(በረኸትኣብ ሃብተማርያም)

ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቅዋም ኣሚሙ ኣሎ፡ ነዚ ከኣ ተጋባእቲ ተኻቲዖም ከጽድቕዎ ኢዮም። ብድሕሪኡ ዝስዕብ ሕቶ ድማ ምጥርናፍ ናይተን ውድባት ኢዩ። እዚ ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ቅዋም ትርጉም ዝህልዎ ሓድሽ ጥርናፈን ሓድሽ ቅርጽን ዘበግስ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። እዚ ሓያል ጸቕጢ ዝሓትት ጉዳይ ኢዩ፣ ተጋባእቲ ድማ ተቢዖምን ተወዲቦምን ኪምክትዎ ትጽቢት ይግበረሎም። ተቓውሞ ብሓድሽ ቅርጽን ሓድሽ መሪሕነትነ ኪህደስን፡ ንኹሉ ዘሕብርን ዘሳትፍን ግንባር ኪምስረትን ኣለዎ። ተቓውሞ ናብ ሓድሽ ደረጃ ውዳበ ኪሰጋገር እንተዘይኪኢሉ ግን፡ ሓደ ኣፉ ከም ጲላጦስ ኢድካ ተሓጺብካ ነቲ ደምበ ምጥምጣኑ ኢዩ ዝሓይሽ።

እቲ ቀጺሉ ዝስዕብን ኣዝዩ ወጣሪን ሕቶ ግን ጉዳይ መሪሕነት ኢዩ። እቲ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ሓድሽ ምንቅስቓስ ዝምስረት ግንባር ፍጹም ዝተፈልየ ኪኸውን ኣለዎ። ከምኡ ምስ ዝግብር ጥራይ ኢዩ ነብስና ክንምርምርን ድኽመታትና ክንፈልጥን እንኽእል። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ኪካየድ ዝጸንሐ ተቓውሞ ዕላማኡ ኪወቅዕ ኣይከኣለን፤ ኣብ ክንዲ ናብ ጥርናፈን ሓይልን ናብ ምክፍፋልን ድኽመትን ኣተኵሩ ኪሰርሕ ብምጽንሑ፡ ኣብ ዓድን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብጸበብቲ ረቛሒታት ተፈላልዩ ግዳይ ፖለቲካን መናውራን ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምዃን ባይታ ፈጠሩ ኣሎ፤ ናይ’ዚ ጠንቂ ድማ መሪሕነት ተቓወሞ ምዃኑ ይፍለጥን ይእመንን። ስለ’ዚ፡ ሓድሽ ግንባርን ሓድሽ መሪሕነትን ከነቕውም እንተዘይኪኢልና እቲ ነገር “ውሃ ቅዳ፡ ውሃ መልስ” ኢዩ ኪኸውን።

