ብትኽክል በየናይ ዓመተ ምህረት ምንባሩ ኣይፈጦን ኢየ። ግን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተፈጸመ ኢዩ። ሓደ በዓል ስልጣን ኣብ ትግራይ ኣመሓዳሪ ወይ ገዛኢ ዝነበረ ነቶም ደቂ ዓዲ ተጋሩ ብዝኾነን ብዘይኮነን ግብሪ እናወሰኸ ብዙሕ የሸግሮምን የጋፍዖምን ነይሩ ይበሃል። ደቂ ትግራይ ብዙሕ ምስ ኣሸገሮም እሞ እስኪ እዚ ሰብአይ ቀስ ኢልና ምኽሪ ንሃቦ ምናልባት ናብ ልቡ ይምለስ ይኸውን ይብሉ። ብተደጋጋሚ ምኽርን ማዕዳን ይህብዎ ነይሮም፣ ግን እቲ በዓል ስልጣን ካብቲ እከይ ተግባራቱን ግብሪ ካብ ምውሳኽ ግን ዓዲ ኣይወዓለን። ዋላ ሓንቲ ምምሕያሽ’ውን ኣይምጸአን። በንጻሩ እናገደዶ ደአ ከደ። ሽዑ እቶም ደቂ ዓዲ ተማኺሮም ካብ ስልጣኑ ነውርዶ፡  በቲ ዝፈጸሞ ገበንን ግፍዒን ድማ ንኽሰሶ ኢሎም ካብ ስልጣኑ ኣውሪዶም ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ገበሩ። እቲ ጽጋበኛ በዓል ስልጣን ኢየ በሃላይ ኣመና ሰንበደ። መሬት ከም ዕንቒ ምስ ጸበበቶ ዓዲ ዓዲ እናኸደ ኣንቱም ኣሕዋተይ ተጋሩ በጃካትኩም እንታትይ ጌጋዶ ፈጺመ ኢየ? ዋላ ሓንቲ ኣይፈጸምኩን። ጸላእተይ ኢዮም ሽመይ ዘጥፍኡኒ ዘለው ዓገብ በሉለይ እናበለ ክልምን ጀመረ። ሽዑ ለባማት ተጋሩ ተማኺሮም ምሓሩኒ እናበለ ክልምነና ከሎ መልስና ሓንቲ ክትከውን ኣለዋ ተባሃሂሎም ተሰማምዑ። ሽዑ ኣነኮ ሓላል እየ፣ ብሩኽየ፣ ለዋህ እየ ምሓሩኒባ እናበለ ክሓቶም ከሎ ንሳቶም ድማ ከምታ ዝተሰማምዑዋ 
         

