ኣብ ዝሓለፉ ቅሩብ መዓልታት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ውሽጢ ሃገር ጋዜጠኛ ቃለ መሕትት ጌሩ ነይሩ። መብዛሕቱ እቲ  ንሱ ይኹን ማንኪ ምናልባት’ውን እቲ ሓውሲ ሙሁር ዓሊ ዓብዶ ዘዳለውዎ ሕቶታት ሀጠውቐጠው ዝመላኦ’ኳ ኣንተኾነ፡ እቶም ከም መሸፈኒ ኮይኑም ዝቐረቡ ሕቶትት ግን እቲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ናይ ኣፍሪቃ ፊደል ካስትሮ ንምምሳል ዝሓደሮ ትምኒት ብጕልሒ ከንጸባርቑ ዝዓለሙ ምዃኖም ዝስሕቶ ዘሎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ብቀጻሊ ምስ ግዳም ይኹን ምስ ውሽጢ ሃገር ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንዞባና ክቋጻጸርዎ ህርድግ ይብሉ ኣለዎ ካብ ምባል ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ናይ ኮንጎ ሉል ብፈረንጂ ከይዝመትያ’ ያኢስ ውሱናት ዓሳክር ኤርትራ ብቅጽበት ንኮንጎ ከምዝልአከ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ጭሩ ኣይትርከብንያ። ኢሳያስ ብአተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ ብተግባራት’ውን ካብ ጽልዋታት ስሳታትን ሰብዓታትን  ዘይወጸ መጻጉዕ ኢዩ። ኣይዓበየን። ናይ ብሓቂ ድንክ (ድቍስ) ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሞራል ነዳይ ኢዩ።
ከምልማዱ እቶም ዋና ወደረኛታቱ ኣመሪካ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ኮታ እዞም ሓፍ ዘይብሉ  ሃገራት ኢዮም። ከይሓፈረ ድማ፡ ብኣህዛብ ዓረብ ብሕልፊ ድማ ብመንእሰያት ዝተጠራረዔ ሓዊ ዘጓሃሃርዎ ንሳቶም ኢዮም፡ ማለት እቶም ሓያላት ሃገራት ኢዮም ይብል። ነዚ ጭብጢ ዝጎደሎ ክሲ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ንኢሳያስን ብጾቱን ስጉምቲ ምውሳድ ጭብጢ ምህላው ኣገዳሲ ከምዘይኮነ ምእማኖም የመልክት።ኣየናይ ሙሁር ናይ ዩኒቨርስቲ ወይ ኣባል ትንክ ታንክ ኮይኑ ድማ ኣቶ ኢሳያስ እኹል መረዳእታት/ዳታታት ከምዝሓዘ ሰብ ኣፍልቡ ገቲሩ ዝምድር። እዞም ሕልፍ ክብል ዝጠቀስክዎም ሰብ ሞያ ዋና ተግባራቶም ካብ ነዊሕ እዋን ኵነታት ኣላቂቦም፣ ኣመዛዚኖም ተኸሲቱ ዘሎ ጕዳይ እዚ ይመስል ክብሉ ዝተዋፈርሉ ስራሕ ኢዩ። እዚ ኮይኑ’ውን ንርእይቶትታቶም ‘ንርኢ’ ኢልካ ዝሕለፍ’ምበር  ጅማታትካ ገቲርካ ምዕፋር እንታይ ኣምጻኦ። ናይ ኢሳያስ ጕዳይ ‘እቲ ዓሻ ከመይ ኣሎ፡ ዓሻ’ድአ እንታይ ከይከውን ሓዊ ዓሻ ከፊእዎ ኣሎ’ ዝብል ናይ ኣቦታት ብሂል ዝሰማማዖ ኢዩ። ኣነ ሓደ ካብቶም ኢሳያስ ቃለ መሕትት ክህብ እንከሎ ዝሽቕረሩ ሰባት ኢየ። ሃንደበቱ፣ ቁመኑ፣ ኣመላልሳኡ ኮታ እቲ ንኵናት ዝተዳለወ ጦረኛ ክመስል ዘርእዮ መልክዕ ብዙሕ ኢየ ዝሓፍረኒ።