ኣብ ሃገርና ዝርከብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ኣይተመሓየሸን፣ እኳ ድኣ ናብ ዝኸፍአ ኢዩ ዘምርሕ ዘሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ቁጽሪ ስደተኛታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት እንዳተዓጻጸፈ፣ ቁጽሪ ናይ’ቲ ኣብ በረኻታት ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ዝቕዘፍ ዘሎ መንእሰይ እውን እንዳወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ መንእሰያትና ብገዛእ ደቂ ዓዶም (ራሻይዳ) ኪሕረጁን ኪሕረዱን እንዳረኣየ፡ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. መንእሰያትና ንምድሓን ዝወሰዶ እንኮ ስጉምቲ የለን። እኳ ድኣ ምስቶም ገበነኛታት ተሰሪዑ ኣብ ዶብ በተመልከተለይ ይቐትል፣ ብሊብያ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን እስራኤልን ንዝተጠረዙ ይኣስርን የሳቕን ኢዩ ዘሎ። ተሃላላኽን ቂመኛን ብምዃኑ ድማ፡ ከም መራሒ ልዕሊ ኹሉ ዉዱቕ ይኸውን። ናይ ተቓውሞ መሪሕነት እውን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዝተነብረሉ ትጽቢትን ሓላፍነትን ኪትግብር ይትረፍ ከስማቕር ብዘይምኽኣሉ ምስ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብማዕረ እዩ ዝኹነን። ሎሚ፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሽግራት ብቕድመ-ግንባር ዝማጎቱሎም ዘለዉ መብዛሕትኦም ናይ ወጻኢ ትካላት ኢዮም፤ እዚ፡  ኤርትራውያን ወንን ፍትወት ሃገርን ከምዘይብልና ገይሩ ዘርኢ ስእሊ’ዚ፡ ብሰንኪ እቲ ሚዛኑ ሓሲሩ ዘሎ መሪሕነት ተቓውሞ ዝመጸ ሳዕቤን ምዃኑ ከይተሰመረሉ ኪሓልፍ ኣይግባእን። ኤርትራውያን ግን፡ ዉፉይን ራእይ ዘለዎን መሩሕነት ስለዝሰኣኑ፣ ስለ’ዚ ከኣ ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓሊፉ ካልእ ኪመርሕ ዝኽእል ሓይሊ የለን ናብ ዝብል ትንታኔ ስለዘምርሑ፣ “ዝነገሰ ንጉስና፡ ዝበረቐ ጸሓይና” ኢሎም ን ህ.ገ.ደ.ፍ. ክንብርከኹ ስለዝመረጹ እንተዘይኮይኑ፣ ኩነታት ህዝቢ ዘይፈልጥ፡ ንህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዘይምነ፡ ብማፍያዊ ጠባያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘይቁጣዕ ኤርትራዊ ኣሎ ክብሃል ኣይክእልን - እንትርፎ ዉሑዳት ወይጦታትን ኣጣቓዕትን።

ብዙሓት ጸሓፍቲ፣ ደምበ ተቓውሞ ተዳኺሙ ዝርከብ ዘሎስ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ስለዝኾኑ ኢዩ ዝብል ግርምቢጥ ትንታኔ ዝሓዘሉ ዓንቀጻት የቕርቡ ኢዮም። እዚ ግን ንባዕሉ ብኣንነት ዝተጠቕዐን ዝምቡዕን ኣመለኻኽታ ኢዩ። ናብ ታሪኽ እንተተመሊስና እኮ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ውሽጣዊ ጥርናፈ ኣጥፊኡ ብናይ ክልተታት ኣተሓሳስባ (ክርስትያንን ኣስላምን፡ ከበሳን ቆላን…ወ.ዘ.ተ.) ስለዝተዓብለለን፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ራእይን ክልሰ-ሓሳባዊ ሓይልን ከጥሪ ስለዘይከኣለን እኮ ኢዩ ተዳኺሙ በቲ ካብኡ ዝተፈንጨለ ንኡስ ሓይሊ ዝተሰነፈ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ድማ እዩ እቲ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ዝፈልስ ዝነበረ ህዝቢ ግምዕ ኢሉ ናብ ህ.ግ. ከምርሕ ዝመረጸ። ሕጂ እውን፡ ንደምበ ተቓውሞ ብራእይ ዝመርሕ፣ ኣብ ምክፍፋል ህዝቢ ረብሓ ዘይብሉ፣ ድሕሪ ህ.ግ.ደ.ፍ. ፖለቲካዊ ግደ ዘይጽበ፣ ኣሳታፈን ኣብ ምክፍፋል ስልጣን ዝኣምንን፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ኣብ’ዚ ህዝብና ግዳይ ናይ ድሑራት ሃይማኖታውን ዓሌታዊን ፍልልያት ኮይኑሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ድሑራት ስምዒታት ዘይጠሓለን  ዘይተጠላቐየን መሪሕነት ክሳብ ዘይመረጽና፣ ድኽመታትና ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዝድግፍ ዘሎ ህዝቢ ከነጣብቐሉ ምውዓል ካብ ምውርዛይ ሓሊፉ ካልእ ኪብሃል ኣይከኣልን። ስለ’ዚ፡ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኢልና እንተድኣ ተበጊስና ኣብ ለውጢ ንኣምን ኣለና ማለት እዩ፤ ለውጢ ድማ ምሉእ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ፡ ዳግመ-ውደባ ወይ ዳግመ-ስርርዕ (reform) እዩ ዝብሃል እምበር ለውጢ ኪብሃል ኣይከኣልን። ለውጢ እንተዲሊና ድማ፡ “የኣሳ ግማቱ ከጭንቅላቱ” ከም ዝብሃል፡ ካብ ዓንደ-ርእሱ ክንብገስ ኣለና። በዚ ምኽንያት’ዚ እዚ ኢዩ ድማ ሓድሽ መሪሕነት ዘድልየና ዘሎ።

