ሰላም ኤርትራውያን ካብቲ ኩቡር መንነትና ባህልና ልምድና እምነትናን ኣየርሕቐና፡፡

ዝስዕብ ጽሑፈይ ብዛዕባ እቲ ኩቡር ባህልናን ልምድናን እምነትናን  ኮይኑ,  ነቶም ወይ ነተን መንነቶም ባህሎም ልምዶም እምነቶምን ዘኽብራ ዘኽብሩ ደቂ ሃገር ኣይምልከትን፡፡

ብፍላይ ከተኩሮሉ ደልየ ዘለኹ ብዛዕባ መርዓን ሓዳርን መርዓን ሓዳርን’ከ ምስመን፡ ዝፍጸም ዘሎ ሸለልን ዘጓንፍ ዘሎ ሸተትን, ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝስዕርር ዘሎ ዘይምክብባርን ምርሕሓቕን ብፍላይ ኣብ ስደት ናብቲ ሓድሽ ወለዶ ዘስዕቦ ዘሎ ዘሕዝን ተረኽቦታትን መዘዙን፡ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ኣስላም ኤርትራውያን ብዝኸፍኤ ብዘሕፍር መልክዑ ይርአ፡፡

ዘይ ከም ክርስቲያን ኣሕዋትና ኣስላም ኤርትራ ኣብ ትሽዓተ ብሄራት ዝተኸፍለ ኮይኑ ብቦታ ብባህሊ ብቋንቋ በታሓሳስባ ዝተፈላለየ ኢዩ፡፡ ቁዱስ ቁርኣን ከምዝብሎ ቡዙሓት ቀቢላታት ዝፈጠርኩኹም ክትፈላለዩ ዘይኮነ ንኽትፋለጡ ኢዩ ይብል፡ ኮምኡ ውን ወዲ ሰብ ሓደ ስድራ ቤት ሙዃኑ በብእምነቱ በብባህሉን ልምዱን ክከባበርን ክተሓጋገዝን ካብ ኣንነት ወገን ትምክሕቲ ጽልኢ ክንቁጠብ ፈጣሪ ኣዚዙና ኢዩ፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሞንጎ ኣስላም ኤርትራ እቲ ኩዉንነት ካልእ’ዩ፡ ንኣብነት ኣብ መውስቦ እንተመጺእና ኣብ ሞንጎ ሳሆን ጀበርትን እኳ ይሓይሽ እምበር መውስቦ ኣብ ሞንጎ እተን ካልኦት ብሄራት ዳርጋ ኣይነበረን ዳርጋ የለን ውን ሳሕቲ ተዘይኮይኑ፡፡ ኣብ ምስልምና ግን ኣይኮነን’ዶ ኣብ ሞንጎ ኣስላም’ሲ ነሕዋትና ክርስቲያንን የሁድን ውን እንተኾነ ድሕሪ ምምስላም ክትዋሰብ ሓላል ኢዩ፡፡

ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ብዛዕባ ሰሜን ኣመሪካ ክትንትን,ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ካናዳ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስቲያንን ኤርትራውያን ተማሳሳሊ ብዝሒ ኣሎ፡ ከም ብዝሑ ከም ካልኦት ስደተኛታት ዱልዱል ማሕበረሰብ ክህልዎ ዝግባእ ዕድመ ን ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ወግዓዊ ማሕበረሰብ ካልእ ህግደፋዊ ማሕበረሰብ ብምኽፋት ህዝቢ በታቲኑ ኩለን ኣይሙዉታት ኣይ ህሉዋት ኮይነን ይርከባ፡፡  ካብኡ ሓሊፉ ህግደፍ ንክርስቲያን ኤርትራ ብኣውራጃ ንምብትታኑ ኣብ ቤተክርስትያናት ከይተረፈ ዝፍጽሞ ሽርሕታት ከይተንበርከኹ ብልቦና ብሜላ እንዳመከቱ ኣብ ዝሓሸ ዘኹርዕ ኩነታት ይርከቡ ብፍላይ ኣብ ካናዳ፡፡

