ጻውዒት ንተኻፋሊን ደጋፊን ኤርትራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ እታ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ እትብል፡ ብሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝተዳለውትን ኣብ ህዝቢ ዝተዘርገሔት ሰነድ እያ። ኣነ ሰነድ’ዚ ብተገዳስነት ኣንቢበ ምስተረዳኣኒ፡ ኣብ ኣእምሮይ ብዙሕ ሕቶታት ተቐላቒሎም። ሓደ ካብቶም ሕቶታት፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንሃገራዊ ኮምሽን ዝሃቦ ሓደራ (ሓላፍነት) ፡ ንድሕሪ ጉባኤ ዝእቶ መድርኽ፣ ነቲ ብመገዲ ሃገራዊ ጉባኤ ክምስረት ዝድለ ዘሎ ትካላት፣ ዘገልግል፣ ቀያዲ ኮይኑ፡ ንምውዳቅ ስርዓት ህግደፍ ክሕግዝ ዝኽእል፣ ዶስ፡ ዋላ ድሕሪ ወድቀት ስርዓት ህግድፍ፡ ኣብ ሃገርና ምስእተና፡ ከገልግለና ዝኽእል፡ ቅዋም ንምንዳፍ እዩ ነይሩ …? ዝብል እዩ። እዚ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለ ሰነድ፡ እቶም ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ብደሞክራሲያዊ ቅዋምን ስርዓትን፡ ክትካእ እንቃለስ ዘሎና ደቂ ሃገር፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መጨረሻ ገጽ፡ ብግቡእ፡ ናይዚ ወይ ነይቲ ውድብ ወይ’ውን ሰልፊ፡ ጽግዒ ከይሓዝና፡ ከም ተራ ኤርትራዊ ኣንቢባን ክንርድኦ እንተፈቲና፡ ብትሕዝትኡ ምስ ኣርእስቲ ናይዚ ሰነድ’ዚ ዝጋጮ፣ ጨሪሹ ዘይቃዶን፡ ነጥብታት እዩ ዘሎው። ካብ መጀመርያ ክሳብ መጨረሻ ናይዚ ሰደድ’ዚ ዘለዉ ምዕራፋትን ዓንቀጻትን፡ ብግቡእ እንተተረዲእናዮ፡ ስርዓት ህግድፍ ታኣለየ፡ ቀዋሚ ባይቶን መንግስትን ምስተተኸለ፡ ክትግበሩን ክንሰርሓሎም ዘገልግሉና ነጥብታት እዮም።

እሞ እቲ ሓቀኛ ትሕዝቶ ናይዚ ሰነድ’ዚ ከምዚ ኣቀዲመ ዝሓበርክዎ፡ ከምዝኾነ ክንራዳዳእ ኢንተኽኢላና፡ እታ ኣብዚ እነቅርባ ካላኣይቲ ሕቶ፡ ከምዚ ትስዕብ እያ። ብዙሓት ካባና፡ ብፍላይ ካኣ እቶም፡ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚርና ክሳብ ሕጂ፡ ኣመራርሓን ኣታኣላልያን ህዝብን ሃገርን ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንቃወም ዝነበርናን ዘሎናን፡ ደቂ ሃገር፡ ነቲ ኣብ 1997 ዓ.ም.ፈ ብፍቃድ ስርዓት ህግደፍ ዝተነድፈ፣ ብባይቶ ዝጸደቀ ቅዋም፣„ኣብ ምንዳፉን ምጽዳቅን ናይዚ ቅዋም’ዚ ንሕና ተኻፈልቲ ስለዘይነበርና፣ ድምጽና ስለዘይሃብናሉ፡ ከም ቅዋም ሃገር ኤርትራ ኣይንቅበሎን፣ ኣይነለልዮን፡ ዝብል ክሲ ክነቅርብ ጸኒሕና ክነብቅዕ፡ ተመሊስና ንሕና ባዕልና፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ዘይተኻፈሎን ድምጹ ዘይሃበሉን፣ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ዝማሓደረሉ ቅዋም፡ ኣብ ስደት ኮይና ዝነደፍናዮን ዘጽደቅናዮን ሒዝናሉ ክንኣቱ፡ ዝተገብረ ጌጋ ተመሊስካ ምድጋም፡ ዝተፋእካዮ ተምላስ ተመሊስካ ምልሓስ፡ ዶ ኣየስምዕን …? ትብል እያ። ካብ ኩሉ ካኣ፡ ንስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣሊና፡ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካእ እዩ፡ እንቃለስ ዘሎና፡ እንዳበልና፡ ኣብ ስደት ዝነደፍናዮን ዘጽደቅናዮን ሃገራዊ ቅዋም፡ ንኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ሒዝናሉ ክንኣተ እተኾይና፡ ብድልየትና ክኸይድ፣ dictat ክንገብሮ ንዳሎ ከምዘሎና ዶ ኣየስምዕን …? ብተወሳኺ እውን፡ „ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ሃገር ኤርትራ ክትከል እናደለኻ፡ ብኣንጻሩ ግን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ንምትእትታው ትዳሎ ዲኻ“፡ ዝብል ሕቶ ዘላዓዕል ዶ ኣይመስልን …? እዚ ክብል እንከለኹ ግን፡ ብጌጋ ከይትርድኡኒ፡ እዚ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ኣንጻር ህግደፍ፡ ዝግበር ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ዝተነደፈ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ፣ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ንምትካል እዩ፡ ዝብል መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ኣይኮነን፡ ወይ’ውን ደቂ ሃገር ኣብ ምጥርጣር ንምእታው ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፡ ዝብል ጭርሖ ኩሉ ግዜ ስለእንጠቀም፡ ነዚ ጭርሖ እዚ ካበየናይ ኣረዳድእ ተበጊስና ኢና እንጥቀመሉ፡ ተመሊስና ክንርእዮን ክንማራመረሉን፡ ከዘኻኽር ስለዝመረጽኩ እዩ።

