Part I

ኤሪትራዊ ሰላምታይ ብምቅዳም ነተን  ኣብዘን ዝቀረባ እዋን ምስ ሰልፊ ህዝቢ ኤሪትራን ምስ ድምጺ ኣመሪካን  ዝገበርካዮ ናይ ረድዮ ቃል ምሕተታ ከምዝተኸታተልክዎ  እንዳገለጽኩ ብወገነይ ከም ኤሪትራዊ አብ ብዙሕ ነጥብታት  ምስቲ ንስኻ ዝሃብካዮ መግለጺ ከምዘይተሰማማዕኩን አብ ገለ ነጥብታት ድማ ከምዘይዓገብኩን አብ ገለ ድማ  ከምዝትሓጎስኩ እንዳገለጽኩ ነቲ ዘይተሰማማዕኩሉን ዘይዓገብክሉን ነጥብታት በብሓደ ከነጽሮ ነቲ ጌጋ መግለጺ ኢለ ዝአመንኩሉ ድማ ብመርቶዖታተ ኣሰንየ  ክዝርዝሮ ክፍትን እየ::

መስፍን ሓጎስ ምስ ኢሰያስ ዝነበሮ ርክባት ድሕሪ 2001 አይበተኸን  ንዝብል  ሕቶ ዝሃብካዮ መልሲ ብወገነይ ርክባት ይኹን ስምምዓት ምስ ኢሰያስ ይህልወካ እዩ ዝብል እምነት የብለይን::  ሓዲሩኒ እውን አይፈልጥን ግና አብቲ መልስኻ ገለ ተቃወምቲ ውድባት ከምቲ ናቶም ወይ ከምቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ጌረ ስለዘይተጻረፍኩ ምስ ኢሰያስ ዝነበረኒ ርኽባት ከምዘይበተኹ ጌሮም እዮም ዝቀጽርዎ ዝበላክዮ  ጌጋ መልሲ እዩ::   ብደረጃ ውድብ ወይ ብደረጃ ሰልፊ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ዝተዋህበ የለን::  ብአንጻሩ እካ ደአ ብዙሓት ኤሪትራውያን ውድባት ወይ ሰልፍታት ነቲ ንስኻ ትመርሖ ዝነበርካ ሰልፊ ካብታ እታ ሰልፊ ዝተመስረተትላ   ዕለተ መዓልቲ ናብቲ ደንበ ተቃወምቲ ንክትጽንበሩ ይሓቱን ይጽዉዑን ከምዝነበሩን ብወገን ሰልፍኹም ግና ነቲ ጻውዒት ብተደጋጋሚ ይንጸግ ከምዝነበረ እዩ ዝፍለጥ:: ምኽንያት መንጸጊኹም ብዝያዳ ንስኻ ስለትፈልጦ  እቲ መልሲ ናባኻ ይገድፎ:: 

ልኽዕ ዘይከሓድ  እዩ ብዙሓት ኤሪትራውያን ዜጋታት መስፍን ሓጎስ ናይ ህግደፍ ልኡኽ እዩ: ንናይ ተቃውሞ ደንበ ንምጉዕጻጽ ዝተላዕለ ወይ ዝተላእከ እዩ እንዳበሉ ይዛረቡ እዮም::  ነዚ ግና ምስ ገለ ሰልፍታት ወይ ውድባት ካብኡ ሓሊፍካ ውን እቶም በሃልቲ ካበየናይ አውራጃ ዝመጹ እዮም ኢልካ  ከይሓተትካ   ነቲ ኤሪትራውያን ብደረጃ  ውልቀ  ዘቅርብዎ ክስታት ዓቢ ግሚት ሂብካ መበገሲኡ እንታይ ክኸውን እኽእል ኢልካ ብአወንታ እንተዝግምገም መልሲ ናይቲ ክስታት ክርክርብን ክነጽርን ምተኻእለ::   ናይ 10 ዓመት  ጉዕዞኻ እንተተዓዚብና መስፍን ሓጎስ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ ናብ ምባልን ካብኡ ሓሊፍካ እውን ናብ ዝተፈላለየ  ምጥርጣራት ከእትዉ ዝኽእሉ ብዙሕ ሕቶታት መልሲ ምተረክበሎምሞ ካብ ዘየድሊ ምጥርጣራት ምተዳሕነ::