እቲ ዝምረጽ ሓድሽ መሪሕነት ከመይ ዝበሉ ረቓሒታት ዘማልእ ኪኸውን ኣለዎ ዝብል ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ ኢዩ። ቅድሚኡ ግን፡ ንገለ ካብቶም ንተቐባልነት ናይቶም ህሉዋት መራሕቲ ዘስተናግዱ ግጉያት ግንዛቤታት (misconceptions) ኣልዒለ ክትንትን።

ሰውራዊ ተመኩሮ፦ እዚ፡ ብዙሕ ጊዜ፡ ንስልጣን ዝምረጽ ሰብ ሰውራዊ ተመኩሮ ኪህልዎ ኣለዎ እንዳተባህለ ስለ ዝዋጠ፣ እቲ ስራሕ ናይ ውሑዳት ሰባት ሕዛእቲ ንኪኸውን ዘገደደ ግጉአ ኣበሃህላ ኢዩ። ብቐዳምነት፡ ሰውራዊ ተምኩሮ ኪብሃል እንከሎ ዳርጋ ብእኡ ዘይሓለፈ ሰብ ስለዘየለ ንዉሑዳት ሰባት ጥራይ ዝምልከት ፍልጠት ኣይኮነን። እቶም ኣብ ጊዜ ሰውራ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሕጂ’ውን ንውድባት ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት፡ ካብ’ቲ ብሓፈሻ ኩሉ ተጋዳላይን ሓፋሽ ውድብን ዘሕለፎ ተመኩሮ ዝተፈልየ እንተልዩዎም ናይ ሽርሒ፡ ምግባት ስልጣንን ንሰባት ብስምዒታቶም ምፍልላይን እንተዘይኮይኑ ካልእ ንህዝቢ ጠሚሩ ከቃልስ ዝኽእል ፍሉይን ሃናጽን ተመኩሮ የብሎምን። ብናተይ ገምጋም፣ እቲ ሰውራዊ ተመኩሮ እንዳበልና ከም ናይ ሰባት መዐቀኒ እንጥቀመሉ ነጥቢ ጊዜኡ ዘሕለፈን ካብ ጽቡቑ ክፋኡ ዝዛይድን ብምዃኑ ነዚ ሕጂ ኣበጊስናዮ ዘለና ሓድሽ ዕማም ዘገልግል ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ፡ እዚ ተመኩሮ’ዚ ኣንጻር ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣንጻር መንእሰያትን ምሁራትን ስለዝኾነ ካብ ግምትና ኪርሕቕ ኣለዎ። ለውጢ ብኣገሪት ካባ ድማ ኣይግድን።

