ቀዳማይ ክፋል።

ዓጅብ! ሳልሕ ቓዲ።

እዚ ዓንቀጽ እዚ፡ ነቲ ‘ቋንቋን ሃይማኖትን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ’ (Language and Religion in Eritrean Politics) ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ብዕለት 29 ሰነ 2011 ኣብ ዓዋተ ወብሳይት ዘቕረቦ ጽሑፍ ምርኩስ ብምግባር ዝተጻሕፈን፡ ነቲ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ንኣገዳስነት ዓረብኛ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ምጉት ዝነጽግን ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ድማ፣ ኣየኖት ቋንቋታት ወግዓውያን ኪኾና ኣለወን ንዝብል ገና ዘይተመለሰ ሕቶ መልሲ ንምርካብ ኣብ ዘሎ ዝግበር ፈተነ፡ ኣበርክቶይ ከስፍር እየ።

ቅድሚ ዝኣገረ ግን፣ ዓረብኛ ዕላዊ ቋንቋ ኤርትራ እዩ ወይስ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ክትዕ ክምጉት ከምዘይደሊ ኪፍለጥ እደሊ። ምኽንያቱ ዓረብኛ ነተን ብሓደ ተደሚረን ተገዚዐን ዘለዋ ቋንቋታት ኤርትራ ዝውክል ወይስ ዘይውክል ምዃኑ ዝውስኑ ተዛረብቲ ናይተን ብቛንቋ ዓረብ ተወኪለን ዘለዋ ቋንቋታት ጥራይ ኢዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ቋንቋ ዓረብ ንቛንቋታት ትግረ፡ ዓፋር፡ ሳሆ፡ ብሌን፡ ናራ፡ ኩናማ፡ በጃ ወኪሉ ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ኪኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጺ፣ ተዛረብቲ ናይዘን ዝተጠቕሳ ቋንቋታት ብዘሕልፍዎ ድምጺ ዝውሰን ኮይኑ፤ ግን ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ርእይቶ ኪህበሉ ዝኽእልን ዝግባእን ኣርእስቲ እምበር ብዝፈቐደ ዝኾነ ሰብ ተላዒሉ ዘጉባዕባዓሉን ካልኦት ንኸይዛረቡ ዘፈራርሃሉን ጉዳይ ኣይኮነን ኢለ እየ ዝኣምን። ኩኖኡ ግን፣ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ብትሒም ትሒም ዝልዓልን ሰባት ብቓልዕ ዘይዛረብሉን ብምዃኑ ጸጸኒሑ ዝግንፍል ዘሎ ስለዝኾነ፣ ከም ውጽኢት ድማ ምስ ስምዒታት እንዳተኣሳሰረ ንሰባት ዘነሃህርን ዘረሓሕቕን ዘሎ ብምዃኑ ብጋህዲ ኪፍለጥን ክንዘራረበሉን ኣለና ዝብል መርገጺ ኢዩ ዘለኒ።  ስለምንታይ፣ ‘ሓባእ ቁስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ’ ስለዝኾነ። ካብዚ ወጻኢ፣ ግርጭት ዘባልሑ ድሑራት ስምዒታት ተጠቒምካ፡ ጓል መንገዲ እንዳፈጠርካ፡ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ንድሌት ውሑዳት ጥሩፋት ዘገልግሉ ኣማራጺታት ጥራይ ምድላይ ናይ ሓደ ንጸይቂ ዝተፈጥረን ብዝኸሓነ ጽልኢ ኣምሮኡ ዝተበላሸወን ሰብ ሕልሚ እምበር፣ ብጉዳይ ሃገር ናይ ዝሓሙ ምሁራትን ለባማትን ስራሕ ኣይኮነን እብል። ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ንሃገርን ህዝብን ዘርኢ ኣርእስቲ ኪዛረብ፡ ኪጽሕፍ መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ፣ ዋላ ኣጉባዕባዕቲ ይሃለዉ ድማ፡ እዚ መሰል’ዚ ዝሕከኽ ኣይኮነን። ነዚ መሰል’ዚ ተጠቒመ እምበዓርከስ፣ ዕላዊ ቋንቋታት ኤርትራ ብዝምልከት ዘለኒ ርእይቶ፡ ብልዙብ መንገዲ አብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ከፍስስ ክፍትን ኢየ። ናይ ዓንቀጸይ መበገሲ ግን ናይ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ጽሑፍ ስለዝኾን፡ እስኪ ብእኡ ክጅምር፦

ኣቶ ሳልሕ፡ ‘ዓረብኛን ኣስላምን ኣብ ምድረ-ሓበሻ’ (Arabic and Muslims in Abyssinia) ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቱ እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣስፊሩ ኣሎ፦

