ቀዳማይ ክፋል

እዚ ጽሑፍዚ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ኣዳልየዮ ዝነበርኩ ኢዩ። ኮይኑ ግን ሎሚ ጽባሕ ክብል ኣይውጻእኩዎን ነይረ። ሕጂ ግን ምስ እዚ ዝካየድ ዘሎ ህልው ኩነታት ዝያዳ ትርጉም ክህብ ከምዝኽእል  ብምርዳእ ኣመዓራርየ ከውጽኦ ወሲነ። ጽሑፈይ ንውሕ ዝበለ ስለ ዝኾነ እናኸፋፈልኩ ክውጽኦ መዲበ ኣሎኹ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዓመታዊ ናይ ስራሕ ጸብጻብ ንኢትዮጵያ ፓርላማ ኣቕሪቡ ምስ ወደአ ናይ ሕቶን መልሲ ግዜ ኮነ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፓርላማ ከምዚ ክብል ሓተቶ። ክቡር ቀ/ሚ ኣብዚ  ግዜ’ዚ ኢትዮጵያ ሓደ ሓደ ጸላእትን ተጻባእእትን ኣለዉዋ’ሞ ነዚ ተጻብኦታት እዝስ ብኸመይ ክንገጥሞ ኣሎና ትብሉ ኢሉ ሓተቶ። ኣቶ መለስ ድማ ከምዚ ክብል መልሲ ሃቦ። ከምቲ ዝበለዎ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሓደ ጸላእትን ተጻባእትን ከምዘለውና ኣጸቢቕና ንፈለጥ ኢና፡ ኮይኑ  ግን ንሕና ሕጂ ኣብ ዓቢ ውግእ ኣቲና ኢና ዘለና። ውግእና ድማ ኣንጻር ጥሜት ኢዩ። ነዚ ቀዳማይ ጸላኢና ብዘየዳግም ክንስዕሮ ድማ ተዓጢቕና ተላዒልና ኣሎና። ነቶም ዝበልዎም ጸላእትናን ተጻባእትናን ግን ብዝከኣለና መጠን ብየማን እንተ መጹና ንጸጋም  ገጽና ተጠዊና ክንሓልፎም ክንፍትን ኢና፡ ብጸጋና’ውን እንተመጹና ድማ ብየማን ተጠዊና ንሓልፎም፡ ከምኡ እውን ብላዕሊ እንተመጹና ብታሕቲ  ጌርና ንሓልፎም፡ ብታሕቲ እንተ መጹና ድማ ብላዕሊ  ጌርና ክንሓልፎም ክንፍትን ኢና። እዚ ኩሉ ጌርና ግን ንልምዓትና ዕንቅፋት ኮይኖም እንተረኺብናዮም ብፍላይ ድማ ነቲ ነካይዶ ዘለና ውግእ ኣንጻር ጥሜትን ድኽነትን ዕንቅፋት ምስ ዝኾኑና ክንድምስሶም ኢና በለ። እቲ ኣባል ፓርላማ ቀጺሉ እሞ ህግደፍ ከም ኣመሎም ውግእ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እንተ ጀመሩኸ ኢሉ ምስ ሓተቶ መለስ ድማ ብሓጻራ “ለሶስተኛ  ግዜ ጦርነት እንደማይኖር እናደርለን”  ኢሉ መለሰሉ።