ውድባዊ መሪሕነት፦ እቲ ካልኣይ ግጉይ ግንዛቤ፣ እቲ ዝምረጽ ሰብ ተመኩሮ ውድባዊ መሪሕነት ኪልዎ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ። እዚ ብቐንዱ ምስ ዕላማ ናይ’ቲ ጉባኤ ዝራጸም ብምዃኑ ኪሕከኽ ዘለዎ ኢዩ። ማለት፡ ድኽመት ውድባት ነዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ዘበገሱ ቀንዲ ምኽንያታት ስለዝኾነ፣ እተን ውድባት ድኽመታት ኣለወን፡ ከስምራናን ከቃልሳናን ብቕዓት የብለንን ኢልና እንተድኣ ኣሚንና፡ ነቶም ዝመርሕወን ዘለዉ ሰባት እንቕበለሉ ምኽንያት ከቶ ኪህሉ ኣይክእልን። ናይዘን ውድባት እዚኣተን ተመኩሮ ናይ ምክፍፋልን ናይ ምፍሕፋሕን ስለዝኾነ ድማ፡ ሓለፍተን ነቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዕላማ ከገልግሉ ኣይክእሉን ኢዮም።

ውሽጣዊ ድርድር (Negotiation):- መሪሕነት ተቓውሞ፡ ኣብ ውሽጢ ውዳባት ይኹን ኣብ ውሽጢ እቲ ዘቖምኦ ኪዳን፡ ብዋጋ ዕዳጋ (ድርድር) ኢዩ ኪድመደም ጸኒሑ። ንኣብነት ኪዳን ክምስረት እንከሎ ኩለን ውድባት ንስዩም ሓረስታይ ናይ ኣቦ-መንበርነት ቦታ ተመባጺዔናሉ ነይረን ይብሃል። ብኸም’ዚ ብሽርሒ ዝምስረት መሪሕነት ነቶም ዝመረጽዎ እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ከገልግል ኣይክእልን እዩ። እዚ ከይከውን ድማ፡ ህዝቢ ብስቱር (ብምስጢር) ዝመርጸሉ ኣገባብ ኪተኣታቶ ኣለዎ።

ቀጺለ፡ ነቲ ወንዚፈዮ ዝሓለፍኩ፡ ማለት ንመሪሕነት ዝበቕዑ ሰባት ከማልእዎም ብዛዕባ ዘለዎም ረቛሒታት ብዝምለከት ቁሩብ ሓሳብ ክህብ፦

ዕድመ ተመረጽትን ዕድመ ሓላፍነትን፦ ሎሚ፡ ኣብ እዋን ነጻነት ህጻን ዝነበረ ወዲ 20 ዓመት ኮይኑ ኣሎ፣ እቲ ሽዑ ውዲ 30 ዓመት ዝነበረ ድማ ሕጂ ዓዲ-ውዒል ኮይኑ ኣሎ። ኣይተረድኣናን ድኣምበር፡ እዚ ዓለምና ናይ መንእሰያት ዓለም ካብ ዝኸውንስ ነዊሕ ጊዜ ሓሊፉ እዩ። ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተኻደ ምንቅስቓስ ናይ መንእሰያት ቃልሲ ኢዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ናይተን ሃገራት ቁጽሪ ህዝቢ ብዘደንቕ መጠን ስለዝተቐየረ። ኣብዘን ዝሓለፋ 40 ዓመታት ቁጽሪ ህዝቢ ሞሮኮ ብ121%፡ ቱኒዝያ ብ113%፡ ግብጺ ብ136%፡ ሊብያ ድማ ብ218% ወሲኹ። ኣባና እውን፡ ብዙሕ ምንእሰይ እኳ ናብ ስደት እንተምርሐ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ መንእሰይ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለ’ዚ እምበዓርከስ፣ እቲ ንደምበ ተቓውሞ ንኪመርሕ ዝምረጽ ኣካል ብዕድመ ምስ መንእሰያት ዝስራዕ ኪኸውን ይግባእ። ዕድመ ሓላፍነት እውን ደረት ኪግበረሉን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋን ዝተወሰነ ኪኸውን ይግባእ። ብዝተረፈ፡ ኣረጋውያን መሪጽና ከነብቅዕ ‘ራእይ ስኢኖም’ ኢልና ከነዕዘምዝም፣ ናይ ስልጣን ደረት ከየተኣታተና ድማ ‘ ምውራድ ኣብዮምና’ባ፡ ስልጣን ጥዒምዎም’ባ ’ ኢልና ክንሓሚ ኣየጥዕመልናን። ባዕላትና ዝፈሓርናዮ ጉድጓድ ስለዝኾነ።