ኩሉ ከምዝፈልጦ ዲፒ ብዝብል ስም ሓዲሽ ሰልፊ ምስ ተመስረተ አዝዩ ብዙሕ አባል ህዝባዊ ግንባር : ውድባት  ህዝባዊ ግንባር : ተደናገጽቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ  ብታሑጋስን ብሙሉእ ልብን ሲዒቡኩም ኔሩ እዮ::  ነዊሕ ከይተኸደ ግና መስረቲ ናይቲ ሰልፊ ዝነበሩ ነቲ ሰልፊ ራሕሪሖሞ ናብ ካልእ ዕማምኦም አዘንቢሎም::  ድሕሪ  ናይቲ  ሰልፊ ጉባኤ  ድማ አድሓኖም ዝርከቦም ብዙሓት አባላት ናይቲ ሰልፊ ነቲ ሰልፊ ንኽገድፍዎን ካልእ አማራጺ ሰልፊ ንክምስርቱ  ተገዲዶም እዮም::  ቀጺሉ እውን ዶር አሰፋው ዝርከቦም ብዙሓት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነቲ ሰልፊ ክገድፍዎን ከለዉ ገለ ድማ ብዝመስሎም ተጠርኒፎም ይጙዓዙ አለዉ:: 
ኣብ መጨረሽታ 2009 ድማ እቲ ንስኻ ትመርሖ ዝነበርካ ሰልፊ  ትሕቲ 12  አባላት ጥራሕ ሒዙ  ናብቲ ሓዲሽ ሰልፊ  ተጸንቢሩ:: እቲ ምርሕራሕ አብዝውን አየብቀዔን ካብቶም ናብቲ ሓዲሽ ሰልፊ ምሳኻ ዝተጎዓዙ ኣባላት ማእከላይ እቲ ሰልፊ ዝርከብዎም  ብዙሓት አብ 2010 ነቲ ሰልፊ  ራሕሪሖሞ ከይዶም እዮም::


ስለዚ  ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ  ኣብቲ ረድዮ ከምዝበልካዮ ባዕላቶም እቶም ነቲ ሰልፊ ዝሓደግዎ አባላት እዮም ምኽንያት መግደፊኦም መልሲ ክህብሉ ዝኽእሉን እቲ ዝሓሸ እውን አብቲ ሰልፊ ኾይኖም ቅድሚ ነቲ ሰልፊ ምግዳፎም እቲ ሽግር ክዛረብሉ ምተመርጸ ዝበልካዮ  ቁኑዕ መልሲ እካ እንተኾነ ናትካ ግደ (ከም አቦወንበር ሰልፊ) ግና እንታይ ኽከውን ከምዝነበሮ አይተንኸኻን::  ኩሉ ከምዝፈልጦን ከምዝምስክሮን ልዕሊ 98%  ዝኾኑ አባላት ነቲ ሰልፊ ብተናጸልን ብጉጅለን ኽገድፍዎ ከለዉ  ከም አቦወንበር ሰልፊ ዝወሰድካዮ ስጉምቲ ኣይነበረን:: 
ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ናባኻ ዝግደፍ እካ እንተኾነ እቶም ምስኻ አብቲ ሰልፊ ሓቢሮም ዝጎዓዙ ዝነበሩ ካብቲ ንስኻ ትመርሖ ዝነበርካ ሰልፊ ወጺኦም አብ ካልእ ሰልፍታት ተሓዊሶም ወይ ተጸንቢሮም ቃልሶም ይቅጽሉ ስለዘለዉ  ደኺሞም ወይ ተስፋ ቆሪጾም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል  መደምደምታ የብለይን:::

ካብ ኩሉ ዘተሓሳስበኒ  ድሕሪ ናይ ጀርመን ጉባኤ ብዙሓት አባላት አብቲ ጉባኤ ንዝተላዕሉ አርእስታት ጽብጻብ ምስ ሰምዑ ብዙሓት ከምዝሰንበዱን ከምዝጎሃዩን ዝዝከር ኮይኑ ከም ናይ ሰልፊ  አቦወንበር እቶም አባላት ኽንዛረብ ንዓ ምጻና ንዝበሉኻ  ብፍላይ ንናይ ሎንዶንን ዋስሺንግቶን ዲሲ  ዝነበሩ  አባላት ሰልፊ  ዝሃብካዮም መልሲ ኦዕጋቢ ይነበረን:: አብቲ ህዝቢ ንምጥርናፍ  ህዝቢ ንምእካብ  ዝግበረሉ ዝነበረ ውዕውዕ እዋን አባላት ሰልፊ ከተማ ለንደን ይኹን ዋሺንግቶን  ንዝገበሩልካ ተዳጋጋሚ ጻውዒት ምንጻግ  ቁቡል ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ጻዊዕታቶም አኽቢርካ ከተዘሓሕሎ ዘይምፍታንኻ ብዓይኒ ፖለቲካ "  ፖለቲካዊ ነብሰ ቅትለት "  ኢኻ ጌርካ ክብል እውን እደፍር::