 መለስ ካብ ኣዘራርባኡ ብዝከአል መጠን ውግእ ኣወጊድና ነቲ ብጸላእትና ዝስንዘረና እከይ ተግባራት ድማ ከምዘይረአናን ከም ዘይሰማዕናን ዕሽሽ  እንዳበልና ክንሓልፎ ክንፍትን ኢና። ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና ናይ ልምዓት ስረሓት ምክያድን ጥሜት ንምጥፋእን ነካይዶ ዘሎና ውግእ ዕንቅፋት ንዝኾኑና ግን ብዘይ ንሕስያ ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና። ህግደፍ ከም ኣመላ ውግእ እንተጀሚራ ድማ ካልእ እዋን ክትዋጋኣና ከምዘይትኽእል ክንድምስሳ ኢና ኢዩ ዝብል ዘሎ ማለት ኢዩ። ኣነ ነዛ ዘረባ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ሓንጎለይ ዝመጸኒ፡ እቲ ብዘይካ ውልቃዊ ስልጣኑ ካልእ ዘይዓጅቦ ዲክታቶር ኢሳያስ ነታ ዘረባ ምስ ሰመዐ ጠፋእኩ ብምባል ምናልባት ዶኾን እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ግብረ ሽበራ ስርሑ ጠጠው የብሎ ይኸውን ኢለ ነይረ። ግን ኣመል ምስ መግነዝ ከም ዝበሃል ዲክታቶር ኢሳያስ ካብቲ ዝሓለፈ እዋናት ብዝያዳ ደአ’ኳ ከካይዶ ጀመረ። ናይ በዓል ኣልሸባብን ናይ ኦሮሞ ግንባርን ናይ ምዕራብ ሶማሊያ ግንባር ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ምልኣኽ ከይአኽሎ ሕሉፍ ሓሊፉ ንኹሎም ጸላእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ከካብ ዘለውዎ እናአኻኸበ ናይ ኤርትራ ሃብቲ ካብ ኣፍ ናይ ዝጠመዩ ኤርትራውያን እናመንጠለ ካብዘይብሉ ገንዘብ ገይሩ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ብዝለዓለ ዘድልዮም ዕጥቅን ስንቅን ምሃብን ዘድሊ ናይ ግብረ ሽበራዊ ስልጠና እናሃበን ኣጆኹም ንኢትዮጵያ ህውከትን ዕግርግርን ንዝሑላ ይብሎም ከም ዘሎ ዳርጋ ዓለም ብዓለም ጥፈጦ  ጉዳይ ኢዩ። ሕሉፍ ሓሊፉውን ነቶም ብናይ ኤርትራ ልኡልነት ዘይአምኑ ከም በዓል ቅንጅትን፤ ግንቦት 7 ዝበሃሉን ከምኡውን ነቶም ናይ ደርግ ተረፍ መረፍ እናአኻኸበ ነቲ ናቱ እከይ ተግባራት ከሳስይሉ ይገብር ከምዘሎ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ኣነ ከም ዝርደአኒ ኣብዚ እዋንዚ መለስ ዜናዊ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ተጠዊኻ ምኻድን ዕሽሽ እናበልካ ምሕላፍን ዘይከኣለሉ ደረጃ ዝበጸሐ ይመስል ኣሎ። ኢሳይያስ ነቲ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ኣንጻር ጥሜት ውግእን ናይ ልምዓት ስራሓትን ዕንቅፋት ኮይኑዋ ኣሎ ማለት ኢዩ። መለስ’ውን ቅድሚ 2 ዓመት ነቶም ዕንቅፋት ዝኾኑና ናይ ግድን ስጉምቲ ክንወስደሎም ኢና ዝበላ መዓልታ እናቀረበት ትመጽእ ዘላ ትመስል ኣላ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ፍርቂ ዓመት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ንኢትዮጵያ ፓርላማ ዘረባ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ህግደፍ ወይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ናይ  ግብረ ሽበራ ስራሓት ጠጠው ከብሎ ኣለዎ (ፖሊሲኡ ክቕይር ኣለዎ) እንተዘየበሎ  ግን ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሉ። ኣነ ብወገነይ ንአበሃህላኡ መሉእ ብሙሉእ ኢየ ዝድግፎ። ምኽንያተይ  ጸኒሐ ክገልጾ ኢየ።

ተመጣጣኒ ስጉምቲ  ምውሳድ

ብዛዕባቲ ስጉምቲ ክዛረብ ከሎ ሓደ ሰብ ርእስኻ ኳሕ እንተበለካ ብተመጣጣኒ ኢኻ ኳሕ ተብሎ እምበር ብታንክ ኣይትሃርሞን ኢኻ። ብሓንቲ  ስኳድሮን እንተኣጥቀዓካ በጦሎኒ ወይ ብርጌድ ሰራዊት ሰዲድካ ኣይተጥቀዖን ኢኻ። እቲ ትወስዶ  ግብረ መልሲ ተመጣጣኒ ክኸውን ኣልዎ ኢሉ። እዚ ድማ ናይ ዓለም ናይ ጀነቫ ስምምዕ ብምጥቃስ ኢዩ። ኣነ ብወገነይ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣይሰማማዓሉን ኢየ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ናይ ጀነቫ ስምምዕ ዝብሎ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ንዘጋጥም  ጎነጽ ዝምልከት እምበር ነቶም ከም በዓል ኢሳያስን ኦሳማ ቢንላደን ዝአመሰሉ ኣብ ናይ  ግብረ ሽበራ ምፍጻም ዝተዋፈሩ ዘጠቓልል ኣይኮነን። ኣብዚኣ ሓንቲ ነገር ኣላ። ኢሳይያስ ነቲ ዕድሜ ሙሉእ ዝለመዶ ናይ ግብረ ሽበራን ሽሕጣንን ኣመሉ ክገድፎ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ  (ሒዝዎ ዘሎ ፖሊሲ ምቕያር)  ጸሓይ ኣብ ክንዲ ብምብራቕ ብወገን ምዕራብ ገጻ ክትበርቕ ኢያ ማለት ይቐልል። ፈጺሙ ዘይከውን ነገር ኢዩ። እቲ ዝለመዶ ኣመሉ ናይ ግድን ክቕጽለሉ ኢዩ። ስለዚ መለስ ነታ ካልአይቲ ዝበላ ናይ ስጉምቲ ምውሳድ ምርጫ ጥራይ ኢያ ዘላቶ ማለት ኢዩ። 

