ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ሰውራኡን ሃገሩን ኣብ`ቲ ዝሓለፈ 41 ዓመት ንዝተፈጸሙ ንኹሉ ሩኡይ ዘይኮኑ ሓቅታት ርኡይ ንምግባሩ፡ ብዝያዳ ኻኣ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦን ክማሃረሉን ዝግባእ ሓቅታት ኢዩ ብምባል ንዘለካ ቀጥታዊ ተመክሮን ናይ ምጽሓፍ ክእለትን ተጠቂምካ ኣንቢብናን ኣብ ከብሒ ኣስፊርናን ንመወከሲ እንጥቀመላ መጽሓፍ ትቀራርበልና ምህላውካ ትምስገነሉ ጉዳይ ኢዩ፡፡

በዓል`ዚ ዓቢ ሞያ ብመንጸር`ዚ ሞያኻ እቲ ነቲ 41ዓመት ቀዲሙ ዘሎ ሑሉፍ ታሪኽ ህዝብና ንዓኻ ሱዉር ክኾውን ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡፡

ኩሉ ግዜ ድሕሪ ቃል ዲዩ ሓሳብ ኣብ ብራኬት (  ) ኣእቲና እንገልጾ ጉዳይ ነቲ ቀዲሙ ዘሎ ቃል ወይ ሓሳብ ንምብራህ ዝኣክል ኢዩ፡፡ ስለዚ ኣቶ ረድኢ ን " ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ " ብዝምልከት ኣብ ዝቀረበ ጽማቅ ትሕዝቶ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ ሓደ 3ይ መስመር "ህዝቢ" ኢልካ ብድሕሪኡ (ዓፋር፡ትግረ፡ናራ፡ኩናማ፡ብሌን፡ትግሪኛ፡ሳሆ፡ሕዳርብ) ዝብል ሲዒቡ፡፡

ስለዚ ካብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቀመሉ ቁጽሪ ብሄራት ኤርትራ (9) ሸሞንተ ጥራሕ ሙቅጻርካ ኣይተረዳኣንን፡ ናይ መርገጽ ጉዳይ እንተ ኾይኑ ግና፡ ኣብቲ ኣመንጊካ ትግርኛ ዝተባህለ ጀበርቲ ዘለካ መርገጽ ከ እንታይ ኢዩ? እዚ ሕቶ`ዚ ከቅርበልካ እንከለኹ ከም ተራ ኤርትራዊ ዘይኮነስ ከም ኣገዳሲ ተራኺ ባእታ ስለ ዝኾነ ቀሊል ዘይኮነ ክፋል ህዝብኻ መልስኻ ከገድሶ ኢዩ፡፡ከምኡ`ውን፡-

** ጂኦ-ፖለትካ ኤርትራ ኣብ ዝተነጸረሉ ዘመን ኣብ ቅድሚ`ቲ ሓደ ካብ ፈጠርቲ ኣፍሮ ጂኦ-ፖለትካ ዝኾነ መንግስቲ ጥልያን ቀሪቦም ከም ዋናታት መሬት ዝተፈልጡ መነ መን ይበሃሉ ?

***ትግሬኛ ዝብል ቃል ካብ ናይ ቋንቋ ስም ምዃኑ ሓሊፉ  መጸውዒ ሕብረተ-ሰብ ዝኾነሉ ካብ መዓስ ኢዩ ? (ብመሪ/ ግርማጽዮን ዝተዳለወ ናይ ትግርኛ- ትግርኛ መዝገበ ቃላት ልሳነ ኣግኣዚ ትግርኛ ንቋንቋ ጥራሕ ዘመልክት ምዃኑ ኣብሪሂዎ ኣሎ፡፡ ገጽ 386)

