እዛ ጽሕፍቲ ኣብቲ ኣብ ግንቦት 28  ንስደተኛታት ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ሲምፖስየም ዝቐረበት ኢያ።
 
ናይ እዛ ኣብዚ ከቕርባ ተዳልየ ዘሎኹ ወረቕት ትሕዝቶ ከምዚ ይመስል። ኣጀማምራ ስደት ኣብ ኤርትራ ካብ ግዜ ገድሊ ክሳብ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ቀጺሉ’ውን ንስደት ስደት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ እተፈላለዩ እዋናት ዝነበሩ ናይ ስደተኛታት ኵነታት ዘንጸባርቑ  ጉዳያት ብምሕታት፡ ኣብዚ እዋንዚ’ኸ ናይ ስደተኛታት ፍታሕ  እንታይ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ ዝብሉ ነጥብታት ዘተኮረ ይኸውን። ካብ ኤርትራ ወለንታዊ ዘይኮነ ስደት ብአማእታት ዝጀመረ ኣብ  መጀመርያ 1970 ዓ.ም ኢዩ። ኣብዚ ዓመተ ምህረት’ዚ  ብወርሒ መስከረም ይኹን ጥቕምቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰራዊት መጥቃዕቲ ፈንዮም፡ ኣብታ ኵናት ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ጦር ኣዛዚ ተሰወኤ። ብዝድሕሪ’ዚ ሽንፈት’ዚ ካብ ከረን ንታሕቲ ዝርከብ መሬት ሰቡን፣ማሉን ብጦር ሰራዊት ተበሳበሰ፡ ብዙሕ  ድኹም፣ ሕሙም፣ ቆልዓ-ሰበይቲ ድማ ሂወቱ ሐለፈ። ክሳብ ሽንፈት ህዝባዊ ግንባር ብዕሊ ዝፍለጥ ማለት ብ 2000 ዓ.ም ባህላዊ መስደዲ ኮይኑ ዝጸንሔ ሱዳን ኢዩ። ንብዙሓት ሱዳን ከም መሰጋገሪ ድልድል ንሃገረ አውሮጳን አመሪካን እተገልግል ኮይና ንብዙሓት ከአ ዝነብሩላን፣ዝምርዓውላን፣ዝወልዱላን፣ዝቕበሩላን ሃገር ኮይና ጸንሔት።

ኵነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፌ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ስደተኛታት ናብታ ብባህሊ(ብልምዲ) መዕቖቢት ዝኾነት ሱዳን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያን እስራኤልን ብአማእታት አሽሓት ኣብ ስደተኛታት ካምፕ ተዓቚቦም ይርከቡ። እዚ ሓዲሽ ክስተት ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ሽግር ብእተደራረቡ ጠንቅታት ድአ’ምበር፡ ብእተነጸለ ሓደ ረቛሒ ጥራይ ተጸልዩ ዝኽሰት ኣይኮነን። ስለዚ ጠንቂ ናቱ ተንቲንካ ዝዕገተሉ መንገዲ ምንዳይ ናይ ግድን ይኸውን።
አብ ጊዜና ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ስደተኛታት ሽግር ንምፍታሕ በቲ ዝአረገ ኣሰራርሓ/ሞደል ዘይኮነስ ብሓድሽ፡ ጊዜኡ ብዝጠልቦ ብልሓት ምጉዓዝ ኣድላይ ምዃኑ ብምግንዛብ ኣስፍሕ ኣቢለ ክገልጾ ይግደድ። ተራ ደቂ ሰባት ኣብ ስደተኛታት ምዕንጋልን ምጥያስን ዘለዎም ኣበርክቶ ዕዙዝ ምዃኑ እዚ ወረቕት ይሕብር። ኣብ መወዳእታ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ/ት ሃልዩ/ያ  ንቡር-ናብራ ወይ ሓውሲ ንቡር-ናብራ ንኽነብር ኣብ ዝግበሮ ቃልሲ፡ ሃገራት ብሕልፊ ድማ ዝማዕበላ ሃገራት እጃመን ከበርክታ ይሕተታ። ብቅድመ-ግንባር ኮይኖም ነዚ ክብድሁ ዘለዎም ግን ባዕሎም ኤርትራውያን ኢዮም።

