ስለምንታይ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ፖሊስኡ  ለዊጡ  ዘሎ? 

ራባዓይ ክፋል

ከም ናተይ ርእይቶ እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ይርከብዎም፣
I.  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ 5 ዓመት ናይ ዕብየትን ለውጥን ፕላን   (5   Year Growth & Transformation Plan) ከምቲ ዝድለ ሽቶኡ  ክወቅዕ  ንኽኽእል፣
II.  ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ኢሳያስ ምምሕዳር ጸሊእዎ ጥራይ ዘይኮነስ ፈንፊኑ ዓኽ ጡፍ ከምዝበሎ ስለ ዝፈለጠ፣
III.  ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ኢሳይያስ እምነት ከምዘይብሉን ብተወሳኺ ድማ ንናይ ኢሳያስ  ስልጣን ክናውሕ ኢሉ ክዋጋእ  ከምዘይደሊ ስለዝተረደአ፣
IV.  ስርዓት ኢሳያስ ውሽጡ ቦኽቢኹን መሽሚሹን ምህላዉ ስለ ዘረጋገጸ፤
V.  ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ሃገራትን ውድባትን ከምዝተነጸለን ከምዝተፈንፈነን ስለዝፈለጠን ኢዩ፣
III.  ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ኢሳይያስ እምነት ከምዘይብሉን ብተወሳኺ ድማ ንናይ ኢሳያስ  ስልጣን ክናውሕ ኢሉ ክዋጋእ  ከምዘይደሊ ስለዝተረደአ፣

ኩላትና ከምንፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ ንውግእ ኢሉ ኣይተፈጠረን። ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ  ግን ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ክብል ነታ ሓንቲ ሂወቱ’ውን ከይበቐቐ ን30 ዓመት መሳርያ ዓጢቑ ተዋጊኡ። ዝኽፈል መስዋእቲ ከፊሉ ድማ ዝፈትዋ ሃገሩ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ኣውጺእዋ። ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝናፈቖን ዝበሃጎን ነጻነት ረኹቡ። ህዝቢ ኤርትራ ጎቦታትን ስንጭሮታትን፣ ኣፍላጋትን ቀላያትን፣ ሜዳታትን ኣኽራናትን ጥራይ ነጻ ከውጽእ ኢሉ ኣይኮነን ተቓሊሱ። ብዓቢኡ ነብሱ ሓራ ንምጻእ ኢዩ ነይሩ። እዚ ቅርሱስ ህዝቢ ኩሉ መሬት ኤርትራ ነጻ ኣውጺኡ ነብሱ  ግን ኣብ ዝኸፈአ  ናይ ባርነት ዓዘቕቲ ኣትያ። እነሀለ ድማ ዲ/ኢሳያስ ምስ ዉሑዳት ከምኡ ዝአመሰሉ ጠላማትን ከደዓትን ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ሓመድ ድፋጭኡ የስትዮ’ሎ።

ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ብዘይዕርፍቲ ምስኩለን ምስ ኤርትራ ዝዳወባ ሃገራት ውግእ እናጻሕተረ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ከምዝሞቱን ዝቖስሉን ገይሩ። ምስ  ጎረባብቲ ሃገራት ከይአኽሎ ድማ ንኮንጎን ሶማሊያን ሕጂ ድማ ንሊብያ ዘይሓልየሎም ወተሃደራት እናሰደድ ኣብ ዘይፈልጥዎን ኣብ ዘይምልከቶምን ውግአት እናጠበሰ ከምዝሞቱን ከም ዝቖስሉን ዝገብር ዘሎ ኣረመኔ ፍጥረት ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ብፍላይ ናይ’ዚ ኣረመኔ እንታይነት ኣጸቢቑ እናተረድኦ መጺኡ ኣሎ። ካብቲ ቀንዲ መለለዪ ጽልኡ ድማ ዝፈትዋ ሃገሩን ዘፍቅሮም ቤተሰቡን እናራሕረሐ ጠያይት ኢሳያስ ከይዓጀቦ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይጠፍእ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልተ መቒልካ ምርአይ ይከአል። ሓደ እቲ ተጋዳላይ ዝነበረ ክኸውን ከሎ እቲ ካልእይ ድማ እቲ ብሃገራዊ  ኣገልግሎት ስም ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ኢዩ።

