እምኒ ገበጣ ይውዳእ ኣሎ!

ኣለና

ኩላትና ኤርትራ ኢዩ ድምጽና። ንግሆን ምሸትን ጸሎትና፣ መኣዲና ክንጅምር ክንውድእ ኤርትራ ኢና እንብል። እወ እቲ ምንታይ ንሳ ዝለዝኾነት ውርሻና።

ኦ…መኮንናት ኤርትራ! ዕድመ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ፣ ነታ ሰባብ ኤርትራውያን ዘጽነተት በትረ ስልጣኑ ንምሕላውን ስቓይ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝብኹም ንምኽዕባትን፤  ‘ተር ከም ዓተር’ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተተቲዕኩም ዘለኹም ኤርትራውያን መኮንናት! ብፍላይ ድማ ሜጀር ጀነራላት፣ ብሪጋደር ጀነራላት፣ ኮሎኔላትን ሌተናል ኮሎኔላትን፣ ከምኡ’ውን ሜጀራትን ካፕተይናትን ኤርትራውያን!

ክቡር ኤርትራዊ መኮነን! ብልዒ ሓላፋይ ሽም ተራፋይ ኢዩ፣ ህዝብኻ ከም ትዃን ተጠልቂዑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ምቾት ቪላታትን ላንድክሩዘራትን፣ ኣብ ሰሳልስቲ ዝሕረዱ ደዓውልን ክሳብ መዓስ ኢዩ ምሳኻ ክነብር። ወዲ ሰብ’ኳ ጥራይ ነብሱ ኢዩ ተወሊዱ፤ ናብ ጉድጓድ ዝማልኦ ሃብቲን ጸጋን ድማ የለን። ርኣዮ’ሞ ኮሎኔል ሙዓመር ቃዛፊ! እቲ ን42 ዓመታት ዝእክቦ ዝነበረ ቢልዮናት ዶላራት ከድሕኖ ኣይከኣለን። ክቕበር እንከሎ’ውን ኣብ ሳንዱቕ ወርቂን ኣልማዝን ኣይኣተወን። ርኣያ’ሞ እዛ ዓለም! ብሰንኪ ውልቀ-ምልካዊ ግትርነት፣ ቃዛፊ ንብሙሉኣቶም ስድራ ቤቱ ኣጥፊኡዎም ኣሎ። ኣንታ ኤርትራዊ መኮነን ሃየ ብድሕሪ ህዝቢ ሊብያ ታሪኽ ስራሕ! ነቲ ኣብ ጉርጉማኻ ዝዓግተካ ዘሎ ተካል ምረት ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጡፍ በሎ። ፍልልያት ክትረኽበሉ ኢኻ’ሞ ጥራይ ተበገስ’ምበር ንእለት ሚልዮን ህዝብኻ ኣብ ጽርግያታት ኤርትራ ክጽንበረካ ኢዩ።

‘ኣይትመካሕ በዓል ኣሓ፣ ሰነ ኣላ ብነውሓ’ ከም ዝበሃል፤ እቶም ናይዚ ዘመናት’ዚ ዝነበሩ ኣዝዮም ምኩሓት መራሕቲ ረማዕማዕ ክብሉ ትርእዮም ኣለኻ። ጃጃዊ ኢሳይያስ ብድሕሪ መርድእ እቲ ንሓይሊ ህዝቢ ሊብያ ክርዕም ፍቓደኛ ዘይነበረ ‘ዛንጋዛንጋ’ ሙዓመር ቃዛፊ ከመይ ከም ዝህሉ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።

ከምቲ “…ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ቅልጽሙ ኢዩ ዘውዲ ደፊኡ ዘሎ’ሞ ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ” ዝበሉዎ ክቡር ኣቦና ነፍስ-ሄር  ወልደኣብ ወልደማርያም፣ እዛ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኢሳይያስ ዘላ ዘውዲ፣ ናትና ናይ ኤርትራውያን ዘውዲ ኣይኮነትን’ሞ ሰለም ከየበልካ ንምምሓዋን ኣብ ቦትኣ ድማ እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ናትካ ኣኽሊል ዘውዲ ንምትካል ሕጂ ንኸስ።