• ዝምድና ኣኽሱማውያንን ምድረ-ዓረብን ቅድሚ ነብዪ መሓመድ ዝነበረ፣ ሰዓብቲ ነብዪ መሓመድ ካብ ምደረ-ዓረብ ሃዲሞም ኣብ ትሕቲ ንግስነት ኣኽሱም ን16 ዓምታት ዝኣክል ከም ዝተዓቕቡ፣
• ተራ ሓበሻ ኣብ ታሪኽ ምስልምና ብዙሕ ኣዎንታዊ መረጋገጺታት ከም ዝርከበሉ፤
• ኤርትራውያን ክርስትያን ንቛንቋ ዓረብ ምስ’ቲ ቅድሚ 600 ዓመት ዘጋጠመ ናይ ኣሕመድ ገራኝ ወራር ስለዘዛምድዎ ንቛንቋ ዓረብ ከም ዝነጽጉ፤
• ካብ’ቲ ኣሕመድ ግራኝ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን ዝፈጸሞ፡ እቲ ብመሳፍንትን ነጋውስን ኢትዮጵያ ማለት ብውቤ፡ ሃጸይ ቴደሮስን ሃጸይ ዮውሃንስን ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝተፈጸመ ግፍዒ ስለዝዓቢ፣ ክርስትያን ሓበሻ ንግፍዒ ናይዞም ዝተጠቕሱ ነጋውስ ኢትዮጵያ ካብ ዘይውጉዙ፡ ኣስላም ብተግባራት ግራኝ ዝስከፍሉ ምኽንያት ከም ዘየለ፤
• ኣብ መበል 19 ክ.ዘበን ኣብ ከበሳ ኤርትራ ዝነበረ ህዝቢ ካብ 300,000 ዘይበዝሕን መብዛሕትኡ ድማ ናይ ሰራዊት ኣምሓራን ኦሮሞን ተረፍ-መረፍ ከም ዝነበረን፣ ስለ’ዚ እውን እዚ ህዝቢ’ዚ ናይ መንነት ቅልውላው ከም ዘለዎ፤
• በዚ መንጽር፡ ጀበርቲ ንጹር መበቆል ዘለዎ፣ ገሊኡ ካብ ትገራይ ዝመንጨወ ገሊኡ ግን ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣትሒዝካ ክሳብ ምድረ-ዓረብ ዝበጸሕ ሰረት ዘለዎን ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት ሕንፋጽ ዝኾነን፣ ስለዚ’ውን ከም ብሄር ዘይኮነስ ከም ሃገር ክርአ ዝግባእ ህዝቢ ምኻኑ፤
• ብዘይካ እቲ ኣብ ከበሳ ዝነብር ህዝቢ ካልእ ብመበቆሉ ዝደናገር ህዝቢ ከም ዘየለ። በኒ-ዓምር፡ ሕዳርብን ቤት-ኣስገደን ምስ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣሕዋቶም፣ ዓፈር ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝርከቡ ዓፈር፣ ሳሆ ካብ ዓረብ፡ ሕዳርብ ከኣ ካብ የመን ከም ዝምንጭዉ ከም ዝፈልጡ፤ ስለዚ እውን ናይ መበቆል ቅልውላው ዘለዎ እቲ ኣብ ከበሳ ዝቕመጥ ህዝበ-ክርስትያን ጥራይ ምኻኑ….ወ.ዘ.ተ.

እንሆ እምበዓር፡ ‘እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ’ ከም ዝበሃል፣ ወዮ ‘ኣነ ንዓሊ ሳሊም ኣይድግፍን ኢየ፡ ለዘብተኛ (moderate) ኣስላማይ እየ፡ ኣብ ልዝብ (reconciliation) እየ ዝኣምን፡ ካብ ኣስላም ንላዕሊ ዝኣምኖም ክርስትያን ኣዕሩኽ ኣለዉኒ…ወ.ዘ.ተ.’ እንዳበለ ከብዱ ዝጸቐጦ ዘይብሉ ከህተፍትፍ ዝቐነየስ፣ ኣብ ውሽጡ ዝሰፈረ ጋኔን ኣዕበድቢደዎ መንነቱ ከቃልዕ ጀሚሩ። ትማል ትማሊ: ዓሊ ሳልም ብዝብል ናይ ጉለባብ ስም ተጠቒሙ ከምዚ ክብል ከም ዝጸሓፈ ድማ ይዝከር፦ 

“The only time Lowlanders will ever have the appetite to think about development policies and legal grounds is when every Land Grabber and Exclusionist is chased out of their proximity” (‘The Language of Land Grabbers’, Awate, Jan 22, 2010) (ትርጉም፦ ‘ደቂ መታሕት፡ ብዛዕባ ልምዓትን ሕጋዊ መሰረትን ንምሕሳብ ሸውሃቶም ዝኽፈት ነቶም ገበትቲ መሬትን ወገንትን ካብ ቦታኦም ምስ ዘባርሩ ጥራይ ኢዩ’። ‘ናይ ገበትቲ መሬት ቋንቋ’ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ዓዋተ፡ ብ 22 ጥሪ 2010 ዝተጻሕፈ።)

“Eritrean Highlanders are more united in substance today (under the PFDJ or its ghosts) than they were in the 1950s when the whole Eritrean existence was at stake. It is unimaginable that the people who united under a unanimous consensus to sell their own dignity and national identity to cheap Amharan and Tigrayan masters in the 1950s should be expected to stand up today for the dignity and national pride of others.” ‘Hade Hizbi – Kil’te Libi (Awate, Jul 02, 2009) (ትርጉም፦ ‘ደቂ ከበሳ፣ ካብቲ ህላዌ ኤርትራ ኣጠራጢሩሉ ዝነበረሉ ናይ 50ታት ጊዜ፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓድነቶም ዝያዳ ተሪሩ ይርከብ። እቶም ኣብ 50ታት፡ ብስሙር ድምጺ፡ ሃገራዊ ክብሮምን መንነቶምን ንሕሱራት ጎይቶት ኣምሓራን ትግራይን ዝሸጡ፣ ሎሚ ንመሰልን ሃገረዊ ክብርን ካልኦት ደው ክብሉ ኢልካ ኪሕሰብ ዘይከኣል ኢዩ’። ‘ሓደ ህዝቢ፡ ክልተ ልቢ’ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ዓዋተ፡ ብ 02 ሓምለ 2009 ዝተጻሕፈ።)

