ወላ እንተተራቐቐት ሓሶት ንሓቂ ኣይትስዕራን ኢያ!
 
ኣቶ መኣዚን ዓብዱል ቐኒ ባሓቂ መኣዚን ሽምካ እንተኾይኑስ

እዚ ጹሑፍ እዚ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኩቡራት ኣሕዋት ኣወልኼር ዓብዱልሓፊዝን መኣዚን ዓብዱል ቐኒን ዝቐነየ ናይ ሓሳባት ናይ ኣራኣእያን ናይ ታሪኽን ናይ መትከልን ፍልልይ ኣብ ምርድዳእ ኣብ መደምደምታ ዘይበጽሐ፡ ብ ዓቕመይ ርኢቶ ክህብ ኢየ። ነዞም ክልተ ኣሕዋት ከም ህዝበይ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እምበር፡ ብኣካል ወይ ኣበይ ከምዝነብሩ ዝፈልጦ የብለይን። ይኹን እምበር፡ ዝኾነ ሰብ ን ቁንዕ ወይ ን ጌጋ ዝብሎ ስነ ሓሳብ ይኹን ተግባር ወይ መትከል፡ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይ ፖለቲካዊ፡ ናብ ክፋል ሓደ ህዝቢ ይኹን ናብ ህዝቢ ወይ ናብ ውልቀ ሰብ ዝቐንዐ፡ ንሓሳብ ብሓሳብ፡ ንጭብጢ ብጭብጢ ንታርኽ ብታሪኽ ከእምን ወይ ክኣምን ይግባእ።
 
ከምዚ ክብል ኮለኹ ግና. ንስለ ክትዕ ወይ ህልኽ፡ ወይ ኣብ ናይ ካልኦት ዘይምልከቶ ጉዳይ ኣትዩ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ወይ ደይ መደይ ኢሉ ንስለ ህልኽ ኣንጻር እቲ ካልእ ወይ ኣንጻር ንዑኡ ዝመስሉ ዝግበር ሓቂ ዘይብሉ ሞጎት ፡ ናይ ነብሰ ታኣማንነት ዘይብሎም ናይ ሰነፋት ተግባር ኢዩ ኢለ ይኣምን።
 
ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ ኣቶ መኣዚን፡ ቅድሚ 2 ክልተ ኣዋርሕ ይኸውን፡ ን ውድብ ናህዳ ዝወቅስን ዝነጽግን ኣብ መርበብ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ፡ ምኽረይ ለጊሰልካ ኔረ፡ ብድሕሪኡ ግና ኣብ ጉዕዞ ከምዝተዓዘብኩኻ፡ ካብቶም ዝቐጸሉ ግጥምታትካን ጹሑፋትካን፡ ኣንጻር ሓቅን ኣንጻር ታሪኽን ኮንካ ረኺበካ፡ ኮምኡ ውን መንነትካ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱ ስለ ዝገደድካኒ፡ ምኽንያቱ ህግደፍ ናይ ኣስላም ገጻት ስለ ዝውንን፡ በቲ ሽምካ ይኹን በቲ ቃል ናይ ፈጣሪ ረቢ ካብ ቁዱስ ቁርኣን  በድቊልካ ኣብ ጹሑፍካ ወስ ተብሎ ከምዘይንህመል ተረዳእ።  ኣነ ሳልሕ ዓብደላ ብመንነቱ ዝሕበን ዝኾርዕ ኤርትራዊ ኣስላማይ ውላድ ብሄር ጀበርቲ’የ፡ መኣዚን’ከ ተወላዲ ኣየነይቲ ሃይማኖት ወይ ብሄር ኢኻ፡ ሃየ ብትብዓት መልስ። ኣብ ካናዳ 3 ሰለስተ ሰባት ኣለው ኣነ ንንዊሕ ዓመታት ዝፈልጦም፡  ስለዚ ምስ ኤርትራውያን ክርስቲያን ኣሕዋትና ከረኽቦም ኮለኹ፡ ኣሰላም ዓለይኩም ኣብ ዝብለሉ ህሞት፡ ምስናይ ስምባደኡ ንየማን ንጸጋም ቀልባዕባዕ ብምባል ልቦም ልዕሊ ንቡር ክትሃርም ይዕዘብ እሞ ዋዓለይኩም ሰላም ንምባል መሬት ትሕርብቶም፡  እሂ ዳኣ እሂ ዳኣ ሳልሕ ይሙሉሱለይ፡ ኣብ በይኖም ወይ ምስ ኣስላም ኮለው ኣሰላም ዓለይኩም ኣብ ዝብለሉ ውን ን የማን ጸጋም ከይጠመቱ፡ ወዓለይኩም ሰላም የለን። ንምንታይ ኢኹም ኮምኡ ትገብሩ ኢለ ኣግሂደ ምስ ዝሓቶም፡ ዝረኽቦ መልሲ፡ እዋእ ማለትሲ፡ እቶም ክርስቲያን ወገን ስለ ዝመስሎም ዝብል መልሲ ይረክብ ዘሕፍር መልሲ። ኣነ ብወገነይ ኣንጻር ኣሰላም ዓለይኩም ኣሕዋትና ክርስቲያን ሪአ ወይ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ስለዚ ኣቶ መኣዚን ውን መን ይፈልጥ፡ ተስፋ ይገብር ግና ከምዞም ዝጠቐስኩዎም 3 ከይትኸውን።  
 
