1ይ ክፋል
“…ደርጊ ሽኮር ግራሴ ከይበልናዮ ከይዱ” ዝበሎ ናይ ሓደ ኣገልግሎት ዓርከይ ዘረባ ኣዘኻኺሩኒ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ ዝስኣነ ጉዳይ ኰይኑ ዕንክሊል ካብ ዝብል ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ። እዛ ኤርትራ፡ ኣብ ከርሳ ንዋናታታ ዝኸውን ሰላምን ቅሳነትን ካን የብላን’ዩ ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት’ዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገሩን ናጽነቱን ንምውናን መዳርግቲ ኣልቦ ደማዊ ሰውራ ከም ዘካየደ፡ ናይ ትማሊ ሓቂ’ዩ። ዕላማ እቲ ንሞራል ፈታኒን ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐ ደማዊ ሰውራ ኤርትራ፡ ንናጽነትን ሓርነት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ዝተገደደሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሃገሩ ተመንጢሉ ናጽነትን ክብርን ስለ ዝተነፍጎ’ዩ። እሞ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ፈቲሑዶ? ናጽነት፣ ክብረት፣ ፍትሒ፣ ሓርነትን ማዕርነትን ኣይተረኽበን። ስቓይናን ከርተትናን ነዚአን ንምርካብ’ዩ ዝነበረ። ፍረ ቃልሲ፡ እዚ ንርእዮ ዘለና እንተ ዀይኑ፡ እቶም ዝሰጐጉናዮም ድኣ ካብዚ ሕጂ ንህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ውርደትን ግፍዕን ንላዕሊ እንታይዶ ኣቢሶም’ዮም? ቅድሚ እዚ ናጽነት ዝብሃል ምምጽኡ፡ ቅትለት፣ ማእሰርቲ፣ መግረፍቲ፣ ዓመጽ፣ ስደት፣ ወዘተ ኔሩ። ግን መግዛእቲ ስለ ዝነበረ ተቐቢልናዮ ኔርና። ካብ መግዛእቲ ጥዑም ወይ ጽቡቕ ኣይተጸበናን። እቲ ቅትለት፣ ማእሰርቲ፣ መግረፍቲ፣ ዓመጽ፣ ስደት፣ ጥሜትን ሕስረትን ወዘተ…ሕጂ ብዝተዓጻጸፈን ብዝኸፍአን መልክዑ ክቕጽል ግን ትጽቢት ኤርትራዊ ኣይነበረን። ካብቲ ዝተሰዋእናሉ ናጽነት፡ ከምዚ ኣይተጸበናን። ዓስቢ መሪር ጉዕዞ ዝገደደ ምረት ምስ ወለደ፡ ገሪሙናን ሰንቢድናን። ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ዝተሰዋእኩሉ ዕላማ ሰሚሩዶ ኣይሰመረን ኢሉ ከይሓትትን ከይምልስን፡ ከምኡ’ውን፡ ከም ዝህቢ መጠን ሕሉፍ ገምጊሙ መጻኢኡ ኣብ ክንዲ ዝእንፍት፡ ርእሱ ኣድኒኑ ክኸይድ መሪጹ’ሎ። ውጽኢቱ ድማ፡ ተረካቢ’ዓድዮ ኰይኑ’ሎ ኣማስያኡ። 

ሓደ ካብቲ ካናለታት መግዛእቲ ሒዝዎ ዝመጸ ውሒጅ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ሓደጋ፡ እቲ ንኤርትራውያን ሓጻጺቡ ብምጽራግ ኣብ ዓዲ እንዳማቶም ከም ዝሰፍሩ ዝገበረ፡ ስደት’ዩ። እዚ፡ እቲ መግዛእቲ ንኤርትራውያን ዘውረሶም ሕማቕ ውርሻ’ዩ። ሓደ ካብቲ ናጽነት እንተ ተረኺቡስ ክፍወስ’ዩ ተባሂሉ ተስፋ ተጌሩሉ ዝነበረ ጉዳይ፡ እዞም በሪሮም ጠፊኦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ’ዮም ዝብል’ዩ። ኤርትራዊ፡ እቶም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተዘርግሑ ናይ ስደት ካናለታት ክድፈኑ’ዩ ተስፋ ጌሩ ዝነበረ። ስደት ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከብቕዕ። እቲ ንኤርትራውያን ደግሲ ኰይኑ ዘሕዘነ ግን፡ ናጽነት ኤርትራ ብዙሓትን ገፋሕቲን ናይ ስደት ካናለታት ሒዙ ምምጽኡ’ዩ። ማዕበላዊ ዋሕዚ ስደት ዝጭንጉዕ ናጽነት! እቲ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝነበረ ቁጽሪ ስደትን፡ ሕጂ ኣብቲ ናጽነት ዝብሃል ዘሎ ቁጽሪ ስደትን ፈጺሙ ዝወዳደር ኣይኰነን። ኣብቲ ስደታዊ ኣሃዝ ዘሎ ፍልልይ፡ ናይ ሰማይን ናይ መሬትን’ዩ። ንዓይ ምፍታሕ ኣብዩኒ ዘሎ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ እምበኣር፡ መግዛእቲን ናጽነትን እንታይ’ዩ ፍልልዮም ዝብል’ዩ።

እቲ ንንጹህ ዕላማ ናጽነት ተባሂሉ ዝተኸፍለ ክቡር ሂወት ኣቦታተይ፣ ኣዴታተይ፣ ኣሕዋተይን ኣሓተይ ከቛናጽብ ወይ ከነኣእስ ሞራላዊ ብቕዓትን ትብዓትን የብለይን። እዚ ብዓቕመይ ይኹን ብኻልእ ዘይትንከፍ ክቡር ታሪኽ’ዩ። ፍረ-መስዋእቲ ኣቦታተይ፣ ኣዴታተይ፣ ኣሕዋተይን ኣሓተይን መጻወቲ ውሑዳት ኰይኑ ክተርፍ ግን የሕዝነኒ። ህዝቢ ቀደም ደም ነቢዑ። ሕጂ’ውን ደም ይነብዕ ኣሎ። ጻማ ዘይተረኽቦ ወፈራ!

ትርጉም ናጽነት ክግለጽ ከሎ፡ ኣብታ ትውንና ልኡላዊት መሬትካ፡ ናይታ ሃገር ሕጊ ብዘፍቅዶን ብዘይጻረርን ኣገባብ፡ ሓሳባትካ ብነጻን ብዘይምዩቝን ምግላጽ፣ መምስ ዝመስለካ ብእትኣምነሉን ብእትዓግበለን ምውዳብ፣ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ብርእሰ-ተኣማንነት ከይተሸቑረርካ ምስራሕን ምንቅስቓስን፣ ኣብ ዝደለኻዮ ክትኣምንን ከተምልኽን፣ ኣብ መገባእያታት ኣብያተ- ፍርዲ ብዘይ ኣድልዎ ብማዕረ ክትዳነ፣ ካብ ጸጋታትን ትዕድልትን እታ ሃገር ብማዕረ ክትቋደስን ክትጥቀምን፣ ምዕሩይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትረክብን ካልኦትን ዝብሉ ይርከብዎ።

ብመንጽር’ዞም ዝተጠቕሱ ገለ ውሑዳት ካብ ጸጋታት ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናጽነት እንታይ ረቢሑ? ካብ’ዚ ንህግደፍ ዝወለደ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝረብሖ እንተሃለወ፡ ኣንጻር ናይ’ዞም ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶም ዝፈተንኩ ጸጋታት ናጽነት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እቶም መሰረታውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ስለ ዝሰኣነን ስለ ዝኸበርዎን፡ ካብ ከተማታት ናብ ገጠራት ከምርሕ ተገዲዱ’ሎ። ስደትን ሞትን ኤርትራውያን ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ኣይነበረን ምባል ጌጋ’ኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ቁጽሪ ስደት፣ ሞትን ማእሰርትን ሕጂ ኣብ ዘመነ ህግደፍ መግለጺን መዕቀኒን የብሉን። ስደት፡ መዕገቲ ዝተሳእኖ ማዕበላዊ ተርእዮ ኰይኑ’ሎ። ኤርትራዊ ኣብ ፈቖድኡ ተዘሪዉን ተዛሕዚሑን ዝዀነ ክላገጸሉን ከዋርዶን ውዒሉ ይሓድር ኣሎ። ኤርትራዊ ኣብ በረኻታት ሳህራን ኣብ ባሕሪታትን ይጠፍእ ኣሎ። ኣብያተ-ማእሰርቲ ዓለምና ኤርትራዊ ዘይብለን ዘለዋ ኣይመስለንን። እዚ ተረኽቦ’ዚ ዕውር ዝርእዮን ጸማም ዝጣበቐሉን ሓቂ ስለ ዝዀነ፡ ርኣዩለይ ስምዑለይ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕደራ ሕሉፍ መግዛእቲታት ርእዩዎ ዘይፈልጥ ጥሜትን ባርነትን ኣጋጢሙዎ’ሎ። ብሰንኪ እዚ ሰንካም ስርዓት’ዚ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ነግራምን መፍቀሬ-ኲናትን ብዝብል ስም ተጠሚቑ ይርከብ። ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራዊ’የ ኢሉ ኣፉ መሊኡ ብርእሰ-ተኣማንነት ክዛረብ ዝሓፍረሉን ዝጸልኣሉን ግዜ በጺሑ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ዘካትዕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተ ተኻታዕና’ውን እንታይ ከይብለና። መምሃሪ’ዩ ዝዀነና። ኣነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ነዞም ኣራዊት ዝወለደ ናጽነት፡ እቲ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርጊ ኢሰፓን ዝረኽቦ ዝነበረ ሓለፋታት ይሓይሽ እብል። ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ሃይለስላሴን ደርጊ ኢሰፓን፡ መንእሰይ ኤርትራ ተመሃር፣ ናብ ጫካታትን በረኻታትን ኤርትራ ኣይትኺድ፣ ወንበዴታት ኣይጠቕሙኻን’ዮም፣ ወንበዴታት ከየታልሉኻ፣ ወዘተ…ብምባል፡ መንእሰይ ካብ ከተማታት ከይወጽእ ኩሎም ኬላታት ይዕጸዉ ኔሮም። ኣንጻሩ ምእንቲ ከይቃለሱ’ምበር ሓልዮት መዓስ ኰይኑ እንተ ተባህለ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን። ኣንጻሩ ከይቃለሱ ብምባል ግን ኣብ ከተማታት ናይ ምንቅስቓስ ናጽነቶም ኣይነፈጎምን። እዚ ስርዓት’ዚ ብኣንጻሩ፡ መንእሰይ ኣብ ከተማታት ክርአ ከም ዘይብሉ ይገብር። መንእሰያት እንተ ረኣየ ዓይኑ ደም ይመልኦ። ብኸመይ ከም ዝጠፍኡን ከም ዝለምሱን ድማ ሕማቕ ክኣልም ከይደቀሰ ይሓድር። 

ደረጃን ጽሬትን ትምህርቲ እንተ ኣወዳዲርና፡ ኣብ ዘመነ ሃይለስላሴ እቲ ዝበለጸ፡ ኣብ ዘመነ ደርጊ ኢሰፓ ከኣ እቲ ዝሓሸ ኔሩ። ኣብ ግዜ ህግደፍ ከኣ፡ መዳርግቲ-ኣልቦ ጸይቂ! ካልእ ከይበልና፡ እቲ መዕቀኒ፡ እቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝፈረየ ተመሃራይን እዚ ሕጂ ዝፈሪ ዘሎ ተመሃራይን’ዩ። እዚ ሕጂ ዝፈሪ ዘሎ ተመሃራይ፡ እቲ ናይ ዝልዓለ ናይ ትምህርቲ ዕድሉን መጻኢኡን፡ ከም ናይ ቅድም ኣያታቱ ናብ ዩኒቨርሲቲን ካልእ ኣተባባዕቲ ዝዀኑ ኮሌጃትን ዝሰጋገረሉ ዘይኰነ፡ ናብቲ ሕልናኡ ዘዕርበሉ፡ ናይ መጻኢ ዕድሉ ዘጸልምተሉ፡ ከም መንእሰይ ናይ ምምሃዝ ዓቕምታቱ ዝዳኸመሉ፡ ንጹህ ኣእምሮኡ ብናይ ህግደፍ ጸይቂ ኣተሓሳስባ ዝሕጸበሉ፡ ብናይ ኣካላዊ መግረፍቲ ዝሳቐየሉን ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ምእዙዝን ልኡምን ዝዀነሉ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ስለ ዝዀነ፡ ካብዚ ንምህዳም ካብ ብዓንተብኡ ጀሚሩ፡ ናይ ትምህርቲ ድሌቱ ተዳኺሙ ንድሕሪት ጥራይ ከም ዝሓስብ ኰይኑ’ሎ። መንእሰያት ኣብ ዝዓበይሉ ዓድታትን ከተማታትን ምስ ስድራ-ቤቶም ኰይኖም ከይምሃሩ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋን ጸቕጢን ጅሆ ብምሓዝ፡ ኣካዳሚያዊን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ማዕረ-ማዕረ ክወስዱ ይግደዱ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ነዚ መንእሰይ ኣብ ሳዋ ጅሆ ከም ዝተሓዝ ዝገብር ንኽመሃር ኢሉ ዘይኰነ፡ ዕቑር ሓይሊ ክዀኑዎን ተጠርኒፎም ክጸንሕሉን ስለ ዝደለየ’ዩ። መንእሰይ ኤርትራ ነዚ ብግቡእ ስለ ዝተገንዘበ፡ ንሳዋ ክኸይድ ኣይደልን ጥራይ ዘይኰነ፡ ክሓልሞ’ውን ኣይደልን። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ እዚ ተመሃራይ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ መጀመርያ ክምዝገብ ከሎ ንኽሓልፍ ኢሉ ዘይኰነ፡ ንኽተርፍን ግዜ ከሕልፍን ኢሉ’ዩ። መማህራን’ውን፡ ተስፋ ስለ ዝቖረጹ፡ ናይ ምምሃር ሽውሃቶም ተዓጽዩ፡ ወፊሮም ሓንቲ ከየፍረዩ ንገዝኦም ይምለሱ። ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ደርጊ ኢሰፓን፡ ካብ መጀመርያ ንኽተርፍ ኢሉ ትምህርቲ ዝምዝገብ ተመሃራይ ኣይነበረን። ኣይተሰምዐን። ናይ ሒጂስ በይኑ’ዩ! ተመሃራይ ንመምህሩ በጃኹም ኣትርፉኒ ኢሉ ይልምን። ወለዲ’ውን፡ ደቖም ካብ ኢዶም ከይጠፍእዎም ንመማህራን ከየሕልፍዎም ይልምኑዎም። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ትምህርቲ ምትራፍ ማለት የብኪ’ዩ ዝነበረ። ከምዚ ሕጂ ዘኹርዕን ዘሕጉስን ኣይነበረን።

እዚ ስርዓት’ዚ ፍጥር ክብል ከሎ ኣትሒዙ ኣንጻር ትምህርትን ምሁራትን ስለ ዝተዓጥቀ፡ ነቶም ኩሉ ውልቃዊ ሓለፋታትን ዕድላትን ኣወንዚፎም፡ ጉዳይ ሃገር ብምቕዳም፡ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ዘሕለፍዎ ተጋደልቲ፡ ሓለፋ’ኳ ከይተጸበዩ ክንምሃር ደሊና ጥራይ ስለ ዝበሉ፡ ትምህርቲ ተነፊጉዎም ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲን፡ ካብ ካልኦት ኣብያተ-ትምህርቲን ተኸልኪሎምን ተሰጒጎምን። ተማሂሮም ኣብነት ከይኰኑን ሂወቶም ከይመርሑን፡ ጊላታትን ምእዙዛትን ኰይኖም ክነብሩ ተፈሪዱዎም። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ዘመነ ሃይለስላሴን ደርጊ ኢሰፓን፡ ኣብ ዝተፈላልዩ ትካላት መንግስቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ትምህርቲ ይፍቀደሎምን መምሃሪ ገንዘብ ይኽፈለሎምን ኔሩ። ናይ ትምህርቲ ዕድል ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ስራሕ ናብ ትምህርቲን ካብ ትምህርቲ ድማ ንገዝኦም ዘመላልሳ ናይ መጓዕዝያ ኣገልግሎት ይግበረሎም ኔሩ። ንብሉጻት ተመሃሮ ድማ ኣብ ወጻኢ ከይዶም ዝያዳ ክምሃሩን ነብሶም ከዕብዩን ፍሉይ ዕድላት ይውሃብ ኔሩ’ዩ። ኣብ ዘመነ ሃይለስላሴን ደርጊ ኢሰፓን መማህራን ክቡራትን ሕፉራትን ኔሮም። ተመሃሮ ኣብ መገዲ ብኣጋጣሚ መማህራኖን እንተ ርእዮም፡ ኣንጎሎታት ዘቢጦም ይሃድሙ ኔሮም። ከምዚ ሕጂ ምስ መምህሩ ዝሰትን ዝዘውርን ተመሃራይ ኣይነበረን። ንመምህሩ ዝጻረፍን ዝሃርምን ተመሃራይ ኣይነበረን። ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ደርጊ ኢሰፓን፡ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ምስ ተፈደሱ ምረቓ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ኢድ ወለዶም ይሳለሙ ኔሮም። እዛ ንምክሓላ ብዙሓት ብሉጻት ምሁራት ኤርትራውያን ዘፍረየት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ’ውን ኣብ ዘመነ መግዛእቲ’ያ ከም ዝለዓለት ናይ ትምህርቲ ትካል ቆይማ። ኣብ ግዜ እዚ ዘይሓንኽ ስርዓት ድማ ተዓጽያ ትርከብ። ሓለቓ ጃንዳ ኣስመራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ዝተዛረቦ ምጥቃስ ይከኣል “ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ንውልቃዊ ረብሓታቱ እምበር ንሃገራዊ ረብሓታት ብቐዳምነት ዝሰርዕ መንእሰይ ኣፍርያ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ትተዓጾ” ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ካልእ’ውን ኣሎ። ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ይኹን ደርጊ ኢሰፓ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደቕኻ ናብ ሻዕብያ ሰዲድካ ተባሂሉ ብዙሕ ማእሰርትን ግፍዕን ይወርዶ ኣይነበረን። እንተ ኔሩ’ውን ዝገርም ኣይኰነን። መግዛእቲ’ዩ። ደቕኻ ንወጻኢ ከይዶም ብዝብል እሞ ኸኣ ሕቶ ቀሪቡሉ ኣይፈልጥን። ኣይተሰምዐን’ውን። ሕጂኸ? እዚ ስርዓት’ዚ፡ ንመንእሰያት ካብ ምዉቕ ሕቑፎ ስድራ-ቤቶም መንዚዑ ናብ ሳዋ ይወስዶም። ዕድል ረኺቦም ካብቲ ጨካን ኣተሓሕዛኡን ጻሕታሪ ፖሊሲኡን ባህሪሮም ምስ ዝጠፍኡ (ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን ምስ ዝሰግሩ)፡ ብቐዳምነት፡ ክሰግር ዝተረኽበ ተኲስኩም ቅተሉ ዝብል ትእዛዝ ናብ ሰራዊት ኣመሓላሊፉ። ስለዚ ክሰግር ዝተረኽበ ይቕተል። ብቕትለት ዝሓቶም የለን። ብኸምዚ ዝጠፍአ መንእሰይ ድማ ማእለያ የብሉን። ካልኣይ፡ መንእሰያት ካብ ቅትለት ኣምሊጦም ዶብ ምስ ዝሰግሩ፡ ወለዲ ደቕኹም ዶብ ሰጊሮም ካብ ሃገር ጠፊኦም ተባሂሎም 