ኣብዚ ሰሙናት’ዚ ብዲ/ኢሳያስ ዝካየድ ዘሎ “ሲምፖሲዩም” ብኹለን እተን እሱ ዝውንነን ናይ ሕሶት ናይ ዜና ማዕከናት በብመዓልቱ ይቐርብ ኣሎ። እዚ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝቐርብ ዘሎ ሲምፖሲዩም ኣዝዩ ዘስደምም ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝአመሰለ ናይ ህዝቢ ምድንጋርን ምሕሳውን ኣነ ብወገነይ ዝወዓልኩሉ ስለ ዝኾነ ኢየ ክገልጸልኩም ደልየ ዘለኹ።

 ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ገሊጸዮ ዝነበርኩ ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ምስ 12 መሳርሕተይ ኮይና ደርግ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ እቲ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ከም ዘለው ነዊሕ ጽሑፍ ኣዳሊና ኣብ ኣዲስ ኣበበ ምስበተናዮ ደርግ ኣሲሩ ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡና ነይሩ። ናይ ጽቡቕ ዕድልን ኣጋጣምን ኮይኑ ብገደብ ፈቲሑ ነናብ ዝነበርናዮ ስራሕና ከምንምለስ ገይሩ።

ደርግ ናይ ካልአይ ዓመቱ ኣብ ስልጣን ዝደየበሉ ከብዕል (መስከረም 1976) ንኹለን ሚኒስትሪታት ኣብቲ ሲምፖሲዩም ክሳተፋ ከም ዘለወን ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ኣነ ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ገንዘብ ሚኒስተር ይሰርሕ ነይረ። ሓደ መዓልቲ እቲ ሚኒስተር ጸዊዑ ኣነ ናይ ንዘብ ሚኒስተር ተወካሊ ኮይነ ኣብቲ ሲምፖሲዩም ክሳተፍ ኣዘዘኒ። ብትእዛዙ መሰረት ድማ ናብቲ መምርሒ ዝወሃቦ ቦታ (ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ቲያትር ኣደራሽ) ከድኩ። ኣብኡ ኩላትና ተወከልቲ ናይተን ዝተፋላለያ ሚኒስትሪታት ምስ ተአከብና ሻለቃ ኪሮስ ኣለማየሁ ዝተባህለ ናይ ደርግ ኣባልን ናይ ተመሃሮ ዘመቻ መምርያ ሓላፍን ዝነበረ ነዊሕ መግለጺ ሃበና። ቀንዲ ትሕዝትኡ ድማ ደርግ ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ኣብ ዝተፋላለየ ናይ ምዕባሌ መዳያት ዝፈጸሞ ዘደንቕ ስርሒታት ብግቡእ ምቕራብ ምዃኑ ሓበረና። ነዚ ኣዳሊና ከነቕርቦ ድማ ሓደ ወርሒ ምዃኑ ኣብረሃልና። እቲ ሲምቦሲዩም ኣብቲ ናይ ንግድ ቤት ትምህሪቲ (Commercial School) ምዃኑ’ውን ሓበረና። ኣብቲ ሲምፖሲዩም ዝቐርበሉ ቦታ ተረኺብና ድማ ኣድላዪ መግለጺ ንህዝብን ንጋዜጠኛታትን ከምንህብ ነገረና። ኣነ ነዚ ምስ ሰማዕኩ ሓጎስ ብሓጎስ ኮንኩ። ምኽናያቱ ድማ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ብገደብ ተፈቲሐ ስለዝነበርኩ ነተን ተሪፈናኒ ዝነበራ ቁሩብ ኣዋርሕ ቅድሚ ንገድሊ ምኻደይ እሙን ናይ ደርግ ሰራሕተኛ መሲለ ክረአ ዘኽእል ዕድል ስለዝረኸብኩ ኢዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ናብቲ ሚኒስተር ከይደ እቲ ዝተነገረና ኩሉ ምስ ገለጽኩሉ ንሱ ድማ ብወገኑ ዘድልየካ ኩሉ ሕተት’ሞ ከምዝወሃበካ ድማ ትእዛዝ ክመሓላልፍ ኢየ በለኒ። ብድሕሪኡ ንኹሎም ነቶም ናይ ዲፓርትመንት ሓለፍቲ ደብዳበ ጽሒፉ ምሳይ ክተሓባበሩ ከም ዘለዎም ትእዛዝ ኣመሓላሰፈሎም። ብኡ መሰረት ኣነ ናብ ቤት ጽሕፈቶም እናኸድኩ ክሓቶም ጀምርኩ። ንአብነት ናብ ግምሩክ ከይደ ኣብተን ዝሓለፋ 2 ዓመታት ክንደይ ዝአክል ግብሪ ከምዝኣከቡ፣ ንኣገር ውስጥ ገቢ ከይደ ካብ ቀረጽ ክንደይ ከምዘእተው፣ ከምኡ’ውን ካብ ሕርሻ፡ ካብ ኤክሳይስ ታክስ ወዘተ ከክንደይ ዝአክል  ግብሪ ከዝአከቡ ሓተትኩዎም። እዚ ኩሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዓለመ ስረሓት ምዃኑ ኩሉ ስለ ዝፈልጥ ነንሕድሕድና እናተማሳጠርና እቲ ዝተአከበ ግብሪ ሰማይ ሰቐልናዮ። በንጻሩ ድማ ምስቲ ብግዜ ሃይለ ስላሴ ዝነበረ እቶት ከወዳድሮ ስለዘለኒ ንዕኡ ቁልቁል ነውርዶ ኣሎና። በዚ መሰረት ዘድሊ  ግራፍ (graph) ኣዳልየ ኣቕረብኩዎ። ቅድሚ ናብቲ ሲምፖሲዩም ሒዘዮ ምኻደይ ነቲ ሚኒስተር ምስ ኣርአኹዎ ብሓጎስ ተፈንጪሑ “ኣቶ ተወልደ በጣም ጎበዝ ሰራተኛ ነህ” በለኒ። ኣነ ብልበይ ደይ እዚአ ኢየ ደልየ ዘለኹ በልኩ።

