እዚ ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ምጥፋእ ዝብል ስነሓሳብ፣ አብ’ቲ እዋን ካልአይ ውግእ ዓለም፣ ሓሊፉ ድማ አብ ዘበነ ዝሑል ኩናት ቦታ ነይርዎ እዩ፡፡ ብኡኡ መጠን’ውን ዝተፈላለዩ ሓይልታት አብ ምጽናት አገልጊሉ እዩ፡፡ አብዚ ዘለናዮ 21 ክፍለ-ዘበን ግን አይግድን፡፡ እቲ ምንታይ’ሲ ዝዘራእካዮ ክትጽዓድ ናይ ግድን እዩ፡፡ ነዚ ከብለኒ ዝኻአለ፣ አብ’ዚ ሰሙን’ዚ ሓደ ዘስደምም ነገር ስለዝሰማዕኩን ስለዝራአኹን እየ፡፡ ሱቕ ክብል ድማ አይመረጽኩን፡፡

ብ1996 ዓ.ፈ እዩ፣ ብሰሪ መግዛእቲ ኢትዮጲያ፣ ብቆልዓይ ዝተፈለኽዎም ቤተሰበይ ክበጽሕ፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ይኸይድ፡፡ ብአጋጣሚ፣ እቶም ናይ ስጋ ቤተሰበይ ፍርቅና አስላም ፍርቅና ክርስትያን ኢና፡፡

እዚ ሕብረት’ዚ ድማ ዓቢ ፍቕርን፣ምትሕግጋዝን፣ስኒት ሂቡ አዕብዩና፡፡ አብዚ ዘለናዮ እዋን እውን ፍቕርናን ስኒትናን አይተትንከፈን፡፡ ይኹን ዳአ እምበር ዕሽር ዘይብሉ ቤተሰብ የልቦን፡፡ ሰብአይ ሓንቲ ካብተን ቤተሰበይ፣ካብ ድሕሪ ምብትታን ጀብሃ ዓባይ ንንዮ፣ አብ ህልም ዝበለ ጽላለ አትዩ፡፡ ሓንሳብ ባዓስ ናይ ዒራቕ፣ ሓንሳብ ሒዝቡ’ዎ’ላህ ናይ ሊባኖስ፣ ሓንሳብ ጀብሃ አል እስላምያ ናይ ሱዳን፣ አብ ዝተወሰነ እዋን እውን፣ አብ አኹዋንና ሙስሊሚን ናይ ግብጺ ከም ዝነበረ ሰሚዐ፡፡ ካብዚ ዝተላዕለ ድማ፣ አብ ውሽጢ እቲ ቤተሰብ ሓደ አድህቦ ክግበረሉ ተወሲኑ፡፡ ካብቲ ዘለዎ ከንቱን ሓደገኛ አንፈት ክእለን ክቁጠብን ብተደጋጋሚ ተማዒዱ፡፡ ኮይኑ ግን ክሰምዕ አይካአለን፡፡ እቲ ዘሕዝን፣ አንጻር ከበሳ ዘለዎ አራአእያ አዚዩ መርዛምን ሓደገኛን እዩ፡፡ ነዚ ጽሑፈይ ዘንቀለ ጉዳይ ግን፣ እዚ ሎምቅነ፣ እዋን ተሻባሸብን ‘ስመርን’ ዝባሃለሉ ዘሎ እዋን እዚ ሓደገኛ ሰብ’ዚ ደጋፊን አናሃሃርን መንእሰያት ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ረኺበዮ፡፡ አዚዩ ስለዝገረመኒ ኻአ ንዓዲ እንግሊዝ ናብ በተሰበይ ደዊለ ክሓትት ተገዲደ፡፡ እዚ ዝብል መልሲ ኻአ ረኺበ፡፡

ኢሳያስ ይጥፋእ ጥራሕ! ንሱ “ናይ ሓባር ጸላኢ” ስለዝኾነ’፡፡ ብድሕሪኡ ግን ምስ’ዘን ከበሳ ክንረባረብ ኢና እዩ ዝብል ዘሎ ኢሎምኒ፡፡ አዝየ ጉህየ፡፡ አብዚ እዋን’ዚ ነዚ መርዛም-መዝሙር ዝዝምሩ ባእታታት ካአ አለዉና ?? ንመናእሰያት ዓዲ እንግሊዝ ድማ ፣ እግረ መገደይ ነዞም መርዛማት ባእታታት እግረ መገዶም ክብድሁ ክላቦ እፈቱ፡፡