ነቲ ሽግር ብእዋኑ ንኽትፈትሖ ብዘይምፍታንካ ብዙሓት ኤሪትራውያን ነቲ ስቕታኻ ከም ልኡኽ ናይ ኢሰያስ ነቲ ሰልፊ ንምህቃን ከምዝተበገስካ ጌሮም ክወስድዎ ድማ ባህርያዊ እዩ ኔሩ:: ምኽንያቱ በቲ ዝወሰድካዮ ስጉምቲ ብጀካ ህግደፍን ኢሰያስን  ካልእ ዝረብሕ ከምዘይነበረ ኩሉ ስለዝፈልጦ::  በዚውን ኣይተሓጽረን:: 

ካብ ኩሉ ዘሕዝን   ናይቲ ሰልፊ ኣፈኛ ረዘነ ተስፋፄን ነቲ ሰልፊ ብምውካል ነቲ አብቲ ውሽጢ ሰልፊ ዝተላዕለ ዘይምርድዳእ  አብ ኽንዲ ፍታሕ ንምንዳይ ሃሰውሰው ዝብል ነቲ አብቲ ውሽጢ ሰልፊ ዝተላዕሉ ተቃውሞታት ዘይመልኽዑን ዘይባህርያቱን ብምትሓዝ  ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሜላታት ብምጥቃም ነቲ ጸገም ናይ አውራጃ ወይ አውራጃዊ ምትእኽኻብ እንዳበለ ካብ ሓደ ተቃዋሚ ዘይትጽበዮ  ህግደፋዊ ዘመተ አብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ሰልፊ   ለይትን መዓልትን ኣዕናዊ ዘመተ   ከምዘካየደን ንነዊሕ እዋን ከምዝሰረሓሉን ሕጅውን አብ 2011 ይሰርሓሉ ምህላዉ  ባዕልኻ መስፍን ሓጎስ  ኣጸቢቕኻ ትፈልጦ  ኢኻ::  ነዚ ጽዩቅ እከይ ተግባራት ናይ ረዘነ ተስፋፄን ግና መስፍና ሓጎስ  ዓገብ ነውሪ ክትብል አይተሰማዕካን አይደለኻን:: ስለዚ በዓል ረዘነ ተስፋጼን አብ ውሽጢ ሰልፊ ኾይኖም ብሽም እቲ ሰልፊ ኣውራጃዊ ምፍልላያትን ጎስጋሳትን እንዳካየዱ  ትም ካብ መረጽኻ እቶም አብቲ ውሽጢ ሰልፊ ዝነበሩ ህዝቢ ንምጥርናፍ  ዝቃለሱ ዝነበሩ ሓይልታት ከመይ ጌሮም እዮም አብቲ ሰልፊ ክጸኑን ደው ክብሉን  ዝኽእሉን?

ናብታ  ራድዮ ቃለ ምልልስ ክምለስ

ብዛዕባ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝምልከት ርእይቶኻ ሰሚዕና::  ብወገነይ ክብሎ ዝደሊ ግና ዝኾነ ኤሪትራዊ ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት እንተ ብሰላማዊ እንተ ብጸሎት እንተ ብሓይሊ ክምክቶ ወይ ክሃርሞ ንዝበለኒ መልሰይ መርሓባ: ግና ብቃል ጥራሕ ዘይኮነ  ነቲ ትአምነሉ  እንተኾነ እውን ንምትግባሩ ከምዝተበገስካ ብተግባር ከተርኢ ክትክእል ኣለኻ:: 

ብዝተሓተ ደረጃ  ኤሪትራዊ ፋሕፋሕ ከይብል ንክትጥርንፍ ምጽዓርን  ከቢድ መስዋእቲ ንምኽፋል ቁሩብ ክትከውን ይግባእ::  ዝያዳ ኹሉ ድማ  ከም ፖለቲከኛን መራሒ ሰልፍን ናብ ህዝቢ ክትቀርብን ንጸገም ኤሪትራዊ ክትሰምዕን አብቲ ጸገሙ ክትካፈል ክትክእል አለኻ::  ስልፍኹም ግና ካብ መጀመርያ ሰብ ንምእካብ አይኮነንን ነቶም ባዕላቶም ናብ ሰልፍኹም  ዝመጽኹም ከማን ክትሓቅፍዎም አይከአልኩምን:: ነቲ  ባህርያዊ ዝኾነ ናይ ደቂሰባት ናይ ሓስብ ወይ ናይ ርእይቶ ፍልልያት እንተኾነ እውን ብጉቡእ ክትአልይዎ ብቅዓት አየርአኽምን::  ሎሚ እውን  ንሃገራዊ ዋዕላ በቲ ንስኻትኩም ትደልይዎ መንገዲ ስለዘይከደ ቀንዲ ተቃወምቲ ሃገራዊ ዋዕላ  ኾይንኩም ትረአዩን ንምፍሻሉ ትቃለሱ አለኹም::

