ስለምንታይ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ፖሊስኡ ለዊጡ ዘሎ?

ሳልሳይ ክፋል
 

ከም ናተይ ርእይቶ እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ይርከብዎም፣
I
.  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ 5 ዓመት ናይ ዕብየትን ለውጥን ፕላን    (5   Year Growth & Transformation Plan) ከምቲ ዝድለ ሽቶኡ  ክወቅዕ  ንኽኽእል፣
II.  ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ኢሳያስ ምምሕዳር ጸሊእዎ ጥራይ ዘይኮነስ ፈንፊኑ ዓኽ ጡፍ ከምዝበሎ ስለ ዝፈለጠ፣
III.  ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ኢሳይያስ እምነት ከምዘይብሉን ከዲዕዎ ከምዘሎን ብተወሳኺ ድማ ንናይ ኢሳያስ  ስልጣን ክናውሕ ኢሉ ክዋጋእ  ከምዘይደሊ ስለዝተረደአ፣
IV.  ስርዓት ኢሳያስ ውሽጡ ቦኽቢኹን መሽሚሹን ምህላዉ ስለ ዘረጋገጸ፤
V.  ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ሃገራትን ውድባትን ከምዝተነጸለን ከምዝተፈንፈነን ስለዝፈለጠን ኢዩ፣

II. ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ህግደፍ ፈንፊንዎ ጥራይ ዘይኮነስ ዓኽ ጡፍ ከምዝበሎ ስለዘረጋገጸ ኢዩ
ህዝቢ ኤርትራ ንዲ/ኢሳያስን ምሕደርኡን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ዝፍንፍኖ ነዊሕ እዋን ኮይኑ ኣሎ። ንጽልኡ ድማ ብዝተፋላለየ መንገዲ ካብ ምግላጽ ኣይዓረፈን። ብዙሓት ካብቶም ብሳንቡእ ኢሳያስ ዝትንፍሱ ጀነራልትን ካልኦት ሰበ ስልጣናት ኢና በሃልቲ’ውን ጽቡቕ ገይሮም ይፈጡ ኢዮም።

ከምቲ መለስ ዜናዊ ዝበሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ከም ቀደሙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ንኸይፍጽም ኣብ ምክልኻል ጥራይ ተወሲኑ ኢዩ ነይሩ። መ/ኢ ብዛዕባ ኢሳያስን ስርዓቱን ብዙሕ ከይተዛረበን እንታይ ዓይነት ናይ ተራ ሸፋቱ እኽብካብ ምኻኑን ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብጩቕ ኣይበለን። ከምዚ መግበሪኡ ድማ ብናተይ  ግምት ኮነ ኢሉ ኢዩ። ከም ናይ ኢህአደግ ኣረአእያ ኣብ ክንዲ ንሕና ንናይ ህግደፍ እንታይነቱ ነቃልዖ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ይምዘኖን ይመምዮን ብማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ኢህአደግ ብዛዕባቲ ነውራም ናይ ኢሳያስ ምሕዳራ እንተተዛሪቡ ኢሳያስ ድማ ንዓአ እናዳመዝመዘ ረአኹም ወያኔ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም፣ ንኤርትራ እንደገና ክጎብጥዋ ስለዝደለዩ ኢዮም ወዘተ ስለዚ ወያኔ ንምክልኻል ምሳይ ደው በሉ እናበለ መታን ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ከየታልሎ ብዝብል ብልሓት ኢዮም ሱቕ ኢሎም ዝጸንሑ ኢለ እግምት።

