ኣሕዋትን ኣሐትን ዝራኸቡላ ሰላም ረኺቦም ኢሂን ሚሂን ዝቡሉላ፤ ብዘይ ገለብ መለብ ሸናዓ ዝብለላ፣
ተኣሲሮም ዘሎው  ኣሕዋትና ኣሐትና ዝፋቱሑላ፤ ዝዓረቁ ኣሕዋትና አሐትና ዝኽዶኑላ፤ ዝሐመሙ ዝፋዎሱላ፤ዝበኽዩ ቆልዑት ዘይብላ፤ትሐዝን አደ ወይ ኣቦ ዘይብላ፤
ዝሐዘኑ ዶቆም ሲኢኖም ወለዲ ኣጆኹም ኢልና እንዳዓሰላ ብሐንሳብ ንጻወተላ ንስሕቀላ ዕለት ትመጽእ ኣላ፤
መንእሰይ ኤረትራ ተቀረብ መራሒ ሃገር ኢኻ እሞ ሐላፈነት ሃገርካ፤ ካብ ዓበይቲ ኣሕዋትካ ኽትቅቦሎም ኣጆኻ ኣብ ኽሳድካ ዘሎ ኣርዑት ከምብዕራይ ተአሲርካ ትም ኣይትበል፤ ሐያል ኩቡር ኢኻ እሞ ምክልኻል ሃገር ዝብል ሽም አጦሚቆም፤ እቲ ሽዊት ዕድመኻ ንኾንቶ ዝሐልፋ ዝጠፋእ ዘሎ ኽሳብ ማኣስ እዩ፤ በል ኤረትራ ሃገርና በቶም ዓበይቲ ጀጋኑ ኣሕዋትካ ዝመጸት፤ ጸላኢ ዘይብላ ሃገር እያ፤ብዜካ ፋተውቲ ሃገርና፤ ከሙኡ ጎራባብቲና ኸሃድም ኢልካ ሃጽ ኣይትበል፤ድሕሪ ዓቢ ሐውካ ዝገቦሮ ቅያ፤ሕጅ ድማ ናትካ ቅያ ኣርኢ ብጻዓሪ ጀጋኑ ዝመጸት መጻወቲ ናይ ዓሰረተ ሰባት ኽትኾውን ሃገርና ብንጹህ ህዝብኻ ኸጻወቱ ትም ኢልካ ምርኣይ ዓቢ ዓገብ እዩ፤ ንተንስእ ደኣ ሕጂስ  ይኣኽለና፤ ንበል ሐቢርና

ሃገርና ናይ ኩሉ ኤረትራዊ እያ ብማዓርነት ብሰላም ቢዲሞክራሲ ቢኢሂን ሚሂን ትምራሕ ሃገር  ኽንምስርት፤ብሐባር ምስ ሙሉኡ ህዝቢ ኤረትራ ቢፋቅሪን ሰላምን፤ ዝጠፉኡ ኣሕዋትና ኣሐትና ኽንደሊ፤ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኣሕዋትና ኩሎም ዓዶም ተመሊሶም ምስ ኣሐቶም ኣሕዋቶም ሕዞም ስደት ተሪፉ ኣብ ዓዶም ሸናዓ ዝቡሉላ ኽንፋጥር ሐቢርና ምስ ሙሉእ ህዝብና፤

ዘበን በዓል ኢሰያስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ብዝገበሩዎ ግፋዒ ኣብ ህዝቢ ኤረትራ ግን
ሐሶት ስድነት ብዒልግና ዘረፋ ባኣሲ ሽግር ጥመት ሕማም ሰበብ ማአሰርቲ ቅትለት ወዘተ  ምፋልላይ ጥልመት ሽርሙጢና ሳዋ እናበልካ ካብ ስድርኤን ብሐይሊ ወሲድካ ካብትሕቲ ዕድሜ ዘሎዋ መንእሰያት ምድፋር ሰብ ወይ ሐው ዘይቢልን ኮይነን በኽየን ነቢዓን ብዘይ ሐሰቦኦ ኣብ ጥንሲን ውላድን ገሮም ኪዲ ኣብ ስድራኺ ኢሎም እሰድወን፤ ኸምዚ ተጎኒፎኒ ምስ ቦሎቶም ንስድራኣ ኣቦን ኣደን ኩምትር ኢሎም ገዝኦም ዓጽዮም ከም ቆልዓ ጎሎም ሒዞም ይበኽዩ ሕጊ ዘይቡሉ ሃገር ስለ ዝኾነ ዝገቡሩዎ ነገር ዮሎን፤ ጥራይ ንኣምላኾም መሃብ እዩ፤ እዚ ዝገቡሩዎ ምእንቲ ካይፍልጡ ምእንቲ ጸገም ካይመጽእ ሐያም ጸኒሐትኒ እንተ ኢልካዮም እንተ በልካ ግን ቀጥታ እስርቤት ትኣቱ ወይ ድማ ትም ኢልካ መርዓትካ በዓልቲ ሳዋ ሒዝካ ገዛኻ ትኽይድ፤ ሕጅ ትዝ እብለካ ሕግታት ኣቦታትና ኽመይ ጽቡቅ ከምዝነበረ፤ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፋ ኢሎም ወይ ኣብ ሐሰር ከመይ ዓይነት ፋርዲ ይህቡ ነይሮም፤ ካይተማህሩ ብሐቂ ሙሁራት ነይሮም፤ኩሉ ባህልታት ኤረትራ ኣጥፊኦም ብባህሊ ናቶም እዩ ዝኸይድ ዘሎ ህዝብና 

