መእተዊ፦ 

ሳልሕ ቓዲ፡ ነቲ ‘ዓረብኛን ትግርኛን ጥራይ ኢዮም ወግዓውያን ቋንቋታት ኤርትራ’ ዝብል መርገጺኡ ንምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክርስትያን ኤርትራ ዝጸሓፎ ዘለፋን ጸለመን፣ ከምኡ እውን ኩሎም ኣስላም ደገፍቲ ዓረብኛ፡ ኩሎም ክርስትያን ድማ ተቓወምቲ ዓረብኛ ከም ዝኾኑ ኣምሲሉ ንዘቕረቦ ዝምቡዕን ፈላላይን ጽሑፍ፣ ኣብ’ቲ ኣብ 2 ነሓሰ 2011 (August 02, 2011) ዘቕረብኩዎ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ዝግባእ መልሲ ሂበሉ ኣለኹ። ክሳብ ሕጂ፡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ካልኣይ ክፋል ዘየቕረብኩሉ ምኽንያት ድማ ንሳልሕ ቓዲ ናይ ምምላሽ ዕድል ንምሃብ ኢዩ ዝነበረ። ሳልሕ ቓዲ ግን በቲ ዕድል ዘይምጥቃሙ ኣየገረመንን፣ ኣይተጸበኹዎን እውን። ኩላትና እኮ ፖለቲካዊ ጌጋታት ንፍጽም ኢና፣ እቲ እንፍጽሞ ጌጋ ድማ ናይ ጽሑፍን ናይ ዘረባን ክሳብ ዝኾነ ኣየኽስስን፤ ግዳ ከም ጌጋ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንፍጽሞ ጌጋ፡ ከከም ደረጃኡን ከከም በሃሊኡን ይምዘን። ኣብ’ዚ፡ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ተኣፋፊ ኮይኑሉ ዘሎ ጊዜ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ጌጋ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ይኹን ብዙሓት ክፋላት ናይቲ ህዝቢ ዘንብሮ ሃስያ ቀሊል ስለዘይከውን ድማ ከይተረስዐ ይነብር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኻልኦት (ምናልባት እውን ስምዒታውያን) ምኽንያታት መበገሲ ኪኸውን ይኽእል። በሃሊኡ ኣገዳሲ ሰብ ምስ ዝኸውን ድማ፡ እቲ ከም ሳዕቤን ዝርኤ ግብረ-መልሲ (ጽልኢ፡ ምጥቕቓዕ፡ ምውንጃል ወ.ዘ.ተ.) ዝኸረረ ይኸውን። ከም’ዚ ዝበለ ናብ ምፍሕፋሕ ገጹ ዝድይብ ጠንቂ፡ መበገሲኡ ስሒቱ ወገናዊ ኣንፈት ስለዝሕዝ ድማ ንምፍትሑ ኣጸጋሚ ወይ ከኣ ዘይከኣል ይኸውን።

ነዚ ነጥብ’ዚ ከቕርብ ዝደረኸኒ ምኽንያት እቲ ዝተጠቕሰ ጌጋ ዘይኮነ፡ እቲ ጌጋ ብሓደ ኣገዳሲ ሰብ ስለዝተፈጸመ ኢዩ። ሳልሕ ቓዲ፡ ኣብ’ዚ ንኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ብዙሓት ሓሳባት ዝመላለሱሉን ዝጻረዩሉን ዘለዉ መድርኽ ኣገዳስን ኣዎንታውን ተራ ዘበርከተ ሰብ ምዃኑ፡ ኩሉ ተኸታታሊ ኣዝማሪኖን ዓዋተን ዝምስክረሉ ሓቂ እዩ፣ በዚ ተራኡ ድማ ኪምስገን ይግባእ። ኮይኑ ግን፡ ብፍላይ ንሓደ ብሄር ዝውንጅልን ንህዝብታት ኤርትራ ዝመቓቕልን ጸሑፍ ኣቕሪቡ ጉድለታቱ ከልዕል ዘይምፍታኑ ዘሕርቕን ዘቐይምን ጉዳይ ኢዩ። ግደ ሓቂ፡ ታሪኽ ክብሃል እንከሎ ናይ ዉሑዳት ሰባት ታሪኽ እዩ፣ እኒ ገብረን እኒ ዓብዱን ደሚርካ ዝመጽእ ታሪኽ የለን። ብኡ ምኽንያት ኢዩ ከኣ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ንዓብደላ እድሪስ፡ ንመልኣከ ተኽለን መሰልቶምን፣ ንህዝባዊ ግንባር ክንዝክር እንከለና ድማ ንኢሳያስ፡ ንሸሪፎን መሰልቶምን እንጠቅስ። ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልስና እጃም ዘበርከቱ ሰባት ድኣ ኣመና ብዙሓት እንድዮም፡ ግን እቶም ዉሑዳት እምበር እቶም ቡዙሓትስ ኣይዝከሩን ኢዮም፣ እንትርፎ ብሓንቲ ሽምዓ። ስለ’ዚ ኢዩ ድማ ታሪኽ ኣገዳሲ ዝኸውን፣ ናይቶም ፍሉይ ተራ ዝተጻወቱ ውሑዳት ሰባት ጽቡቕን ሕማቕን ተግባራት ስለዝምዝግብ።

ኣብ ዓለም ወጹእ ህዝቢ የለን። ኩሉ ብሃይማኖት፡ ብቐቢላ፡ ብእንዳ ነንሕድሕዱ ዝተኸፋፈለን ዝፈሓፋሕን ኢዩ፣ ናትና ድማ ከምኡ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ህዝብታት ከኣ፡ ከምቲ ነንሕድሕዶም ዝከፋፈሉን ዝፈሓፍሑን፣ ይለማመዱ፡ ንግዳዊ ልውውጥ ይገብሩ፡ ብቋንቋን ባህልን ይረዓዓሙ፡ ይዋሰቡ…ወ.ዘ.ተ.፣ ብሓፈሻ ብሰላምን ፍቕርን ንምንባር ዘለዎም ምርጫ የሐይሉ። ከም’ዚ ኮይኑ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ህዝቢ ዝርከቡ ኣገደስቲ ባእታታት ኣዎንታዊ ወይ ኣሉታቲ ተራ ኪጻወቱ ይኽእሉ። ተራኦም ኣዎንታዊ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ህዝቢ ካብቲ ዝነብረሉ እዋን ሰጊሩ ንርሑቕ መጻኢ ኣማዕድዩ ስለዝጥምት፣ ታሪኹን ናይ ልምድን ባህልን ቅርስታቱን ዓቂቡ፣ ኣተሓሳስባኡ፡ ንቕሓቱ፡ ፍልጠቱን ናይ ምንባር ሜላኡን በብግዜኡ እንዳቐየረን እንዳኣማዕበለን ይጉዓዝ፤ ውህሉል ሃብትታቱ ድማ ንወለዶታት የሰጋግር። ተራ ኣገደስቲ ሰባት አሉታዊ ምስ ዝኸውን ግን ናይ’ቲ ህዝቢ ኣተሓሳስባ በቶም ኣብ ጊዜኡ ዝርከቡ ሽግራትን ግርጭታትን ስለዝውሰን፣ ኣብ ክንዲ ርጉእን ሚዛናውን፡ ቁጡዕን ስምዒታውን፣ ኣብ ክንዲ ክፉትን ፍትሓውን፡ ዕጹውን ወገናውን ይኸውን፣ ኣብ ክንዲ ልዝብን ምውህሃብን ዝቕበል ድማ ኣንነታውን ዓቃባውን ጠባይ የማዕብል።
 
ኣብ መወዳእታ ድማ ግዳይ ናይቶም ንስምዒታቱ ዝምዝመዙ ሰባት ኮይኑ ኣብ ቀጻሊ ህውከት ይነብር፣ ታሪኹ፡ ባህሉ፡ ንዋታውን መንፈሳውን ሃብቱ በብቑሩብ ይጠፍእ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ይዳኸም፡ ምናልባ’ውን ይጸንት። ኣብ ዞባና ናይ እዚ ኣብነታት መሊኦም ኣለዉ፣ ካብ ሱዳን፡ ኮንጎ፡ ሩዋንዳን ምሕላፍ ድማ አየድልየናን። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ንዘንተ-እለት ዘይዓርፍ ህውከት፡ ኩናት፡ ምብትታንን ድኽነትን ክህሉ ዝኸኣለ ብናይ’ቲ ህዝቢ ምኽንያት ዘይኮነስ፣ ኣብ ውሽጡ ኮይኖም ጽልእን ህልኽን ዘሳውሩ ሰባት ብዝፈጠርዎ ዘለዉ ጠንቂ ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ ኣውሮጳውያን ብዓሌት ከይተረፈ ዝተፈላለዩ ክነሶም ነቲ ንዘበናት ዝሕምሶም ዝነበረ ኩናት ኣወጊዶም፣ ስኒትን ምርድዳእን ዝመሰረቱ ናይ ሓባር ህይወትን ስልጣኔን ብምቕያስ ኣብ ዓለም መሪሕ ተራ ሒዞም ይርከቡ። ከምኣታቶም ዘይንኾነሉ ምኽንያት ድማ ዘሎ ኣይመስለንን።

እቲ ምርጫ ናትና ኢዩ። እቲ ህዝቢ ናብ ሓደነትን ፍቕርን፡ ናብ ብልጽግናን ልምዓትን ገጹ ንከምርሕ ዲና እንሕግዞ ወይስ ነንሕድሕዱ ንክራጸምን ናብ ምብትታንን ምትህንዃትን ገጹ ንክጉዓዝን? ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ መስርሕ ተራ ዘበርክቱ ኣገደስቲ ሰባት ዓበይቲ ጌጋታት ካብ ምፍጻም ኪቑጠቡ፣ ጽሑፋቶምን መደረታቶምን ንህዝቢ ዘረሓሕቕን ዝነጻጽልን ንኸይከውን ክጥንቀቑ፣ ካብቶም ገጢሞምና ዘለዉ ኣካታዕትን ተኣፈፍትን ጉዳያት ወጺኦም ኣብ መጻኢ ንዝህሉ ስኒትን ራህዋን ከመልክቱ እሞ ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ከም ዕርቅን ምውሕሓጥን ዝኣመሰሉ ሃነጽቲ ጠባያት ኣብቲ ህዝቢ ከም ዝሰረጹ ኪጽዕሩ ይግባእ። ከምዚ ዝገብር ሰብ፡ ኵኖ ዘበኑ ዝጥምትን ኩሉ ጊዜ ናይ ህዝቡ ጽቡቕ ዝደልን ሰብ ኢዩ’ሞ፡ መራሒ ከኣ ይብሃል። ብዝተረፈ፡ ዝኾነ ገረወላዕ (jack and hurry) ዝሓስቦ ዝልፍልፍ ሰብ መራሒ ኣይኮነን፡ ኪብሃል’ውን ኣይግባእን። 
 
እምበኣር፡ ናብቲ ዝቕጽል ኣርእስቲ ማለት ኣብ ኤርትራ ኣየኖት ቋንቋታት ኢዮም ወግዓውያን ኪኾኑ ዝግብኦም፣ ወይ ድማ ሓደ ቋንቋ ወግዓዊ ወይ ዘይወግዓዊ ንኪኸውን ዝውስን መን ኢዩ ናብ ዝብል ሕቶ ክሰግር። ሕጂ’ውን ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ዓረብኛ ወግዓዊ ቋንቋና ኢዩ ወይስ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ምጉት ክካታዕ ኣይደልን እየ። ንዓይ ዘጽሕፈኒ ዘሎ ጉዳይ፡ ዓረብኛ ብሓቂ ነተን ብእኡ ተወኪለን ዘለዋ ቋንቋታት ኤርትራ ይውክል ድዩ? ቋንቋ ዓረብ፡ ነቲ እተን ናይ ብሄራት ቋንቋታት ዝህብኦ ኣገልግሎት ኪትክእ ይኽእል ድዩ? ስለምንታይ ኢዩ ወግዓውያን ቋንቋታትና ኣብ ክልተ ጥራይ ከም ዝውሰን ዝተገብረ? ስለምንታይ እዩ’ኸ እዚ ንኸይቅየር ሰባት ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ዘለዉ? ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም። ብእምንቶይ፡ እቲ መሰል ናይተን ብዓረብኛ ተወኪለን ዘለዋ ብሄራት ስለዝኾነ፣ ንሳተን ምስ ተሓተታ ኢዩ እቲ ውሳኔ ዝብጻሕ። ኣፍልጦና ምእንቲ ኪሰፍሕ ግን፡ ብቐዳምነት ንኣገዳስነት ናይ ኣደ ቋንቋን፡ ብኻልእ ቋንቋ ምስ ዝትካእ ዘኽትሎ ሳዕቤንን፣ ቀጺለ ድማ፡ ስለምንታይ ዓረብኛን ትግርኛን ጥራይ ወግዓውያን ቋንቋታት ኮይኖም ኣብ ዝብሉ ነጥብታትን ካልኦትን ርእይቶይ ከፍስስ ኢየ።
 
