ሓደገኛ ዝኾነ ውሳኔ አብ ልዕሊ ገለ ክፋል አከለጉዛይ/ደንከል/ሰራየ  የንጻልል አሎ::

መልሲ ንተጋዳላይ አሰፋው ተኸስተ!

ሰላምታይ ብምቕዳም ነቲ  ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃብካዮ ርእይቶታት ይኹን ናትካ ምላሽ ከምዝተኸታተልክዎን  ኮይኑ ግና አብ  ገለ ነጥብታት   ዕግበታት  ዝለዘይረኸብኩ:  ከምቲ ንስኻ ርእይቶኻ ሂብካ ዝሰማዕናኻ ንስኻውን ነዚ ናተይ ኤሪትራዊ ርእይቶ ከተንብቦን እንታይ ይብል አለኹ ከተስተባህለሉ ብትሕትና ይሓተኻ::

ሰባት ኢና::  ሰባት ስለዝኾና ድማ ዝተፈላለየ ርእይቶ ይኹን ሓሳባት ክህልወና ናይ ግድን እዩ::   እዚ ኣብ ቦትኡ ሃልዩ ሓደ ሓደ ግዜ ንጥቀመሎም አገባባት: ድልየትናን ባህግና  ሓደ ክንሱ እንተ ብምርዳእን እንተ ብዘይምርዳእን: አብ ትርጉም ዘይብሎምን ክፈላልዩና አብ ዘይግብኦም  አርእስቲ አቲና  ሕልናዊ  ምጥርጣራት ፈጢርና  ኣስፕሪን አስፕሮ እንዳበልና ክንፈላለ ንውዕል አለና::

ቀንዲ ጠንቂ ምኽንያት ናይቲ ዘይምርድዳአት እቲ ዝተባህለ ከይሰማዕና መልሲ ክንህብ ስለንመርጽን ደጋጊምና እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ ኢልና ሕቶታት ከይቀረብናን ከይለዓልናንን ናይቶም ሰባት  ሃይማኖትን ዓድን ምስቲ ዝብልዎ አዛሚድና  ሓቅነት አብ ዘይብሉ መደምደምታ ንበጽሕ::  ከም ውጽኢት ድማ አብ ዘየድሊ ጎንጺ ንኣቱ::
ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ክምለስ::

ካብቲ ምሳካ ዘይዓገብኩሉ አርእስቲ ንምጥቃስ ቀዳማይ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ክኸውን ከሎ እቲ ካልአይ ድማ ብዛዕባ ኤሪትራውያን ምሁራን አብ አዲስ አበባ ዝገበርዎ አኼባ አልዒልካ ዝሃብካዮ ርእይቶ እዩ::

ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብ ኤሪትራን ኢትዮጵያን

ከም ዝተረዳእኽዎ ዶብ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ተወዲኡ እቲ ናይ መጨረሽታ ናይ ምጥራር ጉዳይ  አብ ተግባር ከይውዕል መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ተሓሲሙ ዘሎ ኢልካ::

ሓቂ እዩ::

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ አብ ተግባር ምእታውና ንዘራረብ ይብል አሎ:: መንግስቲ ኤሪትራ ድማ ብአንጻሩ ፍርዲ ዝተዋሃቦ ስለዝኾነ ብዛዕባ ዶብ ዘዘራርብ ጉዳይ የብልናንን ይብል አሎ::

እቲ  ርእይቶ ናይዞም መንግስታት ንጸጋም ገዲፍና ንሕና እውን ብፍላይ ኤሪትራውያን እዚ ጉዳይ ብብዙሕ ዝጸልወና ስለዝኾነ:  እቶም ክልተ መንግስታት ዝብልዎ ዘለዉ ገዲፍና  እዚ ዶብ  በቲ ተሓሲቡ ዘሎ እንተተሓንጸጸ ዘላቂ ስለም አብ መንጎ ህዝብታት ኤሪትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ አብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን አከለጉዛይ/ደንከል/ሰራየ  ከምጽእ ይክእልዶ ኢልና ክንሓትት ዘጸግመና ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ::

እዚ ሕቶ እዚ ናይ ኩልና ኤሪትራውያን ሕቶዶ አይኮነን?

ብዓቢኡ ዝኾነ ይኹን ኤሪትራዊ ዓዱ መሬቱ: ርስቱ ንካልእ ክወሃብ:  ክጭረም:  ክዕደል ብሓይሊ ይኹን ብፍቶት ንክቆራረጽ  ዝፈቅድ የለን::  እሱ ስለዝኾነ ድማ እዩ ኤሪትራዊ ንዓመታት ንመሬቱ ንመሰሉ ዝተቃለሰን መስዋእቲ ዝከፈለን::

እቲ ሓቂ  እዚ ኾይኑ ሕጂ ግና ሓደገኛ ዝኾነ ውሳኔ አብ ልዕሊ ገለ ክፋል አከለጉዛይ/ ደንከል/ ሰራየ  የንጻልል አሎ:: መሬት አከለጉዛይ/ ደንከል/ ሰራየ ንትግራይ ይኸይድ አሎ:: ዓድታት አብ ክልተ ይግመዓ አለዋ:: ስድራቤታት መንነቶም አብ ክልተ ይኽፈሉ አለዉ::  ክልተ የሕዋት አብ ሓደ ዓዲ ዝነብሩ ብኢሰብአዊ ዝኾነ አገባባት ብዘይ ድልየቶምን ብዘይ ምርጮኦምን እቲ ሓደ ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ከሎ እቲ ሓደ ድማ  አብ ኤሪትራ ይተርፍ አሎ:: ርስትታት አብ ክልተ መንግስታት ይኽፈሉ አለዎ::

እዞም አብ ዶብ ዝነብሩ  ዜጋታት አብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም መሬትና ውርስና  መንነትና ይጠፍእ አሎ እንዳበሉ አውያቶም ከስምዑን ርእይትኦም ናይ ምቕራብ መሰሎም ተገፊፎም  መጻኢ ዕድሎም  ብናይ ሓደ  ውልቀመላኺ ድልየትን ምርጫን ጥራሕ ንኽውሰን  ተፈሪዶም አለዉ::  እቶም ንናጽነት ህዝቢ ኤሪትራ ኢሎም በጃእ ሂወቶም ዘሓለፉ ደቂ እቲ ከባቢ  እውን ተጠሊሞም::

ስለዚ ነዚ ጉዳይ ቕድሚ እቶም ዜጋትት አብ ሓደጋ ምውዳቆም ጉዳዮም እንተረአናዮን  እንተተኸላኸልናሎም: እቲ ውሳኔ ቅድሚ ምትግባሩ ዝርርብ አብ መንጎ ክልተ መንግስታት ክግበር አለዎ እንተበልና እንታይ ጌጋ አለዎ?

መሬት አከለጉዛይ/ ደንከል/ ሰራየ ተቆሪጽጹ ናብ ትግራይ ምስዝሕወስ  ንኤሪትራውያን ደአምበር ንኢሰያስ  ሕማሙ አይኮነንን::  ብዙሓት ሓላፍነት ዘይስምዕም ዜጋትት እውን አለዉ::  ነዚ ናይ ኢሰያስ ድልየት ጥራሕ አይኮነንን ዋላ ካብ ደቀምሓረ/ መንደፈራ ንንየው ንትግራይ እንተኸደውን ዘይሕማሞም::

ገለ ድማ ነቲ ሽግር አጸቢቆም እንዳፈለጥዎ  ከለዉ   መሬት ይተሓንጸጽ እሞ ካብኡ ንንየው ዉጽኢቱ ርኢና ንዛረበሉ ዝብሉ ናይ ሓሶት ጨለታት እውን አለዉ::  ብዓይኒ ሓቂ ግና ሕጂ  ብእዋኑ ሰፊሕ ዕድል ከሎ ክዛረቡ ሰይደፈሩን ዘይመረጹን:  ነገር ምስተወድኤ ክዛረቡ ዘይሕሰብ እዩ::  እዚኣቶም እቶም ዝከፍኡ ሓለፍነት ዘይስምዕም ተበልጽቲ ዜጋታት እዮም::

ተጋዳላይ አሰፋው  ኤሪትራዊ ኢኻ :: ምሁር ኢኻ :: ዝያዳ ኹሉ ድማ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤሪትራ ተጋዲልካ ኢኻ ::  ስለዚ ተጋዳላይ አሰፋው ተኸስተ ድልየትን ምርጫን ናይቶም ከባቢ ከይሓተትካን ከየማኸርካን  ብዕሙት እቲ  ዶብ ብተግባር ክሕንጸጽ አለዎ ዝበልካዮ ብወገነይ አይተቀበልክዎን::

ሕቶይ ግና ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ዝርርብ ከይተገብረሉ እንተተሓንጸጸ ጉዳይ እቶም ገዳይ እንታይ እዩ ክኸውን?  ደሓን ኩኑ:: ጽቡቕ ዕድል ምስ ሓዳሽ ሃገርኩም ኢትዮጵያ ዲና ክንብሎም ዋላስ ከም ናይ ጀርመን ንስካትኩም እውን ዘዘሊልኩም ናብ ኤሪትራ እተዉ ኢና ክንብሎም? ምስ ብዙሕ ተስፋ ካብ ልቢ መልሲ ካባካ ይጽበ::

ብዛዕባ ኤሪትራውያን ምሁራት አብ አዲስ አበባ ዝምልከት  ዝሃብካዮ መልሲ::

ኣብቲ ኣኼባ  አይተሳተፍኩን አይተዓደምኹን::

ዝኾነ ይኹን ኤሪትራዊ ዜጋ ይኹን ውድብ ንረብሓ ውድቡን ንረብሓ ሃገሩን ደአምበር ንመሳርሒ ኢትዮጵያ ወይ ድማ " ንወያኔ " ንክኸውን ኢሉ ንአዲስ አበባ ዝኸደ የለን:: ዝኸይድ እውን የለን::