ትዕግስቲ ኣህዛብ ኤረትራ ግን ሕጅስ ኩሉ ፋሊጥዎ ተወዲኡዎ እዩ ዞሎ፤
 ወጣጡ ህግደፋ ነብሶም ነጊሩዎም ውን መዓልቶም ከም ተወደኤትወይ ክምትፋልጡ ላዓሊ ታሕቲ ክቡሉ ቀኒዮም ከም ጸብሒ ዝሐሮሮም፤ብሐቂ ውን ሐሪሩዎም ኣሎ፤
ምእንቲ  ነቡሱ ግን ዓለም ውን ፋንፊኑዎም እዩ ዞሎ(ጠላዓ ብህዝቢ ኤረትራ ዮሎን ድሕሪ ሕጅ)
እዝ ሎዋህ ህዝብና እዚ ዶ እፋደ ብሉዑ ስተዩ በሃላይ፤ መን ካበይ መጽኡ ካይበለ፤
የመን ሱዳን ናጀርያ ኢትዮጲያ ጣልያን እስራኤ ግርኽ ሶማል ወዘተ እነብሩ ነይሮም ኣብ ሃገርና ኤረትራ ብፋቅሪ ብስላም ቡልዑ ስተዩ እናበሉ እሞ እዝኹሉ ኣብ ግዜ ገዛአቲ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ኮሎና፤ ኣክንዲ ዘኾሎስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ ዝባሃል ምሳሌ ኣሎ እዋእ እሞ ደቂ ሃገር እንታይ ንግበር፤ እዝስ ባሃልና ኣይኮንን ትም ኢልካ ምርኣይ ዓድኻ ሃገርካ ኽትዝመት፤ኮላ በዚኦምስ ዓቢ ሕፋረት እዩ ንህዝቢ ኤረትራ፤

ኩቡር ህዝቢ ኤረትራ ቀያሕቲ ጀጋኑ ደቅኻ ኹቡር ደሞም ዘፋሰሱላ ምእንቲ ብርሃን       ዓዶም ኤረትራ በጃ ህዝቦም ሐሊፎምስ መጻወቲ ናይዞም ስድታት ሕፋር ዘይቡሉ ኽልተሳብ   ኣብ ሐንቲ ሰከንድ ዝሕሱው ዓለም እንታይ ትብለና ዘይቡሉ፤ ተላዓል ቆራጽ ህዝቢ ኤረትራ

ተለዓል ቆራጽ መንእሰይ ኤረትራ ብሐባር፤ ካብቲ ዝገርም ሎሚስ ሕፋር ካይበሉ ምስ የመን ውግእ ምስ ሱዳን ውግእ ምስ ጁቡቲ ውግእ ምስ ኢትዮጰያ ውግእ በሉ ሕጅ ኸኣ ምስ ዓባይ ኣሜሪክ ይዋጣወጥ ኣሎ፤ኣሐትን ኣሕዋትን እዝኦምስ ሕሌት ህዝቢ ኤረትራ ኣሎዎም ኢልኩም ዶ ትሐስብ
ብናተይ ሐሳብ እዝኦም ምጥፋኣ ወይ ምጺናት ህዝቢ ኤረትራ እዮም ዝደልዩ ዘለው ግን ኩሉ ስርሖም ካይፊለጡ ሐለይቲ እዮም ዝመስሉ ስለዚ ኣሐትን ኣሕዋትን ኩሉ እሞ ረኣዩዎ ሕሶቡዎ
እዚ ኩሉ ውግእ ሕጅ ድማ ምስ ኣፋሪቃ EUROPA ከሙኡ ኣመሪካ ስለምንታይ እዚ ኩሉ ስለምንታ እቲ ናቶምስ ናቶም፤ ስለምንታ ነዚ ጀግና ህዝቢ ኣብ ቃሕ ዝቦሎም ምስ ኩሉ  ጎራባብቲ ምስ ዓለም ዘባኣሱዎ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ጾሎሎ ምልካይ እዩ ጻዓሮም
‘እንታይ ገሩ እዚ እንካ እምበር ሃባ ዘይፋልጥ ህዝቢና፤  

ዓወት ንህዝቢ ኤረትራ 
ውድቀት ንህግደፋ ምስ ኮራኩሩ
ዝክርን ክብርን ንስዋአትና
 ሃይለ ፋረዝጊ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...