ናብ ደምዳሚ ነጥበይ ክምለስ………

ኢሳያስ ፣ በቲ ‘ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ምጥፋእ’ ስነሓሳብ ተኸቲሉ፣ ነቶም ብንቕሓቶምን በላሕቲነቶምን ዘስግእዎ ጀጋኑ ኤርትራውያን ፣ምስቶም ከምቲ ናቱ ሓሳድን ናይ አነነትን አረአእያ ዝነበሮም መሻርኽቱ ኮይኑ ብስመ “መንካዕን” “የሚን” አሕዋቱን አሓቱን ቀንጺሉ፡፡ ብኡኡ ግን አይአኸሎን፡፡ እቲ አብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ከም ‘ጸሊም ታሪኽ’ ተሰኒዱ ዘሎ፣ እቲ ኢሳያስ  ነዚ ስነሓሳብ ተጠቂሙ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት/ ወያነ ትግራይ ግንባር ፈጢሩ፣ ን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንምጽናት ዝገበሮ ሓደገኛ ስጉምቲ እዩ፡፡ እቲ ዝዓበየ ነገር ድማ እቲ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዝተራእየ ናይ ጌጋ ጌጋ፣ ብዘይካ ህግሓኤ ካልእ ውድባት ከምዘየለዉ ነጊሩና፡፡ ‘ናይ ሓባር ጸላእትና’ ዝዓይነቱ ሓደገኛ አራአእያ እውን አብ ውሽጢ ህዝብና ክነዝሕ ፈቲኑ ክሳብ ድሮ ኩናት ኢትዮ/ኤርትራ እውን ተጠቂምሉ እዩ፡፡ ተቓወምቲ የለዉን ፣ ኤርትራውያን ውዱባት የለዉን፡፡ እንተሃልዮም እውን፣ ኩሎም፣ ሓደ ከይተረፈ፣ ብአልማማ ሓሙሻይ-መስርዕ እዮም ኢሉ ነጊሩና፡፡ ክሳብ አዐርዩ ዝረፍድ እውን “ ብናይ ሓባር ጸላእቲ’ ዝዓይነቱ አራአእያ ንጸጋም ከምንከይድ ካአ ገይሩና፡፡ አብቲ እዋን’ቲ ፣ ነቶም “ ዓድምዮ፣ አብ ውራይኪ ዓድምዮ” ዝብል ናይ ድምጻዊ አብራር ዑስማን ዜማ ዘዝስተማቐሩ፣ ደለይቲ ጽቡቕ  ኤርትራዊያን ሓርበኛታት ተ.ሓ.ኤ/ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድማ ደም አንቢዕዎም፡፡ ሕጽይቲ-ዲሞክራሲያዊት ኢርትራ ናብ ደልሃመት ተቐይራ፡፡ እቲ ቃልሲ ግን አየቋረጸን፡፡ ስለዘየቋረጸ ኻአ ዕድመ ሂቡናስ እንሆ ሕጂ ምስረፈደ ፣ሓቅን ሸርሒን፣ ብዓቢኡ ድማ እቲ ከም ታቦት ተፈሪሑ ዝነበረ ጉድ ናይ ኢሳያስ፣ ክንሰምዖን ክንርእዮን በቒዕና፡፡

ምሕጽንታይ ነቶም አውራጃዊ ፣ ሃይማኖታዊ፣ ቀቢላዊ ወ.ዘ.ተ… ቂምታን፣ ጸቢብነት ዓሚትዎም ዘሎ ደቂ ሃገር፤

*ኢሳያስ ዝዘርኦ ክዓጽድ ብተግባር ንርእዮ አለና፡፡

ደም ዝቀንጸሎም አሕዋቱ አብ ድቃሱ ዕረፍቲ ከሊእዎ፡፡

እቲ አብቲ እዋን ዝተጠቕመሉ እዋናዊ “  ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ምጥፋእ ዝብል ስነ ሓሳብ” ናይ ሓባር አሕዋቱን/አሓቱን ከምዝቅንጽል ዘሎ ረሲዕዎ ነይሩ፡፡ ካብ እሾኽ ቆንጠጠፈ ናይ ተጋሩ ግን ነጻ አይገበሮን? እኳ ዳአ መንሽሮ ኮይኑ ብሕማቕ አውስዳ ክቡንቁሶ ይዳሎ አሎ፡፡

*ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ከምዝብሃል ፣እቲ ሎሚ ንፍጽሞ

ድንቁርና ነቲ ናይ መጻኢ ወለዶ ሕማቕ ሕላገት እዩ፡፡

*መንዩ ኸ አብ ልዕሊ መን “ ናይ ሓባር ጸላኢ” ዝብል ስነሓሳብ

አብዚ እዋንዚ ከተግብር ዝፍትን? እንታይ ፍረ ንምምጻእ? ካብ ተሓታትነትን ሃገራዊ ፍርድን ከ ነጻ ክትከውን ይካአልዶ? ታሪኽ ጸበብትን ጉሓሉን ጎሊሑ አብ ዝርአየሉ ዘሎ እዋን ጌጋ-ታሪኽ ምድጋም ከ አበይ’ዩ ከብጽሕ?

*ህዝቢ ኤርትራ አብዚ ስዓት’ዚ ዘደሳድሶን ንብዓቱ ዝደርዘሉን ተቓዋሚ ሓይሊ እዩ ዘድልዮ ዘሎ፡፡ ህዝቢና ከምዚ ይብል አሎ፤ ብሃይማኖት፣ አውራጃ፣ ሓድ-ሓዱ ዝተሓናነ ሓይሊ፣ ስምረት ዘይብሉ ባእታ፣ ስመርርርርርርርርርርርር! ዘየድምጽ ሓይሊ ክንዮ ሓጹር ኤርትራ ይደርበ ይብል አሎ፡፡ ንሕና ኸ አስመርቲ ዲና ዘረግቲ? ነብስና ንፈትሽ፡፡ ንሓዋራዊ ፍታሕ ዲና ንቃለስ ዘለና ወይስ ረሳሕ ልቢ ሒዝና ጥራሕ ንናይ “ሓባር ጸላኢ” ኢሳያስ ንቃለስ?

*አብ ኤርትራ ኩሉ ሓደ እዩ፡፡ ማንም ካብ ማንም አይበልጽን፡፡ ኤርትራ ንኩሉና ማዕረ እያ ትብጻሓና፡፡ ( ወዲ ዓይኒ ማዓር የልቦን)

ቅድሚ ሃይማኖት፣ቅድሚ ቀቢላ/አውራጃ ፣ስልጣን፣ ወገንነትን  ኤርትራ ትስራዕ፡፡ (ክትስራዕ ካአ ናይ ግድንዩ፣ ብወርቃዊ ደም ስለዝመጸት)

*ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ከምዝብሃል እቶም ንኤርትራ ብጥቕምን ረብሓን ዝሸጡዋ አበይ አለዉ ሕጂ፣ ታሪኽ ከ ብከመይ ይዝክሮም አሎ ? ደቆም ከ አበየናይ ጎደና እዮም ደረቶም ነፊሖም ዝርአዩ?

አብ መዳእታ ክብሎ ዝደሊ፤ ክሳብ ከንቱ ‘ስነሓሳብን’፣ተበላጽነትን፣ አነነትን፣ መርዛም ቀቢላዊ /አውራጃዊ አራአእያን፣ሃይማኖታዊ ጸቢብነትን ጠርሹ ካብ ምድሪ ኤርትራ ዝጠፍእ ቃልሲና ክቅጽል እዩ፡፡

ኤርትራ ድማ ናይ’ቶም ሓድነታን፣ዲሞክራስያውነታ፣ሉኡላውነታ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰላማን ርግአታን ዝምነዩ ደቃ ክትከውን እያ፡፡

ስመርርርርርርርርርርርርርርር!

አለም ሃብተ ነጋ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...