ብኣወልኼር ዓብዱልሓፊዝ

ካብቲ ንምሁራት ምህሮኦም ፡ ንሱልጡናት ስልጣኔኦም ፡ ንምእመናን ሓቀኛ እምነቶም ዘንጸባርቕ ቀንዲ ጉዳያት ብጌጋኻ ምእማንን ምእራምን`ዩ። እቲ ዝለዓለ ደረጀኡ ኸኣ እቲ ኣብተን ዝሰልጠና ሃገራት ዝረኤ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ብናይቲ ንስኻ ትመርሖ ሚንስቴር፡ ትካል፡ ማሕበር ወዘተ ኣባላት ዝተፈጸመ ጌጋ ምስ ዝህሉ ካብ ምእማንን ካብ ይቕሬታ ምሕታትን ሓሊፍካ ናይ ስልጣንካ ምልቃቕ(resign) ስጉምቲ ምውሳድ ኢዩ።

ኣቶ በረኸት ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ሬድዮ ኤረና ቃለ-ማሕተት መደብ ተኣንጊዶም ብዛዕባ  ቅዋም ክሕንጸጽ እንከሎ ክሕንጽጽዎ ዝግባእ ዝነበረ ዘይተገብረ ተሓቲቶም ክምልሱ እንከለዉ ሓደ ካብቲ መልስታቶም "ናይ ኤርትራ ዕላዊ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረበኛን ኢልና ዘይምሕንጻጽና" ክብሉ መሊሶም።

እዚ ንዶክተር በረኸትን ብጾቶሙን ናይቲ ግዜ`ቲ ጌጋ ኾይኑ ሕጂ ኻኣ ንኹልና ትምህርቲ ኢዩ።ስለዚ`የ ኸኣ ኣብቲ "መርገጽካ መስትያት ባህርያትካ`ዩ"ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጸሓፍኩዎ ሓተታ "እቲ ንጉባኤ እንውክሎ ባእታ  ኣብ ጉዳይ ቋንቋ፡ ዓረበኛን ትግርኛን ዕላውያን ቋንቋታት ኤርትራ ኢልካ ምእማን ንሃገራዊ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ዝህቦ ዓቢ ድፍኢት ብምስትብሃል ዓቢ ኣቃልቦ ዝገብር" ንኽኸውን ዝተላበኹ።

ዝኾነ ኾይኑ እዝን እትን ካልእን ኣጸናቢርካ እዚ ጉዳይ`ዚ ሰብ ጸቢብ ጎረሮ`ውን ተጸሚሞም ንክውሕጥዎ ዘዕግብ ይመስለኒ።

ኣቶ በረኸት በቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝነበሮም ቦታን ደረጃ ትምህርቶሙን፤ ዘይስነፍልጠታውን ዘይልምዳውን ብዝኾነ መንገዲ መሬትን ህዝብን ክጉዘ እንከሎ፤ከምኡ ኸኣ መንነትና እዚ`ዩ፥ ብኡ ኸኣ ክንፍለጥ ይግባእ ኢሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንዝቐረቡ ዓበይቲ ደቂ ጀበርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑ ክግበር እንከሎ፡ ነቲ ጌጋ ነዚ ኸኣ ዓገብ ዘይምባሎም ዘይንርሰዖ`ኳ እንተኾነ፤ ሕጂ ግና ንደረጃ ፍልጠቶም ብዘንጸባርቕ መንገዲ ኣብ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳላስ ቴክሳስ ተረኺቦም ካብ ሓደ ኣኸበኛ (ኣቶ ሙስጦፋ መ/ኑር) ንጀበርቲ ብዝምልከት(ንፉልይነቱ) ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ ቀጥታውን ሓፈሻውን ንጹርን ብዝኾነ መንገዲ እዚ ዝስዕብ ነይሩ፡-