ሕጂ ግን ድሕሪ 10 ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ካንሰር ዝኾነ ስርዓት ጽቡቕ ገይሩ ከምዘለለዮ ብዘየጣራጥር ፈሊጦም ማለት ኢዩ። ገለ ካብቲ መረጋገጺታት ድማ እቲ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ብአማእት ዝቑጸር ዝውሕዝ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እዞም ስደተኛታት እዚአቶም ናብራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እዚ ናይ ባጋሚዶታት እኽብካብ ኣመና መሪርዎ ከም ዘሎን፣እዚ ድማ ብዘይአፈላላይ ካብ ኩሉ ወገን ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርከብዎም ኢዮም ንኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለዉ። እዚኦም ዝስደዱ ዘለው ወተሃደራትን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብባርነት ተታሒዞም ዘለዉን፡ ዝሸምገሉ ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ኣቕሽሽትን መሻይኽን፣ ተመሃሮን ህጻናት ቆሉዑትን ይርከብዎም። እዞም ስደተኛታት እዚአቶም ናብቲ ናይ መዕቆቢ ቦታ ምስ በጽሑ  ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ስርዓት ምዃኑ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ኢህአድግ ነዚ ኩሉ ኣሰቃቒ ናብራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ  ገይሩ ፈሊጥዎ ማለት ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኢህአደግ ብዛዕባ ምሕደራ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር ኣየድልዮን ኢዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ሰብ ደም ሰትዩ ዘይጸግብ ስርዓርት ሕርሕራይ  ገይሩ ባዕሉ ስለዝፈለጦ። ህዝቢ ኤርትራ ጽልኡ ካብ ዝገልጸሎም ኣገባባት ቁሩብ ንምጥቃስ፣ ብውሕዱ ኣብ ሓደ ወርሒ ክሳብ 2,000 ዝኸውን ህዝቢ ዓዱ  ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይጠፍእ ኣሎ፡ ወለዲ ደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ከም ዘቛርጹ’ሞ ንሳዋ ከምዘይከዱ ምግባር፡ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለው ድማ ብዝከአሎም መጠን ንኽተርፉ ይገብሩ ኣለው። ወለዲ ኣዋልድ ደቖም ቀልጢፈን ከምዝምርዓዋ’ሞ መጻወቲ ናይ ህግደፍ ጀነራልትን ኮረኔላት ከምዘይኮና ምግባር፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ባንክ ገንዘብ ዘለዎም ገንዘቦም እናውጽኡ ኣኣብ ገዛኦም የቐምጥዎ፡ ወዘተ። ብሓጺሩ ኢህአድግ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ንስርዓት ህግደፍ ዓኽ ኢሉ ጡፍ ከምዝበሎ ብዘየጣራጥር ኣረጋጊጹ ማለት ኢዩ።

ብወገን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን እንተሪኢና ድማ ብተማሳሳሊ መንገዲ ካብ ቁጽጽር ህግደፍ ፈንጢሱ ይወጽእ ኣሎ። ከም መረዳእታ ድማ ነቲ ህግደፍ 2% ክፈሉኒ ዝብሎ ገንዘብ ካብ ምኽፋል ይቑጠቡ ኣለው፣ ናብቲ ህግደፍ ዘዳልዎ ፌስቲቫል ዝኸይድ ብዝሒ ሰብ ዳርጋ ቁንጣሮ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፣ ነቲ ብዝተፋላለየ ምኽንያታት እናፈጠረ ገንዘብ ኣዋጽኡ ዝብሎ እምቢ ብምባልን፡ ኣብ ዝተፋላለያ ናይ ዓለም ከተማታት ኣንጻር ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ እናዳለዉ ነቲ በላዕ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ሙሉእ ዓለም የቃልዖ ኣሎ። ብተወሳኺ ነቶም ኣብ ናይ ኤርትራ ኮሙኒቲ ዝነበሩ ናይ ህግደፍ ተደናገጽትን ሃሱሳትን እናጸንጸለ ጸግዖም የትዞም ኣሎ። ኣብ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ቦታ ደገፍቲ ህግደፍ ኢድ ከምዘይህልዎም ምግባርን፡ ብዓቢኡ ድማ ንኤርትራ ካብ ምኻድ ምቑጣብን ይርከብዎም። ብተወሳኺ እቶም ብህግደፍ ተታሊሎም መሬት ገዚኦም ገዛ ከሰርሑ ጀሚሮም ዝነበሩ እቲ ገዛ ከይተወደአ ጠጠው ከምዝብል ምግባርን ከምኡውን መሬት ሒዝካ ከይሰራሕካዮ ምትራፍን ይርከብዎም። ከምኡውን ኣብዚ እዋን’ዚ ዋላውን ህግደፍ ብሑሱር ዋጋ መሬት ክሸጥልኩም እናበለ ይዋጢ እንተሃለወ ተዓሽዩ ዝገዝእ ግን ኣይረክብን ዘሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ናብ ዘመድ ዝለአኽ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ብባንክ ብሰብ  ጌርካ ምትሕልላፍን፡ ካብ ወጻኢ ንኤርትራ ኣቕሑት ክሰድድ ዝደሊ ድማ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ናብ ኣዝማዱ ሰዲዱ ግብሪ ንህግደፍ ዝኸፍል ብስም ጀነራላትን ወይ ኮረሌላትን ሊኢኾም እቲ ኣቑሑት ቀረጽ ከይከፈለ ከምዝአቱ ምግባር ይርከቡዎም። ኣብዚ እዋንዚ ኢህአደግ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ክሳብ ክንደይ ንህግደፍ ፈንፊንዎ ከም ዘሎ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ኣሎ ማለት ኢዩ።

እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ብዝሒ ኤርትራውያን ንኤርትራ ክበጽሑ ዝኸዱን ንኢትዮጵያ ዝኸዱን እንተ ኣዋዳዲናዮም ዳርጋ ተመጣጣኒ ኢዩ ማለት ይከአል። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንአዲስ ኣበባ ከይደ ከሎኹ ኣብቲ ሆቴላት ብዝሒ ኤርትራውያን ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ። ምኽንያት መምጺኢኦም እንተሓተትካዮም ድማ ዝተፋላለየ ኢዩ። ንአብነት ገሊኦም ክንዛወር ይብሉ፣ ገሊኦም ኣዝማድና ክርኢ ክብሉ ከለው፣ ገሊኦም ድማ ኣቦይን ኣደይን ብ1998 ካብዚ ክስጎጉ  ከለው ንብረቶም ሓዲጎም ስለ ዝኸዱ ነቲ ንብረቶም ክርከብ ኢየ መጺኤ ይብሉ። እሞ ባዕላቶም መጺኦም ደኣ ዘይርከብዎ እንተበልካዮም ድማ ሓጻር መልሲ ይህቡኻ። ንሳ ድማ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኣትዮም ስለ ዘለዉ ካብታ ዓዲ ክንቀሳቐሱ ኣይፍቀደሎምን ስለ ዝኾነ እቲ ውክልና ንዓይ ሂቦሙኒ ይብለካ። ገሊኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይ ሓንቲ ሽግር ገንዘብካ ከተዋፍር ስለዝፍቀድ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ንግድ ስራሕ ክጅምር ይብሉኻ። እታ ካብ ኩሉ ዝገረመትኒ ግን ናይ ሰለስተ ኤርትራውያን ካብ ሆላንድ ዝመጹ ኢያ ነይራ። እዞም ሰለስተ ሰባት ኣብቲ ዝቕመጠሉ ዝነበርኩ ሆቴል ስለ ዝነበሩ ንምታይ ከምዝመጹ ምስሓተትኩዎም ሓደ ካብአቶም መምጽእየይ ኣብዚ ዓዲ ዘለዉ ዓይነ ስዉራት ናይ ኢደ-ጥበብ ክምህሮም ኢየ መጺኤ በለኒ። እንታይ ዓይነት ኢደ-ጥበብ ኢካሞ ተስተምህሮም እንተበልኩዎ ናይ ፈለኛሞ ስራሕ በለ። ቀጺሉ ኣነ በዚ ክእለተይ ነቶም ኣብ ዝተፋላለየ ውግእ ዓይኖም ዝዓወሩ ኤርትራውያን ኢየ ከሰልጥን ሓሲበ ነይረ። ኮይኑ ግን ፈቲነ ፈጺሙ ዘይኸውን ኮይኑ ረኺበዮ። ምምሕዳር ኢሳያስ ፈጺሙ ምስራሕ ከሊኡኒ ብድሕሪኡ ነቲ ካብ ናይ መንግስቲ ሆላንድ ነዚ ዓይነት ኢሉ ዝተመደበ  ገንዘብ ካብ ብላሽ ዝተርፍ ንአዋትና ኢትዮጵያውያን ከሰልጥነሉ ወሲነ ምስ በለኒ ነቲ ዝነበረኒ ሓዘን ዝያዳ ኢዩ ወሲኹሉ። እቶም ክልተ ድማ ምስ ኣብ ህሎኣንድ ዝርከባ ናይ ብረሰናይ ውድባት ተሰማሚዖም ነቶም ኣካለ ስንኩላት ኤርትራውያን ዝተፋላላየ ክእለት ንኽድልቡ ከሰልጥንዎም ብሚሊዮናት ዝቑጸር ረኺብና ኔርና። ነዚ ናብ ስራሕ ንምውዓል ንኤርትራ ምስ ከድና ነቶም ሓለፍቲ ምስ ሓበርናዮም ንሳቶም ድማ ናታትኩም ኣስተምህሮ ይትረፈና፣ እቲ ንዘብ ንዓና ኣረክቡናሞ ንሕና በቲ ዝመስለና ከነሰልጥኖም ኢና በሉና። ንሕና ንሆላንድ ተመሊስና ነቶም ናይተን ውድባት ሓለፍቲ ኣረዳእናዮም። ንሳቶም ድማ ምምሕዳር ኢሳያስ እምቢ ካብ በለ ንኢትዮጵያውያን ኣካለ ስንኩላን ከድኩም ዝተፋላለየ ናይ ኢደ-ጥበብ ክእለት ኣሰልጥኑ ስለዝበሉና ንሕና’ውን ስለዝተሰማማዕናሉ ናብዚ መጺእና ንሰርሕ ኣሎና ኢሎም ነጊሮሙኒ። ኢህአደግ እዚ ኩሉ ዝብለኩም ዘለኹ ከይፈለጦ ዝተርፍ ኣይመሰንን።