ጅማሬ ኤርትራዊ ስደትን ኣፍታትሑኡን
ስደት ምስ ናይ ደቂ ሰባት ነዊሕ ናይ ሂወት ጉዕዞ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ድማ ናዕቢ ምስ ሰላም፣ ንብረት ምብራስ ምስ ምድላብ ንብረት፣ ድንቁርና ምስ ተገልጾ፣ ቁሸታዊ ኣረአእያ ምስ ኣድማሳዊ ኣመለኻኽታ እንዳአኸተለ ክሳብ ምጽአተ ዓለም ዝቕጽል ኢዩ። ኮታ ሂወት ደቂ ሰባት ሒዝዎ ዘሎ ናይ ኣነባብራ መልክዕ፣ እምነት፣ ብሔርተኝነት ጠባይ ብተፈላለዩ ናይ ስደት ኣጋጣሚታት ዝተቐርጸ ኢዩ።  ስደት ወይ ፍልሰት ደቂ ሰባት ብእተፈላለዩ ምኽንያታት ይኽሰቱ። አብ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ዞባና ብምትኳር ናይ ፍልሰትን፡ ስደትን ቀንዲ ጠንቂ ኮይኖም ዝርከቡ ከም እኒ ድርቅን ጥምየትን፣ ውግእን ወረ ውግእን፣ መሬት ጽበትን፣ ብመጓሰ እንስሳ ዝተደረኸ ፍልሰትን ዝአመሰሉ ኢዮም። አብዘን ዝሓለፋ ሚእትን ሓምሳን ዓመታት ኣብ ዞባና ዝተራእየ ናይ አህዛብ  ካብ ሰሜን ንደቡብ ካብ ምዕራብ ናብ ምስራቕ  ምፍላስ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

 ባዕዳውያን አብ መጨርሻ 19 ክፍለ ዘመን ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተቖጻጺሮም እንከብቅዑ፡ ንከበሳታት ሓበሻ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ግዝአቶም ንምልዋጥ ኣብዝተገብረ ጥምጥም ማእለያ ዘይብሎም ብተጋሩ ዓቀይቶት ዝተዓብለለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምዝማቱ ናይ ታሪክ መዛግብቲ ይምስክሩ። አብዚ ሕጂ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምድሪ ከበሳ ብሕልፊ ኣብ ሓማሴንን ጽልማን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ባዶሽ ኵነታት ብመጠኑ ፍልሰት ኣኸቲሉ ኢዩ። ካብዞም ንጣልያን ንምምካት ይኹን እቲ ልሙድ ወፍሪ ወረራ ንምክያድ ዝተላእኩ ዓቀይቶት ኣብ ኤርትራ ቀዋሚ ሰፈር ጌሮም ዝተቐመጡ ቁጽሮም ዉሑድ ኣይኮነን። እቶም ካብ ደቡብ ብተፈላላዩ ምኽንያታት ኣብ ከበሳ ኤርትራ እንኮላይ ከረን ዝሰፈሩ ብሄራት ብደቂ አርባዓ ይፍለጡ። እዞም ተሓናፊጾም ዝተፋረዩ  ደቂ አርብዓ ሕጂ ካብ ካልኦት  ደቂ ከብሳ ፈሊኻ ንምልላይ ኣጸጋሚ ኢዩ።  እቲ ምንታይ ወሊዶም ተዛሚዶም፣ ካብቲ ብመበቖሉ ብ ኤርትራውነቱ ዝምካሕ ዝያዳ’ኳ እንተዘይኮነ ዳርጋ ማዕሬኡ ሃገር ዝነደቑ፣ ኣብ ምሕራር ኤርትራ ዓቢ ግደ ዝተፃወቱ፣ ኣቦታት፣ እኖታት፣ አሕዋት፣ አሓት፣ ንናይ ወዲሰብ መሰል ተጣበቕቲ ኮይኖም ሂወቶም ይምርሑ ኣለዉ።