ነዚ መለስ ዝበሎ ናይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ንኢሳያስ የዋጽኦ ኢዩ። ንአዲስ ኣበባ ከይደ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኢሳያስ ብዝለአኮም ዝተፈጸማ ክልተ ኣብነታት ክገልጽ። ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ቅድምቲ ናይ ዝሓለፈ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ምክያዱ ብኢሳያስ ዝተዓለሙን ዝዓጠቑን ጸላእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ንውሽጢ ትግራይ ሰሊኾም ብምእታው ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ትበሃል ንእሽቶይ ከተማ ከይዶም ኣብ ሓንቲ እንዳ ሻሂ ኣትዮም ብግዜ ዝትኮስ ቦምባ ኣቐሚጦም ደሓር እታ ቦምባ ነቲጓ ኣብኡ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ቀቲላን ክንደኦም ዝኾኑ ድማ ኣቑሲላን። እዚ ናይ ኢሳያስ ስራሕ ስለ ዝኾነ መለስ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክወስድ እንተ ደአ ኮይኑ ልክዕ ከምታ ኢሳይያስ ዝገበራ ንሱ ድማ ሰብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣስሊኹ ብምእታው ንአብነት ንዓዲ ዃላ ከይዶም ኣብ ሓንቲ እንዳ ሻሂ ዘለው ሰላማውያን ሰባት ይቐትሉን የቝስሉን ማለት ኢዩ። ከምኡውን ሓደ  ግዜ ብኢሳይያስ ዝዓጠቑን ዝተላእኩን ናይ  ግብረ ሽበራ ስርሒት ንምፍጻም ንሑመራ ኣትዮም ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰላማውያን ሰባት ዝጸዓነት ኣውቶቡስ ቦምባ ኣቐሚጦም ደሓር እታ ቦምባ ተተኩሻ ሓያሎ ሰባት ቀቲላን ኣቝሲላን። ብናይ ኣቶ መለስ ናይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ኣዘራርባ መለስ ድማ ሰብ ኣስሊኹ ብምእታው ኣብ ባረንቱ ሰላማውያን ሰባት ጽዒና ናብ ዘላ ኣውቶቡስ ኣትዮም ቦምባ ኣብ ውሽጣ ይገድፉ’ሞ ምስ ተተኮሰት ድማ ሰላማውያን ሰባት ይቕተሉን ይቖስሉን ማለት ኢዩ። ኢሳይያስ ኤርትራውያን እንተ ተቐትሉን እንተቖሰሉን ኣይጉዳዩን ኢዩ። ኤርትራውን ዝቐትለሉን ዘቝስለሉን ሓጋዚ እንተ ረኺቡ  እሞኸአ ሓጎሱ ወሰን የብሉን። ብሓጺሩ እዚ ኣቶ መለስ ዝብሎ ዘሎ ናይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ንናይ ግብረ ሽበራ ስራሓት ዝምክት ኣይኮነን። ፈጺሙ ድማ ትኽክል ኮይኑ ኣይስመዓንን። ብሰንኪ ሓደ ብዘይካ ህውከትን ዕግርግርን ውግእን ካልእ ዘይፈልጥ ሰብ ብፍላይ  ከአ ሰላማውያን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝሞተሉን ዝቖስለሉን ካብ መነባብሮኡ ዝፈናቐለሉን ምኽንያት ኣይረኣየንን። እቲ ስጉምቲ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስን መራሕቲ ህግደፍን ኢዩ ክኸውን ዘለዎ እብል።

ብዙሓት ሃገራት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ሕጊ ኣለወን። ብኡኡ መሰረት ድማ ስጉምቲ ይወስዳ። ኣብዚ ዝቕመጠሉ ሃገር ኣመሪካ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕጊ ኣለዎም። ብኡ መሰረት ከአ ስጉምቲ ይውስዱ። ግብረ ሽበራ ስረሓት ክፍጽሙ ሓሲቦም እሞ እንተ ተታሒዞም መቕጻዕቶም ዕድመ ሙሉእ እስራት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ናይ ግብረ ሽበራ ስረሖም እንተ ተዓዊቱን ናይ ሰብ ሂወት እንተ ኣጥፊኦም ብሞት ኢዮም ዝቕጽዑ። ለአኽቶም እንተ ተፈሊጦም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ናይ መቕተልቲ ስጉምቲ ይውሰድ። ንአብነት ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣብ የመን ዘለው ናይ ኣልቃይዳ መራሕቲ ንሓደ ወዲ ናይጀርያ ኣብ ሙታንትኡ ክሓብኦ ዝኽእል መሳርያ ኣዕጢቆም ካብ ሎንዶን ንአመሪካ ብአውሮፕላን ተሳፊሩ ክኸይድ ከሎ ነታ ኣውሮፕላን ኣብ ሰማይ ከላ ከቃጽላ ፈቲኑ ነይሩ። ንሱ ናይ ሂወት ሙሉእ ማእሰርቲ ክፍረዶ ከሎ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝለኣኽዎ ድማ መ/ኣመሪካ ፕረዲቶር ድሮን ብዘይሰብ ዝበራ ኣብውሮፕላን ገይሩ ቀቲሉዎም። ብከምዚ ኣገባብ ኣቶ መለስ ድማ ብዛዕባ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ዝብል  ገዲፉ ነቶም  ግብረ ሽበራ ንምፍጻም ዝተዋፈሩን ኣብልዕቶም ልኣኽቶም ኢዩ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ዘሎዎ እብል።

