ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብቐዳምነት ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ፡ ሃገርን ህዝብን ሓደ ዝተታሓሓዘ ዘይነጻጸል ትርጉም ዘለዎ ኢዩ፡ ብቕሊሉ ሓንቲ ሃገር እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ኢዮም ሃገር ዘብሉዋ፡ ብዘይክኦም ሓደ ጥራዩ ዘሎ መሬት ኢያ፡ ስለ እዚ ሃገር ክንብል ከለና፡ ህዝቢ ንብል ኣለና ማለት ኢዩ፡ ሓንቲ ሃገር ትብሃል እምባኣር እቶም ነበርታ ዘጣቓለለት ኣካል ናይቶም ነበርታ ዝኾኑ ህዝቢ ኢያ።

ንኣና ንኤርትራውያን ግን ነዚ ብግቡእ ከይንፈልጦ ዝፅንቅፍ ድሕሪ ባይታ ስለ ዘለና ኩሉ እንቃለሶ ኣታሓሕዝኡ ኣይንኽእሎን፡ ብኡ ምኽንያት ካኣ ቃልስና ካብቲ ዝግብኦ ንላፅሊ ጊዜ ይወስድ፡ ውጽኢቱ እውን ከምቲ ዘድሊ ኣይኽውንን፡ በዚ ምኽንያት ካኣ ኢና ቃልሲ እናተዋራረሰ፡ ኣብ ቃልሲ ዓቢና፡ ንደቅና ካኣ ኣብ ክንዲ ራህዋ፡ እቲ ኩሉ ዓይነት ሽግራት ከም ጥምየት ውግእን ምዝንባላትን፡ ማለት እዚ ኢዩ ክትብሎ ዘይት ኽእል ሕብረተ ሰብኣዊ ፋሕፋሕ ዘስፅብን ንሃገር ካኣ ከምዘይትትስእ ጌሩ ዘፅኑን ኣብ ልክዑ ንኽትመልሶ ካኣ ሓያል ኩሉ ዓይነታዊ ቃልሲ ዘድልዮን ሽግር ኢና ነውርሶም ዘለና፡፡ 

ስለ'ዚ ንድሕሪ ሕጂ እውን እንተኾነ ነቲ ዝፅንቅፈና ዘሎ ብግቡእ ጌርና እንተዘይ ፈሊጥናዮ፡ እሞ ቅኑፅ ኣገባብ ቃልሲ እንተዘይ ሒዝና፡ ዋላ እቲ ብሕጂ እነካይዶ ቃልሲን ዘለና ትጽቢትን'ውን፡ እቲ ትጽቢት ጥራይ ትጽቢት እቲ ቃልሲ ድማ ጥራይ ቀጻሊ ኮይኑ ኢዩ ክተርፍ፡ ብዘይ ስምምፅን ቅኑፅ ኣጋባብ ቃልሲ ምሓዝን ኣብ ንበጽሖ ደረጃ የብልናን፡ ብሓጺሩ ኣጸቢቕና ክንሓስበሉ ዘድልየሉ ኩነታት ኢና ዘለና። 

ስለ'ዚ ነቲ ዘየራዳድእ ብግቡእ ክንፈልጦን፡ እንታይ ኢዩ እቲ ከይንራዳዳእ መሰናኽል ዝኾነና ዘሎ ድሕሪ ባይታ ክንምርምሮን፡ ንእኡ ኣጽኒፅና ነቲ ኣገባብ ቃልስና ብግቡእ ክንሕዞን ኢዩ ዝግባእ፡ እንተዘየለ ጌና ኣብ ሸንኮለል ኢና ክንነብር፡ ስለ እዚ ካኣ ነቲ መሰረታዊ ፅንቅፋት ንፍለጦ እሞ፡ እቲ ክፍወስ ዘለዎ ድሕሪ ባይታ ንፈውሶ እብል። 

