ካብቶም ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ወጺኦም ዝዋስኡ ገጸ-ባህሪያት እቶም ቀንዲ፡ በዓል ኣቶ X ፡ ኣቶ ኣነ ፡ ኣቶ ንሕናን ኢዮም። እዞም ፈቲና ጸሊእና ካብ ፖለቲካዊ ሂወትና (እንጀራና፡ጽላልና፡ሰላምና፡ክብረትና..... ) ዘይፍለዩ ገጸ-ባህሪ ክንፈልጠሙን  ክንከታተለሙን ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ኢዩ። ብፍላይ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ንሸባሸበሉ ዘለና ግዜ ባህሪ ናይቶም ኣብ ጉባኤ ዝውኩሉና ሰባት ምፍለጥን ዘይምፍላጥን ንውሳኔታት ጉባኤን ንጉዳይ ብቅዓት መርሕነትን  ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ ክጸልዎ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ፡ ነዞም ገጸ-ባህሪ ንምፍላጦም ካብ ዝሕግዙና ምልክታት ትማልን ሎምን ንኽወስድዎ ዝጸንሑ ሃገር ጠቀስ መርገጻት (ሑሉፍ ታሪኾም) ምፍላጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ሰዓት ካኣ፡-
 
* ኣብ ጉዳይ ደሞክራስን ምልክን ንጹር ርእይቶ ዘለዎን ንምእንቲ ደምክራሲ ክስየፍ ድሉው ምዃኑን ምርግጋጽ።
 
* ኣብ ጉዳይ መሬት፡ መሬት ናይ ዋንኡ ምዃኑን ፡ ነቲ መሬት ናይ መንግስቲ`ዩ ኢልካ ንናይ ውልቀ-ሰባት ረብሓ ክረጋገጽ ዝገበረ ሕጊ ዋንነት መሬት ዝጻረር ።
 
* ኣብ ጉዳይ ባንደራ ፡ ባንደራ ማለት ብዘይ ገለ ምግናን ኣብ ክንዲ ስም ሃገር እንጥቀመሉ መፍለጢ ዳኣምበር ዘዝመጸ ገዛኢ ክቀያይሮ ዝግባእ ፉሉይ ቁምነገር ዘለዎ ነገር ስለ ዘይኮነ ፡ ልክዕ ከምቲ ንኹሉ ወዲ ሰብ ስም ዘለዎ ፡ ንኹለን ጋንታታት ኩዑሶ ካኣ ስምን ባንደራን ዘለወን መጠን ምዃኑ ተገንዚቡ ነቲ ንባንደራና ምቅያር ዝተወስደ ስጉምቲ ቅድምቀዳድም ኢደወነናዊ  ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዘይተደላዪ ምንባሩ ዝኣምን፡፡( ዝኾነ ንሓድነት ህዝቢ ዝሃሲ ብኣይደሎጂካዊ፡ ትምክሕታዊ ምልክታት ዝተቀርጸ ባንደራ ምቅያር ግን ቅኑዕ`ዩ፡) ብማዕርኡ ኻኣ ንኹሉ ሕብርታት ቀስተ-ደበና ናይ ሰናይ ትምኒት ትርጉም እናሃብካ ከምቲ ወላዲት ንጽባሕ ጊላ ዝኸውን ውላዳ ጎይቶኦም እትሰምዮ መጠን`ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ሃገር ካኣ ብስሚዕት ናይ ወላዲት( ናይ ዜጋታታ) ዘይኮነስ ብሓንጎል`ያ ትህነጽ ::  (ኣብ`ቲ ታሪኻዊ ሃገራዊ ዋዕላ ክንርኤኪ ዘይምኽኣልና ኣይተዋሕጠልናን !!!)
 
* ኣብ ጉዳይ መንነት፡ መንነት"ብሄር" ንምንጻር ዝተወስደ መለክዒ ዘይስነ-ፍልጠታውን ላህመታውን ምንባሩ፡ ብተወሳኺ ስነ-ልበናዊ ዝምድና ደቂ ሰባት ውህቡን ብተፈጥሮ ዝምዕብልን ዳኣምበር ኣብ ናይ ፖለቲካ ፋብሪካ ዝእለም ከምዘይኮነ ፡ ከምኡ ኻኣ ዝኾነ ክፋል ሕብረተ-ሰብና በቲ ንሱ ዝደልዮ መፍለጢ ክፍለጥ / ክጽዋዕ/ መሰሉ ምዃኑ፡ እዚ ኻኣ ንደሞክራስያውያን ዘየሰክፍ ንሃገር ካኣ እንተዘየኽሲቡ ዘየኽስር ምዃኑ ዘረጋገጸ። 
 
* ኣብ ጉዳይ ቋንቋ፡ ዓረበኛን ትግርኛን ዕላውያን ቋንቋታት ኤርትራ ኢልካ ምእማን ንሃገራዊ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ዝህቦ ዓቢ ድፍኢት ብምስትብሃል ዓቢ ኣቃልቦ ዝገብር።
 
* ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ዝኾነ ወዲ ሃገር ዝደልዮ ሃይማኖት ክኣምንን እምነቱ ክኽበረሉን መንግስቲ ኻኣ ኣብ ጉዳይ እምነት ዝኾነ ተጽዕኖ ካብ ምግባር ክርሕቅ ከምዘለዎ ዝኣምን ክኸውን ኣለዎ። 
 
እዝን ካልእ `ንዕኡ ዝመስልን ኣወንታዊ መርገጻት ነቲ ብ "ኣቶ ንሕና" ተሰምዩ ዘሎ ገጸ-ባህሪ ዝምልከት ኾይኑ፡ ብሓፈሽኡ ግና ከምቲ ንመርገጽ ሪኢና ንባህሪ`ቲ በዓል መርገጽ ንምፍላጥ ዘይንሽገር ፡ ንባህርያት ብምዕዛብ ካኣ በዓል`ዚ ባህሪ ከምዚ መርገጽ`ዩ ክህልዎ ዝኽእል ዝብል ሚዛን ክንገብር`ውን ስለ እንኽእል ካብዚ ኣስዒብና ናይቶም ሰለስተ ገጸ-ባህርያት ባህሪ/ጠባይ/ ክንርእይ ንፈትን፡-
 
-  ኣቶ X
 
ወዲ`ታ ትብጸሖ ሃገር ዘይኮነስ ወዲ ኻልእ ሃገር ኮይኑ ተወሊዱ እንተዝነብር ፡ ወዲ`ታ  ትብጸሖ ቀቢላ፡እንዳ፡ወገን ዘይኮነስ ወዲ ኻልእ ቀቢላ፡እንዳ፡ ወገን ነይሩ እንተዝኸውን፡ ጸሊም እንተኾይኑ ጻዕዳ፡ ጻዕዳ እንተኾይኑ ጸሊም ኮይነ ተፈጢረ ነይረ እንተዝኸውን ኢሉ ዝሓስብ ፡ ዘይተግባራውን ክብረት ዘይግቦኦን ሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንናይ ካለኦት ሓለፋ ስለ ዝኣምን ንናይ ካለኦት ጸብለልትነትን ጭቆናን ምዝመዛን ክጻወር ጥራሕ ዘይኮነስ ከገልግል`ውን ድልው ዝኾነ  ተገዛኢ ጠባይ ዘለዎ ፉጡር`ዩ። ኣቶ X ኣብ ዝኾነ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ተቃውሞ ተበግሶ ዘይወስድ፡ ክልታዊ ጠባይ ዘለዎ ፡ ተጸቢዩ ምስ ዝበዝሑን ዝተዓወቱን ዝጽጋዕ፡ ንዝሃደኖ  "ንኣቶ ኣነ" ኣረኪቡ ተረፍ ጽጋብ" ኣቶ ኣነ" ዝምገብ፡ ምስቲ ኹሉ ዘለዎ ናይ ስልጣን ህርፋን ምስ ``ኣቶ ኣነ" ተጓራቢትካ እንተዘይኮይኑ ንበይኑ ስልጣን ንምብሓት ሓሞት ዘይብሉ ናይ መባዝሕቲ ተራ ዝጻወት ባህሪ ኢዩ ።
 
- ኣቶ ኣነ
 
በተዓባብይኡ ድዩ ብኸባቢኡ ወይ ብዝተገብረሉ ናይ ኣእምሮ ምሕጻብ ወፍሪ ፡ ንሃገረይ ትመስል ዓዲ ኣይተፈጥረትን፡ እንዳና ቀቢላና ወገና ዝጸረዩ ኢዮም፡ ብጠስሚ ይሕጸቡ ነይሮም ፡ ምስ ነብሪ ይጠማጠሙ ነይሮም፡ ዓጽምና ጽሩይ`ዩ፡ ስጋና ስቡሕ`ዩ.........እናበለ ዝፍክርን ዝኣምንን፡ምስ መቋርንቱ ቅምተኛ (ብሓደ ተበዲሉ ንሽሕ ክቀጽዕ ዝደሊ ሑሙም) ኣብ መስቀላዊ  መንገዲ ምስ ተራኸቡ ክልተ ነይሮም ሓደ ይኾኑ`ሞ ነዚ ብ"ኣቶ ኣነ" ዝፍለጥናዮ ገጸ-ባህሪ ሒዙ ኣብ ፖሎቲካዊ ሂወትና ይዋሳእ። "ኣቶ ኣነ" ንዝኾነ ዕድል ተጠቂሙ ልዕሊ ሰብ ክኸውን ፡ ካለኦት ከገልግልዎ፡ከኽብርዎ ዝጽበ፡ ምእንትኡን ምእንቲ ባህግታቱን ኣሻሓት ሞይቶም ኣሻሓት እንተጠመዩ፡ ሰብኣይ እንተሓሰረ ጡብ ኣደ እንተነጸፈ፡ ቅጭጭ ዘይብሎ ፡ ሰብን ኦምን ክመልኽ ዝደሊ ጨካን ፍጥረት ኢዩ። ካብ ስልጣን ወጻኢ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ኸኣ ንየማን ንጸጋም ንሓቂ ንሓሶት ክቃወም ይረኤ፡ኣቶ ኣነ ካብ  ብኻለኦት ትምራሕ ለምለም ሃገር ንሱ ዝመርሓ ጎዱፍ ሃገር ዝብህግ ብኣነነት ዝተላዕጠጠ ፍጥረት ኢዩ።        
 