እስኪ ብቐዳምነት ነቲ ተጋዳላይ ዝነበር ንርአ። እዚ ኣካል’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ነገር ተደናጊርዎ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ምኽንያቱ ድማ እዚ ኩሉ ተቓሊሱ ኤርትራ ነጻ ኣውጺኡ ከብቅዕ ሓንቲ ንእሽቶ ዘጽልለላ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ የብሉን። ዝኣክል ወርሓዊ ደሞዝ ስለዘይክፈሎ ገዛ ክራይ ከፊሉ ስድራ ቤቱ ቀሊቡን ከዲኑን ምንባር ዘይከአለ ኢዩ። ብፍላይ እቶም ዕድሜኦም ካብ 55 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ጥሮታ ክወጹ እንተደለዩ’ውን ኣይክእሉን ኢዮም። ምኽንያቱ እታ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዓለም ናይ ጥሮታ ሕግን መሰልን ዘይብላ  ኤርትራ ስለ ዝኾነት። እዞም ሰባት እዚአቶም ከምቶም ኣብ ሃገራዊ ኣልግሎት ዘለው ሃገሮም ጠንጢኖም ምጥፋእ ይጽግሞም ኢዩ። ብቐዳምነት ናይ ዕድመ  ጉዳይ ኣሎ ካልአይ ዝናብይዎም ስድራቤት ኣለዉዎም ሳልሳይ ድማ ኣብዚ ዕድሜኦም’ዚ ተሰዲዶም ቀልጢፎም ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ዝማህመነ ኢዩ። ምኽንያቱ ዝድለ ክእለትን ፍልጠትን ስለ ዘይደለቡ። ብሓጺሩ እቲ ኩሉ ዓመታት ተጋዲሎም ሃገር ነጻ ምስ ኣውጽኡ ኣይ ንነብሶም፣ ኣይ ንቤተሰቦም፣ ኣይ ንሃገሮም ከይኮኑ ስለ ዝተረፉ ብብስጭትንን ሕርቃንን ኢዮም ዝነብሩ ዘለው። ኣብ ናይ ኢስያስ ውድቀትን ናይ ህግደፍ ምድምሳስን ዝዓዘዘ ድልየት ከምዘለዎም ፍሉጥ ኢዩ። እቲ መንገዲ ጥራይ ኢዮም ዘናድዩ ዘለው። ንናይ ኢሳያስ ናይ ስልጣን ዘመን ከናውሑ ኢሎም ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ው እ ክሳተፉ’ውን ፈቓደናታት ኣይኮኑን።

እቲ ሓደ ወገን ድማ እዚ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ኢዩ። እዚ ኣካል ሕብረተሰብ’ዚ ንዝሓለፈ 16 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ ኢሳያስ ባርነት ተቖሪኑ ዘሎ ዕድሜኡ ዳርጋ ካብ 40 ንታሕቲ ኢዩ። ብነጻ እናኣገልገለ ከሎ ነቲ ኣብ ርእሲኡ ዝወርዶ ዘሎ በደልን  ግፍዕን ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለ ዝበጸሕ ዝፈትዋ ሃገሩን ስድርኡን ራሕሪሑ መዓልቲ መዓልቲ ናብዘይፈጦ ዓድታት ዝገጠመ ይግጠመኒ ካብ ኢድ ኢሳያስ ጥራይ የውጽአኒ እናበለ ዝጠፍእ ዘሎ። ካብቶም 60,000 ኣቢሎም ዝኾኑ ኣብ ትግራይ ተዓቛቦም ዘለዉ ዳርጋ ፍርቆም ንሳቶም ኢዮም። ክንደኦም ዝኾኑ ድማ ንሱዳን ኣትዮም ኣለው። ኣብ ርእሲ’ዚ በሻሓት ዝቑጸሩ ኣብ ናይ ኢሳያስ ቤት ማእሰርቲ ተመቛሖም ይሳቐዩ ኣለዉ፣ ብዙሓት መግዛእቲ ኢሳያስ መሪርዎም ባዕላቶም ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ ከለው ብዙሓት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሓቢኦም ኣለው። እዞም ኣብ ሃገራዊ ባርነት ዘለው ልክዕ ከምቶም ተጋደልቲ ዝነበሩ ንሳቶ’ውን ዕድመ ናይ ኢሳያስ ስልጣን ንምንዋሕ ኢሎም ኣንጻር ዝኾነት ሃገር ክዋግኡ ኣይደልዩን ኢዮም። ብሓጺሩ ኢሳያስ ክምከሐሉ ዝኽእል ወተሃደራዊ ዓቕሚ የብሉን። ኢሳያስ ነዚ ስለዝፈለጠ ኢዩ ምስ ኢትዮጵያ ደጊሙ ውግእ ዘይከፈተ። መለስ ከኣ ነዚ ፈሊጡ ኢዩ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ውግእ እንተጀሚሩ “ለሦስተኛ ግዜ ጦርነት እንደማይኖር እናደርጋለን” ዝበለ። ኢሳያስ’ውን ነዚ ፈሊጡ ኢዩ ኣብ ክንዲ ቀጥታዊ ውግእ ብተዘዋዋሪ መንገዲ (proxy war) ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናይ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ዝፍትን ዘሎ።