እምበኣርከስ ኤርትራ ስለ ናጽነታን ሓርነታን ክትብል ረዚን ዋጋ ከፊላ ክነሳ፣ እቲ ዝተኸፍለ ክብሪ መጻወቲ ውልቀ-ምልኪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደኣ ኮነ’ምበር ሓርነትሲ ባዶሽ ኮነ። ክሳብ መዓስ ኢኻ ትም ክትብል ክቡር መኮነን? ‘ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት’ ከም ዝበህል፤ እምኒ ገበጣ ኢሳይያስ ብድሕሪ ሞት ሙዓመር ቃዛፊ ክህሉ ኢልካ’ዶ ትሓስብ ትኸውን?  ኤርትራን ኤርትራውያንን መላገጺ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ካብ ዝኾኑ ኣይወሓደ’ሞ፣ ነቲ ንዓመታት ጸቒጡካ ዝነበረ ጽላሎት ኢሳይያስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ያዕ ኢልካ ብርኩታኻ ንምብርኳት እምኒ ሩባኻ ኣርስን። ዕድመ ውልቀ-ምልኪ ይኣክል ኢልካ፣ ሎሚ ራህዋን ደበስን ንህዝብኻ ኣበስሮ።

ኦ! መኮነን ኤርትራ!! ብድሕሪ ሞት ቃዛፊ ንኢሳይያስ እዛ ንነብረላ ዘለና ፕላኔት ክትጸቦ ምዃና ኣይትዘንግዕ። ሎሚ ኣብዚ ኦሮማይ ኢሉ ናብ ቀቢጸ-ተስፋ ተሸሚሙሉ ዘሎ እዋን ኣፈርኩቡ እውን ቅንጣብ ዕድል እንተረኺቡ፣ ኣሰር እቶም ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ዓመተ-2001 ዘጽነቶም ኤርትራውያን ንክቕርመካ ምጽንጻን ዘቋረጸ ከይመስለካ፣ ካብ ዳግማይ ዕሽነት ኣጸቢቕካ ረሓቕ። ሎሚ ናባኻ ኢዩ ኣዒንቲ ህዝቢ ዘቋምት ዘሎ’ሞ እስከ ንሓንቲ ሰከንድ እውን ትኹን ሸፋሽፍቲ ኣዒንትኻ ክፈት። ኣብ ድቃስካ ኮንካ እስከ ንሓንቲ ደቒቕ ንድሕሪት ተመለስ፣ ዝሓለፍካዮ ጥውጥዋይ መንገዲ ተመልከቶ።

ስለምንታይ ንመዋእል ጉዕዞኻ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ነበረ? ስለምንታይ ከቢድ መስዋእቲ ተኸፊሉ?  ነቲ ክሳብ ኣስናኑ ሓጸልጸል ብዝብል ኣጽዋራት ዓጢቑ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ ምስ ኣዝዮም ምኩራት ጀነራላቱ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሰላሕታ ወራራት ንዝነበሩ ‘ናቅፋ ትታየኝ ኣለች’ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ፈታኒ ግዜ ኣዝዮም ሓያላት ግጥማት ምስ መላእ ህዝብኻን ውፉያት ተጋደልትን ብሓባር ብምግጣም፣ ኣብ ከውሒ ከም ዝወደቐ ጥርሙስ ሽዋሕዋሕ ከም ዘበልካዮ ትዝክር’ዶ? ኣብ ግንባራት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፣/ውቃው እዝ/ ኣብ  ግንባር ሓልሓል፣ /መንጥር እዝ/ ኣብ ግንባር ናቕፋ፣ /ናደው እዝ/ ኣብ ስርሒት ፈንቅል፣ ኣብ ምርብራብ ግንባር ጊዳዕን ኩበይን ከምኡ’ውን ኣብ ደምዳሚ ኲናት ናጽነትን ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ረማዕማዕ ኣቢልካዮ ከም ዝኣተኻ እስከ ዘክር! ኣበይ ኣሎ ህዝብኻ ዝተጸበዩ ራህዋ? ኣበይ ኣሎ’ኸ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ?

ክቡር ኤርትራዊ መኮነን! ስለምንታይን ብከመይን ኲናት ባድመ ተጀመረ? ኣየናይ ጀነራል ምስጢራዊ መምርሒ ካብ ኢሳይያስ ከም ዝተቐበለስ ገለ’ዶ ትፈልጥ ትኸውን? ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምዝንባል ህዝቢ ስለምንታይ? ጥሜትን ስደትን ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ? ስለምንታይ ጻንታ መንእሰያት ንክትከውን ኤርትራ ተፈሪዳ ኢልካ እስከ ዝግ ኢልካ ሕሰብ! ኣከያይዳ ኢሳይያስ ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ከመይ ይመስል ኣሎ? ጥርናፈ ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ በብቑሩብ እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ?