ተራ ደቂ-ኣንስትዮ፦ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኮሚሽን ጉባኤ 51 ኮሚሽነራት ኪምረጹ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶ 3 (ማለት 6%) ጥራይ ደቂ-ኣንስትዮ ነይረን። እዚ ዘርኢ፡ እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ተጋባእትስ ይትረፍ እተን ሽዑ ዝነበራ ደቂ-ኣንሰትዮ እንተኾና እውን ንመሰለን ኪጣበቓ ኣይከኣላን፣ ገና ኣይተበራበራን ማለት እዩ። ግን፡ ፍርቂ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ደቂ-ኣንስትዮ እየን እንዳተባህለ፣ እሞ ኸኣ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እጃመን ዘበርከታ ክነሰን፣ ብተወሳኺ ጭርሖ ናይቲ ኣኼባ’ውን ‘ዲሞክራሲያዊ ለውጢ’ ዝብል ክነሱ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዘየለዋ ምቑጻር ናይ ጥልመት ጥልመት ኢዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. እኳ ብዓቕሙ ሓደ ሲሶ መናብር ባይቶ ንዓታተን ሓዚኡ፡ ንብዙሓት ድማ ካብ ሚኒሰተርነት ጀሚርካ ክሳብ ናይ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሓለፍቲ ገይሩ ሸይምወን ኣሎ። እንተኾነ መሰል ብውክልና ኣይረጋገጽን ኢዩ፣ ስለዚ’ውን፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝሰምር ደቂ-ኣንስትዮ ብሓላፍነት እንተ-ተንቀሳቐሳሉ ጥራይ ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ ደቂ-ተባዕትዮ እውን ኣብ ምትብባዐን ተራ ኪጻወቱ ስለዝግባእ፡ 50% ናይ መናብር መሪሕነት ንዓታተን ኪውሃብ ኣለዎ።