ኣብ ካናዳ ኣብ ውሽጢ 20ዓመታት ኤርትራውያን ክርስቲያን ለልዕሊ ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ክልተ ቤተክርስቲያን ኣዋጺኦም ገዚኦም፡ ኣስላም ድማ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ሓሓደ ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ 3 ሰለስተ መቓብር ገዚእና ሓንቲ ምሸት ድማ ኣብ ሆቴል ተኣኻኺብና ተደሪርና ተዛናጊዕና ኣብቲ ሆቴል ዝሓድር ውን ኣብኡ ሓዲሩ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ድማ ኣብ ፒክኒክን ኣብ ሮሞዳንን ንራኸብ ኣብ እንዳ ሓዘንን መርዓን ድማ ንራኸብ፡፡ ኣሕዋትና ክርስቲያን ድማ በብወገኖም ማለት ተዋህዶ, ካቶሊክ, ከንሻ ናይ ካናዳ መሰሎም ተጠቒሞም ደቆም ቋንቋኦም ባህሎም ዝማሃርሉ ማእከልን መማህራንን ንኽዋሃቦም እቲ ዝማሃርዎ ቋንቋኦምን ባህሎምን ድማ ኣብ ናይ ካናዳ ካሪክለም ከም ሓደ ሳብጀክት ተቖጺሩ ክረዲት ክዋሃቦም ዘቕረቡዎ ሕቶ ተቐባልነት ረኺቡ ተዓዊቶም ደቆም የምህሩ ኣለዉ ገለ ኣስላም ውን ዘይጻዓርሉ ተጠቀምቲ ኮይኖም ይርከቡ፡፡

ብኣንጻሩ ናብ ኣስላም እንተመጺእና ዘሕዝን ዘሕፍር ዘሕንኽ ተስፋ ዘቑርጽ ኢዩ፡  ንኣብነት ኣብ 2000 ዓ.ፈ. ብውሑዳት ሓቦኛታት ኣስላም ቆልዑ ባህሎምን ዲኖም እምነቶምን ዝማሃሩሉ ማእከል ተኸፊቱ ኔሩ’ዩ እንተኾነ ብሰንኪ ዕሩባት ሕልና ባህልን ሃገርን ዘይስቆሮም ካብ ናይ ሃገሮም ናይ ኣዕራብ ታሪኽን ባህልን ከዕልሉ ደስ ዝብሎም በቲ ካልእ ድማ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ብዛዕባ ኤርትራ ዕላል ክጅመር ኣእዛኖም ዝሓትሙ ኣብ ኤርትራ ሳላ ንጹህ ንፋሳን ሙቁር ፍሬኣን ተዓንጊሎም ዓብዮም ጽቡቓ ዘይደልዩ መንነቶም ብምሕባእ ማእከል ክኣትዉ ምእንቲ ኮነ ኢሎም ኣዋልድና ይምርዓው ግና ከምቲ ወዲ ወሰን ባዕሉ ይውሰን ዝባሃል ኣሕዋትና እንዳበልናዮም ኣብ መንጎ ደቀባት ኤርትራ ዘይምትእምማን ሕንፍሽፍሽ ሕሜታ ሰባት ምባኣስ ወዘተ ይፍጽሙ፡ ሃሱሳት ህግደፍ ኮይኖም ብምግልጋል ጸገም ኮይኖሙና ይርከቡ፡ ናይ ተጋሩ ኣሕዋቶም ማሕበረሰብ ኣሎ ናብኡ እንተዝኸዱልና ድማ ዓቢ ሓገዝ ኢዩ፡፡

ስለ ዘይተኸባበርና ዕድላት ደቅና ኣበላሺና!!!

ውጽኢት ናይዚ ኣቐዲመ ዝተናኸፍኩዎ ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ሓደ ዝተፈጸመ ከካፍልለኩም ምስ ሓደ ኣስላማይ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ካናዳ ንላለ ኔረ ኔረ ይረኽቦ ኢየ ጽቡቕ ምክብባር ኣለና፡ እቲ መንእሰይ ዕባይ ሃገራት ዓረብ ኮይኑ ዝናኣድ ጠባይ ኣለዎ ናይ ትምህርቲ ናይ ስራሕ እምነቱ ዘኽብር ዝሰግድ ካብ ሕማቕ ወልፍታት ነጻን ባዓል ቁምነገርን ኢዩ፡፡ ዝምድና የብልናን፡  ብዕድመ ኣነ ካብኡ ይዓቢ ሓደ ማዓልቲ ተዓዲምና ኣብ መርዓ ንራኸብ ክንስዕስዕን ክንድሰትን ጽቡቕ ኣምሰና ናይ ኣጋጣም ሓንቲ መዘንኡ ቆንጆ እንዳሳዕሰዐት ይዕዘብ እሞ ናብ እዝነይ ቀሪቡ ሳልሕ ተዓዘባ እስከ እዛ ጓል ደስ ኢላትኒ ይብለኒ ኣነ ድማ ትፈልጣ ዲኻ ይምልሰሉ ኣይፋለይን ይብለኒ ጓል መን ኮን ትኸውን ይብለኒ ኣነ ዘይፈልጣ ይብሎ፡፡ 