ከምቲ ደጋጊም ዝገለጽክዎ፡ ወነንቲ ናይ’ዚ ጉዳይ’ዚ እተን ብቛንቋ ዓረብ ተወኪለን ዘለዋ ብሄራት ስለዝኾና፣ ኣባላተን፡ ብፍላይ ከኣ ምሁራት ኣባላተን ሓሳባቶም ከቕርቡ፣ ካልኦት ናይ’ዚ ዓውዲ’ዚ ኪኢላታት እውን ትዕዝብትታቶም ክልግሱ ብስም ኣንበብቲ እሓትት። እቲ ጉዳይ ብዝተፈላለዩ ኩርናዓት ምስ  ዝጥመት፡ ፍልልያትና ንምጽባብን ናብ ሓደ ናይ ሓባር መደምደምታ ንምብጻሕ ዝህልወና ተኽእሎ ኣዝዩ ዝሓሸ ኢዩ ዝኸውን፡፡ ብዉሑዱ ድማ እቲ ጉዳይ ተሸፊኑ ኣብ ክንዲ ዝሓልፍ፡ ንካታዓሉ ምናልባት’ውን ኩላትና ንዓግበሉን ንሰማማዓሉን።
 
ኣገዳስነት ናይ ኣደ-ቋንቋ፦

ሓደ ቆልዓ ምስ ተወልደ ብቐዳምነት ዝምስርቶ ዝምድና ምስ ኣዲኡ ኢዩ፣ በብቑሩብ ድማ ምስቶም ዝተረፉ ኣባላት ናይታ ስደራ-ቤት ይላለ። ጸኒሑ ድማ ቃላት ይፈልጥ፡ ቃላትን ሓረጋትን እንዳተጠቕመ ከኣ ሓሳባቱን ድልየታቱን ይገልጽ፡ ምስ ከባቢኡ ድማ ይዋሳእ። ናይ ቋንቋ ምልከቱ እንዳተመሓየሸን፡ ኣካሉ እንዳዓበየን እንዳደልደለን ምስ ከደ ድማ ኣብቲ ስድራ-ቤትን ከባቢኡን ዝካየዱ ነገራት ይምዝግብን የስተማቕርን።
 
ንኣብነት ናይ ኣቡኡን ኣዲኡን ዕለታዊ ተራ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኣሕዋቱ ይዕዘብ፣ ኣብ ከባቢኡ ዝርኣዩ ነገራት ከም ለይትን መዓልትን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ስራሕን ዕረፍትን፡ ሞትን መርዓን፡ በዓላትን ወ.ዘ.ተ. ዝኣመሰሉ ነገራትን፣ ምስ እዚኣቶም ዝተተሓሓዙ ሓሳባት፡ ኣባሃህላታት፡ ልምድታት፡ ስነ-ምግባራት (norms) ናይ ሰባት ምንቅስቓሳትን ይፈልጥ። ኣፍልጦኡ ካብ ናይታ ጸባብ ስድራ-ቤት ወጺኡ ምስ ቤተ-ዘመዱን ከባቢኡን ይላለ፡ ኣዕሩኽ ይምሰርትን ይጻወትን፡ ይምሃር፡ ይዓቢ…ከምኡ ኢሉ ክንዲ ሰብ ምስ ኮነ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወት ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ይዋሳእ፣ ሓደ ክፋል ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ድማ ይኸውን። 

ኩላትና ናይ ቀደም ክንዝክር እንከለና ማለት ስድራ-ቤትና፡ ዝዓበናሉ ቦታ፡ ናይ ሽዑ ደርፍታትን ላህያታትን (ኣወሎ፡ ድጓ፡ ጨፈራ ወ.ዘ.ተ.) ናይ ንእስነት ዕርክነትን ጸወታታትን፡ ዘሕለፍናዮ ፍቕርን ዋዛታትን ወ.ዘ.ተ. ክንዝክር እንከለና ንሕጎስ፡ ንሓዝን፡ ጦብላሕታታት (ትዝታ) ይዝከሩና፡ ነዛሚ (ብድምጺ፡ ብፋጻ) ንናፍቕ ወ.ዘ.ተ። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ናይ ባህልና (ኣብነት ትግርኛ) ደርፊ ክድረፍ እንከሎ ብወኒ ተንሲእና ንስዕስዕ። እቲ ምንታይ፡ ውጽኢትን ክፋልን ናይቲ ባህሊ ስለዝኾንና፤ እቲ ባህሊ ብዘይካና፡ ንሕና ድማ ብዘይካኡ መግለጺ ወይ ህላዌ ስለዘይብሉ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ዝሰረጽ፡ ምስኡ ዝዓብን ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ብዝገብሮም ንጥፈታትን ዝምድናታትን ዝሰፍሕን ዝዓሙቕን ባህሊ፡ ልምዲ፡ ስነ-ምግባር ወ.ዘ.ተ. እንዳተባህለ ዝግለጽ ረቂቕ ነገር ብዘይካ ቋንቋ ኪግለጽ ኣይከኣልን፣ ንሱ’ውን ብዘይካ እቲ ናይ ኣደ-ቋንቋ። ልክዕ ሓደ ሰብ ምስ ዓበየ፡ ምስ ተማህረን ኣብ ካልእ ሃገር ምስ ሰፈረን ካልኦት ቋንቋታት እውን ይመልኽ ኢዩ፣ ግን ነቲ ሓድሽ ከም’ቲ ናይ ኣዲኡ ቋንቋ ጌሩ ኪመልኮ፡ ኪዛረበሉ፡ ኪዋዘየሉ ወ.ዘ.ተ. ኣይክእልን። እስኪ፡ ንኣብነት ኣንበብቲ ብቛንቋ ናይ’ቲ እትነብሩሉ ቦታ ንደቂ እቲ ዓዲ ዋዛ ክትነግሩ ፈቲንኩም’ዶ ትፈልጡ? ዋዛኹምከ የስሕቕ’ዶ? እንትርፎ ገለ ፍሉያት ኣብነታት (ምናልባት ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብቲ ከባቢ ዝዓበዩ ሰባት) ናይ ዝበዝሕ ሰብ መልሲ ኣይፋሉን ኢዩ። ይትረፍ ብዘይ ቋንቋኻ ዋዛ ክትነግርስ፡ ብቋንቋኻ ምስ ሓደ ወዲ ዓድኻ ዘውጋዕካዩ ዋዛ’ኳ ብኻልእ ቋንቋ ንዝዛረብ ሰብ ክትትርጉመሉ ገደል ኢዩ።
 
ስለ’ዚ እዩ ድማ ናይ ኣደ-ቋንቋ ኣገዳሲ ዝኸውን። ኣገዳስነቱ ድማ ብዋዛ፡ ብደርፊ፡ ብኣዘራርባ፡ ብዛንታን ጽዋታትን ወ.ዘ.ተ. ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን፤ ነቶም ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ (ስድራ-ቤት፡ ከባቢን ጎረባብትን፡ ስራሕ ...ወ.ዘ.ተ.) ዘጋጥሙ ፍጻሜታት ንምግላጽ ጥራይ እውን ኣይኮነን ዘገልግል። እቶም ብትምህርቲ ወይ ብስራሕ ኣቢሎም ዝኽሰቱ ሓደስቲ ኣምራት (concepts) ብናይ ኣደ-ቋንቋ ኣቢሎም ክግለጹ እንከለዉ ዝበለጸን ዝሰፍሐን ተገንዝቦ (cognition) ይህቡ፤ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ኣምራት ብናይ ወጻኢ ቋንቋ (ኣብነት እንግሊዝኛ) ምስ ዝግለጹ ክሳብ ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ዝምሃር ሰብ ዝሰርጹ ግድን ኪደጋገሙ ኣለዎም፣ እቲ ተመሃራይ’ውን ክሳብ እቶም ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ቦታ ዝሕዙ ኪሽምድድ ኣለዎ። ከም ኣብነት ናይ’ዚ ካልኣይ ነጥቢ ነቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ (ፈረንሳ፡ ዓረብ ወ.ዘ.ተ.) ዝውሃብ ትምህርቲ ምስ እንርኢ፣ እቲ ካብ 5ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝውሃብ ዓይነት ትምህርቲ በብቑሩብ ከም ዝፈላለ ንዕዘብ። ንኣብነት ‘ታሪኽ’ እንተወሰድና፡ እቲ ኣብ 7ይ ክፍሊ እትምሃሮ ካብቲ ኣብ 5ይ ክፍሊ ዝተመሃርካዮ ብዙሕ ኣይፍለን፣ ብተመሳሳሊ ኣብ 12 ክፍሊ እትምሃሮ’ውን ካብ’ቲ ኣብ 11 ክፍሊ ዝተመሃርካዮ እምብዛ ኣይፍለን። እቲ ኣብ ውሽጢ’ዚ መስርሕ’ዚ ዝርኤ ምድግጋም እምበዓርከስ ብምኽንያት እቲ ሓድሽ ቋንቋ ምኻኑ ኢዩ። ነቲ ኣምራት ብናይ ኣደ-ቋንቋ ኣቢሎም ኪግለጹ እንከለዉ ዝበለጸ ውጽኢት ይህቡ ዝብል ቀዳማይ ነጥቢ ንምርዳእ ድማ፡ ነዚ ዝስዕብ ግሩም ዝኾን ኣብነት እስከ ንመልከት። ኣብ ቤ/ትምህርቲ ካድር ህዝባዊ ግንባር ዝውሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ብትግርኛ እዩ ዝውሃብ ዝነበረ።
 
ኣብ’ቲ ቤት-ትምህርቲ ንምስታፍ ዝሕሩይዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከኣ ብውድባዊ መዐቀኒታት እምበር ብደረጃ ትምህርቶም ኣይነበረን። እቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ካብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸላእትናን ፈተውትናን፡ ቀዳማይን ካልኣይን ግርጭታትን ኣፈታትሓኡን ዝብሉ መሰረታውያን ጉዳያት ተላዒሉ፣ ንሰውራ ሩስያ (ቦልሸቪክ፡ መንሸቪክ፡ ኣህጉራዊ ማሕበርነትን ትሮትስኪን) ኣህጉራዊ ቃለሲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ናይ ማኦ ክልሰ-ሓሳብ ቃልሲ (መሬትን ሰብን በብቑሩብ ናጻ ምግባር) ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ዘካየዳኦ ቃልሲ ዝትንትን፣ ካብ’ዚ ሓሊፉ ድማ ብካርል ቮን ከላውስዊዝ (Prussian military general and theoretician) ንዝተጻሕፈ ዝተሓላለኸ ክልሰ-ሓሳብ ኩናትን፡ ብካርል ማርክስ ንዝተደርሰ ‘ካፒታል’ (capital) ከይተረፈ ዝገልጽን ዘረድእን ኢዩ ዝነበረ።
 