ካን’ዶ የማነ ገብረኣብ ዝሓንጸጾ ፖለቲካ ርዒምካዮ ኢኻ? ሓጎስ ገብረሂወት ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ገባሪን ሓዳጊን ንክኸውን’ከ ፍቓድካ ድዩ? እወ ኣብ ኲናት 2000 ዓ.ም. ካብ ኢድ ሓጎስ ክሻን ኢሳይያስን ዶላራት ትቕበል ዝነበርካ መኮነን’ከ ኣሎኻ’ዶ? እስከ ናብ ሃብቲ ሙዓመር ቃዛፊ ተመልከት። ስለምንታይ መገሻታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብየማነን ሓጎስን ጥራይ ይበሓት? ሃገርካ ሰብ የብላን ድያ? የለዉን ድዮም ወልደንኪኤላት፣ ኣብርሃ ኣስፋሃ፣ ኣረፋይነ በርሀ፣ ኣምና ኑርሑሴን፣ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ፎዝያ ሃሽም፣ ኣስካሉ መንቀሬዎስ፣ ተስፋይ ገብረስላሴ፣ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ዶክተር ገርግሽ ተስፋሚካኤል ወ.ዘ.ተ…፣ እቲ ካብ ቀደም ንዝተላእኮ ዕዮ ገዛ ዝሰርሕ ዝነበረን ዘሎን ኮርዒዳ ልኹእ ባዕዳውያን እምበኣር፤ ብንብዓት ኣዴታትካን ሕጻናትካን ዝፍሳህ’ምበር ዝድንግጽ ፍጡር ኣይኮነን።

ዝኸበርካ መኮንናት! ደጊም ይኣክል!! እቲ ኣብ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ብደም ብጾትካ ዝተመንዝዐ፣ ኣብ ጎላጉል ሰምሃር ከኣ ከም ወናም ኣባ-ጓይላ ዝደበልካሉ ብሬናትን ረሽራሻትን ሎሚ ናብቲ ደም ህዝብኻ ዝመጺ ዘሎ  ገበነኛ ኢሳይያስ ንከተቕንዖ ህዝቢ ይጽበየካ ኣሎ። ሻምብቆ እተን ብደም ብጾትካ ዝተረኽባ ታንክታት፣ ከም ጃጓርን ታይገርን ዘለኣለማዊ ቅያ ንክሰርሓ፤ ናብ ግንባር ገበነኛ ኢሳይያስ ኣነጻጽሮ። ሎሚ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ጽንኩር መንገዲ ኣላ ኢልካ እስከ ዝግ በል’ሞ ብሕልናኻ ፍረድ።

ሎሚ እቲ ንህዝቢ ሊብያ ን42 ዓመታት ዝገዝኣ ውልቀ-መላኺ ሙዓመር ቃዛፊ፤ ኣብ ኤርትራ እውን ካብ ዓሰብ ናብ ኣስመራ ብመኪና ተጓዒዙ ዝኣተወን ንጽርግያ ባጽዕ-ዓሰብ ብቕጽበት ቅጥራን ክለኽየልኩም እየ ዝበለ፤ ኣብ ኲናት 2000 ዓ.ም. ኢሳይያስ ንምድሓን ኣገደስቲ ኣጽዋር ናብ ኤርትራ ዝሰደደ፤ ክሳብ ምልዕዓል ህዝቢ ሊብያ ከኣ ነዳዲ ብነጻን ብድጎማን ንመንግስቲ ህግደፍ ክሕግዝ ዝጸንሐ፤ ኣብ ዓለም እቲ እሙን ዓርኪ ገበነኛ ኢሳይያስ ሞይቱ ኣሎ’ሞ ኦሮማይ!! ውዑይ ሃፋ ዘለዎ መርድእ ንኢሳይያስ ተነጊሩዎ ኣሎ። ካብዚ ሰዓት እዚ ንኢሳይያስ ብዘይካ ሞት ካልእ ዝረኣዮ መንገዲ የለን’ሞ ከምቶም ኣቐዲሙ ዝኣሰሮምን ዝረሸኖምን ደቀባት ኤርትራ ከይልክመካ፤ ሎሚ ንቓሕ!