ዝሓለፈ ሰሙን ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ ናይ ደቀባት መርበብ ኣብዝጸሓፎ “ተቓወምቲ ዝበሃላ ኣየኖት ኢየን? እዘን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጸላእትና ወያኔ ዘለውዎ ሸንኮለል ዝብላ ዲየን? ይበሃል እሞ፡ እቲ ካብ ናይ ህግደፍ እንዳ ድዃን ዝተገዝአ በርበረ ሓመድ-ሓመድ ምስጠዓመካ ብሕጛ` ጥውይ ኢልካ “ሳባ በርበረ ተማልእለይ ካብ ኣዲስ ኣበባ” ከአ ኮይኑ ትረኽቦ። ወረ ዝያዳ ኣለዎ፡ “እዝግሃርያ ካብ ኢትዮጵያ ተማልእለይ ዙርያ”፡ እዝስ እንታይ ይበሃል? ስርዓት ኣዲስ ኣበባኮ ንህግደፍ’ዩ ጸላኢኡ እምበር ንተቓወምትን ንህዝቢ ኤርትራን ኣይኮነን” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። እዛ ኣበሃህላ ኣዚኣ ትኽክል ኮይና ኢየ ረኺበያ። ልክዕ ከምታ ንሱ ዝበላ ኣነ ንአዲስ ኣበባ ከምዝኸይድ ንሓደ ሓደ ሰባት ምስ ነገርኩዎም “እሞ በጃኻንዶ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝ ተማለአለይ፡ እታ ሓንቲ ድማ ንዓይ ከአ በጃኻንዶ ከምዚ ኣምጽእለይ፡ እቲ ሓደ ከአ ኣቦይ ኣብኡ ኢዩ ዘለሞ በጃኻ እዚኤን ሒዝካሉ ኪድ ክብሉኒ ከለው ኣመና ኢዩ ዝርመኒ። ካብ ኩሉ ዝገርም ድማ ካብቶም ቁሩብ ተሪፎም ዘለዉ ሃሱሳት “ንሕናን መንግስትናን” ዝብሉ ምኻኖም ኢዩ።

