዝሃብኩኻ’ንዶ ምኣኸለካ ኔሩ። በል ሕራይ: ናይ ስምምዕና ኪዳን ብኢዳካ ካብበጠስካዮ’ሲ፡ ደጊም ዝምድናና ተቐይሩ’ዩ።

ስለ’ዚ ሕለፍ በ’ዛ ዘርሓኻያ ማዕጾ ውጻእ፡ ሕዛእተይ ገዲፍካ ካብ ጥቓ ዙፋነይ ምእንቲ ክትርሕቀለይ ድማ ናብ’ታ ትረኣየካ ዘላ፡ ዓንደልን ኣመኼላን፡ መዓርን እንጌራን ዘለዋ ዓለም ዕዳጋ ክትወርድ ፈሪደካ’ለኹ። ተዓዘብ ደጊም ነዛ ዝተመጣጠርካያ ዘውደይ ብጎቦ ዓይንኻ’ውን ኣይክተማዕድዋን’ኻ!

ኣብኣ ድማ ብረሃጽካን ብጥበብካን ንበር፡ ትብል ስምብራት ናይ ቀዳመይቲ ስላዕ ኣብ ዝባኑ ተራዕሪዑ’ዩ ሓንሳብ ንሓዋሩ ዕድሉ ተቐይሩ፡ ካብ ገነት ተባሪሩ፡ ኣቦና ኣዳም ከርተት ጀሚሩ: ዝብሉ ናይ ቀደም መምህራን ብዛዕባ ትንግርቲ ኣበው እንከዕልሉ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብብርታዐ ናይ’ቲ ለውጢ ባህሪሩ  ቋሕ ምስበለ ዓይኑ፡ ዋይ ኣነ ሸእ’ኳ እንተበለ፡ ዕድሉ ከም’ዛ ጭሩ ነፊራ ካብ ኢዱ፡ ብዙሕ ነገር ከምዝተለወጠ ተሰወጦ። ብቕጽበት ድማ ቅድሚ ሽዑ ርእይዎ ዘይፈልጥ ብርሃን ጸሓይ ደጒሕዎ ሕውዝው በሎ። ሻቡ ርእሱ ሒዙ ገለ-ጉልባብ እንተረኸበ የማነ ጸጋሙ ኣዕወንወነ። እንተኾነ ግን ሽጎማኖ’ስ ይትረፍ ጥቢቆን ነጸላን’ኳ ኣብ ቀረባ ስለዘይጸንሖ ኣሳሒታን ቁርን ዝገደፉሉ’ብሎምን።

ኣ’ይረድ ምስወረዶ፡ ሰብኣይ ብሰብኣዩ ብሕፍረት ተዳሂሉ’ሲ፡ ንግዜኡ ዝኽወል መሲሉዎ ናብ ቆጣቑጢ ተወተፈ ተዓኹሊሉ። ሕድር ውዕል ምስበለ ግን ናይ ለውጢ ንፋስ ደሪኹዎ ምብልሓት ጀመረ። በብቑሩብ ከኣ ቖጽለ-መጽሊ ሸምጢጡ ሸፊኑ ዕርቃኑ፡ እሔው እናበለ’ዩ፡ ምስ እዋኑ ክመሳሰል ኣብ በዓቲ ብምሕዳር ምስ’ቲ ዓቢ ለውጢ ምንብባር ተማሂሩ።

ካብኡ ንነጀው፡ ዓለም ብገፊሑ ከምዝጸበቦ፡ ንግሆ ንግሆ፡ ሄዋን! ሄዋን፡ ኣንቲ ሄዋን! ተንስእስ’ኪ በጃኺ ይረፍዳ’ሎ፡ ገጽኪ ተቛረርዮ’ሞ፡  መጋርያ’ሙቕዮ።  የዮእ ናብራ ዓለም ወዮ! እናበለ ከንጸርጽር፡ ከምኡ’ውን ፈጣሪ ኹሉ ዓለም ከም’ታ ዘምጻእካያ’ባ ባዕልኻ’ቕልላ፡ ዝዓይነቱ ምህልላ እናደገመ ንቕድሚት ምስጓም ካብ ምፍታን ዓዲ’ይወዓለን።

ዕድሉ ብዝሃቦ ምስ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ተመሳሲሉ ንኽሓድር ድማ ኣብ ቅርዓት ናይ ትንሳአን ውድቀትን፡ ምስ ንስሓን ስሕተትን ብምግልባጥ ጻዕሩ ቀጸለ፡ ብትማሊ እናስቆርቆረ።

ዝኾነ ኾይኑ እቶም ከም ካልኣይ ትውልዲ ዝፍቀዱ ቀዳሞት ደቂ ኣዳም ቃኤልን ኣቤልን’ውን ኣይነፍዑን። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ብርኹስ ቅንኣት ተባቲኾም ክሳብ ምቅትታል ምስ በጽሑ።  ኣባ’ዥጎ ሽዑ ጭራሽ ብዓቢኦም ካብ ቃኤል ዘይተጸበይዎ ስጉምቲ ኣጋጢሙዎም ክሳብ ዝዓብዱ’ዮም ብሕርቃን ፍንጥርያዕ ዝበሉ። ካብኡ ንደሓር ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ጥሒሎም ብዙሕ ኣስተንተኑ።

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ግን ሓደ መዓልቲ ሕርቃኖም ግዲ ካብ ልቦም ምልጋስ ኣብይዎም፡ ዋ! ሰብ ኢለስ፡ ኮይኑዎ ምሳይ ዝቃረድ፡ ካብ ጥሪት ዘይሓይሽ፡  ኣብዲ’ባ’የ ሰሪሐ ብምባል፡ ነዛ ዓለም ዕዳጋ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክሓጽብዋ ወሰኑ።

ሻቡ ኣቶ ኖህ ንዝበሃሉ ሽማግለ ዓዲ ጸዊዖም፡ ስማዕ ኖህ ካብ ኩሎም ፍጡራት፡ ፈውሲ ጻንታ፡  ዝኾኑ ተባዕታይን ኣንስተይትን ተማሊእካ ቀልጥፍ ናብ መርከብካ ደይብ፡ ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ኣስምዕዎም። ሻቡ ኣቦይ ኖህ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ከምዝፈጸሙ ም’ሰረጋገጹ ድማ፡ ኣባ ዥጎ መዓጹ ቀላያቶም ኣርሕዮም ብሰንኪ ሓጢኣት ናይ ዓሚ ሱናሚ ፈንዮም ለቕለቕዋ ንሎሚ።

ይኹን ደኣ’ምበር ኣቦይ ኖህ ዝተዋህቦም ሓለፋ ግዲ ኣሽቢዕዎም፡ ማያት ሱናሚ ናብ ባሕሮም ክሳብ ዝምለሱ’ኳ  ኣይተዓገሱን። እቲ ኹሉ ናይ ጥፍኣት ውሕዥ ናይ ሰብን ጥሪትን ሬሳታት ተሰኪሙ ኣብ ቅድሚኦም እናዕለቕለቐ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ መርከቦም ኮይኖም፡ ጥቢቆኦም ክሳብ ዝድርብዩ ኣብ ጽራይን ዱቋን ተኣለኹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ቅርዓት ተሰጢሖም፡ ንደቆም ሕማቕ ኣብነት ብምዃን ናብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዘርኢ መርገም በተኑ ይበሃል።

ብድሕሪኡ’ውን ሰላም ኣይተረኽበን። ደቂ ኣዳም ድሕሪ’ቲ ኹሉ ጥፍኣት፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ  ከምብሓዲሽ ብርክት ክብሉ ምስጀመሩ፡ ሓደ መዓልቲ ተኣኪቦም ሓዲሽ ናይ ለውጢ መደብ ሓንጸጹ። ብመሰረት ናይ’ዚ ሓዲሽ ሕንጻጽ፡ ክሳብ ዙፋን እንዳ’ባዥጎ ዘደይቦም ነዊሕ ህንጻ ሃኒጾም፡ ኣማስይኦም ናብ መዳቕሶ እንዳ’ባዥጎ ብምቕልቃል ብመስኮት እምቡሕ ክብልዎ ወሰኑ። ነዛ ሓሳብ’ዚኣ ንኸተግብርዋ ድማ ኣኻውሕ ብምጽራብ ለይትን ቀትርን ክረባረቡ ጀመሩ።

ጉድ’ዩ ክቡር ኣባ’ዥጎ ቁመት ህንጻ ባቢሎን ፍጹም ደንጽያቶም፡ እዚኣኸ ኣበይ ክትበጽሕ’ያ ትደሊ ዘላ ብምባል ካብ ባይታ ቁሩብ ብድድ ምስበለት፡ ብመዳፍዕን ተወንጫፍን ህሙኽ ኣበልዋ። ነቶም ኣብኣ ዝጸንሑ ሸቃሎ ድማ ኣንፊ’ሎም ብሞኸስተርን ብኹራማዥን ፋሕ ብትን ኣበልዎም።

ዝገርም’ዩ፡ ወዮ ናይ ባቢሎን ኳና’ምበኣርከስ ክሳብ ሽዑ ተራእዮ ብዘይፈልጥ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐየረ። ካብኡ ንደሓር ደቂ ኣዳም ብጀኦግርፍን ብቛንቋን ተጠሪሮም ስኒት ሰኣኑ’ሞ ካላሽኖም ተዓጢቖም ንሓድሕዶም ክጸናተዉ ኣብ ድፋዕ ምሕዳር ጀመሩ ይበሃል።

ይኹን ደኣ’ምበር ኣባ ዥጎ ሽዑ’ውን ብኹነታት ደቂ ኣዳም ኣዝዮም ጎሃዩ’ምበር፡ ደቂሶም ኣይሓደሩን። ስለዝኾነ ድማ እዚ ፍጥረት’ዚ ካብ ጌግኡ ተማሂሩ ብቐሊሉ ዝልወጥ ኣይኮነን። ስለ’ዚ እስኪ ኣነ ኣገባበይ ክቕይር ብምባል፡ ናይ ቀተለን ቀንጸለን፡ ገንሐን ቀጽዐን፡ ደምሰሰን ኣጥፈአን መጽሓፎም፡ ከም ናይ ታሪኽ ጎደፋ ጉሒፎም፡ ሓዲሽ ናይ ለውጥን ዕርቅን ጥበብ ዘለዎ ናይ ምሕረትን ትምህርትን መጽሓፍ ወጠኑ።

