ሰላም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለኹም ኤርትራውያን ሕሰም ኣይትርከቡ

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣብ ስደት ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ዘለና ኤርትራውያን ብሓፈሻ ብጉጅለ ህግደፍ ሓድነትና ንምብታን ቀጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ሽርሕታትን እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘርእዮ ዘሎ ስንፍናን ስቕታን፡ በቲ ካልእ ድማ ኣብ መንጎ ኣስላም ኤርትራውያን ብፍላይ ዘሎ ዱሑርን ጎታትን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ብብሄርን ብቀቢላን ምብትታን፡ ኮምኡ ውን ኣብ ባህልታቱን ልምድታቱን እምነቱን ህላወኡን ዝርኣ ዘሎ ፍሽለትን ብሕጽር ዝበለ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪበ ኔረ፡፡

ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ውን ናብ ኣስላም ኤርትራ ዝቐንዐ ጥራይ ኢዩ ክኸውን

ዝጽሕፎም ጽሑፋት ካብ ቅርሕንትን ሕነ ምፍዳይን ዝብገሱ ከምዘይኮኑ ክሕብር ይፈቱ ኣብ ኣኼባን ብውልቅን ንኽእርም 10 ዓሰርተ ዓመታት ፈቲነ ላሕ ስለ ዝበልኩ ከምቶም ካልኦት ኣሕዋት ደለይቲ ጽቡቕ ላሕ ዝበሉ ስለዚ ኣብ ቃልዕ ወጺኤ ንህዝበይ ክሕብር ተገዲደ፡፡ ዝቕጽል ጽሑፈይ ወቐሳ ን ጀበርቲ ብሙዃኑ ከም ብኻልእ ብሄር ኣንጻር ጀበርቲ ዝቐንዕ ዘሎ ዘመተ ከይመስል ኣነ ንባዕለይ ሓማሴናይ ጀበርቲ ኢየ ሓቀኛ ሽመይን ስእለይን ድማ ኢየ ዝጥቀም ሰናይ ንባብ፡፡

ኣብዛ ዓለም ቡዙሕ ዓይነት ምንባር ኣሎ ወላ እቲ መዕቆቢ ገዛ ዘይብሉ ኣብ ጽርግያ ዝድቅስ ይነብር ኣለኹ ኢዩ ዝብል: ኮምኡ ውን እቲ ዝበዝሐ መሰሉ ተመንዚዑ ኣብ ማሕዩር ቤት ማእሰርቲ ዝነብር ይነብር ኣለኹ ኢዩ ዝብል: ንሕና ኤርትራውያን ውን ብደምና ዘምጻእናያ ሃገር ብጉጅለ ኩሉ መሰላትና ተመንዚዕና ንነብር ኣለና ንብል ኣለና፡፡

ኣብ ዓለምና ማዕርነት ወዲ ሰብ ንኽረጋገጽ ንይምሰል ዝህውቱቱን ዝምዱሩን ገበነኛታት መለኽቲ እኳ እንተ’ለው ናይ ባሓቂ ማዕርነት ወዲሰብ ንኽረጋገጽ ቡሙሉእ ድልየቶምን ዓቕሞምን ዝቃለሱን ሂወቶም ዝኸፍሉን ግን ኣለው፡፡  ናይ’ዚ ኣብነት ኣብ ቡዙሓት ሃገራት ዓለምና እንኮላይ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ሃገረ ካናዳ ካብ ኣፍሪቃ 10,000 ኪሎ ሜተር ተጓዒዝና ዝኣተናያ ሃገር ብዘይ ኣድልዎ መሰልና ተኸቢሩ ሓሳብና ብናጻ ንገልጽ ንመርጽ ንምረጽ ንጽሕፍ ንማሃር ንምህር ንሰርሕ ነስርሕ ኣብ ዝደለናዮ እምነት ነምልኽ ገበን ተፈጺምና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንቐርብ ተተበዲልና በዳሊና ናብ ሕጊ ይቐርብ፡  እዚ ክኸውን ዝኻኣለ ድማ ካናዳ ብቑዋምን ብልዕልና ሕጊን ስለ ትማሓደር ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ስለዝኽነ ኢዩ፡፡

ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ኰንና ነዚ ኩሉ ፍረ ደሞክራስን ቁዋምን እንዳ ዓጸድናዮ ኮለና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ቁዋምን ደሞክራስን ልዕልና ሕግን ንኽረጋገጽ ዘይምቅላስና ምኽንያት የለን፡ እቲ ምኽንያት ነብሰ ፍትወት ስንፍና ጉቡእካ ምዝንጋዕ ሕልናኻ ምዕራብ ብናይ ካልኦት ዋጋ ተሞኽሊኻ ጸኒሕካ ተጠቃሚ ንሙኻን በለጽ ኢዩ፡፡ ንሕና ኣስላም ኤርትራ መሰልናን እምነትናን ተጋሂሱ ብምባል ኣምሪርና ኢና ነቲ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝድህኽ ዘሎ ጉጅለ ንወቅስ ግናኸ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ኣስላም ገለ ብብረት ኣብ ኣጻድፍን በረኻን ገለ ድማ ኣብ ስደት ብጋህዲ ብዓውታ ዝምክቱ ተዘይ ኮይኖም እቲ ዝበዝሐ ኣስላማይ ኤርትራ ብተግባር ኣብ ኩሉ የለናን፡፡

ከምቲ ኣይትንፍዑ እምበር ኣይትብዝሑስ መርገም ኣይኮነን ዝባሃል ምስላ፡ ወላ ሽሕ እንተበዛሕና ተዘይ ተጠርኒፍና ተዘይ ተቐራሪብና ተዘይ ታሓባቢርና ተዘይ ዘቲና ተዘይ ተቓሊስና ዋጋ ተዘይ ከፊልና ኣብ ኤርትራ መሰልን ማዕርነትን ኣይክህሉን ኢዩ፡፡ እወ መሰልን ማዕርነትን ብቕልጽምን ብቓልስን ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ካልእ መንገዲ የለን ፈቲና ጸሊእና፡ እቲ ካልእ ኣማራጺ ግና ከምዛ ዘለናያ ሰጥ ለበጥ ኢልካ እንዳ ተማሳሰልካ እንዳ ተዳሃኽካ እንዳ ተዓመጽካ እንዳ ሰገድካ ጎይታን ጊልያን ኮንካ ምንባር ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ጽባሕ እንተስ ከምታ ኢዱ ብጥይት እንተስ ብሕማም ከልግስ ኢዩ ሽዑ ውን ከም ህያብ ዝዕደል መሰልን ማዕርነትን ኣይክህሉን ኢዩ መሰልን ማዕርነትን ብተሳታፍነትን ብቓልስ ኢዩ ክረጋገጽ፡፡

ኣብዚ ከብረሆ ዝደሊ ኣስላማይ ኤርትራ ኣይቃለስን ኣሎ ክብል ኮለኹ ደጋፍ ህግደፍ ኢዩ ማለተይ ኣይኮነን፡ ብዘይካ እቶም ውሑዳት ሕሱራት ሓሰውትን ወሽላኻትን ተመሳሰልትን ዕሩባት ሕልናን መውደኽደኽትን ፍሱሳት ሓሞትን ተበለጽትን መባጻጻሕትን ገዲፍካ እቲ ኣዝዩ ዝበዝሐ ናይ ጸግዕኻ ሒዝካ ትም መሪጹ ይርከብ፡ እዚ ድማ ክንጸግ ዝግበኦ ናይ በለጽ ውሳኔ ኢዩ፡፡ ብኣንጻሩ ክተባባዕን ኣብነት ክኸውን ዝግቦኦ ምንቅስቓስ ኣሕዋትና ሳሆ ብብረት ምንቅስቓስ ኣሕዋትና ዓፋር ብብረት ምንቅስቓስ ኣሕዋትና ኩናማ ብብረት ምንቅስቓስ ኣሕዋትና ቢኒ ዓምር ብብረት ጅግንነት ይፍጹሙ ኣለው በብዓቕሞም ግና ኸ ሕቖ የድልዮም ኣሎ ሕቖ ክኸውን ዝግቦኦ’ኸ መን’ዩ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኢዩ፡ እሞ ኣብ ስደት ዘሎ ኸ ሕቖ ይኾኖም ኣሎዶ ንዝብል ሕቶ ውሑዳት ገዲፍካ ሕቖ ይኾኖም የለን ነዚ’የ ህዝቢ ነብሱ ፈቲሹ ካብ ናይ በለጽ ድቃስ ተባራቢሩ ዓዓቕሙ ብገንዘብ ብንዋት ብሞራል ክብጆ ኣለዎ ዝብል ዘለኹ፡፡