እቲ ዝላዓለ፡ ስክፍታይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰነድ’ዚ ግን፡ ብዘይ ድምጽን ተኻፋልነትን ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና፡ ኣብ ስደት ቅዋም ነድፍካ ናብ ሃገር ኤርትራ ሕዝካዮ ምእታው ዘሎ ድልየት፡ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ናዓይ ዝርብሸኒ፡ ትሕዝቶታት ናይዚ መሰጋገሪ ቅዋም እዚ እዮም። ንምርድዳእ ክሕግዘና ካኣ፡ ገለ ካብ ኣታቶም ኣብዚ ክገልጾም ክፍትን እየ። ቀዳማይ፤ ኣብ መእተዊ ኣብ (ገጽ 1.)፤ “ኣህጉራዊ ውዑላትን መለኮታዊ እምነታትትን ብዘቐመጦ መሰረት“፤ ዝብል ነጥቢ፡ ብፍላይ ካኣ እታ፡ „መለኮታዊ እምነት ብዘቐመጦ መሰረት“፡ እትብል ኣምር፡ ክትዋሓጠለይ ኣይካኣለትን። ምኽንያቱ፤ ናዓይ ከምዝርዳኣኒ፡ ደቂ ሰባት ሕጊ ነዲፎም ስርዓት ዝተኽሉ፡ ብቀዳምነት ስለ-ንጽድቂ ወይ እውን ሓጢኣት ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ፡ ኣብ ማዓልታዊ ናብርኦም፣ ህይወቶም ማለት፡ ናይ ምንባር ዕድሎምን ንብረቶምን፡ ብመሰረት ሕጊ ውሕስነት ንምልባስን ምርግጋጽን እዩ። ስለዚ ሕጊ ምስ ክውንነት ደቂ ሰብ ዳኣ እምበር፡ ምስ እምነት ዘራኽብ የብሉን። እምነት ከም መሰል ዳኣ እዩ ኣብ ሕጊ (ቅዋም) ክሰፍር ዘለዎ እምበር፡ ምንጪ ሕጊ ከኸውን የብሉን ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎኒ። ስለዚ ምንጪ ናይ ሕጊ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዳኣ እዩ ክኽወን ዘለዎ እምበር፡ ካብ „መልኮታዊ እምነት ብዘቐመጦ መሰረት“፡ ክብገስ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ፡ ብወገነይ ጌጋ እዩ።