ኣብዚአ ሓንቲ ክነግረኩም። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጀርመን ትቕመጥ ናይ ህግደፍ ደጋፊት ኢያ። ብዙሕ ሰብ ድማ ይፈጣ ኢዩ። እዛ ሓሱስ ደጋጊማ ኢያ ንአስመራ ትኸይድ። ህግደፍ’ውን ከም ደጋፊት ኢዩ ዝቖጽራ። ነዞም ወያኔ ድማ ሙሉእ መዓልቲ ከተካፍኦም ኢያ ትውዕል። ንኣስመራ ምስ ከደት ነቶም ናይ ህግደፍ ናይ ወተሃደራት ሓለፍቲ ተፋሊጣ ዝኽፈል  ገንዘብ ከፊላ ነቶም ክልተ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ ኣሕዋታ ንኢትዮጵያ ከም ዝሳሩላ ገይራ። ሕጂ ንሳቶም ከም ስደተኛታት ተቖጺሮም ኣብቲ ዓድቶም ወያኔ ትብሎም ሓቢአቶም ኣላ። ንሓደ ዓቢ ሓዋ ድማ ካብ ኬንያ ንኢትዮጵያ ኬድካ ኣብኡ ከምስደተኛ ተመዝገብ’ሞ ሽዑ ናብ ካልእ ሃገር መታን ክትከይድ ከምዝበለቶ ኣነ ኣጸቢቐ ኢየ ዝፈልጥ። ብሓጺሩ እቶም ናይ 20 ዓመት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ውርደት ከነብዕል ኢና ንኸይድ ዘለና ኢሎም እንተተዛረቡ 90% ሕሶት ምዃኑ ኣነዃ በዛ ዓቕመይ ሕሶት ምዃኑን ካልእ ጉዳዮም ከሳልጡ ምዃኖም ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ ኢየ።  ኢህአደግ ዋላ ነቶም “ንሕናን መንግስትናን” እናበሉ ዝግዕሩ ሃሱሳት ልቦም ምስ ህግደፍ ከምዘየላ ጽቡቕ  ገይሩ ፈሊጥዎም ኢዩ።

ኢህአድግ ሓደ ካብቲ ጭርውሩው ዘብል ጽፊዒት ንህግደፍ ዝጸፈዖ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ንዉጹዓት ኤርትራውያን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ኢዩ። ካብ 60,000 ንላዕሊ ዝኾኑ ኤርትራውያን ነቲ መሪር ናይ ኢሳያስ ምሕደራ ዝጸልኡ ስደተኛታት ምዕቛብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪሖም ንኽነብሩ ስለዝፈቐደሎም፡ ከምኡውን መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ብህግደፍ ተሓሪምዎም ዝነበረ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ፈቒዱስ ብገንዘቡ የምህሮምን ይቕልቦም ምህላዉ ኢዩ። ከምኡ ድማ ንስደተኛታት ከም ብናይ መንግስቲ ግብጺ ተአሲሮም ንኤርትራ ክጥርዝዎም ክብሉ ከለው መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ማእሰርቲ እናውጸአ ብአውሮፕላን ኣሳፊሩ ንአዲስ ኣበባ ብውሳድ ካብታ ናይ ኢስያስ ካራ ስለዘድሓኖም ኢዩ። ብሓጺሩ ኢህአደግ ሙሉእ ዘይጉዱል ጽቡቕ ሓልዮት ናይ ጎረቤቱ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ብዘየጣራጥር ኣረጋጊጹ ማለት ይከአል። ከምዚ ዓይነት ቅዱስ ተግባር ኢህአደግ ፈታው ህዝቢ ኤርትራ እምበር ከምቲ ህግደፍ ሓስዮምን ኣደናጊሮምን ጸላኢና ኢዩ ዝብልዎ ከምዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ጽቡቕ  ገይሩ ፈሊጥዎ ኣሎ።

ብሓጺሩ እምበአር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ኣብዚ እዋን’ዚ ኢህአደግ ሓደ ካብቲ ፖሊሲኡ ከቕይር ዘግበርዎ ምኽንያታት ብሓደ ወገን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ደው ኢሉ ዓኽ ጡፍ ከምዝበሎ ስለዝፈለጠ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኢህአድግ ጸላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ህዝቢ ኢርትራ ባዕሉ ስለዝአመነ። ብተወሳኺ እዚ ክልተ ህዝቢ ተኸባቢሩ እናተሓላለየ ምንባር መሪጩ ከምዘሎ ስለ ዝተረደአ ኢዩ መንስቲ ኢትዮጵያ ፖሊሲኡ ቀይሩ ዘሎ ኢለ እግምት።

ተወልደ ሃብተሚካኤል

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...