ጣልያን ከበሳታት ብክፋል ተቖጻጺሩ ግን መሬት ኣዝዩ ቅድሚ ምርግጋኡ ድርቅን፣ ሕማም ጉልሓይን ብዝኸተሎ ሑሱም ጥምየት ተደፋፊኣኦም ካብ  መሬት ትግራይን ካብ ዓደምሓራን ንኤርትራ ዝፈለሱን/ዝተሰዱን  ብዙሓት ምንባሮም ይጥቀስ። እዚ ዝኾነ ድማ ብተዘማዲ ኣብ ኤርትራ ምግብን ስራሕን ብመጠኑ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ፍልሰት ተጋሩን ኣምሓራን ናብ ኤርትራ ብጎኒ ኣቐሚጥና ኣብ ምስራሕ መንገዲ ባቡርን ኣብ ካልእ ናይ ስራሕ መዳያትን ንምውፋር ቁጽሮም ካብ 2400 ዘይውሕዱ የመናውያን ኣብ ኤርትራ ምፍላሶም ናይ ጣልያን ስታተስቲክስ ማህደር ይነግር። ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ተደጕሉ ዝጸንሔ ናይ ጣልያን ሽርሒ ብዘስዓቦ ናይ ትረንታ ችንኴ (1935) ካልአይ ዙር ኵናት ኢትዮጵያን ጣልያንን ብፍቓዶም ተዓስኪሮም ንባንደራ ጣልያን ካብ ዝወደቑን ዝንስከሉን 100,000 ወተሃደራት ጣልያን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፣ ሶማላውያን ይርከብዎም። ካብዞም ዝተጠቅሱ ብሄራት ድሕሪ ኵናት ሃሃገሮም’ኳ እንተተመልሱ ሓያሎ’ውን ከም ደቂ አርብዓ መሰሎም ተሓሊዩሎም ደቆም ደቂ ደቆም ኣብ ኢኮኖሚ ህንጸትን፣ ስደትን፣ ሓርነታዊ ቃልልስን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኢዮም። እምበርአከስ ስደት’ውን እንተኾነ ኣውንታዊ ገጽ ኣለዎ።

ቅድሚ ምፍራስ ፈደራልዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ፡ ናይ ስደት ኣቕጣጫ ካብ ደቡብ ንሰሜን ምዃን ኣብቂዑ፡ ብአንጻሩ ስደት ካብ ሰሜን ንደቡብ  ኮይኑ፡ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ኣብ ዓሰርተ አርብዕተ ክፍለ ሃገራት ኢትዮጵያ ተዘሪኦም ኣብ ኢንዱስትርን፣ ኣብ ኣገልግሎትን፣ ኣተፈላለዩ ናይ ኢኮኖምያዊ ዘርፊ ተዋፊሮም ንህንጸት ኢትዮጵያ ዓብይ ኣስተዋፃኦ ዝገበሩ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ብጭቡጥ ዝተረጋገፀ ደአ ኣይኹን’ምበር  ኤርትራውያን  ብዘይ ፍትሓዊ መንገዲ ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተሰጎጉሉ ካብ 1998 ዓ.ም ኣትሒዙ ካብ ርብዒ ሚልዮን ዝበዝሕ ህዝቢ መረብ ምላሽ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፋሩ ይንገር። ካብዚ ኣሃዝ እዚ ብወግዒ ዝተሰጔ 72,00 ክኸውን እንኮሎ፡ ብግምት ድማ 30,000 ብፍቓዶም ንኢትዮጵያ ራሕሪሖም ንወጻኢ ከም ዝኸደ ይጥርጠር።