- ኣቶ ንሕና
 
በታ ዝተዓደለቶ ሃገር ዝሕበን፡ ሃገሩ ካብተን ዝለዓላ ወይ ዝተሓታ ክትከውን ዝውስን መንፋዕትን ስንፍናን ደቃ ምዃኑ ዝኣምን፡ ካብ እንዳ እከለ ምውላዱ ኣባል ናይቲ ዝብጸሖ እንዳ ቀቢላ ምዃኑ ክብረት ዝስመዖ፡ ዓዲ እንዳማቱ ዘይዘምት እንተተዘሚቱ ብትብዓት ዝምክት፡ ንዝኾነ ዘርኢ መበቆል ወገን ዘየቆናጽብ፡ ወገኑ እንተተደፊሩ ዕጽፊዕጽፊ ዝምልስ፡ሰብ ካብ ሰብ ብዘይካ ብስንፍንኡን መንፋዕቱን ብውሁብ (በፈጣጥርኡ) ከምዘይበላለጽ ዝኣምን፡ንሓቂ ኢሉ ዝነብርን ዝሞውትን፡ ክሓልብ እንከሎ "እዚ ናኣተይ እዚ ናይ ምራኽ፡ እዚ ናተይ እዚ ናይ ማሕስእ" ኢሉ ዝዕቅን፡ ኣብ ጉዳይ በዳልን ተበዳልን ወዲ-ነይ ዘይፈልጥ፡ ሰብ ምስበለ ዝረኣዮ ግብሩ ጥራይ፡ ሰብ ምስ በለ እቲ ኣብ መንጎም ዘሎ ናይ ዶብ፡ ናይ ሕብሪ፡ናይ ምዕባለ፡ ናይ ታሪኽ ናይ እምነት ፍልልያት ካብ ምኽባሮም ዘይገትኦ፡ ረብን ሰብን ዝፈትውዎ፡እምነት ዘጽንዕ፡ንፍቅሪ ዝሕሉ፡ብዓወት ናይ ካለኦት ዝሕጎስ፡ሃገር እንተሃብካዮ ዘለምልም፡ ፍረድ እንተበልካዮ ዝብይን፡ቆፎ እንተትሓዝካዮ ንሰብ ዘጽግብ፡ እንተሾምካዮ ዘገልግል ገጸ-ባህሪ ኢዩ 
 
ብዝተረፈ፡-
 
- ኣብ መንጎ ርኽበትን ስእነትን ናይ ሰማይን ምድርን ራሕቂ እንተሪእኻ
 
- ዝረኤ፡ ዝስማዕ፡ ዝንበብ ነጻ ዝኾነ ማዕከናት መራኸቢ ህዝቢ ምስ ዘይህሉ
 
- ነጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝበኽሮሉ
 
- መን ኢኻ ዘይበሃሉ፡ተቆጻጻሪ ዘይብሎም፡ሃገር ደንበ እንዳ ዓለበኦም ዝመስሎም
 
- ሃይማኖቶም፡ገዘኦም፡ንብረቶም፡ዝድፈር ብፍርሒ ዝተዋሕጡ ሰባት 
 
- ሓለፋ ዘለዎም ውልቀ-ሰባትን ክፋል ሕብረተ-ሰብን
 
- ጉቦን ኣያበያን(ብልሽውና) ጉልባበን ቀሊዔን ክዛወራ 
 
- ኒፋቅ(ምልቅላቅ) ከም ብልሃት ክቁጸር
 
- ተመሳሲልካ ምንባር ኣብ ውሽጢ ሕብረተ- ሰብ ከም ባህሊ ክተኣታተው                                                                   
 
እዝን ንዑኡ ዝመስል ጋሕመጥመጥን ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰፊኑ እናረኤኻ ፡ሃገር ብ በዓል "ኣቶ X ኣቶ ኣነ"ትምራሕ ከምዘላ ትጠራጠር እንተኾንካ፡ብዘይ ገለ ውዕል ሕድር ነቲ ኣብ መንጎ`ቲ ውድዕነትን ኣብ መንጎ ኣዒንትኻን ዘሎ ፡ ንሓቂ ከም ዘለዎ ገይሩ ዘየሪኢ ፋልሶ መነጸር ክትኣልዮ ይግባእ፡፡    

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...