ኣብዚ ክንርዶኦ ዘለና ሓንትስ ኣንጻር ህግደፍ ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ይኹን እምበር ህዝቢ እንተ ብቢሄር እንተ ብቐቢላ እንተ ብስድራ እንተስ ብውልቂ ተጠርኒፉ ምቅላስ ቁቡል ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ከም ንሓደ ሓደገኛ ሕማቕ ሕማም ንህግደፍ ብዝተፈላለየ መድሃኒታት ጌርካ ከም ምጥፋእ ክምሰል ይካኣል፡፡
 

ማሕበርና ካብ ዝኾነ ፖለቲካ ነጻ ኢዩ

ኣብ 1997 ንመጀመርያ ጊዝየ ኣብ ካናዳ ሓደ ጀበርቲ ናይ ጀበርቲ ማሕበር ኣሎ ይብለኒ ኣነ ድማ ንምንታይ ዝቖመ ማሕበር ይብሎ’ሞ ንመሰል ጀበርቲ ዝጣበቕ ይብለኒ ጽቡቕ ይብሎ ንፒክኒክ ድማ ይዕድመኒ ድሕሪ ሰሙን ናብቲ ፒክኒክ ባሓደ ሳልሰይትና ሰበይቱ ንኸይድ፡ ኣብቲ ፒክኒክ ሓደ ሓደ ብማዕዶ ዝፈልጦም ተዘይኮይኖም መብዛሕተኦም ሪኤዮም ዘይፈልጥ ሰባት ተዓዘብኩ ኣብኡ እንዳተዛናጋዕና ባዓል እከለ ብጌጋ ናብቲ ናይ ኣስላም ከይዶም ገለታት ክብሉ ይሰምዕ ነገሩ ገሪሙኒ ክንደይ ፒክኒክ ድዩ ዘሎ ብምባል ንሓደ ይሓቶ ይብለኒ እዚ ናይ ጀበርቲ ኢዩ ካልእ ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ናይ ኣስላም ኣሎ ይብለኒ፡፡ ኣነ ድማ ንምንታይ ኣብ ነንበይኑ ማዓልቲ ዘይገበርኩሞ እንተበልኩዎ ኮምኡ ኢዩ ክኸውን ዝግቦኦ ግና ህልኻት ኣሎ በቶም ዝመርሕዎ ዘለው ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ኢዩ ይብለኒ ከምዚ ኸ ኣሎ ዲዩ ካብ ምባል ሓሊፈ ዝገበርኩዎ ነገር ኣይነበረን፡፡

ብድሕሪኡ ንኽልተ ዓመታት ኣይጣዓመንን ኣይታሓወስኩን፡ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ንኽምርዓው ናብ ኤርትራ ብምኻድ ን 7 ሸውዓተ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ይጸንሕ ኣብ ቡዙሕ ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና ብምዛር ቡዙሕ ታዓዚበን ፈሊጠን፡፡ እቲ ዝተዓዘብኩዎ ራዕዲ ኣብ ህዝቢ ኣትዩ መንግስቲ ካብ ልቢ ህዝቢ ወጺኡ ተጸሊኡ እምነትን ባህልን ተደፊሩ ንቡር ዘይፈተና ኣዋልድ ብመራሕቲ ህግደፍ ተዓሚጸን ኣቦ ዘይብሎም ቆልዑ ኣብ ፈቐዶ ካንሸሎ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ፡፡ ዕድመ ብዘይፈሊ ዘይሕጋዊ ንሃገራውያን ብሃገራዊ ድሕነት በባትር ኣካላቶም ክሰባበር ክግፈፍ ክዳጎን ክሕየር ታዓዚበ ጥራይ ዘይኮነ ኣነ ውን ከምህዝበይ ግዳይ ነበርኩ፡፡

ካብ ኣስመራ ተገፊፈ ኣብ ሰረጀቓ ን ክልተ ሰሙን ተዳጒነ ብቑርን ብ ሕማቕ ማይን ጥምየትን ዘይነበረኒ ብባክተርያ ተለኺፈ bacterial infection ሕማም ሓሚመ ቡቑዕ መድሃኒት ኣብ ሙሉእ ኣስመራ ደልየ ቀቢጸ ናይ መርዓይ መደባት ተጎናዲቡ ጥዕናይ ተሰናኺሉ ብሕሙመይ ተመርዒየ ብሕሙመይ ድማ ናብ ካናዳ ተመሊሰ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ካናዳ ተሓኪመ ሓውየ፡፡