መርባሕቲ ከብቲ ዝኾኑ ሶማላውያን ፡ ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ተቐማጦ ምዕራባዊ ቆላ፡ ባዕዳውያን ዝሓንጸጽዎ ናይ ዶብ መስመር ከይዓጀቦም መሬት ኣብ ዝለምለመሉ ቦታታት እንዳተዘዋወሩ ሂወቶም ዝምርሑ ግን ከስ ኤርትራውያን ይኹኑ ሱዳናውያን፣ ሶማላውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን ብዘየገድስ ተሓናፊጾም ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኣስተዋጻኦ ኣብ ምብርካት ምህላዎም ካብ መብዛሕትና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ካብ’ዚ ብምስዓብ፡ ኤረር ባረ ብዝብል ስያሜ ዝፍለጥ ብሄረሰብ ሻንቅላ፡ ካብ ጋብላ ፈለግ ኣባይ  ብምፍላስ ኣብ ገማግም ዋቤ ሸበሌ ብሕርሻ ዘርፊ ተዋፊሮም ይርከቡ። ኤር ባረ ሃይማኖቶም እስላም ድአ ይኾን’ምበር ብትውልዲ ፣ ብዘርኢ ወይ   ብኣመራርሓ ሂወት ካብ ብሄረ ሶማል ኣዝዮም ዝተፈልዩ ምዕራባውያን ናብ ምስራቕ ተሰዲዶም ዝሰፈሩ ኮይኖም ንረኽቦም።
ካብ እዋን ገድሊ ጀሚሩ ክሳብ ህዝባዊ ግንባር  ንኤርትራ ዝቋጻጸረሉ ግዜ ድማ ብመጠኑ ግንከስ ስርዓት ብዝተኸተለ መንገዲ ናብ አውሮጳን፣ ኣውስተራልያን፣ ማእከላይ ምስራቕን ከምኡ’ውን ኣሜሪካን ዝተሰዱ ምህላዎም ንባዕልና ህያው ምስክር ኢና። መብዛሕትና ኣብዘን ሃገራት እዚኤን ተሰዲድና እንርከብ ደቂ ሃገር ከም ማንም ስደትኛታት ሂወትና ብዝግባእ መሪሕና ኣብ ዘዘለናዮ ሃገራት ድማ በብመዳይና ተዋፊርና ንህንጸት ኢኮኖሚ እታ መዕቆቢት ወይ ሓዳሽ ሃገርና ኣስተዋፃኦ ኣብ ምብርካት ንርከብ።

ነዚ ከም መእተዊ ዘቅረብክዎ ታሪኽ ሓዘል ሓተታ ቅድሚ ምድምዳመይ ካብ 180,000 ዘይውሕዱ ገሊኦም ካልአይ ወለዶ ዘቕጸሩ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ሽገራይብን ወድ ሽረፋይን ክልኦት ካምፕታትን ምህልዎም ምዝካር የድሊ። ግደ ሃቂ ክንዛረብ፡ ናይ እዞም ካብ 40 ዓመት ዘይንእስ ጊዜ ካብ እተወልድሉ ቁሽትን ማይቤትን ተሰዲዶም ኣብ ሱዳን ዝተጠርዩ ኤርትራውያን ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኵነታቶም ንምምሕያሽ ይትረፍ ንሀለዋቶም ዝሓቱ ውደባታት ይኹኑ ውልቐሰባት ኣዝዮም ዉሑዳት ኢዩም። ካብዞም ዝጠቐስክዎም ስደተኛታት ብክፋሉ ኣብ ሕብረተ ሰብ ሱዳን ብምስራግ ኣስተዋፃኦ ኣብ ምግባር ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኮነን።