ምጽኣት ወለ’ዝጊ ርሕሩሕ።

ስለ’ዚ ኣባዥጎ ጭራሽ ካብ’ቲ ናይ ቀደም ኣገባቦም ኣዝዩ ብዝተፈልየ መንገዲ፡ ነቲ ኡንኮ ወዶም፡ ወለ’ዝጊ ርሕሩሕ ልኢኾም፡ ስማዕ ኣዳም ናይ ትማሊ ውዕሎኻ መኣስ ረሲዐዮ፡ እንተ ኾነ ግን ንውሉድ ወሎዶኻ ትምህርቲ ምእንቲ ክኸውን’ሲ “ህድግ ለነ ኣበሳነ” ዝብል ምህልላ “ከመ ንሕነኒ ንሕድግ ለዘኣበሰ ለነ” እንተተወሲኹዎ’ዩ ሙሉእ ዝኸውን። ኣይትዘንግዕ ኣስተውዕል! ዝብል ምልክታ ዘለዎ ስምዕታ ፈቐዶ ዓድን ዓውድን ለጠፉ።

ካብኡ እቲ ትምህርቶም ስብከት ጥራይ ኮይኑ ምእንቲ ከይተርፍ ከኣ፡ ነዛ ምስ እዋን ናይ ምትዕጽጻፍ ሜላ በ’ርኣያ ኣርቲዖም፡ ምስ’ታ ብረሃጽካ ንበር ትብል ናይ ፈለማ ቃሎም ብቐይሕ ደም ናይ ዉሉዶም ጽሒፎም’ዮም መስመር መጻኢ ዕድል ደቂ-ኣዳም ዝሓንጸጹ’ምበር፡ ናይ ቂምታ ፖለቲካ ኣይተኸተሉን።

ዝኾነ ኾይኑ ወለ’ዝጊ’ውን ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ብዙሕ ኣይጸንሐን። ኣንጸርጽሮቱ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ኣብ ከብዱ ዓቚሩ’ዩ ተልእኾኡ ክሳብ ዝዛዝም ዝተኣዘዘ። ኣብ መወዳእታ ግን ክቡር ኣቦይ “ግብር ዘወሃብከኒ ፈጸምኩ” ብምባል ምስ ጥዑም ቃሉ፡ ንመጻኢ ዕድል ናይ ደቂ-ኣዳም ናብ’ቲ ንሕስያ ዘይብሉ ምምሕዳር ንጉስ ዕዳጋ ጠንጢኑዋ’ዩ ናብ ላዕለዋይ ዙፋኑ ዝነፈረ።

ሽዓ ምስተሰወረ ድማ እነሆ ክሳብ ሎሚ በታ ቖንቆር ሰማይ ኣይመስልን ዘሎ ንዳግመ ግምት ክቕልቀል ዝፈተነ። ይዋእ’ዩ ኣብ ቀዳማይ እግሩ ክንደይ ኣደራዕ’ሞ ዘይረኸበ።

ስለ’ዚ ሓንሳብ ኣደራዕ ምስ ወረዶ ዘኽቲሙ ከምዘይተረፈ ኣዳም ዝእምት ናይ ቀደም ምህሮ፡ እነሆ ክሳብ ሎሚ ፋሲካ ተባሂሉ ይመሓላለፋ’ሎ። ማለት’ሲ ሓደ እዋን ወለ’ዝጊ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ወሪዱ፡ ንኣዳም ምስ ፈጣሪ ክዓርቕ፡ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ፡ ብትዕግስቱ፡ ታሪኽ’ምበር’ዩ ፈጺሙ ትብል፡ ናይ ጅግንነት ፋረ ጥራይ ዘይኮነት’ሲ፡ ወለ’ዝጊ ንስለ ፍቕሪ ክሳብ ሞት ከምዝተዋረደ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብ ሞት ተንሲኡ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈጣርን ኣዳምን ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝተለወጠ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ፡ ባጃ ኾይኑ ብለውጥን ዕርቅን ናብ ዝሓሸ ናይ ታሪኽ መስመር ኣማዕቢሉዎ’ዩ ናብ ዙፋኑ ዓሪጉ ዝብል ጉንዖኡ’ውን ኣይውዳእን’ዩ ዛንትኡ።  ዝሓይሽ ይፍጠረልና።

ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ምጽኣት ወለ’ዝጊ ዝሰዓበ ግዝኣት ንጉስ ዕዳጋ ከከምኢድካ’ዩ። “ምስልኻ ህያብ ኣምላኽ ንኣኻ፡ ተግባርካ ንፈጣሪ ህያብካ” (ኣንቶኒ ዳላ ቪላ)። ዝብል  ዘረባ ለባማት ድማ’ዩ መዕለቢኡ።

ምናልባት ናይ ባዕልኻ ስንፍና ንምሽፋን ምእንቲ ክቐልል፡ ጥምቀትን ንስሓን ዘይሰርይዎ ዝመስል፡ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ምጽብጻብ ክፍተን እንተተደልዩ ድማ፡ እቲ ጻዕሪ ምስ መስርሕ ተሓድሶ ናይ ትንሳአን፡  ምስ ምምሕዳር ንጉስ ዕዳጋ ከምዝቃዶን ከምዘይቃዶን ምስትብሃል ከድልዮ’ዩ።

ማለት’ሲ ናይ ገሃነምን ገነትን ዛዕባ ይጽናሕ’ሞ ንጽባሕ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ መዓጹ ደገሰላም ኣርሕዩ ንህሉዋት “እንጌራ ….ንምውታን ድማ “መሓራ  …” ክፈጥረሎም እናጸለየ ኣብ ዓድን ዓውድን ማ’ጨሎት ክነጽግ ዝፍትን መምህር መተካእታ’ብሉን።

ምኽንያቱ ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሎ፡ እዝስ ደጊም ይኣኽሎ! ዝግብኦ ብዙሕ ጉዳይ ስለዘሎ፡ እንተተኻኢሉ “ንሰብ ኪለው ከም ነብሰይ’ፈቱ…” ዝብል መነባበሪ ትምህርቲ ወለ’ዝጊ ምምርኳስ’ሲ ናይ በላሕቲ  ፖለቲካ’ምበር ናይ ፈራሓት በለካ-ለኽዓካ ኣይኮነን።

ዝገርምኮ’ዩ ሓደ መዓልቲ ጽንዓት ይሃብኩም ክብል ናበ’ስመራ ተለፎን ምስ ደወልኩ’ሲ፡ ንሓደ ሓው’ቦይ ኣብ’ቲ ግፍዒ እረኽቦ። ሽዑ ኣቦይ ንኡስ ከመ’ለኻ እብሎ፡ ንሱ ድማ ቁዕርር ዝኣፋ ሕማቕ! ይብለኒ። ኣነ ድማ ኣጆኻ’ቦይ ንኡስ ጥዕና ጥራይ ኣይሰኣን’ምበር፡ ሓደ መዓልትስ ፋሲካ’ሎ በልኩዎ። ንሱ ድማ ትቕብል ኣቢሉ፡ ኣ’ታ ክንደይ ትዛረብ’ኻ፡ እዛ ሕሰም’ዚኣ’ሲ ካብ’ዛ ናይ ሎሚ ፋሲካ’ባ ኣይተሕልፋ በለኒ፡ ከም’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት እዋኑ ቅንያት በዓለ ትንሳአ ስለዝነበረ። ኣ’ቱም ሰባት ሰብናኮ ጨኒቑዎ’ዩ ዘሎ። ተኣምራት ማርያም ግንቦት’ባ’ፍጠረሉ ደቀይ!

ዝኾነ ኾይኑ፡ ታሪኽ ትምህርቲ ዝኸውን እንተኾይኑ’ምበኣርከስ፡ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ናይ ልበይ’ኮ ፈጺመ’የ ዝብል ዕዉት ተቓላሲ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ንታሪኽ ብናይ ትማሊ ዓይኒ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ብሓዲሽ መነጸርን ብኽፉት ልቦናን ኣንቢቡ ክኣልዮ እንተፈተነ’ዩ፡ ሕምባሻ ዓወቱ ዝበኩዕ።

እዚኣ  ኣባ’ዥጎ ምስ ወለ’ዝጊ ወዶም ኣንጊሆም ዝባረኹዋ፡ ንጉስ ዕዳጋ ድማ ኣብ ግዝኣቶም ክትሰፍን ብስላዕ ፍቶ-ጽላእ! ዘተግብርዋ ናይ ለውጢ መስመር ንሳ’ያ። ብናይ ትማሊ ዓይኑ ምእንቲ ክጥምት ንሎምን ንጽባሕን ዘዐምት መዳለዊ መላኺ የርሕቐልና ጥራይ።

ናይ ታሪኽ ቁስልና ኣይንሕከኽ።

ርሑቕ ከይተኸደ፡ ነብሱ ይምሓር ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከተማ’ስመራ፡ መምስ ትዕድልትና ሓቢርና ምንባር ምእንቲ ክጥዕመና’ሲ  “…. ናይ ታሪኽ ቁስልና ኣይንሕከኽ….” ክሳብ ምባል ዝበጽሓሉ እዋን ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

እዚ ብሂል’ዚ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሳንኩፍ ኣተረጓጉማ ናይ ታሪኽ ክረክስ ዝኽእል ናይ ትማሊ ቁስሊ ከምዘሎ ንምንጻር’ዩ ዝተባህለ።

ስለ’ዚ ትሕዝትኡ ብዘየገድስ ታሪኽ ብንቑጹ ናብ ወለዶታት ክቐርብ እንተተመሪጹ፡ ምሒር ደሪቑ መን’ፈልጥ ኣሰር መናድቕ በርሊን’ውን ክስዕብ ይኽእል’ዩ ተበቊሱ።

ምናልባት ብሓደስቲ ሓሳባት እንተተርኪሱ ግን ንንባብን ንትምህርትን ክበሃግ ይኽእል’ዩ መመሊሱ።

ከመይ’ሲ ገዚፍ ክፋል ናይ ታሪኽ ነጽብራቕን ድላይን ናይ ጸሓፍቱ ዝመስል መልክዕ’ዩ ዝለብስ’ምበር፡ ጉዳይ ሓቅን ሓሶትን ጥራይ ኣይኮነን።

