እዛ ወረቀት ብዕለት 6  ነሐሰ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ  ብ ብሔራዊ ኮምሺን ዝተነድፈ ቅዋም ኣመልኪቱ ኣብ ዝተካየደ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ሰሚናር ዝቐረበት ኢያ።

ብሔራዊ ኮምሺን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንወርሒ ጥቅምቲ ከካይዶ ወሲኑ ዘሎ ብሔራዊ ጉባኤ ንኽቕርቦ ዘዳለዎ ብቕዋም ዝፍለጥ ሰነድ ኣልዒለ ክሕትት ይፈቐደልይ። መጀመርያ ነዚ ሰነድ’ዚ ንምድላው ዘይተሓለለ ጻዕሪ ንዘካየዱ ብጾት ኣድንቖተይ ክገልጽ ይፈቱ። ናይ ብርግጽ እቲ ሰነድ ብጉብእ ዝላደወ ኮይኑ ከብቅዕ ብኹልንተናኡ’ውን ኣብ ኤርትራን ህዝባን ዘተኮረ’ኳ እንተኾነ ካብቲ ናይ ዓለማት ቅዋም ብዓይነት ዝፈልዮ እምብዛ የብሉን (generic)። በዚ ኣጋጣም’ዚ ክግልጾ ዝደሊ እንተሃለወ ሽሕኳ እቲ ሰነድ ን ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝቢ ቀሪቡ ብዙሕ ተቓውሞን ድጋፍን እንተአጋጠሞ፡ ቀጺሉ’ውን ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ ጉባኤ ምስ ቀረበ’ውን ደጋፋይን ተቓዋምይን ከም ዝህልዎ ትጽቢት እንተተግብረሉ፣ እዚ ብዘየገድስ እቲ ሰነድ ብኺኢላታት ደቂ ሃገር ተዳልዩ ኣብ ክትዕ ምብጽሑ ከም ዓብይ ዓወት ክቁጸር ይግባእ።  እዚ ክብል እንኮለኹ እንኮልይ እቲ ብ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ሓዊሰ ኢዩ። ተመሳሳሊ ጠባይ ድአ ይሀልዎም’በር እቲ  ብአንዘ ማቴንዞ ዝተመርሔ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ዘዳለዎ ናይ 1952 ቅዋም’ውን ኣንተኾነ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ዝጠቀስክዎ ዝፍለ ኣይኮነን። ግን እቲ ክሳብ  1962 ዝተተግበረ ቅዋም ብዓይነት ዝፈልዮ እንተሃለወ ብባዕዳውያን ተዳልዩ ነቶም ከም ግንባርን ወተግን ኮይኖም ዝጸንሑ ዝተፈላልየ ናይ ፖለቲካ ዝንባሌ ዝነበሮም ማሕበራት፡ ኣብ ሓደ መአዲ ኮፍ ኣቢሉ ከዛቲ ብምኽአሉ ጥራይ ኢዩ። ናይ 1997 ቅዋም ንብዙሓት ዘየዕገበ፡ ከቢድ ኢድ ናይቲ ንደሞክራሲ እዝኒ ዘይብሉ ስርዓት ዝተሓወሶ ምዃኑ ካብ ሓይሎ ኣብቲ ንድፊ ዝተኻፈሉ ሰብ ሞያ ክንርድእ ንኽእል። ይሕመቕ ይጸብቕ ግን እቲ ቅዋም ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ክትዕ ዝተኻየዶ ሰነድ ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ካብ ፍርሂ ዝተላዕለ ይኹን ካብ ናይ ድሞክራስያዊ ኣፍልጦ ምንአስ ብዘየገድስ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ብህዝቢ ክትዕ ተኻይድዎ ኣብ ዞቡ ምስ በጽሔ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል መሰናኸሊ ዝፈጠረ ስርዓት ህግደፍ ክሕመ፣ ክውቀስ፣ ክኽሰስውን ይግብኦ። (ለካ እቶም ብሕሰም ምኽንያት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ካብ 250,000 ክሳብ ሓደ ሚልዮን(?)ዝኾኑ ደቂ ሃገር ኣብቲ ናይ 1997 ቅዋም ምጽዳቕ ዝተገብረ ክትዕ ኣይተኻፈሉን?)

አከታቲለ ብዘይ ምቑራጽ ክልቲኡ ቅዋማት እንኮላይ ብኮሚሺን ዝተነድፈ ‘ቅዋም’ መሰረታዊ ጠባያቱ ተመሳሳላይ ኢዩ ዘበለኒ ምኽንያት፡ ካብ ዓንቀጻቱ ብኽፋል ናይ ነጻ ሃሳብ ምግላጽ፣ ምጽሓፍ፣ ምዝራብ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ፣ ምድማጽ፣ ዋና ሕምረቱ ስለ ዝኾነ ኢየ። እዚ መሰረት ብምግባር’የ እምበአር ብሓፈሻዊ ኣመለኻኽታ፡ ሓደ ካብ ሓደ ዝፍለየሉ መንገዲ የሎን ኣብ ዝብል ድምዳሜ ዝበጻሕኩ። እዚ ክብል እንኮለኹ ግን መብዛሕታኡ ቅዋማት ዓለም ኣብ መስርሑ ብፍላይ ድማ ኣብ ምሕድራኡ ከምዝፍለ ብምዝንግዕ ኣይኮነን። 

ነዛ ሓጻር ወረቕት ከቕርብ ዝደፋፋአኒ ሓደ ጉዳይ ኢዩ። ንሱ ድማ ከም ማንም ዜጋ ናይታ ሃገር ንቅዋም ብዝምልከት ስክፍታ ስለ ዘሎኒ ኢዩ። ብመሰረቱ ስክፍታ ምህላው ኣወንታዊ ምዕባሌ ናይ ሓደ ነዊሕ ጉዕዞ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ስክፍታ ሓሳብትካ ኣብሊሑ መጀመርያ ክትርእዮ ዘይከአልካ ገፈጥ ኣጉሊሑ  ንኽትርኢ የኽእለካ። ውሽጣዊ ምስጢር እቲ ‘ተሃዊኸን ይኽዕወኦ ሃዲኤን ይአርይኦ’  ዝብሃል ምስላ ኣቦታት ዘተኮረ፡ ኣብ ስምዒታውን ዱቦላን ዝተመርኮዘ ውሳነ ንኸይትወስድ ዝልጉመካ፡ ንኹነታት ድማ ብህድአትን ብምስትውዓልን ክትርእይ ዘዘኻኽረካ ኢዩ። ካብዚ ተላዒለ ድማ እቲ ብኮምሺን ዝተዳለወ ‘ቅዋም’ ኣካታዒ ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣነውን እንተኾነ ካብቶም ኣዝዮም ተሰከፍቲ ሓደ ኢየ። አስዒበ ንዓይን ንኸማይ ዝአመሰሉ ኣብ  ደንደስ ሓጹር ተንጠንጢሎም ዝርከቡ ግንከስ  ብውሽጣዊ ሕርኽርኽ ዝናወጹ ባእታታት ብምውካል ርእይቶ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

ቅዋም ዓንዲ ሕቘ ናይ ሓንቲ ሃገር ኢዩ። ብኺኢላታት ድአ ይቖንጁ’ምበር ኣበጋግሳኡ ናይቶም ብሓባር ንኽነብሩ ዝወሱኑ ሕብረተሰብ ወይ ሕብረተ ሰባት ስምዒት፣ ድልየት፣ ሃንቀውታ፣ ዝሓቖፈ ኢዩ። ካብዚ ወጻኢ ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ቀጺሉ ድማ ግዚያዊ ቅዋም ዝብሃል የሎን፡ ኣንታይድአ ነቲ ብሓባር ንኽነብር ዝወሰነ ህዝቢ ዝተሰመማዓሉ ህያው ሰነድ ኮይኑ፡ እዋኑ ብዝጠልቦ ኣገባብ ድማ እንዳተመሓየሸ ህዝቢ ዝምሓደረሉ ናይ ኩንትራት ወረቐት ኢዩ። ተነዲፉ ዝጸደቐ ቅዋም ምምሕያሽ ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ነቲ ብዘመን እንእኒ ዝሰፈረ ዓንቀፃትውን ኣፍሪስካ ምትካእ ናይ ግድን ይኸውን። ይኹን ድአ’ምበር ኣብ ህንፈጻን ዘይቅድው ኩነታትን ንዘሎ ሕብረተሰብ ንግዜኡ ተአርኒቡ ዝመሓዳደረሉ ግዜያዊ መሰጋገሪ  ሰነድ ክነድፍ ዝጻበኦ ሓይሊ ይኹን ሕጊ ዘሎ ኣይመስለንን።