ካብዚ ዝተላዕለ ኢየ እምብአር ናይ ስደት ገጽ ኣሉታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣወንታዊ መልክዕ’ውን ኣለዉ ዝብል ድምዳሜ ዝበጻሕኩ። መጠኑ ሓልዩ፣ ጊዜኡ ወጢጡ፣ ናብራ ኣዝዩ ከየዘናበለ ዘሰጉም ናይ ስደት  ጉዕዞ ንሕብረተሰብ ህንጸት  መሀብተሚ እምበር መንደይ ኣይኮነን ዝብል እምነት ዘሎኒ። አኸቲለ ናይ ኤርትራውያን ናይ ስደት ዕጫ ኣመጻጽኣኡን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብምግላጽ፣  ነቲ ሽግራት ንምቕላል ክውሰዱ ዝግባኦም ስጉምትታት ክጥቁም ክፍትን ኢየ።

ርሱን ናዕቢ ዝተጕልበበ ስደት 
አቀዲመ ክገልጾ ከም ዝፈተንኩ ብዝተፈላልዩ ምኽንያታት፤ ጊዜ ኣናዊሑ፣ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ጭካኔ  ኣልቦ ዝኾነ ስደት ዝተጀመረ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ምዃኑ ብዕድመ ዝደፋኡ ሰባት ከም ዓይኒን እዝንን ምስክር ክቐርቡ ይኽእሉ። አብዚ እዋን’ዚ ብኽልተ ሸነኽ ዝተቓቐሩ ‘ገባር’ ናይ ፈለማ ግዳያት ኮይኖም ኣብ ሱዳን ዝተዓቑቡን ገና ተዓቑቦም ዘለዎ ይርከብዎም። ቁጽሮም ካብ ጊዜ ንግዜ እንዳበዝሔ ዝኸደሉ ብንጹር ክፈልጦ’ኳ እንተዘይከአልኩ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ጀሚሩ ግን ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ከምዝሰሓበ ርዱእ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ክዝከር ዘለዎ ጃምላዊ ስደት ድማ  ሞት መራሕ ውግእ ኢትዮጵያ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ኣብ ኣከባቢ ከረን ዘስዓቦ ጠንቂ ኢዩ።  አብ’ዚ ኣጋጣሚ’ዚ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሕነ ሞት እቲ መኮነን ንምፍዳይ ቆልዓ ሰበይቲ ሕጻን ሽማግለ ከይነሓፉ መሬት ሓመድ ድፋጫአ ኣስሓንዋ። ዝመውት ሞይቱ ነፍሱ ከውጽእ ዝኸአለ ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቑበ። ብድሕሪ’ዚ ግናይ ኵነታት ስደት ብኹሉ መአዝን ተጓሃሂሩ ክሳብ እዚ ዘለናዮ እዋን ዕጫ ኤርትራውያን ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ሓቂ ኣንተሃለወ፡ ብእዋን ገድሊ ናይ ኩናማ ብሄረስብን ከምኡ’ውን ካብ ትግርኛ ደምበላስን ቆሓይንን ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ምንባሮም ዘዘንትዉ ኣለው።


እምበአርከስ እቲ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ምሕራር እታ ሃገር ዝተፈነወ ዘይወለንታዊ ፍልሰት ብስፍሓቱን ብዕምቖቱን ተወዳዳሪ እኳ እንተዘይነበሮ ካብ 2000 ዓ.ም ዝጀመረ ስደት ግን ፍሉይ ባህሪ ኣለዎ።  ብዓይነት ዝፈልዮ እንተሃለወ ድማ እቲ ስደት ብ’ባዕዳዊ’ ሓይሊ ዝነቐለ ዘይኮነስ፡ ብባዕላቶም በቶም ሓርነታውያን ተቓለስቲ ብዝብል ስያሜ ዝፍለጡ ተጋደልቲ ብምፍጻሙ፡ ነቶም ለይለይ ዝብሉ መንእሰይ ደቆም ዘብረከቱ  ወለዲ ክየስደመመ ኣይተረፈን። ካብ ኣፍ ውላዱ መንዚዑ ዝደገሰ፣ ህድሞኡን ኣግነቱን ዘፍረሰ፣ ቤቱን ማይቤቱን ዘጽነተ ህዝቢ፡ ብዳግማይ ንዘላታ ተወሰከታ ከም ዝብሃል ሕሉቡ ክነጽፍ ዝተዓዘበ መስተውዓሊ ወዲ ሃገር’ውን ከየቆጠዖ ኣይተረፈን። ቅጥዒ ዝሰአነ ስደት ኣብ እዋን ምምሕዳር መንግስቲ ኤርትራ ብምክያዱ ብዓይነት ኣዝዩ ፍሉይ ይገብሮ።