“Today is like no other day. Lowlanders are threatened with their very existence and very soon they will be roaming Gypsies with no place to call home and there is no time to weigh the options.” ንኹሎም ደቂ መታሕት ድማ ከምዚ ኢሉ ይጸውዕ “unite against the common enemy of ethnic fascists. (‘Hade Hizbi – Kil’te Libi (Awate, Jul 02, 2009))” (ትርጉም፦ ‘ሎሚ መዘና ዘይብላ መዓልቲ እያ። ህላዌ ደቂ መታሕት ኣጠራጣሪ ኮይኑሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ፣ ጽባሕ ዓደይ ዝብልዎ መሬት ስኢኖም ከም ጂፕሲ ኣብ ኩሉ ፋሕ ቅድሚ ምባሎም ብቕልጡፍ ኪውስኑ ይግባእ።’ ድሕሪ ምባሉ ‘ኣንጻር እቲ ብሄራዊ ፋሺስት ብሓባር ተለዓሉ’ ኢሉ ብምጽዋዕ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራ ኵናት ጽልእን ንኺትከል ይዕድም። ‘ሓደ ህዝቢ፡ ክልተ ልቢ’ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ዓዋተ፡ 02 ሓምለ 2009።) *

ካብዚ ንላዕሊ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ? ወዮ ትማሊ፣፤፡ ‘መታሕተታይ ኣናጻር ከበሳ ተልዓል፡ መሬት ዘይብልካ ኪገብሩኻ ኢዮም፡ መንነቶም ሸይጦሞ ኢዮም፡ መንነት የብሎምን’…ወ.ዘ.ተ. ዝብል ዘነበረ፣ ሎሚ ‘ብዘይካ ህዝቢ ከበሳ ካልእ ብመንነቱ ዝጠራጠር ሰብ የለን’ ምባሉ ፍልልይ ኣለዎዶ? ‘ሓባልስ መጠመቲኣ ትኳሓል’፣ ዓሊ ሳልም፡ ሳልሕ ቓዲ ኢዩ፣ ሳልሕ ቓዲ ድማ ዓሊ ሳልም ኢዩ።

ምስ ዝሃውተተ ምህውታት መቸም ጽላለ ኢዩ፣ ግዳ ‘ተናጊሮም የናግሩኻ’ እንድዩ፡ እስቲ ነተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ነጥብታቱ መልሲ ክህበለን፦

• ኣኽሱማውያን ቅድሚ መሓመድ ምስ መሬት ዓረብ ዝምድና ነይርዎም፣ ሓበሻ ኣብ ታሪኽ ምስልምና ኣዎንታዊ ተራ ነይርዎም…ወ.ዘ.ተ. ንዝብሉ ነጥብታት…

- እዚ ናይ ጽቡቕ ታሪኽ ምስክርነት ስለዝኾነ ንኹላትና ደስ የብል። እቲ ዝገርም ግን ነቲ ‘ትማሊ ጽቡቕ ተራ ነይርዎ’ ኢልካ ዝገለጽካዮ ህዝቢ፣ ነቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ኣሕዋቱ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ኣቖጢዕዎ ኣብ ጎድኖም ኮይኑ ዝተቓለሰን ህይወቱ ዝኸፈለን ህዝቢ፣ ነቲ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብደሙ ዘመስከረ ህዝቢ ተገምጢልካ ‘ ህዝቢ ከበሳ ጸላኢኻ ኢዩ፡ መሬትካ ኪዘርፍ ዝመጸ ኢዩ፡ ኣንጻሩ ተልዓል’ እንዳበላካ ኩናትን ጽልእን ምስዋር ካበይ ይብገስ? መልሱ ኣንባቢ ይመራመረሉ። ግዳ፡ እዚ ናይ ሓደ ሰብ ኣጀንዳ ከም ዘይኮነ ጥራይ ኪፍለጥ ኣለዎ።

• ክርስትያን ኤርትራ ንቛንቋ ዓረብ ምስ ታሪኽ ኣሕመድ ገራኝ ከም ዘዛምድዎ፣ መሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝፈጸምዎ ግፍዒ ከም ዝዛይድን ብዛዕባ ዝብሉ ነጥብታት…

- እቲ ‘ክርስትያን ንዓረብኛ ምስ ታሪኽ ኣሕመድ ገራኝ ስለዘዛምድዎ’ ዝብል ክሲ ጻዕዳ ሓሶትን ጸለመን ኢዩ፤ ጭብጥታት ከየቕረብካ ንህዝቢ ምኽሳስ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዘለካ ጽልኣት ንምግላጽ እምበር ካልእ ዕላማን መበገስን የብሉን። እኳ ድኣ ኣሕመድ ገራኝ ኣስላማይ እምበር ዓረበታይ ስለዘይነበረን፡ ዓረብኛ’ውን ይዛረብ ስለዘይነበረን ንጸለመ ዝተሃነደሰ ምዝማድ ምዃኑ ርኡይ ኢዩ። ግዳ፡ ኣሕመድ ገራኝ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክርስትያን ኤርትራ ዝፈጸሞ ግፍዒ ትማሊ ዉጉዝ ኢዩ፡ ሎሚ ዉጉዝ ኢዩ፡ ጽባሕ’ውን ዉጉዝ ኢዩ። እንተ እቲ መሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝፈጸምዎ ግፍዒ ዝተባህለ’ሞ፣ ምዓስ ንዓና ንህዝበ-ክርስትያን ኤርትራ ዝምልከት ጉዳይ ኮይኑ። ሳልሕ ቓዲ ሓቂ እንተልይዎስ፡ ምስ ቀ.ሚኒሰተር መለስ ዜናዊ ክምስምስ እንዳበለ ኪራኸብ እንከሎ ሽዑ ሰለምንታይ ዘየልዓሎ? ሕጂ’ውን ከም ኣመሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኪኸይድ እንዳኣሉ፣ መልሲ ካብኣታቶም ኢዩ ዝረክብ እምበር ንሕናስ እንፈልጦን ዝምልከተናን ጉዳይ ኣይኮነን።