**** እዚ ሕጂ ትግሪኛ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝብል መጸዊዒ ከም ዘለዎ ይንገር`ዩ፡ ኣብዚ ዘለካ ኣፍልጦ ከመይ ኢዩ ?

ብሓፈሸኡ ብሄር ዝብል መጸውዒ ዝህቦ ትርጉም በዚ ዘለዎ መልክዕ (ኣብ ኤርትራ) ከም እትኣምነሉ ባዕሉ ጽሑፋትካ ዝምስክሮ ኢዩ፡፡ ብወገነይ ብሄር ማለት ምስ ሃገር ዝብል ቃል ወይ ተረድኦ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ገይረ ኢየ ዝርደኦ፡ንኣብነት እቲ ብሄር እትብሎ ህዝቢ ክሳብ ናይ በይኑ ሃገር ናይ ምምስራት ዓቅሚ ዘማለኤ ክኸውን ኣለዎ፡፡ዝኾነኾይኑ ሙሁራትና ከም ሎሚ ዘይበዝሑ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይኒዉሩና (የብርሁልና) እንተበልካ ገለ ብፍርሒ ኣብ መንግስቲ ዝወሰኖ ጉዳያት ይሕመቅ ይጸብቅ በጮቅ ዘየብሉ፡ገለኦም ካኣ በጀካ ብታዕሪፋ ብኻሊእ ዘይግደሱ ኮይኖም ካብቲ ዘርኢ ትምህርቶም ዝተሓፍሰ የለን፡፡ ዝኾነ ኾይኑ ክሳድ ንሓዝ እንተልና ብዛዕባ  ሓደ ናቱ ፉሉይነት ዘለዎ ህዝቢ መፍለጢ ንጥቀመሉ ዘለና ስያመ ምዃኑ ኢዩ፡፡ከም መጻኒሒ፡፡ንሓበረታ ዝኣክል ግና፡ ሕጂ`ውን መሪ/ ግርማጽዮን መብራህቱ ኣብ ልሳነ ኣግኣዚ ንብሔር ዝህብዎ  ትርጉም እንተ ተወክስና ከምዚ ዝስዕብ`ዩ፡-

" ብናይ ሓባር ቋንቋ ዝዛረቡ ብናይ ሓባር ምጣኔ-ሃብቲ ሕይወት (ውህደት) ዝጥቀሙ ብናይ ሓባር ባህሊ ዝግለጽ ስነ-ልበናዊ ኣመለኻኽታ እተመስረቱን ብታሪኽ ተሃኒጾም ዝጸንዑን ሕብረተ-ሰብ ዝነብሩሉ ፡፡" ኢዩ  ይብል ስለዚ ንሰብ ዘይኮስ ንቦታ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ፡፡

ብልሳን መንግስቲ ኤርትራ ብሄር ዝብል ቃል ማዕረ ናይቲ ቆውሚያ ዝብል ዓረበኛ ቃል ዝምዘን እዩ፡፡ ብዓረበኛ ዝህቦ ትርጉም ከኣ ምስ`ቲ ልሳነ ኣግኣዚ ዝህቦ ትርጉም ኣይሰማማዕን ኢዩ፡፡ ቀውሚያ ዝህቦ ትርጉም ፡-

" ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ሓቢርካ ብምንባር፡ ናይ ሓባር ቋንቋ ብምጥራይ፡ ናይ ሓባር ረብሓ(ቁጠባ) ኣብ መንጎኻ ምህላው፡ ሓደ መቦቆል ብምዃንካ፡ ናይ ሓባር ታሪኽ ብምፍጣርካ፡ ዝመጽእ(ዝፍጠር) ማሕበራዊ ስነ-ልበናዊ ዝምድና ደቂ-ሰባት ኢዩ፡፡"

ዝኾነ ኾይኑ በዚ መልክዕ`ዚ ክውከሰካ እንከለኹ ከማኻ ዝኣክል ብህዝቡ ዝግደስ ክንዲዚ ዝኣክል መጽናዕቲ ዝገብርሲ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣጋጢምዎ ይኸውን ካብ ዝብል ግምት እምበር ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ ኮይነ ትፈልጣ ኢኻ ኣውጻኣያ ማለተይ ከም ዘይኮነ ክትርዳኣለይ ተስፋ እገብር፡፡
ኣቶ ረድኢ " ዋዘማ ዘመነ ቅብጸት ኢሳይያስ መበል 11 ክፋል " ምስ ኣንበብኩ እቲ 8 ኣብ ክንዲ 9 ናይ መርገጽ ምዃኑ በሪሁ፡፡ ንሓበረታ ዝኣክል
                                                  

ሰናይ እምነየልካ
ኣወልኼር


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...