ብተወሳኺ እዚ ድሕሪ ነጻነት ዝወረደ ናይ ስደት ናጤባ ግዳያቱ መንእስያት ኮይኖም መብዝሕተኦም ቀለም ዝቀመሱ፣ ሞያ  ንምድላብ’ውን  ኣብ ዝሻባሸብሉ ዝነበሩ ናይ ዕድመ ወሰን ምዅኑ ብዓይነት ፍሉይ ይገብሮ። ብህዝባዊ ግንባር ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሃገር ከም ዝጸንሓቶ ንዝመጽእ ወለዶ ምርካብ ይትረፍ ባዕዳውያን ፈረንጂ ዝገደፍዎ’ውን ብትሑቱ ክዕቅብ ኣይከአለን። ንአብነት ክንጠቅስ፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ብመደበር ዝፍለጥ ናይ ሓጻውንቲ ቤት ዕዮ ብሕሊና ምስ እንዝንብዮ፡ ተልመዴን መንእሰይ ኣልቦ ዝሓረሞ፣ ዝተጓሕጒሔ ጋህሲ ኣስከሬን ዝመስል መደበር ሓጻውንቲ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ይርከብ። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ብዕድመ ዝደፋኡ ሰብ ሞያ ሽማግለታት  ፍልጠቶም ንመንእሰይ ከመሓላልፉ ኣብ ዘይክእልሉ ክነታት ምብጸሖም ምስ ተሰተውዕል ገድሊ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ንምእታው ትግደድ። ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ብዙሕ ጊዜ ዝተዘርበሉን ዝተጻሕፈሉን እንኮ ትካል ትምህርታዊ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ዘጋጠሞ ናይ ኮለጃት ምብትታን ዘጓነፎ ትምህርታዊ ሽግራት ምሕታት ጊዜ ምብኻን ስለ ዝኾነ ኣብ ካልእ ምስጋር ይሓይሽ። ዝኾነ ኮይኑ ግን ምብትታን እተን ኮለጃት ብዙሓት ግዳያት ከምዘኸተለ ካብቶም ሃገር ራሕሪሖም ዝወጹ ክትርድእ ትኽእል።