          ቀደም ነይሩ እምበይ ፈሰስ ምንካየ
          ሕጂዶ ይሕሸኩም ደኒንካ ምብካየ 

እናበሉ መልሲ ይህብዎ ነይሮም ይበሃል።

እዚ ኣብነት እዚ ስለምታይ ኢየ ዘምጸኦ ዘለኹ? ኣብዛ ወርሒ ሓምለ ዲ/ኢሳያስ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ምስ ዓሳክሩ ኮይኑ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ርጉም ሰብአይ ዓዲ ዓዲ እናዞሩ ዘካይድዎ ዘለዉ ልመናን ዝሰርሕዎ ዘለው ተዋስኦ ስለ ዝተዓዘብኩ ኢየ። እዞም ናይ ኤርትራን ሶማልያን ተቛጻጻሪ ጉጅለ (Monitoring Group)  ኣጽኒዕኩም ሪፖርት ኣቕርቡ ተባሂሎም ነይሮም። ብኡ መሰረት ድማ ዲ/ኢሳያስ ነቲ ኣልሸባብ ዝተህለ ኣሸባሪ ጉጅለ ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ ምዕላምን፣ ናይ ውግእ ኣጽዋርን ገንዘብ ምሃብ ስርሑ ከምዘየቛረጸ ብዘየጠራጥር መረጋገጺ ኣዳልዮም ከምዘለው ፈለጠ። ከምኡ’ውን ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ህውከትን ዕግርግርን እናፈጠረ ሃገራት ካብ ምሕማስ ዓዲ ከምዘይወዓለ ዝአክል መረጋጺታት ከቕርቡ ተዳልዮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ ናይ ኢጋድ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ሰበስልጣናቱን ተዋሂቡ ዝነበረ ማዕቀብ ብዝበለጸ ንኽተርርን ተወሳኺ ማዕቀብ ክበረሉ ኣለዎ ኢሎም ንሕብረት ኣፍሪቃን ንጸጥታ ባይቶ ከቕርቡ ተዳልዮም ከምዘለዉ ምስፈለጠ ዓቕሊ ጽበት ሓዞ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጽጋበኛ ሰብአይ  መሬት ከም ኣፍ ዕንቂ ጸቢባቶ ኢያ ዘላ። ብተወሳኺ መለስ ዜናዊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበራና ፖሊሲ ቀዪርናዮ ኢና ንዝተስንዘረልና መጥቃዕቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ስለዝበለ ኢዩ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ዲ/ኢሳያስ ርእሱ ጭርውሩዉ ስለዘበሎ ከምቲ ርጉም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጽጋበኛ ገዛኢ ኣብ ናይ መሓሩኒ ልመና ተዋስኦ ኣትዩ ይርከብ። ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ምእታወይ ግን ኢሳያስ  ነታ መጀመሪያ ዝሰረሓ ተዋስኦ ክጠቕሳ ይደሊ።

ዲ/ኢሳያስ ኣብ ልዕሊኡ ሓይልን ዘየዳም ስጉምቲ ምውሳድ ጥራይ ኢዩ ዝርደኦ። ኩሉ ከምዝዝክሮ ብወርሒ ታሕሳስ ነቶም 4 እንሊዛውያን ሒዙ ምስአሰሮም መንግስቲ እንግሊዝ ምስ ቆንስልና ክራኸቡ ፍቐደልና ካልአይ ድማ ገበን እንተፈጺሞም ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕርቦም ተባሂሉ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝአክል ምስ ተሓተተ ዕጭ ሓንፈፍኩ ኢዩ ዝበለ። መንግስቲ እንግሊዝ ከአ እምበአር እምቢ ካብ በልካ ኣብ ልዕሌኻ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ምስ በልዎ ብዙሕ አይዓጀቦን። ቁሩብ ጽንሕ ኢሎም ግን ነቲ ናቱ ዃደረ ካብ ሎንዶን ከተማ ወጻኢ ከይትንቀሳቐስ እቲ ካብ ኤርትራውያን ትእክቦ ዘይሕዊ ግብሪ ጠጠው ከተብሎ ኣሎካ ኢሎም ምስ አዘዙ ድሁል ኢሳያስ ከይወዓለ ከይሓደ ነቶም ክቐትሉኒ መዓት መሳርያ ተሰኪሞም መጺኦም ኣሸበርቲ ኢዮም ወዘተ ዝብሎም ዝነበረ ሽዑን ሽዑን ኢዩ ዝፈተሖም። እዚ እንታይ የረደአና። ዲ/ኢሳያስ ኣብ ልዕሊኡ ተሪር ስጉምቲ እንተወሲድካሉ ጥራይ ኢዩ ዝርደኦ።