እዚ ብሃንደበት ዘይተዋደደ ናይ ዝሓለፈ ትያትሮ (ቃለ ምሕታት) ብላዕሊ ላዕሊ ክረኤ ከሎ፡ ‘ጀመሮ ድማ እቲ ሃተውቀጠዉ’ ዝብል ሰብ ይበዝሕ። ምኽንያቱ ተደጋጊሙ ዝተነግረ  እንተዘይኮይኑ ሓድሽ ነገር ክዛረብ ዘይክእል፡ ኩሉ ዝተጸንቀቖ ፍጡር ምዃኑ ብምግንዛብ ኢዩ። ወይለኦም እቶም ወግሔ ጸብሔ ቃላቱን ቃል’ቶም ቀፋዊሩን (ቀፊር) ንኽሰምዑ ብታሪኽ ዝተበደሉ ነበርቲ እቲ ሃገር’ምበር ንሕናስኳ ክንደይ ከይነርክበሉ። ፈይስ ቡክ፣ ኢመይል፣ፓልቶክ፣ ብዓቢኡ ኢንተርነት ኣብ ጫፍ ኣጻብዕና ስለ ዝኾነ ብዙሕ ሳይኮሎጂካዊ  ጸቕጢ የብልናን። እንደገና ሓሻካ እብሎ ነቲ ንፍርቂ ዘመን ሰላምን ራህዋን ዝሰአነ ህዝቢ ኤርትራ።

ሕምረት ናይ ኢሳያስ መደረ ወይ መልእኽቱ ግን ካልእ ኢዩ ነይሩ። ከም ክንዲ ጽፍሪ ኢዶም ዘይርእይዎ፡ ዜጋታቶም ኣጽጊቦም ዝነብሩ መንግስታት ዓለም ከምኒ ኣመሪካን ሽወድንን ዝአመሰሉ ምዝላፍ ሽፋን (ሰም) ናይቲ መልእኽቲ  ኮይኑ እቲ መዓር ዝለሓሰ ስሚ (ወርቂ) ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ራዕዲ ንምንዛሕ ኢዩ። እዚ ሽጣራ ደቂ ኣስመራ ተጠቒምካ ጊዜ ምግዝእ ናይ ኢሳያስ ተፎጥራዊ ባህሪ ምዃኑ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ሰባት ይዛረቡ። ታሪኽ ናይቲ ነቲ 40 ዓመት ዝመርሖ ግንባር ምስ ዝምርምር ድማ ካብዚ ዝተፈልየ ውሳኔ ኣይበጻሕን ኢዩ። ‘ዓሻ መስሊካ ድራሮም ወድአሎም‘ ከም ዝብሃል፡ መን ንመን ከዕሹ። ኢስያስ ኣብ ራዕዲ ከምዘሎ ካብ ኣወዳድቓ ዘረባኡ ትግምት። ነዚ ድኹም ጎኑ ብምርድእ ኢዩ ድማ ኢሳያስ ፡ ናይ ‘ሃገርኩም ህላዊነት’ ጥራይ ዘይኮነስ ‘ውልቃዊ ድሕነትኩም’ ውን’ ኣብ ዘሰግእ ሃለዋት ኣሎ ክብል ዘየሕነኾ።

ነቲ ዳርጋ ንክልተ ወለዶ ሰላም ዝሓረሞ ህዝቢ ውግእን ወረ ውግእን የሻቕሎ ኢዩ። ምቕንጃው ገድሊ ንግዜኡ ንየው ኢልና፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥይት ቶግ ካብ ዝብለትሉ እዋን ጀሚሩ ካብ ምሽቑራር ዓዲ ኣይወዓለን። ንህዝቢ ኤርትራ 1991 ሰላም ዘበሰረት ዓመት ድአ እምበር መባጠሊ ባንደራ፣ ጀነራል፣ ወይ ስእሊ ቅርስካ ዝሓዘለ ባጤራ ምምሃዝ ኣይኮነን። ኢሳያስ ናይቲ ኣፉ ተሎጉሙ ግንከስ ልቡ ሓቢኡ ዝነብር ናይ ዓዃይ፣ መርበሕ ከብቲ፣ ዋርሳይ፣ ኣስላማይ፣ ጰንጤ፣ ኣርከበ (12 -17 ዝዕድሜኦም) ቃልሳዊ ኣንፈት ንምጭንጋፍ፡ ኤርትራ ብናይ ደገ ጸላእቲ ንኽትውረር ዘድሊ ቅድመ-ክነታት ተዳልዩ ከምዘሎ፣ ንሓድነትናን ባንደራናን ንምጽንዕ ደቅይ፣ ህዝበይ ሃየ ዋርድያ ኩኑ ማለቱ ኢዩ።