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ጉዳይ ድማ፡ ዩኒቨርሲቲ ዝበጽሑን ፊደል ዝቖጸሩ ገባሮን ብማዕረ እዮም ነቲ ትምህርቲ ዝማሃርዎ ነይሮም። ምናልባት ፍልልያት ኣይነበሩን ኪብሃል ኣይከኣልን፣ ግዳ ብኣጠቓላሊ ኩሎም ተመሃሮ (ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዝቐሰሙን ተራ ጓሶትን ሓረስቶትን) ዳረጋ ብማዕረ ይከታተልዎን ይርድእዎን ነይሮም። ምናልባት’ውን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከምኡ ዝኣመሰለ ተመኩሮ ተሓሊፉ ይኸውን። እዚ ዝጠቐስኩዎ ብእንግሊዝኛ ወይ ብኻልእ ናይ ወጻኢ ቋንቋ እንተዝውሃብ ነይሩ ግን፡ እቶም ተመሃሮ ብዉሑዱ ናይ 12 ደረጃ ትምህርቲ ኪፍጽሙ ግድን ምኾነ፤ ግዳ ብናይ ኣደ ቋንቋ ስለዝተዋህበ እቲ ሓሳብ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ጥራይ ዘይኮንስ፣ ኣብ ሓደ እዋንን ብደረጃ ትምህርቲ ኣዝዮም ንዝፈላለዩ ሰባትን ኪውሃብ ተኻኢሉ። እዚ ግብራዊ ተመኩሮ’ዚ ከኣ ንጸብለልትነት ናይ ኣደ-ቋንቋ ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ፣ ኣብ ትምህርቲ ናይ ኣደ-ቋንቋ ምጥቃም ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ሓጋዚ ተራ ከም ዝጻወት የረድእ። 

ናይ ኣደ-ቋንቋን መንነትን፡-

ኣብ ላዕሊ፣ ንናይ ኣደ-ቋንቋ ምስ ባህሊ፡ ልምዲ፡ ስነ-ምግባር…ወ.ዘ.ተ. ኣተሓሒዘ ኢየ ገሊጸዮ።እቲ ባህሊ፡ ልምዲ ወይ ስነ-ምግባር እንዳተባህለ ዝተጠቕሰን ሕጂ’ውን ዝጥቀስ ዘሎ ናይ ሓደ ከባቢ ወይ ናይ ሓደ ብሄር መግለጺ ምዃኑ ኪዝከር የድሊ። ስለ’ዚ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ረቀቕቲ ሓሳባት ምስ’ቲ ናይ’ቲ ቦታ ቋንቋ ዘለዎም ምትእስሳር ኣዝዩ ዓሚቚ ብምዃኑ፣ ብኻልእ ቋንቋ ንምግላጾም ምስ ዝፍተን፡ እቲ ፈተነ ላዛ ዘይብሉ ወይ ህዋሳዊ ስምዒት (sensation) ከመሓላልፍ ዘይክእል ደረቕ ነገር ይኸውን። ባህሊ ንኣብነት ብመርዓ ኪምሰል እንከሎ፡ ንኹሉ እቲ ካብ ሕጸ ጀሚርካ ክሳብ ስነ-ስርዓት መርዓን ሕጽኖትን ዝግበር ንጥፈት ትገለጾ እሞ ናይ መርዓ ባህልና ከም’ዚ ኢዩ ኢልካ ትዛረብ። ከምኡ’ውን ባህሊ ብሞት ኪግለጽ እንከሎ፡ ካብ ሞት ክሳብ ዓሱርን ተስካርን ዘሎ መስርሕ ይግለጽ። ነዞም መስርሓት እዚኣቶም ብኻልእ ቋንቋ ምግላጽ ይከኣል ኢዩ። ብተግባር ግን፡ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ መርዓ ወይ ሞት ምስ ዘጋጥም፣ እቲ ኩነት ንሓደ ወድ’ቲ ከባቢ ከሐጉሶ ወይ ከሕዝኖ እንከሎ፡ ንሓደ ወጻእተኛ ግን ከመሓላልፈሉ ዝኽእል ስምዒት የብሉን። እቲ ወድ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይሃሉ ድማ፡ ናይ’ቲ መርዓ ወይ ሞት ወረ ምስ ዝሰምዕ ተኻፋሊ ናይ’ቲ ሓጎስ ወይ ሓዘን ይኸውን።
 
ብኣንጻሩ፡ እቲ ወጻእተኛ ኣብ’ቲ እቲ ኩነት ዘጋጥመሉ ቦታን ጊዜን እኳ እንተተረኽበ ዝስምዖ ፍሉይ ደስታ ወይ ሓዘን የልቦን። ከም ዝኾነ ትዕዝብቲ መዝጊብዎ ኢዩ ዝሓልፍ። ናይ ኣደ-ቋንቋ እምበዓርከስ ናይ ሓደ ከባቢ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ዝምድናታት፡ ቅቡልን ዘይቅቡልን ጠባያት፡ ዘሰንብድን ዘሐጉስን ወይ እውን ዘሕርቕን ዝህድእን ነገራት፡ ልምድታትን (ኣበላልዓ፡ ኣከዳድና ወ.ዘ.ተ.) ስነ-ምግባራትን (ኣብ እንዳ ሓዘን እነርእዮ ጠባይ፡ ምስ ዓበይቲ ዝህልወና ኣቀራርባ ወ.ዘ.ተ.) ዝስንድ መዝገብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ሓደ ሰብ ምስ ስድራ-ቤቱ፡ ኣዝማዱ፡ መሓዙቱ ዝራኸበሉን ኣብ ጉዳዮም ዝዋሳኣሉን፣ ፍቕርን ስድራን ዝምስርተሉ፣ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ተማሕቢሮም ዝመሓደሩሉ (ንኣብነት ሕጊ እንዳባ)፣ ማለት፡ ኩሉ እቲ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝህሉ ንጥፈትን ህላዌን ወድ-ሰብ ዝስነደሉ መዝገብ ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ናይ ኣደ-ቋንቋ፡ ኩሎም ዉህሉላት ቅርስታት (ናይ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ወለዶ፡ ልምዲ ወ.ዘ.ተ.) ናብ ሓድሽ ወለዶ እነሰጋግረሉ መሳርሒ ኢዩ። ሓደ ቆልዓ ኪዓቢ እንከሎ ናይ ኣቡኡን ናይ ኣዲኡን ዘርኢ ክሳብ ሸውዓተ ወሎዶታት ከም ዝቖጽር ይግበር፣ ትርጉሙ ድማ መበቆሉን መንነቱን ከም ዝፈልጥ ንምግባር ኢዩ። እቲ ቆልዓ ኪዓቢ እንከሎ ንባህልታትን ልምድታትን ዘውርሱ ካብ ኣቡኡን ኣዲኡን፡ ካብ ስድራ-ቤቱ፡ ኣዝማዱ፡ ከባቢኡን ዝመሃሮምን ዝወርሶምን ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ሓንቲ ጓል ናይ ገዛ ምሕደራ (ባልትና) ካብ ኣዲኣ ኢያ እትምሃሮ። ኩሉ’ዚ ነገራት’ዚ ከኣ ብናይ ኣደ-ቋንቋ እዩ ዝመሓላለፍ። 

ስለ’ዚ፡ ናይ ኣደ-ቋንቋ ታሪኽና፡ ባህልና፡ ልምድና፡ ክብርታትና፡ ፍቕርናን ጽልእናን፡ ሓጎስናን ሓዘንናን፡ ደርፍናን ጻዕርናን…ወ.ዘ.ተ. እንገልጸሉ፣ ‘ንሕናን ንሳቶምን’ እንበሃሃለሉ፣ መበቆልናን መንነትናን እነረጋግጸሉ ቀንዲ መሳርሒ እዩ። ንኣብነት ንሓደ ሳሆ ናብ ሞቓድሾ ወሲድና ንቐምጦ፣ ወይ ንሓደ ትግርኛ ናብ ዓዲ-ሃገራይ ወሲድና ነቐምጦ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ናይ’ቲ ከባቢኦም ህዝቢ ዝፈልዮም እንታይ ነገር ኣሎ? ዋላ ሓንቲ። ስለዚ፡ ሓደ ሳሆ ‘ኣነ ሳሆ ኢየ’ ክብል እንተኾይኑ ቋንቋ ሳሆ ዝዛረብ፡ ናይ ሳሆ ባህሊ ዝፈልጥን ዘስተማቕርን፡ ከም ሳሆ ዝሓስብን ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዱ ዝዓበየ እሞ ናይ ሳሆ ቋንቋ ይኹን ባህሊ/ልምዲ ዘይቀሰመ ሳሆ፡ ‘ኣነ ሳሆ ኢየ’ ክብል’ኮ ከጸግሞ ኢዩ፣ ምኽንያቱ፡ ምስቲ ናይ ሳሆ ሕብረተ-ሰብ ዘተኣሳስሮ ናይ ሓባር መለለዪ ስለዘይብሉ። እስኪ ነዞም ኣብ ኣወሮጳን ኣብ ኣመሪካን ተርዒሞም (adopted) ዝዓብዩ ሰባት፡ ምስ ዓበዩ ዘጋጥሞም ሽግር ንርአ። ናይ መንነት ጸገም እኮ ኢዩ። እዚ ናይ ብሓቂ ንኣእምሮኦም ዘናውጽ ሽግር ስለዝኾኖም ድማ ናይቶም ብህጻንነቶም ዝሓደግዎም ዘይፈልጥዎም ስድራ-ቤት ሃለዋት ንምርግጋጽ ናብቲ ዝመንጨዉሉ ሃገር ይኸዱ፣ ደሃይ ስድራ-ቤቶም የጣይቑ፣ ዝዕወቱ ግን ብዙሓት ኣይኮኑን።

ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ዓረብኛ ወይ እንግሊዝኛ ስለዝተማህረ ዓረበታይ ወይ እንግሊዛዊ ኣይከውንን  ኢዩ፣ መበቆሉ ኪቕይር ኣይክእልን ኢዩ። ሽሕ ጊዜ ነቲ ናይ ባዕዲ ቋንቋ እንተመለኾ ድማ ከም’ቲ ዓረበታይ ወይ ከም’ቲ እንግሊዛዊ ኪስሕቅን ከስሕቕን፡ ኪጨርቕን ኪዋዘን፡ ኪምስልን ኪምጉትን፡ ክጻረፍን ኪውድስን፡ ኪምዕድን ኪሽምግልን፡ ከረድእን ኪግስጽን፡ ላህጃታትን (dialects) ብሂላትን (slangs/jargons) ናይ’ቲ ቋንቋ ኪፈልጥ ወ.ዘ.ተ…ኣይክእልን ኢዩ። ካብኡ ናብኡ’ኳ፡ ሓደ የመናዊ ንሓደ ግብጻዊ፣ ሓደ ሊብናናዊ ድማ ንሓደ ሞሮካዊ ኪትክኡ ኣይክእሉን ኢዮም። ግን ሓደ ሰብ፣ ‘ዓረብኛ ተማሂረ እየ፡ ነቲ ቋንቋ ኣዐርየ እየ ዝፈልጦ’ሞ ቋንቋይ ዓረብኛ እዩ’ እንተበለ’ኸ? ዝኾነ ሰብ ከምኡ ኪብል ይኽእል ኢዩ፣ ግን ኣብ’ቲ ‘ንሕናን ንሳቶምን’ ዝብሃለሉ እዋን ምስ መኖም እዩ ኪስራዕ? 