ኣብ ሰረጀቓ ልዕሊ 9000 ትሽዓተ ሽሕ ዝተገፈፈ ህዝቢ ኔሩ ኣብ ሓንቲ መዳጎኒት መኽዘን ጥራይ ኣብ ሞንጎና ኣብ መርዖኦም ማዓልቲ ዝተገፈፉ መርዓውትን ልዕሊ ሰብዓ ዝኾኑ ዓራጉድ ደርሁን ከይተረፉ ኣብ ንመኽዘን ኢሉ ዝተሰርሐ ሓሓደ ሽሕ ሰባት ክሕዝ ዝኽእል መዳጎኒ ተዳጒና ነበርና፡፡ ካብ ሞንጎና ኣብ ራብዓይ ማዓልቲ ብሰንኪ ቁርን ጥምየትን ሕማቕ ማይን ስእነት መድሃኒትን ክልተ ሰባት ሙሉእ ለይቲ ከእውዩ ድሕሪ ምሕዳር ዓፍራ ብኣፎም እንዳወጸ በቶም ሓለውቲ ኣብቲ ጸልማት ሱቕ በሉ ከይትድርዑ ክባሃሉ ሓዲሮም  ኑግሆ ነቒጾም ሞይቶም ተረኺቦም፡፡

ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስ ነብሰይ መኺረ እሮማይ ሃገር ተረሚሳ ኢያ እዚ ጉጅለ እዚ ነበረ ከይኮነ ናብ ኤርትራ ከምዘይምለስ ብዘለኒ ዓቕሚ ኣንጻር ምልኪ ክቃለስ ሙዃነይ ምስ ነብሰይ ተረዳዲኤ ናብ ካናዳ ተመሊሰ፡፡ ሽዑ ናብ ሓንጎለይ ዝመጸ ሓሳብ ነቶም  ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተላለኹዎም ንመሰል ጀበርቲ ንጣበቕ ማሕበር ኢና ዝበሉኒ ደልየ ብምርካብ ወዲ ማሕበር ክኸውን ከምዝደለኹ ሓቢረዮም ተመዝጊበ፡ ሽዑ ምሸት ኣስማትናን ዓድናን ተላሊና ኣኼባ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ከምዝኾነ ንእከበሉ ድማ ኣብ ገዛ ነብሲ ወከፍ ኣባል ከምዝኾነ ተገሊጹልና $5 ዝኽፈል ናይ ማሕበር ከፊልና ተዛናጊዕና ተፋላሊና፡፡

ኣብቲ ጊዜ’ቲ ሉዑል ሞራልን ሓበንን ተሰሚዑኒ ነበረ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ ኣኼባና ግና ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ኮይኑ ነቶም ሓደስቲ ውሽጣዊ ሕጊታት ናይ ማሕበር ከነንብበልኩም ተባሂልና ተነበበልና ድማ፡ መጀመርታ ወዲ’ዚ ማሕበር ዝኸውን በቡኡ ወይ ክልቲኦም ወለዱ ጀበርቲ ምስዝኾኑ ጥራይ ኢዩ ተባሃልና  ዳሓን በልኩ ብውሽጠይ ካልእ ዝርዝራት ቀጸለ ስዒቡ ማሕበርና ካብዝኾነ ፖለቲካ ነጻ ኢዩ ማሕበርና ኣንጻር ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣይኮነን ደገመሉ ወይለከ በልኩ ብውሽጠይ ነገሩ ደንጸወኒ ሓተትኩ ድማ ከመይ ማለትካ’ዩ ካብ ፖለቲካ ነጻ’ዩ ክትብል ኮለኻ በልኩዎ መልሱ ከምዚ ነበረ እወ ንሕና ንዝኾነ ኣይንድግፍ ንዝኾነ ኣይንቃወም በለኒ ንጽርቲ መልሲ፡፡