• ኣብ መበል 19 ክ.ዘ. ህዝቢ ከበሳ 300,000 ከም ዝነበረን ተረፍ መረፍ ወተሃደራት ኣምሓራን ኦሮሞን ከም ዝኾነን፣ ህዝቢ ጀበረቲ መበቆሉ ዝፈልጥ ህዝቢ ምኻኑ፣ ብዘይካ ህዝቢ ከበሳ ካልእ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎ ህዝቢ ከም ዘየለ…ወ.ዘ.ተ.ብዛዕባ ዝበሎ…

- መቸም እዚ ወዲ ጥዕና ዘለዎ ኣየኮነን፤ ሰብ እንተለዎ እንዳ ጋብር ክልተ ሸውዓት ክሕጸብ ኣለዎ’ምበር ጥዑይ መሲሉ ከዋዳኣና ኢዩ። ብዝኾነ ግን፡ ሓቂ ይሓይሽ ኣብ መበል 19 ክ.ዘ. ኣብ ከበሳ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልኦት ቦታታት ኤርትራ ክንደይ ዝኣክል ህዝቢ ይቕመጥ ከም ዝነበረ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፤ ሽዑ ናይ ህዝቢ ቁጽሪ ዘመልክት ሰንሰስ (ሰታቲሰቲክ) እውን ዝነበረ ኣይመስለንን። እዚ ጠፋሽ ፈላስፋ ነቲ ኣሃዝ ካበይ ከም ዘምጽኦ ግን ገሪሙኒ ኣሎ። ግን፡ ‘ዴይ ሒዶት ኢኽን’ ንምባልን ንዕቀቱ ንምግላጽን ዝተሰኹዐ ኣሃዝ እምበር ካልእ ፋይዳ’ኮ የብሉን። ስለምንታይ፣ ቁጽሪ ህዝቢ ንመሰል ናይ ሓደ ህዝቢ ዝውስን ሰለዘይኮነ። ብዛዕባ ሓደ ህዝቢ ክንዛረብ እንከለና፡ መሰሉ እምበር ብዝሑ ኣይኮነን እኮ ዘገድስ። ብወገነይ፡ ምናልባት ሳልሕ ቓዲ እምበር፡ ብመንነቱን ብመቦቆሉን ዘይኾርዕ ሰብ የለን፣ ህዝብስ ይትረፍ። መቦቆል ዘይብሉ ህዝቢ እሞ ኸኣ ካበይ ክመጽእ? እንተ እቲ ህዝቢ ከበሳ ተረፍ መረፍ ወተሃደራት ኣምሓራን ትግራይን ኢዮም ዝተበሃልናዮ ድማ፡ እንታይ ኮይንና ኢና ተረፍ መረፍ እንኸውን? ከም ወለዶ ሴምን ዘርኢ ኣኽሱማዊ ንግስነትን መጠን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለና ዝምድና የኹርዓና እምበር ምዓስ የሕፍረና። ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ምዕሩግ ታሪኽን ግሩም ባህልን ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ካብኡ ምፍራይና ክብሪ እምበር ናይ መንነት ቅልውላው ዘስዕብ ኣይኮነን። እኳ ድኣ ንመንነትና የነጽርን የጉልሕን።

- እዚ ጠፋሽ ፈላስፋ ብዛዕባ መበቆል ህዝቢ በኒ-ዓምር፡ ሕዳርብ፡ ቤት-ኣስገደ፡ ሳሆ፡ ዓፈርን ኣብሪሁ፣ ንህዝቢ ከበሳ ድማ ታሪኽን መበቆልን ዘይብሉ፡ ካብይ ከም ዝመጸ እውን ዘይፍለጥ ህዝቢ ኢዩ እንዳበለ ገሊጽዎ። ብዛዕባ መቦቆል ህዝቢ ትግረን ቢለንን ድኣ ረሲዕዎ ድዩ ወይስ ዘፍሽል ሓቂ ስለዝኾኖ እዩ ጎስዪዎ? መቸም፡ ‘ኣድግስ ንኣመሉ ከይጸዓንካዮ ይጠርጥ’ እንድዩ፣ ሎሚ ንዓና ጸሪፉና ኣሎ፡ ጽባሕ ከኣ ንዓታቶም።

ናብቲ ዝተረፍ ክፋል ናይ’ቲ ጽሑፉ ከተኩር፤ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከኣ ይርከብዎ።

1. ኣብ መበል 18ን 19ን ከ.ዘ. ዓረብኛ ናይ ህዝቢ ቋንቋ ከም ዝነበረ ዘመልክቱ ከም ናይ ውርሻ፡ መርዓ፡ ንግዳዊ ዉዑላት ዝኣመሰሉ ሰነዳት ኣብ ምጽዋዕ ከም ዝርከቡ፣ እዚ ድማ ዓረብኛ ናይ ምሁራት እስላም ምርጫ ጥራይ ከምዘይኮነ ዘመልክት ምዃኑ፤

2. ትምህርቲ ዝቐሰመ ዘበለ ኣስላማይ ኩሉ መጀመርታ ብናይ ቁርኣን ትምህረቲ ኣቢሉ ዓረብኛ ከም ዝምሃር፣ እዚ ከኣ ዓረብኛ ካብ ቀደም ያታዊ ቋንቋ ኤርትራ ምዃኑ ከም ዘረጋግጽ። ብዘይካ’ዚ፡ ቀዳሞት ኣቦታትና እውን ንዓረብኛን ትግርኛን ዕላውያን ቋንቋታት ኤርትራ ንኪኾና ዝኣተውዎ ውዕል ምስ ዝግሃስ ሳዕቤኑ ኣስጋኢ ምዃኑ፤