ቀጺሉ ኣብዚ ኣዋንዚ ዘሎ ናይ ስደት መከራ ብተወሳኺ ብዓይነት ዝፈልዮ እንተሃለወ፡ እቲ ኣጸያፊን ዘይሰብአዊን ዝኾነ ናይ መሰል ምግሃስ ክሳብ ባርነት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ምፍጻሙ ኢዩ። መንእሰያት ኣብ ቅድሚኦም ክህሉ ዝኽእል ሽግር ብዘይምውጥንጣን፡ ካብ ኤርትራ ንምህዳም ብዘለዎም ሃንቀውታ  ተደፋፊአም ኣብ ዘይውዱቅ ምውዳቆም ናይ ኣደባባይ ምስጢር  ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከም እቲ ካብ 16 ክፍለ ዘመን  ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃውያን ዝተኻየደ ናይ ባርነት ንግዲ ሕጅ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ዋጋ ዕዳጋን ተግባራት፡ ኣብ ግብጺ ይፍጸም ብምህላዉ ንፈታው ዓዱን ብደቂሰብ መሰልን ንዘስተንትን ኩሉ ከቝጥዖ ይግባእ።  ስንብራት ምሙቓሕ ድማ ዘለአለማዊ ማርካ ኣብ ግንባራት ግዳያት ተቀሪጹ ከም ዝተርፍ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኤርትራውያንን ካልኦት ካብ ዝተፈላልዩ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ዝፈለሱ መንእስያት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሓሳረ መከራ ብመጠኑ ወረ ማዕከናትኳ ኣንተአቃለሔኦ፡ ሰዓት ብሰዓት መዓልቲ ብመዓልቲ ኵነታት እሱራትን፣ሙቑሓትን፣ ጽሙአት-ጡሙያትን፣ ስውአትን ፣ብዝርዝር ዝገልጹልና ጉዱሳትን ሩሕሩሓትን ውልቀሰባት ኤርትራውያንን፣ ጉጅለታትን፣ ማሕበራትን፣ ምዃኖም ክንዝንግዕ የብላንን። ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ግንባር ኮይኖም ዓቅሞም ብዝፈቅዶ ናይ ስደተኛታት ሑሱም ናብራ ካብ ምርዳእ ዓዲ ዘይወዓሉ ኣባ ሙሴ ዘርአይ፣ ዶር ኣልጋነሽ፣ ኤልሳ ጭሩም ከምኡ’ውን ሜሮን ኢስጢፋኖስ ብአብነት ክጠቅስ ምስናይ ሓበኑ ኢዩ።

ካብዚ ተላዒለ ናይ ዑቑራት ስደተኛታት ይኹን ናይ ተባረርቲ ኵነታት ንምምሕያሽ እንታይ ይገበር ክብል ዝተገደድኩ። እምበአርከስ ሃይማኖት፣ዓሌት፣ ርእይቶ ዓለም፣ ፖሊቲካዊ ፍልልያት፣ሰብ ዝፈጠሮ ናይ ኣህጉራት ወሰን ፋዓራ ከይገበርካ ብዕላማን ብሰብአውነትን መንፈስ ተደርኽካ እትዓየሉ መድረክ ምፍጣር ኣማራጺ ዘይብሉ ትኽክለኛ መንገዲ ኢዩ። ሽግር መንእስያት ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ መንግስቲ ኤርትራ ንምቕማጥ ሰግእመግእ እኳ እንተዘይበልኩ፣ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስደተኛታት ኣድሕን ንጥፈታት ግን ንያት ደገፍቲ መንግስትን፡ ተቓወምቲ መንግስትን ከምዘድልዮ ዝስሕቶ ዘሎ ኣይመስለንን። ኤርትራውያን ብሕልፊ ድማ ግዳም-ሰፈር ከበርክቶ ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ካብ’ዚ ብኽፋሉ ክንጠቅስ፡ ንዋይ ምእካብ፣ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ምክያድ፣ ናይ ደቂሰባት መሰል ኣብ ስደት ክኽበር ምቕላስ፣ ሂወት ስድተኛታት ኣብ ዘዝልውዎ ዝመሓየሸሉ መንገዲ ምቕያስ፣ ስደትኛታት ኣብ ሃገራት ኣውሮፓን ሰሜን ኣመሪካን ዝሰፍርሉ መንገዲ ሃሰውሰው ምባል፣ ገበነኛታት ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብሉ ሜላታት ምንዳይ፣ ምስዘን ኵነታት ስድተኛታት ንኽምሓየሽ ተወዲበን ዘለው ማሕበራት ምትሕብባር፣ምድግጋፍ፣ ምትብባዕ ክኸውን ይግባእ። ነዞም ካብ ምጽያፍ ዝተላዕለ ጓንትን ጎጉልን ወድዮም ሰብአይና፣ሰብይትና፣ ቆልዑና ከም ሕልቕቲ ኣንጭዋ   ኣንጠልጢሎም ከይአኽሎም እንደገና ኣብ ማእሰርት ዝዳጉኑና ናይ ሃገራት ወሰን ሓለውቲ እነተሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ ይኸውን?


 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...