ተራ መንእሰያትን ምሁራትን፦ ኣብ ላዕሊ፡ ዕድመ ተመረጽትን ዕድመ ሓላፍነትን ንኪድረት ዘቕረብኩዎ ሓሳብ ብቐንዱ መንእሰያት ናብ ደረጃ መሪሕነት ንኪሰጋገሩ ብምሓሳብ እዩ። ናይ ምሁራት ጉዳይ ግን ገና ስራሕ ዝሓትት ጸገም ኢዩ። ኣብ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ኣኼባ ምሁራን ብምድናቕ ንዓደምቱን መወልቱን ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ብሓቂ ድማ፡ ከምቲ ዶ/ር ተስፋይ ስባህቱ ደጋጊሙ ዝብሎ፣ ንምሁራትና ባዕላትና ቀቲልናዮም ኢና። ሕጂ እንተ ዘይተዛረቡን እንተ ዘይጸሓፉን፣ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ተሰሪዖም ሓሳባቶም እንተ ዘየካፈሉን ናይ ትማሊ ስንብራት ገና ስለዘይተቐንጠጠ ጥራይ ኢዩ፤ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ክንደይ ሕማቕ ነገር ዘይተገብረ። ቀደምስ፡ ቀሺ እኳ ሓፍ ኢሉ እዩ ንምሁር ኮፍ ዘብል ዝነበረ፣ ሎሚ ኸኣ ሓደ-ሓደ ቀንጠመንጢ ተንሲኦም ብምሁራትና ከሽካዕልሉ ይውዕሉ ኣለዉ። ሕበረተ ሰብኣዊ ውርደትን ሕስረትን ማለት እዚ እዩ። ምግታእ ናይ’ዚ ፋሉላዊ ጠባይ’ዚ ቀዳማይ ስራሕ ናይ’ቲ ዝምረጽ ሓድሽ መሪሕነት ኪኸውን ኣለዎ። ኵኖ’ዚ ግን፡ ኵኖ’ዚ ቃልስና ዝዕወትን መጻኢት ኤርትራ ከም ትጽቢትና እትኸውንን ተራ ምሁራት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ተራ ዝስራዕ ምኻኑ ሓጺናዊ እምነት ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ ንምሁራት ዳግማይ ኣጣይስካ ግቡእ ቦታኦም ኣትሒዝካን መሪሕ ተራኦም ከም ዝጻወቱ ምግባር ወሳኒ ዕማም መሪሕነት እዩ። እቲ ንመሪሕነት ዝሕጸ ሰብ  ንባዕሉ ምሁርን፡ ካብ መሪሕነት ምስ ዝሰናበት ድማ ቁጠባዊ ጸገም ዘይብሉን ኪኸውን ከኣ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ተራ ብሄራት፦ ሕጂ ኣብ መስርሕ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብቐንዱ ናይ ብሄራት ቃልሲ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሎም ዲሞክራሲያዊ ጠለባትና ኣብ ውሽጢ ሕቶ ብሄራት ዝጠቓለሉ ስለ ዝኾኑ። ሽሕኳ ሕቶ ብሄራት ምስ ሃገረዊ ረብሓታት ተሳንዩ ምእንቲ ኪኸይድ ምትዕርራይ ዘድልዮ እንተኾነ፣ ናይ ብሄራት ማዕርነት ብግቡእ እንተድኣ ተሰሪሑሉ፣ ቃልስና ኪድንፍዕን ኪዕወትን፣ ናጻ፡ ጥምርትን ሰጓሚትን ሃገር ክንምስርትን ከም እንኽእል ዘጠራጥር ኣይኮንነ። እቲ ሓንቲ ኤርትራ ዝብል ጭርሖ እኮ እምነትን ራእይን እምበር፡ ሓድነትናስ ኣብ መስርሕ እንዳተረጋገጸ ዝመጽእን ብሕጂ ብዙሕ ስራሕ ዝሓትትን ክስተት ኢዩ። ድሮ ግን፡ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ፍልልያት ኪበታትኑና፣ ሰይጣናዊ ተልእኮ ዘለዎም ሰባት ብእምነትን ብብሄርን ኪሽቅጡ፡ ንህዝቢ ከዋቕዑ፡ ንቓልስና ድማ ንድሕሪት ኪመልሱ ለይትን ቀትርን ተንኮላት ኪኣልሙ ንርኢ ኣለና። ስለ’ዚ፡ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ንማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮን ማዕርነት ብሄራትን ዘይኣምን ቃለሲ ጽባሕ እውን ኪነፍዕ ስለዘይኮነ፣ እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ውክልና ብሄራት ዘረጋግጽ ኪኸውን ኣለዎ።