3. ሸሪዓ ብዓረብኛ ከምዝካየድ፤ መሳጊድ ኣብ ዕለተ-ዓርቢ ዘካይድኦ ጸሎት’ውን ከምኡ ብዓረብኛ ጥራይ ከም ዝካየድ፣ እዚ ኸኣ እቶም ዝተፈላለያ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኣመንቲ ምስልምና ብሓደ ቋንቋ ምእንቲ ኪረዳድኡ ኢሎም ዝፈጠርዎ ብልሓት ከም ዝኾነ፤

4. ዓረብኛ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመዋእል ዝተሰርሓሉ ቋንቋ ምዃኑ፣ ነጋውስ ኢትዮጵያ በቲ ዓረብኛ ዝዛረብ ናይ ኣለክሳንድርያ ፓትርያርክ ክምረቑ እንከለዉ ‘መሊክ ሙላክ ኣልሓበሽ’ (ርእሰ-ነጋውስ ሓበሻ) ዝብል ማሕተም ሒዞም ይምለሱ ከም ዝነበሩ፤

5. ኣብ 1520 ፖርቱጊዛውያን ናብ ምጽዋዕ ምስ መጹ ዓረብኛ ዝዛረብ ሹመኛ ከም ዝረኸቡ፣ ጣልያን ናብ ኤርትራ ኪመጹ እንከለዉ እውን ዓረብኛ ዝፈልጥ ኣስተርጓሚ ሒዞም ከም ዝመጹ፤

6. ኣብ 1996 ሳልሕ ቓዲ ንሙሳ ናይብ ከዕልሎ እነከሎ፡ ዓረብኛ እንግሊዝ ዝፈጠሮ ሽርሒ ምንባሩ ሙሳ ከም ዝገለጸሉ፤ ኣብቲ ሙሳ ናይብ ከም ኣባል ኮምሽን ቅዋም ኮይኑ ኣብ ወጻኢ ኣኼባታት  ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ክኣ፣ ሓደ ሰብ “ኣቦታትካ ናይባውያን በየናይ ቋንቋ እዮም ዝተማህሩ በየናይ ቋንቋ እዮም’ከ ዝሰርሑ ነይሮም”? ኢሉ ምስሓተቶ፣ እቲ መልሲ ዓረብኛ’ኳ እንተኾነ፡ ሙሳ ነቲ ሕቶ ከምዘይሰምዖ ጎስይዎ ከም ዝሓለፈ፤

7. ቃልሲ ኤርትራ ዝተጀመረ ከም ቋንቋን ባንዴራን ንዝኣመሰሉ ዝተጣሕሱ ክብርታት ሃገር ንምምላስ ምንባሩ ዝረስዑ ሰባት ከም ዘለዉን፡ ምድምሳስ ዓረብኛን ድማ ሓደ ጉዳይ ከም ዝነበረ፤ ማንም ሰብ ንኻልኦት ኪውስነሎም ከምዘይእልን፡ ኣባታዊ መርገጺ ከኣ ጸረ-ዲሞከራሲ ምዃኑን፣ ስለዚ ኣብ ሓደ ናጻ ሃገር፡ ሰባት ማዕረ ምዃኖምን ማዕረ ናይ ምምራጽ መሰል ከምዘለዎምን፤

8. እዞም ብህዝቢ ዘይተመርጹ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ነቲ ናይ ቀደም ኣባታውን ዙምቡዕን ኣተሓሳስባ ከም ዝኽተሉን፣ ህዝቢ ኤርትራ ተዳኺሙ፡ ተደናጊሩን ሕድሕዳዊ እምነት ኣጥፊኡን ስለዘሎ ድማ ጸገማቱ ንምውጋድ ናይ ሓባር ቃለሲ ከካይድ ከም ዘይክእል፤

9. ሳልሕ ቓዲ ዓረባዊ ከም ዘይኮነ፣ ግዳ ዓረብኛ፡ መስረትቲ ኣቦታትና ዝኣተዉዎ ቃል ኪዳን ስለዝኾነ ንዕኡ ምትነካፍ ነቲ ቃል ኪዳን ምፍራስ ከም ዝሕሰብ።

መቸም፡ ጽሑፍ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ክሳብ ክንደይ ዝሮ-ምሮ ምዃኑ ንምርዳእ ነቲ ብእንግሊዝኛ ዘቕረቦ ጸሑፍ ምንባብ ኣደላዪ ኢዩ። ወዮ ድኣ እቲ ዓዋተ ዝብሃል ውብ-ሳይት ኣብ ኢዱ ኮይኑ ኢዩ እምበር፡ ሎምስ መርፍእን ጡጥን ኣላጊብካን ካብ ሓደ ነጥቢ ናብ ካልእ እንዳዘለልካን ዝዳሎ ጽሑፍ ምንም ተቐባልነት የብሉን፣ እተን ናይ ኢንተርነት ጋዜጣትት’ውን እኮ ክብረን ስለዝሕልዋ ኣንቺ-መንቺ ከቕርባ ኣይደልያን ኢየን። ብዝኾነ ግን፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ እውን መልሲ እስክ ክህበሎም። ንኣንበብቲ ከይስልቹ ድማ፡ ብቐዳምነት ኣብ ቁጸሪ 1,4,5 ን 6 ን ንዝቐረቡ ብሓባር ክምልሰሎም፦
 