እዚ ሕጂ ብብሄራዊ ኮሚሽን ተነዲፉ ኣብ ዓውደ ክትዕ ቀሪቡ ዘሎ ‘ቕዋም’ ይትረፍ ንህዝቢ ኤርትራ ነዞም ካብ ኮሚሽን ምምስራቱ እዋን ጀሚሮም ብአሰራራሓ ሃገራዊ ዋዕላ ዘይዓገቡ ባእታታት’ውን ከይተረፈ መሊሱ ሃጽ ዘብል ኢዩ። ነዚ ብቅዋም ዝፍለጥ ሰነድ ዝቃወሙ ባእታትት ተመሳሳሊ ሮቛሒ ኣለዎም፡ ንሱ ድማ ቅዋም ተነዲፉ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሙሉአት ደቂ ሃገር ተመያይጦምሎም ይርሓሰና ምስ ዝብሉ ጥራይ ኢዩ ይብሉ።  ኣብ ህዝቢ ቀሪቡ ይውሓድ ይብዛሕ፡ ይኽፋእ ይጸብቕ እንተዘይተዘትይሉ ቀያዲ ቅዋም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። እዚ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ዓባቢጥና ክንሓልፎ ዘይንኽእል እዉን ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ህዝባዊ ተሳትፎ ሕጂ ክኸውን ዘይክእለሉን፣ ቀድም ዘይተኻእለሉን  ዋና ምኽንያት አቃልቦ ተቃወምቲ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ካብዚ ብምቕጻል ስርዓት ህግደፍ ዘይድፈር ዕርዲ ኮይኑ ንተቃላሳይ ህዝቢ ኣላሽ ዘበለ ጉኡዝ ዘይኮነስ፡ እንታይድአ ተቓውሞ ሓይልታት እንኮላይ ሲቪካውያን ማሕበራት አንፈት ቃልሶም ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ዘተኵረ፡ ኣብ ግዳም ዘርሚዘርሞ ኮይኑ ስለ ዝጸንሔ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ኢየ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዙንብዕ ምሕደራ ኣመልኪትካ ከም ብሓድሽ ናብ ሕዝቢ ምቅልሕ ናይ ብሓቂ ከም ከንቱ ዉዳሴ ዝቑጸሮ።  ምኽንያቱ ነዞም ንቆልዓ ሰበይቲ፣ ንሓረስታይ ነጋዳይ፣ ንኣስላማይ ክስታናይ ከይነሓፉ ዘበሳብሱ ዕማኾ ዘይአኽሉ ጎሓላሉ ህግደፋውያን እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ስለ ዝፈልጦምን ካባኡ ሓሊፉ’ውን ስለ ዝኽዕቦምን ከም ሓዲሽ መርድእ ጌርካ ምቕራብ ፋይዳ የብሉን ዝብሎ። ንህዝቢ ከም ሓዲሽ ተርእዮ ዝቑጸር ሓደስቲ ናይ ቃልሲ ሜላታት ምእማት ጥራይ ኢዩ ። እምበአርከስ እዞም ኣብ’ዚ ተነዲፉ ዘለ ቕዋም ተዓቅቦ ዘለዎም ሰባት ምኽንያታቶም ብዘይየግድስ ካብ ሓቂ ኣይረሓቁን። ናተይ ብሕታዊ ርእይቶይ’ውን እንተኾነ  ተሳትፎ ህዝቢ ዘይተሓወሶ ንህግደፍ ብጹኑዕ ዝምክት ቅዋም ክኸውን ከም ዘይክእል ብምግንዛብ ኢየ። ምናልባት’ውን እቶም  በዚ ናይ ኮምሽን ግዝያዊ ‘ቅዋም’ ዝሕበኑ፡ ኣብ ክትዕ ወሪዱ’ውን ክጸድቅ ዝህንቀዩ፡ በቲ 1997 ዘጓነፎም ምግላል ተቐይሞም ሕነ ምፍዳይ ክኸውን ይኽእል፡ ብሕልፊ ጀብሃውያንን መሰላቶምን።