ስለ’ዚ ሓቁ’ዩ ኣቶ መለስ። ናይ ናጽነትና ጸጋታት ዓምቢቦም፡ ኤርትራውነትና ከም ዓለማ ምእንቲ ክትጥጥዕ-ክትፈሪ’ሲ ካብ ናይ ትማሊ ውዕሎ ብሜላ ክልለን ክእለን ዝግብኦ መሊኡ’ሎ። ብዘይቃል ዓለም፡ ምእንቲ መጻኢ ዕድል፡ ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘለዉ ዜጋታት፡

(i)          መንቀሳቐሲ ወረቐትን

(ii)         መዋድቖ  ዝኸውን ንእድን:

ምእንቲ ክፈጥረሎም ንገለገሊኡ ክፋል ናይ ታሪኽ’ሲ ኩነታት ክሳብ ዝምእምኦ ኣብ ናይ ታሪኽ ዕትሮ፡ ምኽዳኑ ክሓይሽ’ዩ ብድብኦ። ምናልባት በጨቕ እንተበለ ድማ ብሓወይ ሓውተይ ምእንቲ ክንገርሖ።

ዝሕባእ ዛዕባ መኣስ ኮይኑ፡ ድሕሪ ኲናት ባድመ ኣዝዩ ብዙሕ ነገር ስለዝተቐየረ ኤርትራ ናይ ሕጅን ኢትዮጵያ ናይ ሕጅን ብናይ ትማሊ ውዕሎአን ክጸባጸባ ናብ ዘይክእላሉ መድረኽ ኣትየን’የን።

ምስጢር’ኮ’ብሉን፡ ንጹር’ዩ። ኢትዮጵያ ናይ ሕጂ ንደርግን ንዘውድን ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ነቲ ንሳቶም ዘሪኦም ዝሓለፉ፡ .. ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን’ያ …. ዝብል ን’ንዳ ዝናን ባህታን ኣስኪሩ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዙፋን ንግስነቶም ናብ ሓሙኽሽቲ ቀይሩ ዘሎ ናይ ህልኽ ኣተሓሳስባ’ውን ቀቲላቶ’ያ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ንመስመር ጉዕዞ ታሪኽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣንፈቱ ናብ ዝምእምኣ ኣመኣዛዝያ ሓዲሽ መንገዲ ኣትሒዛ፡ ትግስግስ ከምዘላ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ፉፍ ዝብሉ ዘለዉ ናይ ሓሳባት ምዕባለ (evolution) ዘርትዕዎ፡ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሓቂ’ምበር ብማሕላ ዝሕለፍ እንታ’እኻ ዝበልካ ኣይኮነን።

እዚ ኣንፈት’ዚ እንታይ ከምዝመስል ብንኡሱ ንምግንዛብ ምእንቲ ክሕግዝ’ምበኣርከስ፡

Djibouti: Changing Influence in the Horn’s Strategic Hub – David Styan

ኣብ ዝብል ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ካብ ዝርከብ ጸብጻብ ቁሩብ ክጠቅስ፡

1) ድራማቲክ ምዕባለ አኮኖሚ።

(ሀ) ናይ ጂቡቲ አኮኖምያውን ስትራተጅያውን ምዕባለ በ’ርባዕተ ደረኽቲ ረቛሒታት ንቕድሚት ይውንጨፋ’ሎ፡ ይብል’ሞ፡ እተን ክልተ ቐዳሞት፡

(i)           ኲናት ባድመ፡  (1998 -2000) ዘስዓቦ ምብትታኽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ወይ ድማ ብኻልእ ቃላት (The Economist 04/13 - Bad blood with Ethiopia’s other enemy, Eritrea.)

(ii)    ዘደንቕ ምዕባለ ንግድን አኮኖምን ናይ ኢትዮጵያ፡ ከምዝኾና ይሕብር፡

ቁሩብ ጥልቕ ኢሉ ድማ ናይ ጂቡቲ ትሕተ-ቕርጺ ዘርእዮ ዘሎ ንጡፍ ምዕባለ፡

(ሁ)  ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ካብ ዱባይ ሱዑድያ አምረይት … ከምኡ’ውን ካልኦት ተረባሕቲ ዝዋፈር ዘሎ ርእሰማልን፡

(ሂ)   ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓንን ዘሎ አኮኖምያዊ ዕብየትን ምዃኑ ይእምት። ብሓጺሩ እቲ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባለ ንኽትእምኖ ዘጸግም ከምዝኾነ ንምሕባር - ድራማቲክ - ዝብል ናይ ኣድንቖት መግለጺ ይውስኸሉ ጸሓፋይ።

(ሃ) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ማይን አለክትሪክን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጂቡቲ ክቐርብ ተወዓዒሎምስ ድሮ ናይ ኢትዮጵያ ማይን አለክትሪክን ኣብ ዕዳጋ ናይ ጂቡቲ ክዝርጋሕ ስለዝጀመረ፡ ዋጋ ማይን መብራህትን ኣዝዩ ሓሲሩ፡ ጂቡቲ ድማ ብአኮኖምን ብፖለቲካን በብቑሩብ ኣብ ኢትዮጵያ ተመርኲሳ ደሓን ውዓሊ ድኽነት ትብላ’ላ ይብል።

(ሄ) ተወሳኺ ድማ ክሳብ 5000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር፡ ካብ ታድጆራ ዝበሃል ሓዲሽ ወደብ  ንኣዲስ ኣበባ ለኪሙ ንሰሜንን ምዕራብን ኢትዮጵያ ክቛርን፡ ብቻይናውያንን ቱርካውያንን ክህነጽ ክሳብ 3.2 ቢልዮን ዶላር ክዋፈረሉ’ዩ ይብል’ሞ፡ ወደብ ታድጆራ ንምህናጽ፡ ኣብ ኩወት ዝመደብሩ፡

(i)           ዓረባዊ ርእሰ ማል ንማሕበራውን አኮኖምያውን ምዕባለ፡ (Arab League’s Kuwait-based Arab Fund for Economic and Social Development)

(ii)     ከምኡ’ውን ሱዑዲያዊ ርእሰማል ንምዕባለ (Saudi Fund for Development)፡ ክረባረቡሎ’ዮም፡ ይብል። ኣብ 2015 ንኽውዳእ መደብ ወጺኡሉ ከምዘሎ’ውን ይሕብር።

ስለ’ዚ’ምበኣርከስ እዚ ኹሉ ዓረባውን ኢትዮጵያውን ርእሰማል ናብ ጂቡቲ  ዝውሕዘሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?

ጂቡቲ ትበሃል ሓዳስ ሃገር ናብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሎሚ ስለዝበረቐትዶ ወይስ ኣዕራብን ኢትዮጵያን ብሓዲሽ ፍቕሪ ተቓጺሎም?

መልሱ ቐሊል’ዩ! ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ኣተሓሳስባ’ዩ ብሓልፍነት ዝሕተት።  እወ ካብ ስላዕ ውዲኣፎም ሊንጎ ንላዕሊ እቲ ዝገዝእ ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ ማለት’ሲ፡ ኣብ እግሪ ይከኣሎ ዝርከብ ድርቅቃም ኳዂቶ ናይ ዓዋተ ወረጦ ጥራይ’ያ ትነቕሶ፡ ዝዓይነቱ ዘይምዕብል ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ምህሮ ክኣልዮ ዘይከኣለ ምንብባር ምስ ኢትዮጵያዊ ዕዳጋ፡ ………………..  ደቂ ጂቡቲ ክኣልይዎ ስለዝበቕዑ’ዩ።

“War is fought mainly by material means, and though it would be an advantage to know what we are fighting for, it is enough to know what we are fighting against. It is after the fighting is over that the trouble will begin. For when material force is removed, it is only the force of ideas that can prevail. At present, in the realm of ideas, we are almost completely disarmed.” (9, 231)

ስለ’ዚ እቶም ንዘመናት ብጎቦ ዓይኖም ክጠማመቱ ዝጸንሑን፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሽጢ ውሽጢ ካብ ምትኹታኽ ዘየዕረፉ፡ ኣዕራብን ኢትዮጵያን’ሲ ብኢድ ኣዙር፡ ብጂቡቲ ኣምሲሎም መውስቦ ዝመስል ቃልኪዳን ይኣትዉ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሓባር መኣዲ ዘሰስኑሉ ሓዲሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ይጽሕፉ’ለዉ’ዩ ዝበሃል ዘሎ’ምበር፡ ብናይ ትማሊ ታሪኾም ምኽንያት ብህልኽ ክረባረቡ ይነብሩ’ለዉ ኣይተባህለን።

ስለ’ዚ እቲ ዝበርትዐ ዕዮ ገዛ ናይ ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ’ምበኣርከስ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ካብ ዝወጽኡ ርብዒ ዘመን ከምዝሓለፈ ተገንዚቦም፡ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እንተኸኣሉ ብታሪኻውን ወገናውን ሃይማኖታውን ተመሳሳልነቶም ተበሊጾም፡ እንተዘይከኣሉ ግን እንተሓመቑ-እንተሓመቑ ከም ደቂ ጂቡቲ ብሕግታት ንጉስ ዕዳጋ ክኣልይዎ ከምዘለዎም ምቕባል’ዩ። ስለ’ዚ ዝዓበየ ክፋል ናይ’ዚ ህሉው  ጸገም ኢሳያስ ኣብ ዝበሃል ብኽልተ እግሩ ዝኸይድ ዲክተይተር ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ ኣብ’ቲ ኣተሓሳስባ’ዩ ዘሎ።

ብጉዳይ ምዕቡል ዓለም ሊቃውንቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተጋደልቲ ናይ ኢትዮጵያ ጸላእቲ!

