ካልአይ ክፋል 

ስለምንታይ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ፖሊስኡ ክልውጥ ወሲኑ ዘሎ?
ከም ናተይ ርእይቶ እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ይርከብዎም፣
I.  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ 5 ዓመት ናይ ዕብየትን ለውጥን ፕላን    (5   Year Growth & Transformation Plan)  ከምቲ ዝድለ ሽቶኡ  ክወቅዕ  ንኽኽእል፣
II.  ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ኢሳያስ ምምሕዳር ጸሊእዎ ጥራይ ዘይኮነስ ፈንፊኑ ዓኽ ጡፍ ከምዝበሎ ስለ ዝፈለጠ፣
III.  ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ኢሳይያስ እምነት ከምዘይብሉን ከዲዕዎ ከምዘሎን ብተወሳኺ ድማ ንናይ ኢሳያስ  ስልጣን ክናውሕ ኢሉ ክዋጋእ  ከምዘይደሊ ስለዝተረደአ፣
IV.  ስርዓት ኢሳያስ ውሽጡ ቦኽቢኹን መሽሚሹን ምህላዉ ስለ ዘረጋገጸ፤
V.  ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ሃገራትን ውድባትን

I. ናይ 5 ዓመት ዕብየትን ለውጥን ፕላን - 5 Year Growth & Transformation Plan (GTP) ሽቶኡ ንክወቅዕ ስለ ዝድለ፣
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ፖሊሲኡ ክቕይር ካብ ዘገደድዎ ምኽንያታት ሓደ ነቲ መ/ኢ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ 5 ዓመት ናይ ልምዓትን ልውጥን ፕላን መታን ክዕወት ስለ ዝደለየ ይኸውን ኢለ ነይረ። እቲ ፕላን ብGቡእ ኣብ ስራሕ እንተዊዒሉ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ስሉስ ዓለም ደረጃ ወጺአ ናብ ናይ ካልኣይ ዓለም ደረጃ ከሰጋግራ ዝኽእል ኢዩ ዝመስል።

ብዛዕባ’ቲ ፕላን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ገንዘብን ልምዓትን ሚኒስተር “ከ5 ዓመት በኃላ ኢትዮጵያ የምግብ እርዳታ ከማንም ኣገር ኣትጠይቅም። ምናልባት የምግብ እጥረት ካጋጠመ ደግሞ በዓለም ገበያ ሄደን ገንዘባችን ከፍለን የሚያስፈልገን ምግብ እንገዛለን” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብተውሳኺ ከምቲ ናቲ ሚኒስተር ኣዘራርባ እቲ ፕላን ሙሉእ ብሙሉእ ክዕወት ንክኸውን ኢትዮጵያ ሓደ ካብቲ ብቐዳምነት ዘድልያ ምስ ኩለን ረባብታ ሃGeራት ሰላምን ጸጥታን ቅሳነት ኢዩ ዘድላያ ኢሉ ነይሩ።

 ኩሉ ከምዝፈልጦ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ኩለን ጎረባብታ ሃገራት ከም ከንያ፣ ጅቡቲ፣ ሰሜንን ደቡብ ሱዳንን ከምኡ’ውን ምስ ግዜአዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማሊያ ጽቡቕ  ርክብን ናይ ምሕዝነት ስራሕን ዘለዋ ትመስል። ከም ናይ ኢትዮጵያ ኣበሃህላ ሽግራ ብወገን ሰምየን እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ናይ ህግደፍ ጉጅለ ማፍያን ከምኡ’ውን እቶም ብእኡ ዝምወሉ ኣሸበርትን ክኾኑ ከለዉ። ብወገን ምብራቕ ድማ እቶም ኢሳያስ ዝዕልሞምን፣ ዘስንቖምን፣ ዘዕጥቖምን ኣልሸባብ ዝበሃሉ ኣሸበርቲ ኢዮም። እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ መ/ኢ ንፈለግ ኒል ገዲቡ ኣብ ኣፍሪቃ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ግድብ ሰሪሑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጭው ከምዝወሰነ ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ሙባረክ ነቲ ፕላን ከምዝቃወሞ ገለጸ። ሁውከትን ዕግርግር ዝአመሉ ዲ/ኢሳያስ እዚኣ ምስ ሰመዐ ከይወዓለ ከይሓደረ እናተሃንፈፈ ናብ ዓርኩ ዝነበረ ሆስኒ ሙባረክ ከይዱ ከምዝተራኸበ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ንሙባረክ ምስ ረኸቦ ድማ ኢትዮጵያ እቲ ወጢናቶ ዘላ ናይ ፈለግ ኒል ምግዳብ ኣትሪሩ ከምዝቃወሞን ግብጺ ንትሓቶ ኩሉ ከማልአላ ቁሩብ ምዃኑ ገለጸ። ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ እንተደልያ ካብ ኤርትራ እናተበገሰት ከተጥቅዕ ከምዝፍቀደላ ኣረጋጊጽሉ። ብተወሳኺ ናይ ኤርትራ ኣየር ክልል ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ጥራይ ዘይኮነስ ንሱውን ብወገኑ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ሒዙ ኣብቲ ውግእ ክሳተፍ ፈቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ካንሰር ናይ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ብሓይሉ ስልጣን ብሒቱ እንተቐጺሉ ኢትዮጵያ ሓደ ዓይና ናብ ልምዓት እናጠመተ እቲ ሓደ ዓይና ድማ ኩሉ ግዜ ንናይ ዲ/ኢስያስ ግብረ ሽበራ ስረሓት ከተቛምት ኣለዋ ማለት ኢዩ። ብናተይ Gምት ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ኢትዮጵያ ንኢሳያስ ፖሊስኡ ክቕይር ኣለዎ እንተዘይቀይሩ ግን ንሕና ብዝከአል መጠን ክቕየረሉ ዝኽእል ኩሉ ክንGEብር ኢና ዝብል ዘሎ።