ንሕና ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ላሕ ዝበልና ህዝቢ ኢና፡ እቶም ዝተባራረዩልና ባፅዳውያን ገዛእቲ ካኣ ከም ዝግባእ ጌርና ብዛፅባ ሃገርነት ይኹን ካልእ ንኸይንፈልጥ ዝገብር ናይ ኣካይዳ ወይ ምሕደራ ተኸቲሎም ንናሓዋሩ እውን ከም ዘይንምፅብል ጌሮም ሒዞምና ጸኒሖም ኢዮም፡ ብኸምዚ ዝበለ ሕማቕ ኣታሓሕዛ ክንግዛእን ከም ሕሱም ክንቅጥቀጥን ስለ ዝጸናሕና፡ ልፅሊ ዝኾነ እናተቓለስና ሽግርና ምፍታሕ ስኢና ንነብር ኣለና።

ብዛፅባ እቲ ብገዛእትና ንኸይንምፅብል ዝፅንቅፍ ሰረት ዝኾነ ድሕሪ ባይታ ክንርኢ እንተ ኾይኑ፡ ንኣብነት ጥልያን ክገዝእ ከሎ፡ ሰብ ካብ ራባዓይ ክፍሊ ንላፅሊ ክምሃር የብሉን ኢሉ ወሲኑ፡ ንኽልእኩና ግን ንዝተወሰነ ደረጃ ቋንቋኦም ምሂሮምና፡ እዚካኣ ንኣታቶም ኣብ ምግልጋል ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ሸቃላዮም ኮንካን በተን እትረኽበን ቁሩብ ገንዘብ ከም ትነብር እምበር ካብኡ ሓሊፍካ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ካልእ ፍልጥት ከይተጥሪ እሞ ንኹሉ እቲ ኣብ ልፅሌኻ ዝሓስቡዎን ዝገብርዎን ከይትፈልጥ ኢዩ፡ብሓጺሩ ካልእ ብዙሕ ንኸይንፈልጥን ከይንምፅብልን ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ክንምሃር ኣይፈቐዱን። 
እንግሊዝ ክገዝእ ከሎ ካኣ፡ ትምህርቲ ሂቡ ግን ኤርትራውያን ንኸይሳማምዑ፡ ሓያል ዝኾነ ንኹሉ ጊዜ ዘይንሳማማፅ ኴና ንኽንነብር ዝገብር ኩነታት ከታኣታቱ ኣበርቲዑ ሰሪሑ ኢዩ፡ እንግሊዛውያን ምንም እኳ ትምህርቲ እንተምሃሩ፡ ነቲ ሃገር ባፅሎም ብረት እናሃቡ ሽፍትነት የታባብዑ ኔሮም ኢዮም፡ እዚ ካኣ ንኤርትራ ዓዲ ቅትለት ንቕትለት ኮይና ከም ትተርፍ ዝገብር ኢዩ ኔሩ፡ ኮነ ኢልካ ካኣ ኢዩ ዝግበር ኔሩ። 
                           
ህዝቢ ኤርትራ ዘይክኣል ብርቱፅ ህዝቢ ኮይኑ ኢዩ እምበር ተረፍ ዘይብሉ ምተጣፍኤ ኔሩ፡ እንግሊዝ ሽፍትነት እናተባብዐ ነንሕድሕዱ ከጣፍኦ ዝገበሮ ፈተነታትን ከምኡ'ውን ኣስላምን ክርስትያንን ተባሃሂሉ ሱሩ መሰረቱ ክሳፅ ዝበርስ ምተጫራረሰ፡ ሃገር'ውን ኣብ ክልተ ምተኸፍለት፡ ኤርትራ ትብሃል ምናልባት ኣይምሃለወትን፡ ግን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናይ ነዊሕ ሰረት ዝነበሮ ካብ ናይ ኣቦታቱ ዝወረሶ ልቦና ዝውንን ስርዓት'ውን ዝፈልጥ ህዝቢ ስለ ዝነበረ ብቓልሱ ሃገሩ ምስ ወሰናስና ሓልዩ ከም ሃገር ኣድሒኑዋ ጸኒሑ። 