ከምዚ ዓይነት ምዃኑኳ ቅድሚ 11ዓመት ኢየ ዝፈለጥኩ። ትዝ ይብለኩም እንተኾይኑ ብባድማ ኣሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ምስጀመረ ንዑ ነዚ ጉዳይ ብሰላምን ዘተን ፍትሕዎ ምስ ተባህሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕራይ ክብል ከሎ ውርደተኛ ዲ/ኢሳያስ ግን እምብለይ ኢዩ ዝበለ። ደሓር ግን ወተሃደራት ኢትዮጵያ እናደፍኡ ምስ ከዱ ናይ ስልጣን ዕድሜኡ ትሓጽር ከምዘላ ምስ ፈለጠ ንዑ ሕራይ ዕረቑና ክብል ከሎ መለስ ዜናዊ ድማ ሓንሳብ ጽንሑ በቲ ንዕኡ ዝርደኦ ቛንቛ ጽቡቕ ጌርና ክንምህሮ ኢና ኢሉ እቲ ውግእ ቀጺሉ። ደሓር ግን ዲ/ኢሳያስ ዓቕሉ ምስጸበቦ ንፕረሲደንት ቢል ክሊንቶንን ንኮፊ ኣናንን ለይቲ ለይቲ ቴለፎን እናደወለ በጃኻትኩም ንኹሉ ዝቐርበለይ ቅድመ ኩነት ብዘይ ዕጣይ ምጣይ ክቕበሎ ፈቓደኛ ኢየ ኢሉ ለመኖም። ኣየ ኢሳያስ ውርደተኛ!!! 2,500 ትርብዒት ኪ.ሜ. መሬት ኤርትራ ኣረኪቡ ውርደቱን ሕፍረቱን ተጎላቢቡ ኩርምይ ኢሉ ደአ ኮፍ በለ። ንኽልተ ጎረባብቲ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ግን ሓዊ ደአ ዘረአሎም።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጀመርኩዎ ኣብዚ እዋን’ዚኢ ኢሳያስ ብብዙሕ ወገን ገመድ ኣብ ክሳዱ ተጠምጢማ ጥራይ ዘይኮነስ መሸንቖቓ ትሰሓብ ስለ ዘላ ብዙሕ ናይ ልመና ተዋስኦ ይሰርሕ ኣሎ። እቲ ዘካይዶ ዘሎ ተዋስኦ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።  ደቡብ ሱዳን ነጻነታ ክትእውጅ ስለዝኾነትን ናይ ሕቡራት መንግስትታት ዋና ጸሓፊ ባንኪ ሙን ንጁባ ከምዝኸይድ ፈሊጡ ነይሩ።  ዲ/ኢሳያስን ኣሻክሩን ድማ ከይተዓደሙ ዘብ ዘብ እናበሉ ንጁባ ከዱ። ናብቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ነጻነት በዓል ተዓዲማ ዝነበረት ኣብ ኤርትራ ናይ ኖርወይ ኣምባሳደር ዝኾነት ሰበይቲ ምስ ባንኪ ሙን ኣራኽብና ኢሉ ኣብ እግራ ወዲቑ ምስ ለመና ሕራይ ኢላ ከተራኽቦም በቐዓት። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ባንኪ ሙን ንውርደተኛ ኢሳያስ ከዛርቦ ብዙሕ ግዜ ሓቲቱ ነይሩ ኢዩ። ዲ/ኢሳያስ ግን እቲ ውድብ ሕቡራት መግስታት ዝበሃል ናይ ኣሜሪካ ከደምቲ ዝተአከብዎ ስለ ዝኾነ ከዛርበካ ፈቓደኛ ኣይኮንኩን ኢዩ ዝበሎ ዝነበረ። ዲ/ኢሳያስ ዓዳኽ ከይሓፈረ ደቡብ ሱዳን መታን ካብ ሰሜን ሱዳን ንኽትፍለ ደምና ኣፍሲስላሉ ኢና በሎ። ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ቅድሚኡ ኣብ ዝሃቦ ኢንተርቪዩ ግን ሱዳን ኣብ ክልተ ክትክፈል የብላን ዝብል ዝነበረ ሰብ ኢዩ።