ኩሉ ሰብ ካምዝፈልጦ ኤርትራ ነጻነታ ምስ ረኸበት ዲ/ኢሳያስ ብዙሕ ከይጸነሐ ምስ ሱዳን 1994 ዓ.ም. ውግእ ጀሚሩ፣ ብድሕሪኡውን ሓንሳብ ንደቡብ ሱዳን እናሓገዘ፣ ጽንሕ ኢሉ ድማ ንምብራቕ ሱዳን እናዓለመን እናዕጠቐን፣ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ንደቂ ዳርፉር እናኣሰልጠነን እናዕጠቐን ንሱዳን ሓሚስዋ። ቀጺሉ 1995 ንየመን ብሓንሽ ኣማኻንዩ ውግእ ከፊቱ። ብናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ድማ ተሳዕሩ ሓኒሽ ንየመን ኣረኪብዋ። 1996 ምስ ጅቡቲ ምስሕሓብ ጀሚሩ። 1998 ብባድመ ኣመኻንዩ ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ጀሚሩ፣ እዚ ዘይበሃል ናይ ሰብ ሂወት ከም ዝጠእ ገይሩ፣ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ብክልቲኡ ሃገራት ከምዝዓኑ ድሕሪ ምግባሩ ተሳዒሩ ጥራይ ዘይኮነስ 2,500 ኪሎ ሜተር ትርብዒት መሬት ኤርትራ ኣረኪቡ። ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ድማ ንሱ ብዘይጠራጥር ጀማሪ ናይቲ ውግእ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ንኢትዮጵያ 10 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍላ ተበይንዎ። ኢሳያስ ነቲ ብያኔ ብዘይ ሓንቲ ተቓውሞ ተቐቢልዎ። ድሕሪ ምስዓሩ ድማ እንሀለ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ግብረ ሽበራ ስረሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ የካይድ ኣሎ። ብ2008 ንጅቡቲ ወሪሩ ዘይመሬቱ ክምንጥል ፈቲኑ ውግእ ድማ ጀሚሩ። ድሕሪ ክንደይ ክሕደት ተመሊሹ ንንGuስ ናይ ቓጠር ኣተዓርቐኒ ኢሉ ክልምን ከምዝሓገየ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ ኢዩ።

ብሓጺሩ ኣብ ልዕሊ ኩለን ምስ ኤርትራ ዝዳበዋ ሃገራት ውግእ እናኸፈተ ንህዝበን ሰላም ከሊኡወን ይርከብ ኣሎ። ናይ ቅርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ኢለን ዘይኮነስ ብቐንዱ ንምእንቲ ናይ ህዘበን ሰላም ክብላ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ድ/ኢሳያስ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝከአለን ሓGeዝ ከበርክታ ኣለወን ኢየ ዝብል። ሓGeዝ ዘበርከተት ሃገር ድማ ካልእ ዘውግዛ ሃገር ወይ ውድብ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይሲ ዓለም ብዓለማ ዲ/ኢሳያስ ጸረ-ሰላም ምዃኑ ተፈሊጡስ ኣፍሪቃ ሕብረት ንመጀምሪያ ግዜ ኣብ ሓንቲ ኣባለን ዝኾነት ሃገር ማዕቀብ ክግበረላ ንሕቡራት መንግስትታት ዓለም ሓቲታ። ብእኡ መሰረት ድማ ብሕቡራት ሃገራት ማሕበር ማዕቀብ ተገይርሉ ዘሎ ሰብ ኢዩ። ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ዘለዎ ሰብ ነቲ ማዕቀብ ደGIፍዎ ኢዩ። ብናተይ ርእይቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ መታን እቲ ናይ 5 ዓመት ፕላና ከተዐውቶ ብማለት ንኢሳያስ ወይ እቲ ሕጅካዮ ዘለኻ ናይ ሽበራዊ ስራሕካ ጠጠው ኣብሎ ወይ ድማ የዋጻአና ኢዩ ንብሎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሌኻ ክንወስድ ኢና ዝብል ዘሎ።

 ካብዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ሓደ ሓደ ሰባት ኣነ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተሓለቕኩ ጌርኩም ክትግምቱ ትኽእሉ ኢኾኑ። ቁሩብ ጽንሑ። ካብ ናይ ፋሕን፤ ብሌቓትን (ሳሕል)፣ ከምኡ’ውን ምምሕዳር ከተማ ከረንን (1978) ጀሚረ ጉድ ኢሳያስ ከውጽኣልኩም ኢየ። ምኽንያቱ ኣብኡ ተጋዳላይን ኣመሓዳራይን  ስለዝነበርኩ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...