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ልዕሊ ኹሉ፡  ካብ ንምሁራትን ዓበይትን፡ ብፍላይ ነቶም ብጉዳይ ናይ’ተን ትምህርቲ እንጌራን ሓዲሽ ዜግነትን ዝጸገወኦም ምዕቡላት ሃገራት ዓለም እንክሰብኩ ሊቃውንቲ ብዛዕባ ጉዳይ ዓደ’ቦኦም እንክምዕዱ ግን ተጋደልቲ፡ ዝቕየሩ፡ ጽልእን ኢትዮጵያን ክፈላልዩ ዘይደፍሩ ኣስተምሃርቲ ዝምልከት’ዩ።

ብዘይ ቃልዓለም ምሒር ጣቒዒቶም ዘጽደፎ ኢሳያሲዝም ዝበሃል ዝመስል ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን  ጎንፊ እንዳኣሉ ኣብ ርእሲ ሰብ ሰሪሩ፡ ዓድን ዓውድን ዝህውጽ ዘሎ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ኮ ኣወል ቡን ናይ ናጽነት ከይወረደ፡ መልክዕ መጻኢ ዕድል ዝምድና ፖለቲካውን አኮኖምያውን (poletical economy) ኤርትራን ኢትዮጵያን ክእምት እንክፍትን “ኮንፈደረሽን” ዝብል ቃል ከምዘተንበሃሉ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዝርስዖ ኣይመስለንን።

ስለ’ዚ ሎሚ’ውን ወላ ካብ ርሑቕ ካብ ወጻኢ ተመሳሳሊ ወይ ድማ ካልእ ኣማራጺ ሓሳባት ዘለዎ ትምህርቲ ዘቕርብ እንተዝርከብ ክንደይ ሰናይ ምኾነ ኔሩ። እንተ ዘይኮነ ግን ፍርቂ ዘመን ንድሕሪት ተመሊስካ፡ ታሪኽ ግፍዕታት ናይ ዘውድን ደርግን ዝሓዘለ ኣረጊት መጽሓፍ ኣብ ሓዲሽ ወረቐት ገልቢጥካ ናብ ደቂ እዋን ምቕራብ እንታይ ንምባል’ዩ?

እቲ ዝበሃለሉ ዘሎ ናይ ህልቂት ታሪኽ’ኮ ኣብ እዋኑ በቶም ደቂ እዋን ተመዚኑ ከም ናይ ቃልሲ መበገሲ ተቖጺሩስ ኣብ ዝብጻሕ ኣየብጺሑ’ዩ። “No other group in the Ethiopian region has repeatedly succeeded in shaping its political destiny like the Eritrean Tigreans.” (6, 169) ክሳብ ምባል’ኳ ተበጺሑ። ሕጂኸ እንታይ ዓይነት ነዃል ክዓብስ’ዩ ከምብሓዲሽ ናብ ደቂ እዋን ክቐርብ ዝድለ ዘሎ?

ብዘይምግናን እቲ ዕዮ ገዛ ኤርትራውነት ኮይኑ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ካብ ባይታ ፍሕት ምባል ኣጊሙዎ ዘሎ መስርሕ ህንጸት ሃገርን ምኹስኳስ ዜግነትን’ዩ።

ስለ’ዚ እቲ ዝድለ ለውጢ ልዕሊ ኹሉ ናየ’ተሓሳስባ ለውጢ’ዩ።

ኣብ’ዛ ዛዕባ’ዚኣ ብቐሊሉ ዝእፈፋ ፍርቂ ዘመን ዝበልዓ መደናገርቲ ቃላት፡ ሕጂ’ውን ከም መፈራርሒ ውጥም ቅልቅል ክብላ ይደፍራ’ለዋ። ማለት’ሲ ገለ ገለ ዓበይትን ሊቃውንትን ኣንድነት/ ዩኒዮኒስት ዝበሃል ሰይጣን ኣብ ታሪኽ ከም ዝፈልጡ፡  ነኦ-ዩኒዮኒስት፡ ከለስቲ (ረቪዥኒስት) ዝብላ ቃላት ብምሕዋስ መቓብር ታሪኽ ክጽሕትሩ ይረኣዩን ይስምዑና’ለዉ።

ኣባላት ኣንድነት ወይ ድማ ሰበስልጣን እዋን ፈደረሽን ዝነበሩ ወለዲ’ኮ መብዛሕትኦም ሓሊፎም’ዮም። ኣብ ላዕላይ ሰማይ ይቕነዓዮም። ገለ ካብ’ቶም ብሂወቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘርከቡሉ ድማ፡ በቲ ዘይምሕር ጉራደ ናይ ፈዳይን ብጾቶም ክቕንጸሉ ስለዝረኣዩ ግዲኾይኖም ብንግሁኡ ተዳሂሎም ወሰኖም ክሕዙ ወሲኖም’ዮም።

ካልእስ ይትረፍ ጸሓይ ናጽነት ምስበረቐት’ኳ ብዛዕባ ናይ ትማሊ ውዕሎኣኦም ተሓቲቶም ርኢቶኦም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ክበሃል እንከሎ ቀሊል ነገር መኣስ ኮይኑ።

ትዕዝብቲ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ከምዝሕብሮ፡ “.. ገለ ኻልኦት ግን ኣዝዩ ወሳኒ ተመኩሮን ዛንታታትን እናሃለዎም፡ ፍልጠቶም ከካፍሉ ዘይደልዩ ኮይኖም ረኺብናዮም። ታሪኽ ተኣፋፊ መዳያት እኳ እንተሃለዎ፡ ብዘይ ፍረን ብዘይ ሞያን ኣብ ኣእምሮ ሰባት ተዓጽዩ ክቕበር እንከሎ ምርኣይ ዘሕዝን’ዩ። …. ስለዝኾነ ድማ ዝወዓሉ እናሃለዉ፡ ብዝወዓሉ ንዝተነግሩ ሓቲትና ክንምዝግብ ዝተገደድናሉ ኣሎ። ስም ነጋሪ ንኸይንጠቅስ ስለ ዝተኣዘዝና፡ ኣገዳሲ ሓበሬታታት ዝወገናሉ ክፋላት እውን ኣይተሳእነን።” (11, xiv)

ስለ’ዚ’ምበርኣርከስ እቲ ዛዕባ ኣበየናይ ጠረር’ያ ትስቀል ባንዴራ ኤርትራ ዘይኮነ ተሪፉ ዘሎ’ሲ፡  ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ምስ ጂቡቲ ተላዚብካ ምሕዳር ዝእግማ ሃገር ሒዛ ኣበይ ክትሓድር’ያ ትደሊ ዘላ ኤርትራዊት ነብሲ፡ ኣብ ሲናይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ … ወይስ ኣብ ሽመልባ?

አረ ዝባን ወ’ለዝጊ ክሳብ ዝብጻሕ ዘመን ዝባን-ሕጊ!

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ መጽናዕቲ ደቪድ ስትያን (Djibouti: Changing Influence in the Horn’s Strategic Hub – David Styan)

ዘላ ካልኣይቲ ናይ ለውጢ መሰረት፡

(2)  ጂቡቲ - ናይ ሓይሊ ባሕርታት ምትሕብባር ላቦራቶሪ ትብል ካልእ ድራማቲክ ናይ ለውጢ መሰረት’ያ።

እወ፡ ጂቡቲ ኣዝዩ ብዘደንቕ ሜላ ናይ ብዙሓት ሃገራት ሓይሊ ባሕሪ ብምእንጋድ፡ ናይ ምትሕብባር ሓይሊ ባሕርታት ላቦራቶሪ፡ ከብላ ዝኽእል ኣነባባር ተንጸባርቓ’ላ ይብል’ሞ፡ ኣብነት ብምጥቃስ፡

(i)           ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናይ ፈረንሳይ ወተሃደራዊ ሰፈር ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ኮይኑ ካብ 2000 ዘይውሕድ ሰብኣዊ ዓቕሚ ይውዕሉዎ። መንግስቲ ፈረንሳይ ድማ ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ክሳብ 30 ሚልዮን አውሮ ንዓመት ትኸፍል። እቲ ዝገርም ሩስያውያን ኣብ’ዚ ናይ ፈረንሳይ መዓስከር ይጥቀሙ’ዮም ዝብል ጸብጻብ’ውን ኣሎ።

(ii)         መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ክሳብ 38 ሚልዮን ዶላር ትኸፍለሉ፡ ኣስታት 3200 ሰብኣዊ ዓቕሚ ዝውዕሉሉ ወተሃደራዊ ሰፈር ኣለዋ።

(iii)        ካብ አዥያ ቀጺሉ፡ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሰፈር ናይ ቻይናን ጃፓንን ኣብ ጂቡቲ ይርከብ። ብፍላይ ጃፓን ድሕሪ 1945 ካብ ዓዶም ወጻኢ ንፈለማ እዋን ዝተኸልዋ ናይ መጀመርያ ጃፓናዊት ናይ ሓይሊ ባሕሪ ሰፈር ኣብ ዓመት 30 ሚልዮን ዶላር ዝኸፍለላ ኮይና፡ ኣብ ጂቡቲ ኣብ 07/2011 ተመስሪታ’ላ። ክሳብ 600 ዝበጽሕ ዓቕሚ ሰቦም ድማ ይውዕሉላ።

(iv)         ናይ ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ኢራን ማለዥያ ህንዲ ቻይና ሓይሊ ባሕሪ ድማ ወደብ ጂቡቲ ኣብ ባሕሪ ንዘጋጥም ሽፍትነት ንምቁጽጻር ከም ዓለሞም ይጥቀሙሉ’ለዉ።

(v)          እዛ ትስዕብ ነጸብራቕ መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራ ኣበ’ተረጓጉማ ምእንቲ ከይትኣጉል ንግዜኡ ቀዲሐ ኣቕሪበያ’ለኹ።

“Djibouti has established significant cost and capacity advantages over regional rivals, Eritrean ports and Somaliland’s Berbera. Assuming both that economic growth in northern Ethiopia intensifies and policies in Eritrea eventually shift in order to allow its gradual reintegration into the regional economy, Djibouti will remain the primary conduit for Ethiopian trade in the next 10 years or so. Even if Djibouti’s integrationist policies were to falter, for example through lack of finance, such competitive advantages will remain.”