ካላኣይ፣ ኣብ መእተዊ፡ ኣብ (ገጽ 1.)፤ „ዘይምእኩል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ሰርዓት ጋህዲ ንምግባር ንዋሳእ“፡ ትብል ነጥቢ ኣላ። ኣነ ነዛ ሓሳብ እዚኣ ምስ ራኣኹ፡ ቀልጢፋ ኣብ ኣእምሮይ ዝተቃላቀለት ሕቶ፣ እዚ ቅዋም እዚ ዝተነድፈ ቅድሚ ኩነት፡ ማለት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ኣብ ጉዳዩ ከምዝካፈል ቅድሚ ምግባር፡  ናይ ገለ ውድባት/ሰልፍታት ፖለቲካዊ ራኢ ንምዕዋት፣ ኣብ መሰጋገሪ እዋን ከምዚ ዛመሰለ political System ኣታኣታቲኻ ጸኒሕካ፡ ድሕሪ’ዚ ንህዝቢ ናዓኻ ብዝጥዕመካ ክትዝውሮ (dictat ክትገብሮ) ስለዝተደለየ ድዩ …? ትብል እያ። እወ ኣብ ሃገርና፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ውልቀ-መላኺ፡ ብቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ክትካእ ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዘለዎ ስርዓት፡ „ዘይምእኩል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ሰርዓት“፡ ዲዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ዋላስ „ምእኩል ቅርጺ ስርዓት ደሞክራሲ“፡ ወሳኒ እቲ፡ ብ-ሰፊሕ ተኻፋልነት ህዝብና ኣብ ሃገርና ዝተነደፈ ቀዋሚ ቅዋም፡ ዳኣ እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር፡ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን’ዚ ክትግበር ዝካኣል ቅርጺ ስርዓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፤ ዕድመ መሰጋገሪ መድርኽ፡ ከምቲ ቻርተርን ሓባሪ ካርታን ዝብሎ፡ 3 ዓመት ጥራይ ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን’ዚ ዝትከል፡ መላግቦ ይኹን ግዜያዊ፡ መንግስቲ ንህዝብና ኣብ ጉዳዩ ከምዝኻፈል ብምግባር፡ ሓድነቱ ዘረጋግጸሉ፣ ባሓባር ከምዝነብር ክገብሮ ዝኽእል ቀዋሚ ቅዋም ክነድፍ፣ ቀዋሚ መንግስትና ባይቶን ክተክል፡ ባይታ ንኸጣጣሓሉ ዳኣ እምበር፡   ገባሪን ሓዳግን ቅዋም ንኽኸውን ኣይኮነን። ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፡ ክባሃል እንከሎ፡ ክመርጽን ክምረጽን ዕድል ስለዝተዋሃቦ ኣይኮነን፡ ኣብ ጉዳዩ ተሳታፍነቱ ብምርግጋጽ፡ እዚ’ስ የናብረና እዩ፡ ዝብል ቅዋም፡ ካብ ነጻ ድልየቱ ተበጊሱ፡ ክነድፍ ከምዝኽእል ብምግባር እዩ። ስለዚ ህዝብና ክሳብ ሕጂ ታሓሪምዎ ዘሎ፡ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ዘይምኽእሉ፡ ምዃኑ ተረዲኡና፡ ብህግደፍ ዝተገብረ ጌጋ፡ ሕጂ እውን ባኣና ክይድገም፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዋም ኣብዚ ጉባኤ ድምጽና ካብ ማሃብ ክንቑጠብ ይምሕጸን።