ንሰምዒ ብዘደንጹ ቃላቱን ሃንደበቱን ደጋጊሙ ዞባና ብሸርሒ ዓበይቲ ሃገራት ዛንዛን ኢላ ዘላ፣ ብሃሱሳት ሞባረክን በን ዓሊን ዝማስነት፣ህዝቢ ብዓሌትን ቀቢላን ፈላልዮም፡ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ሸሸይ ዝብሉ ክብል ገለጾም። እዚ ኣብ ዞባታትና ዝግበር ምርጫ ናይ ሓሶት ምዃኑ፣ ብምርጫ ኣመኽንዮም ስልጣን ዝሕዙ ድማ ናይ ህዝቢ/መንግስቲ ካዝና ናብ ፍሉያት በተሰብን ዓሌትን (ዱኳን ዓሊ) ለዊጦም፣  ሸውሃት ገበተ ንዋያት ንምርዋይ ዝግበርዎ መላገጺ ትያትሮ ኢዩ ክብል ገለጾ። እዚ ንነብሱ ሰማይ ክሰቅል ዝሃቀነ ሑሱር ፖሊቲካ ምዃኑ ንርዳእ። ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር መራሒ ህዝባዊ ግንባር ትማል ትማል ናይ ኒል ማይ ኮዖ ሃገራት ንዘሕልፍዎ ውሳኔታት ዕሽሽ ብምባል፡ ፍሉይ ናይ ሞባረክ ኵርኵር ከም ዝነበረ ጉሁድ ኢዩ። ኣፉ መሊኡ ኢትዮጵያ ክትወረኒ ዘይምባሉ ግን ናይ ወራዙት ኢያ። ምናልባት ንኢትዮጵያ ከም ባንቡላ ስለዝረአያ መባእስቱ ድማ ኣመሪካን እንግሊዝን ምዃኖም ብልቡ ስለ ዝአምን ይኸውን።

ብናተይ ትንትና ሕቡአት መልእኽቲ ኢሳያስ ክልተ ኢየን። ሓደ ኣመሪካ፣ ትኹን ኢትዮጵያ  ምስ ሕዛላ (ተቓወምቲ ጉጅለ) ኣብ ሃገርና ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ተዓጢቆም ከም ዘለዉ በቲ ጨለ ቃላቱ ከደናግር ህርድግ ክብል ከሎ ኢዩ። እቲ ኻልአይ መልእኽቱ ድማ ብምርጫ ዝሰዓረ ፖሊቲካዊ ጉጅለ ወይ ጥሙር መንግስቲ ንምምስራት ዘኸትሎ ሳዕቤን መሰታ ገሃነመ እሳት ከም ዝኾነ፡ ኣብ አውራጃ፣ ኣብ ቐቢላ፣ ኣብ ዓሌት፣ ኣብ ሃይማኖት፣ ዝተመርኮሰ ምብትታንን፣ ምትህልላቕን፣ ምስዳድን፣ ምዕራቅን፣ምጥማይን  ከም ዘስዕብ ንምስማር ኢዩ። ብሓጺር ኣዘራርባ ህዝባዊ ግንባር ዘለአለማዊ ኢዩ። ኣብ ቦትስዋና ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣመሪካ ይኹን ኣብ ላክሰምበርግ፣ ኣብ ኬንያ ይኹን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየድ ምርጫን ንዝመጽእ ዝካየድን ድማ ንርአዩላይን፣ ስምዑለይ ድአ’ምበር ንህዝቢ ዘርብሕ ከምዘይኮነ ከታልል ምፍታኑ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ከመይ  ይርእዮ ይኸውን? እንድዒ ልቢ ህዝቢ ናይ ዋርሳይ ወስኽካ ኣበይ የዘንብል ኣይንፈልጥን። ልቢ ህዝቢ፣ ስምዒት ህዝቢ፡ ንኹልና እንተላይ ንእሳያስን ዝተሰወረ ኢዩ። ግዳም ሰፈር’ሞ ተቖጺሮም  ሕብእ ግን ከስ ተግባራዊ ናይ ውሽጢ ስሪሒታት ንምግምጋም ክእለት፣ ዓቕሚ፣ ብልሓት የብሉን።  ኢሳያስ’ከ ተዛሪቡ ኣስሚዑ’ዶ  ይኸውን? ኣላህ ኣዕለም።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...