እቲ ብባፅዳውያን ብሕልፊ እኳ ብእንግሊዛውያን ንኹሉ ጊዜ ከይንሳማማፅ ዝሰረቱዎ ድሕሪ ባይታ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተጀመረ ሰረት ኮይኑ ጸኒሑ ኣብ ክልተ ተኸፊልና ከም ንዋጋእ ጌሩና'ዩ ክብሃል ይካኣል፡ ምኽንያቱ እንግሊዛውያን ዋላ እውን እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ክቐውም እንከሎ ጸገም ዘስፅብ ኔሩዎ'ዩ። 

እንግሊዛውያን ንኤርትራ ናይ ኣስላምን ክርስትያንን ጥሙር መንግስቲ ጌሮም ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ኣሳሲሮም ክገድፉና ከለው ሓዊ ደጕሎም ኢዮም ከይዶም፡ እቲ መደብ ዋላ እውን ብወግዒ እንተዘይፈለጥናዮ፡ ኣስላም ክስታን ብዝብል እቲ ሓዊ ምስ ተባርዐ ኢትዮጵያ መጥፊኢት ሓዊ ኮይና መጺኣ ንኤርትራ ክትሕዛ ኢዩ ዝነበረ። 
 
እምበር ኣብ ኤርትራ ሰላም ሰፊኑ ህዝብና ንሓዋሩ ቀሲኑ ብናጽነት ክነብር ከም ዘለዎ ዝተሓስበ ኣይነበረን፡ ክሳፅ እንግሊዛውያን ንሃይለ ስላሴ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት እንተዘይሓቢራ ድሓር ሽግር ክመጸካ ኢዩ ኢሉዎም ዝብል ዘረባ ናይ ጎድና ይስማፅ ኔሩ ኢዩ፡ ንሱ ሓቂ እንተኾይኑ ኣረኪብናካ ኣለና ኣይትሕመቕ ከም ዝበልዎም ዘስምፅ ኤይ ዘሕብር ኣባሃህላ ኢዩ፡ ድሓር ካኣ እቲ ኩሉ ሽዑ ዝብሃል ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሓቂ ኮይኑ ንረኽቦ ኣለና። 
 
እዝጊ ክገብር ጽሓይ ወርሒ ይነብር ከም ዝብሃል እቲ ህዝቢ ፈደራላዊ ውዑል ተቐቢሉ ክሳፅ እንግሊዛውያን ካብ ሃገር ዝኸዱሉ ስቕ ኢሉ ስለ እታዓገሰ ግን እታ ሃገር ከምታ ዝነበረታ ምስ ኢትዮጵያ እተጸግዐት ሃገር ኮይና ተሪፋ፡ ባፅልና ክንውንና ኣለና ናብ እታ ካብ ንግሆ እንደልያ ናጽነት ክንሰግር ኢዩ ኔሩ ተስፋና እምበር ብኢትዮጵያ ክንማሓደር ወይ ምስ ኢትዮጵያ ክንሕወስ ድልየትና ኣይነበረን፡፡ 

ብዓንተቡኡ እውን ብውክልና እተማሓድረና ሃገር ኣይንደልን ኢልና ኔርና ኢና፡ ኢልና ድማ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚርና፡ ባፅልና  ክንማሓደር ዘኽእል ኩሉ ዓቕምን ፍልጠትን  ዘለና ህዝቢ ኢና ኢልና ተቓሊስና፡ ግን ኣብ ጉፅዞ ተዋዲእናስ ቃልስና ተዓዊቱ ፍረ ምስ ኣምጽኤ እውን ኣብ ምሕፋሱ ሰኒፍና፡ ብኡ ካኣ ናብ ካልኣይ ጸገም ወዲቕና ንርከብ፡ እዚ ሓደ ካብቲ ዘይምስምማፅና ዝሰዓበ ኢዩ፡ እቲ ዘይምስምማፅ ካኣ ጌና ኣብ ቦትኡ ኣሎ፡ ስለ'ዚ እቲ ናይ ምፅራይ ስራሕ ጌና ይጽበየና ኢዩ ዘሎ።