ሳልሳይ ነጥቢ ኣብ ዓንቅጽ (7)፤ ዘሎ፡ “ሓጋጊ ምንጭታት፤ ምስ ሃይማኖት ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ መለኮታዊ እምነታት (…) ዝተሞርኮሰ ይኸውን“ ኣለዎ፡ ዝብል ሓሳብ፡ እዩ። ሕጂ እውን እዚ ነጥቢ እዚኣ ብዕሙቕ ዝበለ ልቦና እንተፈቲሽናያ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሃብክዎ መግለጺ፡ ንናይ ገለ ውድባት/ሰልፍታት ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምዕዋት፡ ተብሂሉ ዝቀረበ ሓሳብ ዳኣ እምበር፡ ንህዝብና ብማዕረ ክተማሓድርን ክትኣልን ክትዳንን ትኽእል እዩ፡ ተብሂሉ ዝቀረበት ነጥቢ ኣይኮነትን፡ ባሃሊ እየ። ካብ ኩሉ ካኡ፡ ሓድነት ህዝብና ኣብ ምልክት ሕቶ እተእቱ፡ ሓደገኛ ነጥቢ እያ። ካብ „Rational“ ኣታሓሳስባ አረዳዳን ተበጊስና፡ ደቂ ሰብ ቅዋም ነዲፎም ድሕሪ’ዚ ስርዓት ክተኽሉ ዘገደዶም ምኽንያት እንታይ እዩ፡ ዝብል ሕቶ ብልቦና ክንፍትሻ እንተፈቲና፡ እቲ አመልሲ፡ ብቀዳምነት ውሕስነት ቀጻልነት ህይወቶም ክረጋገጽ፣ ኣብ ማዓልታዊ ናብርኦም፡ ዓማጽን ታዓማጽን ከይህሉ፣ ፍትሒ ክነግስ፣ ዳኣ እምበር፡ ድሕሪ ሞት ኣብ ሰማይ ኣብ ገነት ንኽኣትዉ ኣይኮነን፡ ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎኒ። ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን፡ ሓደ ካብቶም መሰላት ደቂ ሰብ ዳኣ እምበር፡ ምንጪ ሕጊ ኣይኮነን። ኣብ ሃገር ዘሎ ስርዓት ሕጊ ኣልቦ ካብ ስሩ ከይማሓኻ፡ ማዓስ እዩ እዚ ስርዓት’ዚ ዝእለ፡ እትፈልጦ ነገር ዘይብልካ፡ ገና ኣብ ስደት እንዳተቀመጥካ፡ መበገሲ ሕጊ ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን ክኽወን ኣለዎ፡ ምባል፡ ኣብ ውሽጢ ተቃውሞ ደንበ ኣሉታዊ ሳዕበናትን፡ ሓደገኛ ምፍሕፋሓትን ዝፈጥር፣ ሓቛፊ ዘይኮነ’ስ፡ ዝበታትን፣ ንኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ካኣ፡ ካብ ስርዓት ህግድፍ ዘገላግል ሓሳብ ዘይኮነ’ስ፡ ንፕሮፓጋንዳ ስርዓት ህግድፍ ዘገልግል፣ ነጥቢ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ናዓይ ከምዝርዳኣኒ፡ መበገሲ ወይ እውን ምንጪ ሕጊ፡ ናጽነት ደቂ ሰባት ዳኣ እምበር፡ ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን ኣይኮነን። ናጽነቱ ኣብ ግዝእት ሕጊ ዘይተረጋገጸሉ፡ ማለት ናጽነቱ ዝተዓመጸ ህዝቢ፡ ሃይማኖቱን መለኮታዊ እምነቱን ከተግብር፣ ብዘረባ ይኹን ብጽሑፍ መልክዕ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ከቅርብ፣ ኣብ ባህላዊ ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ምዕባሌታት ክርኢ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ናብ ደገ ከም ድልየቱ ክንቀሳቀስ፣ ናብርኡ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ከካናውን፣ ወዘተ… ኣይክእልን እዩ። እዘን ዝገለጽክወን መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝዕመጻ፡ ናጽነት ደቂ ሳባት ምስተመንዘዔን ምስተረገጸን እዩ። ዋላ እውን፡ ሓደ ህዝቢ፡ ንሱ ዝሳማማዓሉ ሕጊ ክውጽእ እንተኾይኑ፡ ቅድሚ ኩነት ናጽነቱ፡ ክረጋገጽ ኣለዎ። እዚ ካኣ፡ መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰብ ናጽነት ከምዝኾነት፡ እዩ ዝሕብረና። ስለዚ መበገስን ምንጪ ሕጊ ሓደ ህዝቢ፡ ናጽነትን ሓርነትን ደቂ ሰብ ዳኣ እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር፡ ሃይማኖትን መለኮታዊ እምነትን ኣይኮነን። እምባኣርከስ ውሕስነት ናጽነትን ሓርነትን ምስ ተረጋገጽ፡ ሃይማኖትን እምነትን ከም መሰል ከምዝኸብር ካብ ተፈለጠ፡ መበገሲ ምንጭታት ሕጊ፡ ብቐዳምነት ምውሓስ ናጽነትን ሓርነትን፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ፡ ኩላትና ደቂ ሃገር ክርዳኣና ዘለዎ ግን፡ ሓጋጊ ምንጭታት ህዝቢ ኤርትራ ካበይ ይበገስ ብዘየገድስ፡ ስልጣ ናይ ህዝቢ እዩ፡ ክባሃል እንከሎ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ብግቡ ክንፈልጦ ኣሎና። ከምቲ ኣቀድም ኣቢለ ዝገለጽክዎ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ ክባሃል እንከሎ፡ ኣብ ክመርጽን ክምረጽን ዝተሓጽረ ዘይኮነ’ስ፡ ከማሓድሮ ዝኽእል ቅዋም እውን፡ ባዕሉ፡ ካብ ነጻ ድልየቱ ተበጊሱ፡ ተኻፋልነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉ ባይታ፡ ክነድፍ ክኽእል እንከሎ እዩ። ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት ኣሓትን ተኻፈልቲ ጉባኤ፡ እወ ንድሕሪ ጉባኤ ዝእቶ መድርኽ ክስራሓና ዝኽእል ቀይዲ፡ ከድልየና እዩ። ስርዓት ኢሳያስ ከይኣለኻ እንኮለኻ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝማሓደረሉ ቅዋም ኣብ ስደት ኮይንካ ምንዳፍ፡ ኣብ ዘይተጸበናዮ ሓደጋ ከየውድቀና፡ ነዚ ሕጂ ተነዲፉ ዘሎ፡ መሰጋገሪ ቅዋም ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝብል ሰነድ፡ ኢድኩም ከይተንብርሉ፡ ድምጽኩም ክይትህብሉ፡ ይፍታሓላ ክትብሉ፡ ጻዊዕተይ የቅርብ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማኣታትና

ዓወት ንህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ

ውድቀት ንስርዓት ህግድፍን ተደናገጽቱን

 

ኣስፋሃ ተስፋሚካል

18. 11. 2011 ዓ.ም.ፈ ጀርመን

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...