ናይ ኣደ-ቋንቋን መባእታዊ ትምህርትን፦

ኣብ ላዕለዎት ደረጃታት ዘሎ ትምህርቲ ብናይ ወጻኢ ቋንቋ (ንኣብነት እንግሊዝኛ) ኪውሃብ ግድን ኢዩ፣ ንስርዓተ-ትምህርትና ብቐሊሉ ምስ ኣብ ዓለም ዘሎ ምዕባለ ንምትሓሓዝ ዝከኣል ድማ ከምኡ ምስ ዝግበር ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ፣ ብናይ ወጻኢ መጻሕፍትን ንጥረ-ነገራትን (ማተርያል) ንምጥቃም፣ ዝህብትምን ዝሰፍሕን መርበብ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ንምምስራት፣ ናይ ወጻኢ መማህራንን ኪኢላታትን ዓዲምካ ኣስተምህሮታት ንምሃብ፣ ኣብ ወጻኢ ዝህሉ ምዕባለ ብቐሊሉ ንምቕዳሕን ንምእትታውን (ንኣብነት ኣብ ዓውዲ ሕክምና፡ ኮመርስ፡ ኢንዱስትሪ፡ ሓበሬታዊ ተክኖሎጂ-IT)፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ስርዓተ-ትምህርቲ ብፍሉጥ ኣህጉራዊ መዐቀኒ ከም ዝምራሕ፣ ምስ ናይ ኣውሮጳን ኣመሪካን ስርዓተ-ትምህርትታት ከም ዝታኣሳሰርን ናታተን ተቐባልነት ከም ዝረክብን ንምግባር …ወ.ዘ.ተ. ይምችእ። ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ንትምህርቲ እንግልገለሉ ቋንቋ ነዞም ዝተጠቕሱን ካልኦትን ብልጫታት ንምርካብ ዘኽእለና ምእንቲ ኪኸውን ድማ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ እንጥቀመሉ ቋንቋ ንጹር፡ ኣብ ሃገራዊ ጠቕሚ ዝተመስረተን ንዕኡ ዘድምቕን፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ካብ ስምዒት ናጻ ዝኾነን ብምርምርን መጽናዕትን ዝተሰነየን መርገጺን ውሳኔን የድልየና። 

ኣብ ናይ መባእታ ደረጃ ግን፡ እቲ ቆላዓ ብናይ ኣዲኡ ቋንቋ እንተተማህረ ዝበለጸ ውጽኢት ከም ዝህብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተኻየዱ ምርምራትን ፈተነታትን የረጋግጽዎ። ናይ ኣደ ቋንቋን ትምህርቲ-መባእታን ፈጺሞን ዘይፈላለዩ ክልተ ኣገደስቲ ባህርያት ናይ’ቲ ሓደ ቆልዓ ዝዓብየሉ መስርሕ (child development) ኢዮም፤ ምኽንያቱ፡ እቲ ቆልዓ ኣፉ ዝኽፍተሉ ቋንቋ እቲ ናይ ኣዲኡ ቋንቋ ስለዝኾነ፡፡ እቲ ቖልዓ ነቶም ፊደላት ናይ’ቲ ቋንቋ ምስ መለኸ ድማ፣ ብእኦም ኣቢሉ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝርከቡ ህይወታውያንን ዘይ-ህይወታውያንን ነገራትን፡ ምስ ረቀቕቲ ሓሳባትን ኣምራትን ብቐጥታ ይላለ። ካልኣይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ቆልዓ ዝሓቶም ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ነገራትን ሓሳባትን ስለዝገርምዎን፣ ነብሰ-ምትእምማን ከሕድርን ክመራመርን ክሳብ ዝጅምር ድማ እቶም ዝመሃሮም ነገራት፡ ሓሳባት፡ ኣምራት ኣብ ውሽጡ ሰሪጾም ስለዝርብሽዎን ወትወትቲ ሕቶታት የልዕል። ንሕቶታቱ ጽን ኢሎም ዝሰምዑን ተገዲሶም ዝምልስሉን ኣቡኡን ኣዲኡን ምኻኖም ስለዝፈልጥ ከኣ ንኣታቶም ይሓትት። ስለ’ዚ እውን፣ እቲ ኣቦን ኣደን ንደቆም ክከታተሉ፡ ሕቶታቶም ክምልሹ፡ ዕዮ-ገዛ (home work) ኪውሃቦም እንከሎ ድማ ኪሕግዝዎም ኣለዎም ዝብሃል መትከል ትምህርቲ ትርጉም ይረክብ። እቲ ቆልዓ ካብ ስድራ ቤቱ ሓሊፉ ምስ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ፡ ጎረባብቱ፡ ኣዕሩኽ ስድራ-ቤቱ ወ.ዘ.ተ. ኪራኸብን ንዓታቶም ኪሓትትን እንከሎ ሓገዝ ኪረክብ ይኽእል። ስለ’ዚ፡ ብውሕዱ ኣብ’ቲ ናይ መባእታ ደረጃ ዝውሃብ ትምህርቲ ብናይ ኣደ-ቋንቋ ምስ ዝኸውን ብዙሕ ረብሓ እዩ ዝህብ፣ ንገለ ካብኣታቶም ንምጥቃስ ድማ፦

እቲ ቖልዓ ኣብ ኣቡኡን ኣዲኡን ዘህልዎ እምነት ይጸንዕ፡ ፍቕሩ ድማ ይድልድል። እቲ ቖልዓ ብዓረብኛ ምስ ዝምሃር ግን፣ ነቶም ኣብ ከተማታት ዝቕመጡ ውሑዳት ምሁራት ገዲፍካ እቲ ኣብ ገጠር ዝቕመጥ ህዝብና፡ ኵኖ አሌፍ-ባእ-ታእን መሰረታዊ ናይ ቁርኣን ትምህርትን (ንሱ’ውን ኣብ ምስማዕን ምድግጋምን ዝተመስረተ) ናይ ዓረብኛ ቋንቋ ኣፍልጦ ኪህቦ ዝክእል ትምህርቲ ስለዘይቀስም፣ ንደቁ ኣብ ትምህርቶም ኪሕግዘሉ ዘብቅዖ ፍልጠትን መሳርሕን ኣይህልዎን። እቲ ቖልዓ ድማ፡ ካብ ስድራኡ ዝጽበዮ ምትሕግጋዝ ስለዝስእን፣ ኣብ መወዳእታ ይንዕቆም፡ ኣብኣታቶም ዝህልዎ እምነት የጥፍእ፡ ብሰንክ’ዚ ድማ ፍቕሩ ይልሕልሕ። እዚ ሓቅ’ዚ ድማ፡ ብፍላይ ነቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ (ኣብነት ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን) ዝነብሩ ስድራ-ቤታት ፍሉይ ጦብላሕታ ከም ዘሕድረሎም ዝከሓድ ኣይኮነን።

ብኻልኣይ ደረጃ፡ እቲ ከባቢ (ዘመድ፡ ጎረቤት ወ.ዘ.ተ.) ኣብ ህይወትን ልምዓትን ናይ’ቲ ቆልዓ ብቐጥታ ስለዝሳተፍ እቲ ቖልዓ ተቐባልነት ይረክብ፣ ነብሰ-ምትእምማን የሕድር፣ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝህልዎ እምነትን ፍቕርን ይድልድል፣ ኣብ ሞንጎ ወሎዶታት ዝህሉ ዝምድና ድማ ይተርር። እቲ ቖልዓ ምስ ዓበየ ዋላ’ኳ ንዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ናብ ካልእ ሃገር እንተኸደን ኣብኡ እንተተቐመጠን፣ ባህሉ፡ ስድራ-ቤቱ፡ ኣዝማዱ፡ ዝዓበየሉ ከባቢን መተዓብይቱን ኣይርስዕን። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ብዙሓት ህዝብታት ህይወት መመሊሱ እንዳኸፍኤ ዝኸደሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እኮ፡ እቶም ዝተማህሩን ዝሃብተሙን ሰባት መምስ ሓለፈሎም ነቲ ዘዕበዮምን ዘምሃሮምን ህዝቢ ስለዝርስዕዎ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብተን ብፈረንሳ ብእንግሊዝ ወ.ዘ.ተ. ዝመሓደራ ዝነበራ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ (sub-Saharan Africa) ዝውሃብ ናይ መባእታ ትምህርቲ ብናይ ኣደ-ቋንቋ ዘይኮነስ፣ በቶም ናይ ባዕዲ ቋንቋታት (እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ ወ.ዘ.ተ.) ስለዝኾነ ኢዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ነቲ ሕበረተ-ሰባዊ ምትእስሳር የላሕልሖ፡፡ 

ትምህርቲ መባእታ ብዓረብኛ ወይ ትግርኛ ኣብ ዝውሃበሉ ጊዜ፡ ህላወ ‘ብቑዓት’ መማህራን (ብመሰረት እቲ ዝጸንሐን ሕጂ’ውን ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ ብቑዓት ተባሂሎም ዝግለጹ መማህራን ካብ ናይ መማህራን መሰልጠኒ ኮለጅ ዝተመረቑ ምዃኖም)፡ ብግቡእ ዝተሃንጸ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ካልኦት መሳርሒታትን (ንኣብነት ናይ ሰፖርት) ወ.ዘ.ተ. ምህላው ይሓትት። ከም’ዚ ዝበለ መደብ በብዓዱ ንምቛም ዓቕሚ ስለ ዘይርከብን፣ ኣብ ሓደ ዓዲ ዝህልዉ ቖልዑ ድማ ዉሑዳት ስለዝኾኑን፣ እቲ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ንብዙሓት ዓድታት ዝጥርንፍ ማእከላይ ቦታ ኢዩ ዝምስረት። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እቶም ቆልዑ ብህጻንነቶም ኪሎ ሜተራት ኪጉዓዙ ይግደዱ፣ ከም ሳዕቤኑ ይደኽሙን ይጠምዩን፣ ኣብ መንገዲ ምስ ዝሓሙ ወይ ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞም ኣላዪ ይስእኑ፣ መካይዶም ዝኾኑ ቖልዑ ምስ ዝሃርምዎም ዝጠርዑሉ ስለዘይብሎም ልኡማትን ተገናሕትን ይኾኑ፣ ብሰንኩ ድማ ትምህርቲ ይጸልኡ። ስድራ-ቤታቶም ድማ ከከም ዓቕሞም እኳ ጠዓሞት እነተስነቕዎም፣ ናይ ድኻን ሃብታምን ስድራታት ጠዓሞት ፍሉጥ ስለዝኾነ መቀናንኢ ኢዩ ዝኸውን። 

እቲ ናይ መባእታ ትምህርቲ ብናይ ኣደ-ቋንቋ ምስ ዝከውን’ከ? መጀመርታ፡ እቲ ትምህርቲ ናይ ዓረብኛ ወይ ናይ ትግርኛ ምልከት ስለዘይሓትት ማእከላይ ዓቕሚ ብዘለዎም መማህራን (ማለት፡ ግድን ካብ ናይ መማህራን መሰልጠኒ ኮለጅ ዘይተመረቚ) ኪዕመም ይከኣል። እቲ ንመማህራን ብቑዓት ንምግባር ዝውሃብ ፐሮፈሽናል ስልጠና (ንኣብነት ስነ-ፍልጠት ወይ ቁጽሪ ንምምሃር) ከኣ በብቛንቁኦም ሰለዝኸውን፡ ብቐሊሉን ኣብ ሓጺር ጊዜን መማህራን ንምስልጣን ይከኣል። ስለዝኾነ ድማ፣ ንኣብነት ሻሙናይ ክፍሊ ንዝወድኡ ተመሃሮ ሓጺር ናይ ስልጠና ኮርስ ድሕሪ ምሃብ ኣብ መባእታ ከም ዝምህሩ ኪግበር ይከኣል። እዚ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ስራሕ ስለዝፈጥር መነባብሮ ከባቢ በብቑሩብ ይመሓየሽ። በብእዋኑ ሓጸርቲ ኮርሳትን ዎርክ-ሾፓትን ብምድላው ድማ ዓቕሚ መማህራን ንምምሕያሽ ይከኣል። ንቤት ትምርቲ ከምኡ’ውን ንመማህራን ዝኸውን ህንጻ ምድላው ድማ ኣድላዪ ኣይከውንን፣ ኣብ’ቲ ዓዲ ዝርከብ ምቕልል ዝበለ ገዛ ከም መምሃሪ ክፍሊ ከገልግል ይኽእል፤ እቲ ዓዲ ወይ ከባቢ እውን እኮ መጠነኛ ሓገዝ እንተረኺቡ ባዕሉ ገዛውቲ ከዳሉ ይኽእል እዩ።ንኣብነት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኬንያ ብዙሓት ተመሃሮ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮይኖም ይምሃሩ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢታትና ብዝርከቡ ነገራት ክንጥቀም ኣገዳሲ ምኻኑ እዩ ዝሕብር። ናይ’ዚ ኣገባብ ኣመሃህራ’ዚ ብልጫታት ብዙሓት ስለዝኾኑ፡ ንምጽብጸቦም ነብሱ ዝኸኣለ ምርምር ምክያድ ከድሊ እዩ፤ ነቲ ስራሕ ንኣንበብቲ ገዲፈ ከኣ እስኪ ነቶም ኣገደስቲ ዝብሎም ክጠቅስ፦