ካብቲ ዘገረመኒ እዚ ሰብ እዚ ሓደ ካብቶም ናብ መንግስቲ ካናዳ ንሕና ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዓሰርተ ብሄራት ኤርትራ ጀበርቲ ንባሃል ክንስና ብመንግስቲ ኤርትራ መንነትና ተነጺጉ በቲ መንግስቲ ንቕተልን ንሕረድን ስለዘለና ደቂ ጀበርቲ በቲ ዝወርዶም ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ግፍዒ ካብ ሃገሮም ተባሪሮም ኣብ መላእ ዓለም ዕቑባ ይሓቱ ስለ ዘለው ነቶም ናብ ካናዳ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝኣትው ጉዳዮም ብፉሉይ ተራእዩ ኣብ ካናዳ ዑቕባ ክዋሃቦም ጀበርቲ ሙዃኖም ኣረጋጊጽና መንነት ክንህብ ድማ መንግስቲ ካናዳ ፍቓድ ክህበና ብምባል ጥርዓን ካብ ዘቕረቡ ሓደ ኢዩ፡፡

ነቲ ዘቕረቡዎ ሕቶ መንግስቲ ካናዳ ኣፍቂዱ ኢዩ ስለዚ ዝኾነ ጀበርቲ ኣብ ካናዳ ኣትዩ ዑቕባ ምስዝሓትት ጀበርቲ ሙዃንካ ጭብጢ ኣምጽእ ይባሃል እሞ ናብቲ ማሕበር ብምኻድ ጀበርቲ ሙዃኑ ተጻሪዩ መንነት ይዋሃቦ ማለት ኢዩ፡፡ ኣነ ኣንጻር እዚ ዕውት ተግባር ካብ ካናዳ ፍቓድ ምርካብ ኣይኮንኩን ምኽንያቱ ክንደይ እታ ናይ ጀበርቲ ወረቐት መንነት ሓገዝ ኮይናቶም ኣብ ካናዳ ክነብሩ ዕድል ረኺቦም ዜግነት ናይ ካናዳ ኣብ ምውሳድ ስለ ዝበቕዑ ነቶም ነዚ ፍቓድ ንምርካብ ኮለል ዝበሉ ዝጻዓሩ ሉዑል ክብረትን ምስጋናን ኣለኒ፡፡

ኣነ ነቲ ብትሪ ዝቃወሞ ግን ነቲ ኣብ ህዝብና ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ እንዳተፈጸመ ዝያዳ ድማ ን ጀበርቲ ጥራይ ዕላማ ዝገበረ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ገበናት ዕሽሽ ብምባል ማሕበርና ካብ ፖለቲካ ነጻ’ዩ ምባል ምስምንታይ ይቑጸር፡፡ ብዘይ ምግናን ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ድሕሪ ጆሆቫ ዊትነስን ምርሻን ስንኩላት ማይ ሓባርን ኣብ መወዳእታ 1994 ጀበርቲ’ዩ ግዳይ ዝኾነ ልዕሊ 250 ዝኾኑ ደቁ ብጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ 24 ሳዓታት ተለቒሞም ዝተረሸኑ፡፡ እቲ ተወሳኺ ተጻባኦ ድማ ነቲ ባዓል ጉጅለ ኢሳይያስ ዓይኖም ደም ዝመልኦም ጀበርቲ ንዘበናት ዘማዕበሉዎ ክእለት ንግድን ማሃዝነትን ኢደጥበብን ነበረያ ነበረ ንምግባር ንመዋእል ብጀበርቲ ዝውነን ዝነበረ ቤት ዕዮን ዱኳናትን ሎሚ ኢሳይያሳውያን ኮነ ኢሎም ክኸፍሎ ዘይክእል ግብሪ እንዳ ጻዓኑ ተዘይከፊልኩም ሽጥዎ ብምባል ብኢድ ኣዙር ብሓራጅ ከምዝሽየጥ ብምግባር ተመሊሱ ብ ህግደፋውያን ከምዝውነን ይግበር ኣሎ፡፡ ነቶም ኣስመራ ትኸዱ ኣብ ሹቕ እሞ ኮነ ኢልኩም ዘወር ኢልኩም ተዓዘቡ ንወለዶታት ኣብ ኢድ ጀበርቲ ዝነበረ ቤት ንግድታት ሎሚ ዋናታቱ ካልኦት ኢዮም፡፡