ብኻልእ ሸነኽ ቅዋም ብኮሚሺን ምንዳፉ ዝጻረሩ ግን ከስ ስርዓት ህግደፍ ከም ዕረ ዝመሮም ደቂ ሃገር ካብ ዘቕርብዎ ምስምሳት ሓደ፡ ኮሚሺን ካብ ‘ቅዋም’ ምንዳፍ ሓሊፉ ናብ ባይቶ ምህናጽ ኢሉ ድማ መንግስቲ ኣብ ግዳም ካብ ምእዋጅ ጠጠው ዘብሎ ሓይሊ የሎን ይብሉ። ኣካይዳ ቆቓሕ ዘይፈልጥ’ሲ ኣይሃዳናይን ከም ዝብሃል ኣበጋግሳ ሃገራዊ ዋዕላ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ወሳኒ ሓይሊ ኣብ ግምት ከየእተወ ንስልጣን ምጭባጥ ዝመጣጠር ዘሎ ኢዩ ይብሉ። እምበአርከስ እዚ ምስናይ ናይ ህዝቢ ብአካል ዘይምስታፉ ኣብ ግምት አእቲኻ፡ ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ደገ ዝርከቡ ብማሕበር ዝተጠርነፉ ይኹኑ ብብሕቲ ዝዋስኡ ደቂ ሃገር ጥርጣሬኦም ከይፈደስካ (ዕሽሽ) ከይበልካ ብህድአትን ብምስትውዓልን ምእንጋድ ሕጂ  ናይ ኮሚሽን ድሓር ከአ ናይ ጉባIኤተኛ ኣተኩሮ  ይሓትት።