1. መማህራንን ስድራ-ቤታትን ብቐረባ እንዳተራኸቡ ናይ ተመሃሮ ገምጋም ኪገብሩን
        ኪመያየጡን ይኽእሉ፤
2. ቖልዓ ምስ ዝሓምም፡ ምስ ዝጽልኦ ወይ ዝህከ ብቐሊሉ ናብ ገዛኡ ኪምለስ ይኽእል፣
        ስድራ-ቤታት እውን ሃለዋት ደቆም ኪገብሩ ይኽእሉ፤
3. ቖልዓ ኣርሒቑ ስለዘይወፍር ጠዓሞት ምድላው ኣየድልን፤ 
4. ናይ መዋእለ-ህጻናት ትምህርቲ በብዓዱ ንኪጅመር የተባብዕ፣ ከም’ቲ ኣቐዲሙ
        ዝተገለጸ ድማ እዚ’ውን ኣብቲ ከባቢ ተወሰኽቲ ስራሓት ይፈጥር፤
5. ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ንምሃብ ይከኣል፤
6. በብዓዱ ብዝሒ ዝተማህረ ሰብ እንዳወሰኸ ስለዝኸይድ ከኣ ንጽሬትን ጥዕናን፡
        ኣገልግሎት ኣደን ህጻንን፡ ኣጠቓቕማ ማይን መሬትን፡ ግረባ፡ ካልኦት ናይ
        ልምዓት መደባትን ብዝምልከት ዝዳለዉ ኣስተምህሮታት ንምሃብ ይከኣል።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ነጥብታት እቲ ዝለዓለ ኣድህቦ ዝግብኦ ግን እቲ ንምዕቃብ ባህሊ፡ ወይ ከኣ ንምዕቃብ ብሄራትና ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ፣ ዶ/ር ፓታንያክ፡ ኣብ’ቲ “Mother tongues: the problem of definition and the educational challenge” ዝብል ጽሑፉ ነዚ ዝስዕብ ይጠቅስ፦

  “If parents are not able to transmit easily their values, their beliefs, their views
         or their philosophy about the meaning of work, personal responsibility or the
         significance of ethics and individual morality, then the integrity of families and
         of the societies in which they live will disintegrate. The disappearance of the 
         only language in which parents can communicate with their children leads
         gradually to the erosion of intimacy between the generations.” p.30

“ስድራ-ቤታት ክብርታቶም፡ እምነታቶም፡ ብዛዕባ ትርጉም ስራሕን ውልቃዊ ሓላፍነትን
         ወይ እውን ብዛዕባ ኣገዳስነት ስነ-ምግባርን ሞራልን ዘለዎም ኣረኣእያን ፍልስፍናን
         ብቐሊሉ ከመሓላልፉ እንተ ዘይኪኢሎም፣ ህላወ ስድራ-ቤታትን ዝምረኮሱሉ
         ማሕበረ-ሰብን ይሃስስ።  ምህሳስ ናይ’ቲ ስድራ-ቤታት ምስ ደቆም ኪራኸብሉ
         ዝኽእሉ እንኮ ቋንቋ ድማ፡በብቑሩብ ነቲ ኣብ ሞንጎ ወሎዶታት ዘሎ ምትእስሳር
         ይድምስሶ” (ትርጉም ናይ ጸሓፊ)።

ናይ ኣደ ቋንቋን ትምህርቲ ዓበይትን፦

ካብ 1783-1872 ዝነበረ ኤን. ኤፍ. ኤስ. ግሩንቪ (N.F.S. Grundtvig) ዝተባህለ ደንማርካዊ ቀሽን ገጣማይን፣ ትምህርቲ ንኹሉ ህዝቢ ኪውሃብ ኣለዎ ዝብል ርእይቶኡ ብግጥምታቱ፡ ጽሑፋቱን ስብከቱን ኣቢሉ ንህዝቢ ይዝርግሕ ነበረ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝውሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሕታት ናይ’ቲ ሕ-ሰብ (መሳፍነትን ቡረጅዋታትን) ዝተወሰነን፡ ብፍላይ ከኣ ንናኣሽቱ ደቂ-ተባዕትዮ ጥራይ ዝውሃብን ኢዩ ዝነበረ። ግሩንቪ ግን፣ ትምህርቲ ጾታ ይኹን ዕድመ ከይፈለየ ንኹሉ ሰብ ኪውሃብ ኣለዎ ኢዩ ዝብል ዝነበረ።
 
ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ’ቲ ሃገር ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ድሑር ስለዝነበረ፣ ብሓፈሻ ድማ፡ ገባሮ ትምህርቲ ኪቕበል ዝክእል ዓቕሚ የብሎምን ዝብል እምነት ሰፊሕ ተቐባልነት ስለዝነበሮ ናይ ግሩንቪ ሓሳብ ሰማዒ ኣይረኸበን። ድሕሪ ግሩንቪ፣ ክርስትያን ፍሎር ዝተባህለ ሰብ ንኣተሓሳስባ ግሩንቪ ብምኽታል፡ ኣብ 1844 ናይ መጀመርታ ቤት-ትምህርቲ ንዓበይቲ መስሪቱ። እዚ ብፎልክ ሆይስኮለ (People’s High-school) ዝፍለጥ ቤት-ትምህርቲ ክጅመር እንከሎ ንደቀ-ተባዕትዮ ጥራይ ኢዩ ዝውሃብ ዝነበረ፣ እንተኾነ ድሕሪ ሓደ ዓመት ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ከም ዝሳተፍኦ ተገይሩ።

እዚ ብፍላይ ንዓበይቲ ዝውሃብ ትምህርቲ’ዚ ኣብ መስርሕ ብዙሕ ለውጥታት ከም ዝገበረ እኳ ዝግመት እንተኾነ፣ ዕላማኡ፡ ምሉእ ህዝቢ ደንማርክ ናይ ትምህርቲ መሰል ከም ዝረክብ ንምርግጋጽን፣ ዋላ እቲ ብዕድመ ዝደፍኤ ሰብ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንክምሃር ዕድል ንምኽፋትን ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ዕላማ ናይ’ዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ተመሃራይ ተገዲሱ ከም ዝምሃርን ከም ዝካታዕን ንምግባር ስለዝኾነ መርመራ የብሉን። ተመሃሮ ምእንቲ ርእሶም እዮም ዝምሃሩ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢኦም ናይ ዝረከቡ ነገራት ድማ ንጹር ፍልጠት ከም ዝሕዙ ይግበር። ኣብ’ቲ ዝተጀመረሉ ጊዜ ምጽሓፍን ምንባብን፡ ግጥሚ፡ ታሪኽ፡ ጆገራፍ ዝኣመሰሉ ዓይነታት ትምህርቲ ይውሃቡ ነይሮም፣ ሎሚ ድማ ከም ስእሊ፡ ሙዚቃ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ድራማ፡ ስነ-ፍልጠት፡ታሪኽ፡ ጆግራፍ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት…ወ.ዘ.ተ. ኣዝዮም ዝውቱራት ኣርእስታት ኮይኖም ኣለዉ። ቀጺሉ’ውን ክፉት ዩኒቨርሲቲ (Open University) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደብ ኣሎ። ኣብ’ዚ ድማ ሓደ ነቶም ቅጥዕታት ዘማልእ ሰብ፡ ብዘይ ክረዲት (ብዘይ ነጥቢ) ኣብ ዝመረጾ ዓውደ-ትምህርቲ ምስቶም መዓልተዊ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ተሰሪዑ ትምህርቱ ይከታተል፤ ናይ ምቕጻል ድልየት ምስ ዝህልዎ ድማ፡ ንዝውሃቦ መርመራ ሓሊፉ ምሉእ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ ትምህርቱ ይቕጽል። እዚ ኣገባብ እዚ ኪጅመር እንከሎ ዝነበሮ ዕላማ ነቶም ፊደል ዘይቆጸሩ ዓበይቲ ንምስትምሃር እዩ ዝነበረ።
 
ሎሚ ግን፡ ኩሉ ሰብ ብሕጊ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ስለዝምሃር፣ ኣብቲ ሃገር ዘይተማህረ ዝብሃል ሰብ የለን። ስለ’ዚ ከኣ እዩ እቲ ናይ ፎልክ ሆይስኮለ ዕላማ ተቐይሩ ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዝበጽሕ ትምህርቲ ከም ዘጠቓልል ኮይኑ ተቐሪጹ ዘሎ። እዚ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ትምህርቶም ኪቕጽሉ ዘይከኣሉ ዓበይቲ ዕድል ንምሃብ ዝተገብረ ብልሓት ኢዩ። ናይ’ዚ ኣገባብ’ዚ ኣዝዩ ዘገድስ ረቛሒ፡ እቲ ትምህርቲ ብዳንሽ ዝውሃብ ምዃኑ ኢዩ። ናይ ሃገርና ኣብነት እንተ ተደልየ ድማ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብትግርኛ ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ኣጋር ሓኪም ትምህርቲ ኣደነቕቲ ዝኾኑ ውጽኢታት ከም ዝነበሮ ሓካይም ይምስከሩ። ሎሚ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ዝሰልጠኑ ሰባት ብቑዓት ነርስታት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሚኒስትሪ ጥዕና ግቡእ ኣገልግሎት የበርክቱ ኣለው።

እዚ ዘመልክቶ እምበዓርከስ፡ ናይ ኣደ-ቋንቋ ከም መምሃሪ ምስ እንጥቀመሉ ቆልዑ ንምምሃር ጥራይ ዘይኮነ ዓበይቲ ንምምሃር እውን ከም ዘገልግል፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ብናይ ኣደ-ቋንቋ ዝውሃብ ትምህርቲ ሃገር-ለኸ ዝኾነ መስርሕ ለውጢ ንምጅማርን ዘኽእል ኣገዳሲ መሳርሒ ምዃኑ እዩ። ከም ውጽኢት ድማ፡ በብቛንቋኡ ዝተፈላለዩ መጻሕፍትን መጽሄታትን ይዳለዉ፣ ጋዜጣታትን ናይ ረድዮን ቲቪን ፕሮገራማት ኣብ ኩሉ ቦታ ይተኣታተዉን ይዝርግሑን፣ እተን ኣብ ርእሰ-ከተማ ጥራይ ተወሲነን ዝርከባ ኣብያተ-ማሕተማት ኣብ ኩለን ከተማታት ይዝርገሓ፣ ምሸታዊ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ቦታ ይህሉ …ወ.ዘ.ተ.። እዚ ከይዲ’ዚ (progress) ከኣ ብግዴኡ እንዳተባዝሑን እንዳተራብሑን ዝኸዱ ስራሓትን ወፍርታትን ይፈጥር። እቲ ብናይ ኣደ-ቋንቋ ዝውሃብ ትምህርቲ እምበዓረከስ፣ ኣብ ገጠር ንዝነብር ህዝብና ተሳታፊ ሃገራዊ ልምዓትን ብልጽግናን ንኪኸውን ዝሕግዞ እንኮን ወሳንን መሳርሒ ኢዩ። 

ናይ ኣደ ቋንቋን ሃገራዊ ቁጠባን፦

ገለ ካብቶም ነዚ ሓሳብ’ዚ ዘይቅበሉ ሸነኻት ዘቕርብዎ ሞጎት፣ ናይ ኤርትራ ባጀት ካብ ክልተ ቋንቋታት ንላዕሊ ኣይጻወርን ኢዩ ዝብለ ኢዩ። ከም ኣበሃህላኦም፡ መንግስቲ ብኹለን ቋንቋታት ምስ ዝሰርሕ መማህራን፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መጻሕፍትን ካልእ ዕጥቅን በብቛንቁኡ ንምድላው፣ ጽሑፋት፡ ኣዋጃት፡ ሕግታት፡ ምልክታታት ወ.ዘ.ተ. መንግስቲ ብኹሎም ቋንቋታት ንምሕታምን ምዝርጋሕን፣ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ምስ ህዝቢ ርክብ ዘለዎም  ምምሕዳራት መንግስትን ትርጁማናት ንምቑጻር፣ ጸባጻባት ንምድላውን ምዕቃብን፣ ሰሚናራት፡ኣስተምህሮታት፡ ዎረክ-ሾባት፡ ምርምራትን ብኹለን ቋንቋታት ንምክያድ፣ ምስ ህዝቢ ዝራኸቡ  ሰራሕተኛታት መንግስቲ (ጠበቓታት፡ ሓካይም፡ ፖሊስ ወ.ዘተ.) ካብ ሓደ ቋንቋ ንላዕሊ ከም ዝመልኩ ንምርግጋጽን ወ.ዘ.ተ. ዝሕተት ባጀት ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣይክእልኦን እየን ይብሉ።