ሂትለርን ሞሶሊኒን፣ መንግስቱን ሳዳምን ኣብ ስልጣን ኣይነበሩን። ታሪኽ’ምበር ሰብ ነባሪ ኣይኮነን ዝበሃል ለካ ከምዚ ኢዩ። ካብዛ ሰዓት እዚኣ ቃዛፊ የሎን፣ እቲ ካብ ዝፍጠር ክሳብ ሂወቱ ዝሓለፈትላ ሰዓት ዝነበረ ታሪኹ ግን ንዘለኣለም ኣይጠፍእን ኢዩ።

ሰዓት ይኣክል ኣሎ! ህዝቢ ኤርትራ ብድሕሪ እቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዝጨበጦ ሰማይ-ጠቀስ ዓወት፣ ሎሚ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ብግምጣል ናይቲ ዝደየቦ ጥርዚ፣ ናብ ክንድኡ ዝኸውን ዘሕዝን ማዕሙቕ ተሸሚሙ ይርከብ ኣሎ። እቲ ኣንጊሁ ንጥፍኣት ኤርትራዊ ዜጋ ዝወፈረን ደጋጊሙ ዝፈከረን ገበነኛ ኢሳይያስ  ሎሚ በቲ ንስኻ እትወስዶ ሃንደበታዊ በርቂ ካብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ክእለ ኢዩ።

ክቡራት መኮንናት! ሜጀር ጀነራላት፣ ብሪጋደር ጀነራላት፣ ኮሎኔላትን ሌተናል ኮሎኔላትን፤ ከምኡ’ውን ሜጀራትን ካፕተይናትን ወ.ዘ.ተ… ‘ስም ነርሓ ሳዕሪ ነሓ’ ከም ዝበሃል፤ ሃብታምን ነባሪን ታሪኽ ንምግዳፍ፣ ንመቓብር ሰማእታት ኤርትራ ዘማሙቕ፣ ንድርሙን ኣራእስ ኣዴታት ዝድብስ ኣገዳሲ ስጉምቲ  ሎሚ ብሓንቲ ነጋሪት ተለዓል።

ድሌትን ክዉንነትን ነንበይኑ ኢዩ። ድሌትና ንለውጢ ንግሆን ምሸትን የንበድብድ ኣሎ።  ንስኻ ኣንታ ቀይሕ ነብሪ ሎሚ ተበግሶ ውሰድ። ህዝቢኻ ብሰንኪ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ተቓውሞ ክገብር ዝከኣሎ ኣይኮነን። እቲ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ዘሎ ዱላን ጠበንጃን ብዘይ ንሕስያ ክርሽኖ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ኢዩ። እቲ ብግዝኣተ መሮር ዝመሓደር ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናትና ናይ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ጽላል ኣይኮነን። ቅንጣብ ኤርትራዊ ደም ብዘይብሎም እኽብካብ ጉጅለ እትመሓደር ኤርትራ’ምበኣር ብዘይካ ኣውያትን ሞትን ካልእ ኣይተዓደለትን።

ንሓድሕድና ከም ዘይንተኣማመን፣ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ከም እንፈላለ፣ ብብሄርን ደርቢን ከም ዘይንራኸብ ውዲት ኣንጻርና ዝኣወጀ ገበነኛ ኢሳይያስ ሎሚ ሰዓትካ ኣኺሉ በሎ። እዚ ካብ ቅድሚ ኣርባዓ ዓመታት ብገበናት ዝከስዐ ኢሳይያስ  እቲ ቀንዲ ምድራዊ ዓርኩ መዓመር ቃዛፊ ሞይቱ ኣሎ። ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ንምንቅስቓስ ህዝብታት ሰሜን ኣፍሪቃ ንምጥምዛዝ ይጓየያ ከም ዘለዋ ተዓዚብካዮ ከም እትኽውን ንኣምን። ስለዚ  ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ብዘይካ ብዝተሓባበረ ቅልጽም ብልማኖን ትኳቦን ካብ ስልጣኑ ዝእለ ፍጡር ኣይኮነን’ሞ ኣፈ ሙዝካ ጥወዮ።

ክቡር መኮነን!  ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ተኣምር ንምስራሕ ኣለኹ በል። ድምጽኻ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ፣ ኣቃልሓዮ።  ሃሚ ድምጽኻ ፍትሒ ዝናብ ናብ ሃገርና ሸው ከም ዝብል ግበሮ። ክንዮ’ቲ ቅቡር ውዲት፣ ክንዮ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጥጃእ ዝጸንሐ ንኤርትራውያን ፈላሊኻ ግዛእ ሜላ፣ ብክብ ዝበለ ንቕሓትን ኣቓልቦን መርሽ። ነቲ ኣብ ዘይናቱ ኮረሻ ስልጣን ዝተወጥሐ ዲያብሎስ ኢሳይያስ፣ ውረድ ዘይበቕልኻ፣ ልቐቕ ዘይርስትኻ ኢልካ፣ ተበግሶኻ ጨብጥ። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ጎድንኻ ኣለና’ሞ ተኣማመን ክቡር ኤርትራዊ መኮነን!

ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...