ስለዚ ንሓደ ዓቢ ሰብኣይ ቅድም ሌላ ዝነበረና ኣብኡ ስለዝነበረ  እንተሓገዘና ብምባል ድሕሪ ሰላምታ እቲ ወዲ ኣግሂዱ ንምንታይ ከምዝደለያን ጓልመን ሙዃና ክፈልጥ ከምዝደለየን ይገልጸሉ፡ ሰብኣይ ቁልቁል ዝኣፋ ኣይፈልጣን ይብሎ ብወገና ኣይፈልጣን’ዩ ብምባል ኣሚናዮ ነገር ኣብኡ ይውዳእ፡፡ ድሕሪ ቡዙሕ ኣዋርሕ ብኻልኦት ጌርና ጓል መን ሙዃና ንፈልጥ እሞ ነታ ኣይፈልጣን’የ ኢሉ ዘቕበጸ ቀንዲ ዓርኪ ኣቦኣን ማሓዛ ጓሉን ካብ ቁልዕነታ ኣትሒዛ ኣብ ገዝኡ ኣታዊት ወጻኢት ሙዃና ምስ ኣረጋገጽና ሓደ ማዓልቲ ብመደብ ንበይኑ ረኺብና ንምንታይ ኣይፈልጣን ትብል እንዳፈለጥካያ እንተበልናዮ ዝሃበና መልሲ ዘይቁቡል እንታይ ዳኣ ጽቡቕ ናይ ሰብ ዘይደሊ ሓሳድ ዕድላ ዝኸልከለላ መሲሉዎ  ከምዝኾነ ተረዲእና፡፡ እዚ ከምዚ ዘይ ኢስላማዊ ስነምግባር ኣብ ኣስላም ካብኡ ናብኡ ኣብ ጀበርቲ ብዝኸፍአ ገኒኑ ይርከብ፡ ረቢ ፈጣሪ ግና ከምቲ ንነብስኻ ጽቡቕ ትፈትወላ ንኻልኦት ድማ ጽቡቕ ፍቶ ይብለና፡፡ 

እቶም እተን ኣብ ስደት ኣብነት ብሙኻን ከም ቀዳሞት ኣቦታት ኣደታት ክመርሑ ክምዕዱ ዝግቦኦም ዓበይትና መራሕቲ ኩፉእ መራሕቲ ጸይቂ ፈኮስቲ ስለዝኾኑ ከምስሉ ኩፊየት ቆቢዕ ኣስላም ጌሮም ኣብ ደስታን ኣብ ሓዘንን ዱዓ ጸሎት ክገብሩ ኣልፋቲሓ ክቐርኡ ክትዕዘብ ኮለኻ ንዘይፈልጦም ኣየ መሻይኽ ይብል ይኸውን፡  ዘይባህልና ኳዃት ክመስላ ከምስላ ጸሊም ተሸፊነን ሓዳር ዝዘርጋ ፍቑራት ዘራሓሕቓ መናእሰይ ኣብ ሓዳር ከይበጽሑ ዝካኣለን ዝገብራ ኣስማት ዝብልላ እዋይ ንሳስ ትትረፍካ እዋይ ኑሱስ ይትረፍኪ እንዳ በልካ ደይ መደይ ኢልካ ንሰባት ዘይ መንነቶም ዘይሕብሮም እንዳለኸኻ እንዳ ኣነኣኣስካ ዝግበር ዘሎ ጸይቂ መስጣ ኣለዎ፡፡ 

እዚ ሓሳድ ንዝፈልጣ ኣይፈልጣን ዝበለ ድሒርና ከምዝፈለጥናዮ ኣቐዲሙ ሓደ እሩም መንእሰይ ንጓሉ ንኽብረት ንሓዳር ይሓትት እሞ ዝተዋህቦ መልሲ ወዲ ቢሄራ ስለዘይኮንካ ኣይንህብን ይባሃል፡  ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ወያ ጓሉ ካብ ሓደ ሓሽሽ ዝወስድ ጀማይካ ትጠንስ እሞ ሰብ ከይሰምዐ ተባሂሉ ተመርዓዋ ይብሉዎ ወዲ ድማ ሎሚ ኣይምርዓዋ ጽባሕ ኣይምርዓዋ ደይ ባዕላ ዝመጸትኒ ኢልዎም ሽትት ይብል ይጠፍእ ስድራ ምስ ጓሎም ኣቦ ዘይብሉ ቆልዓ ኣብ ምዕባይ ይርከቡ፡ ወዲ ሃገራ ኔሩ ተዝኸውን ግና ኮምኡ ኣይምኾነን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ምሃለው ሕጂዶ ይሓይሽ ወዲ እገለ ዘይትብለሉ ኣድራሽኡ ኣይፍለጥ ዓዱ፡፡