እቲ ዘይነበረ ኣብ ጀበርቲ ኣትዩ ዘሎ ሕማም

ጀበርቲ ኣብ 4 ኣርባዕተ ተኻፋፊሉ ይርከብ

እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ብደገ ቁምነገር ዘለዎ ዝመስል ብ ማሕበር ጀበርቲ ዝጽዋዕ ትሕቲ ርብዒ ካብ ጀበርቲ ጥራይ ዝሳተፍዎ ኮይኑ ዝኾነ ዕላማ ይኹን ቁምነገር ዘይብሉ ናይ ዕላልን በለካ ለኽዓካን ማሕበር ኢዩ፡፡ እቶም ካልኣይ ጉጅለ ንማሕበር ጀበርቲ ዘይኣምኑሉ ኮይኖም ኩሉና ኤርትራውያን ኣስላም ብዘይ ኣፈላላይ ብሄር ወይ ቀቢላ ሓደ ማሕበር ክህልወና ኣለዎ፡ ኣብ መርዓ ድማ ጓይላን ዳንኬራን ክህሉ የብሉን ክልቲኡ ጾታ ውን ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ክእከብ የብሉን ደቀንስትዮ ካብ ቀረባ ቤተሰበንን ሰብኣየንን ሓሊፈን ብኢደን ንወዲ ተባዕታይ ሰላም ክብላ የብለንን ወዘተ ባሃልቲ ኢዮም፡፡

እቶም ሳልሳይ ጉጅለ ድማ ሰለይቲ ናይ ህግደፍ ኮይኖም ኣብ ክልቲኡ ኣብቲ ናይ ጀበርቲን ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ኣስላምን ማሕበራት ካብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ መምርሒ ብምቕባል ብ ሓሶት ብሽርሒ ንተቓወምቲ ውልቀሰባት ኣስማቶም ይብልሉ ምስ ኣሕዋቶም የባእሱ የራሓሕቑ እቲ ማሕበር ቁምነገር ከይሰርሕ ኩሉ ዝካኣሎም ይገብሩ፡፡ ንካልኣይ ጉጅለ ድማ እዞም ዋሃቢ ቁርኣኒስት ካብ ሱዑዲያ ቀቀዲሖም ተኸኽ የብሉና ብምባል ታሓቢኦም ይሓምዩዎምን የነኣእስዎምን፡ እዚኣቶም ናይ ባህሊ ይኹን ናይ እምነት ስነ ምግባር ዘይብሎም ናይ ዓዋሉ ባህሪያት ዘዘውትሩ መብዛሕትኦም ዕድመኦም ካብ 55 ንላዕሊ ኮይኑ ኣንጊሆም ናብ ሃገራት ኣዕራብን ካልኦት ሃገራትን ዝተሰዱ ካብኡ ናብ ሰምየን ኣመሪካ ስደት ዝቐጸሉ ኮይኖም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝኾነ ኣበርክቶ ዘይነበሮም ተበለጽቲ ወኻሩ ኢዮም፡፡ 

እቶም ራብዓይ ጉጅለ ድማ ዕባይ ኤርትራ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ኮይኖም ካብ ተግባሮም ከምንዕዘቦ ኤርትራ ኣይንታዮምን ኢያ ብ sense not belong ዝተጎድኡ ኮይኖም ንሓድሕዶም ኣዝዮም ዝፋለጡን ጡርኑፋት ኣዝዮም ዝቀራረቡን ብዝሒ ዘለዎምን ኮይኖም ኣብ ውራዮም መርዓ ይኹን ሓዘን ደቀባት ኤርትራ ክሕወስዎም ዘይደልዩ ዘስደምም ባህሪያት ዘለዎም ነቲ ግርህናን ሕውነትን ኤርትራውያን ከም ዕሽነት ዝወስድዎ ናይ ተንኮልን ሽርሕን ሰባት ኢዮም፡፡  እዚኣቶም ዝዕረዩ ኣይኮኑን እዚኣቶም ዝኸፍኡ ኢዮም ከምቶም ሳልሳይ ጉጅለ ድማ ንህግደፍ ይስልዩ ኣብ ውሽጢ ደቀባት ኤርትራውያን ብሓሶት ጽልኢ የሳውሩ ሰባት የባእሱ ሕንፍሽፍሽ ይፈጥሩ ኣዝዮም ሓሳዳት ስምረት ሃገራውያን ዘይዋሓጠሎም ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ኣይደልዩን፡