 ብዓይኒ ሓቂ ግና ሰልፍኹም ኣብ ሰላማዊ ኣገባብ  አብ ዲሞኽራስን አብ ድልየት ህዝቢ ኤሪትራ ይአምን እንተኾይኑ ሰልፍኹም  ንሃገራዊ ዋዕላ ይደግፎ አይደግፎ  ብዘየገድስ እቲ ዋዕላ  ብተበግሶ ዝተፈላለዩ ኤሪትራውያን ውድባት ማሕበራት ተጋደልቲ ዝተወደበ ኤሪትራዊ ዋዕላ  ሙኻኑ አሚኑ ንሕና (ሰልፍኹም)  አብቲ ዋዕላ የለናን እቲ ንስኻትኩም ተዳልውዎ  ዘለኹም ዋዕላ ግና  ብኤሪትራዊ ዝኻየድ ኤሪትራዊ ዋዕላ ስጋዕ ዝኾነ እዋን ዋላ ንዕና ደስ አይበለና ኤሪትራዊ ተአኺቡ አብ ጉዳይ ጸገሙ ክዝትይ አብዝብገሰሉ እዋን ሰልፍና ንምዕዋቱ መስዋእቲ ከይተረፈ ንምኽፋል ቁሩብ እዩ ክትብሉ ይግበአኩም ኔሩ:: ትሓስብዎ እውን አይመስለንን!!!
ስለዚ ኣበይ አሎ እቲ ብሰላማዊ ኣገባብ መሪጽና ዝበሃል አዘራርባ?

ንሕና ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ንስርዓት ኢሰያስ ንምግጣም ብሰላማዊ ኣገባብ መሪጽና  ስለዝበልና ካብ ብዙሓት ተቃወምቲ ዘይሽምና ተዋሂብና .. . . . . . . .  ክትብል ገሊጽካ: : ሎሚ ድማ እቶም ዝበዝሑ  ተቃወምቲ  ናብቲ ንሕና ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝበልናዮ ክምለሱ ንርእዮም አለና ኢልካ::  ንሃገራዊ ዋዕላ ሙኻንካ ርጉጽ እካ እንተኾነ እቶም ተቃወምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸርፉኻ ዝነበሩ ሎሚ ነቲ ንስኻ ዝበልካዮ ደጊፎም ናብቲ ናትካ ሓሳባት እንተመጹ ንስኻ ይኹን ሰልፍኻ ካብአቶም ዘርሕቅ ወይ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘገልል እንታይ ምኽንያት አለኩም? ካብቲ ዘገርም ግና ድሕሪ ናይ ጀርመን ጉባኤኹም ብቀዳምነት ነቲ ሰላማዊ ኣገባብ ይኹን ምስ ህግደፍ እውን ክንዝትይ  ንክእል ኢና ዝብል አረአእያ ናብ ህዝቢ ዘቅረበ ዶር  አሰፋው ተኸስተ ምንባሩ ትዝኽሮ ኢኻ::: 

ብአንጻሩ ድማ  ኩልና  ከምንዝኽሮ  ንስኻን (መስፍን ሓጎስ)  ዶር  አሰፋው ተኸስተ ምስተፈላለኹም (ምስተባኣስኩም)ቅድሚ ክልተ ዓመት  ናይ ሰልፊኹም ኣፈኛ ረዘነ ተስፋፄን  ብረድዮ ንህዝቢ ብዛዕባ ዶር  አሰፋው ተኸስተ  ዝተዛረቦ ምስዚ ሕጂ ንስኻ ዝበልካዮ አይቃዶን:: ዶር  አሰፋው ተኸስተ  ሰላማዊ ኣገባብ ዋላ ምስ ህግደፍ እውን ክንዝቲ ቑሩባት ኢና ስለዝበለ ምስተባአስኩም ግና እቲ ኣፈኛ ረዘነ ተስፋፄን  ከይሓፈረ አብ ረድዮ ቀሪቡ ንዶር  አሰፋው ተኸስተ  ሰላማዊ ኣገባብ ስለዝበለ ጥራሕ  ክወቕሶን ከነአእሶን ተሰሚዑ እዩ::   ንረዘነ ግና ትጋገ አለኻ ሰላማዊ ኣገባብ ዕላማ ናይ ሰልፍና እዩ ዝበሎ አይነበረን::

የቀንየለይ

ይቅጽል

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...