ስለ'ዚ ድሕሪ ሕጂ እቲ ብቓልስና ክፅቆብ እንደልዮ ኣብ መፈጸምታ ክበጽሕ ዝኽእል፡ ኩልና ሓድሕዳዊ ምትእስሳርን ሓድሕዳዊ ፍቕርን ምክብባርን ከም ዝህልወና ጌርና፡ ብሓባር እምቢ ንሕማቕ ስርዓት ኢልና፡ ባፅልና ዋናታት ጉዳይና ክንከውን ኢዩ ዝግባእ ድሕሪ ባይታና እቲ ዝዓበየን ኣጸጋምን መሰናኽል ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ ጌና'ውን ኣብ ቦትኡ ስለ ዘሎ፡ ጌና ዋናታት ሃገርና ክንከውን ኣይካኣልናን ወይ ኣይበቓፅናን ዘለና፡ ንድሕሪ ሕጂ ዝኸውን ብቕዓት እውን ዘጥረና ኣይንመስልን፡ ምኽንያቱ ብጀካ ምውቕቓስ ብዛፅባ ፍታሕ ዝዛረብ የለን።
                                 
እንተስተውዒልናዮ ሃገር ዋናኣ ሓደ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ መንግስትነት ዘይሰገረ ባይቶ ዘይብሉ ሕጊ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኩሉ ዝገብሮ ናይ ፅብዳንን ሱር ዘይብሉን ዳኣ ኢዩ እምበር፡ ብኣዋጅ'ውን ሃገር ናተይ፡ እታ መንግስቲ እውን ናይ ብሕተይ ኢያ ኢሉና ኢዩ፡ ነቶም እዚ ዘይርድኦም ንዑ ግዳ ሓደ ኴና ነዛ ሃገር ኣብ ቦታኣ ንምለሳ ንበሎም፡ ናይ ኩልና ኢያ ግን ተዘሚትና ከም ዘለና ከማና ጌሩ ኣይተረዳኣኩምን ዘሎ እምበር ንሳስ ከይዳ ኢያ ዘላ፡ ፍለጥዎ ተዘሚትና ኢና ዘለና ንበሎም፡ ኩልና ነዚ ምስ ፈለጥና ሓቢርና ንዓማጺና ኣባሪርና ብሰላም ኢና ንነብር ንኽእል ሽግርና ሓደ ንሱ ጥራይ ኢዩ፡፡ 

ርግጽ ኢዩ እታ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ናትና ኢያ ኔራ፡ እቶም ገዛእትና ካኣ ናትና ኢያ ኣይበሉናን፡ ርግጽ ኢዩ ኣብ ትሕቲኦም ከለና ብሕጊ ኣቦታትና እናተማሓደርና ኣብ ልፅሊ እቶም ክለተ ዘይነጻጸሉ ኤርትራን ህዝባን ይገዝኡ ኔሮም ኢዮም፡ ይኹን እምበር ነቲ ዝነበረ መግዛእቲ፡ኣቦታትና መግዛእቲ እዚኦም ጊዜኦም ኣኺሉ ክሳፅ ዝኸዱ ጥራይ ኢዩ እምበር ባፅዳውያን ስለ ዝኾኑ ውዒሎም ሓዲሮም ንዓዶም ክኸዱልና ኢዮም፡ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ኔሮም፡ ሓቆም ካኣ ኮይኖም። 

እዚ ኮይኑ እቲ ካብ ኣቦታትና ኣትሒዙ ዝነበረ ናይ ምግዛእቲ ሕሰም መሪሩና፡ ንምንታይ ናይ ዘዝመጹ ዘይንፈልጦም ባፅዳውያን ገዛእቲ ግዙኣት ንኸውን ኢልና ድማ፡ ተገዛእቲ ኣይንኸውንን እምቢ ኢልና ተቓሊስና፡ ኣይሓመቕናን ካኣ ከምቲ ዝደለናዮ ጌርና፡ ማለት ንገዛእቲ ብጽንዓት ተቓሊስና ነንዓዶም ኣባሪርናዮም።

                         ። ይቕጽል ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና   









 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...