50,000 ናቕፋ ክኸፍሉ ይግደዱ። እቶም ወለዲ ክኸፍሉ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም ድማ ክእሰሩን ክጋፍዑን ከም ዘለዎም ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከምዚ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ፡ ህዝቢ ኩነታት እሱራት (ናይ ፖለቲካ፡ ምሩኻትን ካልኦትን) ደቁ ይኹን መቕርቡ ክሓትትን ክርኢን ይፍቀደሉ ኔሩ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ህዝቢ እሱራት ወገናቱ ክርኢ ወይ ኩነታቶም ክፈልጥስ ይትረፍ፡ ኣበይ ከም ዘለዉ ክሓስብ’ውን ኣይፍቀደሉን። ከይበዝሓኒ’ምበር ብዙሕ ምበልኩ። 

እዚ ስርዓት’ዚ፡ ምስ’ቲ ኣብ ካምቦዲያ ብፖል ፖት ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ካመሩዥ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ስርዓት’ዩ። ኒዮ-ፖልፖቲዝም ኢዩ። እቲ ብ17 ሚያዝያ 1975 ብፖልፖት ተመሪሑ ንካምቦድያ ዝተቖጻጸረ ሰልፊ ካመሩዥ፡ ንካምቦዲያ፡ ዲሞክርሲያዊት ሪፓብሊክ ካምፑቺያ ብዝብል ሓዲሽ ስም ኣጠመቓ። ቀጺሉ፡ ሂወት ካምቦድያ ካብ 17 ሚያዝያ 1975 ስለ ዝጅምር፡ እዚ ዜሮ ዓመት’ዩ ዝብል ኣዋጅ ኣውጸአ። ህዝቢ ካምቦድያ ከም ብሓድሽ ክጸሪ (purified) ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ’ዩ ዝብል ፖሊሲ ድማ ኣውጽአ። ኣብ ካምቦድያ፡ ርእሰ-ማልነት፣ ምዕራባዊ ባህሊ፣ ከተማዊ ሂወት፣ ሃይማኖትን ዴጋዊ ጽልዋታትን ፈጺሙ ክጠፍእን ብቶታላዊ (totalitarian) ናይ ሓረስቶት ማሕበርነት ክትካእን ዝብል ፖሊሲ ሓንጸጸ።

እቶም ሓረስቶት ተጋደልቲ ፖልፖት ሚያዝያ 17 (April 17)፡ እቲ ኣብ ከተማ ዝጸንሐ ገባር ድማ፡ ሓድሽ ህዝቢ (New People) ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዘለዎ ኣዘዘ። እቲ ሓድሽ ህዝቢ ብዝብል ሓድሽ ስም ዝተጠመቐ ገባር (ዝተማህረ ይኹን ዘይተማህረ) ብምሉኡ ካብ ከተማታት ናብ ገጠር ከም ዝወጽእ ገበረ። ኩሉ ኣብ ሕርሻ ሩዝ ከም ዝዋፈር ድማ ገበረ። ህዝቢ ናብ ከተማታት ክምለስ ኢሉ ክሓስብ ከም ዘይብሉ ተነግሮ። ህዝቢ ብሕማምን ብጥሜትን ከም ዝሃልቕ ተገብረ። ነዚ ኣካያዳ’ዚ ዝቃወም እንተ ተረኺቡ ድማ፡ ፍሉይ ናይ መቕተሊ ቦታ ተዳልዩሎም ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ ወሲዶም ይቐትሉዎም ኔሮም። ብሰንኪ ኣረሜናዊ ተግባራት ፖልፖት ድማ ኣስታት 2 ሚልዮን ህዝቢ ሃሊቑ።