እቲ ዝባሃልን መልስን፡ ዕድመ ንኩቡር ሓው ኣወልኼር ዓብዱልሓፊዝ፡ ብመርቶዖን ብጭብጥን ብሓቀኛ ወርቃዊ ታሪኽን ማዓድን መኻርን ብዝኾነ ኣገባብ ስለ ዝመለሰልካ፡ ኣነ ካብኡ ንላዕሊ ክምልሰልካ ብቕዓት የብለይን።
 
ንኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብዝመለስካሉ ግና፡ ምህዳድ ዝመስል ንስኻን ከምዚ ከማኻን ዋጋ ክትከፍሉ ኢኹም ስለዝበልካ፡ ደቂ መን ኣሕዋት መን ዲና፡ ደቂ ዓብዱልቃድር ከቢረ ደቂ ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም ደቂ ኢብራሂም ሱልጣን ደቂ ወልዳኣብ ወልደማርያም፡ ኣሕዋት ሙሓመድ ብርሃን ነጋሽ, ኣሕዋት ስዒድ ሳልሕ, ኣሕዋት ሙሴ ተስፋሚካኤል, ኣሕዋት ዮሱፍ በያን, ኣሕዋት ወልደ ዳዊት ተመስገን, ኣሕዋት ኢብራሂም ሓንገላይ, ኣሕዋት ሃይለ ጋርዛ ኣሕዋት ማሕሙድ ሓሰብ, ኣሕዋት ኢብራሂም ዓፋን, ኣሕዋት ዶክተር ያሲን ኣበራን, ወ.ዘ.ተ.ን እኳ ኢና። ሎሚ ዳኣ ንህደደሉ ግዜ ዘይኮነ፡ ዘንጊዕካ ግዲ ኣሊኻ እምበር መኣዚነይ እዋን ሕነ ንፈድየሉ ኣኺሉ እንዲዩ። ጎይታኻ ኢሳይያስ ከምዘይ ከማኻ፡ ግዜኡ ከምዝኣኸለት ስለ ዘረጋገጸ ኣይትሪኦን ዘይሙሱል መሲሉ ማዳ ንማዳ ኣዲኡ ኣይትርአ፡ ነቲ ንመጻኢ ንኸፍሎ ዋጋ ግና፡ ነቶም ደምና ዝለመዱን ክሪኡና ዘምቧሁቑን፡  ወስ ንዘዝበላ ኣእዳዎም ክንቆርጽ ሙዃና ቃል ይኣትወልካ።  ድሕሪ ደጊም ተመልዒስካን ተቐንጺልካን ምጽቃጥ የለን።
 