ኢሳይስ ከምቲ ብ1998 ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ውግእ ምስ ከፈተ ኣልዕል ኣቢሉ “ወያኔ ነቶም ሽውዓተ ንዘተ ኢሎም ዝኸዱ መኮነናት ቀቲሎሞም፣ ወያኔ ወሪሮም መሬት ኤርትራ ሒዞም፣ ወያኔ ኤርትራ ልኡልነት ዘለዋ ሃገር ከምዘይትኾውን ይፍትኑ ኣለዉ፣ ወያኔ ሓሳዳት በቲ ናይ ኤርትራ ምዕባሌ ቀኒኦም ከተዓናቕፍዋ ይጽዕሩ ኣለው፣ ወዘተ እናበለ ንህዝቢ ኤርትራ ንዓይ ወሲካ ኣደናጊሩና። ኣብ ርእሲ’ዚ ወያኔ ዓቕሚ የብለንን፣ ንጭፍራ ወያኔ ክድምስስ ዘኽእል ሙሉእ ዘይጉዱል ዓቕሚ ኣሎና። ወያኔ ከም ሓንቲ ባዶ ታኒካ ገረውረው ኢየን ዝብላ፣ እተን ኣለዋና ዝብልወን ናይ ውግእ ኣውሮፕላን ዘይጠቕማ መዓልተን ዝሓለፈን ኢየን። ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ ኣውጽኡዎ ማለት ጸሓይ ደጊማ ኣይትበርቕን ኢያ ማለት ይቐልል ወዘተ እናበለ ዓይንና እናረአየ ኣእዛና እናሰመዐ ምስ አዳናገረና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ሓቂ መሲልዎ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ “ሃገሩ ንምክልኻል” ኢሉ ዝከአሎ ኩሉ ኣበርኪቱ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ከምኡ ኢሉ ከዳናግረና ከምዘይክእል ጽቡቕ ገይሩ ፈሊጡ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ በቶም ከም ባዶ ታኒካ ገረውረው ዝብሉ ጭፍራ ወያኔ ምስ ተደፍአ ነቲ ተሓሲምዎ ዝነበረ ናይ ሰላም ፍታሕ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐቢለዮ ኢየ ካልእ ቅድመ ኩነታት እንተሊይ’ውን ክቕበሎ ፈቓደኛ ኢየ እናበለ ንኮፊ ኣናንን ንፕረሲደንት ቢል ክሊንተንን ለይቲ ለይቲ ቴለፎን እናደወለ ድቃስ ምስ ከለኦም ንወያኔ ለሚኖም ጠጠው ኣቢሎሞም። ሕጂ ግን ክድውለሉ ዝኽእል ሰብ የብሉን። ነዚ ኢዩ ድማ ናይ ተዘዋዋሪ ውግእ (Proxy war) ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካይድ ዘሎ። ንአብነት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ግሎባል ፖስት ኣብ ዝተበሃለ  መጽሔት ዝወጸ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣

Eritrea opposes South Sudan, Published 05/22/2011 - 4:50 p.m. GMT
 
Meanwhile, sources  claim that Eritrea’s President Isaias Afewerki is gathering anti-South Sudan forces together even before South Sudan officially becomes a country. The Juba government in South Sudan will form an independent state on July 9, 2011 which will create the youngest country in Africa. However, Eritrea wants to remain the youngest country in Africa. President  Isaias often justifies not having elections in Asmara and the lack of economic progress in Eritrea with the pretext that Eritrea is still the youngest country. According to the source, Eritrean President Isaias Afawerki has a unique foreign policy of collecting anti-government forces from countries in the horn of Africa (Somalia, Ethiopia, Djibouti, South Sudan, Somaliland and Sudan) in order to be relevant and have influence in the region. By creating instability inside its neighbors, the Eritrean government often uses its ability to mediate negotiations to restore stability among its neighbors as a leverage in its foreign relations with countries in the horn of Africa. Eritrea wants to have leverage against the new Juba government since South Sudan has a long border with Ethiopia that can be used to infiltrate opponents of the Addis Ababa government.
Since it became a country, Eritrea has been involved in conflicts with Djibouti, Ethiopia, Yemen, Sudan and in Somalia.

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ኢሳያስ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብ ሱዳን ውግእ ክፍጠር’ሞ ብኡ ገይሩ ነቶም ኣንጻር ኢህአደግ ዝኾኑ ጉጅለታት እናስሎኸ ብምእታው ንኢትዮጵያ  ብሰሜን፣ ብምብራቕ ከምኡውን ብምዕራብ ወገናት ናይ ግብረ ሽበራዊ ስርሑ ንምክያድ ዘይሕለል ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎ ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ እምበኣር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ኢህአድግ ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳያስ ብሰራዊት ኤርትራ ከምዝተነጽገን ናይ ሁውከትን ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር ስረሓቱን ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጦ ኢዩ ወይ ፖሊሲኻ ቀይሮ ወይ ድማ ንስኻ ትቕየረሉ መንገዲ ክንፈጥር ኢና ዝብል ዘሎ ኢለ እግምት። ኢሳያስ ዓጃው ግን ነቲ ናይ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምስሌነ ክኸውን ኣለኒ ዝብሎ ሕልሙ ገና ኣይገደፎን።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...