አብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኩልና ከም ዝተዓዘብናዮ አብ ዋሽንግቶን ዲስ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈረንስን ተኻይዱ እዩ። አብቲ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ብዘይ ምግናን ሓመድ ድብ ህግደፍ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከአል። እቶም ቀደም ቁንጣሮ ዝበሃሉ ዝነበሩ ክንድ ሽሕ ፈርዮም። እቶም አሽሓት ኢና ኢሎም ዝጅሃሩ ዝነበሩ ድማ አብ ሓደጋ ወዲቑ ዝጸንት ከም ዘሎ እንስሳ ቁንጣሮ ምትራፎም ርኢና። መቸም ጊዜኡ ዓኾዃይ ገዓት ሓምሊ ዉጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ እዩ ዘብል። እሞ ደላይ ፍትሒ፡ ሰላምን ደሞክራስን ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ ትስፉዉ፡ ውድቀት ህግደፍ ዘበሰረት በዓል ናጽነት አብቀዓካ ይብል።

ናብቲ ቀንዲ መበገሲ ጹሑፈይ ክምለስ፡ ሃገራዊ ዕማም ኩሉ ጊዜ ዉፉይ የድልዮ። እወ ነብሱ አብ ቅድሚት ዝሰርዕ ብገንዘቡ፡ ብጉልበቱን ፍልጠቱን ዝብጀው ሓቀኛ ተቓላሲ። መደረ ብዘይ ተግባር ከንቱ እዩ። ብመደረ ሓራ ዝወጸት ሃገር የላን፡ ንድሕር ሕጂ’ውን አይክትህሉን እያ። ስለዚ እየ ኸአ ብዛዕባ ገብሪሂወት አቡ ዓሸራ ወይ ድማ ፓልቶካውያን ብበርበረ ንእትፈልጥዎ ሓርበኛ ብስም ኩልና ከመስግኖ ዝመረጽኩ።

አቡ ዓሸራ ድሕሪ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቭ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲርዎ ድቃስ ሲኢኑ እዩ ወሪሑ። እንዳደወለ ድማ ልክዕ ከም ናይ ጀኔቭ አብ ዋሽንግቶን ዲሲ ክንገብር አለና ክብል ነዓይ’ውን ድቃስ ከሊኡኒ። ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ ድማ ነቶም ክሕግዙኒ እዮም ዝበሎም ኤርትራውያን ጸዊዑ ነቲ መደብ ብዕሊ ጀሚርዎ። እቲ ሓሳብ ካብ ምዕራብ ናብ ምስራቕ ካብ ሰሜን ንደቡብ ተወንጪፉ ድማ ከም ደመና ሰሪቡ አብ ዲሲ ዓርቢ ዕለት 24 ግንቦት ከም ቡርቱዕ ማይ ዘኒቡ። እወ ዝሓለፈት መዓልቲ ናጽነት ድቂ ሓርነት ዝሓዘት ጥንስቲ ኮይና ኢና ረኺብናያ።

አቡ ዓሸራ ውፉይ መወዳድርቲ ዘይብሉ ተቓላሳይ እዩ። ዝኾነ ይኹን ደላይ ለውጢ መደባት ምስ ዝገብር አቡ ዓሸራ ቅድሚ ሰቡ ደበኽ ይብል። አኼባ ቆጸራ ሓበሻ ኮይኑሉ አብ ዘሎ እዋን አቡ ዓሸራ ደንጉዩ መጺኡ አይፈልጥን። ዋላ’ውን አገዳሲ ስርሑ ጠንጢኑ እዩ ዝመጽእ። ሓገዝ ገንዘብ ወይ ውጽኢት ምስ ዝህሉ ቅድሚ ማንም ሰብ ጅብኡ ሃሰስ ዝብል ገብሪሂወት አቡ ዓሸራ እዩ። እንተ ንአባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሓደ ካብቶም አባልገና እዩ።

አቡ ዓሸራ አብ ዝሓለፈ እዋን እውን ንስርሒት ፎርቶ ንምድጋፍ አብ ሰሜን አሜሪካን ካናዳን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ አበጋሲ ምዃኑ እውን በዚ አጋጣሚ ከዘኻኽር  ይደሊ። አቡ ዓሸራ ከምቲ መጀመር ሰውራ ዝተባህለ፡ ገብሪሂዎት አቡ ዓሸራ እውን ጀማሪ ሰላማዊ ሰልፍታትና ኮይኑ ንረኽቦ። አቡ ዓሸራ እዚ ኩሉ ዝገብር ስቓይ ህዝቡ አብቂዑ፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተተኺሉ ንኽርእይ እምበር ንኽሙገስ አይኮነን።

ኮንፈረንስ ዋሽንግቶን ዲሲ ክንደይ አወንታውን ርእሱ ዝኸአለ አሉታውን መዳያት ዝተዓዘብናሉ ምንባሩ አብ ቦትኡ እንዳሃለወ፡ አቡ ዓሸራ ሳላ ቅዱስ ሓሳብ ዘንቀለ ደለይቲ ፍትሒ ተአኪብና ዕውት ስራሕ ምስራሕና ብሓቂ ታሪኻዊ እዩ ኔሩ። በዚ አጋጣሚ ንሓርበኛ ተቓላሳይ አቡ ዓሸራን ገዳይም ተቓለስቲ አቦታትን አዴታትን እንቋዕ ፍሬ ጻዕርኹም ክትርእዩ አብቀዓኩም ይብል።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ሰሎሞን ገብረእየሱስ ኦክላንድ ካሊፎርንያ

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...