ኣብታ ናይ መወዳእታ ንኩቡር ሓው ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ዝመለስካሉ ጹሑፍካ ውን፡  ሓደ ሰብ ሓሳባቱ ብኹሉ ዝካኣል መንገድታት ምግላፅ ከምዝካኣል ብምባል ጀሚርካ፡ ንኣብነት እዛ ሓሳብ ከመይ ትመስለካ ክልተ ስእሊ ዘለዋ ካሪካቱር ክንገብር ደሊና፡ ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ካብ ኩሉ ብሄራት፡ ካብ ጀብሃ ይኹኑ ካብ ሻዕቢያ፡ ዕማ ፍልስጤም ተኸዲኖም “መስርዕ ኔራትኒ” እናበሉ ይደርፉ፡ እታ ሓንቲ ስእሊ ኻኣ ዕማ “ጀበርቲ” ዝተኸደኑ ካልኦት ወገናት። ሓደ ሰብ ከምዚኣ ካሪካቱር እንተገይሩ፡ ሓሳቡ ክገልጽ ኣይፈተነን? ፈቲኑ እምበር። ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን፡ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ኩሎም ብሄራት ዕማ ፈለስጢን ይወድዩ ከምዝነበሩ ክገልጽ ፈቲኑ! እዚ ነቲ ኣዝዩ ኩቡር ቃልሲ ኤርትራውያን ኣየዘክርን’ዶ” ወመይ ያዕመል ሚስቃላ ዘረቲን ኸይረን የራ ዝበልካዮ። 
 
ጌጋ ታሪኽ ሓሳዊ ትንተና ይብለካ፡ ካበየናይ ጭብጢ ካበየናይ ውዕሎ፡ ኩሎም ተጋደልቲ ብሄራት ኤርትራ ዕማ ፍልስጤም ይወድዩ ኣይነበሩን ኣብ ጀብሃ ይኹን ኣብ ሻዕቢያ። መራሕቲ ጥራይ ኢዮም ዝወድዩ ኔሮም ከይብለካ፡ ዘይበልዐ ከልቢ ኣይብላዕ እቶም ኣብ ዓውዲ ኲናት ኣብነት ብሙዃን ጠያይትን መዳፍዕን እንዳ መልዓሶም ዝኣልዩን ዝዋግኡን ዘዋግኡን ዝበዝሑ ሰራሕቲ ታሪኽ ኣናብስ ገዲፍካ፡ እቶም ከም ኣትማንን ኣዛብእን ኣብ ባዓትታትን ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ጽላልን ምቾትን ኣብ ጎዳጉዲ ሳሕልን ባርካን ኣብ ሕጽኖት ዘሕለፉዎን ቃታ ስሒቦም ባሩድ ጨንዮም ዘይፈልጡን ከም ባዓል ኢሳይያስን ንሱ ዝሓልየሎምን ግና፡ ናይ ፍልስጤም ዕማ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ጎዳጉዶም ከም ኣናጹ ብ ጮማን ብ ዊስክን ብደቂ ኣንስቲዮን ተኸቢቦም እዮም ዕድመ ቃልሲ ኣሕሊፎሞ።
 
ረሲዐልካ እባ ኔረ፡ ኮምኡ ውን ንኣባላት ክፍሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብዘርእዩሉ፡ ገለ ገባር ወይ ነጋዶ፡ ሓጎሶም ንምግላጽ ኣብ መድረኽ ብምውጻእ ዝሰለሙዎም ውሑዳት ዕማ ፍልስጤም ይወድዩ ነበሩ። እምበር ተጋዳላይ’ሲ ነተን ድሕሪ ሕሱም ዕርቃን ዝረኽበን ዝነበረ ጻዕዳ ኣቡ ጀዲድ ዓለባ፡ ብማሃዝነቱ ካብ ኣግራብ ልሕጺ ልሒጹን ጠጢቑን ንመሬት ኤርትራ ዝመሳሰል ሕብሪ ብምፍጣር፡ ነቲ ጻዕዳ ዓለባ ኣቡ ጀዲድ ሕብሪ ኣስቲዩ ይጥቀም ነበረ እምበር ዕማ ፍልስጤም ዳኣ ኣበይ ክረኽቦ ኣንታ ሓወይ።
 