ብቐዳምነት፡ ሓንቲ ሃገር ብቡዙሓት ቋንቋታት ክትሰርሕ ምስ እትመርጸ ዝሕተት ባጀት ቀሊል ከም ዘይኮነ ፍሉጥ ኢዩ። እንተኾነ፡ ናይ ሓደ ሃገራዊ ባጀት ኣመዳድባ በቲ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ቀደምትነታት (Priorities) ስለ ዝውሰን፣ ብቐዳምነት ነቶም ዝስርዑ ቀደምትነታት ምርኣይ የድሊ። መጠን ናይ ሓደ ሃገራው ባጀት ብናይ እቲ መንግስቲ ዝህልዎ ኣታዊታት ዝዕቀን እዩ። ግን መንግስቲ፡ ኣታዊታቱ ብቐዳምነት ነቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ መዳባት ከም ዘገልግሉ ገይሩ ናይ ምስራዕ ሓላፈነት ከኣ ኣለዎ። እዚ ማለት፡ እቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ መደባት ኪዕመሙ እንከለዉ፣ ገለ ካብቶም ኪዕመሙ ተሓሲቦም ዝነበሩ መደባት ድማ ከይተዓመሙ ይተርፉ ማለት ኢዩ። ዋላ ኣብተን ሃብታማት ዝብሃላ ሃገራት እኳ ከይተዓመሙ ዝተርፋ ስራሓት ኣለዉ። ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዝርኤ ካልእ ጸገም ዕቤትን ምስኡ ዝመጽእ ብልሽውናን እዩ። እቲ ዕቤት ናይ ምውህሃድን ምቁጽጻርን ጸግም፡ ምድርራብ ስራሓት፡ ምብኻን ጊዜን ንዋትን (ገንዘብ፡ ሰብኣዊ ሓይሊ፡ ፍልጠት) ነንሕድሕዱ ዘይሳነ (ኣብ ውድድር ዝተጸምደ) ክፋላት መንግስቲ፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣሰራርሓ፡ ጉዳያት ህዝቢ ዘየሳልጥ ኣገልግሎታት (ኣዝዩ ነዊሕ መሳልል)፡ ኬላታት (red-tape) ካልኦት ተመሳሰልቲ ሽግራትን ይፈጥር፤ ከም ሳዕቤን ናይ’ቲ ዝተሓላኸ ኣሰራርሓን ልሕሉሕ ቁጽጻርን ድማ ብልሽውና ይዕምብብ። እዚ፡ ኣብ እተን ዘይማዕበላ ሃገራት እውን ብሰፊሑ ይርአ እዩ፤ ጠንቁ ግን ሃብትን ብሃብታማት ዝምራሕ ቁጠባን ዘይኮነስ፣ ስርዓተ-ኣልቦ ዝኾነ (system less)፡ ብሕጊ ዘይምራሕ፡ ብቖለ ናይ ሓደ ኣምባ-ገነን መራሒ ዝመሓደር መንግስቲ ስለዝህሉ ኢዩ።
 
ስለዚ ድማ፡ ቅርጡው (lean) መንግስቲ፡ ዓቕሙ ዝፈልጥን ምስ ዓቕሙ ዝጓዓዝን መንግስቲ ምህላው ልዕሊ ኩሉ ዘገድስ ነገር እዩ። ቅርጡው መንግስቲ ማለት ከኣ ብሕጊ ዝምእዘዝን (ባጀት ኪህሉ እንተኾይኑ ሕጊ ኪህሉ ኣለዎ) ናይ ህዝቢ ትጽቢት ንምምላእ ዝሰርሕን መንግስቲ ኪህሉ ኣለዎ ማለት ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንመለከት። እዚ ስርዓት’ዚ ክሳብ 350 ሽሕ ዝኣክል ሰራዊት ኣለዎ። ዋላ ብትሑት ዓቕሚ ይኹን ነዚኣቶም ንምኽዳን፡ ንምንቅስቓስ፡ ንምምሕዳር፡ ዕጥቅን ስንቅን ንምድላው፡ ደሞዞም ንምኽፋል…ወ.ዘ.ተ. ዘድሊ ገንዘብ ውሑድ ኣይኮነን። ካልኣይ ኣብነት፡ ካብተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከፊትወን ዘለዋ ኤምባሲታት ክንደይ ዝኣኽላ ኢየን ኣገደስቲ? ኣገዳስነተን’ከ ብምንታይ ይዕቀን? እቲ መዐቀኒ’ኸ ኣብ ምንታይ ይምርኮስ (ቁጠባዊ ረብሓ፡ ጅኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነት፡ ፍልስፍናውን ክልሰ-ሓሳባውን ኣረኣእያ፡ ዞባዊ ኣመለኻኽታ - ንኣብነት ኣውሮፓዊ ሕብረት…)? ነዚ ንምትግባርከ መንግስቲ ዝተነጸረ ስትራተጂ፡ ውጥን-ትግበረ (Action Plan) ፕሮገራምን ኣለዎ’ዶ? ሳልሳይ ኣብነት ንምጥቃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን ከምኡ’ውን ንናይ ደቡብ ሱዳን ተቓወምቲ ይድግፍ፡ የስንቕ፡ የንቀሳቕስ፡ መካይንን ኣብያተ-ጽሕፈታትን ይዕድል፡ ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ከኣ ይምድብ።

እዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ኣብነታት ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ምንም ዓይነት ኣስተዋጽኦ ዘይብሎም ክነሶም፡ ብኻልእ ኣገባብ ንዝተረኽበ ኣታዊ ንምምንጫት ዝቋመቱ፣ ኣዝዮም ዓበይቲ ስለ ዝኾኑ ድማ ንጉልበትን ኣእምሮን መንግስቲ ብምቁጽጻር ነታ ሃገር ጅሆ ሒዞምዋ ዘለዉ ኣህለኽቲ መደባት እዮም። እምበዓርከስ፡ ኣታዊታት ንዘኻዕብቱ ክፋላት ስራሕ ( ከም ሕርሻ፡ ኢንዱስተሪ፡ ቱሪዝም…ወ.ዘ.ተ.) ከይጠመትና’ኳ መደባት መንግስቲ ብምጽንጻል፣ ማለት ኣሰራርሓ መንግስቲ ቅርጡው፡ ጽፉፍን ግሉጽን (transparent)፡ ሓጺርን ቅልጡፍን (efficient)፡ ኣድማዕን (effective) ብምግባርን ንመደባቱ ብቐደም-ተኸተል ብምስራዕን ጥራይ ብዙሕ ገንዘብ ከነትርፍን፣ ንሃገራዊ ኣታዊና ኣብ አገደስቲ መደባት ከም ዝውዕል ክንገብርን ንኽእል።
 
ስለ’ዚ እምበዓርከ፡ ብኹለን ቋንቋታት ክንሰርሕ ዓቕሚ የብልናን ዝበሃል ሞጎት ቅኑዕ ኣይኮነን፣ ስለ ምጉት ዝቐረበ መጎት ጥራይ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ብቐዳምነት መደባት ስራሕ ከከም ኣገዳስነቶም ክንሰርዕ፣ ዝትግበሩን ዝውንዘፉን መደባት (ናይ ሓሙሽተ ወይ ናይ ዓሰርተ ዓመት ውጥን ምድላውን በቲ ዝተዳለወ ውጥን ምስራሕን) ኣነጺርና ክንፈሊ፣ ንዋትናን ገንዘብናን ብዝተጸንዐን መመሊሱ ዝፍተሽን ቅዲ ኣሰራርሓ ኣብ ኣገደስቲ መደባት ከነውዕልን ይግባእ። ልዕሊ ኩሉ ኪትኮረሉ ዘለዎ ነጥቢ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ወድ-ሰብ ንምግልጋል ኪኸውን ኣለዎ።
 
ስለ’ዚ ኸኣ፡ ቀዳማይ ዕላማ ናይ ሓደ ሃገራዊ ባጀት ንኹሉ ሰብ ስራሕን ትምህርትን ምኽፋት ኪኸውን ይግባእ። ልክዕ፡ ኣብ ድኽነት ዝርከባ ሃገራት ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ሓደ እዋን ኪዓማኦ ኣይክእላን ይኾና፣ ምስ ጊዜ ግን ዘይዕመም ኣይኮነን፤ ማለት፡ ዕላማኤን ንሱ እንተድኣ ኮይኑ። ሓደ መንግስቲ ብግቡእ እንተድኣ ሰረሑ፡ ሓላፍነቱ ብግቡእ እንተድኣ ተግቢሩ ድማ ኣብ ሓደ ዓመት ዝነበረ ዓቕሙ ኣብቶም ዝቕጽሉ ዓመታት ይዓቢ፣ ሽዑ ድማ ንመደባቱ ብዝደልደለ ዓቕሚ የስፍሕን ይትግብርን። ስለ’ዚ፡ እቲ ሰባት በብቛንቁኦም ኪምሃሩ ኣለዎም ዝብሃል ነገር መትከል እምበር ባጀት ኣይኮነን። ባጀት፡ ነቶም መንግስቲ ከሰላስሎም ዝሓስብ ውጥናትን ስራሕ ንምትግባር ንሓደ ዓመት ወይ ንዝተወሰኑ ዓመታት ዝሕንጸጽ ፊናንሲያዊ መሳርሒ ጥራይ እዩ። መትከል ግን ዕላማ እዩ፣ ናይ ሓደ ሃገር፡  ናይ ሓደ ህዝቢ ዕላማ። ሓደ ህዝቢ’ኮ ሃገር ዘቕዉም ናይ ሓባር ዕላማ እንተሃለዎ ጥራይ እዩ። ስቕ ኢልካ’ኮ ተጠራኒፍካ ሃገር ኪምስረት ኣይከኣልን እዩ፤ ቀደም ሰባት ብዓሽኦም እንከሎ እወ፡ ሎሚ ግን ኣይካአልን እዩ፣ ኩሉ’ዩ ዝሽረፍ፡ ዋላ ባጀት። ስለ’ዚ፡ ባጀትና ኣይኣክልን ኢዩ እሞ፡ ሰባት በብቛንቁኦም ንኪምሃሩ ኣይነፍቅድን ኢና ምባል ምስምስ ምፍጣር እዩ፣ ንመሰል ብሄራት ናይ ዘይምቕባል ምስምስ። 

ካልኣይ፡ ትርጁማናት ምብዛሕን ሰራሕተኛታት ካብ ሓደ ቋንቋ ንላዕሊ ከም ዝዛረቡ ምድራኽን እውን እኮ ኣድላዪ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ኣባላት ብሄራትና ተሓዋዊሶም ስለዝነብሩ፡ እቶም ዝበዝሑ ብውሕዱ ናይ ክልተ ቋንቋታት ተዛረብቲ እዮም። ንኣብነት ኣባላት ራሻይዳ፡ ናራ፡ በጃ ወይ ቢሊን እንተወሰድና ካብ ንእስነት ጀሚሮም ቋንቋ ትግረ ስለዝዛረቡ፣ ነቲ ቋንቋ ማዕረ እቶም ተወለድቲ እዮም ዝመልክዎ። ቋንቋ ትግረ፡ ቋንቋታት ዓፋርን ሳሆን ኣብ ዝዝረበሎም ቦታታት እውን ኣዝዩ ዝውቱር ቋንቋ ኢዩ። እዚ ብልጫ’ዚ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጸቕጥን ድፍኢትን ዘጥረዮ ሓድነት ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ ቋንቋ ትግረ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ፣ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ንዝግበሩ ርክባት ዘገልግልን ብቐሊሉ ዝልመድን ቋንቋ ስለ ዝኾነ ከም ሊንጓ ፍራንካ (lingua franca) ከገልግል ይኽእል። በዚ ድማ እቲ ናይ ትረጁማናት ጸገም ይቃለል፡ ሰራሕተኛታት መንግሰቲ’ውን ተወሳኺ ቋንቋታት ንኪፈልጡ ኣይድረኹን። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ቋንቋ ትግረ ሓያል ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎ፣ ብምኽንያት እቲ ገለ ምሁራት ኣስላም ዝኽተልዎ ኣብ ዓረብኛ ዝጸቅጥ መስመር ኪምዕብልን ኪድንፍዕን ኣይከኣለን።

“The use of Tigrinya and Arabic in the public sphere gradually undermined Tigre.” Redie Bereketab, p.12 