ሎሚ እሞ እቲ ትዕቢትን ክፍኣትን ዘይምክብባርን ቅርሕንትን ዝፈጠሮ ንሓድሕድካ ምምርዓው ዳርጋ ተሪፉ ኢዩ ኣብ ኣስላም ብፍላይ ኣብ ጀበርቲ፡ ጓል እከለ ፓኪስታን ወሲዱዋ ተመርዒዩዋ ኣይኮነን ወሲዱዋ ኣብኡ ኮሎ ሸፋፊንካ ጓል እከለ ቱርኪ ደጊሙዋ ኣምሓራይ ወሲኹዋ ጀማይካ ደጊሙላ እንዳተባህለ ንሕናዶ ሓሚቕና ዝዓይነቱ ውድድር’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ከምቲ ኤርትራዊ ሓዎም ክሓትት ኮሎ ዝግበር ትዕቢትን ሳዓቦ ጉተቶን ምርምርን ተማሂሩ ድዩ እንታይ ይሰርሕ ክንደይ የእቱ ዝግበር ቅድመ ኩነት የለን እናሃልካ ብጥራዩ ውሰዳ ጥራይ ኢዩ ዝባሃል፡፡ እዚ ኩሉ ናይ ነብስኻ ምሕሳር ሱጉምቲ ምስተወሰደ ኣይ ዓመት ኣይዕለት ዳርጋ 95% ይመንውወን እሞ ይሓድጉወን። ወዮ ቱርኪ, ዓረብ, ሱዳን, ፓኪስታን ሶማል ጀማይካ, ኣምሓራይ ዳኣ ኣበይ ኣበሉ ተበልካስ ጠንጢኑዋ እንዲዩ ይባሃል ካብኡ ቆልዑ ሒዝካ ጾር መንግስቲ ኮንካ ኣብ እንጀራ ምሻጥ ኣቲኻ ጠጠው ጠጠው ምባል ናይዚ ኩሉ መንዩ ታሓታቲ፡፡    

እቶም ብዘሕፍር ሕስረት ነዋልድና ዝወስዱወን ዘለዉ ብኣንጻሩ ጓልኩም ሃቡና ምስዝባሃሉ እንተሞቱ ኣዋልዶም ኣይህቡን ጥራይ ዘይኮነ ነተን ዝወሰዱወን ኤርትራውያን ደቆም ወይ ኣዝማዶም ተዘይገዲፍኩመን ብምባል ከምዝገድፉወን ይግበር፡፡ እቲ ንጓኖት ምኽባር ነሕዋትካ ምሕሳር ዘምጾኦ መዘዝ ሱዳናውያን እንታይ ይብሉ መርዓ ንዝደንጎየ ሓዎም ወይ ዓርኮም ዘይትምርዓው ይብሉዎ’ሞ ኣይረኸብኩን እንተ ኢሉ ወላ ሓበሽያ ወላ ሓበሻ ይብሉ ኣብ ሃገሮምን ኣብ ስደትን ንሰምዖ ዘረባ ኢዩ እዚ ዘርእየና ደቀንስትዮና ሕሱራት ሙኻነን፡፡

ናብ ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣስላም ክምለስ ብናተይ  መምዘኒ 95%  ምስ ደቂ ሃገሮም ሓዳር ክምስርቱ ይደልዩ፡ ገለ ጓል ሃገሮም ፈቲኖም ዘይኮኖሎም ገለ ድማ ብምርጫኦም ዘይ ኤርትራውያን መብዛሕተአን ዘይ ኣስላም ኣመስሊሞም ዝምርዓው ውሑዳት ኣለው ኣብ ስደት ማለተይ  ኢየ 95% ኣብ ፍረን ውላድን በጺሖም ሙዉቕ ሓዳር መስሪቶም ይነብሩ እተን ደቂ ካልእ ሃገር ንኤርትራውያን ሰብኡተን ሉዑል ፍቕርን ሓልዮትን ምርድዳእን ኣለወን ጉቡአን ይፈልጣ ጉቡእ ሰብኣየን ይፈልጣ ተኻባቢርካ ምንባር ነጻ ኮንካ ሓሳብካ ምግላጽ ሚኒን ዘይብሉ ሂወት፡፡

ኣብ መደምደምታ ኩቡራት ኣንበብቲ ጽሑፈይ ከምቲ ወራዙት ወለድና ዝብልዎ ወላ ይሕመቕ ወዲ ሃገርካ ዳኣ ባህልናን ልምድናን እምነትናን ኣይኽላኣና ዝብልዎ ረዚን ዘረባ ዘለኒ ኣኽብሮት ብምብጋስ’የ ዘለናዮ ኩነታት ዘሕዝን ስለዝኾነ ብግልጺ ብዘይ ምሽፍፋን ኩዉንነት ከምዘላታ ምግላጽ ይሓይሽ ብምባል ብኸምዚ ኣገባብ ክጽሕፍ ተገዲደ መምሃሪ እንተኾነ ምኽንያቱ ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ዝለዝኾነ፡፡

ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ካናዳ ካብ ደንበ  ኣለና

ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ንራኸብ ንኹልና ሰላም ቅነ

መንነቱ ዘየኽብር ሓሲሩ ይነብር
 This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

                              14-05-2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...