- ኣብ መበል 18 ን 19 ን ክ.ዘበናት ብዓረብኛ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ኣብ ምጽዋዕ ምህላዎምን፡    ኣቦታት ሙሳ ናይብ ብዓረብኛ ዝተማህሩን ዝሰርሑን ምንባሮምን ዝምስክሮ ነገር እንተልዩ፣   ኣብቲ እዋንቲ ግብጺ ንኤርትራ ትገዝእ ከም ዝነበረት ጥራይ ኢዩ ዝገልጽ። ከም ኩሎም ገዛእቲ   ስርዓታት ድማ፡ ግብጺ እውን ቋንቋኣ ስለ ዘተኣታተወት፣ ኩሎም ሰነዳት ብቋንቋ ዓረብ እዮም   ዝትሓዙ ነይሮም። ኣብ ጊዜ መንግስቲ ጥልያን ብጣልያንኛ፡ ኣብ ጊዜ ምምሕዳር እንግሊዝ   ብእንግሊዝኛ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢዮጵያ ድማ ብኣምሓርኛ ሰነዳት ይትሓዙ ነይሮም። ኣብ   መበል 18 ን 19 ን ክ.ዘበናት ሰነዳት ብቋንቋ ዓረብ ይትሓዙ ስለዝነበሩ “ዓረብኛ ቋንቋና ኢዩ”   ምባል ግን ጣልያንኛ፡ እንግሊዝኛ ከምኡ’ውን ኣምሓርኛ ቋንቋታትና ኢዮም ጥራይ እዩ ዘስምዕ።   ህውተታን ሕጊ ጽሑፍ ዘይኽተል ዝላን።
 

- ብተመሳሳሊ፡ ናይባት ምስሌነታት ስርዓታት ቱረክን ግብጽን ስለዝነበሩ፡ ብዓርብኛ ክምሃሩን    ብዓረብኛ ኪሰርሑን እኮ ግድን ኢዩ ዝነበረ። ናብ ኣሕልቖም ግብጻውን ዝሰድዎ ዝነበሩ ጸብጻባት   ድኣ ብምንታይ እሞ ክጽሕፍዎ? ብትግረ? ናይ ሳሕል ኣመሓዳሪ ዝነበረ ዑመር ቋቕ እውን እኮ   ብኣምሃርኛ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

 - ብተወሳኺ ግን፣ እቲ ሙሳ ናይብ “ዓረብኛ ብምምሕዳር እንግሊዝ ዝተኣታተወ ሽርሒ ኢዩ”   ዝበሎ ዘረባ ሓቅን ፈረቓን ኢዩ። ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ሃይማኖትን ድሑራት ስምዒታትን    ተጠቒሙ፡ ንኤርትራ ናብ ክልተ ዓውድታት ከመቅልን፣ ንኸበሳ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ    ንመታሕት ድማ ምስ ሱዳን ክጽንብርን መደብ ከም ዝነበሮን፤ በዚ መሰረት ድማ ንኹሎም   እቶም ብምስልምና ዝኣምኑ ብሄራት ብቋንቋ ዓረብ ከም ዝውከሉ ብምግባር ጋዜጣታት፡ ህዝባዊ   ምገለጺታትን (Public Notice) ሕግታትን ብዓረብኛን ብትግርኛን ጥራይ ከም ዝሕተሙ ከም   ዝገበረ መቸም ኣቶ ሳልሕ ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። መረጋገጺ እንተደልዩ፡ ኣብ ታሕቲ ንዘለዉ   ናይ ምርምር ጽሑፋትን ካልኦትን ክውከስ እምዕዶ፣ ግን ሓቂ ከይዓበጠ። ልክዕ፡ ዓረብኛ ቅድሚ   ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ይስራሓሉ ከም ዝነበረ እቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጸዮ ዘለኹ መረጋገጺ   ዘብርሆ እዩ። ግን ከኣ፣ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ናጻ ድሕሪ ምዃና ንምሉእ ናጸነት እትቀራረብ   ኣብ ዝነበረት ሃገረና፣ ዓረብኛ፡ ከም ወግዓዊ ቋንቋ ዝተሰርሓሉ ኣብ ጊዜ ምምሕዳር መንግስቲ   እንግሊዝ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ እንግሊዝ ንኤርትራ ኪመቅል ንዝነበሮ መደብ ምእንቲ   ከገልግሎ ዝኣለሞ ሽርሂ ኢዩ። ኣብዚ ሓደ ኪምለሽ ዘለዎ ጉዳይ እንተልዩ ግን፣ ኣቶ ሳልሕ ምስ   ሙሳ ናይብ ተራኺበ ነይረ ኣብ ዝበሎ እዋን (1996)፡ ምስ መርገጺ ሙሳ ናይብ ተሰማሚዑ’ዶ   ወይስ ተቓዊምዎ?

 - ኣብ ቁ. 4 ን 5 ን ዘለዉ ነጥብታት ንመመቀሪ ዝኣተዉ ኢዮም። እቲ ቀዳማይ እኳ ንነጋውስ   ኢትዮጵያ ስለዝምልከት መለስቱ ኣለውዎ፣ ዶስ፡ ኣቶ ሳልሕ ‘ኤርትራ’ውን ኢትዮጵያ ኢያ ነይራ’   ክብል ኢዩ ደልዩ። እንድዒ፡ ዘይብሎ እኮ የብሉን። ብዛዕባ እቲ ፖረቱጋላውያንን ጣልያንን   ዓረብኛ ዝፈልጥ ሰብ ኢዮም ሒዞም መጺኦም ዝተባህለ ድማ፡ ኤርትራ እኮ ኣቐዲማ ብቱረኪ   ቀጺላ ከኣ ብግጺ ኢያ እትግዛእ ዝነበረት። ቱርኪ ንግብጺ ውክልና ሂባ ትገዝኣና ለዝነበረት ድማ፡   ኣብቲ እዋንቲ ንመንግስታዊ ዋኒን ዘገልግል ዝነበረ ቋንቋ ዓረብኛ እዩ። ዓረብኛ ኣብ ዓለም   ዝተፈልጠ ቋንቋ ብምንባሩ፡ ፖረቱጋላያን ይኹኑ ኢጣልያውያን ዓረብኛ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ   ኤርትራ ምርካቦም ንስራሖም ዘሳልጥ ዓቢ ብልጫ ኢዩ ነየሩ፤ ብዝተረፍ ቋንቋ ትግረ ክፈልጡ   ግድን ምነበረ። ካብዚ ተበጊስካ ግን፡ ዓርብኛ ህዝባዊ ቋንቋ እዩ ነይሩ ምባል ‘ክትበልዓ ዝደለኻ   ኣባጉምባሕስ፡ ዛግራ’ ጥራይ ኢዩ ዘስምዕ።