ዝኾነ ኾይኑ ሊቃውንቲ ዓለም ብዛዕባ ዞባናን ኤርትራናን ዝብልዎ ነዚ ዝመስል ኮይኑ ከብቅዕ፡ ገለ ካብ’ቶም ንፍርቂ ዘመን ድሕሪ ምግዳል’ኮ ኢና ተዓዊትና፡ ክብሉ ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ንድሕሪት ተመሊሶም ነቲ መዋእሎም ሙሉእ ዝወፈዩሉ መስርሕ፡ ብቓላቶም ናብ ሰማዕትን ኣንበብትን ንምቕራብ ዘርእይዎ ዘለዉ ሓዲሽ ተርእዮ ዘናብር ኣይመስልን’ዩ። መዋጽኦ’ፍጠረልና ጥራይ።

ቃላትን ሓሳባትን ከምዝሓጸርዎም’ሲ፡ ብመልክዕ ቀተለን ቀንጸለን ንሓድሕዶም ዝወዳደሩሉ ወረ እንተዘይኮይኑ ካልእ ናይ ሓሳባት መንጸፍ ከንጽፉሉ ክሳብ ሕጂ ኣይፍትኑን ዘለዉ።

መስዋዕትን ሕድሪ ስዉኣትን።

ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ እዚ እናሓደረ እናፈኾሰ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ቀተለን ቀንጸለን ኣናብባ ታሪኽ ገድልን ምግዳልን፡ ንግዜኡ ከም ጉልባብ፡ ዝጥቀመሉ ናይ መደናገጺ ሜላ፡ ብዝሒ ዝተኸፍለ መስዋዕቲ ወይ ድማ ሕድሪ ስዉኣት ዝዓይነቱ እዝኒ ሰማዕቲ ዝቑርጥጥ፡ ን’ንዳ ዝናን ባህታን፡ ከገልግል ዝበለየ፡ ናይ ታሪኽ ዕሙሙ’ዩ።

እወ መስዋዕቲ ዝበዝሕ ውድቀትን ሕመቕን መሪሕነት ከነጽር’ምበር ብርሃን ናጽነት ከድምቕ ኣይኮነን ምባል ኣይተኻእለን ወይ ድማ ኣይተደለን። መወዳእትኡ የጸብቆ’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ንመልክዕ ናጽነት ብብዝሒ መስዋዕቲ ክዓባብጥ ዝፍትን እንተዘይኮይኑ ብለውጢ ዝመዝን ናይ ሓሳባት ምዓባለ ኣይተቐልቀለን ዘሎ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ተኣኪቡ-ተኣኪቡ፡ ን30 ዓመታት በረኻ ዘሕደረ፡ ጸብጻብ ታሪኻዊ ግፍዕታት ናይ ዘውድን ደርግን፡ ዝወለዶ ናይ ህልኽ ኣተሓሳስባ’ዩ፡ ዓዲ ኣትዩ፡ ዓንደ-ገመል መሓድሮ ዝናን ባህታን ኮይኑ፡ ኢትዮጵያን ጸላእን ምማይ ስኢኑ ብመልክዕ ምልካውነት ናይ ፓርትን ወልቀ ሰብን፡ ክገዝእ ኣበ’ደባባይ ዐማሕ! ክብል ዝውዕል ዘሎ።

ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ነባሪ ሰይጣን’ምበር ነባሪ ስልጣን ተራእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። እነሆ’ኳ ድሮ ዘውድን ንጉስን፡ ደርግን መንግስቱን፡ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ’ኳ፡ ንደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ኣ’ቱም ሰባት ኣነ ኣብ ስልጣን እንከለኹ’ሕሸኩም፡ ሃየ ቀልጥፉ ተንቀሳቐሱ እናበለ፡ ምስ ስግኣቱ ሓሊፉ ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ገዛኢ ኣተሓሳስባ ዝናን ባህታን ግን እዚ ኹሉ ለውጥታት እናተራእየ’ውን ክሳብ ሕጂ ኢትዮጵያን ጸላእን ዝፈልየሉ ምንብባር ከመ’ማራጺ’ውን ኣይተሰወጦን።

ዝኾነ ኾይኑ በቲ ሓደ ሸነኽ ከም’ዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ዘለዎ መጽናዕቲ ናይ International Crisis group ከምዝሕብሮ፡ “Eritrea is a small, young and increasingly fragile state. .. President Isaya’s Afewerki’s regime is vulnerable. … It is difficult to predict what an eventually post-Isayas Eritrea will look like: after and in spite of 21 years of forceful nation-building, fault lines especially of ethnicity, region and religion (Christians versus Muslims) are still there, some deeper than before. Since the state lacks any institutional mechanisms for peaceful transition of power or even clearly anointed successor, instability is to be expected, with the corrupt army the likely arbiter of who will rule next. …. It remains unclear what a future without Isayas would hold and whether Eritrea could be a stable state without its anchor and creator.”

ዝብል ምህሮ፡ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ኤርትራውነት ኣብ ገዛን ኣብ በረኻን ይበርስ፡ እቲ ዕድል ዝገበረ ድማ ካብ ሽመልባ ክሳብ ሙሉእ ኣፍሪቃ አውሮጳን ኣመሪካን ተበቲኑ ናይ ስደት ኡግማ ንምኹስኳስ ተስፋ ብምግባር፡ ልቡን ኩላሊቱን ተጠቢሑ እናተሸጠ “እዚ’ውን ይሓልፍ” ብዝብል ልቦና፡ ሰብኣዊ መለክዒ ዘይርከቦ ኣደራዕ ብምጽማም ናብ ሙሉእ ዓለም ተመራሪሑ ይብተና’ሎ።

ህሉው ኩነታት ኤርትራ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መልክዕ ለቢሱ እንከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ

መጽሓፍ ህልቂት ኣብ ወክዳብ፡

(ሀ)  “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ትብል ልዕሊ 50 ዓመታት ዘሕለፈት፡ ኣብ ዘመን ንጉስን ዘውድን ተባሂላ ትበሃል ብሂል፡ ማለት’ሲ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ንሃገር ኣይትበቅዕን’ያ ዝብል ኢትዮጵያዊ ናይ ፖለቲካን አኮኖምን ኣተሓሳስባን ስግኣትን ክገዝእ እንከሎ ዝተባህለት ዝበሃለላ ብሂል ከም እምኒ ኩርናዕ ኣቐሚጣ’ያ፡ ናብ’ቲ ቐንዲ ዛዕባ፡ ማለት ምዝርዛር ታሪኽ ቀንጸለን ቀተለን ኣተሓሒዛ፡ ናይ ስግኣትን ጽልእን ታሪኻዊ ማዕጾ ትነኑ። ሓቂ ንምዝራብ ግን፡ “ጃንሆይ ዝበልዎ’ዩ ተባሂሉ ከም መለክዒ መጠን ናይ ግፍዕታትን ጭካኔ ኣጎባብጣ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከብርህ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ናይ ኤርትራውያን ሰፊኑ ክንጸባረቕ ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ዓይኒ’ታ መጽሓፍ ዝወደቐ ኣበሃህላ’ዩ፡ ካብ ምባል ንላዕሊ፡ ብርግጽ ከምዝተባህለ ዘርትዕ ናይ መዝገብ ምስክርነት ከምዘይረኸበት’ያ ኣቐዲማ ነ’ንበብታ ተጠንቅቕ።” (ገጽ 3) …. እቲ ዝገርም ግን ንርእሳ ዘይምጥንቃቓ’ዩ።

እወ እዚ ዘረባ’ዚ ተባሂሉዶ ኣይተባህለን ብዘ’የገድስ፡ ድሕሪ ህልቂት ንዝሰዓበ ምዕባለ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ምኹስኳስ ናይ’ቲ ኢትዮጵያን ጸላእን ዘይመሚ ትምህርቲ እንዳ ዝናን ባህታን ከም ዓንዲ ማእከል ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ ኣገልጊሉ’ዩ፡ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ምናልባት ጃንሆይ ዝመስሉ ቅርጡው ተዛራቢ፡ ንጸዓዱን ጸለምትን ሊቃውንትን መራሕትን ዘርዕድ ቃላት መሪጾም ዝዛረቡ መራሒ ኔሮም ዝበሃለሎም ንጉስ’ሲ፡ ከም’ዚ ዓይነት ወዛል ናይ’ንዳ ስዋ ጽዋ፡ ንመግለጺ ፖለቲካ ተጠቒሞሙሉ እንተኾይኖም፡ ኣብኣ ትደዮም። ኣብ ላዕሊ ሓሊፋ ክትጸንሖም’ያ፡ ካብ ምባል ንላዕሊ እንታይ ኢና’ሞ ንብሎ ነዚ ናይ ትማሊ ውዕሎ?

እስኪ ሕራይ ዝሓለፈስ ሓሊፉ’ሎ፡ ሕጂ ድማ እዛ ጃንሆይ ዝበልዋ ዝበሃለላ ናይ ታሪኽ ጎደፋ ኣብ መጽሓፍ ተጻሒፋ ኣብ’ዛ ብናይ ኢንተርነት ዓለባ-ሳሬት ጥንግንግ  ትብል ዘላ ናይ ሓበሬታ ዓለም-ዕዳጋ ሕጂ ኣለኹ ትብላ’ላ’ሞ እስኪ ነስተባህለላ።

ኣብ ገጽ 51 ካብ ዝርከብ ትምህርቲ መጽሓፍ ህልቂት ኣብ ወክድባ፡  እቲ ህልቂት ምስተፈጸመ፡ ኤርትራውያን ክርስትያን ሓሳቦም ቀይሮም ክጋደሉ ወሲኖም።

“It achieved the complete polarization of sentiment among Eritreans, and most importantly among Christian Eritreans, whose attitude toward separation was until now quite uncertain.” ክሳብ ሽዑ ካልእ ናይ ፖለቲካ ኣማራጺ’ውን ይኹስኩሱ ኔሮም ማለት’ዩ። ይኹንደኣ’ምበር፡

“The violence of the weekend of January 30-February 1, 1975 (Friday until Monday) is particularly crucial to the understanding of the subject at hand, for it serves as the backdrop for the massacre at Wekidba.”