እዚ ስርዓትዚ’ውን፡ ህዝቢ ካብ ከተማታት ናብ በረኻታት ከም ዝወጽእ ብቐጻሊ ይሰርሕ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ጅሆ ብምሓዝ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋንነቶም ዘይፍለጡ ሕርሻታትን ማእቶታትን ጊላታት ጌሩዎም ኣሎ። ብሰበብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣመኽንዩ፡ ህዝቢ ካብ ከተማታት ናብ በረኻታት ኤርትራ ከም ዝወጽእ ጌሩ’ዩ። ናብ ከተማታት ከይምለስ ድማ ማእለያ ዘይብሎም ኬላታትን ብሎኮታትን ጌሩ’ሎ። ኣብ ከተማ ክትዛወር እንተ ተረኺብካ፡ ከቢድ ገበን’ዩ። ኣብ ከተማታት ክትዛወር እንተ ተረኺብካ፡ መንቀሳቐሲ ወረቐት ትሕተት። መንቀሳቐሲ እንተ ዘይብልካ ኣብ ፈቖዶ ጎዳጉዲን ናይ ሓጺን ኮንተይነራትን ትርሳዕን ትበልን። ሓንሳብ ምስ ተዳጎንካ፡ ናይ ምውጻእ ዕድልካ ጸቢብ’ዩ። እቲ ዝኣሰረካ እንተ ዘይዘኪሩካ፡ ኣብቲ ዝተዳጐንካሉ ትርሳዕ። እንታይ’ዩ ገበነይ ኢልካ እንተ ሓቲትካ፡ እቲ ናብዚ ዘምጽኣካ ኣካል መጺኡ ክሳብ ዘውጻካ፡ ንሕና ንፈልጦ የብልናን ትብሃል። ስለዚ፡ ዕድልካ በቲ ኣብ’ዚ ይጽንሓለይ ብምባል ኣቐሚጡካ ዝኸደ ኣካል’ዩ ዝውሰን። እቲ ጉድ ብዙሕ’ዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ መግዛእቲ ጥዑም’ዩ ኔሩ ይብል ከም ዘየለኹ ከገንዝብ እደሊ። መግዛእቲ ሕማቕ ዝብሃል ኣሉታዊ ጎድኒ ወይ ውርሻ ኣይነበሮን ማለተይ ኣይኰንኩን። መግዛእቲ፡ ምስ’ዚ ብህግደፍ ዝውነን ናጽነት’ምበር፡ መግዛእቲ ምስ’ቲ ናይ ብሓቂ ናጽነት ከም ዘይራኸብ ንኹሉ ርዱእ’ዩ። “ደርጊ ሽኮር ግራሴ ከይበልናዮ ከይዱ” ዝበሎ ናይ ሓደ ኣገልግሎት ዓርከይ ዘረባ ኣዘኪሩኒ። ንዕረፍቲ’ሉ ካብ ሓሸንኪት ናብ ኣስመራ ኣጋጣሚ ናይ ሓለፍቲ መኪና ረኺቡ፡ ምስኦም ኣብ መንጎ ዕላል ሞሊቑዎ ብስምዒት ዝተዛረቦ ዘረባ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ኤርትራውያን ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ገበን፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኰነን።

እሞ ኩነታት እታ ዝተሰውእናላን ዝሰንከልናላን ሃገርና ከም’ዚ ንርእዮ ዘለና ከይኑ’ሎ። መዋእልና ተቓሊስና እንታይ ረኺብና ክብሃል ምኽኑይ’ኳ እንተ ዀነ፡ ቃልሲ ኩሉ ግዜ ምቁር ይወልድ ማለት ግን ኣይኰነን። ቃልሲ፡ ትደልዮ ክሳብ ትረክብን ክሳብ ዝዀነልካን ዘየዕርፍ ናይ ሂወት መስርሕ’ዩ። ነዚ ኩነታት’ዚ ንምቕያር እምበኣር፡ ሕጂ’ውን ቃልሲ ከድሊ’ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ሃገርን ህዝቢን ክንቅጽል እንተ ደሊና ኣማራጺ’ውን የብልናን። ነዚ ብድሆ’ዚ ንምግጣም ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ተቓውሞ ደምበ ኤርትራ ኣሎ። እዚ ግዜ’ዚ፡ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ፈተነ ኣትዮምሉ ዘልዉ መድረኽ’ዩ። እሞ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራኸ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከቡ?

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረዮሃንስ
11 ግንቦት 2011
ብሪስበን, ኣውስትራሊያ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...