ውርደተኛ ኢሳያስ ሕቶኡ ንባንኪ ሙን ምስቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ህግደፍ ሰበስልጣት ማዕቀብ ክበር ኣለዎ ኢሎም ዝኸሰሱና ፊት ንፊት ኣራኽበና ኢዩ ነይሩ። ባንኪ ሙን ድማ ሕራይ ኢልዎም። እቶም ማዕቀብ ክግበረሉ ኣለዎም ዝበሉ ናይ ኢጋድ ሃገራት ተወከልትን ናይ ኢሳያስ ዓሳክርን ተዓዲሞም ቀሪቦም ነይሮም። ብወገን ኢጋድ ህውከተኛ ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ ናይ ውግእ ፍቕሪ ዘለዎ ኮይኑ ኣብቲ ዞባ ሰላም ከሊእዎም ከም ዘሎን ንብምልእታ ቅርኒ ኣፍሪቃ ንምሕማስ ከምዘይዓረፈ ክገልጹ ከለዉ ናይ ዲ/ኢሳያስ ዓስከር የማን ማንኪ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ተኸሲሶሙሉ ዘለው ጉዳይ ምምጓት ኣብ ካልእ ኣርእስቲ ኣትዩ ንሕና ናይ ቅርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ደለይቲ ኢና፣ ኣብ ሱዳን ሰላም ክነግስ ብዙሕ ጽዒርና ኢና ኩለን ናይ ኢጋድ ሃራት ብዘይካ ኢትዮጵያ ፈተውትና ኢዮም እናበለ ብዙሕ ሃተፍተፍን ዓጀውጀውን ዝመልኦ ዘረባ ሂቡ። ናይ ኢጋድ ሃገራት ኢትዮጵያ ዝበለቶም ሕራይ ኢሎም ዝፍጽሙ ስለዝኾኑ ኢዮም ብሕሶት ከሲሶሙና ዘለው በለ። ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ከአ ንሕና ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ጉርብትና ክህልወና ኢና ንደሊ ግን ካብቲ ሒዞሞ ዘለው ናይ ኤርትራ መሬት ይውጽኡልና፣ ዶብና ክሕንጸጸልና ድማ ንጠልብ ኣሎና በለ።

ኣቱም ሰባት ንኢሳያስ ሓንጎሉ ዝተማዛበሎ ኢዩ ክንብል ከለና የማነ ማንኪ’ውን ካብኡ ዘይሓይሽ ዓስከር ኢዩ። ኩለን ናይ ኢጋድ ሃራት ሱዳን’ውን ከይተረፈት እቲ ማዕቀብ ክቕጽልን ኣብ ርእሲኡ ድማ ካልእ ናይ ቁጠባ ዝምልከት ክውሰኸሉ ኣለዎ እናበሉስ ምስ ኩሎም ናይ ኢጋድ ሃገራት ጽቡቕ ርክብ ኣለና ማለትስ እንታይ ይበሃል? ብተወሳኺ ኣብቲ ዓሚ ዝተወሃበ ማዕቀብ ውርደተኛ ኢሳያስ መልሲ ክህብ ከሎ “እቶም ናይ ኣመሪካ መሳርሒ ዝኾኑ ናይ ጸጥታ ባይቶ ናይ ጦር መሳርያ ማዕቀብ በይኖሙልና ኣለው። ንሕና  ግን እዚ ኣይዓጅበናን ኢዩ። ምኽንያቱ ንአርባተ ሃገራት ከዕጥቕ ዝኽእል ኣጽዋር ኣለና” ኢዩ ዝበለ። እዛ ናይ ውርደታኛ ኢሳያስ ዘረባ መለስ ዜናዊ እንታይ ኢዩ ርኢቶኻ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ “ናይዚ ዘረባ ብዙሕ ቁምነገር የብሉን። እቲ ኣለኒ ዝብሎ ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣብ ሙዝዩም ክአቱ ዝግበኦ ኢዩ” ኢሉ እዩ መልሲ ዝሃበ።

የማነ ማንኪ ኣብ ዘረብኡ ብዘይካ ኣመሪካ ኩለን ኣባልት ናይ ጸጥታ ባይቶ ደገፍትና ኢየን ኢሉ  ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብቲ ድምጺ ዝተወሃበሉ መዓልቲ  ግን ኩለን 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እቲ ማዕቀብ ንሓደ ዓመት ክቕጽል ጥራይ ዘይኮነስ ክሰፍሕ ከም ዘለዎ ኢየን ወሲነን ዘለዋ።እተን 14 ኣባላት ንህግደፍ ፈንፊነንኦ ከምዘለዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ክርደኦ ዘይከአለ። ኣየ ኤርትራ ዘይተዓደልኪ ሃገር። ከምዚኦም ዘአመሰሉ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክለአኹሲ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕንኽን  ኢዩ።