ብምባል ገድሊ ኤርትራ ካብ ምብቋሉ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ዘንጸባርቕ መልክዕ ከምዝነበሮን፡ ድሕር’ቲ መጽሓፍ ዘጽሓፈ ፍጻሜ ግን እቲ ብሃይማኖታዊ ፍልልይ ብጎቦ-ዓይኒ ምቁምማት ተሰጊሩ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር “separatism is the only solution ገጽ (1, 51)” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዕላማ ተጠርኒፉ’ዩ ክጋደል ተበጊሱ፡ ዝብል ናይ ሓሳባት ምቕያር ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ከምዝተጋህደ ትሕብር።

ምስኡ ድማ “ስድራ ቤትኩም ተሓሪዶም፡ ንስኻትኩም ድማ ትህደኑ ስለዘለኹም’ሲ፡ ኣንጻር ጸላኢኹም ተቓለሱ፡ ዝብል ድምጺ ሰባት ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ንምግዳል ብመስዋዕቲ ዝዕቅን ህልኽ ዘለዎ ቆራጽነት ተላዓዒሉ፡ ብርቱዕ ሃገራዊ ስምዒት ከምዝማዕበለ (ገጽ 139 - 140) ትእምት።

ከምኡ’ውን ከም ቀንዲ ምኽንያት መበገሲ ናይ’ቲ ህልቂት ኣብ መንጎ ተጋደልቲ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ጦር ሰራዊት ምስ ኮማንዶስ ድማ ብኣንጻሩ፡ ዝተባርዐ ሓዞ’ርክቦ (cross fire) ስዒቡ ዝተኸስተ ኩነታት ከምዝመስል’ውን ኣብ ገጽ 53, 103, 105, 136, 137 ትገልጽ’ያ።

እንተኾነ ግን እቲ ከም እምኒ ኹርናዕ ናይ ታሪኻዊ ትሕዝቶ-መጽሓፍ ክኸውን ዝተመርጸ፡ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ናይ ጃንሆይ ፖለቲካ ምስ’ዚ cross fire ዝብል መልክዕ ናይ ኲናት ክሳብ ክንደይ ከምዝዛመድን ከምዝፈላለን ኣብ ሚዛን’ታ መጽሓፍ ኣይዓለበን። ጦር ሰራዊትን ኮማንዶስን ጥራይ እዮም ከም ናይ ጥፍኣት መላእኽቲ ዝጽብጸቡ።

እቲ ዛዕባ እቶም ተጋደልቲኸ ስለምንታይ ኣብ ህድሞታትን መረባዓትን ተጸጊዖም ይትኩሱ ኔሮም፡ ስለምንታይከ ካብ ሰላማዊ ህዝብን ሰፈሩን ርሒቖም፡ ኣብ ጠረርን ኣብ ቀላሚጦስን ዓሪዶም ሓሳቦም ክፍጽሙ ዘይፈተኑ፡ ብዝብል ሚዛን ክረአ እንተዝድፈር ኔሩ ግን፡ ብዘይጥርጥር ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ   ንፖለቲካዊ ረብሓ ምእንቲ ክውዕል ተዓሊሙ’ዩ ኣብ ማእከል ዓዲ ቶኹሲ ተኸፊቱ ዝብል መደምደምታ ኣብ ጸብጻብ ክኣቱ’ኽእል’ዩ። ብኡ’ቢሉ ከኣ ናይ’ቲ ህልቂት ሓላፍነት ንኽልቲኦም ተታኾስቲ  በብመጠኑ ክጸልዎም’ዩ።

ከመይ’ሲ ትዕዝብቲ ፕሮፈሰር ያን ቡሩማ ከም ዝምሕብሮ፡ (The Wall Street Journal 05/ 11-12/2013)

“China/Japan And The Abuse of History: Asia’s two great powers play politics with the past.

When Japanese Prime Minister Kakuei Tanaka visited Beijing in 1972 to restore Japan’s relations with China, a country that had been devastated by Japanese military aggression in the 1930’s and 40’s, his host Mao Zedong allowed himself a moment of levity. Responding to Tanaka’s apology for what Japan had done during the war, Mao answered that there was absolutely no need to apologize. After all, he said, without the Japanese invasion, the communist revolution would never have succeded.”  ስለ’ዚ ታሪኽ’ሲ እንተተደል’ዩ ምእንቲ ረብሓ ክተዓጻጸፍ ይኽእል’ዩ።

እንዳ ዝናን-ባህታን ከኣ ካብ ሕማም ጎንፊ ናይ ዓወቶም ምሕረት ከውርደሎም ማይ ድጋመት ዝነጽገሎም፡ ሕያዋይ’ዮም ዝጽበዩ ዘለዉ። ምግዳል ንምንታይ ከምዘድለ’የ ዝምስክር፡ ኣብ ኢዶም ዘሎ ኣረጊት መጽሓፍ ዝደግመሎም ትምህርቲ ካብ ናይ ዓወቶም ጎንፊ ኣይፍውሶምን’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ - መጽሓፍ ህልቂት ኣብ ወክድባ - ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገርን ኣብ ምኹስኳስ ዜግነትን ንቕድሚት ብምምዕዳው፡ ኣብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ክጽሕፉን ክዛረቡን ዝፍትኑ ግዱሳት መዝገብቲ ታሪኻዊ ምዕባለ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይ’ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ (ንኤርትራ ንድሕሪት ገዲፉ) ዝሓንን ዘሎ ምዕባለ፡ ኣመልኪቶም ዝምስክርዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ መድረኽ ኣብ ግምት ምእታው’ሲ ይትረፍ፡ ኢትዮጵያ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣልቢሳቶ ዘላ ብዘውድን ደርግን ተዋሂቡዎ ንዝነበረ ናይ ቀደም ቆርበቱ ዝገፍፍ፡ ሓዲሽ መልክዑ’ውን ፍጹም ኣይጸለዋን።

ገዚፍ ክፋል ናይ ትሕዝቶኣ እገለ ብኽሳዱ እገለ ብኸብዱ ተሓሪዱ፡ እገሊት ብጥይት ተረሺና እገሊት ብሳንዣ ተዘልዚላ  ኣብ ዝብል ፍልልይ እንተዘይኮይኑ “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” (ምስላ) ዝመስል ጸብጻብ’ያ ትደጋግም ከም ርኢቶይ፡ ጌጋ’ኽለኣለይ።

ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ’ቲ ኹሉ ግፍዕታት ኤርትራዊ ሓሪኑ ን30 ዓመታት ተጋዲሉ ካብ ኢትዮጵያ ተሰናቢቱ ከብቅዕ’ሲ፡ ኣብ ዓዱን ዓውዱን ምስ ናጽነቱ ን25 ዓመታት ዘሕልፎ ዘሎ ሂወት ገሃነም’ዩ ዝመስል ዝብል ናይ መድረኽ ምስክርነት’ውን፡ ንናይ ትሕዝቶኣ እዋናውነት ኣይጸለዎን።

ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዝፍጸም ዝነበረ ናይ መግዛእቲ ግፍዕታት ብደቂቕ ዘርዚራ ብመልክዕ ሓዲሽ መጽሓፍ፡ እሞ ድማ ብናይ ታሪኽን ናይ ሃይማኖትን መምህር ናብ ደቂ እዋን ምቕራቡ፡ ንድኽመታት ናይ’ቲ ዓድን ዓውድን ዘብርስ ዘሎ ገዛኢ ኣተሓሳስባ ንምሽፋን ዘገልግል ቲፎዞነት ዝመስል ናይ ታሪኽ ጸብጻብ እንተዘይኮይኑ፡ ንለውጥን ዕርቅን ዘርብሕ ተስፋ፡ ንቕድሚት ዝኣንፈተ እዋናዊ ዛዕባ፡ ወይ ድማ ከይርሳዕ ዘስግእ ሃገራዊ ርስቲ ስለዘይረኸብኩላ’የ ምሳለይ ክጽሕፈላ ዝደፈርኩ።

ታሪኽ ይረሳዕ ግን ኣይበልኩን። “Just as the opressors engage in selective memory and myth, so do the victims, building unassailable monuments to their own suffering. … Each side creates its own narrative. Neither is fully true. …. Until there is a common vocabulary and a shared historical memory there is no peace in any society, only an absence of war.” (8, 81)

ዘማትእ መኣስ ኮይኑ፡ ብዘይ ቃልዓለም መድረኽ ተቐይሩ’ዩ። እቲ ዓሚ-ዓሚ ኣብ’ቲ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ ዝግበር ኲናት’ዩ እናተባህለ ዓድን ዓውድን ዘቃጸለ፡ ዳርጋ ኩልና ኤርትራውያን ዘጣቓዕናሉ መድረኽ’ኮ እንዳ ዝናን ባህታን ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን አኮኖምያውን ግንባራት ተሳዒሮም’ዮም።

ደጊም ኢትዮጵያ ዝበሃል መጋጥምቲ ኣብ ዘይብሉ ስታድየም ናይ በይኖም ጸወታ ንምርኣይን ቲፎዞ ክትከውን ምጽባይ ማለት ብጸሓይን ንፋስን ንምውቃዕ እንተዘይኮይኑ ትርፊ’ብሉን። ንሳቶምን ኣተሓሳስብኦምን ካብ ውድቀቶም ተማሂሮም ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ ብዘይምኽኣሎም ብሞያ’ውን ከምዝሞቱ ስለዘረጋገጹ ድማ’ዩ ሃገር ብስደት ብድኽነትን ሞትን ትበርስ ዘላ።

ስለ’ዚ ነቲ ብሂወት ዘሎ ምእንቲ ክርህዎ፡ ኣንጻር ድኽነት ምእንቲ ክዋፈር ዓቕምና፡ ኣብ ገዝኡ ምእንቲ ክሓድር ህዝብና’ምበኣርከስ፡ ኣንፈት ናይ’ዚ ህሉው ኩነታት’ዚ ኣብ ግምት ካብ ዘየእቱ ና’የተሓሳስባ ድርቅና ይሰውረና።

እንዳ ዝናን-ባህታን፡ ኣይተረኽበን ደኣ’ምበር እንተዝርከብ ኔሩ’ሲ፡ ካብ ኣመንቶምን ፈተውቶምን ኣብ እዝኖም ልግብ ኢሉ ሓዲሽ ሓሳብ ኡፍ ብምባል ትንፋስ ሰዂዑ ካብ ሞት ዘተንስኦም ናይ ፋሲካ ተኣምራት’ዩ ዘድልዮም ዝነበረ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ኢትዮጵያን ጸላእን ካብ ዘይፈሊ ናይ ውድቀቶም ጭቃ ሓጺቡ እቲ ዛዕባ ኤርትራዊ ካብ ዝኸውን ርብዒ ዘመኑ በሊዑ’ዩ ተበራበሩ ብምባል፡ ካብ’ቲ ፍርቁ ዘመኑ ዘሕለፈ ና’የተሓሳስባ ጎደፋ ኣናጊፉ ምስ ንጉስ ዕዳጋ ዘላዝቦም ፈታዊ’ምበር፡ መጋጥምቲ ኣብ ዘይብሉ ናይ ህልኽ መድረኾም ዘጣቕዓሎም ቲፎዞ ደጊም ኣየርበሖምን’ዩ።

ራእይ መራሕትና።

መጽሓፍ ህልቂት ወክድባ፡ ብኣምባሳደር ዘውደ ረታ ዝተጻሕፈት “የኤርትራ ጉዳይ….” ካብ ትብል መጽሓፍ ገለ ቑሩብ ሓሳባት ብምውሳድ፡ ረቪዥኒስት (ከለስቲ) (1, 190) ናብ ዝብል ባላ ክትምርኮስ ትፍትን’ያ።