ኣነ ነቲ ኩሉ ናይ ሕሶት ግራፋት ሒዘ ናብቲ ቦታ ከድኩ። እቲ ሲምፖሲዩ ንዓሰርተ መዓልቲ ከምዝረአ ስለዝተባህለ ኣነ ኣብኡ ተረኺበ ነቶም ክርእዩ ዝመጹ ሰባትን ግዜጠኛታትን ደርግ ኣብ ክልተ ዓመቱ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ስሪሒታት ከምዝፈጸመ ክገልጽ ጀመርኩ። ናይተን ካልኦት ሚኒስትሪታት ድማ ከምኡ ገይሮም እናሓሰውን ጥናጻባበቑን የቕርቡ ነይሮም። ኩሉ እቲ ሰብ ነቲ ዘቕረብናዮ ሕሶትን ቅጥፈትን ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥን ይርደኦን ነይሩ። መግለጺና ምስ ሃብና ገሊኦም ሰባት ብሑሶትና ኣመና እናተገረሙ “ኣቤት ጉድ እንዲ ከሆነማ ደርግ በቅርቡ ጨረቃ ላይ ሊያስቀምጠን ነው” እናበሉ እናሓጨጩ ክዛረቡ ክሰምዕ ከለኹ ሰሓቕ ከይስዕረኒ ኣዝየ ኢየ ዝጥንቀቕ ነይረ። ብግዜ ደርግ ናይ ብሕቲ ናይ ዜና ማዕከናት ስለ ዘይነበራ ነቲ ነቕርቦ ዝነበርና ሑሶት ምቅላዕ ስለዘይከአል ህዝቢ ፈትዩ ጸሊኡ ነቲ ንሕና ነቕርቦ ዝነበርና ዶሮና ምስማዕ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ዕድሉ። ኣብቲ ሲምፖሲዩም ዝተዓጸወሉ መዓልቲ ኮሎኔል ኣጥናፉ ኣባተ ናይ ምዕጸዊ ዘረባ ሂቡ ነይሩ። ድሕሪ ዘረብኡ ነቶም ሰለስተ ንዓይ ወሲኽካ ፍሉይ ናይ ምስክር ወረቐት ተዋሂቡና። ሰለስቴና ዝተመረጽና ድማ በቲ ዘቕረብናዮ ሑሶትን ፕሮፓጋንዳን ኢዩ። እታ ናይ ምስከር ወረቐት ንሓደ መሳርሕትና ምስ ኣርእኽዎ “ኣቤት  ጉድ ኣንታ ተወልደ እዚ ተዋሂቡካ ዘሎ ወረቐት በቲ ዝሓሰኻዮ ስለ ዝኾነ ካብ ሕጂ ዋላውን ለይትን መዓልትን እንተትጽሊ ካብታ ናይ ገሃንም ሓዊ ክትድሕን ኣይትኽእል ኢኻ ኢሉ ኣስሒቑኒ ነይሩ።