ኣንቱም መጋበርያ እኽብካብ ህግደፍ ብሙዃን ዕንቅፋት ትኾኑና ዘለኹም  ጀበርቲ ወዮ ዳኣ ነገሩ ከምቲ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጾሎቶም ዝባሃል ግዲ ኮይኑ ኢዩ እምበር ኩናማ, ሳሆ, ዓፋር, ቢኒዓምር, ብሌን,ክርስቲያን ትግርኛ ካልኦትን እኮ ካባና ንላዕሊ ስለ ዝተገፍዑ ኣይኮኑን በብዓቕሞም ምስ ኢሳይያሳውያን ዝተሓናነቑ ዘለው፡፡ ስለዚ ህዝቢ እንዳተዳህከን  እንዳጸነተን ካብ ፖለቲካ ነጻ ኢና ንሓደ ኣይንድግፍ ንሓደ ኣይንቃወም ምባል ንረብሓ መን፡፡ 

ንዑ ዳኣ ክሳብ ማዓስ ካልኦት ዝተሰውኡላን ዝተቖረጹላን ሃገር ከተውደኽዱኹላ ክትነብሩ፡ ክሳብ ማዓስ’ከ ወሰን ወሰን፡፡ ኣብዚ እኮ ኣብ ኤርትራ ኣቲኹም ገለኹም ታንክታት ኣጥቅዑ ገለኹም ነታጒ ኣጻውዱ ገለኹም ህጀሙ ይብል የለኹን ንሱስ ካብ ቆራጻትን ሰብ ሕልናን ጥራይ ኢዩ ክርከብ ዝካኣል፡፡ ኣነ ዝብል ዘለኹ ነብስኹም ኣኽብሩ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ ኬድኩም ኣይትመሳሰሉ ኣይትስገዱ ኣይትወሽልኹ ኣይትሓስው ነሕዋትኩም ኣሕሊፍኩም ኣይትሃቡ ኣይትሕሰሩ እንተኾነ ንዝተጨፍልቐ መሰልኩም ተቓለሱ ተዘይኮነ ኣደብኩምን ሸረፍኩምን ሒዝኩም ኣደብ ግበሩ ኮምኡ ውን ነተን ደቀንስትዮና ንኽንደይ ተበለጽቲ ኣባላት ኢሰፓ ነበር ዘበንያ ግርምቢጥ ሎሚ ኣብ ካናዳ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ስለዝኾኑ ደድሕሪኦም ዒልዒል ትብላ ሓበሬታ ተማሓላልፋ ነቲ ኣብ ገዛኽን ደርሆ ሓሪድክን ንሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ምዕዳም ምብዕላግ ኣቋርጸኦ ሓራም’ዩ፡፡

ኣነ ዝብል ዘለኹ ኣናብስ, ሓረግጽ, ኣናብር, ሓርሽ ወይ ኣዛብእ ክትኮኑ ተዘይኪኢልኩም ደመሙ ሙዃን ክትስእኑ፡ እወ ድሙ ሓላልን ልዙብን ባህርያት እኳ እንተ’ለዋ ተጻብኦ ምስ ዘጋጥማን ህላወኣ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕን ግና ምስ ተመን ይኹን ምስ ካልእ ዘይሕለል ነብሰምክልኻል ብምግባር ንህላወኣ መስዋእቲ ኢያ ትኸፍል፡፡

ወኻርያ ብኣጻሩ ድህልትን ተበላጺትን ኮይና ባዓል ኣንበሳን, ዝብእን, ነብርን,ኣኽላባት በረኻን ገበልን ሓርገጽን ህላወኦም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ክሃድኑን ክደኽሙን ኮለው ርሕቕ ብምባል እንዳ ኣምቧሃቖት እንዳለዘየት ዘይደኸመትሉ ክትበልዕ ትጽበ፡፡ ባዓል ኣንበሳን ዝብእን ድማ ባህርያታ ስለዘይፈትዉዎ ኣብ ዝረኸቡዋ ብንዕቀት ክነኽስዋ ይጎይዋ እሞ ወላ እንዳ ተነኸሰት ካብ ምእዋይ ሓሊፋ ዝኾነ ነብሰምክልኻል ኣይትገብርን ከም ዱሙ፡፡

