ብጥብቂ ንኹንን

ናብ ክቡራትን ክቡራንን ተወከልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ብሓባር፡

ንሕና ኣብ ኩሉ ዞባታት ዓለም እንርከብ ሃገራውያን ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንቃለስን ክንዋሳእን ዝጸናሕናን ዘሎናን ኢና። ከምቲ ኣብ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ዘዔወትናዮ ሕጂ እውን ሃገራዊ ጉባኤ ብዝበለጸ ደረጃ ዕውት ክኸውን ብወከልትና ንተኣማመን ኢና።

ካብ’ዚ ቀጺልና እምብኣር ምስጓግ ኮሚሽነር ዳኒኤል ተወልደ ካብ ኮሚሽን ብኮምሽን ዝተፈጸመ ሕጋውነት ስለዘይብሉ ከነፍልጥ ንደሊ። ከመይሲ ኮምሽነር ዳኒኤል ይኹን ጠቅላላ ኮምሽነራት ብወክልቲ ውድባትን  ህዝብን ኣብ ዝተጋብኤ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዙን ዝተወከሉን ኮይኖም፡ ሓላፍነቶምን ስርሓቶምን ተሓታትነቶምን ድማ ንኣብዝጋባእ ሃገራዊ- ጉባኤ ዘውርዱ እንክንሶም፡ ብኢደ ወነኖም ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ኣብልዕሊኡ ምውሳዶም ኢዩ። ኮሚሽነር ዳኒኤል ብሱልን በሊሕን መንእሰይ ምዃኑ ብኹላትና ዝፍለጥን ዝምስከሮን ጸኒሑን ዘሎን’ዩ። ይኹን’ምበር ዓመትን ገለ ኣውርሕን ሓላፍነታዊ ዝመልኦ ተወፋይነትን ወርቃዊ ስዓቱ ከይበቀቀን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንሃገራዊ ጉባኤ መዓልታት ክተርፎ ብመራሕቲ ኮሚሽን ኣብ ህግደፍ ኢድ ከምዘለዎ ጠርጢርና ብማለት ናብ ናይ ኢትዮጵያ ሓለዋ ጸጥታ ንሱን ኮምፒተሩን ክምርመር ከምዝተገብረን ከምዝተመርመረን ክንፈልጥ ኪኢልና። እምብኣር ካብዚ ብምብጋስ ነዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ክልተ ሕቶታት ናብ መራሕቲ ኮምሽን ነቕርበን።

1- መራሕቲ ኮሚሽን ንኮሚሽነር ዳኒኤል ተወልደ ምስ ህግደፍ ኢድ ኣለዎ ኢሎም ክኸስዎ እንከለዉ ንጹር ዝኾነ ጭብጥታትን ሓቅታትን ብግሉጽ ከቕርቡልና ንጠልብ። ከቕርቡ እንተዘይክእሉ ኮይኖም ግን ጸለመ ኮይኑ ስለዝተርፍ ብጸጥታዊ ዓይኒ ዘሕትት ስለዝኾነ ንኣሉታዊ ሳዕቤኑ ብሓላፍነት ክሕተቱ ንጠልብ።

2- መራሕቲ ኮሚሽን ንመሳርሕቶም ኮሚሽነር በየናይ ፖለቲካዊ መምርሕን በየናይ ዓይነት ገበንን ንኮሚሽነር ዳኒኤል ካብ ኮምሽን ክእግድዎ ወይ ክኽልክልዎ ኪኢሎም? ብፍላይ ድማ ኣብ ዋዜማ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ምስ ኣኸለ ካብ ኮምሽን ክኣልይዎ ምውሳኖም እንታይ ዕላማ ዘለዎ እዩ?

ምሕጽንታ፡

ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ፡ መራሕቲ ኮምሽን ግሉጽነት ብዘይብሉ ኣጋባብ ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ኮሚሽነር ዳኒኤል ዝወሰድዎ ስጉምትታት ኣትሪርና ንነጽጎ። 53 ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ብምሉኣቶም ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ቐሪቦም ጸብጻቦም ከቕርቡ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሃቦም ሓላፍነት እዩ። ስለዚ ኮሚሽነር ዳንኤል ጸብጻቡን ሓሳቡን ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ከቕርብ ግድነታዊ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ብውሕሉልን ጽፉፍን ኣጋባብ ክፍታሕ ብተገዳስነትን ኣኽብሮትን ምሕጽንታና ነመሓላልፍ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ዕንወት ንጕጅለ ህግደፍ!!

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!!

ሕዳር 18, 2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...