እዚ ኹሉ ዝነግረኩም ዘለኹ ነቲ ዲ/መንግስቱ ሃይለማርያም ዝገበሮ ዲ/ኢሳያስ ድማ ከምዘላታ ቀዲሑ ስለ ዘቕረባ ኢየ። ከምታ ዲ/መንግስቱ ንኩለን ቤት ጽሕፈታት ኣብቲ ሲምፖሲዩም ተሳተፉ ዝበለ ዲ/ኢሳያስ ድማ ከምአ የካይድ ኣሎ። ከምቲ በዓል ኣነ ናይ ደርግ ስረሓት ኣጸባቢቕናን ኮሓሒልናን ዘቕረብናዮ ህGደፋውያን ድማ ከምአ ገይሮም ይቕርብዎ ኣለዉ። ከምቲ ኣነን ካልኦትን ብውሽጥና ንደርግ ጸሊእናዮ ኮለና ግን ጽልእና መታን ከይፍለጥ ብማለት ኣብቲ ናይ ምሕሳውን ምድንጋርን ነካይዶ ዝነበርና ኣብ ውሽጢ ህግደፍ’ውን ከምኡ ዝገብሩ ከም ዘልው ፍሉጥ ኢዩ። ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ እቲ ብናይ ቱሪዝም ሚኒስትሪ ዝቐረበ ኢዩ። ኣብታ ሻባይት ዝብልዋ ወብ ሳይቶም “ብግንቦት 8 ናይ ቱሪዝም ሚኒስትሪ ሲምፖሲዩም ብወ/ሮ ኣስካሉ ዘረባ ተዛዚሙ” ኢዩ ዝብል። ንምዃኑ ኤርትራስ እንታይ ቱሪስም ኢዩ ዘለዋ። ከምቲ ኣነ ዘይተኣከበ ግብሪ ተአኪቡ እንዳበልኩ ኣደናጊረን ኣጸባቢቐን ዘቕርቦ ዝነበርኩ ንሳን መሳርሕታን ድማ ንኢሳያስ ከሐጉሱ ኢሎም ሑሶት ብሑሶት ገይሮም ነቲ ለዋህ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳናጊሮም ማለት ኢዩ እምበር ኣሽንዃይዶ ቱሪስት ንኤርትራ ክኸዱስ ንሕና ደቂ ዓዲውን ምኻድ ገዲፍናዮ ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ደአ ብዘይካ ዝወጽእ እምበር ዝአትው ሰብ ኣሎ ድዩኸ? የልቦን።  ልክዕ ከምታ ኣብ ግዜ መንግስቱ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዘይነበራ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ድማ ከምአ ኢያ ዘላ። ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ ከም ዝበሃል ህግደፍስ ንህዝቢ ኤርትራ ብሲምፖሲዩም ኢልኩም ከተታልልዎ ምፍታንኩምሲ ክሳብ ክንደይ ደንቆሮታት ምዃንኩም ጥራይ ኢዩ ዘብርሃልና። ጨኒቕኩም፣ እዋአኹም እንታይ ክት ብሩ። ኣምሓሩ ክምስሉ ከለዉ “የጨንቀው እርጉዝ ያገባል” ከም ዝብልዎ ህግደፍ ድማ ኣመና ስለ ዝተሸገርኩም ንህዝቢ ተታልልሉ ስልቲ ስለ ዝተወደአኩም ኢኹም ናብ ሲምፖሲዩም ዝብል ኣቲኹም ዘለኩም እምበር ህዝቢ ኤርትራስ ነቲ ሑሶትኩም ኣጸቢቑ ኢዩ ፈሊጥዎ ዘሎ።

ወረ ከይረሳዕኩዎ። ዲ/ኢሳያስ ኣብቲ ናይ 6ሰዓት ዝሃቦ ቃለ ዕንክሊል ክሳብ ሕጂ 10%’ውን ካብቲ ስራሕና ኣይፈጸምናዮን ኢሉ። እሞ ኣንታ ዓጃው ብሓደ ወገን ነቲ ሲምፖሲዩም ረአይዎ ትብል ብኻልእ ወገን ድማ 10%ዃ እቲ ስራሕ ኣይተፈጸመን ትብል። ከም ናትካ ኣዘራርባ 100% ናይቲ ስራሕ ክውዳእ እንተኾይኑስ ብሕጂ 180 ዓመት ኢዩ ዘድልዮ ኢኻኮ ትብል ዘሎኻ። ኣየ ዓጀውጀው!!! ካብ ከማኻ ምዃንሲ የድሕነና ኢዩ ዘብል።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...