ስለዚ ኣንቱም ባህርያት ወኻርያ ወሪስኩም ዘለኹም ገለ ኣሕዋትና ጀበርቲ ክሳብ ማዓስ ከም ወኻርያ፡ ኩናማ ብግልጺ, ሳሆ ብግልጺ, ዓፋር ብግልጺ ቢናዓምር ብግልጺ ብሌን ብግልጺ ክርስቲያን ትግሪኛ ብግልጺ ማሕበራቶም ኣብ ኤርትራ መሰሎም ንኸረጋግጹ ዝቃለስ ማሕበር ሙዃኑ ኣዳዕዲዖም እንዳኣወጁ ንምንታይ ጀበርቲ ዘልሓጥሓጥ ንብል እንታይ ኢዩ እቲ ምኽንያት ሕራይ እቶም ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዘለውስ ጸቕጢ ናይ ወረቐት ምሕዳስ ፓስፖርት ብ ኢምባሲ ህግደፍ ስለዝሕደስ ፍሉጥ ጸገም ኣለዎም እቶም ኣብ ሃገር ፍትሒ ንነብር’ከ እንታይ ኢዩ እቲ ምኽንያት፡፡

ከምቲ ዝባሃል ውድብ ኣል ናህዳ ወይ ትንሳኤ ናይ ጀበርቲ ኢዩ ዝባሃል ግና ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ዝኾነ ንጥፈታት ሰሚዕናን ሪኢናን ኣይንፈልጥን፡ ካልእ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣልናህዳ ምስትበጽሕ ኩሉ ብዓረብ ጥር ትብል እቲ ንሕበነሉ ቀንዲ ቋንቋና ግእዝ ትግርኛ ዘይምህላውስ ንምንታይ፡፡ ክንደይ ካብ ጀበርቲ ኢዩ’ኸ ዓረብኛ ከንብብ ወይ ክርዳእ ዝኽእል፡፡ ብሓቂ ውድብ ኣልናህዳ ንጀበርቲ ዝውክል እንተኾይኑ ከምቲ ኩቡር ኣያይ ግርማይ ኪዳነ ወዲ ፊሊፖ ዝበሎ ውድብ ጀበርቲ ኤርትራ ተባሂሉ ዘይጽዋዕ ንምንታይ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ እኳ’ዩ ኮምኡ ንኸይከውን ዝጽግም ዘሎ እንታይ ኢዩ?

ካልእ ብዛዕባ ጀበርቲ ብሄር ድዩ ኣይኮነን ንዝብል ሕቶ ኣብ ብቑዋምን ብልዕልና ሕግን እትምራሕ ኤርትራ ጀበርቲ ብስምረት ብሓድነት እንተዳኣ ኣነ ብሄር ኢየ ጀበርቲ ተባሂለ ክጽዋዕ ድማ ምርጫይ ኢዩ እንተ ኢሉ ዝኾነ ዝዓግቶ ሓይሊ የለን፡፡

ኣብ መደምደምታ እዚ ብናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎምን ብተበለጽትን ሉሙሳትን ሉኡኻት ህግደፍን ዝመርሕዎ  ማሕበር ጀበርቲ ዝስመ መዛናግዒ ሓመይቲ ተበቲኑ ካልእ ንህዝቢ ጀበርቲን ኤርትራን ዝውክልን ዝብጆን ንዝኾነ ኣንጻር ጀበርቲን ኤርትራን ብጉጅለ ህግደፍ ዝውርወር ተጻብኦታት ብዓጸፋ ዝምልስን ነብሰ ምክልኻል ዝገብርን መሰሉ ንምርግጋጽ ዝቃለስን ኮይኑ ዳግማይ ክምስረት እቶም ውሑዳት ተዳናጊርኩም ናብቲ ዝኾነ ዕላማን ቁምነገርን ዘይብሉ ናይ ተኣኪብካ እንዳመን ሕምባሻ ሻሂ ይበልጽ ኢልካ ምሕማይ ተዘይኮይኑ ካልእ ፍረ ዘይብሉ ማሕበር ጀበርቲ ተሳታፍነትና ከነቛርጽ  ነቶም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለኹም ሓቦኛታት ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ደቀባት ጀበርቲ ጻውዒተይ ብትሕትና የቕርብ፡፡


ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

ዕለት 1 – 06 – 2011

ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ንራኸብ ንኹልና ሰላም ቅነ

ጸላኢና ንህላዌኡ ዘይቃለስ ሰነፍ ይኹን ኣንታ ጎይታይ ካብቶም ነሕዋቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣይትግበረኒ ክሳብ ዘለኹ ንመሰለይ ክቃለስ ጽንዓት ሃበኒ
 This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

        

 

 

 

 

 

 

 

    


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...