 - ኣብ ቁ. 2 ን 3 ን፡ ኩሉ ዝተማህረ ኣስላማይ ትምህርቱ ብቁርኣን ስልዚ’ውን ብዓረብኛ ከም   ዝጅምር፣ ሸሪዓ ብዓረብኛ ከም ዝካየድ፣ መሳጊድ ጸሎተ-ዓርቢ ብዓረብኛ ጥራይ ከም ዝህባን እዚ   ድማ ምርጫ ናይ ኩሎም ኣስላም ከም ዝነበረን፡ ብዛዕባ ዝብሉ ነጥብታት፣ ኣብ ኣል-ኣዝሃር   ዩኒቨርሲቲ ናይ ፋትዋ ሓላፊ ዝነበሩ ሸኽ ዓጥያ ሳቕር ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ   እስከ ንመልከት፦
 

“the translation of the Qur'an can never be considered as a Qur'an in itself, in its  rulings and sacredness. The reason for this is that translation is not the word of  Allah which was revealed to the Prophet (peace and blessings be upon him); but it  is human words offered to explain the Devine Revelation.” ( ትርጉም፦ ‘ብኻልእ ቋንቋ  ዝተተርጎመ ቁርኣን ንመንፈስን ሕግን ቁርኣን ኣይውክልን፣ ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ንነቢዪ  መሓመድ ዝተገልጸሉ ቃል እቲ ናይ ቁርኣን ቋንቋ ስለዝኾነ። እቲ ናይ ትርጉም ቋንቋ ነቲ  ሰማያዊ ክስተት ንምርዳእ ዝሕግዝ ናይ ሰብ ቋንቋ ኢዩ።’)

እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንትርጉም ዝእግድ ኣይኮነን፣ ቁርኣን ቃል በቓሉ ኪትረጎም ከምዘይከኣል፡ እቲ ዝበለጸ ድማ ኩሎም ኣስላም ዓረብኛ ከም ዝፈልጡ ምግባር ከም ዝኾነ ግን ይሕብር። ኮይኑ ድማ፣ ኣብ 884 ድ.ል.ክ. ቁርኣን ኣብ ፓኪስትን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ቋንቋታት ኣፍርቃ፡ እስያን ኣውሮጳን ከም ዝተተርጎመ ዝሕብሩ ጽሑፋት ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ድማ፡ ቁርኣን ናብ ያታውያን ቋንቋታት ኤርትራ ስለዘይተተርጎመ ብዓረብኛ ኪስበኽን ናይ ቁርኣን ትምህርቲ’ውን ብዓረብኛ ኪውሃብን ግድን ኮይኑ። ሸሪዓ እንተኾነ እውን፡ ኣብ ቁርኣን ዘሎ ሕጊ ከም ምዃኑ መጠን ብዓረብኛ ጥራይ ኢዩ ኪግለጽን ኪንበብን ዝከኣል።

ሓሲኻ ኣይቅያሕ፡ ኣብ እምኒ ደይብካ ኣይንዋሕ’ ተባሂሉ። ብዘይካ ብሄር ትግርኛ፡ ኩለን እተን ዝተረፋ ኣብ ክንዲ ቈቋንቋኤን ዓረብኛ ምስ ዝመርጻ፣ ምርጫኤን ስለዝኾነ ነኽብሮ። ብዝተረፈ፣ ንቋንቋ ዓረብኛ ብሃይማኖት ኣመኽኒኻ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣጻሊእካ፡ ቁርኣን ናብ ቋንቋታት ኤርትራ ንኸይትረጎም ኣስላም ወሲኖም ኢዮም ኢልካ ሓሲኻ ዝግበር መጎት ብቐንዱ ንውሳኔን ድልየትን ኣስላም ዝዕምጽጽ ስለዝኾን ጸረ ህዝቢ ኢዩ። ምስልምና ድማ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮን ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ሃይማኖት ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ኛይጀርያ፡ ኢንዶነዝያ፡ ቱረኪ  ወ.ዘ.ተ. ዝርከቡ ኣስላም በብቋንቋታቶም እምበር ብዓረብኛ ኣይኮነን ዝዛረቡ። ሓቀይ’ዶ?

- ኣብ ቁ. 7 ‘ማንም ሰብ ንካልኦት ኪውስነሎም ኣይክእልን ኢዩ’ ዝበሎ፡ ሓቂ ኢዩ፣ኩላትና ከኣ  ንሰማማዓሉ። ‘ተሓጓማይ ከሎስ፡ ተሓዝ ልቢ ይጠርጥ’ ከም ዝበሃል ግን፣ኣቶ ሳልሕ ድኣ’ሞ ኣብ  ክንዲ መን ኢዩ ዝጻረፍ ዘሎ? እንተድኣ ብዲሞክራሲ ዝኣምን ኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ንዝምልከቶም  ይሕደገሎም። ኣብ መወዳእታ፡ ዓረበታይ ኣይኮንኩን ኢሉ። ‘ኣዲኣ ገዲፋስ፡ ሓትኖኣ ትናፍቕ’  ከም ዝበሃል ግን፣ ኣቶ ሳልሕ ናይ ቋንቋ ዓረብ ተጣባቒ ኮይኑ ካብ ቀረበ፡ እቲ ፍራንዝ ፋኖን  “Black faces and white masks” (‘ጸሊም ገጾም፡ ጻዕዳ ማስኬራኦም’) ዝበሎ’ኸ ዘልቕለቕ’ዶ  ይብሎ?