ብ2007 ውርደተኛ ኢሳያስ ኣባልነተይ ካብ ኢጋድ ሰሪዘዮ ኢየ ኢሉ ንኢጋድ ክጸርፎምን ከናሽዎምን ከምዘይነበረ ሕጂ ድማ ተመሊሱ የእትዉኒ እናበለ ኣብ ምልማን ይርከብ። ውርደተኛ ኢሳያስ ከምድላዩ ዝአቱን ዝወጽእን ኢዩ መሲልዎ ነይሩ። ኢጋድ እኮ እንዳ ስዋ ወይ እንዳ ሻሂ ኣይኮነን ኣብ ዊን ዝበለካ ትአዎን ኣብ ዊን ዝበለካ ድማ ትወጾ። እዚ ናይ ዞባዊ ሃገራት ማሕበር ኢዩ። ብዙሕ ግዴታትን ሓላፍነትን ኣለዎ። ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ምትሕብባር፣ ምትሕግጋዝ፣ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ምስራሕ፣ ብሓባር ተታሓሒዝካ ምምዕባል ወዘተ ዝአመሰሉ ግዴታታት ኣልዎ። ውርተኛ ኢሳያስ ግን ብንጻሩ ኢዩ ዝሰርሕ። ንኹለን ኣባት ኢጋድ ሃገራት ተዃብወን ኢዩ። ንሱዳን ደጋጊሙ ውግእ እናኸፈተ ሓምሽዋ ኢዩ፣ ንኢትዮጵያ ብዶብ ኣመኻንዩ ኣብ ልዕሌአ ውግእ ከፊቱ ብድሕሪኡ ድማ ኩሉ ንኢትዮጵያ ቁልቁል ኣፋ ክደፍኡዋ ዝደልዩ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ተራ ኣሸበርትን ሸፋቱን ገይሩ ሓዊ ክዘርአላ ካብ ምፍታን ኣይዓረፈን፣ ንጁቡቲ ወሪሩ መሬታ ሒዙ ብዙሓት ወተሃደራታ ቀቲሉላ ኢዩ፣ ሶማልያ ፈጺማ ሰላም ከይትረክብ ኢሉ ይህውኻ ኣሎ፣ ከንያ ናይ ስለላን ናይ ገንዘብ መተሓላለፊ ገይርዋ ኣሎ፣ ንዩጋንዳ ኣልሸባብ እናለኣኸ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቦምባ ከምዝትኮስ ገይሩ ናይ 76 ሰላማውያን ሰባት ሂወት ከምዝጠፍእ ዝገበረ ሰብ ኢዩ።

ኣብ ዓድና ሓደ ሰብ ኣብ ማሕበር ምክኤል ወይ ማሕበር ገብሪኤል ምስ ኣተወ ኣይደልየኩም እየ ኢሉ እንተወጺኡ’ሞ ካልእ መዓልቲ ተመሊሽ ወዲ ማሕበርኩም ክኸውን ደልየ እንተ ኢሉዎም ፈጺሞም ኣይቅበልዎን ኢዮም። ነታ ማሕበር እንተጸሪፍዋ እሞኸአ ካልእ ነገር ኢዩ። ኢጋድ ነዚ ናይ ማፊያ ጉጀለ ሁውከተኛን ዘራጊቶ ስርዓት ፈጺሙ ክቕበሎ የብሉን። ክቕበሎ እንተኾይኑ ድማ እቲ ተነቢርሉ ዘሎ ማዕቀብ ምስተለዓለ ኢዩ ጉዳዩ ክረአ ዘለዎ ኢለ ይአምን። ብተወሳኺ ነቲ ብተቛጻጻሪ ጉጅለ ዝቐረበሉ ጭብጥታት ብሙሉኡ ኣቐዲሙ ክእምነሉ ኣለዎ። ካብ ከምዚ ዓይነት እከይ ተግባራት ምፍጻም ድማ ክቑጠብ ኢየ ኢሉ ኣቐዲሙ ክፍርም ኣለዎ። ኢጋድ ኣብዚ እዋንዚ ንኢሳያስ እንተተቐቢልዎ ዓቢ ጌጋ ይፍም ኣሎ እየ ዝብል። እንተ ለቢሞም ድማ ከምታ ለባማት ደቒ ትግራይ ነቲ  ገዛኢ ዝበልዎ