(“ኣብ ክሊ ህዝባዊ ርክባት፡ ትግርኛን ዓረብኛን ምጥቃም በብቑሩብ ንቛንቋ ትግረ ኣዳኺምዎ ኢዩ”፣…ዶ/ር ረድኢ በረኸትኣብ፡ ገጽ 12፣ ትርጉም ጸሓፊ)

እዞም ዝተጠቕሱ ምሁራት፣ ‘ቋንቋ ትግረ ንዘመናዊ ምዕባለ ዝገልጹ ቃላት የብሉን፡ ጸቢብ እዩ፡ ገላጺ ኣይኮነን’ ዝብል ምስምስ እውን የቕርቡ እዮም። ግን እተን ኣብ ዓለም ውሩያት ዝኾና ቋንቋታት እውን እኮ ተለቂሐን እየን ኣብ’ዚ ዘለዋኦ ደረጃ በጺሐን ዘለዋ። ስለ’ዚ፡ ቋንቋ ትግረ ይኹን ካልእ ቋንቋ ከኣ ተለቀሑ ክዓቢ ይኽእል ኢዩ። እቶም ምሁራትና ኣብ ክንዲ ብናይ ባዕዲ ቋንቋ ዝሓስቡን ዝጽሕፉን በብናይ ብሄራቶም ቋንቋ እንተ ዝሓስቡን እንተ ዝጽሕፉን’ኮ፣ ብቐዳምነት ካብቲ ዝተመሃርዎ ቁሩብ ንህዝቦም መካፈልዎ፡ እግረ መንገዶም ድማ ቋንቋታትና ንምሕያል ኣስተዋጽኦ ምገበሩ።

በንጻር ናይ’ቲ ንኽለተ ቋንቋታት ማለት ዓረብኛን ትግርኛን ጥራይ ዝድግፍ መደብ፣ ኤርትራ ብኹለን ናይ ኣደ ቋንቋታት ክትሰርሕ ምስ እትመርጽ፡ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝገብሮ ኣስተዋጽኦ ኣዝዩ ዓቢ እዩ፣ ንገለ ንምጥቃስ ድማ፦ 

ተራባሒ ናይ ስራሕ ዕድላት። መንግስቲ በብዓዱ መማህራን፡ ቱርጁማናት ወ.ዘ.ተ.
        ይቖጽር፣ እዚኣቶም ከኣ ብግዲኦም ንኣሽቱ ዕድላት ስራሕ ይኸፍቱ፤
በብዓዱ ዝፍጠሩ ሓደስቲ ስራሓት ምዕቡላት ኣገልግሎታት ስለዝጠልቡ
        (ናይ ምሽማት  ዓቕሚ ስለዝመሓየሽ)፣ እተን ዓድታት ናብ ቁሸታት፡ እተን
        ቁሸታት ድማ ናብ ከተማታት ይቕየራ፤
ጠለብ ቁሸታትን ከተማታትን እንዳዓበየ ምስ ዝኸይድ፡ ጽሬትን ኣቕርቦትን
        ኣገልግሎታት ይመሓየሽ፤
ግብሪ መንግስቲ ይዓቢ፤
ነቲ ዝጽልጸል ሰራዊት ብቐሊሉ ናብ ኣፍራዪ ሓይሊ ንምቕያር ይከኣል፤
ኣብ ኩሉ ቦታ ዝተዘርግሐ ሃገራዊ ምዕባለን ሃብትን ንምርግጋጽ ይከኣል።

ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ብናይ ኣደ-ቋንቋታት ምስራሕ ኣብ ልምዓትን ቁጠባዊ ዓቕምን ኣሰተዋጽኦ ዘለዎ ኣገዳሲ ዕማም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ መሰረታዊ መሰል ብሄራት እዩ’ሞ ብድልየት ናይ እተን ዝምልከተን ብሄራት እምበር ብስምዒት ናይ ገለ ጉጅለታት ኪውሰን ዝግብኦ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ኪርሳዕ ኣይግባእን። ሓድነት ማለት ድማ መሰልን ምርጫን ብሄራት ምኽባር ማለት እዩ።

ናይ ኣደ ቋንቋን ፖለቲካዊ መሰልን፦

ኣብ ርእሲ እቲ ምስ መንነት፡ ትምህርቲ፡ ቁጠባ ብምትእስሳር ተገሊጹ ዘሎ መሰላት ደቂ-ሰብ፣  ነቶም ኣባላት ናይተን ብዓረብኛ ክዛረባ ተፈሪደን ዘለዋ ብሄራት ብግብሪ እንታይ ጸገም ከም ዘጋጥሞም እስኪ ንርኤ። መቸም ትግርኛ ዕላዊ ቋንቋ ስለዝተባህለ፣ እቶም ትግርኛ ዝመልኩ  ሰባት ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈታት መንግስቲ ኪሰርሑ፣ ኣብ ሃገራዊ ባይቶን ኣብያተ-ፍርድን ዝካየዱ ክትዓትን ውሳኔታትን ኪከታተሉ ኪሳተፉን፣ ብሓፈሻ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራዊ ህይወትን ናይታ ሃገር ብዘይ ትርጁማን ንኪሳተፉ ምሉእ መሰል ይረኽቡ ኣለዉ። እቲ ሕቶ፡ እቶም ኣባላት ናይተን ዝተረፋ ብሄራትና’ኸ ከምኡ መሰል’ዶ ይረኽቡ ኣለው ዝብል ኢዩ። 

ኣብዚ ዓረብኛን ትግርኛን ከም ዕላውያን ቋንቋታት ዝቕበል ኣተሓሳስባ፡ እተን ትግርኛ ዘይኮና  ብሄራትና ብዓረብኛ ተወኪለን ስለዘለዋ፣ ስለ’ዚ እውን ኩሉ መንግስታዊ ስራሓትን ንጥፈታትን  ብዓረብኛን ትግርኛን ተሰሪዑ ስለዘሎ፣ ሓደ ሰብ ኣብቶም ብዓረብኛ ዝምርሑ ስራሓትን ንጥፈታትን ንኪዋሳእ ብቑዕ ደረጃ ፍለጠት ዓረብኛ የድልዮ ኣሎ ማለት እዩ። ብዝተረፈ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝካየዱ ክትዓት ኪሳተፍ (ብኣካል፡ ወይ ብቓል ይኹን ብጽሑፍ ርእይቶኡ ከቕርብ) ይትረፍ፡ ኪርድኦም’ውን ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ጸገም’ዚ ኣብ ኩሉ ስራሓትን ሕግታትን መንግስቲ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ፣ ብጋዜጣ፡ ብሬድዮ ወይ ብተለቪዝዮን ኣብ ዝቐርቡ መደባት ወይ ዝካየዱ ክትዓት… ወ.ዘ.ተ. የንጸባርቕ። ቀሊል ደረጃ ዓረብኛ ዝብሃል ስለዘየለን፡ እቲ ስርዓት ምስ’ቲ ዓረባዊ ዓለም ስለ ዝተኣሳሰርን ከኣ፣ ሰባት ኣብ ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡  ማሕበራዊ ጉዳያት ወ.ዘ.ተ. ንዘካይድዎም ንጥፈታትን ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ዓረብኛ ጽያፉ ዝኸተተን ውርጹጽን ዓረብኛ ኢዩ ኪኸውን። ስለ’ዚ ድማ፡ እቲ ልዑል ደረጃ ዓረብኛ ዝፈልጥ ሰብ ነዞም ዝተጠቕሱ መሰላት ከስተማቕር እንከሎ፡ እቲ ዘይብሉ ግን ይሕረም። ብሓጺሩ፡ መሰል ብደረጃ ትምህርቲ ይልካዕ ኣሎ ማለት ኢዩ።

ሳዕቤን ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ድማ፣ እቶም ልዑል ምልከት ቋንቋ ዓረብ ዘጥርዩ፡ ማለት እቶም ኣብ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዓረብኛ ንኪሳተፉ ዕድል ዝረኸቡ ወሑዳት ሰባት ስለዝኾኑ፣ ዝበዝሑ (ነዚ ዕድል’ዚ ዘይረኸቡ) ኣባላት ብሄራትና (በዘይካ ትግርኛ ማለት ኢዩ) ኪመርጹ ወይ ኪምረጹ ዘኽእል ብቕዓት ይስእኑ። እዚ ማለት ከኣ፡ ፖለቲካዊ መሰሎም ተቐንጢጡ ማለት ኢዩ። እዚ ኣብ ክሊ መንግስቲ ጥራይ ዝርአ ጸገም ኣይኮነን፣ ኣብ ቁጠባ እውን ሳዕቤን ኣለዎ። ብሓጺሩ፡ እቲ ቋንቋ ዓረብ ዘይመልኽ ሰብ እንዳተደረተን እንዳተዳኸመን ይኸይድ፣ ኣብ ሞንጎ እቶም ዓረብኛ ኪመልኩ ዝኽእሉን እቶም ዘይክእሉን ሰባት ወይ ጉጅለ-ሰባት ከኣ ናይ እቶት፡ ናይ መነባብሮን ምርጫታትን፡ ስዒቡ ድማ ናይ ደርቢ ፍልልይ ይመጽእ።
 
ኣብ መብዛሕትኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ትሕተ-ሳሃራ (ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰነጋል፡ ኣይቮረ ኮስት…ወ.ዘ.ተ.) ዝርኤ ጸገም ንሱ ኢዩ። ወግዓዊ ቋንቋ ኬንያ ንኣብነት እንግሊዝኛ ኢዩ። ይኹን’ምበር፣ እቲ ኣብ መንግስታዊ ስራሓትን ቢዝነስን ዝነጥፍ ሰብ፡ እቲ ልዑል ናይ እንግሊዝኛ ትምህርቲ ዝቐሰመ ሰብ ጥራይ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ሕብረተ-ሰብ ኬንያ ብደርብታት ዝተኸፋፈለን፡ ዝበዝሕ ሰብ ድማ ብስእነት ሰራሕን ጥሜትን ተቖሪኑ ዝርከብ።
ናይ ኣደ-ቋንቋን ፖለቲካዊ ጸገማቱን፦

ዓረብኛን ትግርኛን ከም ወግዓውያን ቋንቋታት ዝተኣታተዉ ብግዜ ምሕደራ መንግስቲ እንግሊዝ እዮም፣ ቅድሚ እቲ እዋን’ቲ ወግዓውያን ቋንቋታት ዝብሃሉ ኣይነበሩናን። ትግረ ብትግር፡ ብሊን ብብሊን፡ ሳሆ ድማ ብሳሆ ይዛረቡ ንይሮም። ስለ’ዚ፡ ኣምር ወግዓውያን ቋንቋታት ዝተኣታተወ ምስ መግዛእቲ እንግሊዝ ኢዩ። እዚ ግን፡ ቅድሚ እቲ ጊዜ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዓረብኛ ኣይዝረብን ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ልክዕ ዓረብኛ ይዝረብ ነይሩ፣ እንተኾን ግን ኣብ ከም ምጽዋዕ ዝኣመሰላ ከተማታትን፡ ንሱ’ውን ብኣዝዩ ውሱን ደረጃን ኣብ ክሊ ምሁራን ዝተሓጽረን ጥራይ። ስለዚ፡ ዓረብኛ ኣብ ኤርትራ ብሰፊሑ ተዘወቲሩ ኣይፈልጥን፣ እንትርፎ ናይ ራሻይዳ ድማ ናይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ብሄር ቋንቋ ኮይኑ ኣፈልጥን። እዚ እዩ እቲ ሓቂ።