"ዝኾነ ይኹን ኣካል ሕብረተ-ሰብ እዚ ኢዩ መጸውዒየይ እንድሕሪ ኢሉ ብኡ ንኽጽዋዕ መሰሉ ኢዩ። ህዝቢ ጀበርቲ`ውን ብብሄር ትግርኛ ክጽዋዕ ኣይደልን ኢየ ብጀበርቲ`የ ክጽዋዕ ዝደሊ እንድሕር ኢሉ ብጀበርቲ ክጽዋዕ መሰሉ ኢዩ" ዶ/በረኸት

እወ! ንሓዋሩ ዘይራኸብ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ክልተ ሓቂ የለን። ሓቂ ሓንቲ`ያ። ብደረጃታት ክንቀርባን ክንርሕቃን ከኣ ዘሎ`ዩ።ብዘይካ ምስቶም ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎም ምስቲ ኻልእ ብዕግበት ጥራሕ እንፈላሌ ሸነኽ ውዒልና ሓዲርና ኣብ ሓደ መስቀላዊ መንገዲ ተራኺብና ናብ ሓደ ገጽ ከም ንምርሽ ርግጸኛ ኢየ።ከምኡ ስለ ዝኾነ ኸኣ ምስ ርእይቶ ዶክተር በረኸት ኣብ ጉዳይ መጸውዒ መንነት ኣብ ሓደ መስመር ምርኻበይ ደስ ይብለኒ።ነዚ ምርኻብ ዘርእይ ክልተ ሓቅታት ከኣ ካብቲ ንዝመጽእ ጉባኤና ኣብ ግምት ኣእትየ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጸሓፍኩዎ ክልተ ሓተታ ዝተዋጸኤ ክኸውን`ዩ፡-

" ኣብ ጉዳይ መንነት፡ መንነት"ብሄር" ንምንጻር ዝተወስደ መለክዒ ዘይስነ-ፍልጠታውን ላህመታውን ምንባሩ፡ ብተወሳኺ ስነ-ልበናዊ ዝምድና ደቂ ሰባት ውህቡን ብተፈጥሮ ዝምዕብልን ዳኣምበር ኣብ ናይ ፖለቲካ ፋብሪካ ዝእለም ከምዘይኮነ ፡ ከምኡ ኻኣ ዝኾነ ክፋል ሕብረተ-ሰብና በቲ ንሱ ዝደልዮ መፍለጢ ክፍለጥ / ክጽዋዕ/ መሰሉ ምዃኑ፡ እዚ ኻኣ ንደሞክራስያውያን ዘየሰክፍ ንሃገር ካኣ እንተዘየኽሲቡ ዘየኽስር ምዃኑ ዘረጋገጸ" ካብ ሓተታ "መርገጽካ መስትያት ባህርያትካ`ዩ" ዝተወስደ።

" ኣብቲ ህዝብና ብዓቢ ተስፋ ዝጽበዮ ዘሎ ንጉዕዞ ተቛውሞ ህዝቢ ኤርትራ ዓይነታዊ ለውጢ ክገብረሉ`ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበሮ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ፤ ጉዳይ ብሄራት ንጹር ኣብ ምግባር ክዕወታ ኣለወን ጥራሕ ዘይኮነስ ንብድሕሪ ሕጂ`ውን ንዝኾነ ፍሉይነት ኣለኒ ዝብል ኣካል ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝደልዮ ስያመ ክጽዋዕ ማዕጾ ሩሑው ክኸውን ክገብራ ኣለወን። 9 ድየን 19  ንኤርትራ ዝውስኸላ ጾር የብሉን ። ነዚ ከም ኣካታዒ ጉዳይ ጌሩ ዝወስዶ ሸነኽ እንተሎ ኸኣ ………………………………………  ሃገረይ ረቢ ይኹንኪ !!! "ካብ ሓተታ"ብሄራዊ ውዳበ" ዝተወስደ።

ሕጂ`ውን ሃገረይ ረቢ ይኹንኪ !!!!!! እንተተጋግዮም ተጋጊና ዝብሉ፤ ካብ ጌጋኦም ዝመሃሩ፤ ዘይረግጹ ዘይርገጹ ይስፈሩኺ።

ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...