መደምደምታ፦


እዚ ኹሉ ጸረፍን ምጉዕባዕን ግን ስምንታይ? ስለምንታይ’ከ እዚ ኹሉ ሓሶት? ዕላማኡ’ኸ ብሄረ ትግርኛ ድዩ? ኣይመስለንን።

ዕላማ ናይቲ ጽሑፍ፡ እተን በብቛንቃኤን ክዛረባን ክጽሕፋን ዝመረጻ፣ እተን ብዓረብኛ ዘይኮነ ብግእዝ ወይ ከኣ ብላቲን ዝጽሕፋ ዘለዋ ብሄራት ትግረ፡ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ሳሆ፡ ብሊን፡ ሕዳርብ፡ ናራ ምዃነን እኮ ብሩህ ኢዩ። እዘን ብሄራት እዚኣተን ንግዕረትን ሓሶትን ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ግብራዊ መልሲ ሂበናሉን፡ ብቐጻሊ’ውን ይህባሉ ኣለዋ። ኣቶ ሳልሕ ይኹን ካልእ መደናገሪ ብቐጥታ ‘ኣይፋልክንን፡ ዓረብኛ ኢዩ ዝሕሸክን’ ኢሉ ከደናግረንን፣ ‘ዓረብኛ ዝትንከፍ ኣይኮነን፡ ቀደም ተወሲኑ ኢዩ’ አሉ ከፋራርሀንን ክሳብ ዘይደፈረ ድማ፣ ስቕ ኢለን ባህልታተንን ቋንቋታተንን ከማዕብላ ምምራጸን ናይ ለባማት ምርጫ ኢዩ፤ ምኽንያቱ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ነገር ምእታው ንዓታተን ዘርብሕ ስለዘይኮነ።

ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ኣቶ ሳልሕ ንብሄረ ትገርኛ ዝወቅዕን ዘጥቅዕን ዘሎ? ንዓይ ከምዝመስለኒ፦

• እቲ ኣብ ሞንጎ ብሄረ-ትግርኛን እተን ዝተረፋ በሄራት ኤርትራን ዘሎ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ፍቱን መሳርሒ ስለዝኾነ፤ ነዚ መሳርሒ እዚ ብምጥቃም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትገምዖ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሞንጉኡ ቀጻሊ ምፍሕፋሕ ክትፈጥርን፣ በእኡ ኣቢልካ ድማ ንዓረብኛ ከም ወካሊ ካልኦት ብሄራት ከተቕርቦን፡ ንጻዕሪ ናይተን በብቛንቋኤን ዝዛረባን ዝጽሕፋን ዘለዋ ቋንቋታት ኤርትራ ድማ ከተፍሽልን ምፍታን፤

• ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ወኪል ብሄረ-ትግርኛ ቀቢእካ፡ ኣብ ልዕሊ ብሄረ-ትግርኛ ደረት ኣልቦ ጸለመ ምፍናው ስለዝከኣልን፣ በዚ ድማ ከም ተጣባቒ ናይተን ዝተረፋ ብሄራትና መሲልካ ንምቕራብ ምፍታን፤

• ኣብ ኤርትራ ናይ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ጾታ ፍልልይ ዘይብሉ ስርዓት ኪትከል ኣለዎ ዝብል ጭርሖ፡ ናይ ኩሉ መሰል ተሓልዩን ኩሉ ሰብ ድማ ነብሱ ኣትሒቱን ሕልፊ ካልኦት ከይደለየን ዝነብረሉ ኩነታት ንምፍጣር ዘገልግልን ዝድርኽን ብምዃኑ፣ ከም ኣቶ ሳልሕ ዝኣመሰሉ ትምክሕታውያን ዘይከስቡሉ ስለዝኾነ፤

• ብሓፈሻ ኸኣ፣ ኩሎም ‘ኣለና…ኣለና’ ዝብሉን፡ ናይ ህዝቢ መራሕትን ተጸዋዕትን ኮይኖም ክቐርቡ ዝደልዩን ሰባት፣ እንትርፎ ህዝቢ ብምንቛትን ምግምማዕን፡ ህዝቢ ብምትዕራቕን ሓድነቱ ብምትራርን ኪዓዪ ርኢና ስለዘይንፈልጥ። 

መውክስ፦

1. http://wiki.answers.com/Q/Why_can_the_Quran_not_be_translated#ixzz1TJM4UUjC. “Why can the Quran not be translated?”

2. Brenner, Luis and Murray Last. “The Role of Language in West African Islam”, In Journal of the International African Institute, Cambridge University Press, U.K., 1985.

3. Pool, David. From Guerrillas to Government: The Eritrean People’s Liberation Front. Athens, Ohio: Ohio University Press, 2001.

4. Bereketeab, Redie. Eritrea: The Making of a Nation, 189-1991. Uppsala: Uppsala University Press, 2000.

5. Habte-Selassie, Bereket. Eritrea and the United Nations. Trenton: Red Sea Press, 1989.

6. Yohannes, Okbazghi. Eritrea: A Pawn in World Politics. Gainesville, U.S.A.: NIVERSITY OF Florida Press, 1991.

7. Tafla, Bairu. “Eritrea in Perspective: An Excerpt from the Memoirs of Fitewrari Mikael Hasama Rakka.” Africa, 60:1 (2005): 1-64.

* ብሰፊሑ ከተንብቡ ንእትደልዩ፡ “Wonder Why?” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብ 30 ሰነ 2010 ኣብ አዝማሪኖ ንዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ተመለከቱ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...