እንግሊዝ፡ ንኤርትራ ናብ ክልተ ኪመቕላ ዝነበሮ ሕልሚ መቸም ዝተሰነደ ኢዩ። በዚ መሰረት ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ክርስትያንን ኣስላምን፡ ትግርኛን ዓረብን ከፊሉ፣ ናይ ክልተ ዘይራኸቡን ብሓባር ኪነብሩ ዘይክእሉን ህዝብታት ስነ-ኣምሮኣዊ ቅርጺ ንምትእትታው ሓሊኑ። ብተወሳኺ፡ ብዓረብኛን ብትግርኛን ዝካየድ መባእታዊ ትምህርቲ ጀሚሩ፣ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ዝሕተማ ጋዜጣታት እውን ኣተኣታትዩ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተነድፈ ቅዋም’ውን ነዚ ናይ እንግሊዝ ፈተነ ብምቕዳሕ፡ ቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ወግዓውነት ከም ዝረኽቡ ገይሩ። ብድሕር’ዚ ዝሰዓበ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእቲ ንክልቲኦም ቋንቋታት ብምድምሳስ፣ ኣምሓርኛ ከም ሃገራዊ ቋንቋ ኣብ ኩሉ መንግስታውን ህዝባውን ስራሕን ኣብያት-ትምህርትን ንኪተኣታቶ ሓጊጉ። ብፍላይ ብቛንቋ ትግርኛ ንዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ኣኪቡ ሓዊ ብምቅጻል ድማ፡ ሃገራዊ ምልክታት ንምጥፋእ ፈቲኑ። 

እቲ ንዓርብኛን ትግርኛን ከም ወግዓውያን ቋንቋታት ዝተቐበለ ኣተሓሳስባ ግን ኣብ መንግስቲ ኤርትራ (ፈደረሽን) ጥራይ ዘይኮነ፡ ብድሕሪኡ እውን ኣብ ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግንባርን ቀጺሉ፣ ሕጂ’ውን ኣብተን ቅዋማዊ መንግስቲ ንኺትከል ዝድግፋ ውድባት ሰሪጹ ይርከብ።

እዚ ዝተጠቕሰ፡ በኸፊል ታሪኻዊ ሸነኽ ናይ’ቲ ጉዳይ ኢዩ፤ ታሪኽ ግን መወከሲ እምበር ቃል ወንጌል ወይ ቁርኣን ኣይኮነን። ልክዕ፡ ኣብ 50ታት ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ነቲ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበሎም ንድፊ ቅዋም ብምቕባል፡ ዓረብኛን ትግርኛን ወግዓውያን ቋንቋታት ንኪኾና ወሲኖም።ግን ስለምንታይ ከምኡ ገይሮም¬? እቲ ዝምለከቶ ህዝቢ’ኸ ነቲ ጉዳይ ተኻቲዑሉ ድዩ? ኣሉታውን ኣዎንታውን ሳዕቤናቱ ንምፍታሽ ዘኽእል ፍልጠት’ከ ንይርዎ’ዶ ወይስ ‘ይርሓሰና፡ ይርሓሰና’ እንዳበለ ኢዩ ተቐቢልዎ? ሳልሕ ቓዲ፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ ወሲኑ ኢዩ’ እንዳበለ ይጽሕፍ ኢዩ። ሕራይ፡ ህዝቢ ኤርትራስ ወሰነ፣ ኣበይ ኣሎ እቲ መረጋገጺ? ክንደይ ክፋል ናይ’ቲ ህዝቢ እዩ’ኸ ወሲኑ? በብዞባኡ ክንደይ መዓልታትን ሰዓታትን ወዲኡ? ስታቲስቲክ እኮ ኮቐርብ ኣለዎ።
 
ብዝተረፈ፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ ወሲኑ ኢዩ’ ምባል፡ ህዝቢ ንምትላልን ክትዓት ንኸይካየዱ ምዕንቃፍን እንተዘይኮይኑ ካልእ ዕላማ የብሉን። እምበር’ከ! ቅድሚ 60 ዓምት ንዝተወስደ ውሳኔ፡ ሎሚ ህዝቢ ኪፍትሾ ኣይክእልን ድዩ? ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ እኮ ብዙሓት ለውጥታት ተመዝጊቦም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተኻየደ ሓርነታዊ ቃልሲ ተዓዊቱ፣ ሕጂ’ውን ዲሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ንምርግጋጽ ቃልሲ ይካየድ ኣሎ፣ ገለ ካብተን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ብሄራት ድማ ማዕርነተን ንምርግጋጽ ‘መሰል ርእሰ-ውሳኔ ክሳብ ምፍላይ’ ዝብል መትከል ሒዘን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ይቃለሳ ኣለዋ። ብፍላይ እቲ ናይ ብሄራት መርገጺ ንቛንቋ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ብውሕዱ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ለውጥታት ኣብ ግምት ኪኣትዉ’ዶ ኣይግባእን? 

እዚ ሓደ ክፋል ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ጸገም ኢዩ። እዚ ጸገም’ዚ ከኣ ከም ሕሉፍ ምተራእየ፣ ግዳ፡ እተን ንጉዳይ ኤርትራ ብሞኖፖል ሒዘን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ነዚ ናይ 50ታት መርገጺ ከም ዘለዎ ስለ ዘድቀልኦ፣ እቲ ጉዳይ ዳግማይ ንኸይለዓልን ክፉት ህዝባዊ ክትዕ ንኸይካየደሉን ተወሳኺ ሓጹር ኮይነን ኣለዋ። ‘ሰልፊ ደምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ (EPDP) ብዛዕባ ዕላውያን ቋንቋታት ዘለዎ መርገጺ ከም ኣብነት ንርአ፦ “ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያን ቋንቋታን ክኾና፡ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ’ውን፡ ክዓብያን ክምዕብላን ዘኽእለን መሰል ከምዝረኽባ ምግባር” ይብል። መርገጺ ናይተን ዝተረፋ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ዝድግፋ ውድባት እውን ተመሳሳሊ እዩ። 

እዚ ናይ ቋንቋታት ጉዳይ ኣካታዒ ምዃኑ እንዳተፈልጠ፡ ‘ክዱን ባአፈ-ስላሴ’ ኢልካ ምሕላፉስ ጉርሒ ድዩ ወይስ ልቦና? ብዉሑዱ እተን ንመሰለን ዝጣበቓ ዘለዋ ብሄራዊ ምንቅስቓሳት እኮ ብግብሪ የልዕላኦ ኣለዋ። ንሳተን፡ ነቲ ዓረብኛን ትግርኛን ወግዓውያን ቋንቋታት ኪኾና ኣለወን ዝብል መርገጺ ጥሒሰን በብቛንቋኤን ይዛረባን ይጽሕፋን ኣለዋ፣ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ስርዓተ-ፊደል ድማ ላቲን እምበር ዓረብኛ ኣይኮነን። ናይ ጽባሕ መርገጺኤን እውን ንሱ ኢዩ። እቲ “ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያን ቋንቋታት ኪኾና” ዝብል መትከል ድኣ’ሞ ምስ’ቲ ናይ ብሄራት መርገጺ ይራጸም’ዶ የለን? ኣበየነይቲ ኤርትራ ኢዩ’ኸ ኪሰርሕ?

እቲ ካልኣይ ጸገም ናይ’ዚ መርገጺ’ዚ፡ እቲ “ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ’ውን ክዓብያን ክምዕብላን ዘኽእል መሰል ከም ዝረኽባ ምግባር” ዝብል ሓረግ ኢዩ። እዚ ሸፈጥ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኹሉ ስራሓት መንግስቲ (ሕግታቱ፡ ኣዋጃቱ፡ ምልክታታቱ፡ ባጀቱ፡ ጸብጻባቱን)፣ ጋዜጣታትን መደባት ተለቪዥንን ሬድዮን፣ ኣብ ዞባውን ሃገራውን ባይቶታት ዝካየዱ ክትዓትን ውሳኔታትን፣ ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዓውድታት ቢዝነስን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዝካየዱ ስራሓትን ርክባትን፡ ከምኡ እውን እዚኣቶም ምስ ኣካላት መንግስቲ ዘካይድዎም ርክባት፣ ኮታ ኩሎም ብደረጃ ሃገርን ዞባን ዝሰላሰሉ ናይ ቃልን ጽሑፍን ርክባትን ሰነዳታትን ብዓረብኛን ብትግርኛን ጥራይ ከም ዝብሓቱ ተገይሩ ከብቅዕስ፣ ተመሊስካ፡ “ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ክዓብያን ክምዕብላን” ምባል ካብ ቀለዓለም (lip service) ወይ መመቀሪ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን፡፡ ነተን ናይ መሰል ሕቶ ኣበጊሰን ዘለዋ ብሄራት እውን ኣየደዓዕስን ኢዩ። እቲ “ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ክዓብያን ክምዕብላን” ዝብል ሓሳብ ሓቀኛ ትርጉም ኪህልዎ እንተ ተደልዩ፣ ንሕቶ ብሄራት ኣብ ግምት ዘእቱ ዕላማ ምህላውን ምስኣታተን ድርድር (negotiation) ምክያድን ጥራይ ኢዩ። 

መደምደምታ፦

መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ንዓረብኛን ንትግርኛን ምስ ምስልምናን ክርስትናን ብምትእሳር ንኤርትራ ከም ናይ ክልተ ዝተነጻጸሉን ብሓባር ኪነብሩ ዘይክእሉን ህዝብታት ጌይሩ ብምቕራጽ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንዝነበራ ሰልፍታት ከእምን፣ ብመንገደን ኣቢሉ ድማ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምምቃል ዝነበሮ መደብ ኪትግባር ፈቲኑ። ኮይኑ ግን፡ ብናይተን ሰልፍታት ምዑት ተቓውሞን ሓድነታዊ መንፈስን እዚ መደብ’ዚ ኪፈሽል ኪኢሉ። ግን፡ ናይ ምንግስቲ እንግሊዝ ዕላማ ይፍሸል’ምበር፡ እቲ ናይ ክልተታት ሓሳብስ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣይጠፍኤን፤ ኣብ 50ታት ነይሩ፣ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝተጋነነ መንገዲ ይስራሓሉ ነይሩ፣ ኣብ’ዘን ሕጂ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ናይ ተቓውሞ ውድባት እውን ይርአ ኣሎ። ሓደ ኪፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ግን ኣሎ። ሓድነት ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ኣይኮነን፡ ናይ ቋንቋታት ጉዳይ’ውን ኣይኮነን። ሓድነት ኤርትራ ናይ ብሄራት ሓድነት ጉዳይ ኢዩ።
 
ልክዕ፣ በዓል ሳልሕ ቓዲን ጉጅለ ዓዋተ ዘዳምቕዎ ሃይማኖታዊ ምፍሕፋሕ የሰንብድ ይኸውን፣ ግን ናብ ሰንዓፈ እንተኸድና፡ ቀሽን ሸኽን ብሓባር ጉጅም ኪብሉ ንርኢ። ዓድ-ተማርያም፡ ቤት-ኣስገደ፡ ሓለንጋ ዝብሃሉ እንዳታት ካብ ህዝቢ ከበሳ ከም ዝመንጨው መዛግብ ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ንሳቶም ባዕላቶም ዝኣምኑሉ ጉዳይ ኢዩ፣ ከምኡ እውን ጦርዓን ጽንዓደግለን ሃይማኖት ዝፈላለዮም ኣሕዋት ምዃኖም እቲ  ህዝቢ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ስሙ ኣስላማይ ስም ኣባሓጉኡ ክስታናይ፣ ወይ ከኣ ስሙ ክስታናይ ስም ኣባሓጉኡ ግን ኣስላማይ ዝኾኑ ሰባት መሊኦም’ዶ ኣይኮኑን? እዚ፡ ኵኖ ሃይማኖት እቶ ህዝቢ ኣባል ሓንቲ ስድራ ምዃኑ’ዶ ኣይኮነን ዝሕብር?

ስለ’ዚ፡ ሕጂ’ውን እቲ ዲሞከራሲን ስርዓተ-ሕግን ዝሰፍነላ ሓንቲ እርትራ ንምቛም ዝካየድ ቃለሲ ብናይ ብሄራት ሓድነት ኪምራሕ እንተ ዘይኪኢሉ፣ ሰላምን ርግኣትን ከነረጋግጽን ደሞከራሲን ስርዓተ-ሕግን ከነንግስን ዝከኣል ኣይኮነን።

መወከሲታት፦
 
1. Mother Tongues: The Problem of Definition and the Educational Challenge,
        by D.P. Pattanayak, UNECSO Institute of Education, 2003.
2.     The Politics of Language In Eritrea: Equality Of Languages Vs. Bilingual
        Official Language Policy, Redie Bereketeab, Nodic African Institute,
        Uppsala, Sweden. 
3.      Language Policy and Planning for Basic Education in Africa,
        by Clifford N. Fyle UNESCO Institute of Education, 2003.


በረኸትኣብ ሃብተማርያም
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...