ኣቶ መኣዚን፡ ብሂወት ክሳብ ዘለኹ ዘይርሰዖ ተጋደልቲ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ምረት ናብራ ገድሊ ሓንቲ ከዘንትወልካ፡ ኣብ 1985 ዓ.ም.ፈ. ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርያ ግዜ ብ ቡዙሕ መስዋእቲ ንባረንቱ ተቖጻጸራ፡ ኣነ ውን ኣብኡ ነበርኩ፡  ግና ድሕሪ ሓደ ወርሒ ደርግ ሓይሉ ኣኻኺቡ፡ ካብ ኣቑርደት እቲ ሓደ ክፋሉ ንባረንቱ እንዳ ኣጥቀዐ፡ እቲ ካልኣይ ክፋሉ ድማ፡ ብብዝሒ ታንክታት ኣምሪሑ ንባረንቱ ንጸጋሙ ብምግዳፍ ትኽ ኢሉ ብጎልጎል ባርካ ጥሒሱ ሳዋ ይድቕደቕ፡ ሽዑ ሳዋ ከምዚ ናይ ሎሚ ሳዋ ኣይነበረትን። ብምብራቕ ድማ ካብ መንደፈራን ካልእን ብ ማይ ላም ኣጥቀዐ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብደቡብ ካብ ኢትዮጵያ ብተሰነይ ጥሒሱ ክሳብ ዶብ ሱዳን ብምብጻሕ ነቲ ንባረንቱ ዘጥቀዐ ህዝባዊ ግንባር ንሳሕል ከየዝልቕ መከራ ፈጠረሉ።
ንመጀመርታ ግዜ ድማ ደርግ ቡዙሕ ንብረት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳዋ ሰለበ። ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ድማ ተዛረበሉ፡ ህዝባዊ ግንባር ድማ ግብረ መልሲ ብማሃብ፡ ኣብ ወርሒ ኣይኮናን ንዋጋእ ዘለና ስለዚ ኣየገርምን’ዩ ብምባል መሊሳ። ኣብ ከምዚ ሓደገኛ ኩነታት፡ ገሊኣ ውሕጅ ጋሽ ክትሰግር ውሕጅ ዝወሰዳ፡ ገሊኣ ኣብቲ ጸልማት ኣብ መካይን ተጻቓቒጣ ተሰቒላ ኮላ ኣዒንታታ በግራብ ትፈስስ፡ ገለ  ብዕርቃን ስረ ብዘይ ስረ ውሽጢ ገሊኣ ስረ ውሽጢ ጥራይ ዝለበሰት ብዘይ ስረ ብዘይ ነጸላ፡ ካብ ባረንቱ ክሳብ ሳሕል በጺሓ፡ ኣነ ውን ሓደ ካብቶም ዕሩቓት ስለ ዝነበርኩ፡ ካብ ባረንቱ ክሳብ ሳሕል ብ ስረ ውሽጢ ጥራይ በጺሐ።
 
ብዛዕባ እታ ዕማ ናይ ጀበርቲ ግና ስለ ዘይመለስካያ ክሕግዘካ ኢየ። ኣነ ነታ ዝበልካያ ዕማ ጀበርቲ፡ ንዓለም ብኸምዚ መፋለጥኩዋ፡ እዚኦም ትሪኡዎም ዘለኹም፡ ደቀባት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም፡ንተኸተልቲ ሰሓባ ነቢ ሙሓመድ(ዓ.ሰ.ወ.ሰ)ዘዕቆቡን ናብ ኢስላም ብድልየቶም ዝኣመኑን፡ ኢስላም ናብ ሙሉእ ኣፍሪቃን ኤስያን ንኽስፋሕፍሕ ዝላዓለ እጃም ዘበርከቱን ብሄር ጀበርቲ ይባሃሉ፡ ብፍላይ እዛ ስእሊ እዚኣ ግና፡ ናይ ደቀባት ብሄር ጀበርቲ ኤርትራ ኢያ። ብሄር ጀበርቲ በለባብሶኦም ጥራይ ኣይኮኑን ፍሉያት፡ ብባህርያቶም ውን ፉሉያት ኢዮም። ማሃዝቲ, ሙዕቡላት, ዘይወገናውያን, ለዋሃት ጹኑዓት, ኡሙናት, ሰብ መትከል ኢዮም።
 
እዞም ኣብዛ ካልኣይቲ ስእሊ ትሪኡዎም ዘለኹም ብረት ዝዓጠቑ መስርዕ ኔራትኒ እንዳበሉ ዝደርፉ ዘለው ድማ፡ ደቂ ናይዚ ትሪኡዎ ዘለኹም ብሄር ጀበርቲ ይባሃሉ ኢለ ዘላለኹኹም ኣቐዲመ፡ ሸኽ ዓብዱልቃድር ከቢረ ይባሃሉ፡ ምእንቲ ሃገሩ ኤርትራ ናይ መጀመርታ ሱውእ ኢዩ፡ ስለዚ እዞም ብረት ዓጢቖም ዘለው ድማ ኣሰሩ ተኸቲሎም ንኤርትራ ናጻ ንምውጻእ ብብረት ዝቃለሱ ዘለው ኢዮም ብምባል መላለኹዋ ነታ ዕማ፡ ኣቶ መኣዚን ትሰምዕ ዘለኻ።  
 