ኩነታት  ከምዘለዎ ኮይኑ ሕጂ እንታይ ይገበር? መጀመርያ ዕላማ ናይቲ ተጻራሪ ህግደፍ ዝኾነ ማሕበር ይኹን ውልቓዊ ሰብ  ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ ወከልቲ መሪጹ ካብ ስርዓት ኣልቦነት ናብ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘሰጋግር መንግስቲ ምምስራት ኢዩ። ነዚ ንምስልሳል ድማ ናይግድን መሪሕ ሰነድ ከዳሉ ይግብኦ።  ብዑቱብ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣይዳሎ’ምበር ናይ ህዝቢ ስምዒትን ድልየትን ዘንጸባርቕ መሪሕ ዝኾነ ሰነድ ግንከስ ናይ ነብሲወከፍ ስክፍታ ድማ ብሰፊሑ ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ብማሕበር ይኹን ብማሕበራት ምድላው ናይ ብልህነት ምልክት ኢዩ። ‘ሰርገኛ መጣ በርበሬ ቀንጥሱ’ ከይከውን ድማ ኣብ ምስግጋር ዘሎ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ምሕደራ ባዶሽ ከይፍጠር ተዳሊኻ ምጽናሕ እቶም ጸረ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ባእታታትውን ዘይሰማምዕሉ ኣይመስለንን። እቲ መርሕ ሰነድ ዉሱን ናይ ኣገልግሎት ጊዜ ሃልይዎ አብ ኣከራኻሪ ዝኾኑ ነጥብታት ከየተኮረ እቲ ስርዓት ኣልቦ ዝእለየሉን ተአልዩ ከብቅዕ ድማ ዝመሓደረሉ ጊዜያዊ መሓውር ክህንድስ ሃገራዊ ግዴታኡ ይኸውን። ኣብዚ ዝተነድፈ ‘ቅዋም’ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ኳ እንተነበረ፡ ዘይዘርእካዮ ስለ ዘይትሓፍስ፡ ንግዜኡ ህዝቢ ካብቲ ኢዄሽን ምውጽእ ንግደድ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብዚ ምዕራፍ’’ዚ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ምጥላብ ንተቃውሞኻ ጉልባብ (ምኽንያት) ምፍጣር እንተዘይኮይኑ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ህዝቢ ኣይተሳተፎን ኢልካ ምሕካል ቅንዕና የብሉን። ኣነ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝአምነሉ፡ ኣብዚ ዝቕየሰ ፍጹም ኣገዳሲ ዝኾነ ቃልሲ ህዝቢ ዘማእከለ ኮይኑ ኩሉንተናኡ ድማ ክንዮ ፈለግ መረብ ከማዕዱ ይጽበዮ። እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ካብ 60,000 ንላዕሊ ዝኾኑ ተንቀሳቐስቲ ስድተኛታት፡ ብዓቢኡ ድማ ክንዮ ፈለግ መረብን ሰቲትን ሰፊሩ ዝርከብ 300,000 ዱልዱል ሰራዊት ከም ዘይንዓቅ ንዋይ ተቆጺሩ ቃልሱ ዘፈሓሕመሉ መንገዲ ምቕያስ ዋና ተግባር እቲ ብድሕሪ ጉባኤ ዝምስረት ኣካል ክኸውን ይግባእ።

ኣብ ድምዳሜ ጽሑፈይ ከምሕጽኖ ዝደሊ እዚ ብ’ቅዋም’ ዝፍለጥ ሰነድ ከም ‘ሽም ዓደበ’ ‘misnomer’ ተወሲዱ፡ ኣብ ክንድኡ መሪሕ/መራሒ ሰነድ ተብሂሉ ክስይም። ኣብ ርእሲኡ’ውን እቶም ኣብ ህንደሳ’ዚ እዚ መሪሕ ሰነድ ንኽካፈሉ ዕድል ዘይነበሮምን፣ ገሊኦም’ውን ሑዱር ጸኒሕዎም ንምስታፍ ዘይመረጹ ማሕበራትን ውልቃውያን ኪኢላታትን እንደገና ዕድመ ተጌሩሉም ነዚ ጊዜያዊ ሰነድ ከሃብትሙ ጻዕርታት ክግበር ይላቦ። ነዚ ኣወንታዊ ምላሽ ክህብ ዘይመርጽ ማሕበር ወይ ውልቀሰብ ድማ ‘ተሓሳሚ ጓሳ ምስሑ ዝበልካዮ ድራሩ ይኸውን’ ከምዝብሃል እቲ መስርሕ ምእንቲ ወነኑ ይኸድ ስለዘሎ ኣብ ጉዕዞ ምርኻብ’ውን ስለዘይተርፍ ነፍስወከፍና  ካብ ንዳሕራይ ዘጣዕስ ተግባራትን ቃላትን ምቑጣብ የድሊ።

እዚ ኮይኑ እቲ፡ እዚ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ክትዓናቀፍ የብሉን። ርግጽ ብዙሕ ገፍጠጥ ኣለዎ። ገፍጠት ዝእለ ግን እጅገኻ ሰብሲብካ ብሕታዊ ይኹን ባዕላዊ ስምዒትካ ገቲእካ እቲ መአዲ፡ መአዲ ፍሉያት ከይቖጸርካ ምክፋል ኢዩ። ሓሳብትካን መልእኽትካን ንምትሕልላፍ ካብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝሓይሽ መድረኽ ዘሎ ኣይመስለንን። 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...