 ከምዚ ክብል ከለኹ ሓደ ሓደ ሰባት እዚ’ሞ ንኤርትራ ውረራ ማለት ኢዩ ትብሉ ትኾኑ። ኣነ ድማ መልሰይ ንዓኻትኩም ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። እስኪ ነታ ነብስኹም ኣብ ናይ መለስ ዜናዊ ኮፍ ኣብሉዋ። ብህዝቢ ተመሪጽኩም ሃገር ኣመሓድር እንተ ተባሂልኩም’ሞ ናይ ጐረቤትኩም ሃገር መራሒ ኢየ በሃላይ በብግዜኡ ናይ ግብረ ሽበራ እንተ ዝፍጸምሲ እንታይ ምገበርኩም ማለት ኢዩ። ብናተይ ርኢቶ ክትአልዩዎ ክትፍትኑ ኣለኩም በሃላይ ኢየ። ፈቲና ጸሊእና መለስ ከምታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝበላ ነቲ ጥሜት ንምጥፋእ ነካይዶ ዘለና ውግእን ነቲ ናይ ልምዓት ስራሕናን ኮነ ኢሉ ክዓናቕፈና ዝፍትን ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ዝበሎ ንስኻትኩም’ውን ከምኣ ምገበርኩም ኢየ ዝብል። መለስ’ውን ናብታ ዘይተዳግም ስጉምቲ ገጹ ዘዘምበለ ኢዩ ዝመስል ዘሎ’ሞ ኣብዚ ኩነታት እዚ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክገብር ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ቀጺለ እቲ ዝመስለኒ ርእይቶ ክህብ ክፍትን ኢየ።
ኣብ ዘረብኡ መለስ ዜናዊ ሓንቲ ጽብቕቲ ዝበላ ነገር ኣላ። ንሳ ድማ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝባን ገበን ዝፍጽሙ ዝነበሩ ኢና ስጉምቲ ዝነበርና። ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ንዓኣቶም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝለኣኽዎም እውን ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና እዩ ዝብል ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኢሳይያስ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህቦ ዘሎ። እዚ ክኣ ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ከምዝበሃል ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ ልዕሊ እቶም ሽበራዊ ተግባር ዝፍጽሙ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ኣብ ልዕሊኻ ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢዩ ዝብሎ ዘሎ ንዲክታተር ኢሳያስ።

ስለምታይ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ፖሊስኡ ክልውጥ ወሲኑ ዘሎ? 

ከም ናተይ ርእይቶ እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ይርከብዎም፣
1.  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ 5 ዓመት ናይ ዕብየትን ለውጥን ፕላን (5 Year
     Growth & Transformation Plan)  ከምቲ ዝድለ ሽቶኡ  ክወቅዕ  ንኽኽእል፣
2.  ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ኢሳያስ ምምሕዳር ጸሊእዎ ጥራይ ዘይኮነስ ፈንፊኑ ዓኽ ጡፍ ከምዝበሎ
    ስለ ዝፈለጠ፣
3.  ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ኣብ ኢሳይያስ እምነት ከምዘይብሉን ከዲዕዎ ከምዘሎን ብተወሳኺ ድማ
    ንናይ ኢሳያስ  ስልጣን ክናውሕ ኢሉ ክዋጋእ  ከምዘይደሊ ስለዝተረደአ፣
4.  ስርዓት ኢሳያስ ውሽጡ ቦኽቢኹን መሽሚሹን ምህላዉ ስለ ዘረጋገጸ፤
5.  ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ሃገራትን ውድባትን
    ከምዝተፈንፈነ ብጭቡጥ ስለዘረጋጸን፣ ኢዩ ኢለ እግምት።

እዘን ጠቒሰየን ዘለኹ ነጥብታት ኣብ ዝቕጽል ጽሑፋተይ በብሓደ እናተንተንኩ ከቕርበን ክፍትን ኢየ።


 

  


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...