ኤሪትራዊ አብ ዝሃለወ ይሃሉ ንጉዳይ ሃገሩን ህዝቡ  አሕሊፉ ክህብ  እዩ ዝብል እምነት የብለየን:: ክህልወኒ እንተኾይኑ ድማ ብጭብጢ ደአምበር ብይኸውን አይኸውን ወይ ብናይ መንገዲ ወረ ዝምስረት አይኮነንን::  ንስኻ ድማ ምሁር ስለዝኾንካ እቲ ትህቦ መርትዖ ብርእይቶን ብስሚዒታትን ዘይኮነስ ብመስረጃ ዝተደገፈክኸውን ይግባእ::

መንግስቲ ኤሪትራ  ግና ነቶም አብ ኢትዮጵያ ዝአትዉ መሳርሒ ወያኔ እዮም::  ተመዊሎም እንዳበለ ዘይሽሞም እዩ ዝህቦም:: ነዚ መንግስቲ ኢሰያስ ዝብሎ ዝድግፉ አብ ውሽጢ ናይ ተቃውሞ ደንበ እውን አለዉ::  መን ኢሉ?  እቲ ዘረባ በየን መጺኡ? ብዘየገድስ: ኩሉ እቲ ዝበሃል ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተበገሰ  ደአምበር ብመርትዖ ዝተደገፈ ስለዘይኮነ  ኩሉ እቲ ዝበሃል  ሓቅነት የብሉን::

ኤሪትራዊ  ኣብ ኢትዮጵያ  ተአኪቡ ወይ ካብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ረኺቡ ማለት ልኡላውነት ኤሪትራ ተተንኪፉ ማለት አየስምዕን እዩ::

ዝኸበርካ ተጋዳላይ አሰፋው ተከስተ

ንእመን አይንእመን! እቲ ሓቂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሉ ዘለዉ ንሕና  ብናይ  ኤሪትራ ፋሕፋሕን  ውድቀትን አይንረብሕን ኢና:: ስለዚ ንስኻትኩም ሓድነትኩም ሓሊኹም ፍልልያትኩም አወጊድኩም እቲ ናይ ሓባር ንህዝብኹም አደራዕ ኮይንዎ ዘሎ ስርዓት እለይዎ እዮም ዝብሉ ዘለዉ::  ብኸመይ ንአልዮ ንኤሪትራውያን ዝምልከት ሙኻኑ ብተደጋጋሚ ይገልጹ አለዉ::   ስለዚ እቲ ሽግር አበይ እዩ ዘሎ::

ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይና ብሰንኺ ኹናት ዝተወጽዔ ህዝቢ እንተሎ ህዝቢ ኤሪትራን ህዝቢ ትግራይ እዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ክሓልፈሉ ምእንቲ ንህዝቢ ኤሪትራ ተአከብ ሽግርካ ፍታሕ እንተበሉን ሓገዛት እንተወፈዩ እንታይ እዩ ጸገምና?

እቲ ዘገርም  መንግስቲ ኢትዮጵያ  ንተቃወምቲ ውድባትን ማሕበራትን ቁጠባዊ ሓገዝ ክልግሱ ሕጂ ናይ መጀመሪኦም አይኾነንን :: ስለዚ እዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ ካብቲ ዝሓለፈ ሓገዛት ፉሉይ ዘበሎ እንታይ እዩ::

ይውሓድ ይብዛሕ ሓንቲ ካብተን ብመንግስቲ ወያኔ ሓገዛት ዝግበረለን ዝነበራ ውድባት  እታ ንስኻ ከም መሪሕነት ዝነበርካላ  ሰልፊ ዲሞኽራሲ ምንባራ ዘንጊዕካ ዲኻ?

ትሳተፍ አይትሳተፍ አይፈልጥን ግና   ምሁራት ዘሳተፋ ብስድሪ አብ ለንዶን :  ብማሕበር ሰላም አብ ለንዶን ከምእውን አብ በልጂግ ዝተገብሩ ዓበይቲ ኣኼባታት  ምንባሮም ትዝንግዕ አይመስለንን:  እቲ ነቲ ኣኼባታት ተባሂሉ ዝፈሰሰ ገንዘብ ካበይ ከምዝመጸ ኩሉ ይፈልጦ እዩ::  እቲ ሓገዝ ኽግበር ከሎ   ልእላውነት ሃገር አይተላዕለን:: ስለምንታይ?

ኤሪትራውያን አብ ሎንዶን ተአኪቦም አብ አዲስ አበባ ተአኺቦም እቲ ፍልልዩ እንታይ እዩ? እቲ መንፈስን ዕላማን ናይቲ ኣኼባ ሓደዶ አይኮነን? ከም ኡውን እቲ ቑጠባ ?

ተጋዳላይ አሰፋው ካብ መንግስቲ ጎረቤትና ዝመጽእ ሓገዝ ጌጋ  ክበሃል ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ይኹን ሕብረት አውሮጳ ዝመጽእ ግና ሓላል ዝበሃለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ::

ስለዚ ኽቡር ሓወይ እቲ ዝሃብካዮ መግለጺ  አነ አይተሰማማዕኩሉን: አይዓገብኩሉን::

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...