ከምርኢቶይ ናይ ኣምባሳደር ዘውደ ረታ መጽሓፍ፡ ብዘይምግናን ብዛዕባ ኤርትራ ካብ ዝተጸሕፉ መጻሕፍቲ ናይ ታሪኽ፡ ብወገናውን ስምዒታውን ኣረኣእያ ንዘይተኸስፈ ኣእምሮ ዝምግብ ትሕዝቶ ዘለዋ ዓባይ መጽሓፍ’ያ።

መጽሓፍ ናይ ኣምባሳደር ዘውደ ረታ ብዛዕባ ራእይ ሓንጸጽቲ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ፡ ከም በዓል ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣንን … ብዝርዝር ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪባቶ ዘላ ጸብጻብ ቀሊል መወዳድርቲ ዝርከበሉ ኣይኮነን። ምናልባት እዚ ናይ ህልኽ እዋን ዝሓልፍ እንተኾይኑ’ሞ ምስሓለፈ ግን፡ ንብዙሓት ተመራመርቲ ዝጠቅም ትምህርቲ ከምዘለዋ ብወገነይ ኣይጠራጠርን።

ዝኾነ ኾይኑ “የኤርትራ ጉዳይ .. “  ብዛዕባ ራእይ መራሕትና ከም ትሕብሮ፡

1) ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣን (ሀ) 10/04/1949 1045 a.m.  ንጉባኤ ፍሉይ ኮሚሽን ናይ ሕቡራት መንግስታት ካብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ኢትዮጵያና ኤርትራ ኣንድም ግዜ ኣብረው ያልኖሩ የኢትዮጵያ ነገስታቶች ወደ ኤርትራ ዘልቀው የማያውቁ፡ ሁለቱም ህዝቦች የቋንቋ ሆነ የባሕል፡ የታሪክ ሆነ የሃይማኖት ምንም ዓይነት ግኑኝነት የሌላቸው ናቸው።” (2, 243)

(ለ) “ሽሕ’ኳ ኤርትራ ንዘመናት ብዝተፈላለዩ ሓይልታት እንተተገዝአት ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ኣይትፈልጥን። .. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዝበሃል ናይ ሓባር ቁጠባዊ ረብሓታት’ውን የብላን፡ ድሕሪ ምባል ድማ ብጀኦግራፍያውዊ መንጽር እንተ ኾነ’ውን፡ ካብ ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ወደብ ጂቡቲ ዝያዳ ከም ዝጥዕማ ኣረድኡ።” (10, 335)

2) ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም (ሀ)”ናብ ንጉስ ሃይለስላሰ ካብ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ዝተወስደ ተባሂሉ ተጠቒሱ ካብ ዘሎ ጽሑፍ ድማ፡ …. “ግርማዊነትዎ በድል ኣድራጊነት ወደ ኢትዮጵያ እንደ ተመለሱ፡ ከጥቂቶች ባለንጀሮችየ ጋር ሆኜ፡ ይህችን ዛሬ ሰፊ የሆነችውን የኤርትራና የኢትዮጵያ ኣንድነት ማህበር መሰረትኳት። … ከሶስት ዓመት በበለጠ ዘመን፡ የዚች ማህበር መሪ ከተባሉት ሰዎች ኣንዱ ሆኜ በታማኝነት ኣገለገልኩዋት። .. የኤርትራ ህዝብ ከጣልያን ከተላቀቀ በህዋላ ወደ ኢትዮጵያ ለመግባት መናፈቅ የጀመረው፡ ለራሴ ምስጋና በመፈለግ ሳይሆን፡ ኣብዛኛው ምክንያት እኔ ባደረግኩት የጋዜጣ ስብከት ነው።” (2, 393) …… ዝብል ጽሑፍ ይንበብ።

(ለ) ቀንዲ ትሕዝቶ መልእኽቶም ኣብ’ዛ ዘረባ’ዚኣ እንክስማዕ ድማ http://www.youtube.com/watch?v=6eg1VS9UExU

ናይ “ዘውዲ” ዛዕባ’ዩ ዝመስል። ምናልባት ታሪኽ ናይ’ታ ምኒሊክ ካብ ዮውሃንስ ዝመንጠልዋ፡ ካበ’ኽሱም ናብ ሸዋ ዘግዓዝዋ ዘውዲ ንምዝካር እንተዘይኮይኑ እቲ ዕላማ ናይ መሰል’ምበር ናይ ዘውዲ ወይ ድማ ህርፋን ዝናን-ባህታን ኣይመስለንን።

ንንጽጽር ምእንቲ ክጥዕም እምበኣርከስ፡ ፕሮፈሰር ሃብቱ ገብረኣብ ካብ መጽሓፈ ኣምባሳደር ዘውደ ረታ ጠቒሶም፡ ኣብ መጽሓፎም ካብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ ክፋሉ ከም’ዚ ዝስዕብ ይንበብ፡

“Mr. Reta …. goes on to state his most insincere remark: “In the forty years we have lived together in th era of the Federation as well as complete unity, we should never forget that we Ethiopians have committed no offense against our Eritrean brothers.” (1, 2)

ብምቕጻል ድማ ፕሮፈሰር ሃብቱ፡  “The source of such utterance is either a total ignorance of the facts, …..”  ዝብል መንገዲ ሒዞም ይቕጽሉ’ሞ፡ ኣብ ገጽ 190 “Is it then any wonder that so many have picked up a revisionist history, as did Mr. Zewde Reta, who so boldly claimed that Ethiopia, either under Emperor Haile Selassie or under the dictatorship of Mengistu Hailemariam did nothing against Eritreans. The Onas and Wekidibas will beg to differ.” ክሳብ ምባል ይበጽሑ።

ኣምባሳደር ዘውደ ረታ ኣብ ካልኣይቲ ገጽ ናይ መጽሓፎም ዘስፈርዎ፡ “ከጸሓፊው” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ድማ እዚ ዝስዕብ ንባብ ይርከብ።

“እኛ በኢትዮጵያችን የምናምንና የምንኮራ ሕዝቦች፡ ኤርትራ ነጻ መንግስት ሆና በመገንጠልዋ ምንም ዓይነት ቅሬታ ኣይሰማንም። ኢትዮጵያዊነት ጎድቶናል፡ ነጻ መሆን ይጠቅመናል ብለው፡ ለብዙ ዓመታት ተዋግተው መለየትን የመረጡት ወንድሞቻችን ኤርትራውያኖች ስለሆኑ፡ በምርጫቸውና በውሳኔያቸው የምናዝንበት ምክንያት የለንም። እንደዚሁም በመካከላችን ያለውን የዘርና የባሕል ኣንድነት፡ ዛሬ ከቤተሰባችን ወጥተዋል ብለን መሰረታዊ የኣንድነት ታሪካችን ኣንክድም። በፈደሬሽን ኣስተዳደር ሆነ ብፍጹም ኣንድነት ዘመን፡ ኣብረን በኖርንበት በኣርባ ዓመታት ጊዜ ውስጥ፡ እኛ ኢትዮጵያውያን በወንድሞቻችን በኤርትራውያን ላይ ምንም ዓይነት በደል እንዳልፈጸንባቸው መዘንጋት የለባቸውም። የኣንድ ቤተሰብ ምርቶች በሆኑ ሕዝቦች መካከል ኣለመግባባት ቢፈጠር፡ ወይም በመንግስት በኩል የኣስተዳደርና የፍርድ ጉድለት ቢደርስ፡ ሁሉም በየመልካቸው ለየብቻቸው መታየት ይገባቸዋል እንጂ፡ በኣንድ ጎተራ ውስጥ ታምቀው በኣንድነት መወገዝ የለባቸውም።” ይብሉ። (2, 2-3)

ዝኾነ ኾይኑ ፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፕሮፈሰር ሃብቱ ብእንግሊዝ ኣብ መጽሓፎም ኣስፊሮሞ ዘለዉ ሓሳብ ካብ’ቲ ቀጺሉ ኣብ ትሕቲኡ ጠቒሰዮ ዘለኹ ኣምሓርኛ፡ ዝተተርጎመ እንተኾይኑ፡ እቲ ቛንቋ ኣሰር ውዕል ውጫለ ዝተኸተለ’ዩ ዝመስል። ዘሕዝን’ዩ።

ካብ ወክድባ ክሳብ ሽመልባ ዘሎ ዛዕባ።

“ካብ ፍጡራት ንደቁ ናብ ገዝኡ ክምለሱ ዝፈቕደሎም ወላዲ’ሲ ሰብ’ዩ።” ይብል ቢል ኮዝቢ። እንዳ ዝናን ባህታን ኣይስምዑ።

ኣብ’ዛ ስደትን ኤርትራውነትን መጻምዲ መሲሎም ዝረኣዩላ ዘለዉ ግዝኣት ዝናን-ባህታን ከኣ መንእሰያት ኤርትራ ወፊሮም ብሰላም ናብ ገዝኦም ካብ ዘይምለሱ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ብሽመልባ’ቢሉ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እናሰምዐት እዝኒ ክትዕመት እንተዘይመሪጻ ዓይኒ።

“There is nothing worse than the sort of mental cowardice which turns its back on facts and tendencies when they contradict ideals or prejudices.” (9, 193)

እወ፡ ኤርትራዊ ካብ ሕጻን ክሳብ ሽማግለ፡ ካብ ስንኩል ክሳብ በዓል ቁምጣ ስረ ይስደድ’ዩ ዘሎ። እቲ ካብ ግዝኣት ዝናን-ባህታን ኣምሊጡ፡ ብሂወቱ ዶብ ክሰግር ዕድል ዝገበረ ህዝቢ ኣብ ሽመልባ ምስዓለበ’ምበኣርከስ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዝሓሸ ዕድል ዘለዎ ሃገር ዝጸንሐ ወገኑ ናይ ንዋትን ናይ ሓሳባትን ደገፍ ብዓቢኡ ድማ ምድንጋጽ  ከምዘድልዮ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ክሳብ ሕጂ ይርአ ከምዘሎ ካብ’ቶም ኣብ ሽመልባ እግሮም ዝዓለበ ኤርትራውያን፡ ዝመሃሩን ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩን ኣባላት ይርከብዎም። ክሳብ ንዲግሪ ንማስትረይት ከምኡ’ውን ንፒ.አች. ዲ ከጽንዑ ኣብ ዩኒቨርሲታት ናይ ኢትዮጵያ ዝስልጥኑ ዘለዉ ዜጋታት ቁጽሮም ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ስለ’ዚ እዚ ሰናይ ተግባር’ዚ ምእንቲ ክቕጽልን ክስስንን፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕታትን ምሕጋዝን፡ ስረን ፖለቲካዊ ብስለትን’ዩ ከም ርኢቶይ።