ብፕሮጀክት ዝሰርሕ ቅርጺ ምንዳፍ፦ እቲ ናይ ቀደም፣ ኣቦ-መንበር፡ ዋና-ጸሓፊ፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፊናንስን እንዳበልካ ቅርጽታት ምሕንጣጥ ጊዜኡ ዝሓለፈ ታኒካ ኢዩ፤ ዝኾነ ገረወላዕ፣ ኣቦ-መንበር፡ ዋና ጸሓፊ እንዳበለ ሳናዱቕ ምምላእ ኣይጽግሞን ኣዩ። ሕጂ ብፐሮጀክት እንሰርሓሉ ጊዜ በጺሑ ኢዩ። ሎሚ፡ ምምራሕ ማለት ዓዲ-ዓዲ እንዳዞርካ ኣኼባታት ምክያድ ማለት ኣይኮነን። እቲ ኣገባብ እቲ በልዩ ኢዩ። ሎሚ፡ ምምራሕ ማለት፣ ኮፍ ኢልካ ፡ ዝተወሰኑ መደባት ሓንጺጽካ ኣብ ዝተወሰነ ጊዜ ምትግባሮም ማለት ኢዩ። ንኣብነት፡ መሰልን ድሕነትን ናይቲ ኣብ በረኻታት ሲናይ ዝቕዘፍን ግዳይ ራሻይዳን በደዊንን ዝኸውን ዘሎ መንእሰይ ምርግጋጽ ከም ፕሮጀክት ምስ ዝውሰድ፣  ምንጪ ፊናንሲያውን ፖለቲካውን ደገፍ ምርግጋጽ፡ ንዋትን ዓቕሚ ሰብን ምውዳብ፡ መደባት ስራሕ ምውጻእን ምግምጋምን፡ ነዚ ኹሉ ድማ ናብ ናይ ጊዜ ሰሌዳ ምትርጓምን ዘጠቓልል ፕሮጀክት ይሕንጸጽን ይትግበርን። ከምኡ ድማ ካልእ። ኣብ መንፈቕ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ሰሚናር ምክያድ ግን ጫሌዳ ስራሕ (Part time) ኢዩ። ሕጂ ዝድለ ዘሎ ከኣ ምሉእ ጊዜ ዝሓትት ስራሕ ኢዩ። እቲ ናይ ቃልሲ ስራሕ ከም ጥብቆ ስለ ዝተራእየ እኮ እዩ ዘይተዓወተ። ስለ’ዚ፡ ነቲ ቃልሲ ለይትን መዓልትን ዝሰርሕሉ፣ ትምህርትን ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን ዘለዎም ሰባት ክንመርጽ የድሊ፤ ክሰርሑልና ኣለዎም ኢልና እንተ መዲብናዮም ድማ፡ ንመነባብሮ ዝኣኽሎም ገንዘብ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ክንስከም ይግባእ።

ብፕሮጀክት ዝምራሕ ቅርጺ ምውጻእ ማለት እምበዓርከስ፡ ሓደ ጠርናፊ ኪህሉ ግድን  እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ቅርጺ ብዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ምቛም፡ ወይ ከኣ ኣብ ውሽጦም ነቲ ስራሕ ብፐሮጀክታት ብዝመቓቕሉ ክፍልታት ምቛሙ ማለት እዩ። እዚ ቅርጺ’ዚ ከኣ  ንፕሮጀክታት ዝያዳ ሚዛን ስለዝህብ፡ ካብቲ ጠርናፊ ንላዕሊ እቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ቅርጺ ተሓቑፎም ዝርከቡ ኪኢላታት ዝያዳ ኣገዳስነትን ተፈላጥነትን ይረኽቡ፣ እቲ ቅርጺ ከኣ ናይ ኪኢላታት፡ ናይ ምሁራንን ናይ መንእሰያትን ቅርጺ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ቅርጺ ድማ ኣሳታፊ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሰብ ምሉእ ጊዜኡ ኣብ ናይ ቃልሲ ስራሕ ተመዚዙ ኪሰርሕ ስለዝግደድ፣ እንትርፎ ንሓጺር ጊዜ፡ ንነዊሕ እዋን ስልጣን ኪሕዝ ኣይክምነን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ስራሕ’ዚ ናብርኡን ሓዳሩን ንምእላይ እኹል ቁጠባዊ ምንጪ ዝህቦ ስለዘይኮነ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኢዩ ኣቐዲመ፡ እቲ ዝምረጽ ሰብ ‘ካብ መሪሕነት ምስ ዝሰናበት ቁጠባዊ ጸገም ዘይብሉ ኪኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኡዩ’ ዝበልኩ።            

ከም መደምደምታ እምበዓር፣ ሎሚ፡ ነቲ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን መዓልቱ ዘሕለፈን መሪሕነት ኣልጊስና ሓድሽ ተስፋ ዝህብን፡ ቋንቋ መንእሰይ ዝርዳእን ጉጅለ ናብ ስልጣን ከነምጽእ እንተ ኪኢልና፣ ብሓደ ወገን ንደምበ ተቓውሞ ሓድሽ ትንፋስ ንሰዅዓሉ፡ በቲ ኻልእ ድማ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ዘለዎ ስልጣን ነረጋግጽ ኣለና ማለት ኢዩ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...