“ቀደም ነይሩ እምበር ካብቲ ሕማቕ ስራሕካ ምቑጣብየ፣
ሕጂዶ ይሕሸካ ተምበርኪኽካ ምልማንየ”

ኢሎም ኢዮም መልሲ ክሰዱ ዘለዎም። ኤርትርዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ነቲ ናይ ኢሳያስ ሕቶ ብምቅዋም ንኣባልነት ከይቕበሉዎ ዝአክል ጻዕሪ ከካኣይዱ ይግበኦም። 

ክድምና

እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ጽሑፈይዃ ገሊጸዮ እየ እዚአ ግን ከም መቑሹሽ ኢየ ዝውስኻ ዘለኹ።

ውርደተኛ ዲ/ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፉ 6ዓመታት ንኹሎም ንሱ ዘይፈትዎም ሃገራትን ውድባትን ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ከደምቲ ኢኹም እናበለለ ኢዩ ዝጸርፎም ነይሩ። በቲ ብዕሉግ መልሓሱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከደምቲ ኣመሪካ ዝመልኡዎ ኢዩ፣ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከዳሚት ናይ ኣመሪካ ኢያ፣ ሃገራት ኢጋድ ከደምቲ ናይ ኣመሪካ ኢየን ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ከዳሚ ናይ ኣመሪካ ኢዩ እናበለ ሕልማዊ ጸርፉ ከካይድ ጸኒሑ ኢዩ። እቶም ናቱ ደገፍቲ ሃሱሳት እውን ነቲ ቃል ይደግምዎ ኣለዉ። እሞ እዞም ኩሎም ከደምቲ ካብ ኮኑ እስኪ ኢሳያስ ናይ ምኽዳም ድልየቱን ሕቶኡን ስለምታይ ከይለጦ ከም ዝተረፈ ኣሕጽር ኣቢለ ክገጸልኩም። ኢሳያስ ንጡፍ ናይ ኣመሪካ ከዳሚ ንምዃን እቲ ዝዓበየ ትምኒቱ ኢዩ ነይሩ። ንምዃኑ መዓስ ኢዩ ጀሚርዎ ነይሩ? (እቲ ቀደም ናይ ሲ.ኣይ.ኤ CIA ልኡኽ ከሎ ንግደፎ)