ምናልባት ንጻዕርታት ናይ’ቲ ብሽመልባ’ቢሉ ሓሊፉ እግሪ ኽተክል ዝፍትን ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቂ ንምዝራብ ናይ ዶባት ምጥራርን ናይ ኲናት ሳዕቤናትን ብዘየገድስ፡ ከም’ቲ ኣምባሳደር ዘውደ ጽሒፎሞ ዘለዉ፡ ሓቆም’ዮም፡

“እኛ ኢትዮጵያውያን በወንድሞቻችን በኤርትራውያን ላይ ምንም ዓይነት በደል እንዳልፈጸንባቸው መዘንጋት የለባቸውም።” ክብሉ።

ብወገነይ ዕድል እንተዝረክብ ከኣ፡ ክቡር ኣምባሳደር፡ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ዝኾነ ይኹን ዓይነት በደል ከምዘይፈጸምና ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ክዝንግዕዎ የብሎምን ዝብል ማዕጾ መርሓኹ ኔረ።

እዚ ናይ ህዝብታት ምምስሳል ጽኑዕ ርስቲ’ዩ። ንሱ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ግን፡ ሕጂ’ውን ከም’ቲ ኣምባሳደር ዝበልዎ፡

“የኣንድ ቤተሰብ ምርቶች በሆኑ ሕዝቦች መካከል ኣለመግባባት ቢፈጠር፡ ወይም በመንግስት በኩል የኣስተዳደርና የፍርድ ጉድለት ቢደርስ፡ ሁሉም በየመልካቸው ለየብቻቸው መታየት ይገባቸዋል እንጂ፡ በኣንድ ጎተራ ውስጥ ታምቀው በኣንድነት መወገዝ የለባቸውም።”

ክበሃል እንከሎ ናይ ጸሓፋይ ሚዛን’ምበር፡ ምእንቲ ፖሊስ መንግስታት ኢትዮጵያ ዝጣበቕ ፖለቲካዊ ሽርሒ ኣይመስልን’ዩ።

ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ፈታኒ እዋን ድማ፡ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ናብ እንግድዓ መንግስቲ ምድርባይ፡ ናይ ህዝቢ ዛዕባ ድማ ንባህልን ንሃይማኖትን ምግዳፍ፡ ዘሕፍር ወይ ድማ ዘፍርሕ መኣስ ኮይኑ። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣዝዩ ጥቡቕ ናይ ህዝብታት ምቅርራብ ካብ ዝተዓደላ ሃገራት ድማ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ኣብነት ክጥቀሳ ዝኽእላ’የን።

ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሎ መንግስታት ተባኢሶም፡ ወተሃደራት ተኣዚዞም፡ ህዝብን ሃብትን ከምዝበረሰ መን ይኽሕዶ። እንተኾነ ግን ባእሲ መንግስታት ካብ ዓቕምን ባህልን ህዝብታት ኣዝዩ ርሑቕ’ዩ። ስለ’ዚ ቀደም ንጉስ ዝበሎ ቀጺሉ ደርጊ ዝገበሮ ዝብል ጸብጻብ ደጊም’ሲ ይእከሎ’ሞ፡ ህዝቢ እንታይ ይብላ’ሎ ዝብል ሚዛን ይቀበሎ።

ሽዑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዉታቶም ዘኪሮም፡ ንሓድሕዶም ተጸናኒዖም፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምንብባር ኣይክእግሞምን’ዩ።

ስለ’ዚ እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ከም’ቲ ኣምባሳደር ዘውደ ረታ ዝበልዎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይተበዳደሉን፡ ዝብል ዘረባ ምድጋም፡ ንምንብባር ምእንቲ ክጥዕም ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ሓቂ ኢዩ። ዝበደሉ መንግስታት’ዮም። ንሳቶም ድማ ሓለፍቲ’ዮም።

መን’ፈልጥ ብተግባራት ናይ ሓደ-ኽልተ ወልቀ ሰባት ወይ’ውን ብርክት ብዝበሉ ሰባት ዝተፈጸመ በደል እንተሎ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘለዉ፡ ናይ ታሪኽ ናይ ባህሊ ከምኡ’ውን ናይ ሃይማኖት ናይ ሓባር ረቛሕቲ፡ ክኣልይዎ ዝኽእሉ ዛዕባ’ዩ።

ኣብ ወክድባ ዘላ ቤተክርስትያን ናይ ማርያም ቁስቋም ግብጻዊት’ያ ትመስል ዝብል “ማይ ቀጢኑ” ዝዓይነቱ ፍልልይ ሃሰስ ክበሃል እንተዘይተደል’ዩ፡ ተመሳሳሊ ታቦትን ህንጻ ቤተክርስትያን’ውን ኣብ ኢትዮጵያ፡ http://am.wikipedia.org/wiki/%E1%89%81%E1%88%B5%E1%89%8B%E1%88%9D_%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D ከም ዘሎ ክርሳዕ የብሉን።

ስለዝኾነ ድማ ነቲ ጨኒቑዎ ዘሎ ህዝቢ ምእንቲ ክርህዎ፡ ምኹስኳስ ናይ’ዞም ናይ ሓባር ረቛሕቲ ንመራሕቲ ሃይማኖት፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ንመራሕቲ ሃይማኖት ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብዝያዳ ዝጸሉ’ዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

መጽሓፍ ህልቂት ኣብ ወክድባ ናብ መወዳእታ ገጻ ክትቀርብ እንከላ “genocide” ዝብል ቃል’ውን ትሕውስ’ያ። እወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገለ ካብ’ቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝኣተዉ ናይ ደርጊ ሰበስልጣን ካብ ቤት ማሕቡስ ፈቲሕዎም ንዝብል ስጉምቲ፡

“It was a shock to every one when BBC reported on June 12, 2001 the sudden acquittal and release of the men …. All of the defendants were indicted on charges of genocide and crimes against humanity committed …. in the former Eritrean province …”  (1, 189-190)

ከም መመላእታ ወሲኻ’ያ ናብ መደምደምታ ትበጽሕ። “It was a shock to every one …. ?     እዚ ኣበሃህላ’ዚ’ውን ኣብ ቦትኡ ኾይኑ፡ ካብ’ቲ ዝተወሰነ ውሳኔ ዝፍለ እንታይ’ዩ ዝድለ? ኣብ ኢድካ ንዝወደቐ ምሩኽ ክትርሽኖ ወይ ድማ ክትቅንጽሎ’ኮ ቀሊል’ዩ። በደሉ እናፈለጥካ ክትምሕሮ ግን ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፡ ከመይ’ሲ ትዕግስትን ምዝካር ትምህርቲ ወለ’ዝግን ስለዝደሊ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ስርሒት ፎርቶ ና’የስመራ ዝጠለቦ ወይ ድማ ከም’ቲ ታንኪ ወዲ ዓሊ ካብ ኣርያፖርቶ ክሳብ እንዳ ሚክኤል ጸጸራት ዘብጽሓቶ ቡስጣ ዝበሎ፡ ኢሳይሳ ሊንጎ በሉ ይኣኽለኒ ሕራይ፡ ካብ በልኩም’ሲ እነሀዉ’ቶም ክሳብ ሕጂ ብሂወቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረይ ዝጸንሑ እሱራትኩም ፈቲሐልኩም፡ ቅዋምኩም ድማ ከተተግብርዎ እንተደሊኹም እነሀ ወረቐትኩም እንተዝብል ኔሩ’ሲ፡ እንታይ ምተፈርደ ኔሩ ዝብል ሕቶ ንህዝቢ ዝግደፍ ዛዕባ’ዩ። ህዝቢ ድማ መሃርን መሓርን’ዩ።

ምስ’ዚ ኩነታት’ዚ ኣተሓሒዘ ክዝክራ ዝደሊ ተወሳኺት ድምቕቲ ኣብነት ኣላትኒ።  ሓንቲ መዓልቲ ብሰሚናር መልክዕ ክምህሩና ንዝዓደምናዮም ክቡር ኤርትራዊ ፕሮፈሰር (ስሞም ንግዜኡ ኣይጠቐስኩዎን)፡ ሓደ ካብ መንጎና፡ “.. ፕረሲደንት ኢሳያስ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ፍቓደኛ’የ እንተዝብል፡ ብዝሓለፈ በደሉ ከም ርኢቶኹም ምመሓርኩሞዶ? ትብል ሕቶ እንክምልሱ፡ “ንመጻኢ’ውን ደም ምእንቲ ከይፈስስ እወ ምመሓርኩዎ” በሉ። “በከመ ምሕረትከ ኣምላክነ ወኣኮ በከመ ኣበሳነ።” ዝተባህለ’ውን ስለ’ዚ ስለዝኾነ። ምሕረቱ የውርደልና ማ’ጨሎቱ ይንጸገልና ሓወይ ሓውተይ የበሃህለና ካብ ኣወል ክሳብ በረካ ቡን ኣፍሊሕና ብሰላም ነውግዓሉ መኣዲ’ፍጠረልና። ኣሜን!

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን!

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ  This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

References:

1.     Massacre At Wekidiba: The Tragic Story Of A Village In Eritrea.

2.    የኤርትራ ጉዳይ (1941 – 1963) ዘውደ ረታ

3.    International Crisis Group Working To Prevent Conflict Worldwide.

Eritrea: Scenarios for Future Transition Africa Report # 200,  03/28/13

4.    Chatham House Briefing Paper. Djibouti: Changing Influence in The Horn’s Strategic Hub – David Styan

Africa Programme April 2013 AFBP 2013/01

5.     The Economist 04- 10 - 2013 page 49

Djiboutiville – A strategic Port is booming yet politically unstable

6.    Eritrea and Ethiopia The Federal experience – Dr. Tekeste Negash

7.    The Wall Street Journal 05/ 11-12/2013

8.    War Is a Force That Gives Us Meaning – Chris Hedges

9.    The Clash of Ideas :-  Foreign Affairs

10.   ኣይንፈላለ (1941 – 1950) - ኣለምሰገድ ተስፋይ

11.    ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ (1951 -1955) - ኣለምሰገድ ተስፋይ

12.   We wish to inform you that tomorrow we will be killed with our families – Phillip Gourevitch

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...