ስለዚ ኣብ ዘይዓቕምና ኣብ ዘይንፈልጦ ወይ ድማ ታሪኽ መን ከይዝክሮ መን ከይከላኸለሉ ብምባል፡ ጠልቀፍቀፍ ምባል፡ ንነብስኻ ውርደት ምዕዳም ስለዝኾነ፡ ኣቶ መኣዚን ካብ ጠልቀፍቀፍ ምባል ክትቁጠብ ይምሕጸነካ፡ ኣስዒበ ነተን ምስለን ሰሪዝካ ዘይሕብረን ለኺኻየን ዘለኻ መሳኪን ቱፋሕ መስጠአን ከይወርደካ። ምኽንያቱ፡ ሳላ ኮምፒዩተር ዝመረጽካዮ ቢልዮናት ሕብሪታት እንዳሃለወስ ንምንታይ ኢኻ ቀይሕን ቀጠልያን ዝለኸኻየን። ምኽንያቱ ቀይሕን ኣዝዩ ቀጠልያን ቱፋሕ ሪአ ስለ ዘይፈልጥ፡ ዝለዚ እዚ መንነታት ምድምሳስ ምቕያር ገበን ስለ ዝኾነ ሕሰበሉ ዳኣ። ነተን መሳኪን ቱፋሕ እቲ ሞቦቆላዊ ዝኾነ ምስለን ሕብረን መንነተን ምለሰለን፡ ምኽንያቱ ምስለንን መንነተንን ክትቅይር መሰል ስለ ዘይብልካን ስለ ዘይምልከተካን።
ወመን ያዕመል ሚስቃላ ዘረቲን ሸረን የራ!!!
 
ኣቶ መኣዚን፡ ንምፍላጥ ዝኣክል፡ እንታይ ማለትካ’ዩ ቱፋሕ ተመቐሊ ማለት? ንምቅላል ወይ ንምድሃል ኣይኮንኩን፡ ሓቂ ንምዝራብ ግና ግጥምታትካ እቲ 70% ኣይርዳኣንን’ዩ። ሽምካ ውን ንሓንሳብ ማኣዝን ንሓንሳብ መኣዚን ሽም ኣቦኻ ውን ዓብደልቓኒ ከምቲ ኑቡር ዓብዱልቐኒ ይመስለኒ እንዲዒኸ!።
 
ከም መታሓሳሰቢ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ደልሃመትን ውርደትን ኮሎ፡ ኩሉ ዓቕምናን ክእለትናን ንህግደፍ ብሓይሊ ካብ ሱሩ ንምምሓው ከነውዕሎ ይግባእ። ስለዚ ነዚ ናይ ህግደፍ ግዜኡ ዝሓለፈ ሽርሒ ማኣዝናን ኣተኩሮናን ንምዝንባል ዝግበር ዘሎ ክነቕሓሉ ይግባእ። ማለት ህግደፍ እታ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ዝጥቀመላ ሜላ ነሕዋት ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ኣባኢስካን ኣሳቢብካን ሰሚሮም ብጉዳዮም ንኸይዝትዩን ቀንዲ ጸላኢኦም ከየላልዩን ኢዩ።
 
መኣዚነይ ፍቶ ጽላእ ቅጫኻ ብላዕ፡ እዋኑ እዋን ጉጅለ ሰብ ገበን ፉጹም ዝማሓውሉን፡ መሰላት ኤርትራውያን ዝረጋገጸሉ ቀጽሪ ተበጺሑ ስለ ዘሎ፡ ብያላኻ ግጥምታትካን ቄናን ሞጎተኻን ዝግደስ ዘሎ ኣይመስለንን እሞ፡ ታሪኽ ኣጽንዕ ፍለጥ መጀመርታ ቅድሚ ኣብ ዘይትፈልጦ ጉዳይ ሰንከልከል ምባልካ።
 
ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ጹሑፈይ ንራኸብ ሰላም ቅነ ንኹልና።
 
ሳልሕ  ዓብደላ
ካብ ለምለም  ካናዳ
 
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ዕለት 1- 09-2011 

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...