ኣብ ሃገርና ዘሎ ወጅሂ ሃላይ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዓማጺ ባህሪያቱ፡ ናህሩ ከይነከየ ይቕጽሎ ብምህላዉ፡ቁስሊ ኤርትራ ሃገርናን ለዋህ ህዝብናን እንዳ ዓሞቀን፡ ካብ ዝባኣሰ ናብ ዝባኣሰ ተሰጋጊሩሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ እዩ፡ሃገራዊ ዋዕላ ተኻዪዱ። ብሓቂ ካኣ ሃገራዊ ዋዕላ ብምክያዱ፡ ሓይሊ ተቃውሞ፡ ካብ ወድባትን ሰልፍታትን ተሰጋጊሩ ናብ ህዝቢ፡ ማለት ህዝባዊ ምልዕዓል ናይ ምግባር መንፈስ ኣተኣታቲዩ። ወላ እኳ ኣሉታዊ ሸነኻት ይንበሮ፡ በቲ ኣወንታዊ ጎኑ ዘተባብዕን ዘሐብንን ሰራሕ እዩ ተፈጺሙ።

ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ፡ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘሰጋግር ቆጸራ ግን፡ መዓልቲ ሕርሳ ዘይትፈልጥ ነብሰ ጾር ኮይኑ።

ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ግን፡ ኣብራህሪሁ ዝምልሳ ሰብ ተሳኢኑ። “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል ምስላ፡ሁጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ህዝብና ዘንጊዕና ብዘገም ክንጓዓዝ ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ሃገራዊ ጉባኤ ንምክያድ ዝተቆርጸ መዓልቲ፡ ዳግም ንወርሒ ተመጢጡ። እዚ ክግበር ዝተኻእለሉ ምኽንያት ብጠለብ ናይ ኣባላት ኪዳን ዝኾና ስድሽተ ውድባት እዩ ተቐዪሩ፡ ዝብል መልሲ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ሰሚዕና።

ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ህዝብና፡ በብወገኑ ተዓጢቁ ንኸሕልፎ እንዳ ተሸባሸበ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ንወርሒ ክምጠጥ መደብ ናይ ክንደይ ግዱሳት ተሳተፍቲ ከምዘመዛብል ኣብ ግምት ኣይኣተወን ።

ዕድል ናይ ዓመት ዘይተጠቀማሉ ውድባት ከ? ወርሒ ተወሲኸን እንታይ እዩ ክገብረለን?።

ኩቡር ኣንባቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2011 ብሓውና በሺር ኢስሓቅ ዝተባህለ ብጣዕሚ ዘስደምም እዩ ኔሩ። ሕቡእ ኣጀንዳ ከምዘለዎ ዘንጸባርቕ ቃላት እዩ ደርቢዩ። ሞሊቁዎ ድዩ?  ተባሪቑዎ? ወይስ ኮነ ኢሉ ተዛሪቡዎ ዘብል ምንባሩ፡ ስዒቡ ተመጢጡ ኣሎ ዶ ተሳሒቡ እንዳ ተባህለ፡ ተስፋ ህዝብና ክኹለፍ እንከሎ መን እዩ ተጠቃሚ። ዝበልናዮ እንተዘይኮይኑ ኣብ ጉባኤ ኣይንሳተፍን እንዳበልካ ምፍርራሕ ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2011 ሓውና በሺር ኢስሓቅ ዝተዛረቦ፡ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ኮሚሽን ሓጋጊ ኣካል ክኸውን፡ ተቐባልን ፈጻምን ካኣ ኪዳን ክኸውን ከምዘለዎ እዩ ገሊጹ። ኣብቲ አዋን እቲ ንኪዳን ዝምልከት ሕቶታት ብዙሕ ቀሪቡ። መልሲ ግን ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ጸብሕ ዱባ ጌሮሞ።

ቁኑዕ ቃልሲ ናብ ህዝቢ ዝቐርብን ህዝቢ ዝሓቁፍን፡ ብፍላይ ካኣ ዝለዓለ ተሳትፎ መንእሰያት ክኸውን እዩ ዝግበኦ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ መንእሰይ መሪርዎ፡ ሓይሊ ተቓውሞኡ ኣዕብዩ ከም ንህቢ ዝዋሳእ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ዳኣ ናበይ ድሕር ድሕር። ስርዓት ህግደፍ እኳ በይነይ ስለ ዝበለ እዩ፡ ብማማዩ እንከሎ ከይዓበየ ኣሪጉ። ኪዳን እውን ምብርባር ናይ መንእሰያት ኣብ ራብሓ ህዝብን ሃገርን ከውዕሎ፡ ልቡ ከፊቱ፡ ቆጸርኡ ኣኽቢሩ፡ ብንቕሓት ሓቢሩ እዩ ክስጉም ዘለዎ። እምበር ህድማ ወይ ምድሕርሓር እንታይ ኣምጸኦ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርም ግን፡ ንወርሒ ይመጠጥ ወይ ካኣ ኣይንሳተፍን ኢና እንዳበልካ ምዃኑ እዩ። ምፍርራሕ ናይ ህግደፍ ከይኣክል ፡ ተቓዋማይ ንተቓዋማይ እንዳ ሃደድካ ዳኣ የዋስእ ዶ? ንዝብል ሕቶ ብሓጺሩ፡ ከይሓረዱ ሓዊ ኣንደዱ ኢልካ ምስጋሩ ዘይኮነ ብኣጋ ምትእርራም እዩ ልቦናዊ ዝገብረካ። መናውሒ ዕድመ ናይቲ ትልኽ ዝብል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምዃን ክንድሕን፡ ነቲ ሁጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ህዝብና ከነርክበሉ፡ ብቕንዕናን ትብዓትን፡ ሓድሕዳዊ ሓልዮት፡ሚዛናዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ክህልወና ይግባእ ጥራሕ ዘይኮነስ ፡ ግዴታና እዩ። ግዴታና ስለ ዝኾነ ካኣ ከነተግብሮ ግድን ይኸውን።

ስለ ዚ “ከይሓረዱ ሓዊ እንደዱ” ከይ ኮነና፡ ኣብ ኪንዲ ኣብ ስልጣንን ሽመትን ነማዕዱ ቀዳምነት ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ሰሪዕና ክንሰርሕን ዕላማ ናይ ኩልና ክኸውን እግባእ። ተረካቢ ስልጣን ህዝቢ ከምዝኾውንን ህዝቢ ዝመረጾ ከኣ ከም ዝመርሕን ባህሪያዊ ኣሰራርሓ ናይ ዲሞክራሲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንተዘይ ኮይኑ ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሰልጣን ከይተረከብካ ብዛዕባ ስልጣን ምውጣጥ ነቲ ዝተጠቕሰ ምስላ እዩ ዘንጸባርቅ።

ፍትሒ እንገስ ምልኪ ይፍረስ!

ዓወት ንዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ!

በራኺ ዮሃንስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Ottawa, Canada


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...