በቲ ምስ ኢትዮጵያ ብ1998 ዝጀምሮ ውግእ ከምቲ ዝሓሰቦ ከይኮነሉ ምስ ተረፈ ብ2001 መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ውግእ ምስጀመረት በቲ ኮረር ኮረር ዝብል ተለአአኺኡ ግርማ ኣስመሮም ገይሩ ንመንግስቲ ኣመሪካ ንዑ ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ወተሃደራዊ መዓስከር ኣቛቑሙ ኢሉ ልመና ኣቕሪቡ። ዝሃቦም ምኽንያት ድማ ጎቦታት ናይ ኣፍጋኒስታንን ናይ ኤርትራን ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ ብተወሳኺውን ዋዒኡ ስለ ዝመሳሰል ወተሃደራትኩም ኣብዚ መጺኦም ልምምድ የካይዱ ኢሉ ብዙሕ ዕድመን ልመናን ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣነ ኣብቲ እዋን’ቲ ብወግዒ ካብ ህግደፍ ኣይተፋላለኹን ስለ ዝነበርኩ ባዕሉ ግርማ ኣስመሮም ቴለፎን እናደወለ ኢዩ ዝነግረኒ ነይሩ። መንግስቲ ኣመሪካ ሕራይ ክንሓስበሉ ኢና እንዳበሉ መልሲ ኣይሃብዎን። ብኻልእ መንገዲ ገይሮም ድማ ንዓመት ሓደ ሚልዮን ዶላር እናኸፈሉ ንሓደ ኣብ ፍሎሪዳ ዝነብር ጠበቓ ኣሳላጢ ጉዳይ (Lobyist) ይኸፍሉ ነይሮም። ብድሕሪኡ ግርማ ኣስመሮም ንሰነተር ሪቻርድ ሸልቢ ዝተበሃለ ሒዙ ንአስመራ ከይዱ ምስ ኢሳያስ ኣራኺብዎ። ውርደተኛ ኢሳያስ ድማ በጃኻትኩም ንሕና ምስ ኣመሪካ ጽቡቕ ዝምድና ክንፈጥር ኢና ንደሊ ዘለና ሓግዙና ኢሉ ለሚንዎ ነይሩ። ንሱ’ውን ሓሲብና ክንነግረኩም ኢና ኢልዎ ተመሊሱ። ብድሕሪኡ ንዶናልድ ራምስፊልድ ናይ ኣመሪካ ናይ መከላኸሊ ሚኒስተር ዝነበረ ጸኒሑ ድማ ነቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ኣዚዚ ዝነበረ ጀነራል ኣቢዘይድ ዓዲምዎ ንሳቶ’ውን መዓስከር እንተ ኣድሊዩና ሓሲብና ክንነ ረኩም ኢና እንዳበሉ ተመሊሶም። ጸኒሖም ኢሳያስ ዘይኡሙን ሰብ ስለ ዝኾነ ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ምስራሕ ይሕሸና ኢሎም ንጅቡቲ ከይዶም። ኢሳያስ ከመይ ገይሩ እሙን ናይ ኣመሪካ ከዳሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዙሕ ጨነቆ። ነዚ መግበሪኡ ነቶም ወያኔ ዝበሃሉ ጸላእተይ ኢዮም ዝብሎም ንምጥቃዕ ኢዩ ነይሩ።

ብ2003 ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሳዳም ሑሰን መጥቃዕቲ ምስ ገበረት ወርደተኛ ኢሳያስ ልክዕ ሸዓ መዓልቲ “ኣመሪካ ነዚስ ደጙኹሞዃ” ኢሉ ኣብታ ንሱ ዝውንና ቲቪ ኤረ ተዛሪቡ ነይሩ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ድማ በቲ ጆርጅ ቡሽ ዝገበሮ መጸዋዕታ - ማለት ኣብ ውግእ ክትተሓባበሩ እትደልዩ ሃገራት ዝበሎ- ዲ/ኢሳያስ መዝግቡኒ ኤርትራ ኣባል ናይተን ሕራይ ዝበላ ሃገራት (Coalation of the Willing) ኢያ በለ። ካብ ኣፍሪቃ ዋላ ሓንቲ ሃገር’ውን ክሳተፍ ኢየ ዝበለት ኣይነበረትን። መንእሰይ ኤርትራ ግን ሓላዪ ስለ ዘይብሉ ኢሳያስ ኣብ ዒራቕ ከይዶም ንኽሞቱ ብዙሕ ኣያዕጀቦን ነይሩ። ካብ ኩሉ ዘሕዘነኒ ግን እቶም ነቲ ውግእ ዘይድግፉ ኣመሪካውያን ንጆርጅ ቡሽ ክሕጭጭሉ ከለው ንካሳኪስታንን  ንኤርትራ ዝበሃላ ሃገራት ሒዝካ ዲኻ  ክንድዚ ሃገራት ደገፍቲ ኣለዎ ትብል ዘለኻ ይብሉ ነይሮም። እቲ ዝርዝር ኢሳያስ ከዳሚ ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ምገለጽኩዎ ነይረ ግን ብዙሕ ለውጢ የብሉን። ብሓጺሩ ናይ ኣመሪካ ከዳሚ ንምዃን ፈቲኑ ምዃን ስለዝአበዮ ኢዩ ሕጂ ንካልኦት ከደምቲ እናበለ ክጻረፍ ዓንገረር ክብል ዝውዕል ዝዘሎ።
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...